ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ የሆዋ ትምዕቈብዶ ኣለኻ፧

ኣብ የሆዋ ትምዕቈብዶ ኣለኻ፧

“የሆዋ ንህይወት ገላዉኡ ይብጀዋ፣ ካብቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ ሓደ እኳ ኣይኪዅነንን እዩ።”—መዝ. 34:22

መዝሙር፦ 8, 54

1. ሓያሎ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብሰንኪ ሓጢኣት እንታይ እዩ ዚስምዖም፧

“እዋይ ኣነ መከረኛ ሰብ!” (ሮሜ 7:24) ሓያሎ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከምዚ ሃዋርያ ጳውሎስ እተሰምዖ ስምዒት ተሰሚዕዎም እዩ። ኵላትና ብሰንኪ እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት መከራ ይወርደና እዩ፣ ተግባርና ነቲ ንየሆዋ ኸነሐጕሶ ዘሎና ሓያል ባህጊ ዘየንጸባርቕ ኪኸውን ከሎ ድማ ኣመና ንጕሂ ኢና። ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸሙ ገሊኦም ክርስትያናት ከኣ፡ ምሕረት ኣምላኽ ኪረኽቡ ኸም ዘይበቕዑ ዀይኑ ይስምዖም እዩ።

2. (ሀ) መዝሙር 34:22 ህዝቢ ኣምላኽ ብጸጸት ኪድቈሱ ኸም ዘይብሎም እትሕብር ብኸመይ እያ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ (““ ትምህርቲ ድዩ ወይስ ጽላሎት፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

2 ይኹን እምበር፡ እቶም ኣብ የሆዋ ዚምዕቈቡ ብጸጸት ኪድቈሱ የብሎምን። (መዝሙር 34:22 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ኣብ የሆዋ ምምዕቋብ ኪብሃል ከሎ እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧ ምሕረትን ይቕረታን የሆዋ ምእንቲ ኽንረክብ እንታይ ስጕምትታት ክንወስድ ኣሎና፧ ነቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ መሰናድዎ ኸተማታት ዕቝባ ብምምርማር፡ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ክንረክብ ንኽእል ኢና። ርግጽ እዩ፡ እዚ መሰናድዎ እዚ ኣብቲ ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እተተክአ ኺዳን ሕጊ ዝነበረ መሰናድዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ሕጊ ኻብ የሆዋ ዝመጸ ምንባሩ ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ካብ መሰናድዎ ኸተማታት ዕቝባ፡ የሆዋ ብዛዕባ ሓጢኣትን ሓጥኣንን ንስሓን ዘለዎ ኣረኣእያ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ፈለማ እምበኣር፡ ሓፈሻዊ ዕላማን ዕማምን እዘን ከተማታት እዚአን ንርአ።

“ከተማታት ዕቝባ ንርእስኹም ሕረዩ”

3. እስራኤላውያን ኰነ ኢልካ ንዚግበር ነፍሰ ቕትለት ብኸመይ ይፈትሕዎ ነይሮም፧

3 የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ምፍሳስ ደም ኣርዚኑ እዩ ዚርእዮ። ኰነ ኢሉ ህይወት ዘጥፍአ ቐታሊ ነፍሲ፡ በቲ “ፈዳይ ደም” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ናይ ቀረባ ዘመድ እቲ መዋቲ ኪቕተል ይግብኦ ነበረ። (ዘሁ. 35:19) እቲ ቐታሊ ነፍሲ፡ በዚ ኸምዚ ዋጋ እቲ ዘፍሰሶ ንጹህ ደም ይኸፍል ነበረ። የሆዋ፡ “ደም [ደም ሰብ ምፍሳስ] ንምድሪ ይብክላ እዩ እሞ፡ ነታ እትነብሩላ ምድሪ ኣይትበክልዋ” ኢሉ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐታሊ ነፍሲ ቕልጡፍ ስጕምቲ ምውሳድ፡ ነታ ምድሪ ተስፋ ኻብ ርኽሰት ክትሕሎ ዜኽእላ እዩ ነይሩ።—ዘሁ. 35:33, 34

