ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ለጋስ ይባረኽ”

“ለጋስ ይባረኽ”

ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ መስዋእቲ ቐንዲ ኽፋል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዀይኑ ጸኒሑ እዩ። እስራኤላውያን፡ መስዋእቲ እንስሳ የቕርቡ ነይሮም እዮም፣ ክርስትያናት ከኣ፡ ኵሉ ሳዕ “መስዋእቲ ውዳሰ” የቕርቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ዚሕጐሰሉ ኻልእ ዓይነት መስዋእትታት እውን ኣሎ። (እብ. 13:15, 16) ከምቲ ቐጺልና እንርእዮ ድማ፡ እዚ መስዋእትታት እዚ፡ ሓጐስን በረኸትን የምጽእ እዩ።

ብግዜ ጥንቲ ብተኣማንነት ንኣምላኽ እተገልግል ዝነበረት ሃና፡ ውሉድ ክትወልድ ሃረር ትብል ነበረት። ግናኸ፡ መኻን እያ ነይራ። የሆዋ ውሉድ ኪህባ ድማ ጸለየት። “ብዅለን መዓልትታት ህይወቱ፡ ንየሆዋ ኽህቦ እየ” ኢላ ኸኣ ተመባጽዐት። (1 ሳሙ. 1:10, 11) ድሕሪ ግዜ፡ ሃና ጠነሰት፡ ሳሙኤል ዝስሙ ወዲ ድማ ወለደት። ሳሙኤል ጡብ ምስ ሓደገ ኸኣ፡ ሃና ኸምቲ እተመባጽዓቶ ንወዳ ናብ ማሕደር ኣምላኽ ወሰደቶ። ጥቕሚ ርእሳ ስለ ዝሰውአት ድማ፡ የሆዋ ባሪኽዋ እዩ። ድሕሪኡ፡ ሓሙሽተ ቘልዑ ወለደት፣ ሳሙኤል ከኣ ነብዪን ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኰነ።—1 ሳሙ. 2:21

ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ከም ሃናን ሳሙኤልን፡ ንህይወቶም ንፈጣሪኦም ብተወፋይነት ንምግልጋል ኪጥቀሙላ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ ንየሆዋ ምእንቲ ኸነገልግሎ ኢልና መስዋእትታት ምስ እንገብር፡ ኣምላኽ ኣብዚሑ ኸም ዚኽሕሰና፡ የሱስ ቃል ኣትዩ እዩ።—ማር. 10:28-30

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ዶርቃስ ዝስማ ክርስትያን ሓብቲ፡ “ሰናይ ግብሪ ትገብርን ምጽዋት ትምጽውትን ነበረት።” እዚ ዅሉ ድማ ንኻልኦት ክትሕግዞም ኢላ እትገብሮ ዝነበረት መስዋእትታት እዩ። ይኹን እምበር፡ “ሓሚማ ሞተት፣” በዚ ምኽንያት እዚ፡ ጉባኤኣ ሓዘነት። እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ጴጥሮስ ኣብቲ ኸባቢ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ ቀልጢፉ ኺመጾም ለመንዎ። ጴጥሮስ መጺኡ ንዶርቃስ ምስ ኣተንስኣ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሶም ይዀኑ! እዚ ትንሳኤ እዚ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሰፊሩ ዚርከብ ብሓደ ሃዋርያ እተፈጸመ ናይ ፈለማ ትንሳኤ እዩ። (ግብ. 9:36-41) ኣምላኽ ነቲ ዶርቃስ እትገብሮ ዝነበረት መስዋእትታት ኣይረስዖን። (እብ. 6:10) እቲ ዘርኣየቶ ልግሲ፡ ንዓና ሰናይ ኣብነት ምእንቲ ኪዀነና ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣስፊርዎ እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ግዜኡን ኣቓልቦኡን ብምሃብ ሰናይ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣሕዋቱ ኺጽሕፍ ከሎ፡ “ኣነስ ምእንታኹም ብብዙሕ ታሕጓስ ኵሉ ኽውፍየልኩም፡ ገዛእ ርእሰይ እውን ክውፍየልኩም እየ” በለ። (2 ቈረ. 12:15) ጳውሎስ፡ ምእንቲ ኻልኦት መስዋእቲ ምግባር፡ ዕግበት ከም ዜምጽእ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ በረኸትን ሞገስን የሆዋ ንምርካብ ከም ዚሕግዝ፡ ብተመክሮ ርእይዎ እዩ።—ግብ. 20:24, 35

ንግዜናን ንጕልበትናን፡ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምቕዳምን ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ንምሕጋዝን ምስ እንጥቀመሉ፡ የሆዋ ይሕጐሰልና እዩ። ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ክንድግፍ እንኽእለሉ ኻልእ መገድታትከ ኣሎዶ፧ እወ። ኣብ ርእሲ እቲ ግዜናን ጕልበትናን ተጠቒምና ንኣሕዋትና ብምሕጋዝ እነርእዮ ፍቕሪ፡ ብፍታውና ወፈያታት ብምግባር እውን ንኣምላኽ ከነኽብሮ ንኽእል ኢና። እቲ እንገብሮ ወፈያታት፡ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ እዩ ዚጠቅም። ንኣብነት፡ ሚስዮናውያንን ካልኦት ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ኣሕዋትን ንምሕጋዝ ይጠቅም እዩ። ብዘይካዚ፡ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ንምድላውን ንምትርጓምን፡ ንዕዮ ረድኤትን፡ ሓደስቲ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽን ዚኸውን ገንዘብ ዚርከብ፡ ካብቲ ብፍታው ዚግበር ወፈያታት እዩ። እምበኣር፡ ‘ለጋስ ከም ዚባረኽ’ ርግጸኛታት ንኹን። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንየሆዋ ብጥሪትና ነኽብሮ።—ምሳ. 3:9፣ 22:9