ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንሓቂ ዓድጋ እሞ ኸቶ ኣይትሽጣ”

“ንሓቂ ዓድጋ እሞ ኸቶ ኣይትሽጣ”

“ንሓቂ ዓድጋ እሞ ኸቶ ኣይትሽጣ፣ ንጥበብን ንተግሳጽን ንኣእምሮን እውን ከምኡ።”—ምሳ. 23:23

መዝሙር፦ 94, 96

1, 2. (ሀ) ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢርና እንርእዮ ጥሪትና እንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ሓቅታት ኢና ኣኽቢርና እንርኢ፧ ስለምንታይከ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእልታት ርአ።)

ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢርካ እትርእዮ ጥሪትካ እንታይ እዩ፧ ዝተሓተ ዋጋ ብዘለዎ ነገር ክትልውጦዶ ፍቓደኛ ምዀንካ፧ ርእሶም ዝወፈዩ ኣምለኽቲ የሆዋ ነዘን ሕቶታት እዚአን ብቐሊሉ እዮም ምላሽ ዚህቡለን። ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢርና እንርእዮ ጥሪትና፡ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ እዩ፣ ነዚ ኸኣ ብዝዀነ ይኹን ነገር ኣይንልውጦን ኢና። ነታ ምስ ሰማያዊ ኣቦና ርክብ ከነማዕብል እተኽእለና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ሓቂ እውን ኣኽቢርና ኢና እንርእያ።—ቈሎ. 1:9, 10

2 እቲ ዓብዪ መምህርና ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ንዚምህረና ዘበለ ዅሉ እሞ ሕሰበሉ! ብዛዕባ እቲ ትርጉም ዘለዎ ስሙን ብዛዕባ እቲ ማራኺ ባህርያቱን ገሊጹልና እዩ። ብዛዕባ እቲ ብወዱ የሱስ ኣቢሉ ብፍቕሩ ተደሪኹ ዝኸፈለልና ዜደንቕ በጃ ሓቢሩና እዩ። ብዛዕባ እታ መሲሓዊት መንግስቲ እውን ሓቢሩና እዩ፣ ኣብ ቅድሚ እቶም ቅቡኣት ከኣ ሰማያዊ ተስፋ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን ተስፋ ምድራዊት ገነት ኣንቢሩ ኣሎ። (ዮሃ. 10:16) ኣካይዳና ኸመይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ይምህረና እዩ። ነዚ ሓቅታት እዚ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ፣ ከመይሲ፡ እዚ ሓቅታት እዚ ንፈጣሪና ኽንቀርቦ የኽእለና እዩ። ንህይወትና ድማ ትርጉም ይህባ እዩ።

3. ንሓቂ ምዕዳግ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት ኣይኰነን፧

3 የሆዋ ለጋስ ኣምላኽ እዩ። ንሓቂ ንዚደልዩ ሰባት ጽቡቕ ዘበለ ኣይሓብኣሎምን እዩ። ህይወት እቲ ፍቑር ወዱ እኳ ናጻ ውህበት ገይሩ ሂቡ እዩ። ስለዚ፡ ንሓቂ ንምዕዳግ ገንዘብ ክንከፍል ኣይደልየናን እዩ። ስምኦን ዚብሃል ሰብኣይ፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚውሃብ ናይ ምግባር ስልጣን ኪውሃቦ ኢሉ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ገንዘብ ምስ ኣቕረበሉ፡ ጴጥሮስ፡ “ነቲ ናጻ ውህበት ኣምላኽ ብገንዘብ ክትገዝኦ ስለ ዝሓሰብካ፡ ብሩርካ ምሳኻ ይጥፋእ” ኢሉ ገኒሕዎ እዩ። (ግብ. 8:18-20) እሞ ደኣ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ንሓቂ ዓድጋ” ዚብል መምርሒ እንታይ ማለት እዩ፧

