ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከም መንፈሳዊ ሰብ መጠን ንቕድሚት ገስግስ!

ከም መንፈሳዊ ሰብ መጠን ንቕድሚት ገስግስ!

“ብመንፈስ ተመላለሱ።”—ገላ. 5:16

መዝሙር፦ 22, 75

1, 2. ሓደ ሓው ብመንፈሳዊ መዳይ እንታይ ከም ዚጐድሎ እዩ ተገንዚቡ፧ እንታይከ ገበረ፧

ሮበርት ገና ኣብ ዕድመ ዀተቴ ኸሎ እዩ ተጠሚቑ። ንሓቂ ግና ኣጽኒዑ ኣይሓዛን። ከምዚ ድማ በለ፦ “ሓጢኣት ፈጺመ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ንነገራት ብልማድ ጥራይ እየ ዝገብሮ ነይረ። ኣብ ኵሉ ኣኼባታት እእከብን ኣብ ዓመት ኣብ እተወሰነ ኣዋርሕ ሓጋዚ ፈላሚ ዀይነ አገልግልን ስለ ዝነበርኩ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱል እየ ዝመስል ነይረ። ገለ ዝጐደለኒ ነገር ግና ነይሩ።”

2 ሮበርት፡ ሓዳር ክሳዕ ዚገብር እቲ ጸገም እቲ ኸም ዘለዎ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ንሱን ብዓልቲ ቤቱን ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ክተሓታተቱ ጀመሩ። እታ ብመንፈሳዊ መዳይ ድልድልቲ ዝነበረት ብዓልቲ ቤቱ ነቲ እትሕተቶ ሕቶታት ብቐሊሉ ትምልሶ እኳ እንተ ነበረት፡ ሮበርት ግና መልሲ ስለ ዚጠፍኦ ይሓፍር ነበረ። “ዋላ ሓንቲ ዝፈልጥ ኰይኑ ኣይተሰምዓንን። ‘ብመንፈሳዊ መዳይ ርእሲ ሰበይተይ ክኸውን እንተ ደኣ ዀይነ፡ ገለ ኽገብር ኣሎኒ’ ኢለ ድማ ሓሲበ” ኸኣ በለ። ከምቲ ዝሓሰቦ ድማ ገበረ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ኣጸቢቐ ምስ ኣጽናዕክዎ፡ ኵሉ ኺበርሃለይ ጀመረ። ኣጸቢቐ ኽርድኦ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ኬማዕብል ክኢለ።”

3. (ሀ) ካብ ተመክሮ ሮበርት እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንምሃር ንኽእል፧ (ለ) ሕጂ ብዛዕባ እንታይ ቀንዲ ነጥብታት ኢና ኽንመያየጥ፧

3 ካብ ተመክሮ ሮበርት ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። እተወሰነ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ይህልወና፡ ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ድማ ንሓብር ንኸውን። እዚ ጥራይ ግና መንፈሳውያን ሰባት ኣይገብረናን እዩ። ወይ ከኣ ድሮ ዕቤት ጌርና ንኸውን፡ ንርእስና ኣጸቢቕና ምስ መርመርናያ ግና ሕጂ እውን መንፈሳውነትና ኸነመሓይሽ ከም ዘሎና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። (ፊል. 3:16) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ቀጻሊ ዕቤት ክንገብር ንዚሕግዛና ስዒበን እተጠቕሳ ሰለስተ ቐንዲ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበለን ኢና፦ (1) ብሓቂ መንፈሳውያን ምዃንና ምእንቲ ኽንምርምር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (2) መንፈሳውነትና ኸነማዕብልን ከም መንፈሳውያን ሰባት መጠን ቀጻሊ ዕቤት ክንገብር እንኽእልን ብኸመይ ኢና፧ (3) ድልዱል መንፈሳውነት ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ርእስና ንመርምር

