ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ ሃብቲ ድለ

ናይ ሓቂ ሃብቲ ድለ

“ብገንዘብ ዓመጻ ኣዕሩኽ ግበሩ።”—ሉቃ. 16:9

መዝሙር፦ 122, 129

1, 2. ኣብዚ ስርዓት እዚ ዅሉ ሳዕ ድኻታት ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧

ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ቝጠባዊ ስርዓት ሕማቕን ዘይፍትሓውን እዩ። መንእሰያት ስራሕ ንምርካብ ንኸንቱ ይደኽሙ እዮም። ብዙሓት ሰባት ከኣ ናብ ሃብታማት ሃገራት ኪኸዱ ኢሎም ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትውዋ እዮም። ግናኸ፡ ኣብ ዝበልጸጋ ሃገራት እውን ከይተረፈ ድኽነት ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ዘሎ ፍልልይ ድማ ይሰፍሕ ኣሎ። ብመሰረት ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ገምጋም፡ 1 ሚእታዊት ሃብታማት ዓለም ማዕረ እቶም ዝተረፉ ነበርቲ ምድሪ ዚኸውን ሃብቲ ኣለዎም። ሓቅነት እዚ ገምጋም እዚ ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ቢልዮናት ሰባት ኣዝዮም ድኻታት ክነሶም፡ ካልኦት ግና ኣብ ምሉእ ዕድሚኦም እኳ ዘይውድእዎ ሃብቲ ኸም ዘለዎም ዚከሓድ ኣይኰነን። የሱስ ነዚ ሓቂ እዚ፡ “ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እዮም” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ማር. 14:7) እዚ ዘይማዕርነት እዚ ዝሃለወ ግና ስለምንታይ እዩ፧

2 የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ እትመጽእ እዚ ሕጂ ዘሎ ቝጠባዊ ስርዓት ከም ዘይቅየር ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቶም ነቲ ስስዐ ዝመልኦ ስርዓት ንግዲ ዜመልክቱ ኣብ ራእይ 18:3 ተጠቒሶም ዘለዉ “ነጋዶ፡” ሓደ ኽፋል እቲ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዜጠቓልል ስርዓት ሰይጣን እዮም። ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ፖለቲካን ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ምሉእ ብምሉእ ዚፍለዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካብቲ ሓደ ኽፋል ናይ ሰይጣን ዓለም ዝዀነ ንግዳዊ ስርዓት ግና ምሉእ ብምሉእ ኪፍለዩ ኣይክእሉን እዮም።

3. እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ከም ክርስትያናት መጠን፡ ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ንግዲ ዘሎና ኣረኣእያ ምእንቲ ኽንምርምር፡ ንርእስና ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንሓትታ ኣሎና፦ ‘ብስጋዊ ጥሪተይ ንኣምላኽ ዘሎኒ ተኣማንነት ከርኢ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧ ምስ ናይ ንግዲ ዓለም ዘሎኒ ርክብ ብኸመይ ክንኪ እኽእል፧ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን እዚ እውን ምሉእ ብምሉእ ብኣምላኽ ከም ዚእመኑ ዜርኢ እንታይ ተመክሮታት ኣሎ፧’

ምሳሌ እቲ ዓማጺ ኣመሓዳሪ

4, 5. (ሀ) እቲ የሱስ ኣብ ምሳሌኡ ዝጠቐሶ ኣመሓዳሪ እንታይ ዓይነት ኵነታት እዩ ኣጋጢምዎ ነይሩ፧ (ለ) የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ ኢሉ እዩ ምዒድዎም፧

4 ሉቃስ 16:1-9 ኣንብብ። እቲ የሱስ ብዛዕባ ሓደ ዓማጺ ኣመሓዳሪ ዝገለጾ ምሳሌ፡ ኣቓልቦ ዚስሕብ እዩ። እቲ ኣመሓዳሪ፡ ገንዘብ ጐይታኡ ይዘሩ ኸም ዘሎ ተኸስሰ። ንሱ ድማ ካብ ሓላፍነቱ ምስ ተሰጕገ ኺሕግዝዎ ዚኽእሉ “ኣዕሩኽ” ንምጥራይ ‘ተጣበበ።’ * ብርግጽ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንምንባር ኪዕምጹ ኸም ዘለዎም ኣይኰነን ዜተባብዖም ነይሩ። የግዳስ፡ ዓመጻ፡ መለለዪ “ደቂ እዚ ስርዓት እዚ” ኸም ዝዀነ እዩ ገሊጹ፣ በቲ ምሳሌ እቲ ኣቢሉ ኸኣ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ ኣጕሊሑ።