ንሓቂ ‘ምዕዳግ’ እንታይ ማለት እዩ፧

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ ሓቂ እንታይ ኢና ኽንምሃር፧

4 ምሳሌ 23:23 ኣንብብ። ነታ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘላ ሓቂ፡ ብዘይ ጻዕሪ ኣይንረኽባን ኢና። ንምጥራያ ኪኽፈል ዜድሊ ዘበለ መስዋእቲ ንምኽፋል ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። እቲ ጥበበኛ ጸሓፊ ምስላታት ከም ዝበሎ፡ ሓንሳእ “ንሓቂ” ምስ ‘ዓደግናያ’ ወይ ኣጥረናያ፡ ‘ከይንሸጣ’ ወይ ከይነጥፍኣ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። እምበኣር፡ ንሓቂ ‘ምዕዳግ’ እንታይ ማለት ምዃኑን እንታይ ዋጋ ኸም እንኸፍለላን እስከ ንርአ። በዚ ኸምዚ፡ ንሓቂ ዘሎና ኣድንቖት ኪዓቢ፡ ከቶ ‘ኸይንሸጣ’ ኸኣ ቈራጽነትና ኸነደልድል ንኽእል ኢና። ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ንሓቂ ምዕዳግና ይኽሕሰና እዩ።

5, 6. (ሀ) ከመይ ጌርና ኢና ብዘይ ገንዘብ ንሓቂ እንዕድጋ፧ ብምሳሌ ግለጽ። (ለ) ሓቂ ብኸመይ ትጠቕመና፧

5 ብናጻ ዚቐርብ ነገር እውን እንተ ዀነ፡ ዜኽፍሎ ነገር ኣለዎ። እታ ኣብ ምሳሌ 23:23 “ዓድጋ” ተባሂላ እተተርጐመት ቃል እብራይስጢ፡ “ኣጥርያ” ዚብል ትርጉም እውን ኣለዋ። ክልቲአን እዘን ቃላት እዚአን፡ ንሓደ ዋጋ ዘለዎ ነገር ንምርካብ ጻዕሪ ምግባር ወይ ኣምሳያኡ ምኽፋል ዚብል ሓሳብ ሒዘን ኣለዋ። ንሓቂ ምዕዳግ ዚብል ሓሳብ፡ በዛ እትስዕብ ምሳሌ ኽንገልጾ ንኽእል ኢና። ኣብ ሓደ ዕዳጋ፡ “ባናና ብናጻ” ዚብል መወዓውዒ ርኢና ንበል። እሞኸ ነቲ ባናና ኽሳዕ መኣድና የምጽኡልና ድዮም፧ ኣይፋልን። ናብቲ ዕዳጋ ኼድና ንምምጻኡ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። እሞኸ እቲ ባናናስ ናጻ ድዩ፧ እወ እዩ፣ ግናኸ፡ ናብቲ ዕዳጋ ንምኻድ ግዜ ኽንወስድን ክንጽዕርን ኣሎና። ብተመሳሳሊ፡ ንሓቂ ንምዕዳግ ገንዘብ ኣየድልየናን እዩ። ንምጥራያ ግና ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና።

6 ኢሳይያስ 55:1-3 ኣንብብ። እቲ ኢሳይያስ ዝመዝገቦ ቓላት የሆዋ፡ ንሓቂ ምዕዳግ እንታይ ማለት ምዃኑ ብዝያዳ የነጽረልና እዩ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ የሆዋ ንቓሉ ምስ ማይን ጸባን ወይንን ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ከምቲ ጽሩይን ዝሑልን ማይ ምስታይ ንሰብ ዘሐድሶ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓቂ እውን ንመንፈስና የሐድሶ እዩ። ከምቲ ጸባ ንቘልዑ ዜደልድሎምን ንዕቤቶም ኣበርክቶ ዚገብርን፡ እቲ ዓንጋሊ ቓል የሆዋ ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ የበርትዓናን የዕብየናን እዩ። ብዘይካዚ፡ ቃል የሆዋ ምስ ወይኒ ተመሳሲሉ ኣሎ። ብኸመይ እዩ ምስ ወይኒ ዚመሳሰል፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወይኒ ምስ ሓጐስ ተተሓሒዙ ኣሎ። (መዝ. 104:15) ስለዚ፡ የሆዋ ንህዝቡ ‘ወይኒ ዓድጉ’ ኺብሎም ከሎ፡ ብቓሉ ምምልላስ ሓጐስ ከም ዜምጽኣሎም እዩ ዜረጋግጸሎም ነይሩ። (መዝ. 19:8) እዚ ምስስል እዚ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ዜምጽኦ ጥቕምታት ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾ እዩ። ነቲ ጻዕሪ ኸኣ ምስቲ እንኸፍሎ ዋጋ ኸነመሳስሎ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ንሓቂ ንምዕዳግ፡ ክንከፍሎ ዘሎና ሓሙሽተ ነገራት እስከ ንርአ።