4. እቲ ኣብ ኤፌሶን 4:23, 24 ዘሎ ምኽሪ ንመን እዩ ዚዓዪ፧

4 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስ ኰንና፡ ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና ለውጢ ጌርና ኢና። ምስ ተጠመቕና እውን ለውጢ ምግባርና ንቕጽል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብኣተሓሳስባና ብቐጻሊ ኽንሕደስ’ ይነግረና እዩ። (ኤፌ. 4:23, 24) ፍጹማት ስለ ዘይኰንና ዅላትና ብቐጻሊ ለውጢ ኽንገብር የድልየና እዩ። ንነዊሕ እዋን ንየሆዋ ዘገልገሉ ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ መንፈሳውነቶም ኬማዕብሉ የድልዮም እዩ።—ፊል. 3:12, 13

5. ንርእስና ምእንቲ ኽንምርምር እንታይ ሕቶታት ኪሕግዘና ይኽእል፧

5 መንፈሳውነትና ንምምሕያሽን ንምምዕባልን ንርእስና ብቕንዕና ኽንምርመር የድልየና እዩ። ዓበይቲ ንኹን ንኣሽቱ፡ ነፍሲ ወከፍና ንርእስና ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ከም መንፈሳዊ ሰብ መጠን ንቕድሚት እግስግስ ከም ዘለኹ ዚሕብር ለውጥታት ኣብ ህይወተይ አስተብህልዶ ኣለኹ፧ ባህርያተይ ከም ናይ ክርስቶስ ይመስልዶ ኣሎ፧ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዘርእዮ ኣመለኻኽታን ጠባየይን ብዛዕባ ዕምቈት መንፈሳውነተይ እንታይ እዩ ዚሕብር፧ ዘረባይ ብዛዕባ ባህግታተይ እንታይ እዩ ዜርኢ፧ ልማድ መጽናዕተይ፡ ኣከዳድናይን ኣመለኻኽዓይን ወይ ድማ ምኽሪ ኺውሃበኒ ኸሎ ዝህቦ ምላሽ ብዛዕባይ እንታይ እዩ ዚሕብር፧ ፈተና ኼጋጥመኒ ኸሎ ብኸመይ እየ ዝዋጽኣሉ፧ ካብ መሰረታዊ ብስለት ሓሊፈ፡ እኹል ክርስትያን ናብ ምዃን በጺሐ ድየ፧’ (ኤፌ. 4:13) ነዚ ሕቶታት እዚ እንህቦ ምላሽ ምሕሳብና፡ መንፈሳዊ ዕቤትና ኽንግምግም ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

6. ብሓቂ መንፈሳውያን ምዃንና ምእንቲ ኽንምርምር፡ እንታይ ካልእ ነገር የድልየና፧

6 ብሓቂ መንፈሳውያን ምዃንና ምእንቲ ኽንምርምር፡ ሓድሓደ ግዜ ኻብ ካልኦት ሓገዝ የድልየና ይኸውን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ስጋዊ ሰብ እቲ ዚመርሖ ህይወት ንኣምላኽ ዘየሐጕሶ ምዃኑ ኸም ዘይርድኦ ገሊጹ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ መንፈሳዊ ሰብ ኣረኣእያ ኣምላኽ ይርድኦ፡ ስጋዊ ሰብ ጌጋ መገዲ ኸም ዚስዕብ እውን ይፈልጥ እዩ። (1 ቈረ. 2:14-16፣ 3:1-3) ሓሳብ ክርስቶስ ዘለዎም ሽማግለታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምልክታት ስጋዊ ኣተሓሳስባ ኣቐዲሞም ይርእዩ እዮም። ሽማግለታት ኪሕግዙና ምስ ዚጽዕሩ፡ ምኽሮም ተቐቢልና ኣድላዪ ለውጢ ንገብር ዲና፧ ከምኡ ንገብር እንተ ዄንና፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቤት ክንገብር ከም እንደሊ ኢና እነርኢ።—መክ. 7:5, 9

መንፈሳውነትካ ኣማዕብል

7. መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ንምዃን ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እኹል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

