ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንፍትሕን ንምሕረትን የሆዋ ቕድሓየን

ንፍትሕን ንምሕረትን የሆዋ ቕድሓየን

“ብናይ ሓቂ ፍትሒ ፍረዱ፣ ንሓድሕድኩም ከኣ ብተኣማንነት ተፋቐሩን ተምሓሓሩን።”—ዘካ. 7:9

መዝሙር፦ 125, 88

1, 2. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኽ ዝነበሮ ኣረኣእያ እንታይ እዩ፧ (ለ) ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንሕጊ ኣምላኽ ብጌጋ ዚርትጕምዎ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

የሱስ ንሕጊ ሙሴ ይፈትዎ ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ዜገርም ኣይኰነን! እቲ ሕጊ እቲ፡ ካብቲ ኣብ ህይወት የሱስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቦታ ዘለዎ ኣቦኡ የሆዋ ዝመጸ እዩ ነይሩ። የሱስ ንሕጊ ኣምላኽ ዝነበሮ ፍቕሪ ብትንቢታዊ መገዲ ኣብ መዝሙር 40:8 ተገሊጹ ኣሎ። እታ ጥቕሲ ድማ፡ “ኦ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ምግባር ደስ ይብለኒ እዩ፣ ሕግኻ ድማ ኣብ ውሽጠይ እዩ” ትብል። የሱስ ብቓሉን ብግብሩን፡ ሕጊ ኣምላኽ ፍጹምን ጠቓምን ከም ዝዀነ፡ ኵሉ እቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ኸኣ ብርግጽ ከም ዚፍጸም ኣረጋጊጹ እዩ።—ማቴ. 5:17-19

2 እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንሕጊ ኣቦኡ ብጌጋ ኺትርጕምዎ ኸለዉ፡ የሱስ ኣዝዩ ይጕሂ ኸም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንገሊኡ ደቀቕቲ ዝርዝራት እቲ ሕጊ ብጥንቃቐ ይስዕቡ ስለ ዝነበሩ፡ የሱስ፡ “ካብ ናዕናዕን ካብ ሽላንን ካብ ካሙንን ዕሽር ትህቡ” በሎም። ከምኡ ምግባሮም እንታይ ጸገም ነይርዎ ድዩ፧ የሱስ ወሲኹ፡ “ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ዝኸበደ ነገር፡ ማለት ፍትሕን ምሕረትን ተኣማንነትን ግና ሸለል ትብሉ ኣለኹም” በሎም። (ማቴ. 23:23) እወ፡ እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን በቲ ሕጊ ዚፈላሰፉን ተመጻደቕትን እዮም ነይሮም። የሱስ ግና ንመንፈስ እቲ ሕጊ፡ ማለት ኣብቲ ሕጊ ንዚንጸባረቕ መለኮታዊ ባህርያት ይርዳእ ነይሩ እዩ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

3 ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ኣብ ትሕቲ ኺዳን ሕጊ ሙሴ ኣይኰንናን። (ሮሜ 7:6) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነዚ ሕጊ እዚ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊሩልና እዩ። ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ ኣብ ደቀቕቲ ዝርዝራት እቲ ሕጊ ምእንቲ ኸነተኵር ዘይኰነስ፡ ነቲ “ዝኸበደ ነገር፡” ማለት ነቲ ኣብቲ ሕጊ ዚንጸባረቕ ልዑል ስርዓታት ምእንቲ ኽንርድኦን ክንተግብሮን ኢሉ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ መሰናድዎ ኸተማታት ዕቝባ ነየናይ ኣገዳሲ ስርዓታት ዜንጸባርቕ ይመስለካ፧ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ፡ እቲ ሃዲሙ ናብ ከተማታት ዕቝባ ዚኣቱ ሰብ ካብ ዚወስዶ ስጕምትታት እንታይ ከም እንምሃር ተዘርዚሩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ካብተን ከተማታት ዕቝባ ብዛዕባ የሆዋ ዀነ ብዛዕባ እቲ ንባህርያቱ ኸነንጸባርቕ እንኽእለሉ መገዲ ንምሃር ኢና። ስለዚ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ‘እተን ከተማታት ዕቝባ ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ ዚገልጻ ብኸመይ እየን፧ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ይምህራና፧ ነቲ ፍጹም ፍትሑ ዜንጸባርቓኸ ብኸመይ እየን፧’ ንዚብላ ሰለስተ ሕቶ መልሲ ኽንረክብ ኢና። ነዘን ሕቶታት እዚአን ክንመያየጥ ከለና ድማ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ብኸመይ ክትመስሎ ኸም እትኽእል ሕሰብ።ኤፌሶን 5:1 ኣንብብ።

