ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብታሕጓስ ዘምር!

ብታሕጓስ ዘምር!

“ንኣምላኽ ውዳሰ ምዝማር ጽቡቕ እዩ።”—መዝ. 147:1

መዝሙር፦ 10, 2

ሓደ ፍሉጥ ገጣሚ ኸም ዝገለጾ፡ ቃላት፡ ሓሳባት እዩ ዜመሓላልፍ። ሙዚቃ ድማ ስምዒት እዩ ዜለዓዕል። ደርፊ ወይ መዝሙር ግና እቲ ብቓላት ዚመሓላለፍ ሓሳባት ንስምዒትካ ኸም ዚትንክዮ እዩ ዚገብር። ካብቲ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ዘሎና ፍቕርን ውዳሰን ዚገልጽ መዝሙራት ብዝያዳ “ዚምስጥ” መዝሙር መሸም የልቦን። ስለዚ፡ እቲ ብብሕትና ዀነ ኣብ ጉባኤ ህዝቢ ኣምላኽ እንዝምሮ መዝሙር፡ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣገዳሲ ግደ ዘለዎ ምዃኑ ዜገርም ኣይኰነን።

2, 3. (ሀ) ምስ ጉባኤ ሓቢርና ብዓውታ ብዛዕባ ምዝማር እንታይ እዩ ኺስምዓና ዚኽእል፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 እሞ ደኣ ኣብ ጉባኤ መዝሙር ብዓውታ ምዝማር የሕፍረካ ድዩ፧ ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ሰብኡት ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ዓው ኢሎም ኪዝምሩ የሰክፎም እዩ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ግና ኣብ ብምልእታ ጉባኤ ኣሉታዊ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ብፍላይ ከኣ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ምዝማር ዜሰክፎም እንተ ዀይኑ ወይ ከኣ ኣብ ጉባኤ መዝሙር ኪዝመር ከሎ ኻልእ ስራሕ ዚሰርሑ እንተ ዀይኖም፡ ሕማቕ ጽልዋ ኼሕድሩ ይኽእሉ እዮም።—መዝ. 30:12

3 መዝሙር ሓደ ኽፋል ኣምልኾና ኸም ዝዀነ ብሓቂ ንግንዘብ እንተ ዄንና፡ መዝሙር ኪዝመር ከሎ ናብ ደገ ኣይንወጽእን ወይ ከኣ ካልእ ስራሕ ኣይንሰርሕን ኢና። ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍና ንርእስና ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንሓትታ ኣሎና፦ ‘ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣኼባታትና ዚዝመር መዝሙራት ኣምልኾ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዘሎኒ፧ ብታሕጓስ ከም ዘይዝምር ዚገብረኒ ዕንቅፋታት ኪሰግር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧ ነቲ ኣብ መዝሙራትና ዘሎ ስምዒት ብዜንጸባርቕ መገዲ ኽዝምር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’

መዝሙር—ኣገዳሲ ኽፋል ናይ ሓቂ ኣምልኾ

4, 5. ጥንታውያን እስራኤላውያን ኣብ ኣምልኾኦም መዝሙር ምእንቲ ኺጥቀሙ እተገብረ ሰፊሕ መሰናድዎ እንታይ እዩ ነይሩ፧

4 ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ብሙዚቃ ኣቢሎም ንየሆዋ ወዲሶምዎ እዮም። ጥንታውያን እስራኤላውያን ንየሆዋ ብተኣማንነት ኬገልግሉ ኸለዉ፡ መዝሙር ኣብ ኣምልኾኦም ኣገዳሲ ኽፋል ይህልዎ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚግበር ኣገልግሎት ምድላው ኪገብር ከሎ፡ ንየሆዋ ዚውድስ ሙዚቃ ዜዳልዉ 4,000 ሌዋውያን ወዲቡ ነበረ። ካባታቶም ከኣ እቶም 288 “ንየሆዋ ምዝማር ዝሰልጠኑ” እዮም ነይሮም።—1 ዜና 23:5፣ 25:7