5 የሱስ፡ ከምቲ ኣጸጋሚ ዅነታት ኣጋጢምዎ ዝነበረ ኣመሓዳሪ፡ መብዛሕትኦም ሰዓብቱ እውን ንኺነብሩ ኢሎም ኣብዚ ዘይፍትሓዊ ናይ ንግዲ ዓለም ኪሰርሑ ኸም ዚግደዱ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ “ምስ ተወድኣኩም፡ [የሆዋን የሱስን] ኣብ ናይ ዘለኣለም መንበሪ ምእንቲ ኪቕበሉኹምሲ፡ ብገንዘብ ዓመጻ ኣዕሩኽ ግበሩ” ኢሉ ኣተባብዖም። እሞኸ ኻብቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ እንታይ ኢና እንምሃር፧

6. እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ንግዲ ሓደ ኽፋል ዕላማ ኣምላኽ ከም ዘይነበረ ብኸመይ ንፈልጥ፧

6 የሱስ ንገንዘብ ስለምታይ “ዓመጻ” ኢሉ ኸም ዝጠቐሶ እኳ እንተ ዘይገለጸ፡ ንግዲ ሓደ ኽፋል ዕላማ ኣምላኽ ከም ዘይነበረ ግና መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይነግረና እዩ። የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ኣብ ኤደን ዜድልዮም ዘበለ ዅሉ ኣማሊኡሎም ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 2:15, 16) ድሕሪ ግዜ ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረደ ድማ፡ “ሓደ እኳ ንገንዘቡ ናተይ ኣይብልን ነበረ፣ የግዳስ፡ ኵሉ ናይ ሓባር ነበረ።” (ግብ. 4:32) ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ፡ ኵሎም ሰባት ንሃብቲ ምድሪ ብናጻ ዚጥቀሙሉ እዋን ከም ዚመጽእ ተነብዩ እዩ። (ኢሳ. 25:6-9፣ 65:21, 22) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ሰዓብቲ የሱስ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንኣምላኽ ኬሐጕሱ እናጸዓሩ፡ “ብገንዘብ ዓመጻ” ኺነብሩ ‘ይጣበቡ’ እዮም።

ንገንዘብ ዓመጻ ብጥበብ ተጠቐመሉ

7. ኣብ ሉቃስ 16:10-13 እንታይ ምኽሪ ይርከብ፧

7 ሉቃስ 16:10-13 ኣንብብ። እቲ የሱስ ኣብ ምሳሌኡ ዝጠቐሶ ዓማጺ ኣመሓዳሪ ንጥቕሙ ኢሉ ኣዕሩኽ ኣጥርዩ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ጥቕሚ ርእሶም ከይሓሰቡ ኣብ ሰማይ ኣዕሩኽ ኬጥርዩ ኣተባቢዕዎም እዩ። ኣብታ ድሕሪ እታ ምሳሌ ዘላ ፍቕዲ፡ “ገንዘብ ዓመጻ” ንኣምላኽ እሙን ምስ ምዃን ተተሓሒዙ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ የሱስ፡ በቲ ዘጥረናዮ ገንዘብ ኣቢልና ንኣምላኽ ‘እሙናት ክንከውን’ ከም እንኽእል እዩ ኼጕልሕ ደልዩ ነይሩ። ግናኸ፡ ብኸመይ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧

8, 9. ገሊኦም ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ምዃኖም ብኸመይ ከም ዘርኣዩ ኣብነት ሃብ።