“ንዓኻትኩም ዚምሽኣ ኸተማታት”—መርኣያ ምሕረት

4, 5. (ሀ) እተን ከተማታት ዕቝባ ብቐሊሉ ኽትበጽሐን ዚከኣላ ዝነበራ ብኸመይን ስለምንታይን እየን፧ (ለ) እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧

4 እተን ሽዱሽተ ኸተማታት ዕቝባ ብቐሊሉ ኽትበጽሐን ዚከኣላ እየን ነይረን። የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ፈለግ ዮርዳኖስ ሰሰለስተ ኸተማ ኼዳልዉ ኣዚዝዎም ነበረ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ሓደ ሃዲሙ ዝኸደ ሰብ ብቕልጡፍን ብዘይ ምንም ጸገምን ናብተን ከተማታት ዕቝባ ምእንቲ ኺበጽሕ እዩ። (ዘሁ. 35:11-14) ናብተን ከተማታት ዚወስድ መገድታት ብጽቡቕ ይተሓዝ ነበረ። (ዘዳ. 19:3) ብመሰረት መወከሲ ጽሑፋት ኣይሁድ ድማ፡ ነቶም ሃዲሞም ዚኸዱ ሰባት ኣንፈት ዚሕብሮም ዓንዲ ምልክት ኣብ በቦታኡ ይትከል ነይሩ እዩ። መሰናድዎ ኸተማታት ዕቝባ፡ ንሓደ ብዘይፍላጥ ህይወት ዘጥፍአ ሰብ ናብ ዓዲ ጓና ኸይከይድ እሞ፡ ኣብኡ ብናይ ሓሶት ኣምልኾ ኸይፍተን ዚሕግዝ እዩ ነይሩ።

5 ሕስብ እሞ ኣብሎ! የሆዋ ነቶም ኰነ ኢሎም ህይወት ዜጥፍኡ ሰባት ብሞት ኪቕጽዑ እኳ እንተ ኣዘዘ፡ ነቶም ብዘይፍላጥ ከምኡ ዚገብሩ ግና ምሕረትን ዕቝባን ዚረኽብሉ ሰፊሕ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ነይሩ እዩ። ሓደ ወሃብ ርእይቶ፡ “ኵሉ ነገር ንጹርን ዘይተሓላለኸን ቀሊልን እዩ ነይሩ” ኢሉ ጸሓፈ። “እዚ ኣምላኽ ሕያውነቱ ዘርኣየሉ መገዲ እዩ ነይሩ” እውን በለ። እወ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኪቐጽዕ ዚህንጠ ጨካን ፈራዲ ኣይኰነን። እኳ ደኣስ፡ “ብምሕረት ሃብታም” እዩ።—ኤፌ. 2:4

6. ኣረኣእያ ፈሪሳውያን ካብ ምሕረት ኣምላኽ እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

