ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገለ እኳ ሽልማትካ ኣይከልክልካ

ገለ እኳ ሽልማትካ ኣይከልክልካ

‘ሓደ እኳ ሽልማትኩም ኣይከልክልኩም።’—ቈሎ. 2:18

መዝሙር፦ 122, 139

1, 2. (ሀ) ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ሽልማት ኪረኽቡ እዮም ዚጽበዩ፧ (ለ) ኣብቲ እንረኽቦ ሽልማት ከነተኵር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሽልማት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ” ኪረኽቡ ኽቡር ተስፋ ኣለዎም። (ፊል. 3:14) ምስ የሱስ ኣብ ሰማያዊት መንግስቱ ኺነግሱን ንደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ኼብጽሑን ሃረር ይብሉ እዮም። (ራእ. 20:6) እዞም ኣምላኽ ዝጸውዖም ሰባት እዚኦምሲ፡ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ሸቶ ዀን እዩ ዘለዎም! እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ግና እተፈልየ ተስፋ እዩ ዘለዎም። ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ይህንጠዩ እዮም፣ እዚ እውን ዜሐጕስ ተስፋ እዩ።—2 ጴጥ. 3:13

2 ጳውሎስ ነቶም ቅቡኣት ዝዀኑ ክርስትያናት ብጾቱ፡ እሙናት ምእንቲ ኪዀኑን ሽልማቶም ምእንቲ ኪረኽቡን፡ ‘ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኼተኵሩ’ ምዒድዎም እዩ። (ቈሎ. 3:2) ኣብቲ ኽቡር ሰማያዊ ተስፋኦም ኬተኵሩ የድልዮም ነይሩ እዩ። (ቈሎ. 1:4, 5) እወ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተስፋኦም ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣዳልዩሎም ዘሎ በረኸት ምስ ዜስተንትኑ፡ ኣብቲ ዚረኽብዎ ሽልማት ኬተኵሩ ይሕግዞም እዩ።—1 ቈረ. 9:24

3. ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ ብዛዕባ እንታይ እዩ ኣጠንቂቕዎም፧

3 ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ ሽልማቶም ከይረኽቡ ኪኽልክሎም ዚኽእል ነገራት እውን ሓቢርዎም እዩ። ንኣብነት፡ ነቶም ኣብ ጉባኤ ቈሎሴ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ብዛዕባ እቶም ብክርስቶስ ብምእማን ዘይኰነስ፡ ብግብሪ ሕጊ ሞገስ ኣምላኽ ኪረኽቡ ዚጽዕሩ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ቈሎ. 2:16-18) ሽልማትና ኸይንረክብ ኪኽልክለና ዚኽእል ኣብዚ ግዜና እውን ዘሎ ነገራት ድማ ጠቒሱ እዩ። ንኣብነት፡ ካብ ርኹስ ትምኒታት ብኸመይ ከም እንርሕቕ፡ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ንዜጋጥመና ጸገማት ብኸመይ ከም እንኣልዮ፡ ኣብ ስድራ ቤትና ንዜጋጥመና ሽግራት ብኸመይ ከም እንፈትሖ ገሊጹ እዩ። ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ዝሃቦ ምኽሪ፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ጠቓሚ እዩ። ስለዚ፡ ገለ ኻብቲ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈሎሴ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ዚርከብ ፍቕራዊ መጠንቀቕታታት ንመርምር።

ርኹስ ትምኒታት ቅተል

4. ርኹስ ትምኒታት ሽልማትና ኪኽልክለና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

4 ጳውሎስ ንኣሕዋቱ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ተስፋኦም ምስ ኣዘኻኸሮም፡ “እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም፡ ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፋሉል ፍትወተ ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዐ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት ቅተሉ” በሎም። (ቈሎ. 3:5) ርኹስ ትምኒታት፡ ኣመና ኺሕይለናን መንፈሳዊ ሃብትና ኼሕድገናን ይኽእል እዩ። ርኹስ ትምኒታት ዓብሊልዎ ዝነበረ ሓደ ሓው ናብ ጉባኤ ምስ ተመልሰ፡ “ኣዝዩ ብርቱዕ ብዝዀነ ሓይሊ ተደፊአ ስለ እተወሰድኩ፡ ኪቈጻጸሮ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ኽሳዕ ዝበጽሕ ኪምለስ ኣይከኣልኩን ነይረ” በለ።