4. እስራኤላውያን ከይተሓስበ ንዚፍጸም ምፍሳስ ደም ብኸመይ ይፈትሕዎ ነበሩ፧

4 ኰይኑ ግና፡ እስራኤላውያን ከይተሓስበ ንዚፍጸም ምፍሳስ ደም ብኸመይ ይፈትሕዎ ነበሩ፧ ሓደ ሰብ፡ ዋላ እውን ብዘይፍላጥ ሰብ እንተ ቐተለ፡ ብምፍሳስ ደም ተሓታቲ እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 9:5) ይኹን እምበር፡ ናብ ሓንቲ ኻብተን ሽዱሽተ ኸተማታት ዕቝባ ሃዲሙ ኻብ ፈዳይ ደም ኬምልጥ ይፍቀደሉ ነበረ። ኣብታ ኸተማ ድማ ዕቝባ ኺረክብ ይኽእል ነይሩ እዩ። ክሳዕ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ግና ኣብታ ኸተማ ኪቕመጥ የድልዮ ነበረ።—ዘሁ. 35:15, 28

5. መሰናድዎ ኸተማታት ዕቝባ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንፈልጦ ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

5 እዘን ከተማታት ዕቝባ፡ ሰባት ባዕላቶም ሓሲቦም ዘዳለውወን ከተማታት ኣይነበራን። የግዳስ፡ የሆዋ ንእያሱ፡ “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘. . . ከተማታት ዕቝባ ንርእስኹም ሕረዩ’” ኢሉ ስለ ዝኣዘዞ እየን ተዳልየን ነይረን። እተን ከተማታት፡ ‘ተቐዲሰን’ እውን እየን ነይረን። (እያ. 20:1, 2, 7, 8) ነዘን ከተማታት እዚአን ንፍሉይ ዕላማ ብቐጥታ ዝሓረየን የሆዋ ባዕሉ ብምዃኑ፡ ከምዚ ኢልካ ንርእስኻ ትሓትት ትኸውን፦ እዚ መሰናድዎ እዚ ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ ንጹር ምርዳእ ኪህልወና ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ የሆዋ ኽንምዕቈብ ብዛዕባ እንኽእለሉ መገዲኸ እንታይ ይምህረና፧

“እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ እቲኣ እናሰምዕዎ ነገሩ የቕርብ”

6, 7. (ሀ) ዓበይቲ እስራኤል ብዘይፍላጥ ሰብ ንዝቐተለ ኣብ ምፍራድ ዝነበሮም ግደ ግለጽ። (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ሓደ ሃዲሙ ናብ ከተማ ዕቝባ ዝኸደ ሰብ ናብ ዓበይቲ ኪቐርብ ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

6 ሓደ ኸይሓሰቦ ህይወት ዘጥፍአ ሰብ፡ ናብ ሓንቲ ኸተማ ዕቝባ ሃዲሙ ምስ ከደ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ፡ “እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ እቲኣ እናሰምዕዎ ነገሩ የቕርብ” ነበረ። ንሳቶም ድማ ብጽቡቕ ኪቕበልዎ ተኣዚዞም ነበሩ። (እያ. 20:4) ጸኒሑ ኸኣ፡ ኣብታ ቕትለት ዝፈጸመላ ኸተማ ናብ ዚነብሩ ዓበይቲ ተላኢኹ፡ ኣብ ቅድሚኦም ይፍረድ ነበረ። (ዘሁልቍ 35:24, 25 ኣንብብ።) እቶም ዓበይቲ፡ ብዘይፍላጥ ከም ዝቐተለ ምስ ፈረድዎ ጥራይ ድማ እዩ ናብታ ኸተማ ዕቝባ ኺምለስ ዚኽእል ነይሩ።

7 እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ኣብቲ ጕዳይ ኪኣትዉ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ ንጽህና ጉባኤ እስራኤል ምእንቲ ኺሕልዉን ነቲ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ኻብ ምሕረት የሆዋ ኺጥቀም ምእንቲ ኺሕግዝዎን እዩ። ሓደ ምሁር መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ሃዲሙ ናብ ከተማ ዕቝባ ዝኸደ ሰብ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እንተ ዘይቀሪቡ፡ ኪቕተል ይኽእል ነይሩ እዩ። ነቲ ኣምላኽ ንድሕንነቱ ኢሉ ዘዳለወሉ መሰናድዎ ስለ ዘይተጠቕመሉ፡ ህይወቱ ምስ ዚስእን፡ ባዕሉ እዩ ተሓታቲ ዚኸውን። ስለዚ፡ እቲ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ኻብቲ እተዳለወሉ ሓገዝ ምእንቲ ኺጥቀም ስጕምቲ ኺወስድ የድልዮ ነበረ። ኣብ ሓንቲ ኻብተን የሆዋ ዘዳለወን ከተማታት እንተ ዘይተማዕቊቡ፡ ናይ ቀረባ ዘመድ እቲ መዋቲ ኪቐትሎ ይኽእል ነይሩ እዩ።