6 ፈሪሳውያን ግና ምሕረት ኬርእዩ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ንኣብነት፡ ብመሰረት ያታ ኣይሁድ፡ ፈሪሳውያን ንሓደ ዓይነት በደል ልዕሊ ሰለሰተ ሳዕ ይቕረ ኣይብሉን እዮም ነይሮም። የሱስ ከኣ ኣረኣእያኦም ግጉይ ከም ዝዀነ ንምጕላሕ፡ ብዛዕባ ሓደ ጸሎት ዝጸለየ ፈሪሳዊ ዚገልጽ ምሳሌ ተጠቕመ። እቲ ፈሪሳዊ ኣብ ጸሎቱ፡ “ኦ ኣምላኽ፡ ከም ካልኦት ሰባት፡ ከም ዘረፍቲ፡ ከም ዓመጽቲ፡ ከም ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ኣካብ ቀረጽ እዚ [ምሕረት ኣምላኽ ኪረክብ ብትሕትና ዚጽሊ ዝነበረ ኣካብ ቀረጽ] እውን ስለ ዘይኰንኩ፡ አመስግነካ ኣለኹ” በለ። እቶም ፈሪሳውያን ይቕረ ምባል ዚኸብዶም ዝነበረ ስለምንታይ እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ንኻልኦት ይንዕቍ’ ከም ዝነበሩ ይገልጸልና።—ሉቃ. 18:9-14

ካልኦት ይቕረታ ኺሓትቱኻ ኢሎም ብቐሊሉ ዚቐርቡኻ ዓይነት ሰብ ዲኻ፧ ትሑትን ተቐራብን ኩን (ሕጡብ ጽሑፍ 4-8 ርአ)

7, 8. (ሀ) ሓደ ሰብ ኪብድለካ ኸሎ፡ ንየሆዋ ኽትመስሎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ለ) ይቕረ ምባል፡ ብሓቂ ንትሕትናና ዚፍትን ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

7 ንየሆዋ እምበር፡ ንፈሪሳውያን ኣይትምሰሎም። ርሕሩሕ ኩን። (ቈሎሴ 3:13 ኣንብብ።) ካልኦት ይቕረታ ኺሓትቱኻ ዜሰክፎም ሰብ ኣይትኹን። (ሉቃ. 17:3, 4) ንርእስኻ ድማ ከምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ነቶም ብተደጋጋሚ ዝበደሉኒ እኳ ኸይተረፉ፡ ይቕረ ኽብለሎም ድሉው ድየ፧ ምስ ዝበደለኒ ወይ ዝጐድኣኒ ሰብ ሰላም ክፈጥር እጽዕር ድየ፧’

8 ይቕረ ምባል፡ ብሓቂ ንትሕትናና ዚፍትን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ፈሪሳውያን ንኻልኦት ኣትሒቶም ይርእይዎም ስለ ዝነበሩ፡ ነዚ ፈተና እዚ ኣይሓለፉን። ንሕና ግና፡ ከም ክርስትያናት መጠን፡ ‘ንኻልኦት ካብ ርእስና ኣብሊጽና፡’ ማለት ይቕረ ኽንብለሎም ከም ዚግባእ ጌርና ኢና እንርእዮም። (ፊል. 2:3) እሞኸ ንየሆዋ ኽትመስሎን ነዚ ንትሕትና ዚምልከት ፈተና ኽትሓልፎን ትኽእል ዲኻ፧ ካልኦት ምሕረትካ ኺረኽቡ ዜኽእሎም መገዲ፡ ከምቲ ናብ ከተማታት ዕቝባ ዚወስድ ዝነበረ መገዲ፡ ብቐሊሉ ዚርከብን ምሹእን ኪኸውን ኣለዎ። ይቕረ ንምባል ቅልጡፍ፡ ንዅራ ግና ደንጓዪ ኹን።—መክ. 7:8, 9

ንህይወት ኣኽብሮ ኣርኢ፡ “ዕዳ ደም ድማ ኣይህልወካን”

9. የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ህይወት ሰብ ክሳዕ ክንደይ ቅድስቲ ምዃና ኺግንዘቡ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