ንሓቂ ንምዕዳግ እንታይ ከፊልካ፧

7, 8. (ሀ) ንሓቂ ንምዕዳግ ግዜ ኽንውፊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ሓንቲ መንእሰይ ተምሃሪት እንታይ ንምኽፋል እያ ፍቓደኛ ዝነበረት፧ እዚኸ እንታይ ኣፍርዩላ፧

7 ግዜ። ንሓቂ ዚዕድጋ ዘበለ ዅሉ፡ ግዜኡ ኪኸፍል ኣለዎ። ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስማዕ፡ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ንምንባብ፡ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር፡ ንኣኼባታት ጉባኤ ንምድላውን ኣብኡ ንምእካብን ግዜ የድሊ እዩ። ነቲ ግዜ እቲ ኸኣ ዝተሓተ ኣገዳስነት ካብ ዘለዎ ኻልእ ንጥፈታት ‘ክንዕድጎ’ ወይ ክንወስዶ ኣሎና። (ኤፌሶን 5:15, 16ን እግረ ጽሑፍን ኣንብብ።) ልክዕ ፍልጠት መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጥራይ ክንደይ ዚኣክል ግዜ የድልየና፧ እዚ ኣብ ኵነታትና እዩ ዚምርኰስ። ብዛዕባ ጥበብን መገድታትን ግብርታትን የሆዋ ኽንምሃሮ እንኽእል ፍልጠት ደረት የብሉን። (ሮሜ 11:33) ቀዳመይቲ ሕታም መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ንሓቂ ምስ “ንእሽቶ ዕምባባ” ድሕሪ ምምስሳላ ኸምዚ ኢላ ነይራ፦ “ሓንቲ ዕምባባ ሓቂ ምስ ረኸብካ ኣይትዕገብ። ሓንቲ ጥራይ እኽልቲ እንተ ትኸውን ነይራ፡ ካልእ ተወሳኺ ኣይመድለየን ነይሩ። ኵሉ ግዜ ኣክብ፡ ካልእ ክትረክብ ድለ።” እምበኣር፡ ‘ክንደይ ዕምባባታት ሓቂ እየ ኣኪበ ዘለኹ፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተታ። ንዘለኣለም እውን እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ የሆዋ ወትሩ ሓድሽ ነገር ክንምሃር ንኽእል ኢና። ሎሚ ግና፡ ኵነታትና ኸም ዜፍቅደልና ንሓቂ ምእንቲ ኽንዕድግ፡ ንግዜና ብጥበብ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ቀጺልና፡ ኣብዚ መዳይ ኣብነት ብዛዕባ እትኸውን ንሓቂ ሃረር እትብል ዝነበረት ሰብ እስከ ንርአ።