5 እታ ቤተ መቕደስ ክትምረቕ ከላ፡ ሙዚቃን መዝሙርን ኣገዳሲ ግደ ነይርዎ እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “እቶም ሰብ መለኸትን እቶም ዘመርትን ብሓደ ድምጺ ንየሆዋ ምስ ወደስዎን ምስ ኣመስገንዎን፡ . . . ንየሆዋ ኺውድስዎ ኸለዉ ድማ እቲ ድምጺ ኻብቲ መለኸትን ጸናጽል ሸሓንን ካልእ ናውቲ ሙዚቃን ምስ ዓረገ፡ . . . ነታ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክብሪ የሆዋ መሊእዋ ነበረ።” እዚ ፍጻመ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እምነት ዜደልድል እዩ ነይሩ።—2 ዜና 5:13, 14፣ 7:6

6. ነህምያ ሹም የሩሳሌም ኣብ ዝነበረሉ እዋን እተገብረ ፍሉይ መሰናድዎ መዝሙር ግለጽ።

6 ነህምያ ነቶም እሙናት እስራኤላውያን ኣብ ዳግመ ህንጸት መካበብያ የሩሳሌም ኪመርሖም ከሎ፡ ብምሉእ ናውቲ ሙዚቃ ዚዝምሩ ሌዋውያን እውን ወዲቡ ነይሩ እዩ። እቲ ኣብ መመረቕታ እቲ መካበብያ ዝቐረበ ፍሉይ መሰናድዎ ሙዚቃ ድማ ነቲ ፍጻመ ኣዝዩ ዜሐጕስ ከም ዚኸውን ገይርዎ እዩ። ኣብቲ መመረቕታ እቲ፡ “ክልተ ዓበይቲ ዜመስግኑ ጕጅለ ዘመርቲ” ነበሩ። እቶም ክልተ ጕጅለ ዘመርቲ ማዕዶ ንማዕዶ ዀይኖም ብልዕሊ እቲ መካበብያ ብምኻድ ኣብ ጥቓ እታ ቤተ መቕደስ ኣብ ዚርከብ መካበብያ ተራኸቡ። ብዓውታ ስለ ዝዘመሩ ድማ ድምጾም ክሳዕ ርሑቕ ኪስማዕ ይኽእል ነበረ። (ነህ. 12:27, 28, 31, 38, 40, 43) የሆዋ እቶም ኣምለኽቱ ብውዕዉዕ ስምዒት እናዘመሩ ኺውድስዎ ኸለዉ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ኸም እተሓጐሰ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

7. የሱስ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣምልኾ መዝሙር ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘለዎ ዘጕልሐ ብኸመይ እዩ፧

7 ክርስያናዊት ጉባኤ ምስ ቈመት እውን፡ ሙዚቃ ኣገዳሲ ኽፋል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዀይኑ ቐጺሉ እዩ። ኣብታ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ኣዝያ ኣገዳሲት ዝነበረት ምሸት፡ የሱስ ድራር ጐይታ ምስ ኣቘመ፡ ነቲ መደብ ብመዝሙር እዩ ዛዚምዎ።ማቴዎስ 26:30 ኣንብብ።

8. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ኣምልኾኦም መዝሙራት ብምዝማር ኣርኣያ ዝሓደጉልና ብኸመይ እዮም፧