8, 9. ሓደ ኸቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ ክርስትያን፡ ሓገዝ ሽማግለታት ኪሓትት ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

8 ሎሚ፡ ሓደ ኸቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ ክርስትያን ምስ የሆዋ ኸም ብሓድሽ ጽቡቕ ርክብ ኪህልዎ እንተ ደልዩ፡ ሓገዝ ሽማግለታት ኪሓትት ኣለዎ። ከምኡ ምግባሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ቀዳማይ፡ ሽማግለታት ንኸቢድ ሓጢኣት ዚምልከት ጕዳይ ኪፈርዱ ብቓሉ ኣቢሉ መሰናድዎ ዝገበረ የሆዋ ባዕሉ እዩ። (ያእ. 5:14-16) ካልኣይ፡ እዚ መሰናድዎ እዚ፡ እተነስሑ ኣበስቲ ሞገስ ኣምላኽ ኪረኽቡን ሓጢኣቶም ከይደግሙን ይሕግዞም እዩ። (ገላ. 6:1፣ እብ. 12:11) ሳልሳይ፡ ሽማግለታት ንእተነስሑ ሓጥኣን ኬበራትዕዎምን ስቓዮምን ጸጸቶምን ኬፋዅስሎምን ሓላፍነትን ስልጠናን ተዋሂብዎም እዩ። የሆዋ ነዞም ሽማግለታት እዚኦም፡ “ካብ ሃጽፊ ኸም መኸወሊ” ኢሉ እዩ ዚጽውዖም። (ኢሳ. 32:1, 2፡ እ.ጽ.) እዚ፡ ምሕረት ኣምላኽ ዜርኢ መሰናድዎ ኸም ዝዀነስ ኣይተሰማምዓሉንዶ፧

9 ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ምስ ረኸቡ፡ እፎይታ ተሰምዒዎም እዩ። ንኣብነት፡ ዳንኤል ዝስሙ ሓው፡ ከቢድ ሓጢኣት ፈጸመ። ናብ ሽማግለታት ምቕራብ ስለ ዘፍርሆ ኸኣ፡ ንብዙሕ ኣዋርሕ ሓጢኣቱ ኣይተነስሐን። “ነዊሕ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ሽማግለታት ዋላ ሓንቲ ኺሕግዙኒ ኸም ዘይክእሉ ዀይኑ ተሰምዓኒ” ድማ በለ። ይኹን እምበር፡ ኵሉ ሳዕ ሓጢኣቱ ኸይፍለጥ የሻቕሎ ነበረ፣ ኪጽሊ ኸሎ ኸኣ ፈለማ ንየሆዋ ይቕረታ ኺሓትቶ ኸም ዘለዎ ይስምዖ ነበረ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ዳንኤል ሓገዝ ሽማግለታት ሓተተ። ብዛዕባ እቲ ዅነታት ምልስ ኢሉ ኺሓስብ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ናባታቶም ምቕራብ ብሓቂ ኣፍሪሁኒ ነይሩ እዩ። ደሓር ግና፡ ካብ መንኵበይ ከቢድ ጾር ከም ዝወረደ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ሕጂ፡ ብዘይ ምንም ዕንቅፋት ንየሆዋ ክቐርቦ ኸም ዝኽእል ይስምዓኒ እዩ።” ሎሚ፡ ዳንኤል ጽሩይ ሕልና ኣለዎ፣ ኣብዚ ቐረባ እዋን ከኣ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ተሸይሙ እዩ።

“ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚአን ይህደም”

10. ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ፡ ምሕረት ኪረክብ እንተ ደኣ ደልዩ፡ እንታይ ወሳኒ ስጕምቲ እዩ ኺወስድ ዜድልዮ ነይሩ፧

