ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብ ኵሉ ውጥናትካ . . . ኣሳልጦ ይሃብካ”

“ኣብ ኵሉ ውጥናትካ . . . ኣሳልጦ ይሃብካ”

“ብየሆዋ ኣዝዩ ደስ ይበልካ፣ ንሱ ኸኣ ትምኒት ልብኻ ኺህበካ እዩ።” —መዝ. 37:4

መዝሙር፦ 135, 81

1. ሓደ መንእሰይ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ እዩ ኺውስን ዘለዎ፧ ኣዝዩ ኺጭነቕ ዘይብሉኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

ኣቱም መንእሰያት፡ ጕዕዞ ቕድሚ ምጅማርኩም፡ ናበይ ክትከዱ ኸም እትደልዩ ምውሳንኩም ጥበባዊ ኸም ዝዀነ ትፈልጡ ኢኹም። ህይወት እውን ከም ጕዕዞ እያ፣ ገና መንእሰያት ከለኹም ከኣ ናበይ ገጽኩም ክትከዱ ኸም እትደልዩ ኽትውስኑ ኣሎኩም። ብርግጽ፡ ውጥናት ምውጻእ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሄዘር ዝስማ ጓል፡ “ዜፍርህ እዩ። ኣብ ምሉእ ህይወትካ እንታይ ከም እትገብር ክትውስን ኣሎካ” በለት። ግናኸ፡ ኣጆኹም። የሆዋ ንህዝቡ፡ “ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ። ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ . . . እየ” ኢልዎም እዩ።—ኢሳ. 41:10

2. የሆዋ ዜሐጉስ መጻኢ ኺህልወካ ዜኽእለካ ውጥን ከተውጽእ ከም ዚደልየካ ብኸመይ ትፈልጥ፧

2 የሆዋ ብዛዕባ መጻኢኻ ብጥበብ ውጥናት ከተውጽእ እዩ ዚደልየካ። (መክ. 12:1፣ ማቴ. 6:20) ሕጉስ ክትከውን እውን ይደልየካ እዩ። እትርእዮን እትሰምዖን እተስተማቕሮን ነገራት ነዚ መረጋገጺ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ብሉጽ ህይወት ክንነብር ዜኽእለና መምርሒ ብምሃብ ከም ዚሓልየልና ኣርእዩና እዩ። የሆዋ ነቶም ምኽሩ ዘይተቐበሉ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልዎም ኣሎ፦ “ባህ ዘየብለኒ ኸኣ ሓሪኹም ኢኹም። . . . እንሆ፡ ገላዎይ ኪሕጐሱ፡ ንስኻትኩም ግና ክትሓፍሩ ኢኹም። እንሆ፡ ገላዎይ ብሓጐስ ልቢ እልል ኪብሉ እዮም።” (ኢሳ. 65:12-14) ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ጥበባዊ ምርጫታት ምስ ዚገብሩ፡ ንየሆዋ ኽብሪ የምጽእሉ እዮም።—ምሳ. 27:11

ሓጐስ ዜምጽኣልካ ውጥናት

3. የሆዋ እንታይ ዓይነት ውጥናት ኪህልወካ እዩ ዚደሊ፧

3 የሆዋ እንታይ ዓይነት ውጥናት ኪህልወካ እዩ ዚደሊ፧ ንሰባት ንዕኡ ብምፍላጥን ብምግልጋልን ሓጐስ ከም ዚረኽቡ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። (መዝ. 128:1፣ ማቴ. 5:3) ምስቶም ኪበልዑን ኪሰትዩን ዘርኢ ኺትክኡን እተፈጥሩ እንስሳታት ክንነጻጸር ከለና ደቂ ሰብ ኣዚና እተፈለና ኢና። ኣምላኽ ዜሐጉስን ትርጉም ዘለዎን ህይወት ክንነብር ዜኽእለና ውጥናት ክንውጥን ይደልየና እዩ። እቲ “ኣምላኽ ፍቕርን” “ሕጉስ ኣምላኽ”ን ዝዀነ ፈጣሪና ንደቂ ሰብ “ብመልክዑ” እዩ ፈጢርዎም። (2 ቈረ. 13:11፣ 1 ጢሞ. 1:11፣ ዘፍ. 1:27) ነቲ ፈቃር ኣምላኽና ምስ እንመስሎ ድማ ሕጉሳት ኢና እንኸውን። እቲ “ኻብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ዚብል ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምዃኑ ብተመክሮ ርኢኻዮዶ ትፈልጥ፧ (ግብ. 20:35) እዚ፡ መሰረታዊ ሓቂ ህይወት ደቂ ሰብ እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ውጥናትና ንኻልኦትን ንኣምላኽን ፍቕሪ ኣብ ምርኣይ ዘተኰረ ኪኸውን እዩ ዚደሊ።ማቴዎስ 22:36-39 ኣንብብ።

