ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ብሓቂዶ ንዓይ ሞይቱለይ እዩ፧

የሱስ ብሓቂዶ ንዓይ ሞይቱለይ እዩ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ከማና ዝስምዒቶም’ ሰባት እተዛረብዎ ቓላት ብብዝሒ ይርከብ እዩ። (ያእ. 5:17) ንኣብነት፡ እቲ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 7:21-24፡ “ሰናይ ክገብር እናደለኹ፡ እከይ ኣባይ ከም ዘሎ፡ እዚ ሕጊ ዀይኑኒ ረኸብክዎ። . . . እዋይ ኣነ መከረኛ ሰብ!” ኢሉ ብግልጺ እተዛረቦ ቓላት ኪርድኣና ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብቕንዕና ዚግለጽ ስምዒታት፡ ኣብቲ ምስ ዘይፍጽምናና እንገብሮ ቓልሲ የተባብዓና እዩ።

ጳውሎስ ካልእ ስምዒታት እውን ገሊጹ እዩ። ኣብ ገላትያ 2:20፡ “በቲ ዘፍቀረንን ምእንታይ ርእሱ ዘሕለፈን ወዲ ኣምላኽ” ብምባል፡ የሱስ ንዕኡ ብብሕቲ ኸም ዜፍቅሮ ዘለዎ እምነት ገሊጹ እዩ! እዝስ “ከማና ዝስምዒቱ” ሰብ እተዛረቦ ድዩ፧ ምናልባት ሓድሓደ ግዜ ኸምኡ ኣይስምዓናን ይኸውን።

ብሰንኪ ሕሉፍ ሓጢኣትና ዘይንረብሕ ኰይኑ ይስምዓና እንተ ኣልዩ፡ ኣሽምባይዶ ንመስዋእታዊ በጃ ኸም ብሕታዊ ውህበት ጌርና ኽንርእዮስ፡ ሓድሓደ ግዜ ፍቕርን ይቕረታን የሆዋ ምቕባል ኬጸግመና ይኽእል እዩ። እሞኸ የሱስ ነቲ በጃ ብኸምኡ ኽንርእዮ ይደልየና ድዩ፧ እቲ ምላሽ ‘እወ’ እንተ ዀይኑ፡ ከምኡ ንምግባር እንታይ ይሕግዘና፧ ነዚ ኽልተ ሕቶታት እስከ ንመርምር።

የሱስ ብዛዕባ መስዋእቱ ዘለዎ ኣረኣእያ

እወ፡ የሱስ ንመስዋእቱ ኸም ብሕታዊ ውህበት ጌርና ኽንርእዮ ይደልየና እዩ። ከመይ ጌርና ብዛዕባ እዚ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ኣብ ሉቃስ 23:39-43 ተመዝጊቡ ዘሎ ዛንታ እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ። ኣብኡ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ጥቓ የሱስ፡ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቕለ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዝገበሮ ጌጋ ኸኣ ገበነኛ ምዃኑ ተኣመነ። በዚ ብርቱዕ መቕጻዕቲ ዚቕጽዑ ዘበሉ ኻብ ኵሉ ዝኸፍአ ገበን ዝፈጸሙ ጥራይ ብምንባሮም፡ ገበኑ ኸቢድ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕርዚ፡ እቲ ሰብኣይ እናተጨነቐ፡ ንየሱስ፡ “መንግስትኻ ምስ ሓዝካ፡ ዘክረኒ” በሎ።

የሱስከ እንታይ ኢሉ እዩ መሊሱሉ፧ ነቲ ሰብኣይ ዓይኒ ዓይኑ ንምጥማት፡ እናተሳቐየ ግልጽ ከም ዝበለ ብኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ብርቱዕ ቃንዛ እኳ እንተ ነበሮ፡ ነቲ ሰብኣይ ፍሽኽ ኢሉ እናጠመቶ፡ “ሎሚ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፦ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” በሎ። የሱስ ነቲ ሰብኣይ፡ “ወዲ ሰብ . . . ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ” ከም ዝመጸ ኺገልጸሉ ይኽእል ነይሩ እዩ። (ማቴ. 20:28) ኣብ ክንዳኡ ግና፡ እቲ መስዋእቲ ነቲ ሰብኣይ ብብሕቲ ኸም ዚምልከቶ ብለውሃት ኣጕልሓሉ። “ምሳይ . . . ክትከውን ኢኻ” ብምባል ከኣ ምሕዝነታዊ ኣገላልጻ ተጠቕመ። ብዘይካዚ ድማ፡ መስዋእቱ ነቲ ገበነኛ ብብሕቱ ኸም ዚጠቕሞ፡ ማለት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኺነብር ከም ዚኽእል ጠቐሰሉ።

እምበኣር፡ የሱስ ነዚ ሰብኣይ እዚ፡ ነቲ ንሱ ዚኸፍሎ መስዋእቲ፡ ከም ብሕታዊ ውህበት ገይሩ ኺርእዮ ደልይዎ ነይሩ እዩ። የሱስ ብዛዕባ ሓደ ንኣምላኽ ንምግልጋል ኣጋጣሚ ዘይነበሮ ገበነኛ ኸምዚ ኻብ ተሰምዖ፡ ንኣምላኽ ብዛዕባ ዜገልግል ጥሙቕ ክርስትያን ግዳ ኸመይ ብዝያዳ ዘይስምዖ፧ እሞ ደኣ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ሓጢኣት ጌርና ኽነስና፡ ብዛዕባ ርእስና ኸምዚ ዝበለ ጽቡቕ ስምዒት ምእንቲ ኺህልወና እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ንጳውሎስ እንታይ ሓጊዝዎ፧