5. ኣብ ሓደጋ ኻብ ዜእቱ ዅነታት ንርእስና ኽንሕልዋ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 ብፍላይ ከኣ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ኽንጥሕስ ዚፍትን ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንርእስና ኽንሕልዋ ኣሎና። ንኣብነት፡ ክልተ ኣንጻር ጾታ፡ ሓዳር ኪገብሩ ኢሎም ኪፋለጡ ኺጅምሩ ኸለዉ ኣትሒዞም፡ ብዛዕባ ምትንኻፍን ምስዕዓምን እንታይ ዓይነት ንጹር ደረት ኪገብሩ ኸም ዚግባእ ኪዛራረቡ፡ ኣብ ጽምው ቦታ ንበይኖም ምእንቲ ኸይኰኑ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ከኣ ኣቐዲሞም ኪውስኑ ኣለዎም። (ምሳ. 22:3) ሓደ ክርስትያን ብስራሕ ናብ ካልእ ቦታ ኺገይሽ ከሎ ወይ ከኣ ምስ ኣንጻር ጾታ ኺሰርሕ ከሎ፡ ብስነ ምግባር ኣብ ሓደጋ ዜእትዎ ዅነታት ኬጋጥሞ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 2:10-12, 16) ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀንካ ግለጽ፡ ብኣኽብሮት ድማ ተዛረብ። ብዘይካዚ፡ ምኵሻም ሓደገኛ ሳዕቤን ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ። ክንጭነቕ ከለና ወይ ጽምዋ ኺስምዓና ኸሎ እውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ተደለይቲ ኸም ዝዀንና ኺስምዓና ዚገብረና ሰብ ንደሊ ኢና። ስምዒታዊ ደገፍ ስለ እንደሊ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣቓልቦ ኺገብረልና ኸሎ ደስ ይብለና እዩ። ንዓኻ እውን ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ሽልማትካ ኸይትረክብ ዚኽልክለካ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይትግበር። የግዳስ፡ ካብ የሆዋን ካብ ህዝቡን ሓገዝ ድለ።መዝሙር 34:18፣ ምሳሌ 13:20 ኣንብብ።

6. መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና፡ እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

6 ርኹስ ትምኒታትና ኽንቀትል እንተ ደሊና፡ ካብ ርኹስ መዘናግዒታት ክንርሕቕ ኣሎና። ኣብዚ እዋን እዚ ብኢንዱስትሪ መዘናግዒ ዚቐርብ መብዛሕትኡ ነገራት፡ ምስቲ ብግዜ ሶዶምን ጎሞራን ዚግበር ዝነበረ ነገር ዚመሳሰል እዩ። (ይሁ. 7) እቶም መዘናግዒ ዜፍርዩ ሰባት፡ ንምንዝርና ኸም ንቡርን ምንም ጕድኣት ከም ዘይብሉን ገይሮም ብምቕራብ፡ ብዛዕባ ስነ ምግባር ናይ ገዛእ ርእሶም ኣረኣእያ የስፋሕፍሑ እዮም። ስለዚ፡ መዘናግዒ ብጥንቃቐ ዘይንመርጽ እንተ ዄንና፡ ንርእስና ኣብ ሓደጋ ኸነእትዋ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ናብ ሽልማትና ኸይነተኵር ዕንቅፋት ዘይኰነና ዓይነት መዘናግዒ ኽንመርጽ ኣሎና።—ምሳ. 4:23