8 ማሪኮ * እትብሃል ጃፓናዊት መንእሰይ፡ ንትምህርቲ ናብ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ኸደት። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ መወዳእታ 1950ታት ኣብ ጃፓን ዝጀመረ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ እያ እትስዕብ ነይራ። ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ፈላሚት ኣብ በቤት እናኸደት ከተገልግል ከላ ንማሪኮ ረኸበታ። ማሪኮ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትምሃር ምስ ጀመረት፡ ብዙሕ ስለ እተሓጐሰት፡ ነታ ፈላሚት፡ ኣብ ሰሰሙን ከክልተ ሳዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓላ ሓተተታ። ብትምህርታን ብኸፊል ግዜ ብእትሰርሖ ስራሓን ትሕዝቲ እኳ እንተ ነበረት፡ ብኡብኡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽትእከብ ጀመረት። ሓቂ ኽትምሃር ዜድልያ ግዜ ንምዕዳግ ከኣ፡ ኣብ ገሊኡ ማሕበራዊ ንጥፈታት ምስታፍ ሓደገቶ። ነዚ መስዋእትታት እዚ ምኽፋላ፡ ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕቤት ክትገብር ኣኽኢልዋ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ውሽጢ ዓመት ተጠምቀት። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኸኣ፡ ብ2006 ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ጀመረት፣ ክሳዕ ሕጂ እውን ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ።

9, 10. (ሀ) ንሓቂ ምዕዳግ ንስጋዊ ነገራት ዘሎና ኣረኣእያ ዚቕይሮ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሓንቲ መንእሰይ እንታይ እያ ሓዲጋ፧ ብዛዕባኡኸ እንታይ ተሰሚዕዋ፧

9 ስጋዊ ረብሓታት። ንሓቂ ንምዕዳግ፡ ብዙሕ ክፍሊት ዘለዎ ስራሕ ወይ ሞያ ኽንሓድግ የድልየና ይኸውን። የሱስ ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ ዝነበሩ ጴጥሮስን እንድርያስን፡ “ገፈፍቲ ሰብ” ኪዀኑ ምስ ጸውዖም፡ “መርበቦም ሓዲጎም” እዮም። (ማቴ. 4:18-20) ሎሚ፡ ሓቂ እተማህሩ መብዛሕትኦም ሰባት ስራሖም ኪሓድጉ ኣይክእሉን እዮም። ከመይሲ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ግዴታታት ኣለዎም እዩ። (1 ጢሞ. 5:8) ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰብ ንሓቂ ድሕሪ ምፍላጡ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ዝነበሮ ኣረኣእያ ኪቕይር፡ ቀዳምነት ዚህቦ ነገራት ከኣ ኬተዓራሪ ኣለዎ። የሱስ እውን፡ “ደጊም ኣብ ምድሪ መዛግብቲ ኣይትኣክቡ። ኣብ ክንዳኡስ፡ . . . ኣብ ሰማይ መዛግብቲ ኣክቡ” ብምባል ንጹር መምርሒ ሂቡ እዩ። (ማቴ. 6:19, 20) ነዚ ብዚምልከት፡ ሓንቲ መንእሰይ ዝሓደገቶ ኣብነት እስከ ንርአ።

10 ማሪያ ኻብ ንእስነታ ኣትሒዛ ጎልፍ ምጽዋት ትፈቱ ነበረት። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ከኣ ነዚ ኽእለታ ኣማዕበለቶ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ብናጻ ኽትምሃር ዕድል ረኸበት። ጸወታ ጎልፍ ኣብ ህይወታ ዝለዓለ ቦታ እያ እትህቦ ነይራ፣ ሸቶኣ ድማ ውርይቲ ተጻዋቲት ጎልፍ ምዃን እዩ ነይሩ። ጸኒሓ ግና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት፣ ነቲ እትምሃሮ ዝነበረ ሓቂ ድማ ፈተወቶ። ሓቂ ኣብ ህይወታ ለውጥታት ክትገብር ስለ ዝሓገዛ ኸኣ ተሓጐሰት። ብዛዕባኡ ድማ፡ “ኣተሓሳስባይን ህይወተይን ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሳነ ገይረ ብዝያዳ ኸዐሪ ምስ ጀመርኩ፡ ብዝያዳ ሕጕስቲ ዀይነ” ትብል። ካብ መንፈሳውን ካብ ስጋውን ሃብቲ ሓዲኡ ኽትሓሪ ኸም ዘለዋ ድማ ተገንዘበት። (ማቴ. 6:24) ስለዚ፡ ነቲ ውርይቲ ተጻዋቲት ጎልፍ ብምዃን ክትረኽቦ እትደሊ ዝነበረት ሃብትን ዝናን ብምሕዳግ ዋጋ ኸፈለት። ንሓቂ ብምዕዳጋ ግና፡ ሕጂ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ። ከምቲ ባዕላ ዝበለቶ እውን፡ “ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዜሐጕስን ትርጉም ዘለዎን ህይወት” ረኺባ ኣላ።