4, 5. ንየሱስ ሕጉስ ኪኸውን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

4 ኣቱም መንእሰያት፡ የሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣብነት ሓዲጉልኩም ኣሎ። የሱስ ብንእስነቱ ኸም ቈልዓ ይጻወት ከም ዝነበረ ርዱእ እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ ‘ንምስሓቕ ግዜ ኣለዎ፡ ንምስዕሳዕ ከኣ ግዜ ኣለዎ’ ይብለና። (መክ. 3:4) የሱስ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጽናዕ እውን ንየሆዋ ቐሪብዎ እዩ። ወዲ 12 ዓመት ከሎ፡ እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ መምህራን ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ብዝነበሮ ‘ምስትውዓልን ብዝሃቦም ምላሽን’ ተገሪሞም እዮም።—ሉቃ. 2:42, 46, 47

5 የሱስ ምስ ዓበየ እውን ሕጉስ እዩ ነይሩ። ሕጉስ ኪኸውን ዝገበሮ ግና እንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ‘ንድኻታት ኬበስሮም፡ ንዕዉራት ድማ ምርኣይ ክእውጅ ከም ዝቐብኦ’ ይፈልጥ ነበረ። (ሉቃ. 4:18) ኣምላኽ ኪገብሮ ዝኣዘዞ ነገራት ምግባሩ ኸኣ ሕጉስ ኪኸውን ሓጊዝዎ እዩ። እታ፡ “ኦ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ምግባር ደስ ይብለኒ እዩ” እትብል መዝሙር 40:8 ንስምዒቱ ጽቡቕ ገይራ ትገልጾ እያ። የሱስ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ኺምህሮም ባህ ይብሎ ነበረ። (ሉቃስ 10:21 ኣንብብ።) ሓደ እዋን ንሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምስ መሃራ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር፡ ዕዮኡ እውን ክፍጽም እዩ” በሎም። (ዮሃ. 4:31-34) የሱስ ንኣምላኽን ንኻልኦትን ምፍቃሩ፡ ሕጉስ ኪኸውን ሓጊዝዎ እዩ። ንዓኻ እውን ሕጉስ ከም እትኸውን ኪገብረካ ይኽእል እዩ።

6. ተመክሮ ምስ ዘለዎም ክርስትያናት ብዛዕባ ውጥናትካ ምምይያጥ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

6 ብዙሓት ክርስትያናት ብንእስነቶም ፈለምቲ ዀይኖም ስለ ዘገልገሉ ሕጉሳት ኰይኖም እዮም። ስለዚ፡ ምስ ገለ ኻባታቶም ብዛዕባ ውጥናትካ ምስ እትመያየጥ ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምኽሪ ኣብ ዘይብሉ፡ ውጥናት ይፈሽል፣ ብብዙሓት ኣማኸርቲ ግና ዕማም ይዕመም” ይብል። (ምሳ. 15:22) እዞም መንፈሳውያን ሰባት እዚኦም፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣብ ምሉእ ህይወትካ ዚጠቕመካ ትምህርቲ ኸም እትረኽበሉ ኺነግሩኻ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ኣብ ሰማይ ከሎ ብኣቦኡ ተማሂሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎት እውን ይምሃር ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ንኻልኦት ብስራት ብምብሳርን ፈተና ኼጋጥሞ ኸሎ ንጽህናኡ ብምሕላውን ሓጐስ ረኺቡ እዩ። (ኢሳይያስ 50:4 ኣንብብ፣ እብ. 5:8፣ 12:2) እምበኣር፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሕጉስ ኪገብረካ ዚኽእል ስለምንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