9 ቀንዲ ዕላማ እተን ከተማታት ዕቝባ፡ ንእስራኤላውያን ካብ ዕዳ ደም ንምዕቋብ እዩ ነይሩ። (ዘዳ. 19:10) የሆዋ፡ ህይወት ይፈቱ እዩ፣ “ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው” ድማ ይጸልእ እዩ። (ምሳ. 6:16, 17) ፍትሓውን ቅዱስን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ከይተሓስበ ንዚፍጸም ምፍሳስ ደም እውን እንተ ዀነ፡ ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ። ሓቂ እዩ፡ ብዘይፍላጥ ህይወት ዜጥፍእ ሰብ፡ ምሕረት ይረክብ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ፈለማ ጕዳዩ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ኺገልጽ የድልዮ ነበረ። እቲ ቕትለት ብዘይፍላጥ ከም ዝፈጸሞ እንተ ተፈሪዱሉ ድማ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ኣብታ ኸተማ ዕቝባ ኪቕመጥ ነበሮ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ምናልባት እውን ምሉእ ህይወቱ ኣብኣ ኺነብር ይግደድ ነይሩ እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ንዅሎም እስራኤላውያን፡ ህይወት ሰብ ክሳዕ ክንደይ ቅድስቲ ምዃና ኺግንዘቡ ሓጊዝዎም እዩ። ነቲ ወሃብ ህይወት ምእንቲ ኬኽብርዎ፡ ንህይወት ብጻዮም ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ኻብ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ኪርሕቁ የድልዮም ነይሩ እዩ።

10. ብመሰረት እቲ የሱስ ዝበሎ፡ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንህይወት ኣኽብሮት ከም ዘይብሎም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

10 የሆዋ ኸምቶም ንህይወት ኣኽብሮት ዘይነበሮም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣይኰነን። የሱስ ንዓታቶም፡ “መፍትሕ ፍልጠት ወሲድኩምሲ፡ ንስኻትኩም ኣይኣቶኹምን። ነቶም ኪኣትዉ ዚደልዩ እውን ከልኪልኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም” በሎም። (ሉቃ. 11:52) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንሰባት ትርጉም ቃል ኣምላኽ ኪገልጹሎምን ብናይ ዘለኣለም መገዲ ንኺመላለሱ ኺሕግዝዎምን ይግብኦም ነይሩ እዩ። ንሳቶም ግና፡ ንሰባት ካብቲ “ቐንዲ ወኪል ህይወት” ዝዀነ የሱስ ኣርሒቖምዎምን ናብ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ብዚወስድ መገዲ መሪሖምዎምን እዮም። (ግብ. 3:15) ዕቡያትን ጥቕሚ ርእሶም ዚደልዩን ስለ ዝነበሩ ኸኣ፡ ብዛዕባ ህይወት ኰነ ብዛዕባ ድሕንነት ሰባት ኣይግደሱን እዮም ነይሮም። ክሳዕ ክንደይ ጨካናትን ምሕረት ዘይገብሩን ኰን እዮም ነይሮም!

11. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ ንህይወት ብዚምልከት ኣረኣእያ ኣምላኽ ከም ዘለዎ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ንኣገልግሎትና ኸም ናይ ጳውሎስ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 ኣረኣእያ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣወጊድና፡ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ህይወት፡ ውህበት ስለ ዝዀነት፡ ኣኽቢርና ኽንርእያ ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣጸቢቑ ብምምስካር፡ ንህይወት ኣኽብሮት ከም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ‘ካብ ደም ኵሉ ንጹህ እየ’ ኺብል ክኢሉ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:26, 27 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ጸጸት ከይስምዖ ስለ ዝፈርሀ ወይ ግዴታ ኸም ዘለዎ ስለ እተሰምዖ ኣይኰነን ከምኡ ገይሩ። የግዳስ፡ ንሰባት የፍቅር ስለ ዝነበረን ንህይወት ሰባት ኣኽብሮት ስለ ዝነበሮን እዩ። (1 ቈረ. 9:19-23) ንሕና እውን ብዛዕባ ህይወት ከም ናይ ኣምላኽ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ። የሆዋ፡ “ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ” እዩ ዚደሊ። (2 ጴጥ. 3:9) ንስኻኸ፧ ንስኻ እውን ምሕረት ከተርኢ ትጽዕር እንተ ዄንካ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎካ ቕንኣት ኪዓብን ዝያዳ ሓጐስ ክትረክብን ኢኻ።

12. ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ ድሕንነት ዚግደሱ ስለምንታይ እዮም፧

12 ብዛዕባ ድሕንነት ግቡእ ኣረኣእያ ብምሓዝ እውን፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ኽንቀድሖ ንኽእል ኢና። ማኪና ኽንዝውር ከለና ዀነ ኣብ ስራሕና ድሕንነትና ዀነ ድሕንነት ካልኦት ክንሕሉ ኣሎና። ቦታታት ኣምልኾ ኽንሃንጽ፡ ክንጽግን፡ ወይ ከኣ ናብኡ ኽንጐዓዝ ከለና እውን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። ግዜን ገንዘብን ክንቍጥብ ኢልና ንድሕንነትናን ንጥዕናናን ፈጺምና ኣብ ሓደጋ ኣይነእቱን ኢና። እቲ ፍትሓዊ ዝዀነ ኣምላኽና፡ ወትሩ ቕኑዕን ግቡእን ዘበለ እዩ ዚገብር። ንሕና እውን ንዕኡ ኽንመስሎ ኢና እንጽዕር። ብፍላይ ከኣ ሽማግለታት፡ ብዛዕባ ድሕንነቶምን ብዛዕባ ድሕንነት እቶም ምሳታቶም ዚዓይዩን ይግደሱ እዮም። (ምሳ. 22:3) ስለዚ፡ ሓደ ሽማግለ ንድሕንነት ዚምልከት ሕግን ስርዓትን ክትሕሉ እንተ መኺሩካ፡ ስምዓዮ። (ገላ. 6:1) ብዛዕባ ህይወት ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ይሃሉኻ፡ “ዕዳ ደም ድማ ኣይህልወካን።”

‘በዚ ፍርዲ እዚ ፍረድ’

13, 14. ዓበይቲ እስራኤል፡ ፍትሒ የሆዋ ኼንጸባርቑ ዚኽእሉ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

13 የሆዋ ንዓበይቲ እስራኤል፡ ነቲ ንሱ ዘውጽኦ ልዑል ስርዓታት ፍርዲ ኺስዕቡ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። ፈለማ፡ እቶም ዓበይቲ ነቲ ጕዳይ ኬረጋግጹ ነበሮም። ድሕሪኡ፡ ንድራኸን ኣረኣእያን ሕሉፍ ተግባራትን እቲ ቐታሊ ብጥንቃቐ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምሕረት ኪገብሩሉ ዚበቅዕ እንተ ዀይኑ ኺውስኑ ነበሮም። መለኮታዊ ፍትሒ ምእንቲ ኼንጸባርቑ ድማ፡ እቲ ህይወት ዘጥፍአ ሰብ፡ “ብጽልኢ” ወይ ከኣ “ብኽፍኣት ሓሊኑ” ገይርዎ እንተ ዀይኑ ኺምርምሩ የድልዮም ነበረ። (ዘሁልቍ 35:20-24 ኣንብብ።) መሰኻኽር ዚቐርቡ እንተ ዀይኖም ከኣ፡ እቲ ቐታሊ ነፍሲ፡ ኰነ ኢሉ ህይወት ከም ዘጥፍአ ንምውሳን፡ እንተ ወሓደ ኽልተ መሰኻኽር ኪቐርቡ የድሊ ነበረ።—ዘሁ. 35:30

14 ስለዚ፡ እቶም ዓበይቲ እቲ ጕዳይ ከም እተፈጸመ ምስ ኣረጋገጹ፡ ኣብቲ ተግባር ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ሰብ እዮም ኬተኵሩ ነይርዎም። ልቦና፡ ማለት ክንየው እቲ ድሮ ዝፈለጥዎ ነገር ኪርእዩን ምኽንያቱ ኺምርምሩን ዚሕግዞም ክእለት የድልዮም ነበረ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ልቦናን ምሕረትን ፍትሕን የሆዋ ምእንቲ ኼንጸባርቑ፡ መንፈስ ቅዱስ የድልዮም ነበረ።—ዘጸ. 34:6, 7

