ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብሓቅኻ ኽመላለስ እየ”

“ብሓቅኻ ኽመላለስ እየ”

“ኦ የሆዋ፡ ብዛዕባ መገድኻ ምሃረኒ። ብሓቅኻ ኽመላለስ እየ።”—መዝ. 86:11

መዝሙር፦ 31, 72

1-3. (ሀ) ብዛዕባ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ሓቂ ኸመይ ኺስምዓና ኣለዎ፧ ብምሳሌ ኣረድእ። (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእልታት ርአ።) (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

እተዓደገ ኣቕሓ ምምላስ ልሙድ ተግባር ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ 9 ሚእታዊት እቲ ኻብ ዓበይቲ ድኳናት እተዓደገ ኣቕሑ ኸም ዚምለስ ግምታት ይሕብር እዩ። ካብቲ ብኢንተርነት ዚእዘዝ ኣቕሑ ድማ ልዕሊ 30 ሚእታዊት ይምለስ እዩ። ምናልባት እቶም ዓደግቲ፡ እቲ ኣቕሑ ኸምቲ እተጸበይዎ ዀይኑ ኣይጸንሖምን፡ ወይ ኣበር ይረኽቡሉ፡ ወይ ኣይፈትዉዎን ይዀኑ። ስለዚ፡ ነቲ ኣቕሓ ይቕይርዎ ወይ ገንዘቦም ኪምለሰሎም ይሓትቱ።

2 ንዝዓደግናዮ ኣቕሑ ኺምለሰልና ንሓትት እኳ እንተ ዀንና፡ ነታ ‘ዝዓደግናያ’ “ልክዕ ፍልጠት” ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ከቶ ኣይንመልሳን ወይ ‘ኣይንሸጣን’ ኢና። (ምሳሌ 23:23 ኣንብብ፣ 1 ጢሞ. 2:4) ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ንሓቂ ንምጥራይ ብዙሕ ግዜ ንውፊ ኢና። ብዘይካዚ ድማ፡ ንሓቂ ንምዕዳግ፡ ብዙሕ ደሞዝ ዘለዎ ሞያ ሓዲግና፡ ኣብ ብሕታዊ ርክባትናን ኣብ ኣተሓሳስባናን ኣብ ኣካይዳናን ለውጥታት ጌርና፡ ወይ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ባህልታትን ልምድታትን ሓዲግና ኽንከውን ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝኸፈልናዮ ዋጋ ምስቲ ዝረኸብናዮ በረኸት ኪነጻጸር ከሎ ንእሽቶ እዩ።

3 ምስታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ሓቂ ብዚተሓሓዝ፡ ከምቲ የሱስ ኣብ ሓንቲ ሓጻር ምሳሌ ዝገለጾ እዩ ዚስምዓና። የሱስ፡ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ክብርቲ ኸም ዝዀነት ንምሕባር፡ ጽቡቕ ሉላት ብዛዕባ ዚደሊ ተጓዓዚ ነጋዳይ ምሳሌ መሲሉ እዩ። እቲ ነጋዳይ ጽብቕቲ ሉል ምስ ረኸበ፡ እታ ሉል ኣዝያ ኽብርቲ ኻብ ምዃና እተላዕለ “ብኡብኡ ኸይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ” እዩ ዓዲግዋ። (ማቴ. 13:45, 46) ብተመሳሳሊ፡ እታ ዝረኸብናያ ሓቂ፡—ማለት እታ ንሓቂ መንግስቲ ኣምላኽን ንዅሉ እቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተምሃርናዮ ኽቡር ሓቅታትን እተጠቓልል ሓቂ፡—ኣዝያ ኽብርቲ ስለ ዝዀነት፡ ብፍታውን ብቕልጡፍን ምእንቲ ኸነጥርያ፡ መስዋእቲ ኸፊልና ኢና። ንሓቂ ኣኽቢርና ኽሳዕ ዝረኣናያ ኸኣ፡ ‘ከቶ ኣይንሸጣን’ ኢና። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ገሊኦም ህዝቢ ኣምላኽ እታ ዘጥረይዋ ሓቂ ዋጋኣ ኽንደይ ምዃኑ ረሲዖምዎ ኣለዉ፣ አረ ገሊኣቶምሲ ሸይጦምዋ ኣለዉ። ከምኡ ኽንገብር ከቶ ኣይንደልን ኢና! ንሓቂ ብዙሕ ኣኽቢርና ምእንቲ ኽንርእያን ከቶ ምእንቲ ኸይንሸጣን፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘በታ ሓቂ ኽንመላለስ’ ዚህበና ምዕዶ ኽንስዕቦ ኣሎና። (3 ዮሃንስ 2-4 ኣንብብ።) በታ ሓቂ ምምልላስ ኪብሃል ከሎ፡ ህይወትና ብእኡ ንመርሕ ማለት እዩ። ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት እስከ ንርአ፦ ገሊኦም ንሓቂ ‘ዚሸጥዋ’ ስለምንታይን ብኸመይን እዮም፧ ከምዚ ዝበለ ጌጋ ምእንቲ ኸይንገብር ብኸመይ ክንጥንቀቕ ንኽእል፧ ‘ብሓቂ ንምምልላስ’ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ብኸመይ ከነደልድል ንኽእል፧

