ፈትዮም ይመጹ—ምያንማር
“እቲ እኽልስ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ጐይታ እኽሊ፡ ናብ እኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ ለምንዎ።” (ሉቃ. 10:2) እዘን የሱስ ቅድሚ ኣስታት 2,000 ዓመት እተዛረበን ቃላት እዚአን፡ ነዚ ሎሚ ኣብ ምያንማር ዚርአ ዘሎ ዅነታት ኣጸቢቐን ዚገልጻ እየን። ከመይሲ፡ ን55 ሚልዮን ህዝቢ ምያንማር ብስራት ዚሰብኩ ዘለዉ ኣስታት 4,200 ኣስፋሕቲ ጥራይ እዮም።
ይኹን እምበር፡ እቲ “ጐይታ እኽሊ” ዝዀነ የሆዋ፡ ንልቢ እቶም ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዚነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ ዝተንከዮ፡ እዞም ኣሕዋት እዚኦም ናብዛ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ እትርከብ ሃገር መጺኦም ኣብ ዕዮ መንፈሳዊ ቐውዒ ይካፈሉ ኣለዉ። ዓዶም ሓዲጎም ኪመጹ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧ ናብዚ ኺግዕዙ ሓገዝ ዝረኸቡ ብኸመይ እዮም፧ እንታይ በረኸትከ ረኺቦም፧ ብዛዕባ እዚ እስከ ንርአ።
“ዝያዳ ፈለምቲ ስለ ዜድልዩና፡ ንዑ”
ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ካዙሂሮ ዝስሙ ኣብ ጃፓን ዚነብር ዝነበረ ፈላሚ ሕማም ምንፍርፋር ስለ ዘጋጠሞ ሃለዋቱ ኣጥፍአ። ናብ ሕክምና ኸኣ ተወስደ። ሓኪም ድማ ንኽልተ ዓመት ማኪና ምዝዋር ኬቋርጽ ነገሮ። ካዙሂሮ ኣዝዩ ሰምበደ። “ነቲ ኣዝየ ዝፈትዎ ዕዮ ፈላምነት ደኣ ኸመይ ኢለ እየ ክቕጽሎ፧” ኢሉ ኸኣ ሓሰበ። ፈላሚ ዀይኑ ኪቕጽል ዜኽእሎ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኪኸፍተሉ ድማ ናብ የሆዋ ብትግሃት ጸለየ።
ካዙሂሮ ኸምዚ በለ፦ “ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ምያንማር ዜገልግል ዓርከይ ብዛዕባ ዅነታተይ ሰምዐ። ደዊሉ ኸኣ፡ ‘ኣብ ምያንማር ቀንዲ መጐዓዝያና ኣውቶቡስ እዩ። ናብዚ እንተ መጺእካ፡ ማኪና ምዝዋር ከየድለየካ ኣገልግሎትካ ኽትቅጽል ትኽእል ኢኻ’ በለኒ። ንሓኪመይ ድማ ናብ ምያንማር ከይደ ኸገልግል ኵነታተይ ዚፈቕደለይ እንተ ዀይኑ ሓተትክዎ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ እቲ ሓኪመይ፡ ‘ኣብ ምያንማር ዚሰርሕ ሓኪም ኣእምሮ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ናብ ጃፓን መጺኡ ኣሎ። ምስኡ ኸላልየካ እየ። ዳግም እቲ ሕማም እንተ ተላዒሉካ፡ ኣብኡ ኺሕክመካ እዩ’ በለኒ። ዘረባ እቲ ሓኪም፡ የሆዋ ዝሃበኒ ምላሽ ገይረ እየ ወሲደዮ።”
ብኡብኡ፡ ካዙሂሮ ምስ ሰበይቱ ብሓባር ኣብ ምያንማር ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ኸም ዚደልዩ ዚገልጽ ኢ-መይል ናብቲ ኣብ ምያንማር ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ለኣኸ። ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ኸኣ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ “ዝያዳ ፈለምቲ ስለ ዜድልዩና፡ ንዑ” ዚብል መልሲ ሃቦም። ካዙሂሮን እታ ማሪ ዝስማ ሰበይቱን ድማ ማካይኖም ሸጡ፡ ቪዛ ኣውጽኡ፡ ቲኬት ነፋሪት እውን ቈረጹ። ሎሚ፡ ኣብታ ኣብ ማንዳላይ እትርከብ ጕጅለ ቛንቋ ምልክት ተሓጒሶም የገልግሉ ኣለዉ። ካዙሂሮ፡ “እቲ ዝረኸብናዮ ተመክሮ፡ በቲ ኣብ መዝሙር 37:5 ዚርከብ፡ ‘መገድኻ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ፣ ኣብኡ ተወከል፡ ንሱ እውን ኬስልጠልካ እዩ’ ዚብል ኣምላኽ ዝኣተዎ ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ክንእመን ከም ዝሓገዘና ተሰሚዑና እዩ” በለ።
