ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣተሓሳስባኻ ኸም ኣተሓሳስባ የሆዋ ትገብሮዶ ኣለኻ፧

ንኣተሓሳስባኻ ኸም ኣተሓሳስባ የሆዋ ትገብሮዶ ኣለኻ፧

“ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ።”—ሮሜ 12:2

መዝሙር፦ 56, 123

1, 2. ብመንፈሳዊ መዳይ ክንዓቢ ኸለና፡ እንታይ ምግባር ኢና እንምሃር፧ ብምሳሌ ግለጽ።

ንሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ህያብ ይውሃቦ ንበል። ወለዱ ኸኣ፡ “‘የቐንየለይ’ በል” ይብልዎ። እቲ ቘልዓ ድማ፡ ንወለዱ ተኣዚዙ ኻብ ክሳዱ ንላዕሊ ኸምኡ ይብል። እናዓበየ ምስ ከደ ግና፡ ንኣተሓሳስባ ወለዱ ብዝያዳ ይርድኦ፡ ነቲ ሰባት ዚገብሩሉ ሰናይ ነገር ከኣ ብዝያዳ የማስወሉ። ስለዚ፡ ካብ ልቡ ኼመስግን ይጅምር። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ምስጋና ኽፍሊ ኣተሓሳስባኡ ዀይኑ እዩ።

2 ብተመሳሳሊ፡ ንፈለማ ግዜ ሓቂ ምስ ፈለጥና፡ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ መሰረታዊ ስርዓታት ኽንእዘዝ ከም ዘሎና ተማሂርና ኢና። ብመንፈሳዊ መዳይ እናዓበና ምስ ከድና ግና፡ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ የሆዋ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ንሱ ዚፈትዎን ዚጸልኦን ኰነ ብዛዕባ ኣረኣእያኡ፡ ተወሳኺ ፍልጠት ንረክብ ኢና። ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ምስ እነማዕብል፡ እዚ ንተግባራትናን ንብሕታዊ ምርጫናን ኪጸልዎ እውን ምስ እንፈቅድ፡ ንኣተሓሳስባና ኸም ናይ የሆዋ ኽንገብሮ ንኽእል ኢና።

3. ንኣተሓሳስባና ኸም ኣተሓሳስባ የሆዋ ንምግባር እንታይ ኪኸብደና ይኽእል፧

3 ከም የሆዋ ምሕሳብ ዜሐጕስ እኳ እንተ ዀነ፡ ከቢድ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ዘይፍጹም ኣተሓሳስባና ዕንቅፋት ኪዀነና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ ንጽህና፡ ፍቕረ ንዋይ፡ ዕዮ ስብከት፡ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ደም፡ ወይ ካልእ ነገራት ዘለዎ ኣረኣእያ ምርዳኡ የጸግመና ይኸውን። እሞ ደኣ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ንኣተሓሳስባና ኸም ናይ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ከመይ ጌርና ዕቤት ክንገብር ንኽእል፧ ከምኡ ምግባርናኸ ሕጅን ኣብ መጻእን ንተግባራትና ብኸመይ ይጸልዎ፧

ከመይ ጌርና ንኣተሓሳስባና ኸም ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ንገብሮ፧

4. ነቲ ጳውሎስ ‘ንኣእምሮና ኽንሕድሶ’ ዝሃቦ ምዕዶ ንምስዓብ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

4 ሮሜ 12:2 ኣንብብ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ከም የሆዋ ንምሕሳብ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ‘ደጊም በዚ ስርዓት እዚ ምእንቲ ኸይንቕረጽ፡’ ዓለማዊ ሓሳባትን ኣረኣእያን ናብ ኣእምሮና ኸነእቱ የብልናን። ኣብ ርእሲ እዚ ግና፡ ጳውሎስ ‘ንኣእምሮና ኽንሕድሶ’ ኸም ዜድሊ ገሊጹ እዩ። እዚ ኸኣ ንቓል ኣምላኽ ከነጽንዖ፡ ሓሳባቱ ኽንርድኦ፡ ከነስተንትነሉ፡ ንኣተሓሳስባና እውን ከም ናይ ኣምላኽ ክንገብሮ ኣሎና ማለት እዩ።