ፍቕርን ለውሃትን “ልበሱ”

7. ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ዓይነት ጸገማት እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧

7 ኣባላት ክርስትያናዊ ጉባኤ ኽንከውን ኣጋጣሚ ምርካብና በረኸት ከም ዝዀነ፡ ኵላትና ንሰማምዓሉ ኢና። እቲ ኣብ ኣኼባታትና እንገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ እቲ ኣብ ንሓድሕድና እነርእዮ ፍቕርን ለውሃትን፡ ኣብ ሽልማትና ኸነተኵር ይሕግዘና እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ጉባኤ ዚፍጠር ዘይምርድዳእ፡ ናብ ውጥረት ኪመርሕ ይኽእል እዩ። ነዚ ጸገማት እዚ ዘይንፈትሖ እንተ ዄንና፡ ቂም ናብ ምሓዝ ብቐሊሉ ኺመርሓና ይኽእል እዩ።1 ጴጥሮስ 3:8, 9 ኣንብብ።

8, 9. (ሀ) ሽልማትና ኽንረክብ ዚሕግዘና ባህርያት እንታይ እዩ፧ (ለ) ሓደ ክርስትያን ብጻይና ኼጕህየና ኸሎ፡ ሰላምና ኽንዕቅብ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

8 ቂም ብምሓዝና ነቲ ሽልማት ምእንቲ ኸይንስእን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ ኸምዚ ኢሉ መዓዶም፦ “ከም ሕሩያት ኣምላኽ፡ ቅዱሳትን ፍቑራትን ኴንኩም፡ ልባዊ ርሕራሐ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ልእመት፡ ዓቕሊ ልበሱ። ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን። ከምቲ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ እውን፡ ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ እሞ፡ ልበስዋ።”—ቈሎ. 3:12-14

9 ፍቕርን ለውሃትን ንሓድሕድና ይቕረ ኽንባሃሃል ይሕግዘና እየን። ንኣብነት፡ ሓደ ክርስትያን ብጻይና ብቓል ወይ ብግብሪ እንተ ጐዲኡና፡ ንሕና ባዕልና ንኻልኦት ብቓልና ወይ ብግብርና ብዛዕባ ዝጐዳእናሉ ግዜ ኽንዝክር ንኽእል ኢና። እቶም ዝጐዳእናዮም ኣሕዋት ብፍቕርን ብለውሃትን ንጕድለታትና ዕሽሽ ስለ ዝበልዎ ባህ ኢሉና ኸም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። (መክብብ 7:21, 22 ኣንብብ።) ብፍላይ ከኣ፡ ክርስቶስ ብለውሃት ተደሪኹ ንናይ ሓቂ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብሓደ ስለ ዝኣከቦም፡ ሕጉሳት ኢና። (ቈሎ. 3:15) ኵላትና፡ እነምልኾ ኣምላኽን እንሰብኮ መልእኽትን ዜጋጥመና ጸገማትን ሕደ እዩ። ብለውሃትን ብፍቕርን ንሓድሕድና ይቕረ ብምብህሃል፡ ክርስትያናዊ ሓድነትና ኸነደልድል፡ ኣብ ሽልማትና ኸኣ ከነተኵር ንኽእል ኢና።

10, 11. (ሀ) ቅንኢ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ቅንኢ ሽልማትና ኸይንረክብ ምእንቲ ኸይክልክለና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

10 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንመለበሚና እተጻሕፈ ኣብነታት፡ ቅንኢ ሽልማትና ኸይንረክብ ኪኽልክለና ኸም ዚኽእል የዘኻኽረና እዩ። ንኣብነት፡ ቃየል ብሓዉ ኣቤል ስለ ዝቐንአ፡ ቀቲልዎ እዩ። ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ብሙሴ ስለ ዝቐንኡ፡ ተጻሪሮምዎ እዮም። ንጉስ ሳኦል እውን ዳዊት ብዝረኸቦ ዓወት ስለ ዝቐንአ፡ ኪቐትሎ ፈቲኑ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ቓል ኣምላኽ፡ “ኣብቲ ቕንእን ንግርምናን ዘለዎ፡ ኣብኡ ህውከትን ኵሉ ኽፍኣትን ኣሎ” ዚብለና።—ያእ. 3:16