ወደ መዝሙር ዚገብሩ ዘበሉ ዕዉታት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

7. ብዙሓት መንእሰያት ወደ መዝሙር ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ኺካፈሉ ደስ ዚብሎም ስለምንታይ እዩ፧

7 የሱስ፡ “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ወደ መዝሙር ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ኽትካፈል ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ንኣምላኽ ዜኽብር ዕግበት ዚርከቦ ዕዮ ኢኻ መሪጽካ። ልክዕ ከም ካልእ ዕዮ ኸኣ፡ ክኢላ ኽትከውን ግዜ ይወስደልካ እዩ። ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ቲሞቲ ዝስሙ ገና ኣብ ዕድመ ዀተቴ ኸሎ ፈላሚ ዝዀነ ሓው ከምዚ በለ፦ “ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንየሆዋ ዘሎኒ ፍቕሪ ኼርኢ ስለ ዚሕግዘኒ እፈትዎ እየ። ኣብ ፈለማ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከጀምር ኣይከኣልኩን ነይረ፣ ናብ ካልእ ክሊ ምስ ገዓዝኩ ግና፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ብዙሓት መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ረኺበ። ሓደ ኻብቶም መጽናዕትታት ከኣ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪመጽእ ጀሚሩ። ንንጽል ኣሕዋት ኣብ ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽልተ ወርሒ ምስ ተምሃርኩ፡ * ናብ ሓድሽ ክሊ ተላኢኸ፡ ኣብኡ ኣርባዕተ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀሚረ። መንፈስ ቅዱስ ነቶም ተምሃሮ ኺልውጦም ከሎ ስለ ዝርኢ ድማ፡ ንሰባት ምምሃር ደስ እዩ ዚብለኒ።”—1 ተሰ. 2:19

8. ገሊኦም ክርስትያን መንእሰያት፡ ወደ መዝሙር ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ብዝያዳ ዚካፈሉ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧

8 ገሊኦም ክርስትያን መንእሰያት ሓድሽ ቋንቋ ተማሂሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዚነብር ጃኮብ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከለኹ፡ መብዛሕትኦም መማህርተይ ደቂ ቭየትናም እዮም ነይሮም። ብዛዕባ የሆዋ ኽነግሮም ስለ ዝደለኹ፡ ቋንቋኦም ክምሃር ወሲነ። መብዛሕትኡ፡ ብእንግሊዝኛ ንእተዳለወ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ምስቲ ብቭየትናምኛ እተዳለወ ብምንጽጻር እየ ተማሂረዮ። ምስቶም ኣብ ጥቓና ኣብ እትርከብ ቭየትናምኛ እትዛረብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት እውን ተዓራሪኸ እየ። ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ፈላሚ ዀይነ። ድሕሪ ግዜ ድማ፡ ኣብቲ ንንጽል ኣሕዋት ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተኻፊለ። እዚ ድማ ኣብዛ ሕጂ ፈላሚ ዀይነ ተመዲበላ ዘለኹ ቭየትናምኛ እትዛረብ ጕጅለ ኸገልግል ጠቒሙኒ እዩ። ኣብዛ ጕጀለ እዚኣ ድማ ኣነ ጥራይ እየ ሽማግለ ዀይነ ዝዓዪ። ብዙሓት ደቂ ቭየትናም ቋንቋኦም ምፍላጠይ የገርሞም እዩ። ናብ ቤቶም ክኣቱ ይዕድሙኒ እዮም፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ እምህሮም እየ። ገሊኦም ዕቤት ገይሮም ተጠሚቖም እዮም።”—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 2:7, 8 ኣረኣኢ።

9. ወደ መዝሙር ናይ ምግባር ዕዮ፡ ጽቡቕ ትምህርቲ ዚርከበሉ ብኸመይ እዩ፧

9 ወደ መዝሙር ናይ ምግባር ዕዮ፡ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ልማድ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት፡ ርእሰ ተኣማንነት፡ ከምኡ ድማ ሜላ ይምህረካ እዩ። (ምሳ. 21:5፣ 2 ጢሞ. 2:24፡ እ.ጽ.) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ መሰረት እምነትካ ዝዀነ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዚግባእ ክትፈልጥ ስለ ዚሕግዘካ፡ ብዙሕ ሓጐስ የምጽኣልካ እዩ። ምስ የሆዋ ብኸመይ ተቐራሪብካ ኸም እትዓዪ እውን ትምሃር ኢኻ።—1 ቈረ. 3:9