11. ንሓቂ ኽትዕድግ ከለኻ፡ ገሊኡ ርክባትካ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

11 ብሕታዊ ርክባት። ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ተሰማሚዕና ኽንነብር ምስ ወሰንና፡ ምስ ፈተውትናን ምስ ኣዝማድናን ዘሎና ርክብ ኪቕየር ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ የሱስ ብዛዕባ ሰዓብቱ፡ “በቲ ሓቂ ቐድሶም፣ ቃልካ ሓቂ እዩ” ኢሉ ጸልዩ እዩ። (ዮሃ. 17:17፣ እ.ጽ.) “ቀድሶም” ኪብሃል ከሎ፡ “ፍለዮም” ማለት እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሓቂ ኽንቅበል ከለና፡ እተፈልየ መለክዒታት ስለ እንስዕብ፡ ካብ ዓለም ንፍለ ኢና። እንምርሓሉ ስርዓታት ስለ ዚቕየር፡ ሰባት ብዛዕባና ዘለዎም ኣረኣእያ ይቕየር እዩ። በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ሒዝዎ ዘሎ መለክዒታት ኢና እንመላለስ። ክፍፍል ክንፈጥር ዘይንደሊ እኳ እንተ ዀንና፡ ገሊኦም ፈተውትናን ቤተ ሰብናን ካባና ኺርሕቁ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ነቲ ሓድሽ እምነትና ኺጻረርዎ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኼሰምብደና የብሉን። የሱስ፡ “ንሰብ ከኣ ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 10:36) ብዘይካዚ ግና፡ ንሓቂ ብምዕዳግና እንረኽቦ ዓስቢ ኻብቲ እንኸፍሎ ዋጋ ኣዝዩ ኸም ዚበልጽ መረጋገጺ ሂቡ እዩ።—ማርቆስ 10:28-30 ኣንብብ።

12. ሓደ ኣይሁዳዊ ንሓቂ ንምዕዳግ እንታይ ዋጋ እዩ ኸፊሉ፧

12 ኣሮን ዝስሙ ኣይሁዳዊ፡ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ፡ ስም ኣምላኽ ኪድመጽ ከም ዘይብሉ ተማሂሩ እዩ ዓብዩ። ንሓቂ ግና ጽምኢ ነይርዎ እዩ። ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብተን ኣብ ስም ኣምላኽ ዘለዋ ተደመጽቲ ፊደላት ኣድመጽቲ ነጥብታት ብምእታው፡ “የሆዋ” ኢሉ ኼድምጽ ከም ዚኽእል ምስ ኣርኣዮ፡ ኣሮን ብዙሕ ተሓጐሰ። ነቲ እተማህሮ ዜደንቕ ነገር ንረቢታት ኬካፍል ድማ ናብ ምኵራብ ከደ። እቲ ምላሾም ግና፡ ከምቲ እተጸበዮ ኣይነበረን። ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ሓቂ ብምፍላጦም ከምኡ ኣብ ክንዲ ዚሕጐሱ፡ ጡፍ በሉሉ፡ ካብ መንጎኦም እውን ሰጐጕዎ። በዚ ኸምዚ፡ ምስ ቤተ ሰቡ ዝነበሮ ርክብ ሓርፈፈ። ንሱ ግና በዚ ኸይተዳህለ ንሓቂ ምዕዳግ ቀጸለ፣ ኣብ ዝተረፈ ህይወቱ ኸኣ ተባዕ ምስክር የሆዋ ኰነ። ንሕና እውን ከም ኣሮን፡ ብሓቂ ንምምልላስ ክንውስን ከለና፡ እቲ ምስ ቤተ ሰብናን ምስ ካልኦትን ዘሎና ርክባት ኪልወጥ ከም ዚኽእል ክንጽበ ኣሎና።

