ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሕዳር 2018

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 31 ታሕሳስ 2018 ክሳዕ 3 ለካቲት 2019 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

“ንሓቂ ዓድጋ እሞ ኸቶ ኣይትሽጣ”

ንሓቂ ምዕዳግ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ምስ ኣጥረናያኸ ብኸመይ ክንዕቅባ ንኽእል፧

“ብሓቅኻ ኽመላለስ እየ”

ነቲ የሆዋ ዝመሃርና ኽቡር ሓቂ ኣጽኒዕና ንምሓዝ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ብኸመይ ከነደልድሎ ንኽእል፧

ብየሆዋ ተኣመን እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ

መጽሓፍ ኣንባቆም፡ ጸገም እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ክንሃድእ ትሕግዘና።

ንኣተሓሳስባኻ ዚቐርጾ ዘሎ መን እዩ፧

ብኣተሓሳስባ ሰብ ዘይኰነስ፡ ብኣተሓሳስባ የሆዋ ኽትቅረጽ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ንኣተሓሳስባኻ ኸም ኣተሓሳስባ የሆዋ ትገብሮዶ ኣለኻ፧

ብኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣ ምእንቲ ኸይንቕረጽ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ለውሃት—ብቓልን ብተግባርን እትግለጽ ባህርይ

ለውሃት ክፍሊ እቲ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ እያ። ነዛ ጽብቕቲ ባህርይ እዚኣ ኸመይ ጌርና ኸነማዕብላ ንኽእል፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቶም የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሞቱ ዝነበረት ምሸት እተዛረበሎም ገበርቲ ሰናይ መን እዮም፧ እቲ መዓርግ እቲ እተዋህቦምከ ስለምንታይ እዩ፧

ንየሆዋ እንታይ ውህበት ክንህቦ ንኽእል፧

ኣብ ምሳሌ 3:9 ተጠቒሱ ዘሎ “ጥሪት” እንታይ እዩ፧ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድንፋዕከ ኸመይ ጌርና ኽንጥቀመሉ ንኽእል፧