8 ሓደ ኻብቲ እሙናት ምዃንና ብገንዘብና ኸነርእየሉ እንኽእል መገዲ፡ ነቲ የሱስ እተነበዮ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ዚኸውን ገንዘብ ብምውፋይ እዩ። (ማቴ. 24:14) ንኣብነት፡ ኣብ ህንዲ እትነብር ንእሽቶ ጓል፡ ሳጹን ኣዳልያ በብግዜኡ ሰናቲም ተቐምጥ ነበረት፣ ንመግዝኢ ባምቡላ ዚውሃባ ገንዘብ እውን ኣብታ ንእሽቶ ሳጹና ተዋህልሎ ነበረት። እታ ሳጹን ምስ መልአት ከኣ፡ ነቲ ገንዘብ ንዕዮ ስብከት ኪኸውን ወፈየቶ። ኣብ ህንዲ ዚነብር ሓደ ሕርሻ ኮኮናት ዘለዎ ሓው፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ቋንቋ ማልያላም ብዙሕ ኮኮናት ሒዙ መጸ። እቲ ቤት ጽሕፈት ኮኮናት ምዕዳጉ ስለ ዘይተርፎ፡ ንመዐደጊ ኮኮናት ዚኸውን ገንዘብ ኣብ ክንዲ ዚውፊ ብቐጥታ ኮኮናት ሒዙ ምምጻኡ ዝሓሸ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ እዩ ኸምኡ ገይሩ። እዚ ድማ ጥበባዊ ስጕምቲ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ግሪኽ ዚርከቡ ኣሕዋት ዘይቲ ኣውልዕን ጅብናን ካልእ ምግብታትን ኵሉ ሳዕ ናብ ቤት-ኤል የምጽኡ እዮም።

9 ኣብ ወጻኢ ሃገር ዚነብር ስሪ ላንካዊ ሓው፡ ኣሕዋት ነቲ ኣብ ዓዱ ዚርከብ ቤቱ፡ ንሰሙናውን ንዓበይትን ኣኼባታት ኪጥቀሙሉን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኺነብሩሉን ፈቒዱ እዩ። በዚ ኸምዚ ገንዘቡ መስዋእቲ ምግባሩ፡ ነቶም ኣብታ ዓዲ ዘለዉ ድኻታት ኣሕዋት ብዙሕ ጠቒምዎም እዩ። ዕዮና ኣብ እተቐየደሉ ሃገራት ዚነብሩ ኣሕዋት፡ ኣባይቶም ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ፈቒዶም እዮም፣ እዚ ድማ፡ ሓያሎ ፈለምትን ገንዘባዊ ዓቕሚ ዘይብሎም ኣሕዋትን መአከቢ ቦታ ኺረኽቡ ሓጊዙ እዩ።

10. ብልግሲ ምስ እንህብ፡ እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

10 እቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ኣብነታት፡ ህዝቢ ኣምላኽ ‘ብንእሽቶ እሙናት’ ከም ዝዀኑ፡ ማለት በቲ ኻብ መንፈሳዊ ሃብቲ ዝተሓተ ዋጋ ዘለዎ ስጋዊ ሃብቲ እሙናት ከም ዝዀኑ እዩ ዜረጋግጽ። (ሉቃ. 16:10) እዞም ፈተውቲ የሆዋ እዚኦም ከምዚ ዓይነት መስዋእቲ ብምግባሮም ከመይ ይስምዖም፧ ለጋስ ምዃን “ናይ ሓቂ” ገንዘብ ወይ ሃብቲ ኽትረኽበሉ እትኽእል መገዲ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። (ሉቃ. 16:11) ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ወትሩ ወፈያ እትገብር ሓንቲ ሓብቲ፡ ብስጋዊ ነገራት ለጋስ ብምዃና፡ ብዙሕ ፍሉይ ጥቕሚ ረኺባትሉ እያ። ንሳ ኸምዚ በለት፦ “ብስጋዊ መዳይ ለጋስ ብዝዀንኩ መጠን፡ ብዛዕባ ኻልኦት ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ኺህልወኒ ኽኢሉ እዩ። ዝያዳ ይቕረ በሃሊትን ዕግስትን ክኸውን፡ ከምኡ ድማ ዜጕሂ ነገራት ክጻወርን ዚውሃበኒ ምኽሪ ክቕበልን ሓጊዙኒ እዩ።” ብዙሓት ካልኦት ሰባት እውን ለጋስ ምዃን መንፈሳዊ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ተገንዚቦም እዮም።—መዝ. 112:5፣ ምሳ. 22:9

