ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ሓዳስ ጉባኤኻ ብኸመይ ክትላመድ ትኽእል፧

ምስ ሓዳስ ጉባኤኻ ብኸመይ ክትላመድ ትኽእል፧

ኣለን፡ * “ናብዚ ኽግዕዝ ከለኹ ተጨኒቐ እየ ነይረ። ኣዕሩኽ ከጥሪ ወይ ተቐባልነት ክረክብ ዝኽእል እንተ ዀይነ ኣተሓሳሲቡኒ ነይሩ” በለ። ኣለን ካብ ቤቱ ልዕሊ 1,400 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ናብ እትርከብ ጉባኤ እዩ ግዒዙ።

ንስኻ እውን ናብ ካልእ ጉባኤ ግዒዝካ እንተ ዄንካ፡ ትሻቐል ትህሉ ትኸውን። እሞ ደኣ ምትዕርራያት ክትገብር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ እቲ ኽትገብሮ ዘሎካ ምትዕርራያት ካብቲ እተጸበኻዮ ንላዕሊ እንተ ኸቢዱካኸ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ዋላ እኳ ናብ ካልእ ቦታ እንተ ዘይገዓዝካ፡ ነቶም ናብ ጉባኤኻ ዝመጹ ሓደስቲ ምእንቲ ኺላመዱ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

ክትላመድ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እሞ ሕሰበሉ፦ ሓደ ኦም ካብቲ ዝነበሮ ተነቒሉ ኣብ ካልእ ቦታ ኺትከል ከሎ፡ እተወሰነ ጸገማት የጋጥሞ እዩ። ካብቲ መሬት ኪንቀል ከሎ፡ ንምጕዕዓዝ ምእንቲ ኪቐልል ዝበዝሐ ሰራውሩ ይቝረጽ እዩ። ኣብቲ ኸም ብሓድሽ እተተኽለሉ ቦታ ድማ፡ ቀልጢፉ ሓደስቲ ሰራውር ምብቋል ኪጅምር ኣለዎ። ብተመሳሳሊ፡ ናብ ካልእ ጉባኤ ኽትግዕዝ ከለኻ፡ እተወሰነ ጸገማት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ኣብታ ናይ ቀደም ጉባኤኻ፡ ኣኽቢርካ እትርእዮም ኣዕሩኽን ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማዳትን ብምምዕባል፡ “ሱር” ሰዲድካ ኔርካ ኢኻ። ሕጂ ግና ምስቲ ሓድሽ ኵነታትካ ምእንቲ ኽትላመድ፡ ሓድሽ ሰራውር ከተብቍል ኣሎካ። እሞ ደኣ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምውዓል ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ገለ ኻብኡ ድማ እንሀ፦

ቃል ኣምላኽ ኣዘውቲሩ ዜንብብ ሰብ፡ “ከምታ ፍሪኣ በብግዜኣ እተፍሪ፡ ኣቝጽልታ ኸኣ ዘይጽምሉ፡ ኣብ ጥቓ ወሓይዝ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉ እውን ይሰልጦ።”መዝ. 1:1-3

ከምቲ ሓንቲ ኦም ምእንቲ ኸይትጽምሉ ማይ ካብ ምንጪ ኽትሰቲ ዘለዋ፡ ሓደ ክርስትያን እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱል ምእንቲ ኪኸውን ካብ ቃል ኣምላኽ ኣዘውቲሩ ኺምገብ ኣለዎ። ስለዚ፡ በብመዓልቱ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ፡ ኣዘውቲርካ ድማ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ተኣከብ። ኣምልኾ ስድራ ቤትን ብሕታዊ መጽናዕትን ናይ ምግባር ጽቡቕ ልማዳትካ ኣይተቋርጾ። እቲ ኣብታ ናይ ቀደም ጉባኤኻ መንፈሳውነትካ ኽትሕሉ ዜድልየካ ዝነበረ ነገራት፡ ኣብዛ ሓዳስ ጉባኤኻ እውን ኬድልየካ እዩ።

