ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኣወግድ

ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኣወግድ

“በቲ ፍልስፍናን ከንቱ ጥበራን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።”—ቈሎ. 2:8

መዝሙር፦ 38, 31

1. ሃዋርያ ጳውሎስ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቱ እንታይ ምኽሪ እዩ ጽሒፉሎም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ኣብ ቈሎሴ ንዝነበሩ ክርስትያናት ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ማለት ኣብ ከባቢ 60-61 ድ.ክ. እዩ ጽሒፍዋ ኪኸውን ዚኽእል። “መንፈሳዊ ግንዛበ” ምጥራይ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ኣጕሊሑሎም ነበረ። (ቈሎ. 1:9) ወሲኹ እውን፡ “ሓደ እኳ ብዚሓብል ዘረባ ኸየታልለኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘለኹ። ኣብ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ስርዓት ሰብን ኣብ መባእታዊ ነገራት ዓለምን እተመስረተ ፍልስፍናን ከንቱ ጥበራን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ” በሎም። (ቈሎ. 2:4, 8) ገሊኡ ህቡብ ኣረኣእያታት ስለምንታይ ግጉይ ከም ዝዀነን ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ንዘይፍጹማት ሰባት ስለምንታይ ከም ዚስሕቦምን ድማ ገለጸ። ንኣብነት፡ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ንሓደ ሰብ፡ ጥበበኛ ወይ ብሉጽ ከም ዝዀነ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ ኺገብሮ ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ መልእኽቲ ዝጸሓፋ፡ ንኣሕዋት ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ግጉይ ተግባራትን ምእንቲ ኼወግዱ ኢሉ እዩ።—ቈሎ. 2:16, 17, 23

2. ብዛዕባ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ዚገልጽ ኣብነታት ኽንመያየጥ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧

2 ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ንመምርሒታት የሆዋ ዕሽሽ ይብሎ ወይ የስተናዕቖ እዩ። እቲ ጽልዋኡ ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ንእምነትና ኼዳኽማ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኵላትና ብዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኽንጽሎ ንኽእል ኢና። ከመይሲ፡ ኣብ ተለቪዥንን ኢንተርነትን ኰነ ኣብ ስራሕን ኣብ ቤት ትምህርትን ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ስለዚ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ንኣእምሮና ምእንቲ ኸየበላሽዎ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንምርምር ኢና። ሓሙሽተ ኣብነት ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኽንምርምር፡ ነዚ ሓሳባት እዚ ምእንቲ ኽንነጽጎ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ድማ ክንመያየጥ ኢና።

ብኣምላኽ ምእማን ኣገዳሲ ድዩ፧

3. ንሓያሎ ሰባት ዚስሕቦም ኣተሓሳስባ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

3 “ብኣምላኽ ዘይኣምን ክነሰይ፡ ጥዑይ ሰብ ክኸውን እኽእል እየ።” ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ብኣምላኽ ከም ዘይኣምኑ ይዛረቡ እዮም፣ ሃይማኖት ከም ዘይብሎም ድማ ይገልጹ እዮም። ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ብጥንቃቐ እኳ እንተ ዘይመርመሩ፡ ነቲ ኸም ድላይካ ምንባር ዚብልዎ ሓሳብ ይፈትውዎ እዮም። (መዝሙር 10:4 ኣንብብ።) ገሊኦም ከኣ፡ ዓለማዊ ጥበብ ጽልዋ ስለ ዜሕድረሎም፡ “ብኣምላኽ ዘይኣምን ክነሰይ፡ ልዑል ስርዓታት ሓልየ ኽመላለስ እኽእል እየ” ኢሎም ይሓስቡ እዮም።