ኣገልግሎት ጳውሎስ ነቲ ንሱ ብዛዕባ መስዋእቲ የሱስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ጸልይዎ እዩ። ብኸመይ እዩ ኸምኡ ዀይኑ፧ ከምዚ ኢሉ ባዕሉ ይገልጽ፦ “ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሃበኒ ጐይታና ክርስቶስ የሱስ አመስግኖ እየ። ከመይሲ፡ ንኣገልግሎት ብምምዳብ፡ ከም እሙን ቈጺሩኒ እዩ። ቀደም ተጻራፍን ሰጓጕን ነቓጽን [እየ] ዝነበርኩ።” (1 ጢሞ. 1:12-14) ስለዚ፡ ጳውሎስ ካብ የሱስ ዕዮ ስለ እተቐበለ፡ የሱስ ብብሕቲ ኸም ዝመሓሮን ከም ዜፍቅሮን ከም ዚኣምኖን መረጋገጺ ረኺቡ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ የሱስ ንነፍሲ ወከፍና ኽንዓይዮ ዚግባእ ኣገልግሎት ብሕድሪ ሂቡና ኣሎ። (ማቴ. 28:19, 20) እሞኸ ተመሳሳሊ ጽልዋ ኸሕድረልናዶ ይኽእል እዩ፧

ዳርጋ ን34 ዓመት ተወጊዱ ድሕሪ ምጽናሑ ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ የሆዋ እተመልሰ ኣልበርት ከምዚ ይብል፦ “ሓጢኣተይ ወትሩ ኣብ ቅድመይ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ክኸውን ከለኹ፡ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እቲ ኣገልግሎት ብብሕቲ ኻብ የሱስ ከም እተዋህበኒ እዩ ዚስምዓኒ። እዚ ይሃንጸኒ እዩ፣ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይን ህይወተይን መጻእየይን ኣወንታዊ ስምዒት ከም ዚስምዓኒ እውን ይገብር እዩ።”—መዝ. 51:3

ምስ ኵሎም ዓይነት ሰባት ከተጽንዕ ከለኻ፡ የሱስ ከም ዚምሕሮምን ከም ዜፍቅሮምን ኣረጋግጸሎም

ሓቂ ቕድሚ ምስማዑ ገበነኛን ዓማጽን ዝነበረ ኣለን ከኣ ከምዚ ኢሉ ይእመን፦ “ኣብ ልዕሊ ሰባት ብዛዕባ ዘውረድክዎ ጕድኣት ክሳዕ ሕጂ እሓስብ እየ። ሓድሓደ ግዜ፡ እዚ ጭንቀት የሕድረለይ እዩ። ግናኸ፡ የሆዋ ንኸም ከማይ ዝበለ ሓጥእ ሰብ፡ ንኻልኦት ሰባት ብስራት ከብጽሕ ብምፍቃዱ አመስግኖ እየ። ሰባት ነቲ ብስራት ዚህብዎ ምላሽ ምስ ረኣኹ፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ሕያዋይን ፈቃርን ምዃኑ የዘኻኽረኒ እዩ። ምስ ተመሳሳሊ ነገራት ንዚቃለሱ ሰባት ክሕግዝ ከም ዚጥቀመለይ ይስምዓኒ እዩ።”

ነፍሲ ወከፍና ብብሕትና እንፍጽሞ ኣገልግሎት፡ ኣብ ኣወንታዊ ተግባራትን ሓሳባትን ከም እነተኵር ይገብረና እዩ። እዚ ኸኣ፡ የሱስ ከም ዝመሓረናን ከም ዜፍቅረናን ከም ዚኣምነናን የረጋግጸልና እዩ።

የሆዋ ኻብ ልብና ይዓቢ

እዚ እኩይ ስርዓት ዓለም ክሳዕ ዚጠፍእ፡ ልብና ብሕሉፍ ጌጋታትና ይዅንነና ይኸውን። ንኸምዚ ዝበለ ስምዒት ንምቅላሱ ግና እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ብንእስነታ ኽልተ ዓይነት ህይወት ብምምራሓ ብዙሕ ግዜ ጸጸት ዚስምዓ ጂን፡ “‘ኣምላኽ ካብ ልብና ይዓቢ’ ዚብል ሓሳብ እፈትዎ እየ” ትብል። (1 ዮሃ. 3:19, 20) ንሕና እውን፡ የሆዋን የሱስን ብዛዕባ ሓጢኣትና ኻባና ዝሓሸ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎም ምፍላጥና ኼጸናንዓና ይኽእል እዩ። ብፍቕሪ ተደሪኾም በጃ ኸም ዘዳለዉ፡ እዚ ኸኣ ንፍጹማት ሰባት ዘይኰነስ፡ ንዚንስሑ ሓጥኣን ምዃኑ ኣይትረስዕ።—1 ጢሞ. 1:15

ብዛዕባ እቲ የሱስ ንዘይፍጹማት ሰባት ዝሓዘሉ መገዲ ኸነስተንትንን ንሱ ዝሃበና ኣገልግሎት ንምፍጻም ዚከኣለና ኽንገብርን ከለና፡ ንልብና ብዛዕባ እዚ ኽቡር ሓቂ ኢና መረጋገጺ እንህቦ ዘለና። ንስኻ እውን ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ከም ጳውሎስ፡ የሱስ ‘ኣፍቂሩንን ምእንታይ ርእሱ ኣሕሊፉን’ ክትብል ትኽእል ኢኻ።