10. ኣብ ኣጸጋሚ ኽሊ እውን ወደ መዝሙር ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ብምክፋል ሓጐስ ክትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

10 ነቲ ብስራት ጽቡቕ ምላሽ ዚህቡ ኣብ ክልኻ ዘለዉ ሰባት ሒደት እንተ ዀይኖም እውን፡ ወደ መዝሙር ካብ ናይ ምግባር ዕዮ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ወደ መዝሙር ናይ ምግባር ዕዮ፡ ብሓባር ዚዕየ ዕዮ እዩ። ብምሉኦም ኣባላት ጉባኤ እዮም ቅኑዓት ሰባት ዜናድዩ። ወደ መዝሙር ዚኸውን ሰብ ዚረኽቡ ሓደ ሓው ወይ ሓንቲ ሓብቲ ጥራይ ኪዀኑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኵሎም ኣሕዋት ኣብቲ ናይ ምድላይ ዕዮ ስለ ዚካፈሉ፡ በቲ ዚርከብ ፍረ ብሓባር ይሕጐሱ እዮም። ንኣብነት፡ ብራንደን ብዙሕ ምላሽ ኣብ ዘይርከበሉ ኽሊ ንትሽዓተ ዓመት ኣገልጊሉ እዩ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ደስ እዩ ዚብለኒ፣ ምኽንያቱ፡ የሆዋ እዩ ኽንሰብኽ ኣዚዙና። ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ፡ ቀልጢፈ እየ ፈላሚ ዀይነ። ኣብ ጉባኤና ንዘለዉ መንእሰያት ምትብባዕን መንፈሳዊ ዕቤቶም ምርኣይን የሐጕሰኒ እዩ። ንንጽል ኣሕዋት ኣብ ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተኻፈልኩ፡ ኣብ ሓድሽ ክሊ ፈላሚ ክኸውን ተመዲበ። ኣብቲ ኽሊ ዕቤት ገይሮም ዚጥመቑ ሰባት እኳ እንተ ዘይረኸብኩ፡ ካልኦት ኣሕዋት ግና ረኺቦም እዮም። ወደ መዝሙር ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ክካፈል ምውሳነይ የሐጕሰኒ እዩ።”—መክ. 11:6

ውጥናትካ ኺህልዎ ዚኽእል ጥቕሚ

11. ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ኣየናይ ቅዱስ ኣገልግሎት እዮም ዚካፈሉ፧

11 ንየሆዋ ኸነገልግል እንኽእለሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎና። ንኣብነት፡ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ዕዮ ህንጸት ወለንተኛታት ኰይኖም ይዓይዩ እዮም። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ብኣማእታት ዚቝጸር ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ የድሊ ኣሎ። ነዚ ኣዳራሻት እዚ ምህናጽ ከኣ፡ ንኣምላኽ ዜኽብርን ሓጐስ ዜምጽኣልካን ቅዱስ ኣገልግሎት እዩ። ከምቲ ኻልእ ቅዱስ ኣገልግሎት፡ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ብሓባር ብምዕያይካ ኽትሕጐስ ኢኻ። ቲኦክራስያዊ ዕዮ ህንጸት፡ ብዛዕባ ድሕንነት ክትግደስ፡ ምስቶም ነቲ ህንጸት ዚቈጻጸሩ ኣሕዋት ክትተሓባበር፡ ጥንቁቕን ትጉህን ከኣ ክትከውን ይምህረካ እዩ።

እቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዜገልግሉ ብዙሕ በረኸት እዮም ዚረኽቡ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-13 ርአ)

12. ዕዮ ፈላምነት ካልእ ኣጋጣሚታት ኪኸፍተልካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