ገሊኦም ንሓቂ ‘ዚሸጥዋ’ ስለምንታይን ብኸመይን እዮም፧

4. ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ገሊኦም ንሓቂ ‘ዚሸጥዋ’ ስለምንታይ እዮም፧

4 ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ገሊኦም ኣብ ፈለማ ንትምህርትታት የሱስ ተቐቢሎም ዝነበሩ ሰባት ብሓቂ ምምልላስ ኣይቀጸሉን። ንኣብነት፡ ሓደ ግዜ፡ የሱስ ንብዙሓት ህዝቢ ብተኣምራዊ መገዲ ምስ መገቦም፡ እቶም ህዝቢ ናብ ስግር ባሕሪ ገሊላ ሰዓብዎ። ኣብኡ ድማ የሱስ፡ “ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበሊዕኩም፡ ደሙ እውን እንተ ዘይሰቲኹም፡ ብርእስኹም ህይወት የብልኩምን” ምስ በሎም፡ ንሳቶም ሰምበዱ። ንየሱስ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ኺገልጸሎም ኣብ ክንዲ ዚሓትትዎ ኸኣ፡ ብቓላቱ ተዓንቀፉ እሞ፡ “እዚ ዘረባ እዝስ ዜሰምብድ እዩ፣ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧” በሉ። ብሰንኪ እዚ፡ “ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ፡ ደጊም እውን ምስኡ ኣይተመላለሱን።”—ዮሃ. 6:53-66

5, 6. (ሀ) ኣብዚ ቐረባ ግዜያት፡ ገሊኦም ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ሓደ ሰብ በብቝሩብ ንሓቂ ኺሓድጋ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

5 ሎሚ እውን ገሊኦም ካብ ሓቂ ምርሓቖም ዜሕዝን እዩ። ገሊኦም ብእተኣረመ ግንዛበ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወይ ከኣ ሓደ ምርኡይ ሓው ብዝበሎ ወይ ብዝገበሮ ነገር ተዓንቂፎም እዮም። ገሊኦም ድማ ብእተዋህቦም ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ስለ እተቐየሙ፡ ወይ ከኣ ምስ ክርስትያን ብጻዮም ስለ እተጋጨዉ፡ ካብ ሓቂ ርሒቖም እዮም። ገሊኦም ከኣ ምስ ከሓድትን ንሓቂ ምስ ዚጻረሩ ተጻረርትን ወጊኖም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ካብ የሆዋን ካብ ጉባኤኡን ኰነ ኢሎም ‘ኪርሕቑ’ ጀሚሮም ኣለዉ። (እብ. 3:12-14) ከምዚ ኣብ ክንዲ ዚገብሩስ፡ ከም ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ እምነቶም እንተ ዚዕቅቡን ኣብ የሱስ ዘለዎም እምንቶ እንተ ዚሕልዉን ምሓሾም። የሱስ ነቶም ሃዋርያት፡ ኪኸዱ ዚደልዩ እንተ ዀይኖም ምስ ሓተቶም፡ ጴጥሮስ ብኡብኡ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ቃል ኣሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧” ኢሉ እዩ መሊሱሉ።—ዮሃ. 6:67-69