5. ኣብ መንጎ መጽናዕትን ላዕለ ላዕሊ ዚግበር ንባብን እንታይ ፍልልይ ከም ዘሎ ግለጽ።

5 መጽናዕቲ ኺብሃል ከሎ፡ ላዕለ ላዕሊ ኻብ ምንባብን መልሲ ሕቶታት ካብ ምስማርን ንላዕሊ የጠቓልል። ከነጽንዕ ከለና፡ እቲ ጽሑፍ ብዛዕባ የሆዋን መገድታቱን ኣተሓሳስባኡን እንታይ ከም ዚምህረና ኽንሓስብ ኣሎና። ኣምላኽ ስለምንታይ ገሊኡ ነገራት ክንገብርን ካብ ገሊኡ ኽንቍጠብን ከም ዚእዝዝ ንምርዳእ ክንጽዕር ኣሎና። ኣብ ህይወትናን ኣብ ኣተሓሳስባናን እንታይ ለውጥታት ክንገብር ከም ዘሎና እውን ክንሓስብ ኣሎና። መጽናዕቲ ኣብ እንገብረሉ ዘበለ እዋን ነዚ ዅሉ መዳያት ዘይንሓስበሉ እኳ እንተ ዀንና፡ ብዛዕባ ዘንበብናዮ ንምስትንታን ግዜ ንምድብ እንተ ዄንና፡—ምናልባት ክሳዕ ፍርቂ እቲ ናይ መጽናዕቲ ግዜ ንምድብ እንተ ዄንና፡—ንጥቀም ኢና።—መዝ. 119:97፣ 1 ጢሞ. 4:15

6. ንኣተሓሳስባ የሆዋ እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ እንታይ ፍረ ኢና እንረክብ፧

6 ንቓል ኣምላኽ ብስሩዕ ምስ እነስተንትነሉ፡ ዜደንቕ ፍረ ኢና እንረክብ። ኣተሓሳስባ የሆዋ ፍጹም ምዃኑ፡ ‘መርሚርና ንፈልጥ’ ወይ ንርእስና ነእምና ኢና። ከም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ኽንሕዝ ንጅምር፡ ምስቲ ኣረኣእያ እቲ ድማ ንሰማማዕ ኢና። ኣእምሮና ‘ይሕደስ፡’ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኸኣ ነማዕብል። በብቝሩብ ድማ ንኣተሓሳስባና ኸም ኣተሓሳስባ የሆዋ ንገብሮ።

ኣተሓሳስባና ንተግባራትና ይጸልዎ

7, 8. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ ስጋዊ ሃብቲ ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእልታት ርአ።) (ለ) ከም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ እንተ ሒዝና፡ ወትሩ ቐዳምነት እንህቦ ነገር እንታይ እዩ፧

7 ኣተሓሳስባ ግና ኣብ ኣእምሮና ጥራይ ከም ዜብቅዕ ጌርና ኣይንደምድም። ኣተሓሳስባን ተግባራትን ንሓድሕዱ ይተኣሳሰር እዩ። (ማር. 7:21-23፣ ያእ. 2:17) ገለ ኣብነታት እንተ ርኢና፡ ነዚ ብዝያዳ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ወንጌላት ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ዘለዎ ኣተሓሳስባ ብንጹር ዚሕብር ነገራት ሒዙ ኣሎ። ኣምላኽ ነቶም ንወዱ ዜዕብይዎ ሰብኣውያን ወለዲ ባዕሉ እዩ ሓርይዎም፣ ንሳቶም ከኣ ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት ኣይነበሮምን። (ዘሌ. 12:8፣ ሉቃ. 2:24) የሱስ ምስ ተወልደ፡ “ኣብ መሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይረኸቡ ድማ፡ [ማርያም] ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ” ዚብል ነንብብ ኢና። (ሉቃ. 2:7) የሆዋ እንተ ዚደሊ ነይሩ፡ ንወዱ ዝሓሸ መደቀሲ ምድላው ኣይምጨነቖን። እቲ ንዕኡ ዘገደሶ ግና፡ እቲ የሱስ ክንክን ዚረኽበሉን ዚዓብየሉን መንፈሳዊ ሃዋህው እዩ ነይሩ።