4. ፈጣሪ ኸም ዘየሎ ንዚዛረብ ሰብ እንታይ መርትዖ ኸነቕርበሉ ንኽእል፧

4 ብኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰባት፡ ፈጣሪ ኸም ዘየሎ ዚገልጽዎ ሓሳብ ቅኑዕ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ ሓደ ሰብ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኻብ ስነ ፍልጠት ምላሽ ንምርካብ ምስ ዚጽዕር፡ ኪደናገር ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ ግና፡ እቲ ምላሽ ቀሊል እዩ። ንሓንቲ ቤት ሰራሒ ኻብ ኣድለያ፡ ህያው ንዘበለ ዅሉ ደኣ ፈጣሪ የድልዮዶ ኸይኰነ! እቲ ዜገርም ከኣ፡ ኣብ ምድሪ ተራ ዚብሃል ሓደ ህያው ዋህዮ እኳ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ቤት ንላዕሊ እተሓላለኸ እዩ። ሓንቲ ቤት ንርእሳ ኽትጽግንን ካልእ ነገራት ክትገብርን ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀነት፡ ዋህዮ ግና ባዕሉ ኺባዛሕ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እዚ ዋህዮታት እዚ፡ ሓበሬታ ኪኽዝን፡ ነቲ ሓበሬታ ናብ ካልኦት ሓደስቲ ዋህዮታት ብምምሕላልፍ ከኣ ከም ዚባዝሑ ኺገብር ይኽእል እዩ። ነዚ ህያው ዋህዮታት እዚ ዝነደፎ መን እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ ኣለዋ፣ እቲ ንዅሉ ዝሰርሐ ግና ኣምላኽ እዩ” ይብል።—እብ. 3:4

5. ሓደ ሰብ ብኣምላኽ ዘይኣምን ክነሱ፡ ቅኑዕ ዘበለ ኺውስን ከም ዚኽእል ብዛዕባ ዚገልጽ ሓሳብ እንታይ ክንብል ንኽእል፧

5 ሓደ ሰብ ብኣምላኽ ዘይኣምን ክነሱ፡ ቅኑዕ ዘበለ ኺውስን ከም ዚኽእል ንዚገልጽ ሓሳብ እንታይ መርትዖ ኸነቕርበሉ ንኽእል፧ ቃል ኣምላኽ፡ ብኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰባት፡ እተወሰነ ጽቡቕ ስርዓታት ዚስዕቡ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 2:14, 15) ንኣብነት፡ ንወለዶም ዜኽብሩን ዜፍቅሩን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ንጽቡቕን ሕማቕን ዚምልከት ስርዓታት ዜውጽእ ፈጣሪ ምዃኑ ዘይኣምን ሰብ፡ ከመይ ኢሉ እዩ ጽቡቕ መሰረት ዘለዎ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኪስዕብ ዚኽእል፧ (ኢሳ. 33:22) ብዙሓት ኣስተውዓልቲ ሰባት፡ እቲ ሎሚ ኣብ ዓለም ዚርአ ዘሎ ሕማቕ ኵነታት፡ ወዲ ሰብ ሓገዝ ኣምላኽ ከም ዜድልዮ ዜረጋግጽ ምዃኑ ይኣምኑ እዮም። (ኤርምያስ 10:23 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ብኣምላኽ ዘይኣምንን ንስርዓታቱ ዘይስዕብን ክነሱ፡ ቅኑዕ ዘበለ ምሉእ ብምሉእ ኬለሊ ኸም ዚኽእል ጌርና ኽንሓስብ የብልናን።—መዝ. 146:3

ሃይማኖት የድልየና ድዩ፧

6. ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ሃይማኖት እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧

6 “ሃይማኖት ዘይብልካ ኽነስኻ፡ ሕጉስ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።” ነዚ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ብዙሓት ሰባት ይፈትውዎ እዮም፣ ከመይሲ፡ ንሃይማኖት ከም ግዜኡ ዝሓለፎን ዘይጠቅምን ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ብዘይካዚ፡ ብዙሓት ሃይማኖታት ከም ገሃነም እሳት ዝኣመሰለ ትምህርትታት ስለ ዚምህራ፡ ዕሽር ስለ ዚእክባ፡ ወይ ፖለቲካ ስለ ዚሰብካ፡ ንሰባት ካብ ኣምላኽ ከም ዚርሕቁ ገይረናኦም እየን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ሓያሎ ሰባት፡ ብዘይ ሃይማኖት ሕጉሳት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ዚስምዖም። እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ “ብመንፈሳዊ ነገራት እግደስ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ክኸውን ግና ኣይደልን እየ” ይብሉ እዮም።