7 መንፈሳዊ ሰብ ንምዃን ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እኹል ከም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። ጥንቲ ዝነብር ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን፡ ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ብዙሕ ፍልጠት ነይርዎ እዩ። ገሊኡ ኻብቲ እተዛረቦ ድማ ጸኒሑ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ እዩ። ደሓር ግና ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ተዳኸመ፡ እሙን መንፈሳዊ ሰብ ኰይኑ ድማ ኣይቀጸለን። (1 ነገ. 4:29, 30፣ 11:4-6) ስለዚ፡ ካብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ብተወሳኺ እንታይ የድልየና፧ ብቐጻሊ መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብር የድልየና። (ቈሎ. 2:6, 7) እሞ ደኣ፡ ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧

8, 9. (ሀ) እምነትና ምእንቲ ኸነደልድል እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ለ) ኬነጽንዕን ከነስተንትንን ከለና ሸቶና እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

8 ጳውሎስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ክርስትያናት ናብ ‘ብስለት ኪግስግሱ’ ተማሕጸኖም። (እብ. 6:1) ሎሚ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኸነውዕሎ እንታይ ስጕምትታት ክንወስድ ኣሎና፧ ሓደ ኣገዳሲ ስጕምቲ ነታ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋዘርእስታ መጽሓፍ ምጽናዕ እዩ። ነታ መጽሓፍ ኣጽኒዕካ ምስ እትውድኣ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እተውዕሎ ኸተስተብህል ኢኻ። ነታ መጽሓፍ ወዲእካያ እንተ ዄንካ ድማ፡ እምነትካ ኼደልድል ዚኽእል ካልእ ሕታማት ከተጽንዕ ትኽእል ኢኻ። (ቈሎ. 1:23) የሆዋ ነቲ ዘጽናዕካዮ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ብጸሎት ተስተንትን ዲኻ፧

9 ከነጽንዕን ከነስተንትንን ከለና፡ ሸቶና ንየሆዋ ኸነሐጕሶን ክንእዘዞን ዜኽእለና ሓያል ባህጊ ኸነማዕብል ኪኸውን ኣለዎ። (መዝ. 40:8፣ 119:97) ንመንፈሳዊ ዕቤትና ዕንቅፋት ዝዀኑ ነገራት ከነውግድ እውን ክንዓይዪ ኣሎና።—ቲቶ. 2:11, 12

10. መንእሰያት መንፈሳውነቶም ንምምዕባል እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

10 መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ኣሎካዶ፧ ሓደ ኣብ ቤት-ኤል ዜገልግል ሓው፡ ነቶም ኣብ ኣኼባታት ወረዳ ኺጥመቑ ዚዳለዉ ሰባት ቅድሚ እቲ ኣኼባ ናይ ምዝርራብ ልማድ ነበሮ። መብዛሕትኦም እቶም ሕጹያት ጥምቀት መንእሰያት እዮም። እቲ ሓው እንታይ መንፈሳዊ ሸቶታት ከም ዘለዎም ይሓትቶም እዩ። መብዛሕትኦም ድማ ኣብ መጻኢ ንየሆዋ ብኸመይ ከም ዜገልግልዎ ኣጸቢቖም ከም ዝሓሰቡሉ ኺርኢ ኽኢሉ እዩ። ገሊኦም ኣብ ሓደ መዳይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ወይ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ናብ ዜድልይሉ ቦታ ኸይዶም ኬገልግሉ መዲቦም እዮም። ካልኦት ግና ንሕቶኡ ብኸመይ ከም ዚምልስሉ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። እዚ ግና፡ ንጹር መንፈሳዊ ሸቶታት ኪህልዎም ከም ዘይደልዩ ዚሕብር ድዩ፧ ከም መንእሰይ መጠን፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ፦ ‘ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ዝካፈል ወለደይ ስለ ዝደለዩ ጥራይ ድየ፧ ብብሕተይ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ብምምስራት ንዕኡ ብዝያዳ እቐርቦ ኣለኹዶ፧’ ሓቂ እዩ፡ ዓበይቲ ንኹን ንኣሽቱ፡ ኵላትና መንፈሳዊ ሸቶታት ኪህልወና ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ሸቶታት ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ክንከውን ኪሕግዘና እዩ።—መክ. 12:1, 13