11. (ሀ) ብልግሲ ምሃብና ‘ጥበብ’ ዜንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ህዝቢ ኣምላኽ ዚገብርዎ ወፈያ ገንዘብ ምምዕርራይ ዚፈጥር ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

11 ኣብ ኣገልግሎት ንዚካፈሉ ኻልኦት ኣሕዋትና ብገንዘብና ብምድጋፍ እውን ‘ጥበብ’ ከነርኢ ንኽእል ኢና። ከምኡ ምግባርና፡ በቲ ዘሎና ንኻልኦት ክንሕግዝ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። እቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ወይ ናብ ወጻኢ ሃገር ግዒዞም ኬገልግሉ ዘይክእሉ ገንዘብ ዘለዎም ኣሕዋት፡ እቲ ዚውፍይዎ ገንዘብ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ዚካፈሉ ኻልኦት ኣሕዋት ከም ዚሕግዝ ምፍላጦም ዕግበት የምጽኣሎም እዩ። (ምሳ. 19:17) ብፍታውካ ዚግበር ወፈያ፡ ነቲ ብዙሕ መንፈሳዊ ዕቤት ኣብ ዘለዎ ድኻ ኸባቢ ዚካየድ ዕዮ ስብከት ንምድጋፍን ንዕኡ ዚኸውን ጽሑፋት ንምድላውን ይሕግዝ እዩ። ንኣብነት፡ ንሓያሎ ዓመታት፡ ኣብ ከም እኒ ኮንጎን ማዳጋስካርን ሩዋንዳን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ዋጋ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ኽቡር እዩ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ እሞ ኸኣ ናይ ሓደ ሰሙን ወይ ናይ ሓደ ወርሒ ደሞዝካ ኸፊልካ እዩ ዚዕደግ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ኣሕዋትና ንስድራ ቤቶም ዚኸውን ኣስቤዛ ኻብ ምዕዳግን መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምዕዳግን ሓዲኡ ኺሓርዩ ይግደዱ እዮም። ሕጂ ግና እቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ወፈያ ገንዘብ “ምምዕርራይ” ስለ ዝፈጠረ፡ ውድብ የሆዋ ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤት ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱሳት ክትትርጕምን ክትዝርግሕን ኰነ ንመንፈሳዊ ጽምኢ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከተርዊ ኽኢላ እያ። (2 ቈረንቶስ 8:13-15 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቶም ወሃብትን እቶም ተቐበልትን ምስ የሆዋ ዕርክነት ኪምስርቱ ኽኢሎም እዮም።

“ብንግዳዊ ዕዮ” ኣይትጠላለፍ

12. ኣብርሃም ብኣምላኽ ከም ዚእመን ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

12 ምስ የሆዋ ዕርክነት ክንምስርት እንኽእለሉ ኻልእ መገዲ ድማ፡ ብናይ ንግዲ ዓለም ምስ ዘይንጠላለፍን ንዅነታትና “ናይ ሓቂ” ሃብቲ ንምርካብ ምስ እንጥቀመሉን እዩ። እቲ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ ኣብርሃም ዝስሙ ናይ እምነት ሰብ፡ ምስ የሆዋ ዕርክነት ኪህልዎ ስለ ዝደለየ፡ ብተኣዛዝነት ነታ ብልጽግቲ ኸተማ ዝነበረት ኡር ሓዲጉ ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። (እብ. 11:8-10) ንኣምላኽ ከም ምንጪ ናይ ሓቂ ሃብቲ ገይሩ ይርእዮ ስለ ዝነበረ፡ ስጋዊ ረብሓ ኺረክብ ኣይጸዓረን። ከምኡ እንተ ዚገብር፡ ብኣምላኽ ከም ዘይእመን መርኣየ ነይሩ። (ዘፍ. 14:22, 23) የሱስ ከምዚኣ ዓይነት እምነት ከነርኢ እዩ ኣተባቢዑና፣ ንሓደ ሃብታም ሰብኣይ ከኣ፡ “ፍጹም ክትከውን እንተ ደሊኻስ፡ ኪድ፡ ንብረትካ ሼጥካ፡ ንድኻታት ሃብ፣ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪህልወካ እዩ፣ ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” በሎ። (ማቴ. 19:21) እቲ ሰብኣይ ከም ናይ ኣብርሃም ዝዓይነታ እምነት እኳ እንተ ዘይነበረቶ፡ ካልኦት ሰባት ግና ምሉእ ብምሉእ ብኣምላኽ ከም ዚእመኑ ኣርእዮም እዮም።