12 ኬቨን ዝስሙ ሓው ከምዚ በለ፦ “ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ፡ ሓደ እዋን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ንየሆዋ ኸገልግሎ እደሊ ነይረ እየ። ወዲ 19 ዓመት ምስ ኰንኩ ድማ፡ ፈላሚ ዀይነ። ምስ ሓደ ሃናጻይ ዝዀነ ሓው ከኣ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ እሰርሕ ነይረ። ናሕስን መስኰትን ማዕጾን ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ድማ ተማሂረ። ጸኒሑ፡ ንኽልተ ዓመት ዚኣክል፡ ግዳያት ህቦብላ ንዝዀኑ ኣሕዋት ምስ ዚሕግዝ ጕጅለ ረድኤት ኰይነ፡ ዝፈረሰ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣባይቲ ኣሕዋትናን ሃኒጸ እየ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዕዮ ህንጸት ከም ዘሎ ምስ ፈለጥኩ ድማ፡ ኣብኡ ኽካፈል ኣመልኪተ፡ ተቐባልነት ከኣ ረኺበ። ኣብዚ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ እተወሰነ ሰሙናት ናብ እተፈላለየ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ እናኸድኩ እሰርሕ እየ። እቶም ምሳይ ዚዓይዩ ጕጅለ ህንጸት ልክዕ ከም ስድራ ቤተይ እዮም። ብሓንሳእ ንነብርን መጽሓፍ ቅዱስ ነጽንዕን ንሰርሕን ኢና። ሰሙን ሰሙን ኣብቲ ኣዳራሽ እንሃንጸሉ ኸባቢ ምስ ዘለዉ ኣሕዋት ምግልጋል እውን የሐጕሰኒ እዩ። እቲ ብቝልዕነተይ ዝወጠንክዎ ውጥን ክሳዕ ክንድዚ ሕጉስ ዚገብረኒ ኣይመሰለንን ነይሩ።”

13. ኣገልግሎት ቤት-ኤል ንመንእሰያት ዜሐጕሶም ብኸመይ እዩ፧

13 ገለ ኻብቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም ንየሆዋ ኼገልግልዎ ዝወጠኑ ኣሕዋት፡ ሕጂ ኣብ ቤት-ኤል የገልግሉ ኣለዉ። ኵሉ እቲ ኣብ ቤት-ኤል እትገብሮ ነገራት ንየሆዋ ኢልካ ስለ እትገብሮ፡ ኣገልግሎት ቤት-ኤል ዜሐጕስ ህይወት ክትነብር የኽእለካ እዩ። ስድራ ቤት-ኤል መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ምድላው እጃሙ የበርክት እዩ። ዳስቲን ዝስሙ ቤት-ኤላዊ ኸምዚ በለ፦ “ወዲ ትሽዓተ ዓመት ከለኹ ኣትሒዘ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ክኸውን ውጥን ነይሩኒ፣ ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ ድማ ፈላሚ ዀይነ። ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ቤት-ኤል ክኣቱ ተጸዊዐ፣ ኣብኡ ኸኣ፡ ብማካይን ሕትመት ብኸመይ ጽሑፋት ከም ዝሓትም፡ ድሕሪ ግዜ ድማ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም ብኸመይ ከም ዘዳሉ ተማሂረ እየ። ኣብ ቤት-ኤል ሳላ ዝዀንኩ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ዚርአ ዘሎ ዕቤት ብቐጥታ ኽሰምዕ ክኢለ እየ። እቲ እንዓይዮ ዕዮ ንሰባት ናብ የሆዋ ኪቐርቡ ስለ ዚሕግዞም፡ ኣብዚ ምግልጋለይ ባህ ይብለኒ እዩ።”

ውጥንካ እንታይ እዩ፧

14. ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምጅማር ውጥን ከተውጽእ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