8 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ሓቢሮም ንኣምላኽ ብመዝሙር ይውድስዎ ስለ ዝነበሩ፡ በዚ መዳይ እዚ ንዓና ኣርኣያ ሓዲጎምልና እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ኣባይቲ ውልቀ ሰባት ይእከቡ ስለ ዝነበሩ፡ እቲ መአከቢኦም ከምታ ቤተ መቕደስ ዜደንቕ ጽባቐ ኣይነበሮን። እዚ ግና፡ ንየሆዋ ብውዕዉዕ ስምዒት ከይዝምሩሉ ዕንቅፋት ኣይኰኖምን። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ንክርስትያን ኣሕዋቱ፡ “ብልብኹም ንየሆዋ እናዘመርኩም፡ ብመዝሙርን ብውዳሰ ኣምላኽን ብምስጋና ብዚዝመር መንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተማሃሃሩን ተተባብዑን” በሎም። (ቈሎ. 3:16) እቲ ኣብ ናይ መዝሙር መጽሓፍና ዘሎ መዝሙራት፡ ብሓቂ ‘ብምስጋና ዚዝመር መንፈሳዊ ዜማ’ እዩ። እዚ መዝሙራት እዚ፡ ሓደ ኽፋል እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዜዳልወልና መንፈሳዊ ምግቢ እውን እዩ።—ማቴ. 24:45

ብዛዕባ መዝሙር ንዘሎካ ስክፍታ ኣወግዶ

9. (ሀ) ንገሊኦም ኣሕዋት ኣብ ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታት ብታሕጓስ ዓው ኢሎም ከይዝምሩ ዕንቅፋት ዚዀኖም እንታይ እዩ፧ (ለ) ንየሆዋ ብመዝሙር ክንውድሶ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብነት ኪዀኑ ዘለዎምከ መን እዮም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

9 ኣብ ስድራ ቤትካ፡ ኣብ ባህልኻ ወይ ኣብ ከባቢኻ፡ መዝሙር ምዝማር ልሙድ ብዘይምዃኑ፡ ምዝማር ኬሰክፈካ ይኽእል እዩ። ስነ ጥበባውያን ዚደርፍዎ ደርፊ ብዘመናዊ ተክኖሎጂ ምስማዕ ባህ ይብለካ ይኸውን። ንድምጽኻ ምስ ድምጺ እቶም ክኢላታት ደረፍቲ ኸተነጻጽሮ ኸለኻ ግና የሕፍረካ ወይ ተስፋ የቝርጸካ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ እዚ ስክፍታ እዚ፡ ንየሆዋ ብመዝሙር ክትውድሶ ንዘሎካ ሓላፍነት ከይትፍጽም ዕንቅፋት ኪዀነካ የብሉን። የግዳስ፡ ነቲ ናይ መዝሙር መጽሓፍካ ሓፍ ኣቢልካ ሓዞ፡ ርእስኻ ቕንዕ ኣቢልካ ድማ ካብ ልብኻ ዘምር። (እዝ. 3:11፣ መዝሙር 147:1 ኣንብብ።) ሎሚ ኣብ ሓያሎ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ቃላት መዝሙራትና ብስክሪን ይርአ እዩ፣ እዚ ድማ ዓው ኢልና ኽንዝምር ይሕግዘና እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ እቲ ንሽማግለታት ዚዳሎ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ኣትዩ ኣሎ። እዚ መሰናድዎ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ጉባኤ መዝሙራት ኪዝመር ከሎ ሽማግለታት ኣብነት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ዜጕልሕ እዩ።

10. ብሰንኪ ፍርሂ ምዝማር ኬሕፍረና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

10 ሓደ ኻብቲ ንብዙሓት ኣሕዋት ዓው ኢሎም ከይዝምሩ ዕንቅፋት ዚዀኖም ነገራት፡ ፍርሂ እዩ። ናትካ ድምጺ ጥራይ ከይስማዕ ወይ ከኣ ጥዑም ዘይኰነ ድምጺ ኸይተስምዕ ትፈርህ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ክንዛረብ ከለና፡ ‘ኵላትና ብዙሕ ሳዕ ከም እንስሕት’ ፍሉጥ እዩ። (ያእ. 3:2) በዚ ተሰኪፍና ግና ምዝራብ ኣይንሓድጎን ኢና። እሞ ደኣ እቲ ዘይፍጹም ድምጽና ኣሕፊሩና ንየሆዋ ምውዳስ ስለምንታይ ንሓድጎ፧