11 ኣብ ልብና ፍቕርን ለውሃትን ኪምዕብል ንጽዕር እንተ ዄንና፡ ብቐሊሉ ብቕንኢ ኣይንስነፍን ኢና። ቃል ኣምላኽ፡ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ። ፍቕሪ ኣይትቐንእን” ይብለና። (1 ቈረ. 13:4) ቅንኢ ኣብ ልብና ሱር ምእንቲ ኸይሰድድ፡ ንዅሉ ነገር ብኣረኣእያ ኣምላኽ ክንርእዮ ንጽዓር፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ድማ ኣብ ሓደ ክርስትያናዊ ሰብነት ከም ዚርከቡ ኣካላት ጌርና ንርኣዮም። እዚ ዓይነት ኣረኣእያ እዚ፡ ንሓድሕድና ኽንደናገጽ ይሕግዘና እዩ፣ እዚ ድማ ምስቲ፡ “ሓደ ኣካል እንተ ኸቢሩ፡ ኵሉ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ እዩ” ዚብል ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተዋህበ ምኽሪ ዚሰማማዕ እዩ። (1 ቈረ. 12:16-18, 26) ስለዚ፡ ብኻልኦት ኣብ ክንዲ እንቐንእ፡ በቲ ዚረኽብዎ በረኸት ንሕጐስ ኢና። ዮናታን ወዲ ሳኦል ከም ኣብነት ንርአ። ዳዊት ዝፋን መንግስቲ ኺወርስ ምስ ተቐብአ፡ ዮናታን ኣይቀንአን። እኳ ደኣስ፡ ንዳዊት ኣተባቢዕዎ እዩ። (1 ሳሙ. 23:16-18) እሞ ደኣ ኸም ዮናታን ለዋሃትን ፈቃራትን ክንከውን ንኽእል ዲና፧

ብስድራ ቤት ኴንኩም ነቲ ሽልማት ርኸቡ

12. ነየናይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓልና እዩ ምልእቲ ስድራ ቤትና ነቲ ሽልማት ክትረክብ ዚሕግዛ፧

12 ሓንቲ ስድራ ቤት፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ተውዕሎ እንተ ዀይና፡ ሰላምን ሓጐስን ኪህልዋ፡ ነቲ ሽልማት ከኣ ክትረክብ ኪሕግዛ ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪምዕድ ከሎ፡ ንስድራ ቤታት እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ እዩ ሂቡ፧ ከምዚ ኢሉ መኺሩ እዩ፦ “ኣትን ኣንስቲ፡ ከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም። ኣቱም ሰብኡት፡ ንኣንስትኹም ኣፍቅርወን እምበር፡ ኣይትነድሩለን። ኣቱም ውሉዳት፡ እዚ ንጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም። ኣቱም ኣቦታት፡ ሕልናኦም ምእንቲ ኸይዓርቦም፡ ንውሉዳትኩም ኣይተሕርቕዎም።” (ቈሎ. 3:18-21) ነዚ ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ንሰብኡትን ንኣንስትን ንውሉዳትን ከም ዚጠቕሞም መሸም ትሰማምዓሉ ኢኻ።

13. ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ንዘይኣማኒ ሰብኣያ፡ ሓቂ ኪቕበል ክትሕግዞ እትኽእል ብኸመይ እያ፧