የሆዋ መገዲ ይኸፍት
ብ2014 ኣብ ምያንማር ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍሉይ ኣኼባ ዞባ ኺገብሩ ኣጋጣሚ ረኺቦም ነበሩ። ብዙሓት ካብ ወጻእ ሃገር ዝመጹ ልኡኻት ድማ ኣብቲ ኣኼባ እቲ ተኣከቡ። ሓንቲ ኻባታቶም፡ ሞኒክ ዝስማ ኻብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጸት ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሓብቲ እያ ነይራ። ንሳ ኸምዚ በለት፦ “ካብቲ ኣኼባ ምስ ተመለስኩ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወተይ ክወስዶ ዘሎኒ ቐጻሊ ስጕምቲ ናብ የሆዋ ጸለኹ። ንወለደይ ከኣ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሸቶታተይ ኣዘራረብክዎም። ናብ ምያንማር ተመሊሰ ኽሕግዝ ከም ዘሎኒ ድማ ተረዳዳእና። ነዚ ሸቶይ እዚ ኽወቅዕ ግና እተወሰነ ግዜ ወሲዱለይን ብዙሕ ጸሎት ኣድልዩንን እዩ።” ሞኒክ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዘጋጠማ እውን ገሊጻ እያ።
ንሳ ኸምዚ በለት፦ “የሱስ ንሰዓብቱ፡ ወጻኢታቶም ‘ኪጽብጽቡ’ ኣተባቢዕዎም እዩ። ስለዚ፡ ‘ክግዕዝ ዓቕሚ ኣሎኒ ድዩ፧ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ዓለማዊ ስራሕ ከይሰራሕኩ ንርእሰይ ክናብያ እኽእል ድየ፧’ ኢለ ንገዛእ ርእሰይ ሓተትክዋ።” ወሲኻ ኸኣ፡ “ናብ ካልእ ርሑቕ ሃገር ክግዕዝ እኹል ገንዘብ ከም ዘይብለይ ቀልጢፈ ተገንዘብኩ” በለት። እሞ ደኣ ኸመይ ኢላ እያ ኽትግዕዝ ክኢላ፧—ሉቃ. 14:28።
ሞኒክ ከምዚ በለት፦ “ሓደ መዓልቲ፡ ኣስራሒተይ ጸውዓትኒ። ካብ ስራሕ ዝስጐጕ ስለ ዝመሰለኒ ኸኣ ኣዝየ ተሻቐልኩ። እታ ኣስራሒተይ ግና ስለቲ ጽቡቕ ዕዮይ ኣመስገነትኒ። መቝሽሽ ከም ዝወሃበኒ ድማ ነገረትኒ። እቲ እተዋህበኒ መቝሽሽ ከኣ ልክዕ መጠን ገንዘብ እቲ ዝነበረኒ ዕዳ ስለ ዝነበረ፡ ዕዳይ ከፈልኩ።”
ሞኒክ ካብ ታሕሳስ 2014 ኣትሒዛ ኣብ ምያንማር ተገልግል ኣላ። ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልይሉ ቦታ ኸይዳ ብምግልጋላ እንታይ በረኸት ረኺባ፧ ንሳ ኸምዚ በለት፦ “ኣብዚ ብምዃነይ ኣዝየ ሕጕስቲ እየ። ሰለስተ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዋኒ። ሓንቲ ኻባታተን፡ ዕድሚኣ 67 ዓመት እዩ። ኵሉ ሳዕ ከኣ ብፍሽኽታ ሕቝፍ ኣቢላ እያ ሰላም እትብለኒ። ስም ኣምላኽ የሆዋ ኸም ዝዀነ ምስ ፈለጠት፡ ነቢዓ እያ። ‘ስም ኣምላኽ የሆዋ ኸም ዝዀነ ሕጂ እየ ንፈለማ እዋን ተማሂረ። ንስኺ ኻባይ ብዕድመ ኣዚኺ ዝነኣስኪ እኳ እንተ ዀንኪ፡ ካብ ኵሉ ኻልእ ትምህርቲ ኣዝዩ ዚበልጽ ነገር ኢኺ ምሂርክኒ’ ድማ ኢላትኒ። ኣነ እውን ነባዕኩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት፡ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልይሉ ቦታ ምግልጋል ባህ ዜብል ህይወት ክትነብር ከም ዜኽእለካ ኽትግንዘብ ይሕግዘካ እዩ።” ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ሞኒክ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ክትካፈል ፍሉይ መሰል ረኺባ እያ።