15. የሱስን ፈሪሳውያንን ብዛዕባ ሓጥኣን ኣብ ዝነበሮም ኣረኣእያ እንታይ ፍልልይ እዩ ነይርዎም፧

15 ፈሪሳውያን ኣብቲ እቲ ሓጥእ ሰብ ዝገበሮ ነገር ደኣ እምበር፡ ኣብ መንነት እቲ ሰብ ኣየተኵሩን እዮም ነይሮም። ገሊኦም ፈሪሳውያን ንየሱስ፡ ኣብ ቤት ማቴዎስ ኪበልዕ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ስለምንታይ እዩ መምህርኩም ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን ዚበልዕ፧” ኢሎም ሓተትዎም። የሱስ ድማ፡ “ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ። ኪዱ እሞ፡ ‘መስዋእቲ ዘይኰነስ፡ ምሕረት እየ ዝደሊ’ ዚብል እንታይ ማለት ምዃኑ ተምሃሩ። ንጻድቃን ዘይኰነስ፡ ንሓጥኣን ክጽውዕ እየ መጺአ” በሎም። (ማቴ. 9:9-13) የሱስ ከምኡ ምባሉ፡ ንኸቢድ ሓጢኣት ዕሽሽ ከም ዚብሎ ድዩ ዜርኢ፧ ኣይፋልን። እኳ ደኣስ፡ ሰባት ካብ ሓጢኣቶም ኪንስሑ ዚጽውዕ ጻውዒት፡ ቀንዲ ኽፋል እቲ የሱስ ዚሰብኮ ዝነበረ መልእኽቲ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 4:17) ይኹን እምበር፡ የሱስ ገለ ኻብቶም “ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን” ኪልወጡ ኸም ዚደልዩ ኣስተብሂሉ ነበረ። ናብ ቤት ማቴዎስ ዝመጹ፡ ኪበልዑ ኢሎም ጥራይ ኣይነበረን። የግዳስ፡ ካባታቶም “ብዙሓት ይስዕብዎ ነበሩ።” (ማር. 2:15) እቲ ዜሕዝን ግና፡ ፈሪሳውያን ከም ናይ የሱስ ዓይነት ኣረኣእያ ኣይነበሮምን። ንኻልኦት ከም ሓጥኣንን ተስፋ ኸም ዘይብሎምን ገይሮም ደኣ ይርእይዎም ነበሩ እምበር፡ ከምቲ ኸም ዜምልኽዎ ዚዛረቡሉ ኣምላኽ ፍትሓውያንን መሓርትን ኣይነበሩን።

16. ኮሚተ ፍርዲ እንታይ ኬለሊ እዩ ዚጽዕር፧

16 ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሽማግለታት፡ ነቲ ‘ፍትሒ ዚፈቱ’ የሆዋ ኺመስልዎ ኣለዎም። (መዝ. 37:28) ፈለማ፡ ሓጢኣት ከም እተፈጸመ ንምርግጋጽ፡ ‘ኣጸቢቖም ኪምርምሩን ኪሓትቱሉን’ ኣለዎም። ነዚ ምስ ኣረጋገጹ ድማ፡ ነቲ ጕዳይ ብቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒታት ኪፈትሕዎ ኣለዎም። (ዘዳ. 13:12-14) ኣብ ኮሚተ ፍርዲ ኺዓይዩ ኸለዉ፡ ሓደ ሓጢኣት ዝፈጸመ ክርስትያን ብሓቂ ተነሲሑ እንተ ዀይኑ ብጥንቃቐ ኺውስኑ ኣለዎም። ናይ ሓቂ ነስሓ፡ ወትሩ ብቐሊሉ ኺፍለጥ ዚኽእል ነገር ኣይኰነን። ኣረኣእያን ዝንባለን ኵነታት ልብን እቲ ሓጢኣት ዝፈጸመ ሰብ ኣብ ግምት ኪኣቱ ኣለዎ። (ራእ. 3:3) እቲ ሓጥእ ሰብ ድማ፡ ምሕረት ምእንቲ ኺረክብ፡ ኪንሳሕ ኣለዎ። *