11, 12. ናይ ምዝማር ክእለትና ኸነመሓይሽ እንኽእለሉ ገለ ሓሳባት እንታይ እዩ፧

11 ምዝማር ዜሰክፈና፡ ምናልባት ብኸመይ ከም እንዝምር ስለ ዘይንፈልጥ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ምዝማር ክእለትና ኸነመሓይሽ እንኽእለሉ መሰረታዊ ነገራት ግና ኣሎ። *

12 ብዚግባእ ከተስተንፍስ እትኽእል ብኸመይ ምዃኑ ምስ እትፈልጥ፡ ክትዝምር ከለኻ ድምጽኻ ሓይሊ ኺህልዎን ዓው ዝበለ ኪኸውንን ይኽእል እዩ። ከምቲ ኤለክትሪክ ንኣምፑል ሓይሊ ዚህቦ፡ ትንፋስና እውን ክንዛረብ ወይ ክንዝምር ከለና ንድምጽና ሓይሊ ይህቦ እዩ። ማዕረ እቲ ኽትዛረብ ከለኻ እተውጽኦ ድምጺ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዓው ዝበለ ድምጺ እናኣውጻእካ ኽትዝምር ኣሎካ። (ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ኣብ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ካብ ገጽ 181 ክሳዕ 184፡ ኣብ ትሕቲ “ንኣተነፋፍሳኻ ብዚግባእ ተቘጻጸሮ” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ዝወጸ ሓሳባት ርአ።) ወረግ መጽሓፍ ቅዱስሲ፡ ኣምለኽቲ የሆዋ ሓድሓደ ግዜ ውዳሰ ኺዝምሩ ኸለዉ ‘እልል ይብሉ’ ኸም ዝነበሩ እውን ይነግረና እዩ።—መዝ. 33:1-3

13. ብርእሰ ምትእምማን ክንዝምር እንኽእል ብኸመይ ምዃኑ ግለጽ።

13 ኣምልኾ ስድራ ቤት ክትገብር ከለኻ ወይ ከኣ ብብሕትኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ፈትኖ፦ ካብ መጽሓፍ መዝሙር ሓንቲ እትፈትዋ መዝሙር ሕረ። ነቲ ግጥምታታ ብብርቱዕ ድምጽን ብርእሰ ምትእምማንን ዓው ኢልካ ኣንብቦ። ቀጺልካ፡ ሓደ ዓይነት ድምጺ ተጠቒምካ፡ ኣብ ሓደ ሓረግ ንዚርከብ ኵሉ ቓላት መዝሙር ብሓደ ትንፋስ ኣንብቦ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ሓረግ እቲ ብሓደ ዓይነት ድምጺ ዘምሮ። (ኢሳ. 24:14) በዚ ኸምዚ ድምጽኻ ብርቱዕ ኪኸውን እዩ፣ ከምኡ ምዃኑ ድማ ጽቡቕ እዩ። እዚ ኼፍርሃካ ወይ ኬሕፍረካ የብሉን።

14. (ሀ) ኣፍና ኣስፍሕ ኣቢልና ምኽፋት ንናይ ምዝማር ክእለትና ዜመሓይሾ ብኸመይ እዩ፧ (“ ናይ ምዝማር ክእለትካ ብኸመይ ከተመሓይሽ ትኽእል፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) (ለ) ነቲ ዘሎካ ናይ ድምጺ ጸገማት ክትሰግሮ ዚሕግዝ ኰይኑ ዝረኸብካዮ ሓሳባት ኣየናይ እዩ፧