ንገሊኦም ናብ ምያንማር ኪመጹ ዘለዓዓሎም ከኣ፡ እታ ብዛዕባ እታ ሃገር ዚገልጽ ጸብጻብ ዝሓዘት መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2013 እያ። ሊ ዝስማ ኣብ መጀመርታ 30ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሓብቲ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ትነብር ነበረት። ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ትሰርሕ እኳ እንተ ነበረት፡ እታ መጽሓፍ ዓመት ግና ኣብ ምያንማር ብዛዕባ ምግልጋል ክትሓስብ ደሪኻታ እያ። ንሳ ኸምዚ በለት፦ “ብ2014 ኣብቲ ኣብ ያንጉን እተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ ምስ ተኻፈልኩ፡ ኣብ ምያንማር ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቻይንኛ ዚዝረበሉ ኽሊ ምስ ዜገልግሉ ሰብ ሓዳር ተላለኹ። ኣነ እውን ቻይንኛ ስለ ዝዛረብ፡ ነቲ ኣብ ምያንማር ዘሎ ጕጅለ ቻይንኛ ንምሕጋዝ ናብኡ ኽግዕዝ ወሰንኩ። ምስ ሞኒክ ኴንና ኸኣ ናብ ማንዳላይ ገዓዝና። ሳላ በረኸት የሆዋ ድማ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ናይ ክፍለ ግዜ መምህራን ኴንና ኽንዓዪ ዜኽእለና ስራሕ ረኸብና፣ ኣብ ጥቓኡ እውን መንበሪ ረኸብና። ሃሩርን ገለ ገለ ዘይምሹእ ኵነታትን እጻወር እኳ እንተ ዀንኩ፡ ንኣገልግሎተይ እፈትዎ እየ። ህዝቢ ምያንማር ቀሊል ናብራ እዮም ዚነብሩ፣ ትሑታትን ብስራት ኪሰምዑ ዚደልዩን ሰባት እውን እዮም። የሆዋ ነቲ ዕዮ ኽሳዕ ክንደይ የቀላጥፎ ኸም ዘሎ ምርኣይ ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ። ኣብ ማንዳላይ ከገልግል ፍቓድ የሆዋ ኸም ዝዀነ ብጽኑዕ እኣምን እየ።”
የሆዋ ሰማዕ ጸሎት እዩ
ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ኽሊ ዜገልግሉ ሓያሎ ኣሕዋት፡ ጸሎት ክሳዕ ክንደይ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ተመኪሮምዎ እዮም። ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ጁምፔን ሰበይቱ ናኦን ከም ኣብነት ንርአ። ኣብ ጃፓን ኣብ እትርከብ ጉባኤ ቛንቋ ምልክት እዮም ዜገልግሉ ነይሮም። ናብ ምያንማር ዝገዓዙ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዮም፧ ጅምፔ ኸምዚ በለ፦ “ኣነን
ብዓልቲ ቤተይን ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ኻልእ ሃገር ኬድና ኸነገልግል ሸቶ ነይሩና እዩ። ኣብታ ዝነበርናላ ጉባኤ ቛንቋ ምልክት ዜገልግል ዝነበረ ሓደ ሓው ከኣ ካብ ጃፓን ናብ ምያንማር ገዓዘ። ሒደት ገንዘብ ጥራይ እኳ እንተ ነበረና፡ ንሕና እውን ኣብ ግንቦት 2010 ገዓዝና። እቶም ኣብ ምያንማር ዚቕመጡ ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ ብምዉቕ ኣቀባብላ ተቐበሉና።” ብዛዕባ እቲ ኣብ ምያንማር ዘሎ ኣገልግሎት ቋንቋ ምልክትከ እንታይ በለ፧ “ተገዳስነት ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ንጽሙማን ብቛንቋ ምልክት ቪድዮታት ከነርእዮም ከለና፡ ብዙሕ እዩ ዚገርሞም። ናብዚ መጺእና ንየሆዋ ኸነገልግሎ ብምውሳንና ኣዚና ሕጕሳት ኢና።”እቲ ጁምፔን ናኦን ዝነበሮም ናይ ገንዘብ ጸገም ብኸመይ ተፈትሐ፧ ጁምፔ ኸምዚ በለ፦ “ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ኵሉ እቲ ዘዋህለልናዮ ገንዘብ ኪውዳእ ጀመረ፡ ንዚቕጽል ዓመት ክራይ ገዛ እንኸፍለሉ ገንዘብ እውን ኣይነበረናን። ኣነን ሰበይተይን ከኣ ብዛዕባ እዚ ኣበርቲዕና ጸለና። ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ድማ፡ ግዝያውያን ፍሉያት ፈለምቲ ኽንከውን እትዕድም ዘይተጸበናያ ደብዳበ በጽሓትና። ብየሆዋ ተኣሚንና ኢና፣ ንሱ ኸም ዘይርሕርሓና ኸኣ ተመኪርናዮ ኢና። ብዅሉ መገዲ ተኸናኺኑና እዩ።” ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ጁምፔን ናኦን ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ተኻፊሎም እዮም።