13, 14. ንሓቂ ንምዕዳግ ኣብ ኣተሓሳስባናን ኣብ ኣካይዳናን እንታይ ለውጥታት ክንገብር ኣሎና፧ ኣብነት ሃብ።

13 ኣምላኽ ዘይፈትዎ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን። ንሓቂ ንምቕባልን ብስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምልላስን፡ ኣብ ኣተሓሳስባናን ኣብ ኣካይዳናን ለውጥታት ንምግባር ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። ጴጥሮስ ብዛዕባ እዚ ለውጥታት እዚ፡ “ከም እዙዛት ውሉዳት፡ በቲ ኣቐዲምኩም ብድንቍርናኹም ዝነበረኩም ትምኒት ደጊም ኣይትቀረጹ፣ የግዳስ፡ . . . ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ጴጥ. 1:14, 15) ኣብታ ብስነ ምግባር ብልሽውቲ ኸተማ ቈረንቶስ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ንሓቂ ንምዕዳግ፡ ኣብ ኣነባብራኦም ዓብዪ ለውጥታት ኪገብሩ ኣድልይዎም ነይሩ እዩ። (1 ቈረ. 6:9-11) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ብዙሓት ሰባት ንሓቂ ምእንቲ ኺዕድግዋ ኢሎም ነቲ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ኣካይዳኦም ሓዲጎምዎ እዮም። ጴጥሮስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “እቲ ብንውርምና፡ ብፍትወት፡ ብስኽራን፡ ብፈንጠዝያ፡ ብመስተ ብምውድዳር፡ ብፍንፉን ኣምልኾ ጣኦት ክትመላለሱ ኸለኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ግዜ ይኣክል እዩ” ኢሉ እውን ኣዘኻኺርዎም እዩ።—1 ጴጥ. 4:3

14 ንሓያሎ ዓመታት፡ ደቪንን ጃዝሚንን ሰኽራማት እዮም ነይሮም። ደቪን ክኢላ ተሓዝ ሕሳብ እኳ እንተ ነበረ፡ መስተ የብዝሕ ብምንባሩ ግና ኣብ ሓደ ስራሕ ኪጸንሕ ኣይከኣለን ነይሩ። ጃዝሚን ከኣ ብቝጥዓን ብባእስን እያ እትፍለጥ ነይራ። ሓደ መዓልቲ፡ ጃዝሚን ሰኺራ ኣብ መገዲ እናኸደት ከላ፡ ምስ ክልተ ሚስዮናውያን ተራኸበት። እቶም ሚስዮናውያን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ቈጸራ ገበሩላ። ንሰሙኑ ናብ እንዳ ደቪን ምስ ከዱ ግና፡ ጃዝሚንን ደቪንን ሰኺሮም ነበሩ። እቶም ሚስዮናውያን ብሓቂ ተገዲሶም ናብ ቤቶም ዚመጹ ኣይመሰሎምን ነይሩ። ኣብ ዚቕጽል እዋን ግና እቲ ዅነታት እተፈልየ እዩ ነይሩ። ጃዝሚንን ደቪንን ካብታ ናይ መጀመርታ መጽናዕቲ ኣትሒዞም ብትግሃት መጽሓፍ ቅዱስ ተማህሩ፣ ነቲ እተማህርዎ እውን ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ጀመሩ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ፡ ምስታይ ገደፍዎ፣ ጸኒሖም ከኣ ንመውስቦኦም ብሕጊ ኣመዝገብዎ። ብዙሓት ኣብ ቍሸቶም ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ዝገበርዎ ለውጢ ምስ ረኣዩ፡ ንሳቶም እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ።

15. ሓደ ኻብቲ ንሓቂ ንምዕዳግ ዚኽፈል ኣዝዩ ኸቢድ ዋጋ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ስለምንታይከ፧