6 ገሊኦም በብቝሩብ እዮም ንሓቂ ሓዲጎምዋ፣ ምናልባት እውን ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉ ኣይተፈለጦምን ይኸውን። ንሓቂ በብቝሩብ ዚሓድጋ ሰብ ከምታ ኻብ ገምገም ፈለግ በብቝሩብ እትርሕቕ ጃልባ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ በብቝሩብ ከይንርሕቕ ኬጠንቅቕ ከሎ፡ “ከይንውሰድ” ይብል እዩ። (እብ. 2:1) ብፍላጥ ካብ ሓቂ ዚርሕቕ ሰብ ኰነ ኢሉ እዩ ዚገብሮ፣ ሓደ ኻብ ሓቂ ዚውሰድ ሰብ ግና ከይተፈለጦ እዩ ዚርሕቕ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ሰብ እዚ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ኬበላሽዎ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ጠሪሱ ኼጥፍኦ ይኽእል እዩ። ከምዚ ምእንቲ ኸየጋጥመና ኸመይ ጌርና ኽንጥንቀቕ ንኽእል፧

ንሓቂ ምእንቲ ኸይንሸጣ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

7. እንታይ ኣብ ፈለማ እንወስዶ ስጕምትታት እዩ ንሓቂ ኸይንሸጣ ዚሕግዘና፧

7 ብሓቂ ንምምልላስ፡ ንዅሉ ቓል የሆዋ ኽንቅበሎን ክንሕልዎን ኣሎና። ንሓቂ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክንህቦን ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመላለስን ኣሎና። ንጉስ ዳዊት ናብ የሆዋ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት፡ “ብሓቅኻ ኽመላለስ እየ” ኢሉ እዩ። (መዝ. 86:11) ዳዊት ቈሪጹ እዩ ነይሩ። ንሕና እውን ብሓቂ ኣምላኽ ንምምልላስ ክንቈርጽ ኣሎና። እንተ ዘይኰይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ንሓቂ ዝኸፈልናዮ ነገር ክንሓስብ፡ ካብኡ ሓሊፍና እውን ንገሊኡ ንምምላስ ክንፍተን ንኽእል ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንብምሉኡ ሓቂ ተጠንቂቕና ኢና እንሕዞ። ኣየናይ ሓቅታት ተቐቢልና ኣየናዩ ዕሽሽ ከም እንብል ኣይንመርጽን ኢና። ከመይሲ፡ ‘ብዅሉ ሓቂ’ ኽንመላለስ ኣሎና። (ዮሃ. 16:13) ገለ ኻብቲ ምእንቲ ሓቂ ኸፊልናዮ ኽንከውን እንኽእል ሓሙሽተ ነገራት እስከ ንሕሰበሉ። ከምኡ ምግባርና፡ ንገለ ኻብቲ ዝኸፈልናዮ ንምምላስ ከይንፍተን ይሕግዘና እዩ።—ማቴ. 6:19

8. ሓደ ክርስትያን ንግዜኡ ብጥበብ እንተ ዘይተጠቒሙሉ፡ ካብ ሓቂ ኺርሕቕ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

8 ግዜ። ካብ ሓቂ ምእንቲ ኸይንርሕቕ፡ ንግዜና ብጥበብ ክንጥቀመሉ ኣሎና። እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ኣብ መዘናግዒ፡ ንመሕለፍ ግዜ ኣብ ዚግበር ንጥፈታት፡ ኣብ ኢንተርነት፡ ወይ ኣብ ተለቪዥን እምብዛ ብዙሕ ግዜ ኸነሕልፍ ንኽእል ኢና። እዚ ንጥፈታት እዚ ጌጋ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እቲ ኣብኡ እነሕልፎ ግዜ ግና ነቲ ንብሕታዊ መጽናዕትን ንኻልእ መንፈሳዊ ንጥፈታትን ዝመደብናዮ ግዜ በብቝሩብ ኪንክዮ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ተመክሮ ኤማ * ዝስማ ክርስትያን ሓብቲ እስከ ንርአ። ብንእስነታ ኣፍራስ ትፈቱ ነበረት። ኣጋጣሚ ኽትረክብ ከላ እውን፡ ኣፍራስ ትውጣሕ ነበረት። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ግና፡ እቲ ኣብኡ እተሕልፎ ብዙሕ ግዜ ኼሰክፋ ጀመረ። ምትዕርራይ ድሕሪ ምግባራ ኸኣ፡ ነቲ መዘናግዒ ግቡእ ቦታኡ ኣትሓዘቶ። ብተመክሮ እታ ኮሪ ወልዝ እትብሃል ክኢላ ተወጣሒት ኣፍራስ ድማ ተተባብዐት። * ሕጂ ኤማ ምስ ክርስትያን ስድራ ቤታን ፈተውታን ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ዝያዳ ግዜ ተሕልፍ ኣላ። ንግዜኣ ብጥበብ ብምጥቃማ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ትቐርቦ ኸም ዘላ ይስምዓ ኣሎ።