8 ካብዚ ብዛዕባ ልደት የሱስ ዚገልጽ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ገሊኦም ወለዲ፡ ደቆም ብሉጽ ስጋዊ ነገራት ኪረኽቡ ኸም ዘለዎም ይስምዖም እዩ፣ ሕሉፍ ሓሊፎም ነዚ ንምርካብ ንመንፈሳዊ ጥዕና ደቆም ከይተረፈ መስዋእቲ ይገብሩ እዮም። የሆዋ ግና ንመንፈሳዊ ነገራት እዩ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ገይሩ ዚርእዮ። እሞኸ ኸም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ኣሎካዶ፧ ተግባራትካ እንታይ እዩ ዚብል፧—እብራውያን 13:5 ኣንብብ።

9, 10. ንሰብ ብዛዕባ ምዕንቃፍ ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዘሎና ኸመይ ጌርና ነርኢ፧

9 ካልእ ኣብነት ከኣ፡ ኣምላኽ ንኻልኦት ንዚዕንቅፍ ሰብ ከመይ ገይሩ ኸም ዚርእዮ እስከ ንርአ። ምስዚ ብዚተኣሳሰር የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፦ “እቲ ንሓደ ኻብዞም ዚኣምኑ ንኣሽቱ ዚዕንቅፍ ዘበለ ግና፡ ብኣድጊ ዚዘውር መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ እንተ ዚድርበ ምሓሾ።” (ማር. 9:42) እዚ ቓላት እዚ ሓያል መልእኽቲ እዩ ሒዙ ዘሎ። የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቑ እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ሓደ ብተግባራቱ ንሰዓብቲ የሱስ እናዓንቀፈ ቕጭጭ ዘይብሎ ሰብ እንታይ ከም ዚስምዖ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ዮሃ. 14:9

10 ከም ናይ የሆዋን ናይ የሱስን ዓይነት ኣረኣእያ ኣሎናዶ፧ ተግባራትና እንታይ ይብል፧ ንኣብነት፡ ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ገሊኦም ኬጕህዮም ዚኽእል ወይ ከኣ ርኹስ ኣተሓሳስባ ኼለዓዕለሎም ዚኽእል ኣከዳድና ወይ ኣመለኻኽዓ ይምስጠና ይኸውን። ንክርስትያናት ብጾትና ዘሎና ፍቕራዊ ሓልዮት ንብሕታዊ ምርጫና ኽንሓድጎ ይድርኸና ድዩ፧—1 ጢሞ. 2:9, 10

11, 12. ከምቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ኽፍኣት ዘለዎ ኣረኣእያ ምሓዝን ርእሰ ግትኣት ምምዕባልን ካብ ክፉእ ተግባር ክንሕሎ ዜኽእለና ብኸመይ እዩ፧

11 ሳልሳይ ኣብነት እስከ ንርአ። የሆዋ ዓመጻ ወይ ክፍኣት ይጸልእ እዩ። (ኢሳ. 61:8) ብሰንኪ ዝወረስናዮ ዘይፍጽምና ግጉይ ዝንባለታት ኪህልወና ኸም ዚኽእል ዚፈልጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ክፍኣት ክንጸልእ ይምሕጸነና እዩ። (መዝሙር 97:10 ኣንብብ።) የሆዋ ስለምንታይ ክፍኣት ከም ዚጸልእ ምስ እነስተንትነሉ፡ ከም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ኽንሕዝ ይሕግዘና እዩ፣ እዚ ድማ ንኽፉእ ግብሪ ኽንጻረር ተወሳኺ ሓይሊ ይዀነና እዩ።