7. ናይ ሓቂ ኣምልኾ፡ ሓጐስ ኬምጽኣልና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

7 እሞ ደኣ ሓደ ሃይማኖት ዘይብሉ ሰብ፡ ብሓቂ ሕጉስ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ ብርግጽ፡ ሓደ ኻብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝረሓቐ ሰብ፡ ሕጉስ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ምስቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ተባሂሉ ዘሎ የሆዋ ርክብ እንተ ዘይመስሪቱ ብሓቂ ሕጉስ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። (1 ጢሞ. 1:11) ኣምላኽ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ንኻልኦት ዚጠቅም እዩ። ኣገልገልቱ ድማ ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ስለ ዜተኵሩ ሕጉሳት እዮም። (ግብ. 20:35) ንኣብነት፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዜሐጕስ ናብራ ስድራ ቤት ኪህልወካ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ሕሰብ። ናይ ሓቂ ኣምልኾ፡ ንመጻምድትና ኸነኽብር፡ ንቓል ኪዳን መውስቦ ኸም ቅዱስ ጌርና ኽንርኢ፡ ካብ ምንዝር ክንርሕቕ፡ እዙዛት ውሉዳት ከነዕቢ፡ ከምኡ ድማ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸነማዕብል ይሕግዘና እዩ። እዚ ኸምዚ ዓይነት ኣምልኾ ኸኣ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ህዝቢ የሆዋ ብሓድነትን ብሰላምን ሓቢሮም ኣብ ጉባኤ ኼገልግሉ ይሕግዞም እዩ።ኢሳይያስ 65:13, 14 ኣንብብ።

8. ማቴዎስ 5:3 ንሰባት ብሓቂ ሕጉሳት ዚገብሮም እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

8 ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ዘየገልግል ክነሱ፡ ሕጉስ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዚገልጽ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ቕኑዕ ድዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ እሞ ሕሰበላ፦ ንሰባት ዜሐጕሶም እንታይ እዩ፧ ገሊኦም ብስራሖም፡ ብስፖርት፡ ወይ ንመሕለፍ ግዜ ብዜዘውትርዎ ነገራት ዕግበት ይረኽቡ እዮም። ካልኦት ከኣ ንስድራ ቤቶም ወይ ንፈተውቶም ብምክንኻን ዕግበት ይረኽቡ እዮም። ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ሓጐስ ክንረኽበሉ እንኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ህይወትና ግና ካልእ ዝዓበየ ዕላማ ኣለዋ። እዚ ዕላማ እዚ ጥራይ ድማ እዩ ነባሪ ሓጐስ ኬምጽኣልና ዚኽእል። ከም እንስሳታት ዘይኰንናስ፡ ንፈጣሪና ኽንፈልጦን ብተኣማንነት ከነገልግሎን በዚ ኸምዚ ሓጐስ ክንረክብን ኢና ተፈጢርና። (ማቴዎስ 5:3 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኣምላኽ ሓቢሮም ብምምላኽ ሓጐስን መተባብዕን ይረኽቡ እዮም። (መዝ. 133:1) ሓድነት ዘለዎ ሕውነትን ጥዑይ ናብራን ባህ ዜብል ተስፋን ስለ ዘለዎም እውን ሕጉሳት እዮም።

ስነ ምግባራዊ ስርዓታት የድልየና ድዩ፧

9. (ሀ) ዓለም ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዘለዋ ልሙድ ኣተሓሳስባ እንታይ እዩ፧ (ለ) ቃል ኣምላኽ ምስ ዘይመጻምድትኻ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ዚዅንን ስለምንታይ እዩ፧

9 “ምስ ዘይመጻምድትኻ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ዚዅነን ስለምንታይ እዩ፧” ገሊኦም ሰባት፡ “ብህይወትካ ኽትሕጐስ ኣሎካ። ምስ ዘይመጻምድትኻ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ዚዅነን ስለምንታይ እዩ፧” ይብሉና ይዀኑ። ሓደ ክርስትያን ንምንዝርና ዕሽሽ ኢሉ ኺርእዮ ኸም ዘለዎ ዚገልጽ ርእይቶ ጌጋ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ቃል ኣምላኽ ንምንዝርና ይዅንኖ እዩ። * (1 ተሰሎንቄ 4:3-8 ኣንብብ።) የሆዋ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ሕጊ ኺህበና መሰል ኣለዎ። መስራቲ መውስቦ ኸም ምዃኑ መጠን ከኣ፡ እተመርዓዉ ሰብ ሓዳር ጥራይ ጾታዊ ርክብ ኪገብሩ እዩ ፈቒዱ። ኣምላኽ ሕግታት ዝሃበና፡ ስለ ዜፍቅረና እዩ። እቲ ሕግታቱ ድማ ንጥቕምና እዩ። ሕጉ ዚእዘዛ ስድራ ቤታት፡ ፍቕርን ኣኽብሮትን ድሕንነትን ይረኽባ እየን። ኰነ ኢልና ሕጊ ኣምላኽ ምስ እንጥሕስ ግና፡ ኣምላኽ ከይቀጽዓና ኣይተርፍን እዩ።—እብ. 13:4

