ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሕዳር 2017

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 25 ታሕሳስ 2017 ክሳዕ 28 ጥሪ 2018 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ብታሕጓስ ዘምር!

ኣብ ጉባኤ ምዝማር ዜሰክፈካ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ስምዒት እዚ ኣሰኒፍካ ብድምጽኻ ንየሆዋ ኽትውድሶ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ኣብ የሆዋ ትምዕቈብዶ ኣለኻ፧

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ መሰናድዎ ኸተማታት ዕቝባ ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ይምህረና እዩ።

ንፍትሕን ንምሕረትን የሆዋ ቕድሓየን

እተን ከተማታት ዕቝባ ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ ዚገልጻ ብኸመይ እየን፧ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ይምህራና፧ ነቲ ፍጹም ፍትሑ ዜንጸባርቓኸ ብኸመይ እየን፧

“ለጋስ ይባረኽ”

ንግዜናን ንጕልበትናን ንኻልእ ጥሪትናን፡ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።

ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኣወግድ

ኵላትና ህቡብ ኣረኣእያታት ንኣእምሮና ኸየበላሽዎ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ሓሙሽተ ኣብነት ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ርአ።

ገለ እኳ ሽልማትካ ኣይከልክልካ

ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣሕዋቱ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ተስፋኦም ምስ ኣዘኻኸሮም፡ ፍቕራዊ መጠንቀቕታ ሃቦም።

ምስ ሓዳስ ጉባኤኻ ብኸመይ ክትላመድ ትኽእል፧

ናብ ካልእ ጉባኤ ግዒዝካ እንተ ዄንካ፡ ትሻቐል ትህሉ ትኸውን። እሞ ደኣ ምትዕርራያት ክትገብር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