12 ብዛዕባ ኽፍኣት ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ እንተ ኣማዕቢልና፡ ገሊኡ ተግባራት ኣብ ቃል ኣምላኽ ፈሊኻ እኳ እንተ ዘይተጠቕሰ ጌጋ ምዃኑ ኸነለሊ ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት፡ ላፕ ዳንሲንግ ዚብሃል ዓይነት ሳዕስዒት፡ ኣብ ዓለም ልሙድ እናዀነ ዚኸይድ ዘሎ ብዕሉግ ተግባር እዩ። ገሊኦም ነዚ ተግባር እዚ፡ ምስ ጾታዊ ርክብ ሕደ ኸም ዘይኰነ ይመስሎም እዩ። * ኰይኑ ግና፡ እዚ ተግባር እዝስ ንኣተሓሳስባ እቲ ንዅሉ ዓይነት ክፍኣት ዚፍንፍን ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ድዩ፧ ርእሰ ግትኣት ብምምዕባልን የሆዋ ንዚጸልኦ ብምፍንፋንን፡ ካብ ኵሉ ኽፍኣት ንርሓቕ።—ሮሜ 12:9

ንናይ መጻኢ ውሳነታትካ፡ ኣቐዲምካ ሕሰበሉ

13. ኣረኣእያ የሆዋ ንናይ መጻኢ ውሳነታትና ኸመይ ገይሩ ኺጸልዎ ኸም ዚኽእል ኣቐዲምና ኽንሓስብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

13 ከነጽንዕ ከለና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ኼጋጥመና ዚኽእል ኵነታት የሆዋ እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ኽንሓስብ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽንወስድ ዜድልየሉ ዅነታት ኣብ ዜጋጥመና እዋን፡ ከይተዳሎና ኣይንጸንሕን ኢና። (ምሳ. 22:3) ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

14. ካብቲ ዮሴፍ ንሰበይቲ ጶጢፋር ዝኣበየሉ መገዲ እንታይ ንምሃር፧

14 ዮሴፍ፡ ሰበይቲ ጶጢፋር ከተስድዖ ምስ ፈተነት ብኡብኡ ምእባዩ፡ የሆዋ ብዛዕባ ኣብ ሓዳር ኪህሉ ዚግባእ ተኣማንነት እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ኣቐዲሙ ሓሲቡሉ ምንባሩ የርኢ። (ዘፍጥረት 39:8, 9 ኣንብብ።) ንሰበይቲ ጶጢፋር፡ “ከመይ ገይረ ደኣ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ኢሉ ምምላሱ እውን፡ ከም ናይ ኣምላኽ ዓይነት ኣረኣእያ ኣሕዲሩ ምንባሩ ይሕብር። ንሕናኸ ኸመይ ኢና፧ ንበል መሳርሕትኻ ምሳኻ ኽትኳሸም ትፍትን። ወይ ከኣ ናብ ሞባይልካ ንጹር ጾታዊ መልእኽቲ ወይ ስእሊ ተላኢኹልካ። * ኣቐዲምካ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ሓሲብካሉን ኣረኣእያ የሆዋ ሒዝካን እንታይ ከም እትገብር ቈሪጽካን እንተ ጸኒሕካ፡ ከምኡ ኼጋጥመካ ኸሎ ብቐሊሉ ንጹር መትከል ኪህልወካ ይኽእል እዩ።

15. ከምቶም ሰለስተ እብራውያን፡ ከመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ እሙናት ኴንና ኽንጸንዕ እንኽእል፧