10 ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ፡ ምሕረት ኪረክብ እንተ ደኣ ደልዩ፡ ስጕምቲ ኺወስድ ነበሮ። ናብ እትቐርቦ ኸተማ ዕቝባ ኺሃድም የድልዮ ነበረ። (እያሱ 20:4 ኣንብብ።) መሸም ግዲ ዘይብሉ ኪኸውን ኣይፍትንን እዩ፣ ከመይሲ፡ ህይወቱ ኼድሕን እንተ ደልዩ፡ ቀልጢፉ ናብታ ኸተማ ኪኸይድን ኣብኣ ኪቕመጥን እዩ ነይርዎ። ከምኡ ምግባር ድማ፡ መስዋእቲ ዚሓትቶ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት፡ መነባብሮኡን ምሹእ ቤቱን ሓዲጉ ኣብታ ኸተማ ኪቕመጥ ነበሮ። ካብኣ ወጺኡ ናብ ዝደለዮ ኪኸይድ እውን ናጽነት ኣይነበሮን። * (ዘሁ. 35:25) ከምኡ ምግባሩ ግና ዚኽሕስ እዩ ነይሩ። ካብታ ኸተማ ምስ ዚወጽእ፡ ደም ሰብ ብምፍሳሱ ኸም ዘይተሰምዖ ዚእምትን ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዜእቱን እዩ ነይሩ።

11. ሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ንምሕረት ኣምላኽ ኣፍኲሱ ኸም ዘይርእዮ ብተግባሩ ኼንጸባርቕ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 ሎሚ እውን ዚንስሑ ሓጥኣን ምሕረት ኣምላኽ ኪረኽቡ እንተ ደልዮም፡ ስጕምቲ ኺወስዱ ኣለዎም። ሓጥእ መገድና ኽንሓድጎ ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ካብቲ ዝፈጸምናዮ ኸቢድ ሓጢኣት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ከቢድ ኣበሳ ዚመርሓና ንኣሽቱ ሓጢኣት እውን ክንርሕቕ ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ገሊጹ ኣሎ። ጳውሎስ ንዓታቶም፡ “ከም ፍቓድ ኣምላኽ ምጕሃይኩም፡ ክንደይ ጸዓት፡ ክንደይ ምጽራይ ርእስኹም፡ ክንደይ ቍጥዓ፡ ክንደይ ፍርሃት፡ ክንደይ ናፍቖት፡ ክንደይ ቅንኣት፡ ክንደይ መአረምታ እዩ ኣምጺኡልኩም” ኢሉ ጸሓፈሎም። (2 ቈረ. 7:10, 11) ስለዚ፡ ሓጢኣትና ኽንሓድግ ሓያል ጻዕሪ ንገብር እንተ ደኣ ዄንና፡ ብዅነታትና ኣዚና ኸም እንሻቐል፡ ብዘይ ዋላ ሓንቲ ጻዕሪ ምሕረቱ ኽንረክብ ኸኣ ከም ዘይንጽበ ኢና ንየሆዋ እነርእዮ ዘለና።

12. ሓደ ክርስትያን መለኮታዊ ምሕረት ምእንቲ ኺረክብ እንታይ እዩ ኺሓድግ ዘለዎ፧

12 ሓደ ክርስትያን መለኮታዊ ምሕረት ምእንቲ ኺረክብ እንታይ እዩ ኺሓድግ ዘለዎ፧ ዋላ እኳ ባህ ዜብሎ እውን እንተ ዀነ፡ ናብ ሓጢኣት ኪመርሖ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ኪሓድግ ኣለዎ። (ማቴ. 18:8, 9) ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣዕሩኽካ ንየሆዋ ዘየሐጕሶ ነገራት ክትገብር ዚደፋፍኡኻ እንተ ዀይኖም፡ ዕርክነትካ ኽትበትኮ ትኽእልዶ፧ ኣልኮላዊ መስተ ብዓቐን ምስታይ ዚኸብደካ እንተ ዀይኑ፡ ልዕሊ ዓቐንካ ኽትሰቲ ኻብ ዚፍትነካ ዅነታት ትርሕቕ ዲኻ፧ ርኹስ ትምኒት ምቍጽጻር ዚኸብደካ እንተ ዀይኑ፡ ርኹስ ሓሳባት ካብ ዜለዓዕለልካ ፊልምታትን ወብ ሳይታትን ካልእ ንጥፈታትን ትርሕቕ ዲኻ፧ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጽህናና ኽንሕሉ እንገብሮ ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ኸም ዚኽሕስ ኣይትረስዕ። የሆዋ ኸም ዝራሕርሓካ ኻብ ዚስምዓካ ስምዒት ዚኸብድ ስቓይ የልቦን። የሆዋ “በቲ ዘለኣለማዊ ዝዀነ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ” ኸም ዜፍቅረና ኻብ ምፍላጥ ንላዕሊ ዜሐጕስ ነገር ከኣ የልቦን።—ኢሳ. 54:7, 8