11. (ሀ) ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኽንገብር፡ እንታይ ክንገብር የድልየና፧ (ለ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚርከብ ኣየናይ ኣብነት ኢና ኽንስዕብ እንኽእል፧

11 ኣብ ኣየናይ መዳይ ከነመሓይሽ ከም ዘሎና ምስ እነስተብህል፡ ለውጢ ኽንገብር ዜኽእለና ስጕምትታት ክንወስድ ኣሎና። መንፈሳዊ ሰብ ምዃን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ፡ እዚ ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ እዩ። (ሮሜ 8:6-8) ይኹን እምበር፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ብሱላት ኢና ኺብሃል ከሎ፡ ፍጹማት ኢና ማለት ኣይኰነን። ኣድላዪ ዕቤት ክንገብር መንፈስ የሆዋ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። እንተ ዀነ ግና ጻዕሪ ኽንገብር ኣድላዪ እዩ። ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ሓውና ጆን ባር፡ ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ንሉቃስ 13:24 ብምጥቃስ፡ ‘ብዙሓት ንኺብርትዑ ጻዕሪ ስለ ዘይገብሩ በታ ጸባብ ኣፍ ደገ ኺኣትዉ ኸም ዘይክእሉ’ ተዛሪቡ ነበረ። ከምቲ በረኸት ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ ምስ መልኣኽ ከይተሓለለ እተቓለሰ ያእቆብ ክንከውን የድልየና እዩ። (ዘፍ. 32:26-28) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬሐጕስ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ከምቲ ንመዘናግዒ ተባሂሉ ዚዳሎ መጽሓፍ ልቢ ወለድ ጌርና ግና ክንርእዮ የብልናን። የግዳስ፡ ኪጠቕመና ዚኽእል መንፈሳዊ ሃብቲ ኽንረኽበሉ ኽንጽዕር ኣሎና።

12, 13. (ሀ) ንሮሜ 15:5 ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኸነውዕላ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ለ) ኣብነትን ምኽርን ሃዋርያ ጴጥሮስ ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ሐ) ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኽትምዕብል እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ (ነታ “ ብመንፈሳዊ ምእንቲ ኽትዓቢ ኽትወስዶ እትኽእል ስጕምትታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

12 መንፈሳውነትና ንምምዕባል ምስ እንዓዪ፡ መንፈስ ቅዱስ ንኣእምሮና ዜሐድስ ሓይሊ ኺህበና እዩ። ሳላ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ድማ፡ በብቝሩብ ሓሳብ ክርስቶስ ክንሓስብ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 15:5) ብዘይካዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ስጋዊ ባህግታት ብምርሓቕ፡ ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርያት ከነማዕብል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ገላ. 5:16, 22, 23) ኣእምሮና ስጋዊ ኣተሓሳስባ ኸነማዕብል ከም ዚደፋፍኣና እንተ ኣስተብሂልና፡ በዚ ኽንሕለል የብልናን። ንየሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ኺህበና ብቐጻሊ ምስ እንልምኖ፡ ኣብቲ ትኽክል ዝዀነ ነገራት ምእንቲ ኸነተኵር ኪሕግዘና እዩ። (ሉቃ. 11:13) ንሃዋርያ ጴጥሮስ ንዘክሮ። ንሱ ወትሩ ኣይኰነን ሓሳብ ክርስቶስ ነይርዎ። (ማቴ. 16:22, 23፣ ሉቃ. 22:34, 54-62፣ ገላ. 2:11-14) ይኹን እምበር፡ ኣይተሓለለን። ብሓገዝ የሆዋ ድማ በብቝሩብ ሓሳብ ክርስቶስ ኬማዕብል ክኢሉ እዩ። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና።