14 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ምእንቲ ኽትከውን ውጥን ከተውጽእ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ልዕሊ ዅሉ፡ መንፈሳዊ ባህርያት ምስ እተማዕብል፡ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከተገልግሎ ኢኻ። ስለዚ፡ ቃል ኣምላኽ ብትግሃት ኣጽንዕ፡ ብዛዕባ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ትርጉም ብዕምቈት ኣስተንትን፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ድማ እምነትካ ግለጽ። ትምህርትኻ ኽሳዕ እትውድእ ኣብ ዘሎ ዓመታት፡ ብስራት ናይ ምስባኽ ክእለትካ ኸተመሓይሽ ጽዓር። ንሰባት ብሜላ ሕቶታት ብምሕታትን ዚህብዎ ምላሽ ጽን ኢልካ ብምስማዕን ተገዳስነት ኣርኢ። ኣብ ጉባኤ ኸኣ፡ ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽራይን ኣብ ምጽጋንን ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ንትሑታትን ንፍቓደኛታትን ሰባት ኪጥቀመሎም የሐጕሶ እዩ። (መዝሙር 110:3 ኣንብብ፣ ግብ. 6:1-3) ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ናብ ዕዮ ሚስዮናውነት ሒዝዎ ዝኸደ፡ ጢሞቴዎስ ብ“ኣሕዋት ጽቡቕ እተመስከረሉ” ስለ ዝነበረ እዩ።—ግብ. 16:1-5

15. ኣታዊ እትረኽበሉ ምእንቲ ኽትረክብ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

15 መብዛሕትኦም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኣታዊ ዚረኽቡሉ ስራሕ ይሰርሑ እዮም። (ግብ. 18:2, 3) ምናልባት ሓጺር ስልጠና ወሲድካ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ትኸውን። ውጥን ከተውጽእ ከለኻ፡ ንሓላዊ ወረዳኻን ኣብ ከባቢኻ ንዚርከቡ ፈለምትን ኣማኽሮም። ፈለምቲ እንታይ ዓይነት ስራሕ ኪሰርሑ ኸም ዚኽእሉ ሕተቶም። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ “እትገብሮ ዘበለ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ፣ ውጥናትካ እውን ኪዕወት እዩ” ይብለና እዩ።—ምሳ. 16:3፣ 20:18

16. ብንእስነትካ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንየሆዋ ምግልጋልካ ንኻልእ ሓላፍነታት ዜዳልወካ ብኸመይ እዩ፧

16 የሆዋ ነቲ ዜሐጕስ መጻኢ ‘ኣጽኒዕካ ኽትሕዞ’ እዩ ዚደልየካ። (1 ጢሞቴዎስ 6:18, 19 ኣንብብ።) ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት፡ ምስ ካልኦት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኽትተዓራረኽን ብሱል ክርስትያን ክትከውንን ይሕግዘካ እዩ። ብዙሓት ኣሕዋት ብንእስነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንየሆዋ ምግልጋሎም፡ ዕዉት ሓዳር ኪምስርቱ ሓጊዝዎም እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቶም ቅድሚ ምምርዓዎም ፈለምቲ ዀይኖም ዘገልገሉ፡ ድሕሪኡ እውን ምስ መጻምድቶም ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ኽኢሎም እዮም።—ሮሜ 16:3, 4

17, 18. ውጥን ምውጣን ምስ ትምኒት ልብኻ ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧

17 ውጥን ምውጣን ምስ ትምኒት ልብኻ እውን ይተሓሓዝ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ መዝሙር 20:4፡ የሆዋ “ትምኒት ልብኻ ይሃብካ፣ ኣብ ኵሉ ውጥናትካ እውን ኣሳልጦ ይሃብካ” ትብል እያ። ስለዚ፡ ኣብ ህይወትካ እንታይ ክትገብር ከም እትደሊ ሕሰብ። የሆዋ ኣብዚ ግዜና ብዛዕባ ዚገብሮ ዘሎ ነገራትን ኣብ ኣገልግሎቱ እጃምካ ኸተበርክት እትኽእለሉ መገድን ሕሰብ። ድሕሪኡ፡ ንየሆዋ ዜሐጕስ ዘበለ ኽትገብር ወጥን።

18 ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንየሆዋ ምግልጋል፡ ንየሆዋ ዜኽብር ህይወት ስለ ዝዀነ፡ ብዙሕ ዕግበት ኬምጽኣልካ እዩ። እወ፡ “ብየሆዋ ኣዝዩ ደስ ይበልካ፣ ንሱ ኸኣ ትምኒት ልብኻ ኺህበካ እዩ።”—መዝ. 37:4

^ ሕ.ጽ. 7 ብቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ተተኪኡ እዩ።