“መዕቈቢ ኪዀናኹም እየን”

13. ሃዲሙ ናብ ከተማ ዕቝባ ዝኸደ ሰብ፡ ቀሲኑን ባህ ኢልዎን ኣብታ ኸተማ ኺነብር ዚኽእል ዝነበረ ስለምንታይ ምዃኑ ግለጽ።

13 እቲ ሃዲሙ ናብ ከተማ ዕቝባ ዝኸደ ሰብ፡ ኣብታ ኸተማ ምስ ኣተወ ቕሳነት ይስምዖ እዩ። የሆዋ ብዛዕባ እተን ከተማታት፡ “መዕቈቢ ኪዀናኹም እየን” በለ። (እያ. 20:2, 3) የሆዋ እቲ ዝሃደመ ሰብ ብሓደ በደል ክልተ ሳዕ ኪፍረድ ኣይደልን እዩ ነይሩ። እቲ ፈዳይ ደም እውን ናብታ ኸተማ ኣትዩ ነቲ ዝሃደመ ሰብ ኪቐትሎ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ ዝሃደመ ሰብ ሕነ ኸይፍደ ኣይፈርህን ነበረ። ኣብታ ኸተማ ኽሳዕ ዘሎ ዕቝባ የሆዋ እናረኸበ ቐሲኑ ኺነብር ይኽእል ነበረ። እታ ኸተማ ዕቝባ፡ ቤት ማእሰርቲ ስደተኛታት ኣይኰነትን ነይራ። እኳ ደኣስ፡ እቲ ሃዲሙ ናብታ ኸተማ ዝኸደ ሰብ፡ ኣብኡ ኺሰርሕ፡ ንኻልኦት ኪሕግዝ፡ ብሰላም ድማ ንየሆዋ ኼገልግል ይኽእል ነይሩ እዩ። እወ፡ ዜሐጕስን ዕግበት ዘለዎን ህይወት ኪነብር ይኽእል ነይሩ እዩ።

የሆዋ ይቕረ ኸም ዚብለልካ ተኣማመን (ሕጡብ ጽሑፍ 14-16 ርአ)

14. ሓደ እተነስሐ ክርስትያን እንታይ ምትእምማን እዩ ኺህልዎ ዚኽእል፧

14 ከቢድ ሓጢኣት ፈጺሞም እተነስሑ ሓያሎ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ብስምዒት ጸጸት ከም “እተኣስሩ” ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። የሆዋ ነቲ ዝፈጸምዎ ኸቢድ በደል ንዘለኣለም ይቕረ ኸም ዘይብለሎም ኰይኑ እውን ይስምዖም እዩ። ንስኻ እውን ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ይቕረ ኺብለልካ ኸሎ፡ ምሉእ ብምሉእ ምሕረት ከም ዚገብረልካ ኣይትረስዕ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዳንኤል፡ ከምኡ እዩ ተሰሚዕዎ። ሽማግለታት ምስ ኣረምዎን ጽሩይ ሕልና ኺህልዎ ምስ ሓገዝዎን፡ ከምዚ በለ፦ “ከም ብሓድሽ ከስተንፍስ ዝኸኣልኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። እቲ ጕዳየይ ግቡእ ፍታሕ ምስ ረኸበ፡ እፎይታ ረኺበ እየ። ሓንሳእ ሓጢኣትካ ይቕረ ምስ ተባህለልካ፡ በቃ ተረሲዑ እዩ። የሆዋ ኸምቲ ባዕሉ ዝበሎ፡ ጾርካ ወሲዱ ኻባኻ የርሕቖ እዩ። መሊስካ እውን ኣይትርእዮን ኢኻ።” ሃዲሙ ናብ ከተማ ዕቝባ ዝኸደ ሰብ ናብታ ኸተማ ምስ ኣተወ፡ እቲ ፈዳይ ደም መጺኡ ኸይቀትሎ ኣይፈርህን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረ ምስ በለልና፡ ከም ብሓድሽ ዘኪሩ ኪቐጽዓና ወይ ኪፈርደና ምኽንያት ከም ዘይደሊ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።መዝሙር 103:8-12 ኣንብብ።