10. ሓደ ክርስትያን ካብ ምንዝርና ኺርሕቕ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

10 ቃል ኣምላኽ፡ ካብ ምንዝርና ኽንርሕቕ ይምህረና እዩ። ከምኡ ኽንገብር እንኽእለሉ ኣገዳሲ መገዲ ድማ፡ ክንርእዮ ዘይግብኣና ነገራት ብምውጋድ እዩ። የሱስ፡ “ንሰበይቲ ብፍትወት ዚጥምታ ዅሉ፡ ብልቡ ድሮ ምስኣ ዘምዩ እዩ። . . . የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሒታትካ፡ ጐጥጒጥካ ደርብያ” በለ። (ማቴ. 5:28, 29) ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን ስእለ ጽዩፍ ኪርኢ ወይ ከኣ ርኹስ ግጥምታት ዘለዎ ሙዚቃ ኺሰምዕ የብሉን። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ “ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም፡ ማለት ምንዝርና . . . ቅተሉ” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። (ቈሎ. 3:5) ብዘይካዚ፡ ነቲ እንሓስቦን እንዛረቦን ነገራት ክንቈጻጸሮ ኣሎና።—ኤፌ. 5:3-5

ኣብ ዓለማዊ ሞያ ኸነተኵር ግቡእ ድዩ፧

11. ኣብ ዓለማዊ ሞያ ምትኳር፡ ማራኺ ዚመስል ስለምንታይ እዩ፧

11 “ብሞያኻ ዕዉት ክትከውን ምጽዓር፡ ሓጐስ ዚርከበሉ ቐንዲ መገዲ እዩ።” ብዙሓት ሰባት፡ ብሞያና ዕዉታት ክንከውን ምጽዓር፡ ቀንዲ ሸቶ ህይወትና ኽንገብሮ ይመኽሩና እዮም። ከምዚ ዓይነት ሞያ፡ ማሕበራዊ ደረጃኻ ዜመሓይሽ፡ ስልጣንን ሃብትን ከኣ ዚርከቦ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት ነዚ ቐንዲ ሸቶ ህይወቶም ስለ ዝገበርዎ፡ ሓደ ክርስትያን እውን ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ይቕበሎ ይኸውን።

12. ኣብ ሞያኻ እትረኽቦ ኣሳልጦ፡ ቀንዲ ምንጪ ሓጐስ ድዩ፧

12 ስልጣንን ሃብትን ኣብ ዜምጽኣልካ ዓለማዊ ሞያ እትረኽቦ ኣሳልጦ፡ ነባሪ ሓጐስ የምጽኣልካ ድዩ፧ ኣይፋልን። ንኻልኦት ክትቈጻጸሮምን ተፈታዊ ኽትከውንን ዚሓድረካ ሓያል ስምዒት ንሰይጣን እውን ከም ዝፈተኖ ኣይትረስዕ። ኰይኑ ግና፡ ሰይጣን፡ ቍጡዕ እምበር፡ ሕጉስ ኣይኰነን። (ማቴ. 4:8, 9፣ ራእ. 12:12) ዓለማዊ ሞያ ምስቲ ሰባት ካብ ጥበብ ኣምላኽ ተጠቒሞም ዘለኣለማዊ ህይወት ኪረኽቡ ብምሕጋዝ ዚርከብ ሓጐስ ኪነጻጸር ከሎ፡ ካብ ዓለማዊ ሞያ ዚርከብ ዕግበት ኣዝዩ ሒደት እዩ። ብዘይካዚ፡ እዛ ዓለም እዚኣ ብመንፈስ ውድድር ዝመልአት እያ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሰባት ንሓድሕዶም ይወዳደሩን ይቀናንኡን እዮም፣ ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ፡ “ከንቱነት፡ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ እዩ” ዚኸውን።—መክ. 4:4

13. (ሀ) ብዛዕባ ዓለማዊ ሞያ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧ (ለ) ብመሰረት እታ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ንጳውሎስ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኪረክብ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