15 ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ባህልታትን ልምድታትን። ሓደ ኻብቲ ንሓቂ ንምዕዳግ ዚኽፈል ኣዝዩ ኸቢድ ዋጋ፡ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ባህልታትን ልምድታትን ምሕዳግ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት ንገሊኡ ልምድታት ዚሓድጉሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ምቕባል ዘይከብዶም እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኦም ግና ብሰንኪ እቲ ኻብ ቤተ ሰቦምን መሳርሕቶምን ናይ ቀረባ ፈተውቶምን ዚወርዶም ጸቕጢ ነዚ ዋጋ እዚ ምኽፋል ይፈርሁ እዮም። ምናዳ እቲ ባህሊ ምስ ዝሞተ ቤተ ሰብ እተተሓሓዘ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ዅነታት ምስ ስምዒታት ሰባት ኪተኣሳሰር ይኽእል እዩ። (ዘዳ. 14:1) ገሊኦም ብትብዓቶም ዝሓደጉልና ኣብነት ዜድሊ ለውጥታት ንምግባር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ገሊኦም ነበርቲ ኤፌሶን ብትብዓት ዝወሰድዎ ስጕምቲ እስከ ንርአ።

16. ገሊኦም ሰብ ኤፌሶን ንሓቂ ንምዕዳግ እንታይ እዮም ገይሮም፧

16 ኤፌሶን ብስሒር ፍልጥቲ እያ ነይራ። እሞኸ እቶም ስሒር ዚገብሩ ዝነበሩ ሓደስቲ ክርስትያናት ንዅሉ እቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምድታት ኣወጊዶም ንሓቂ ንምዕዳግ እንታይ ገይሮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ብዙሓት ስሒር ዚገብሩ ዝነበሩ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣንደድዎ። ዋጋኡ ምስ ጸብጸብዎ፡ 50,000 ብሩር ኰይኑ ተረኽበ። በዚ ኸምዚ፡ ቃል የሆዋ እናዓበየን እናሰዓረን ከደ።” (ግብ. 19:19, 20) እቶም እሙናት ክርስትያናት ነዚ ኽቡር ዝዋጋኡ መስዋእቲ ስለ ዝኸፈሉ፡ ብዋጋ ዘይሽነን በረኸት ረኺቦም እዮም።

17. (ሀ) ምእንቲ ሓቂ እንታይ ዋጋ ኽንከፍል ንኽእል፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፧

17 ንስኻኸ ንሓቂ እንታይ ኸፊልካ፧ ዕምባባታት ሓቂ ንምእካብ ኵላትና ግዜ ኸፊልና ኢና። ገሊኦም ከኣ ንስጋዊ ረብሓታት ብምሕዳግን ኣብ ብሕታዊ ርክባቶም ለውጥታት ብምግባርን ንሓቂ ዋጋ ኸፊሎም እዮም። ብዙሓት ድማ ኣብ ኣተሓሳስባኦምን ኣካይዳኦምን ለውጢ ኺገብሩ፡ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ባህልታትን ልምድታትን እውን ኪሓድጉ ኣድልይዎም እዩ። ዝኸፈልና እኳ እንተ ኸፈልና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኣጸቢቑ ኸም ዚኽሕሰና ንኣምን ኢና። እቲ ሓቂ እቲ ነቲ ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢርና እንርእዮ ጥሪት ይህበና፡ ማለት ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ክንምስርት የኽእለና እዩ። ነቲ ንሓቂ ብምፍላጥና ዝረኸብናዮ በረኸት ከነስተንትነሉ ኸለና፡ ሰብ ከመይ ገይሩ ንዓኣ ኺሸይጥ ከም ዚሓስብ ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። እሞ ደኣ ኸመይ ኢሉ እዩ ኸምኡ ኪኸውን ዚኽእል፧ ንሕናኸ ኸመይ ጌርና ኢና ኻብ ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ጌጋ ኽንሕሎ እንኽእል፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንምርምሮ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 8 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።