9. ገሊኦም ሰባት ስጋዊ ረብሓታት ብምድላዮም፡ ንመንፈሳዊ ንጥፈታቶም ዕሽሽ ዝበልዎ ብኸመይ እዮም፧

9 ስጋዊ ረብሓታት። ወትሩ ብሓቂ ኽንመላለስ እንተ ዄንና፡ ንስጋዊ ነገራት ኣብ ግቡእ ቦታኡ ኽንሕልዎ ኣሎና። ሓቂ ምስ ፈለጥና፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳማይ ቦታ፡ ንስጋዊ ነገራት ድማ ካልኣይ ቦታ ንህቦ ኢና። ብሓቂ ንምምልላስ፡ ተሓጒስና ንስጋዊ ነገራት መስዋእቲ ጌርና ኢና። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግና፡ ሰባት ኤለክትሮኒካዊ ኣቕሑ ኪዕድጉ፡ ወይ ካልእ ስጋዊ ረብሓታት ኪረኽቡ ንርእዮም ንኸውን። ገሊኡ ነገራት የምልጠና ኸም ዘሎ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ፡ ብመሰረታዊ ነገራት ዕጉባት ስለ ዘይንኸውን፡ ስጋዊ ጥሪት ክንእክብ ኢልና ንመንፈሳዊ ነገራት ዕሽሽ ክንብሎ ንኽእል ኢና። እዚ ኣካይዳ እዚ ንዴማስ እዩ ዜዘኻኽረና። ንሱ “ነዚ ስርዓት እዚ ስለ ዝፈተወ፡” ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ምግልጋል ሓዲግዎ እዩ። (2 ጢሞ. 4:10) ስለምንታይ እዩ ዴማስ ንጳውሎስ ሓዲግዎ፧ ምናልባት ንስጋዊ ነገራት ካብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ብዝያዳ ፈትዩ ይኸውን፣ ወይ ከኣ ምስ ጳውሎስ ንምግልጋል ድሕሪ ደጊም ብሕታዊ መስዋእቲ ኪኸፍል ኣይደለየን ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረና ትምኒት ስጋዊ ነገራት ከም ብሓድሽ ከነለዓዕሎ እሞ ንሓቂ ዝነበረና ፍቕሪ ኸም እነጥፍእ ኪገብረና ኸነፍቅደሉ ኣይንደልን ኢና።

10. ብሓቂ ንምምልላስ፡ እንታይ ጸቕጢ ኢና ኽንጻወር ዘሎና፧

10 ብሕታዊ ርክባት። ወትሩ ብሓቂ ንምምልላስ፡ ብጸቕጢ ኻልኦት ሰባት ክንምብርከኽ የብልናን። ብሓቂ ኽንመላለስ ኣብ ዝጀመርናሉ እዋን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ዘይኰኑ ፈለጥትናን ቤተ ሰብናን ዘሎና ርክብ ተቐዪሩ እዩ። ገሊኦም ንእምነትና የኽብሩልና እዮም፣ ገሊኦም ግና ብግሁድ ይጻረሩና እዮም። (1 ጴጥ. 4:4) ምስ ኣባላት ቤተ ሰብና ጽቡቕ ርክብ ኪህልወናን ንዓታቶም ብለውሃት ክንሕዞምን ንደሊ እኳ እንተ ዀንና፡ ከነሐጕሶም ኢልና ግና ካብቲ ኣብ ሓቂ ዘሎና መትከል ከይንለማለም ክንጥንቀቕ ኣሎና። ምስ ቤተ ሰብና ንምቅዳው ወትሩ ጻዕሪ ንገብር ኢና። ይኹን እምበር፡ ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:33 ዘሎ ንጹር መጠንቀቕታ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ጥራይ እዩ ናይ ቀረባ ዕርክነት ዚህልወና።

11. ካብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባትን ተግባራትን ከመይ ጌርና ኽንርሕቕ ንኽእል፧