“እቲ ዜርዊ . . . ንርእሱ ይረዊ።”ምሳ. 11:25

ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ትካፈለ እንተ ዄንካ፡ ክትበራታዕን ቀልጢፍካ ኽትላመድን ኢኻ። ኬቨን ዝስሙ ክርስትያን ሽማግለ፡ “ንዓይን ንሰበይተይን ኣዝዩ ዝሓገዘና፡ ናብታ ሓዳስ ጉባኤና ምስ ገዓዝና ቐልጢፍና ሓገዝቲ ፈለምቲ ምዃንና እዩ” በለ። ሮጀር ዝስሙ ኻብቲ ዚነብረሉ ዝነበረ ኸባቢ ልዕሊ 1,600 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ናብ ዚርከብ ከባቢ ዝገዓዘ ሓው ድማ ከምዚ በለ፦ “ምስ ኣሕዋትናን ምስ ፈለምትን ምስቲ ኽልን ቀልጢፍና ኢና ተላሊና። ምስታ ሓዳስ ጉባኤኻ ኽትላመድ ዚሕግዘካ ብሉጽ መገዲ፡ ቀልጢፍካ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምክፋል እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ሽማግለታት፡ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኽትሕግዞም ቍሩብ ምዃንካ ሓብሮም። ምናልባት፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽራይ፡ ኣብ ኣኼባታት ከም መተካእታ ዄንካ ኽፍልታት ኣብ ምቕራብ፡ ወይ ናብ ጉባኤ ኺመጹ መጓዓዝያ ንዜድልዮም ኣብ ምሕጋዝ እጃምካ ኸተበርክት ትኽእል ኢኻ። ኣሕዋትን ኣሓትን ጥቕሚ ርእሱ ዚስውእ ሓው ምዃንካ ምስ ረኣዩ፡ ሓንጐፋይ ኢሎም ኪቕበሉኻ እዮም።”

“ልብኹም ጋህ ኣብሉ።”2 ቈረ. 6:13

ሕውነታዊት ፍቕርኻ ኸተግፍሕ ጽዓር። መሊሳ ዝስማ ሓብትን ስድራ ቤታን ናብ ሓዳስ ጉባኤ ምስ ገዓዙ፡ ሓደስቲ ፈተውቲ ኼጥርዩ ጸዓሩ። መሊሳ ኸምዚ በለት፦ “ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ቅድሚ ኣኼባን ድሕሪኡን ምስ ኣሕዋትና ኽንሕወስ ጽዒርና ኢና። እዚ ድማ፡ ንሰላምታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዕላል ዚኸውን ግዜ ኽንረክብ ኣኽኢሉና እዩ።” በዚ ኸምዚ ድማ እቶም ስድራ ቤት፡ ስማት ኣሕዋት ቀልጢፎም ኪፈልጡ ኽኢሎም እዮም። ብዘይካዚ፡ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ብምዃን ፍቕሮም ኬግፍሑ ምጽዓሮም፡ ነቲ ዝመስረትዎ ሓድሽ ምሕዝነት ኬደልድሉ ሓጊዝዎም እዩ። መሊሳ፡ “ኣሕዋትና ብቐሊሉ ምእንቲ ኺረኽቡና፡ ኣብ መንፈሳውን ካልእን ንጥፈታት ድማ ምእንቲ ኺጽውዑና ቝጽሪ ተሌፎንና ሂብናዮም ኢና” በለት።

ምስ ሓደስቲ ሰባት ምዝርራብ እምብዛ ዚኸብደካ እንተ ዀይኑ፡ ብቐሊል መገድታት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ዋላ እኳ ኣብ ፈለማ እንተ ዘይተበርሃካ፡ ፍሽኽ በል። ፍሽኽታ ንሰባት ናባኻ ይስሕቦም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ባህ ዜብል ቈላሕታ ንልቢ የሐጕሶ” ይብል እዩ። (ምሳ. 15:30፡ እ.ጽ.) ካብቲ ዝዓበየትሉ ኸባቢ ኣዝያ ርሒቓ እትነብር ሬቸል ከምዚ በለት፦ “ብተፈጥሮይ ስቕተኛ እየ። ሓድሓደ ግዜ፡ ንነብሰይ ኣገዲደ እየ ነቶም ኣብታ ሓዳስ ጉባኤየይ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ሰላም ዝብሎም። ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኣተኹ፡ ምስ ዋላ ሓደ ዘየዕልልን ንበይኑ ኾፍ ዝበለን ሰብ እንተሎ እየ ዝደሊ። እቲ ሰብ እቲ ኸምዚ ኸማይ ሓፋር ኪኸውን ይኽእል እዩ።” ንስኻ እውን፡ ቅድሚ ኣኼባን ድሕሪኡን ምስ ሓድሽ ሰብ ከተዕልል ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል ኢኻ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ኣብተን ናይ ፈለማ ሒደት ሰሙናት ምስ ሓደስቲ ሰባት ምርኻብ የሀንጥየካ ይኸውን። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ከምኡ ምግባር ኪምነወካ ይኽእል እዩ። ከምኡ ምስ ዚስምዓካ፡ ብቐጻሊ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ምእንቲ ኸተጥሪ ሓያል ጻዕሪ ኽትገብር ኣሎካ።