13. (ሀ) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ እንታይ ኢሉ እዩ ምዒድዎ፧ (ለ) ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምዕዶ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንኽእል፧

13 ጢሞቴዎስ እውን ናይ እምነት ሰብ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ንፉዕ ወተሃደር ክርስቶስ የሱስ” ኢሉ ጸውዖ፣ “ወተሃደር ኰይኑ ዜገልግል ዘበለ፡ ነቲ ወተሃደር ኪኸውን ዝኸተቦ ምእንቲ ኼሐጕስ ኢሉ፡ ብንግዳዊ ዕዮ ዚጠላለፍ የልቦን” ድማ በሎ። (2 ጢሞ. 2:3, 4) ሎሚ ዘለዉ ሰዓብቲ የሱስ፡ እንተላይ እቶም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ፡ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ብዝከኣሎም መጠን ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ይጽዕሩ እዮም። ነቲ “ተለቃሒ ድማ ባርያ ኣለቃሒ እዩ” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት ስለ ዚዝክሩ፡ ብዓለምን ብመወዓወዒታታን ንዚወርዶም ጸቕጢ ይጻወርዎ እዮም። (ምሳ. 22:7) ሰይጣን ንዅሉ ግዜናን ጕልበትናን ኣብ ናይ ንግዲ ዓለም ብምጥፋእ ባሮት ክንከውን እዩ ዚደልየና። ብሰንኪ እቲ እንገብሮ ገሊኡ ውሳነታት፡ ንዓመታት ኣብ ዕዳ ኽንነብር ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ናይ ገዛ ዕዳ፡ ንነዊሕ እዋን ዚቕጽል ናይ ትምህርቲ ዕዳ፡ ናይ ማኪና ዕዳ፡ ወይ ከኣ ናይ መርዓ ዕዳ፡ ከቢድ ቍጠባዊ ጸቕጢ ኼስዕበልና ይኽእል እዩ። ናብራና ኣቕሊልና፡ ዕዳና ዀነ ወጻኢታትና ድማ ነኪና፡ ባሮት እዚ ሎሚ ዘሎ ናይ ንግዲ ዓለም ዘይኰነስ ባሮት ኣምላኽ ምስ እንኸውን፡ ጥበበኛታት ምዃንና ኢና እነርኢ።—1 ጢሞ. 6:10