14 ኣብ ኣፍካ ዝያዳ ኽፉት ቦታ እንተ ዘይፈጢርካ፡ ክትዝምር ከለኻ ድምጽኻ ምሉእ ሓይሊ ኣይህልዎን እዩ። ስለዚ፡ ኣፍካ ኻብቲ ኽትዛረብ ከለኻ እትኸፍቶ ዝያዳ ኣስፍሕ ኣቢልካ ኽፈቶ። ድምጽኻ ኣዝዩ ድኹም ወይ ኣመና ቐጢን ከም ዝዀነ እንተ ተሰሚዑካኸ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ነዚ ጸገማት እዚ ዚምልከት ግብራዊ ሓሳባት፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ኣብ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 184 ኣብ ዘላ “እተወሰነ ጸገማት ምስጋሩ” ዘርእስታ ሳጹን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ካብ ልብኻ ውዳሰ ዘምር

15. (ሀ) ኣብቲ ብ2016 እተገብረ ዓመታዊ ኣኼባ እንታይ ምልክታ እዩ ተነጊሩ፧ (ለ) ገለ ኻብቲ ሓዳስ መጽሓፍ መዝሙር ዝወጸትሉ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

15 ኣብቲ ብ2016 እተገብረ ዓመታዊ ኣኼባ ናይ ፐንስልቨንያ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ሓውና ስቴፈን ለት፡ ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’ ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ መዝሙር ከም ዝወጸት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ከኣ ኣብ ኣኼባታትና ኸም እንጥቀመላ ምልክታ ምስ ነገረ፡ ኵላትና ተሓጒስና ኢና። ሓውና ለት፡ እቲ መዝሙራት እተኸለሰ፡ ምስቲ ተኸሊሱ ዝወጸ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ምእንቲ ኺሰማማዕ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብቲ ብ2013 እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዘየሎ ቓላት ዝነበሮ ግጥምታት ተቐይሩ ወይ ተኸሊሱ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ዕዮ ስብከትን ብዛዕባ እቲ ንበጃ ዘሎና ሞሳን ዚገልጽ ሓደስቲ መዝሙራት ተወሲኹ እዩ። መዝሙር ምዝማር ኣገዳሲ ኽፋል ኣምልኾና ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ምስ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዚመሳሰል ገበር ዘለዎ ብሉጽ መጽሓፍ መዝሙር ኬውጽእ ወሲኑ እዩ።

16, 17. ኣብታ ሓዳስ መጽሓፍ መዝሙር እንታይ ምምሕያሻት እዩ ተገይሩ፧

16 እታ ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’ ዘርእስታ መጽሓፍ ንኣጠቓቕማ እትምሽእ ምእንቲ ኽትከውን፡ እተን መዝሙራታ በብርእሰ ነገር እየን ተሰሪዐን። ንኣብነት፡ እተን ቀዳሞት 12 መዝሙራት ብዛዕባ የሆዋ፡ እተን ድሕሪኡ ዘለዋ 8 መዝሙራት ከኣ ብዛዕባ የሱስን በጃን እየን ዚገልጻ። እተን ካልኦት መዝሙራት እውን ከምኡ እየን ተሰሪዐን። እታ መጽሓፍ መዝሙር፡ መሐበሪ ርእሰ ነገር እውን ኣለዋ። እዚ ድማ ንህዝባዊ መደረን ንኻልእ ነገራትን ዚኸውን መዝሙር ብቐሊሉ ኽንመርጽ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

17 ኵሉ ሰብ ካብ ልቡ ምእንቲ ኺዝምር፡ ኣብ ገሊኡ ግጥምታት ዝነበረ ንጹር ዘይኰነ ሓሳባትን ዝውቱር ዘይኰነ ቓላትን ተኸሊሱ፡ ብቐሊሉ ብዚርዳእን ላዛ ብዘለዎን ቃላት ድማ ተተኪኡ እዩ። ንኣብነት፡ እታ “ሳህልን ፍቕርን ኣምላኽና” ዘርእስታ መዝሙር፡ “ኣምላኽና ብተኣማንነት የፍቅር” ብዚብል ተቐዪራ፡ ግጥምታታ ድማ ተኸሊሱ እዩ። እታ “ንልብኻ ሓልዎ” ዘርእስታ መዝሙር ከኣ፡ “ንልብና ንሓልዎ” ብዚብል ተቐዪራ እያ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ሓደ ሰብ ንቓላት እታ መዝሙር ኪዝምር ከሎ፡ ንኻልኦት እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ዚነግሮም ዘሎ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ከምኡ ምግባር ድማ ነቶም ኣብ ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታትና ዚእከቡ ሓደስትን ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባትን መንእሰያትን ኣሓትን ኪኸብዶም ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣርእስትን ግጥምታትን እታ መዝሙር ተመሓይሹ እዩ።