13 ጸኒሑ፡ ጴጥሮስ ኪሕግዝና ዚኽእል ዝርዝር ባህርያት ጠቒሱ እዩ። (2 ጴጥሮስ 1:5-8 ኣንብብ።) ከም ርእሰ ግትኣትን ተጻዋርነትን ሕውነታዊት ፍቕርን ዝኣመሰለ ጽቡቕ ባህርያት ከነማዕብል ‘ብዅሉ ትግሃት ንጋደል’ እንተ ዄንና፡ ከም መንፈሳዊ ሰብ መጠን ንቕድሚት ክንግስግስ ኢና። ስለዚ፡ “ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱል ምእንቲ ክኸውን ሎሚ ነየናይ ባህርያት እየ ኽዓይየሉ ዘሎኒ፧” ኢልካ መዓልቲ መዓልቲ ንርእስኻ ሕተታ።

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ተግብሮ

14. መንፈሳዊ ሰብ ምዃን ንህይወትና ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

14 ሓሳብ ክርስቶስ እንተ ኣልዩና፡ ኣዘራርባናን ኣብ ስራሕና ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ እነርእዮ ባህርይን መዓልታዊ እንገብሮ ውሳነን በዚ ኺጽሎ ይኽእል እዩ። እቲ እንገብሮ ውሳነታት ድማ ንክርስቶስ ክንመስሎ ንጽዕር ከም ዘሎና ዜርኢ ኪኸውን እዩ። ከም መንፈሳውያን ሰባት መጠን ዝዀነ ይኹን ነገር ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኬበላሽዎ ኣይንደልን ኢና። ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ኣረኣእያ ነቲ ጌጋ ዝዀነ ነገር ክንገብር እንፍተኖ ፈተና ኽንጻወሮ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ውሳነ ቕድሚ ምግባርና፡ ሓንሳእ ደው ኢልና ንርእስና ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ክንሕትት ኣሎና፦ ‘ኣየናይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ኺሕግዘኒ ዚኽእል፧ ኣብዚ ዅነታት እዚ ክርስቶስ እንታይ ምገበረ፧ ንየሆዋ ዜሐጕሶ ውሳነ ኣየናይ እዩ፧’ በዚ መገዲ እዚ ንርእስና ምእንቲ ኸነሰልጥና፡ ንመርኣዪ ዚኸውን ኬጋጥም ዚኽእል ገለ ኣብነታት ንርአ። ኣብ ኵሉ ኣብነታት፡ ጥበባዊ ውሳነ ንምግባር ኪሕግዘና ዚኽእል ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክንርኢ ኢና።

15, 16. ሓሳብ ክርስቶስ፡ (ሀ) መጻምድቲ ኽንሓሪ ኸለና፡ (ለ) ምሕዝነትና ኽንሓሪ ኸለና ጥበባዊ ውሳነ ኽንገብር ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

15 መጻምድቲ ምሕራይ። ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ኣብ 2 ቈረንቶስ 6:14, 15 ይርከብ። (ኣንብብ።) ጳውሎስ፡ መንፈሳዊ ሰብ ካብ ስጋዊ ሰብ ኣዝዩ እተፈልየ ኸም ዝዀነ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። እዚ ሓሳብ እዚ፡ መጻምድቲ ኣብ ምምራጽ ዚውዕል ብኸመይ እዩ፧

16 ምሕዝነት። ነቲ ኣብ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:33 ዚርከብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ኣስተብህለሉ። (ኣንብብ።) ሓደ መንፈሳዊ ሰብ፡ መንፈሳውነቱ ኣብ ሓደጋ ምስ ዜእትዉ ሰባት ኣይቀርብን እዩ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እንታይ ሕቶታት ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ንኣብነት፡ እዚ ሓሳብ እዚ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ምጥቃም ንእንገብሮ ውሳነ ዚምልከት ብኸመይ እዩ፧ ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ ኣብ ኢንተርነት ዚግበር ጸወታ ኽትጻወት ምስ እትዕደም እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ውሳነታተይ መንፈሳዊ ሰብ ክኸውን ይሕግዘኒ ድዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17-19. መንፈሳዊ ሰብ ምዃን፡ (ሀ) ዘይረብሕ ንጥፈታት ንምውጋድ (ለ) ጽቡቕ ሸቶታት ንምውጻእ (ሐ) ካብ ዘይምስምማዕ ንምርሓቕ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

