ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሓምለ 2019

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 2-29 መስከረም ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ

ንመስጐጕቲ ኻብ ሕጂ ተዳሎ

ትብዓት ብምምዕባልን ንጽልኢ ተጻረርቲ ንምጽዋርን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ኣብ ትሕቲ እገዳ ብቐጻሊ ንየሆዋ ኣምልኮ

መንግስቲ ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ እንተ ኣጊድዎ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

“ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”

ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እንታይ ግብራዊ ሓሳባትከ እዩ ተልእኾና ንምፍጻም ዚሕግዘና፧

ልቢ ዘይሃይማኖተኛታት ብኸመይ ትትንኪ፧

ከመይ ጌርና ኢና ንዘይሃይማኖተኛታት ሰባት ንኣምላኽ ምእንቲ ኼፍቅርዎን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምእንቲ ኪዀኑን ክንምህሮም እንኽእል፧

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ኻብቲ እተጸበኽዎ ንላዕሊ ባሪኹኒ

ማንፍሬድ ቶናክ ሚስዮናዊ ዀይኑ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሕለፎ ተመክሮ፡ ትዕግስትን ዕግበትን ብዙሕ ጽቡቕ ባህርያትን ኬማዕብል ሓጊዝዎ።

የሱስ ብሓቂዶ ንዓይ ሞይቱለይ እዩ፧

ከም ዘይትረብሕ ኰይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ንኸምዚ ዝበለ ስምዒት ንምቅላሱ ግና እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