13 ብዓልቲ ሓዳር እንተ ዄንኪ እሞ፡ ዘይኣማኒ ሰብኣይኪ ብግቡእ ዘይሕዘኪ እንተ ዀይኑ እንታይ ኢኺ ኽትገብሪ ዘሎኪ፧ ብዛዕባ ጠባዩ ሓሪቕኪ ትዛረብዮን ትካትዕዮን ትዀኒ፣ ከምኡ ምግባርኪ ግና፡ ንዅነታትኪ ኼመሓይሾ ይኽእል ድዩ፧ ዝደለኽዮ ኺገብረልኪ እንተ ደፋፋእክዮ እውን፡ እቲ ኣካይዳኺ ሓቂ ኪቕበል ኪድርኾ ይኽእልዶ፧ እዚ ዘይመስል እዩ። ንርእስነት ሰብኣይኪ ኣኽብሮት ተርእዪ እንተ ዄንኪ፡ ኣብ ስድራ ቤትኩም ሰላም ኪሰፍን እጃም ከተበርክቲ፡ ንየሆዋ ኽትውድስዮ፡ ንሰብኣይኪ ድማ ሓቂ ኪቕበል ክትሕግዝዮ ትኽእሊ ኢኺ። በዚ ኸምዚ፡ ክልቴኹም ነቲ ሽልማት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።1 ጴጥሮስ 3:1, 2 ኣንብብ።

14. ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ፡ ዘይኣማኒት ሰበይቱ ዘይተኽብሮ እንተ ዀይና እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

14 ብዓል ሓዳር እንተ ዄንካ እሞ፡ ዘይኣማኒት ሰበይትኻ ኸም ዘይተኽብረካ ዀይኑ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ትቝጥዓን ኣዛዚ መን ምዃኑ ኸተርእያ ትፍትንን ትኸውን፣ ከምኡ ምግባርካ ግና፡ ንኸተኽብረካ ኼለዓዕላ ይኽእል ድዩ፧ ኣይፋልን! ኣምላኽ ንርእስነትካ፡ ከም የሱስ ብፍቕራዊ መገዲ ኽትጥቀመሉ እዩ ዚደልየካ። (ኤፌ. 5:23) የሱስ ነታ ኸም ርእሲ ዀይኑ ዚመርሓ ጉባኤኡ ብፍቕርን ብትዕግስትን እዩ ዚሕዛ። (ሉቃ. 9:46-48) ሓደ ሰብኣይ እውን ንኣብነት የሱስ ዚቐድሖ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ንሰበይቱ ሓቂ ኽትቅበል ኪሕግዛ ይኽእል እዩ።

15. ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ንሰበይቱ ዘለዎ ፍቕሪ ኼርኢ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

15 ሰብኡት፡ “ንኣንስትኹም ኣፍቅርወን እምበር፡ ኣይትነድሩለን” ተባሂሎም ተኣዚዞም ኣለዉ። (ቈሎ. 3:19) ሓደ ፈቃር ሰብኣይ፡ ንርእይቶ ሰበይቱ ምስ ዚሰምዕ፡ ነቲ እትብሎ ድማ ከም ዜኽብሮ ምስ ዜርኢ፡ ካብ ሰበይቱ ኣኽብሮት ኪረክብ ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 3:7) ኵሉ ሳዕ ድላያ ኺገብረላ ግድን እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ውሳነ ቕድሚ ምግባሩ ዜማኽራ እንተ ደኣ ዀይኑ ግና፡ ዝያዳ ሚዛናዊ ዝዀነ ውሳነ ኺገብር ይኽእል እዩ። (ምሳ. 15:22) ሓደ ፈቃር ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ምእንቲ ኸተኽብሮ ብሓይሊ ኼገድዳ ኣይፍትንን እዩ። የግዳስ፡ ከተኽብሮ ብዚድርኻ መገዲ እዩ ዚሕዛ። ሓደ ሰብኣይ፡ ሰበይቱን ደቁን ዚፈቱ ምስ ዚኸውን፡ ስድራ ቤቱ ብዝያዳ ንየሆዋ ተሓጒሶም ኬገልግልዎን ናይ ህይወት ሽልማት ኪረኽቡን ይኽእሉ እዮም።