የሆዋ ንብዙሓት ይድርኾም
ሳይመን ንዝስሙ ኣብ መፋርቕ 40ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ኢጣልያዊ ሓውን ኣና ንዝስማ ኣብ መወዳእታ 30ታት ዕድሚኣ እትርከብ ኒው ዚላንዳዊት ሰበይቱን ናብ ምያንማር ኪግዕዙ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧ ኣና፡ “እታ ብዛዕባ ምያንማር እትገልጽ መጽሓፍ ዓመት 2013 እያ” ኢላ ምላሽ ሃበት። ሳይመን ከኣ ከምዚ በለ፦ “ኣብ ምያንማር ምግልጋል ዓብዪ መሰል እዩ። ኣብዚ ቐሊል ናብራ ስለ እትነብር፡ ኣብ ዕዮ የሆዋ ዝያዳ ግዜ ኸተሕልፍ ትኽእል ኢኻ። ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ኸነገልግል ከለና የሆዋ ብኸመይ ከም ዚሓልየልና ምርኣይ ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ።” (መዝ. 121:5) ኣና ኸምዚ በለት፦ “ሕጂ ዝያዳ ሕጕስቲ እየ። ቀሊል ናብራ ኢና እንነብር። ምስ ብዓል ቤተይ ዝያዳ ግዜ ኸነሕልፍን ክንቀራረብን ክኢልና ኢና። ኣዚና እንፈትዎም ሓደስቲ ኣዕሩኽ እውን ኣጥሪና ኢና። ሰባት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽልኢ የብሎምን። ኣብ ኣገልግሎት ድማ ብዙሓት ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣለዉ።” እሞ ደኣ እንታይ ውጽኢት ረኸቡ፧
ኣና ኸምዚ በለት፦ “ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ዕዳጋ ንዝረኸብክዋ ሓንቲ ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ መስከርኩላ፡ ተመሊሰ ኽበጽሓ ድማ ቈጸራ ገበርኩ። ኣብ ቈጸራና ኸኣ ምስ መሓዛኣ መጸት። ኣብቲ ኻልኣይ ቈጸራና እውን ካልኦት ሒደት ሰባት ሒዛ መጸት። ድሕሪኡ ድማ ምስ ካልኦት ተወሰኽቲ ሰባት ኰይና መጸት። ሕጂ ንሓሙሽቲአን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እመርሓለን ኣለኹ።” ሳይመን ከኣ ከምዚ በለ፦ “ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ተቐረብትን ኪፈልጡ ሃንቀው ዚብሉን እዮም። ብዙሓት ከኣ ተገዳስነት ኣለዎም። ስለዚ፡ ንዅሎም እቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ዚኸውን ግዜ ምርካብ የጸግመና እዩ።”
ናብ ምያንማር ዝገዓዙ ኣሕዋት ነቲ ውሳነ ቕድሚ ምግባሮም ዝወሰድዎ ግብራዊ ስጕምትታት እንታይ እዩ፧ ሚዙሆ ዝስማ ኻብ ጃፓን ዝመጸት ሓብቲ ኸምዚ በለት፦ “ኣነን ብዓል ቤተይ ሳቺኦን ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩላ ሃገር ኬድና ኸነገልግል ንደሊ እኳ እንተ ነበርና፡ ናበይ ከም እንኸይድ ግና ኣይወሰንናን ኔርና። ብዛዕባ ምያንማር እትገልጽ መጽሓፍ ዓመት 2013 ምስ ኣንበብና ግና፡ በቲ ኣብኡ ዝወጸ ባህ ዜብል ተመክሮታት
ልብና ኣዝዩ ስለ እተተንከየ ናብ ምያንማር ኬድና ኸነገልግል ንኽእል እንተ ዄንና ኽንሓስብ ጀመርና።” ሳቺኦ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ነታ ቐንዲ ኸተማ ምያንማር ዝዀነት ያንጉን ንሓደ ሰሙን ክንበጽሓ፡ ብምሳልያዊ ኣበሃህላ ኽንስልያ ወሰንና። እዚ ሓጺር ምብጻሕ እዚ ድማ ናብኡ ኽንግዕዝ ከም እንኽእል ኣእሚኑና እዩ።”ነቲ ጻውዒት ክትቅበሎ ትኽእልዶ፧
ካብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ኣብ መፋርቕ 50ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ራድኒን ብዓልቲ ቤቱ ጄንን ከምኡ እውን ጆርዳን ዝስሙ ወዶምን ዳኒካ ዝስማ ጓሎምን ካብ 2010 ኣትሒዞም ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ሃገረ ምያንማር የገልግሉ ኣለዉ። ራድኒ ኸምዚ በለ፦ “ሰባት ዘለዎም መንፈሳዊ ጥሜት ምርኣይና ንልብና ብዙሕ ተንክይዎ እዩ። እቶም ኣብ ከም ምያንማር ዝኣመሰላ ሃገራት ኬገልግሉ ዚደልዩ ስድራ ቤታት ናብዚ ኺመጹ እየ ዝላበዎም።” ስለምንታይ፧ “ምኽንያቱ፡ ናብዚ ምግዓዝና ንስድራ ቤትና ብዙሕ ጠቒምዋ እዩ። ኣቓልቦ ሓያሎ መንእሰያት ብሞባይላትን ብእተፈላለያ ዓይነት ማካይንን ብስራሕን ብኻልእ ነገራትን ተሰሪቑ እዩ ዘሎ። ደቅና ግና ግዜኦም ዜሕልፍዎ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዚጥቀሙሉ ሓደስቲ ቓላት ኣብ ምጽናዕ እዩ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘይፈልጡ ሰባት ብኸመይ ከም ዚምህርዎምን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብኸመይ ሓሳብ ከም ዚህቡን ኪምሃሩ እዮም ዚጽዕሩ። ብኻልእ ባህ ዜብል መንፈሳዊ ንጥፈታት እውን ትሑዛት እዮም።”
ኦሊቨር ዝስሙ ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጸ ሓው ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ምግልጋል ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “እትፈልጦን ዚምሽኣካን ከባቢ ሓዲግካ ኣብ ካልእ ክሊ ንየሆዋ ምግልጋል ብዙሕ ጥቕምታት ኣለዎ። ካብ ዝፈልጦ ኸባቢ ርሒቐ ምግልጋለይ፡ ምትእምማን ከማዕብልን ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ብየሆዋ ኽእመንን ሓጊዙኒ እዩ። ከም ናተይ እምነት ምስ ዘለዎም ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጦም ሰባት ከገልግል ምኽኣለይ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብኣገዳስነቱ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚወዳደር ነገር ከም ዘየለ ኽግንዘብ ሓጊዙኒ እዩ።” ሎሚ እውን፡ ኦሊቨርን ኣና ዝስማ ሰበይቱን ቻይንኛ ኣብ ዚዝረበሉ ኽሊ ብቕንኣት የገልግሉ ኣለዉ።
ትራዘል ዝስማ ኣብ መጀመርታ 50ታት ዕድሚኣ እትርከብ ካብ ኣውስትራልያ ዝመጸት ሓብቲ፡ ካብ 2004 ኣትሒዛ ኣብ ምያንማር ተገልግል ኣላ። ንሳ ኸምዚ በለት፦ “ነቶም ኵነታቶም ዚፈቕደሎም ዘበሉ፡ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ኽሊ ኸይዶም ኬገልግሉ እየ ዝላበዎም። ከተገልግል ድሌት እንተ ኣልዩካ፡ የሆዋ ንጻዕርኻ ኸም ዚባርኾ ተመኪረዮ እየ። ከምዚ ዓይነት ናብራ ኽነብር ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ። ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ህይወት ብዝያዳ ዓስቢ ዘለዎን ዜዕግብን ህይወት እዩ።”
እቶም ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩላ ሃገረ ምያንማር ከይዶም ዜገልግሉ ኣሕዋት ዝሃብዎ ባህ ዜብል ሓሳባት፡ ብዙሕ ናብ ዘይተዓይየ ኽልታት ኬድካ ኸተገልግል ኪድርኸካ ንምነ። እወ፡ እዞም ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ኸባቢታት ከይዶም ዜገልግሉ ዘለዉ ኣሕዋት፡ “በጃኻ ናብ ምያንማር ሕለፍ እሞ ርድኣና” ኢሎም ጻውዒት የቕርቡልካ ኣለዉ።