14. እንታይ ዓይነት ቈራጽነት እዩ ዜድሊ፧ ኣብነት ሃብ።

14 ናብራና ምቕላል፡ ቀዳምነት ኪውሃቦ ዘለዎ ነገራት ምስራዕ እውን የጠቓልል። መኽሰብ ዘለዎ ዓብዪ ንግዲ ዝነበሮም ሰብ ሓዳር እሞ ኸም ኣብነት ንርአ። ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት መሊሶም ኪኣትዉ ስለ ዝደለዩ፡ ንግዶምን ጃልባኦምን ካልእ ነገራትን ሸጡ። ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዎርዊክ፡ ኒው ዮርክ ኪህነጽ ከሎ ድማ ብወለንታ ዓየዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንእተወሰነ ሰሙናት ምስቶም ኣብ ዕዮ ህንጸት ዎርዊክ ዚካፈሉ ዝነበሩ ወለዲ እቲ ሰብኣይ ኣገልጊሎም እዮም። ምስ ጓሎምን ሰብኣይ ጓሎምን ኬገልግሉ እውን ፍሉይ መሰል ረኺቦም እዮም። ኣብ ኮሎራዶ፡ ሕ.መ.ኣ እትነብር ፈላሚት ሓብቲ ኸኣ፡ ኣብ ሓደ ባንክ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ትሰርሕ ነበረት። እቶም ኣስራሕታ ብዕዮኣ ኣዝዮም ስለ እተሓጐሱ፡ ሰለስተ ዕጽፊ ደሞዝ እናተኸፍላ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ክትሰርሕ ሓተትዋ። እቲ ስራሕ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘለዋ ትዅረት ስለ ዚንክዮ ግና፡ ነቲ ዝቐረበላ ዜህርፍ ዕድመ ኣይተቐበለቶን። እዚ ኣብነታት እዚ፡ ገለ ኻብቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ዚገብርዎ ብዙሕ መስዋእትታት እዩ። ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ብምሃብ እነርእዮ ቘራጽነት፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነትን ንመንፈሳዊ ሃብትን ናይ ንግዲ ዓለም ካብ ዜቕርበልና ዝዀነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ እዩ ዜረጋግጽ።

ስጋዊ ሃብቲ ምስ ዚውዳእ

15. ዓብዪ ዕግበት ዜምጽኣልና እንታይ ዓይነት ሃብቲ እዩ፧

15 ስጋዊ ሃብቲ ምርካብና፡ ብሓቂ በረኸት ኣምላኽ ከም ዘሎና ዜርኢ እዩ ማለት ኣይኰነን። የሆዋ ነቶም ‘ብሰናይ ግብሪ ሃብታማት ዝዀኑ’ እዩ ዚባርኾም። (1 ጢሞቴዎስ 6:17-19 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ብ1993 ሉቺያ * ኣብ ኣልባንያ ዜገልግሉ ኣሕዋት ከም ዜድልዩ ምስ ፈለጠት፡ ካብ ኢጣልያ ናብ ኣልባንያ ገዓዘት። ስራሕ እኳ እንተ ዘይነበራ፡ የሆዋ ኸም ዚድግፋ ተኣማሚና ነበረት። ኣልባንያኛ ተማሂራ ድማ ንልዕሊ 60 ሰባት ርእሶም ንየሆዋ ወፍዮም ኪጥመቑ ሓገዞቶም። መብዛሕትኦም ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ ፍረ ዚርከቦ ኽሊ ዘየገልግሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካልኦት ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩን ምስኡ ዕርክነት ኪምስርቱን እንገብሮ ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ግና ኣኽቢርካ ዚርአ እዩ።—ማቴ. 6:20

16. (ሀ) ሎሚ ዘሎ ስርዓት ንግዲ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ (ለ) እቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ፍልጠት ብዛዕባ ስጋዊ ሃብቲ ንዘሎና ኣረኣእያ ብኸመይ ኪጸልዎ ኣለዎ፧