13 ሓቂ እዩ፡ ንናብራና ዜድልየና ነገራት ምእንቲ ኽንረክብ ክንሰርሕ ኣሎና። እንፈትዎ ስራሕ ምስራሕ ድማ ጌጋ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ዓለማዊ ስራሕና ቐንዲ ኽፋል ህይወትና ኪኸውን የብሉን። የሱስ፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣ ወይ ከኣ ናብቲ ሓደ ለጊቡ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በለ። (ማቴ. 6:24) ንየሆዋ ኣብ ምግልጋልን ንኻልኦት ቃሉ ኣብ ምምሃርን ዘተኰረ ህይወት ንነብር እንተ ደኣ ዄንና፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓጐስ ንረክብ ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ነዚ ብተግባር ርእይዎ እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ኣብ ኣይሁድነት ተፈላጥነት ኪረኽበሉ ዚኽእል ሞያ ነይርዎ እዩ። ናይ ሓቂ ሓጐስ ዝረኸበ ግና ደቀ መዝሙር ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ኺካፈል ምስ ጀመረን ሰባት ንመልእኽቲ ኣምላኽ ሰሚዖም ዚገብርዎ ለውጢ ምስ ረኣየን እዩ። (1 ተሰሎንቄ 2:13, 19, 20 ኣንብብ።) ከምዚ ዓይነት ዕግበት ዚርከቦ ኻልእ ስራሕ የልቦን።

ነባሪ ሓጐስ ዚርከብ፡ ንሰባት ካብ ቃል ኣምላኽ ኪጥቀሙ ብምሕጋዝ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 12, 13 ርአ)

ጸገማት ደቂ ሰብ ክንፈትሕ ንኽእል ዲና፧

14. እቲ ሰባት ጸገማቶም ባዕላቶም ኪፈትሑ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ ሓሳብ፡ ማራኺ ዚመስል ስለምንታይ እዩ፧

14 “ደቂ ሰብ ባዕሎም ጸገማቶም ኪፈትሑ ይኽእሉ እዮም።” እዚ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ንብዙሓት ሰባት ይስሕቦም እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እዚ ሓቂ እንተ ዚኸውን፡ ደቂ ሰብ መምርሒ ኣምላኽ ከም ዘየድልዮምን ዝደለይዎ ኺገብሩ ኸም ዚኽእሉን ዜረጋግጽ ምዀነ ነይሩ። ብመሰረት ገሊኡ መጽናዕትታት፡ ውግእን ገበንን ሕማምን ድኽነትን ይንኪ ስለ ዘሎ፡ እቲ ሰባት ጸገማቶም ባዕላቶም ኪፈትሑ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ ሓሳብ ዜእምን ኪመስል ይኽእል እዩ። ሓደ ጸብጻብ፡ “ኵነታት ደቂ ሰብ ዚመሓየሽ ዘሎ፡ ሰባት ንዓለም ዝሓሸት ኪገብርዋ ስለ ዝወሰኑ እዩ” በለ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ርእይቶታት፡ ደቂ ሰብ ኣብ ዓለም ንዘሎ ጸገማት ኪፈትሑሉ ዚኽእሉ መገዲ ኸም ዝረኸቡ ዜመላኽት ድዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ንገለ ኻብዚ ጸገማት እዚ ብዕምቈት ንመርምሮ።

15. ደቂ ሰብ ኣብ ከቢድ ጸገማት ከም ዘለዉ ዚሕብር ጸብጻባት እንታይ እዩ፧

15 ውግእ፦ ኣብ ክልቲኡ ውግኣት ዓለም ብገምጋም ኣስታት 60 ሚልዮን ወይ ልዕሊኡ ዝዀኑ ሰባት ሞይቶም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም እውን እንተ ዀነ፡ ሰባት ካብ ጌጋኦም ተማሂሮም ንውግኣት ደው ኬብልዎ ኣይከኣሉን። ኣብ 2015፡ ቍጽሪ እቶም ብሰንኪ ውግእ ወይ መስጐጕቲ ኻብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት፡ ኣስታት 65 ሚልዮን በጺሑ እዩ። ኣብታ ዓመት እቲ ጥራይ ድማ፡ ብገምጋም ኣስታት 12.4 ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም እዮም። ገበን፦ ኣብ እተወሰና ሃገራት፡ ገሊኡ ዓይነት ገበን ነክዩ እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ብኢንተርነት ዚፍጸም ገበን፡ ዘቤታዊ ዓመጻ፡ ግብረ ሽበራ ዝኣመሰለ ገበናት ግና ብዜሰምብድ ፍጥነት ይውስኽ ኣሎ። ሓያሎ ሰባት እውን፡ ብልሽውና ብደረጃ ዓለምለኸ ኸም ዝወሰኸ ይኣምኑ እዮም። እወ፡ ደቂ ሰብ ንገበን ኬጥፍእዎ ኣይከኣሉን። ሕማም፦ ገሊኡ ሕማማት ኪግታእ ተኻኢሉ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብ2013 ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም 9 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ ሕማም ልብን ወቕዕን መንሽሮን ሕማማት መስተንፈሲ ኣካላትን ሕማም ሽኮርን ይሞቱ እዮም። ድኽነት፦ ብመሰረት ባንክ ዓለም፡ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ፡ ቍጽሪ እቶም ብኽቱር ድኽነት ዚሳቐዩ ሰባት ካብቲ 1990 ዝነበረሉ 280 ሚልዮን፡ ብ2012 ናብ 330 ሚልዮን ደይቡ እዩ።