17, 18. ሽማግለታት ልባዊ ንስሓ ኼለልዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

17 ሽማግለታት ከም የሆዋን የሱስን ልቢ ሰብ ኬንብቡ ኣይክእሉን እዮም። ሽማግለ እንተ ዄንካ፡ ናይ ሓቂ ንስሓ ኸተለሊ እትኽእል እሞ ደኣ ብኸመይ ኢኻ፧ ቅድሚ ዅሉ፡ ጥበብን ምስትውዓልን ኪውሃበካ ጸሊ። (1 ነገ. 3:9) ቀጺልካ፡ “ጓሂ ዓለም” ካብቲ “ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ” ዚብሃል ናይ ሓቂ ንስሓ ብኸመይ ከም ዚፍለ ብንጹር ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽን እቲ እሙን ባርያ ኣብ ዜዳልዎ ጽሑፋትን ተወከስ። (2 ቈረ. 7:10, 11) ቅዱሳት ጽሑፋት ንእተነስሑን ንዘይተነስሑን ሰባት ብኸመይ ከም ዚገልጾም ኣስተብህል። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስምዒቶምን ኣረኣእያኦምን ተግባራቶምን እንታይ ከም ዚብል መርምር።

18 ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ንመንነት እቲ ሰብ ክትፈልጥ ጽዓር። ንድሕረ ባይታን ንድራኸን ንድሩት ዓቕምን እቲ ሰብ ኣብ ግምት ኣእትዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ከምዚ ኢሉ ይንበ፦ “ኣዒንቱ ብዚርእያኦ ኣይኪፈርድን፡ ኣእዛኑ ብዚሰምዓኦ እውን ኣይኪገንሕን እዩ። ንትሑታት ብፍትሒ ኺፈርድ፡ ምእንቲ ዓቃላት ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺገንሕ እዩ።” (ኢሳ. 11:3, 4) ሽማግለታት ኣብ ትሕቲ የሱስ ኰይኖም ዚዓይዩ ጓሶት ስለ ዝዀኑ፡ የሱስ ከምቲ ንሱ ዚፈርዶ ኺፈርዱ ይሕግዞም እዩ። (ማቴ. 18:18-20) ከምዚኣቶም ዓይነት ሽማግለታት ስለ ዘለዉናስ ከነመስግንዶ ኣይግብኣናን፧ ኣብ ጉባኤ ምሕረትን ፍትሕን ኬስፍኑ ተጊሆም ስለ ዚጽዕሩ ነማስዎም ኢና።

19. ካብቲ ብዛዕባ ኸተማታት ዕቝባ እተምሃርካዮ ትምህርቲ፡ ነየናይ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ መዲብካ ኣለኻ፧

19 እቲ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ስርዓታት ጽድቁን ዚገልጽ “ቅርጺ ፍልጠትን ሓቅን” ኣብ ሕጊ ሙሴ ተንጸባሪቑ ኣሎ። (ሮሜ 2:20) ንኣብነት፡ እተን ከተማታት ዕቝባ፡ ንሽማግለታት፡ ‘ብናይ ሓቂ ፍትሒ ኺፈርዱ’ ትምህርቲ ይዀናኦም እየን። ንዅላትና ድማ፡ ‘ንሓድሕድና ብተኣማንነት ክንፋቐርን ክንምሓሓርን’ ይምህራና እየን። (ዘካ. 7:9) ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰንናን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ኣይልወጥን እዩ፣ ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ንፍትሕን ንምሕረትን ከም ኣገደስቲ ባህርያት ገይሩ እዩ ዚርእየን። ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጠርና ምዃንናን ንዕኡ ኸነምልኾ ምኽኣልናን ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! ሃየ እምበኣር፡ ንባህርያቱ ኽንቀድሖን ኣብኡ ኽንምዕቈብን ንጽዓር።