15, 16. እቲ የሱስ ከም ተበጃውን ሊቀ ኻህናትን መጠን ዘለዎ ግደ ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ንዘሎካ ምትእምማን ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

15 ንሕና ኻብቲ እስራኤላውያን ኣብ ምሕረት የሆዋ ዝነበሮም ምትእምማን ብዚበልጽ መገዲ ኽንተኣማመን ዚገብረና ምኽንያት ኣሎና። ጳውሎስ ንየሆዋ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኺእዘዞ ስለ ዘይከኣለ ኸም ዝጐሃየ ድሕሪ ምግላጹ፡ “ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ይመስገን” በለ። (ሮሜ 7:25) እወ፡ ንሓጥእ ዝንባለታቱ ዀነ ነቲ ቕድሚ ሕጂ ዝፈጸሞን እተነስሓሉን ኣበሳ ኽቃለሶ የድልዮ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣምላኽ ብየሱስ ኣቢሉ ይቕረ ኸም ዚብለሉ ግና ይተኣማመን ነበረ። የሱስ ከም በጃና መጠን፡ ንሕልናና የንጽሃልናን ውሽጣዊ ሰላም ይህበናን እዩ። (እብ. 9:13, 14) ከም ሊቀ ኻህንና መጠን ከኣ፡ “ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚቐርቡ፡ ኵሉ ሳዕ ምእንታኦም ኪልምን ብህይወት ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ምሉእ ብምሉእ ኬድሕኖም ይኽእል እዩ።” (እብ. 7:24, 25) ብግዜ ጥንቲ፡ እቲ ሊቀ ኻህን ዚፍጽሞ ዝነበረ ኣገልግሎት ንእስራኤላውያን ሓጢኣቶም ይቕረ ኸም እተባህለሎም የረጋግጸሎም ካብ ነበረ፡ እቲ ሊቀ ኻህንና ዝዀነ የሱስ ዚፍጽሞ ኣገልግሎት ደኣ እሞ፡ “ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበልን ብግዜኡ ዚረድኣና ጸጋ ምእንቲ ኽንረክብን” ከም ዚሕግዘና ኽሳዕ ክንደይ ዘየረጋግጸልና!—እብ. 4:15, 16

16 ስለዚ፡ ኣብ የሆዋ ኽትምዕቈብ እንተ ደሊኻ፡ ብመስዋእቲ የሱስ እመን። በጃ ክርስቶስ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ ጥራይ ኣይትሕሰብ። የግዳስ፡ እቲ በጃ ንዓኻ ብብሕትኻ እውን ከም ዚጠቕመካ እመን። (ገላ. 2:20, 21) ሓጢኣትካ ይቕረ ዚብሃለልካ በቲ በጃ ምዃኑ እመን። በጃ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሃበካ እውን እመን። እወ፡ መስዋእቲ የሱስ፡ የሆዋ ንዓኻ ዝሃበካ ህያብ እዩ።

17. ኣብ የሆዋ ኽትምዕቈብ እትደሊ ስለምንታይ ኢኻ፧

17 እተን ከተማታት ዕቝባ፡ መርኣያ ምሕረት የሆዋ እየን ነይረን። ኣምላኽ በዚ መሰናድዎ እዚ ኣቢሉ፡ ህይወት ኣዝዩ ቕዱስ ከም ዝዀነ ኣጕሊሑ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሽማግለታት ብኸመይ ኪሕግዙና ኸም ዚኽእሉ፡ ናይ ሓቂ ንስሓ እንታይ ከም ዜጠቓልል፡ ኣብ ምሕረት የሆዋ ምሉእ ምትእምማን ከነሕድር ዘሎና ስለምንታይ ከም ዝዀነ ኣርእዩ እዩ። እሞኸ ኣብ የሆዋ ትምዕቈብዶ ኣለኻ፧ ካብኡ ዚበልጽ ውሑስ ቦታ የልቦን! (መዝ. 91:1, 2) ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ እተን ከተማታት ዕቝባ ነቲ የሆዋ ዝሃበና ብሉጽ ኣብነት ፍትሕን ምሕረትን ክንቀድሖ ብኸመይ ከም ዚሕግዛና ኽንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 10 ብመሰረት መወከሲ ጽሑፋት ኣይሁድ፡ ስድራ ቤት እቲ ብዘይፍላጥ ህይወት ዘጥፍአ ሰብ፡ ምስኡ ሓቢሮም ኣብ ከተማ ዕቝባ ይቕመጡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።