ንመዝሙራት ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ተለማመደሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18. ኣብታ ሓዳስ መጽሓፍ መዝሙርና ንዚርከብ መዝሙራት ክንለምዶ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

18 ኣብታ ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’ ዘርእስታ መጽሓፍ ዚርከብ ብዙሕ መዝሙራት፡ ብመልክዕ ጸሎት ዝቐረበ እዩ። በዚ መዝሙራት እዚ ኣቢልካ ድማ፡ ንየሆዋ ብሕታዊ ስምዒትካ ኽትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ካልእ መዝሙራት ከኣ፡ ንዓና “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ” ዚጠቅም እዩ። (እብ. 10:24) ብርግጽ እምበኣር፡ ምስ ዜማን ግጥምን መዝሙራትና ኣጸቢቕና ኽንላለ ንደሊ ኢና። ነቲ ብድምጺ እተቐድሐ ኣብ jw.org ዚርከብ መዝሙራት እንግሊዝኛ ኣራጊፍካ ብምስማዕ፡ ንዜማ እቲ መዝሙራት ክትለምዶ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቤትካ ነቲ መዝሙራት ብምልምማድ ከኣ፡ ብርእሰ ምትእምማን ካብ ውሽጢ ልብኻ ምዝማር ክትክእል ኢኻ። *

19. ኣብ ጉባኤ ዚእከቡ ዘበሉ፡ ንየሆዋ ብቐጥታ ኼምልኽዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

19 መዝሙር ኣገዳሲ ኽፋል ኣምልኾና ምዃኑ ኣይትረስዕ። ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ሞሳን እነርእየሉ ብሉጽ መገዲ እዩ። (ኢሳይያስ 12:5 ኣንብብ።) ብታሕጓስ ዓው ኢልካ ምስ እትዝምር፡ ንኻልኦት እውን ብርእሰ ምትእምማን ኪዝምሩ ኸተተባብዖም ኢኻ። እወ፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅሎም ዓበይትን ንኣሽቱን ኰኑ ሓደስቲ በዚ ኸምዚ ንየሆዋ ብቐጥታ ኼምልኽዎ ይኽእሉ እዮም። እምበኣር፡ መዝሙር ምዝማር ኬሰክፈካ የብሉን። እኳ ደኣስ፡ ነቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ፡“ንየሆዋ ዘምሩሉ” ዝበለ ዘማሪ ንስምዓዮ። እወ፡ ብታሕጓስ ዘምር!—መዝ. 96:1

^ ሕ.ጽ. 18 ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ኵሉ ኽፍለ ግዜ እቲ ኣኼባ ብናይ ዓሰርተ ደቒቕ ሙዚቃ እዩ ዚኽፈት። እዚ ድማ፡ ንምዝማር ክንዳሎ ይሕግዘና እዩ። እቲ ብኦርኬስትራ እተዳለወ ሙዚቃ፡ ብልብናን ብኣእምሮናን ነቲ ድሕሪ እቲ ሙዚቃ ዚቐርብ መደብ ምእንቲ ኽንዳሎ ተባሂሉ እዩ ዚሰናዶ። ስለዚ፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዝና ኣብ መንበርና ኾፍ ኢልና ነቲ ሙዚቃ ብኣቓልቦ ኽንሰምዖ ኣሎና።