17 ንመንፈሳውነትና ዚጐድእ ንጥፈታት። ጳውሎስ ንክርስትያን ብጾቱ ዝጸሓፎ ቓላት፡ መጠንቀቕታ ዝሓዘ እዩ። (እብራውያን 6:1 ኣንብብ።) ከነርሕቖ ዘሎና “ምዉት ግብሪ” እንታይ እዩ፧ ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ከይንኸውን ዚዕንቅፍ፡ ዝዀነ ይኹን ዘይረብሕ ነገራት እዩ። እቲ ኣብ እብራውያን ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ፦ ‘እዚ ንጥፈት እዚ ጠቓሚ ድዩ ወይስ ጐዳኢ፧ ኣብዚ ንግዲ እዚ ኽኣቱ ኣሎኒ ድዩ፧ ኵነታት ዓለም ኪልውጡ ምስ ዚጽዕሩ ጕጅለታት ክሓብር ዘይብለይ ስለምንታይ እየ፧’

ውሳነታተይ መንፈሳዊ ሸቶታት ከውጽእ ይሕግዘኒ ድዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18 መንፈሳዊ ሸቶታት። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ ንሸቶታት ዚምልከት ንጹር ምኽሪ ሂቡ እዩ። (ማቴ. 6:33) ሓደ መንፈሳዊ ሰብ፡ ኣብ ህይወቱ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዜቐድም። ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብ ኣእምሮና ምሓዝና፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንምልሶ ይሕግዘና፦ ‘ዝለዓለ ትምህርቲ ኽከታተል መደብ ኣሎኒ ድዩ፧ ተወሳኺ ስራሕ ክሰርሕ ንዚቐርበለይ ዕድመ እቕበሎ ድየ፧’

ውሳነታተይ ምስ ካልኦት ‘ብሰላም ክነብር’ ይሕግዘኒ ድዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)

19 ዘይምስምማዕ። እቲ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንዝነበሩ ክርስትያናት ዝሃቦ ምኽሪ፡ ዘይምስምማዕ ኬጋጥመና ኸሎ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ሮሜ 12:18) ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ መጠን፡ ‘ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክንነብር’ ኢና እንደሊ። ምስ ካልኦት ዘይምስምማዕ ኬጋጥመና ኸሎ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ሓደ ሰብ ንዚህቦ ርእይቶ ምቕባል የጸግመና ድዩ፡ ወይስ ገበርቲ ሰላም ንምዃን ጻዕሪ ብምግባር ኢና እንፍለጥ፧—ያእ. 3:18

20. ከም መንፈሳዊ ሰብ መጠን ንቕድሚት ክትግስግስ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

20 እዚ ኣብነታት እዚ፡ ብዛዕባ ስርዓታት ኣምላኽ ምስትንታን ከም መንፈሳዊ ሰብ መጠን ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ይሕግዘና እዩ። መንፈሳውያን ሰባት እንተ ዄንና፡ መዓልታዊ ህይወትና ዜሐጕስን ዜዕግብን እዩ ዚኸውን። እቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሰ ሮበርት፡ “ምስ የሆዋ ናይ ሓቂ ዕርክነት ምስ መስረትኩ፡ ንፉዕ ሰብኣይን ንፉዕ ኣቦን ኰይነ እየ። ዕጉብን ሕጕስን እውን ኰይነ እየ” በለ። ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ንህብ እንተ ደኣ ዄንና፡ ተመሳሳሊ በረኸት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ከም መንፈሳውያን ሰባት መጠን፡ ሕጂ ዜዕግብ ህይወት፡ ኣብ ዚመጽእ ድማ “ናይ ሓቂ ህይወት” ከነስተማቕር ኢና።—1 ጢሞ. 6:19