ጸገማት ስድራ ቤት፡ ሽልማትና ምእንቲ ኸይክልክለና እንታይ ክንገብር ንኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 13-15 ርአ)

ኣቱም መንእሰያት—ገለ እኳ ሽልማትኩም ኣይከልክልኩም

16, 17. መንእሰያት ብወለዶም ከይበሳጨዉ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

16 ኰተቴ እንተ ዄንካ እሞ፡ ክርስትያናት ወለድኻ ዘይርድኡኻን ቀይዲ ዜብዝሑልካ ዀይኑ ምስ ዚስምዓካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ እቲ ዚስምዓካ ስምዒት፡ ንየሆዋ ምግልጋል ዝበለጸ መገዲ ህይወት እንተ ዀይኑ ኸም እትጠራጠር ኪገብረካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ምግልጋል እንተ ሓዲግካዮ፡ ከምቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለድኻን ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ኣሕዋትካን ዝኣመሰሉ ኻብ ልቦም ዜፍቅሩኻ ሰባት ኣብ ዓለም ከም ዘይትረክብ መሸም ፍሉጥ እዩ።

17 ወለድኻ ፈጺሞም ዘይእርሙኻ እንተ ዚዀኑ፡ ዚሓልዩልካ ምዃኖም ኣይምተጠራጠርካንዶ፧ (እብ. 12:8) ምናልባት ግና፡ እቲ ወለድኻ ተግሳጽ ዚህብሉ መገዲ የበሳጭወካ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ በቲ ዚግስጽሉ መገዲ ኣብ ክንዲ እትሓርቕ፡ ምኽንያቶም ክትርዳእ ፈትን። ስለዚ፡ ህድእ በል፡ በቲ ዚህብዎ ተግሳጽ ከይትሓርቕ ድማ ጽዓር። ቃል ኣምላኽ፡ “ፍልጠት ዘለዎ፡ ቃላቱ ይገትእ፣ ኣስተውዓሊ ሰብ ከኣ ይሃድእ” ይብለና። (ምሳ. 17:27) እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ምኽሪ ዚውሃበሉ መገዲ እምብዛ ኸይተጨነቕካ፡ ብህድኣት ምኽሪ ኽትቅበል ሸቶ ኣውጽእ። (ምሳ. 1:8) ንየሆዋ ዜፍቅሩ ኣመንቲ ወለዲ ምርካብ፡ በረኸት እዩ። ንሳቶም ናይ ህይወት ሽልማት ክትረክብ ኪሕግዙኻ እዮም።

18. ኣብቲ ሽልማት ከተተኵር ዝቘረጽካ ስለምንታይ ኢኻ፧

18 እቲ ኣብ ቅድሜና ተነቢሩልና ዘሎ ሽልማት፡ ማለት ኣብ ሰማይ ዘይትመውት ህይወት ምርካብ ወይ ከኣ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምርካብ፡ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ። ኵላትና ድማ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ። እዚ ተስፋ እዚ፡ ፈጣሪና ባዕሉ ዘተስፈወና ርግጽ ተስፋ እዩ። ኣምላኽ ብዛዕባ እታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኺዛረብ ከሎ፡ “ምድሪ ብርግጽ ብፍልጠት የሆዋ ኽትመልእ እያ” ኢሉ ኣሎ። (ኢሳ. 11:9) እወ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኵሎም ሰባት ብኣምላኽ እተማህሩ ኪዀኑ እዮም። እዚ ሽልማት እዚ፡ ክንተግሃሉ ዚግብኣና ኽቡር ሽልማት እዩ። ስለዚ፡ ሓሳብካ ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈወና ተስፋ የተኵር፣ ገለ እኳ ድማ ሽልማትካ ኣይከልክልካ።