ሓንቲ ኦም ካብቲ ዝነበረቶ ተነቒላ ኣብ ካልእ ቦታ ኽትትከል ከላ፡ እተወሰነ ጸገማት ዜጋጥማ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደስቲ ሰራውር ምብቋል ትጅምር እያ

ክሳዕ እትላመድ ግዜ ኺወስድልካ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ

ገሊኡ ኣእዋም ተነቒሉ ኣብ ሓድሽ ከባቢ ኺትከል ከሎ፡ ሱር ሰዲዱ ኺድልድል ካብ ካልእ ኣእዋም ንላዕሊ ግዜ ይወስደሉ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኵሎም ኣሕዋት ብማዕረ ኣይኰኑን ምስ ሓዳስ ጉባኤኦም ዚላመዱ። ካብ እትግዕዝ እተወሰነ ግዜ ጸኒሕካ ኽነስኻ፡ ምስ ጉባኤኻ ምልማድ ክሳዕ ሕጂ ይኸብደካ እንተ ኣልዩ፡ እዚ ዚስዕብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ፦

“እንተ ዘይተሓሊልና፡ ብግዜኡ ኽንዓጽድ ኢና እሞ፡ ሰናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ።”ገላ. 6:9

ንኽትላመድ፡ ካብቲ ኣብ ፈለማ ዝሓሰብካዮ ዚዛይድ ግዜ ኺወስደልካ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ። ንኣብነት፡ ብዙሓት ኣብ ጊልዓድ ዝሰልጠኑ ሚስዮናውያን፡ ኣብታ እተመደቡላ ወጻእ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ከይጸንሑ፡ ኪበጽሑ ኢሎም ናብ ዓዶም ኣይምለሱን እዮም። ከምኡ ምግባሮም፡ ምስቶም ኣብ ጉባኤኦም ዘለዉ ኣሕዋት ምሕዝነት ኪምስርቱን ምስቲ ሓድሽ ባህሊ ኺላመዱን ይሕግዞም እዩ።

ብዙሕ ሳዕ ናብ እተፈላለየ ኸባቢታት ዝገዓዘ ኣለኻንድሮ፡ ምስ ሓዳስ ጉባኤኻ ምልማድ ብሃታሃታ ዚኸውን ነገር ከም ዘይኰነ ይፈልጥ እዩ። ኣለኻንድሮ፡ “ኣብታ ንመወዳእታ ግዜ ዝገዓዝናላ እዋን፡ ሰበይተይ፡ ‘ኵሎም ፈተውተይ ኣብታ ናይ ቀደም ጉባኤና እዮም ዘለዉ’ ኢላትኒ” በለ። ንሱ ድማ፡ ቅድሚ ኽልተ ዓመት ኪግዕዙ ኸለዉ እውን ከምኡ ተሰሚዑዋ ኸም ዝነበረ ኣዘኻኸራ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ውሽጢ እተን ክልተ ዓመት፡ ኣብ ፈለማ ተጋይሻ እኳ እንተ ነበረት፡ ንኣሕዋት ተገዳስነት ምስ ኣርኣየቶም ግና፡ ናይ ቀረባ ፈተውታ ዀይኖም እዮም።

“‘ስለምንታይ እየን ካብዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሕሻ፧’ ኣይትበል፣ እዝስ ብጥበብ ኣይኰንካን እትሓትቶ ዘለኻ።”መክ. 7:10

ነታ ሓዳስ ጉባኤኻ ምስታ ናይ ቀደም ኣይተወዳድራ። ንኣብነት፡ ኣብታ ሓዳስ ጉባኤኻ ዘለዉ ኣሕዋት ስቕ በሃልቲ ወይ ከኣ ሕዉሳት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ከምቲ ንሳቶም ኣብ ኣወንታዊ ባህርያትካ ኼተኵሩልካ እትደልዮም፡ ንስኻ እውን ከምኡ ግበር። ገሊኦም ናብ ካልእ ጉባኤ ዝገዓዙ ሓደስቲ፡ ‘ብሓቂዶ “ንዅሎም ኣሕዋት” አፍቅር እየ፧’ ኢሎም ንርእሶም ኪሓትትዋ ተደሪኾም እዮም።—1 ጴጥ. 2:17

“ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ።”ሉቃ. 11:9

ሓገዝ ኽትረኽቡ ብቐጻሊ ጸሊ። ዴቪድ ዝስሙ ሽማግለ፡ “ነቲ ዅነታት በይንኹም ክትዋጽኡሉ ኣይትፈትኑ። ብዙሕ ነገራት ብሓገዝ የሆዋ ጥራይ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል። ስለዚ፡ ብዛዕባኡ ጸልዩ” በለ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሬቸል እውን ምስዚ ሓሳብ እዚ ትሰማማዕ እያ። ከምዚ ድማ በለት፦ “ኣነን ሰብኣየይን ካብ ኣባላት ጉባኤና ዝረሓቕና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ ንየሆዋ ብጸሎት ኣቢልና፡ ‘ካልኦት ናባና ኸም ዘይቀርቡ ዚገብሮም ነገር ንገብር እንተ ኣሊና በጃኻ ኣፍልጠና’ ኢልና ንሓትቶ ኢና። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝያዳ ግዜ ኸነሕልፍ ንጽዕር ኢና።”

ኣቱም ወለዲ፡ ውሉዳትኩም ምስ ጉባኤኦም ምልማድ እንተ ኸቢድዎም፡ ብዛዕባ እዚ ምስ ውሉዳትኩም ሓቢርኩም ጸልዩ። ሃናጺ ምሕዝነት ኪረኽቡ ዚኽእልሉ ኣጋጣሚታት ብምፍጣር፡ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ኬጥርዩ ሓግዝዎም።

ንሓደስቲ ኸይጋየሹ ሓግዞም

ናብ ጉባኤኹም ንዝገዓዙ ሓደስቲ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧ ካብ መጀመርታ ኣትሒዝካ፡ ናይ ሓቂ ዓርኪ ኽትኰኖም ጽዓር። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ንስኻ ናብ ካልእ ጉባኤ እንተ ትግዕዝ፡ እንታይ ኪግበረልካ ኸም እትደሊ ሕሰብ እሞ፡ ነቶም ሓደስቲ ኸምኡ ግበረሎም። (ማቴ. 7:12) ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ምሳኻ ኺካፈሉ ወይ ወርሓዊ መደብ JW Broadcasting ምሳኻ ሓቢሮም ኪርእዩ ኽትዕድሞም ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ኣገልግሎት ሒዝካዮም ክትወጽእ ትኽእል ኢኻ፧ ምሳኻ ቐሊል ምግቢ ኺምገቡ እንተ ዓዲምካዮም ከኣ፡ ነቲ ዝገበርካሎም እንግዶት ኣይክርስዕዎን እዮም። ክትገብረሎም እትኽእል ካልእ ግብራዊ ሓገዝከ እንታይ እዩ፧

ካርሎስ፡ “ናብታ ሓዳስ ጉባኤና ምስ ከድና፡ ሓንቲ ሓብቲ ዝዀነ ይኹን ነገር ብጽቡቕ ዋጋ ናይ ዚሽየጠሉ ድኳናት ዝርዝር ሂባትና። እዚ ድማ ብዙሕ እዩ ሓጊዙና” በለ። እቶም እተፈልየ ኽሊማ ኻብ ዘለዎ ኸባቢ ዝመጹ ኣሕዋት፡ ብግዜ ሃሩር፡ ብግዜ ቝሪ፡ ወይ ብግዜ ዝናም እንታይ ዓይነት ኣከዳድና ኪኽደኑ ኸም ዘለዎም እንተ ነጊርካዮም፡ ባህ ኪብሎም ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ታሪኽ እቲ ዘለኻሉ ማሕበረሰብ ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ሃይማኖታዊ እምነታት ምስ እትገልጸሎም፡ ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ኪጠቕሞም ይኽእል እዩ።

ክትላመድ ምጽዓር፡ ዓስቢ ኣለዎ

እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ኣለን፡ ኣብታ ሓዳስ ጉባኤኡ ልዕሊ ሓደ ዓመት ገይሩ እዩ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ኣብ ፈለማ ባዕለይ ተበግሶ ወሲደ ንኣሕዋትን ኣሓትን ኪፋለጥ ኣድልዩኒ እዩ። ሕጂ ግና ስድራ ቤተይ ከም ዝዀኑ እዩ ዚስምዓኒ።” ናብ ካልእ ጉባኤ ብምግዓዙ፡ ኣዕሩኽ ከም ዘይስእን ድማ ተገንዚቡ እዩ። የግዳስ፡ ንሓዋሩ እውን ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ዚዀንዎ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ኬጥሪ ኽኢሉ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 2 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።