11 ኣምላኽ ዘይፈትዎ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን። ብሓቂ ዚመላለሱ ዘበሉ ዅሎም፡ ቅዱሳት ኪዀኑ ኣለዎም። (ኢሳ. 35:8፣ 1 ጴጥሮስ 1:14-16 ኣንብብ።) ናብ ሓቂ ምስ መጻእና፡ ኵላትና ምስቲ ቕኑዕ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምስምማዕ ምትዕርራይ ጌርና ኢና። ገሊኦም ዓብዪ ለውጥታት ገይሮም እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ ንንጽህናናን ንቕድስናናን በቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ርኽሰት ከቶ ኽንልውጦ የብልናን። ብርኽሰት ከይንወድቕ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ የሆዋ ንዓና ንምቕዳስ ክቡር ደም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ከም ዝኸፈለ ነስተንትን። (1 ጴጥ. 1:18, 19) ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹሃት ኴንና ምእንቲ ኽንቅጽል፡ ዋጋ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ወትሩ ኽንዝክር ኣሎና።

12, 13. (ሀ) ከምቲ የሆዋ ብዛዕባ በዓላት ዘለዎ ኣረኣእያ ምሓዝና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ቀጺልና እንታይ ክንርኢ ኢና፧

12 ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ባህልታትን ልምድታትን። ቤተ ሰብናን መሳርሕትናን መማህርትናን ኣብ በዓላቶም ከም እንጽምበሮም ኪገብሩ ይፍትኑ ይዀኑ። እሞ ደኣ ንየሆዋ ምስ ዘየኽብር ባህልታትን በዓላትን ክንሰማማዕ ንዚወርደና ጸቕጢ ብኸመይ ክንጻረሮ ንኽእል፧ የሆዋ ብዛዕባ እዚ ልምድታት እዚ ዘለዎ ኣረኣእያ ብንጹር ክንዝክር ኣሎና። ነቲ ብዛዕባ መበቈል በዓላት ኣብ ጽሑፋትና እተሓትመ ሓበሬታ ምኽላሱ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ በዓላት እቲ ዘይንሳተፈሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ንዝክር እንተ ዄንና፡ በቲ “ብጐይታ ተቐባልነት ዘለዎ” ንመላለስ ከም ዘለና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 5:10) ኣብ የሆዋን ኣብቲ ሓቂ ዝዀነ ቓሉን ምውካልና፡ ካብ “ፍርሂ ሰብ” ኬዕቍብና እዩ።—ምሳ. 29:25

13 ብሓቂ ምምልላስ ቀጻሊ ተግባር እዩ፣ ንዘለኣለም ብእኡ ኽንመላለስ ኢና ተስፋ እንገብር። ወትሩ ብሓቂ ንምምልላስ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ከመይ ጌርና ኸነደልድል ንኽእል፧ ሰለስተ መገዲ እስከ ንርአ።

ብሓቂ ንምምልላስ ዝገበርካዮ ቘራጽነት ኣደልድል

14. (ሀ) ብቐጻሊ ንሓቂ ምዕዳግና፡ ነቲ ኸይንሸጣ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጥበብን ተግሳጽን ኣእምሮን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

14 ቀዳማይ፡ ነቲ ኽቡር ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ብቐጻሊ ኣጽንዓዮን ኣስተንትነሉን። እወ፡ ነቲ ኽቡር ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኽትምገብ ስሩዕ ግዜ ብምምዳብ፡ ንሓቂ ዓድጋ። በዚ ኸምዚ፡ ንሓቂ ዘሎካ ኣድንቖት ኪዓቢ፡ ከይትሸጣ ዝገበርካዮ ቘራጽነት እውን ኪድልድል እዩ። ምሳሌ 23:23 ኣብ ርእሲ እቲ ንሓቂ ኽንዕድጋ ዝሃበቶ መተባብዒ፡ “ንጥበብን ንተግሳጽን ንኣእምሮን” እውን ክንዕድግ ተተባብዓና እያ። ፍልጠት በይኑ እኹል ኣይኰነን። ንሓቂ ኣብ ህይወትና ኽንዓይየላ ኣሎና። ኣእምሮ እንተ ኣልዩና፡ ኣብ መንጎ ዅሉ ቓል የሆዋ ዘሎ ስኒት ከነስተውዕል ንኽእል ኢና። ጥበብ ከኣ ነቲ ዝፈለጥናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ትድርኸና። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓቂ ኣበየናይ መዳያት ለውጥታት ክንገብር ከም ዜድልየና ስለ እተርእየና፡ ትግስጸና እያ። ነዚ ተግሳጽ እዚ ወትሩ ንቀበል። ከመይሲ፡ ዋጋኡ ኻብ ብሩር ይበልጽ እዩ።—ምሳ. 8:10