16 የሱስ ብዛዕባ ገንዘብ ዓመጻ ኺዛረብ ከሎ፡ “ምስ ተወድኣኩም” ደኣ እምበር፡ ‘እንተ ተወድኣኩም’ ኣይበለን። (ሉቃ. 16:9) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ባንክታት ይጥፍሻ ኣለዋ፡ ሃገራት ከኣ ቍጠባዊ ቕልውላው የጋጥመን ኣሎ። እዚ ግና ምስቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ መላእ ዓለም ዜጋጥም ከቢድ ቅልውላው ኪነጻጸር ከሎ ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን። እቲ ፖለቲካን ሃይማኖትን ንግድን ዘጠቓለለ ስርዓት ሰይጣን ምጥፋኡ ዘይተርፎ እዩ። ነብዪ ህዝቅኤልን ነብዪ ጸፎንያስን፡ እቲ ንሓያሎ ዘመናት ኣብ ናይ ንግዲ ዓለም ኣገዳሲ ቦታ ዚውሃቦ ወርቅን ብሩርን ዋጋ ዘይብሉ ኸም ዚኸውን ተነብዮም እዮም። (ህዝ. 7:19፣ ጸፎ. 1:18) ኣብ መወዳእታ ህይወትና፡ ዓለም ንእተቕርቦ “ገንዘብ ዓመጻ” ኽንረክብ ኢልና ነቲ ናይ ሓቂ ሃብቲ መስዋእቲ ኸም ዝገበርና ምስ እንፈልጥሲ ኸመይ ኰን ምተሰምዓና፧ ምሉእ ዕድሚኡ ዝኣከቦ ገንዘብ፡ ናይ ሓሶት ገንዘብ ከም ዝዀነ ዝፈለጠ ሰብ ምስ ዚስምዖ ጓሂ ዚመሳሰል ስምዒት ምተሰምዓና። (ምሳ. 18:11) እወ፡ ገንዘብ ዓመጻ ውዒሉ ሓዲሩ ምውዳኡ ስለ ዘይተርፍ፡ ብገንዘብ ዓመጻ ኣብ ሰማይ ‘ኣዕሩኽ ክትገብር’ ንእትረኽቦ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ። ምእንቲ መንግስቲ የሆዋ ኢልና እንገብሮ ዝዀነ ይኹን ነገር፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ሃብታማት እዩ ዚገብረና።

17, 18. ኣዕሩኽ ኣምላኽ እንታይ እዮም ኪረኽቡ፧

17 መንግስቲ ኣምላኽ ምስ መጸት፡ ናይ ገዛ ክራይ ወይ ዕዳ ኺተርፍ፡ ምግቢ ብናጻን ብብዝሕን ኪርከብ፡ ናይ ሕክምና ወጻኢታት እውን ኣይኪህሉን እዩ። ኣባላት ምድራዊ ስድራ ቤት የሆዋ፡ ካብቲ ምድሪ እተፍርዮ ብሉጽ ፍርያት ኪጥቀሙ እዮም። ወርቂ፡ ብሩር ኰነ ኻልእ ክቡር ማዕድን፡ ውዒሉ ሓዲሩ ምእንቲ ኺጠቕመና ኽንዓቝሮ ኣይኬድልየናን እዩ፣ የግዳስ፡ ከም ስልማት ጌርና ኽንጥቀመሉ ኢና። ውቁብ ኣባይቲ ንምስራሕ ዜገልግል ብሉጽ ደረጃ ዘለዎ ዕንጨይትን እምንን ሓጺንን ብናጻ ኽንረክብ ኢና። ኣዕሩኽና ድማ ገንዘብ ኪኽፈሎም ኢሎም ዘይኰነስ፡ ባህ ኢልዎም ብናጻ ኺሕግዙና እዮም። ኵሉ እቲ ምድሪ እተፍርዮ ነገራት ከኣ ኵላትና ብማዕረ ኽንጥቀመሉ ኢና።

18 እዚ ዅሉ ገለ ኻብቲ እቶም ኣብ ሰማይ ኣዕሩኽ ዚገብሩ ሰባት ዚረኽብዎ ብዋጋ ዘይሽነን ዓስቢ እዩ። ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኣምለኽቲ የሆዋ ነቲ የሱስ፡ “ኣቱም ኣቦይ ዝባረኸኩም ንዑ፡ ነቲ ኻብ ምስራት ዓለም ኣትሒዙ እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ” ኢሉ ዜቕርቦ ጻውዒት ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ኪሕጐሱ እዮም።—ማቴ. 25:34

^ ሕ.ጽ. 4 የሱስ፡ እቲ ኣመሓዳሪ እተኸስሶ ኽሲ መሰረት ዘለዎ እንተ ነይሩ ኣይገለጸን። እታ ኣብ ሉቃስ 16:1 “ተነግሮ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ እቲ ኣመሓዳሪ ኸም እተሓምየ እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ እቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ዘርኣዮ መልሰ ግብሪ እምበር፡ ኣብቲ እተሰጕጐሉ ምኽንያት ኣየተኰረን።

^ ሕ.ጽ. 15 ታሪኽ ህይወት ሉቺያ ሙሳነት ኣብ ናይ 22 ሰነ 2003 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 18-22 ወጺኡ ኣሎ።