16. (ሀ) ንጸገማት ደቂ ሰብ እትፈትሖ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (ለ) ኢሳይያስን ሓደ ዘማርን እተነበይዎ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

16 ኣብዚ ግዜና ንዘሎ ስርዓተ ቝጠባን ፖለቲካን ዚቈጻጸርዎ፡ ስሱዓት ሰባት እዮም። ስለዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እንተ ዘይኰይና፡ እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንውግእን ገበንን ሕማምን ድኽነትን ኬወግድዎ ኣይክእሉን እዮም። የሆዋ ንደቂ ሰብ እንታይ ከም ዚገብረሎም እሞ ሕሰብ። ውግእ፦ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ቐንዲ ጠንቅታት ውግእ ዝዀነ ስስዐ፡ ብልሽውና፡ ሃገራውነት፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ ከምኡ እውን ንሰይጣን ከተወግድ እያ። (መዝ. 46:8, 9) ገበን፦ መንግስቲ ኣምላኽ ዛጊት ንሚልዮናት ሰባት ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን ኪተኣማመኑን ትምህሮም ኣላ፣ እዚ ድማ፡ ዝዀነት ትኹን መንግስቲ ኽትገብሮ ዘይትኽእል እዩ። (ኢሳ. 11:9) ሕማም፦ የሆዋ ንህዝቡ ፍጹም ጥዕና ብምሃብ ኪባርኾም እዩ። (ኢሳ. 35:5, 6) ድኽነት፦ የሆዋ ንድኽነት ኬጥፍኦ፡ ንህዝቡ ድማ መንፈሳውን ስጋውን ብልጽግና ብምሃብ ኪባርኾም እዩ። እዚ ድማ ካብ ዝዀነ ይኹን ሃብቲ ኣዝዩ ዚበልጽ እዩ።—መዝ. 72:12, 13

‘ከመይ ጌርኩም ክትምልሱ ኸም ዚግብኣኩም ፍለጡ’

17. ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኸነወግድ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 ንእምነትካ ዚብድህ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ እንተ ሰሚዕካ፡ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እንታይ ከም ዚብል ምርምር ግበር፡ ተመክሮ ምስ ዘለዎ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ እውን ተመያየጠሉ። እቲ ኣተሓሳስባ ስለምንታይ ማራኺ ኸም ዚመስል፡ እንታይ ጕድለታት ከም ዘለዎ፡ ጌጋ ምዃኑ ብኸመይ ከተረጋግጽ ከም እትኽእል ሕሰብ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ቈሎሴ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ‘ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ኪመላለሱ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከመይ ገይሮም ኪምልሱ ኸም ዚግብኦም ድማ ኪፈልጡ’ ምዒድዎም ነይሩ እዩ። ንሕና ዅላትና እውን ነዚ ማዕዳ እዚ ብምስዓብ፡ ንርእስና ኻብ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኸነዕቍባ ንኽእል ኢና።—ቈሎ. 4:5, 6

^ ሕ.ጽ. 9 ብዙሓት ሰባት፡ እቲ ኣብ ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ዮሃንስ 7:53–8:11 ዚርከብ ፍቕድታት፡ ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ በዅሪ ጽሑፋት ከም ዘይነበረን ደሓር ከም እተወሰኸን ኣይፈልጡን እዮም። ገሊኦም ነዚ ፍቕድታት እዚ ዘንበቡ ሰባት፡ ንሓደ ኣመንዝራ ኺፈርዶ ዚኽእል ሓጢኣት ዘይብሉ ሰብ ጥራይ ምዃኑ ይዛረቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ፡ “ሰብኣይ ምስ ብዓልቲ ኻልእ ሰብኣይ ዝዀነት ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተረኺቡ፡ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይሙቱ” እዩ ዚብል።—ዘዳ. 22:22