15. ዕጣቕ ሓቂ ዚከላኸለልና ብኸመይ እዩ፧

15 ካልኣይ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ምስ ሓቂ ተሰማሚዕካ ኽትመላለስ ቈራጽነት ግበር። ሕቘኻ ብዕጣቕ ሓቂ ተዓጠቕ። (ኤፌ. 6:14) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወተሃደር ዚዕጠቖ ዕጣቕ ንሕቘኡን ንኣምዑቱን ይድግፎን ይከላኸለሉን ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ዕጣቕ ምእንቲ ኺከላኸለሉ፡ ንሕቘኡ ሸጥ ኣቢሉ ኺዕጠቖ ኣለዎ። ዘለቕለቕ ዝበለ ዕጣቕ፡ ብዙሕ ኣይድግፎን እዩ። እሞ ደኣ መንፈሳዊ ዕጣቕ ሓቂ ብኸመይ እዩ ዚከላኸለልና፧ ንሓቂ ኸም ዕጣቕ ሸጥ ኣቢልና እንተ ተዓጢቕናያ፡ ካብ ግጉይ ሓሳባት ትሕልወና፡ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ከኣ ትሕግዘና እያ። ኣብ ትሕቲ መከራ ኽንፍተን ከለና፡ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ቅኑዕ ዘበለ ኽንገብር ተበርትዓና እያ። ከምቲ ወተሃደር ዕጣቑ ኸይተዓጥቀ ናብ ውግእ ኪኸይድ ዘይሓስብ፡ ንሕና እውን ዕጣቕ ሓቂ ኸቶ ኸይነዝልቕ ወይ ከይንፈትሕ ክንውስን ኣሎና። የግዳስ፡ ምስ ሓቂ ተሰማሚዕና ብምምልላስ ወትሩ ሸጥ ኣቢልና ኽንዕጠቓ ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ወተሃደር ንሰይፉ ኣብ ዕጣቑ የንጠልጥሎ ነይሩ እዩ። እቲ ብሓቂ ንምምልላስ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ዜደልድለልና ቐጺልና እንርእዮ መገዲ ኸኣ ምስዚ ዚተሓሓዝ እዩ።

16. ንሰባት ሓቂ ምምሃር፡ ነቲ ብሓቂ ንምምልላስ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

16 ሳልሳይ፡ ብእተኻእለካ መጠን ንሰባት ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ምሃር። በዚ ኸምዚ፡ ንመንፈሳዊ ሰይፊ፡ ማለት ንቓል ኣምላኽ ኣጽኒዕካ ኽትሕዞ ትኽእል ኢኻ። (ኤፌ. 6:17) ኵላትና ‘ንቓል ሓቂ ብቕኑዕ ብምጥቃም’ ከም መምህራን ዘሎና ኽእለት ከነመሓይሽ ንኽእል ኢና። (2 ጢሞ. 2:15) ሰባት ንሓቂ ምእንቲ ኺዕድጉን ንሓሶት ምእንቲ ኺነጽጉን ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ኽንሕግዞም ከለና፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ይቕረጽ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ብሓቂ ንምምልላስ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ከነደልድል ንኽእል ኢና።

17. ንሓቂ ኣኽቢርካ እትርእያ ስለምንታይ ኢኻ፧

17 ሓቂ ኻብ የሆዋ እተዋህበትና ኽብርቲ ውህበት እያ። በዛ ውህበት እዚኣ ኣቢልና፡ ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢርና እንርእዮ ጥሪት ረኺብና፡ ማለት ምስ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ናይ ቀረባ ርክብ መስሪትና ኣለና። እቲ ኽሳዕ ሕጂ እተምሃርናዮ ነገር፡ ገና መጀመርታ ጥራይ እዩ! ነታ ዝዓደግናያ ሓቂ ምእንቲ ኽንውስኸላ፡ ኣምላኽ ንዓና ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣተስፍዩና ኣሎ። ስለዚ፡ ንሓቂ ኸም ጽብቕቲ ሉል ኣኽቢርካ ርኣያ። ወትሩ “ንሓቂ ዓድጋ እሞ ኸቶ ኣይትሽጣ።” ድሕሪኡ፡ ከምቲ፡ “ብሓቅኻ ኽመላለስ እየ” ዝበለ ዳዊት፡ ንየሆዋ ዝኣቶኻዮ ቓል ክትፍጽም ትኽእል ኢኻ።—መዝ. 86:11

^ ሕ.ጽ. 8 ስም ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 8 ናብ ፈነወ JW እቶ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ INTERVIEWS AND EXPERIENCES > TRUTH TRANSFORMS LIVES ርአ።