15 ኣብነት እቶም ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዚብሃሉ ሰለስተ እብራውያን እስከ ንርአ። ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ኼምልኹ ብጽኑዕ ምእባዮምን ነቲ ንጉስ ዝሃብዎ ንጹር ምላሽን፡ ንየሆዋ እሙን ምዃን እንታይ ከም ዜጠቓልል ኣቐዲሞም ሓሲቦምሉ ኸም ዝነበሩ እዩ ዚሕብር። (ዘጸ. 20:4, 5፣ ዳን. 3:4-6, 12, 16-18) ንበል ኣስራሒኻ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንእተተሓሓዘ በዓል ዚኸውን ገንዘብ ከተዋጽእ ሓቲቱካ። እንታይ ምገበርካ፧ እቲ ዅነታት ክሳዕ ዚልዓል ከይሓሰብካሉ ኣብ ክንዲ እትጸንሕ፡ የሆዋ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ዘለዎ ኣተሓሳስባ ስለምንታይ ሕጂ ዘይትሓስበሉ፧ ሽዑ፡ ገለ ኻብቲ ዅነታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ከምቶም ሰለስተ እብራውያን፡ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባርን ንምምላስን ኪቐልለካ እዩ።

ምርምር ጌርካን ሕጋዊ ሰነድ ሕክምና መሊእካን ንሓኪምካ ኣዘራሪብካዮን ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16. ኣተሓሳስባ የሆዋ እንተ ነጺሩልና፡ ህጹጽ ሕክምና ኣብ ዜድልየና እዋን ድሉዋት ኴንና እንጸንሕ ብኸመይ ኢና፧

16 ንየሆዋ እሙን ብዛዕባ ምዃን ኣቐዲምካ ትሓስበሉ እንተ ዄንካ እውን፡ ህጹጽ ሕክምና ኣብ ዜድልየካ ኣጋጣሚ ኺጠቕመካ ይኽእል እዩ። ምምሕልላፍ ምሉእ ደም ወይ ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታቱ ጠሪስና ዘይንቕበል እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ገሊኡ ምስ ደም ዚተሓሓዝ መስርሕ ሕክምና ግና ኣብቲ ንኣተሓሳስባ የሆዋ ዚሕብር ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስና ብሕታዊ ውሳነ ኽንገብር የድልየና እዩ። (ግብ. 15:28, 29) ንኸምዚ ዝኣመሰለ ውሳነታት ኣብ ሆስፒታል ምስ ኣቶና ኽንገብሮ ጽቡቕ ኣይኰነን፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ምናልባት ቃንዛ ይህልወና፡ ወይ ቅልጡፍ ውሳነ ኽንገብር ጸቕጢ ይወርደና ይኸውን። እምበኣር፡ ሕጂ ምርምር ጌርካ ነቲ ድሌትካ ዚገልጽ ሕጋዊ ሰነድ ሕክምና እንተ መላእካን ንሓኪምካ እንተ ኣዘራረብካዮን ይሓይሽ። *

17-19. የሆዋ ብዛዕባ እተፈላለየ ዅነታት ዘለዎ ኣተሓሳስባ ሕጂ ኽንፈልጥ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ክንዳለወሉ ብዛዕባ ዘሎና ዅነታት ኣብነት ሃብ።

17 ብዝተረፈ፡ የሱስ ነቲ ጴጥሮስ፡ “ንርእስኻ እባ ሕለየላ” ኢሉ ዘቕረበሉ ግጉይ ምኽሪ ብቕልጡፍ ምላሽ ከም ዝሃቦ ኣይንረስዕ። የሱስ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባኡ ዘለዎ ፍቓድን ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ምድራዊ ህይወቱን ሞቱን እተመዝገበ ትንቢታትን ኣቐዲሙ ብዙሕ ሓሲቡሉ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ፍልጠት እዚ ኸኣ ነቲ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ኺጸንዕን ጥቕሚ ርእሱ ኺስውእን ዝገበሮ ውሳነ ኣደልዲሉሉ እዩ።—ማቴዎስ 16:21-23 ኣንብብ።

18 ሎሚ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ፡ ምስኡ ዕርክነት ኬማዕብሉን ኣብ ዕዮኡ ብእተኻእሎም መጠን ኪሳተፉን እዩ ዚደልዮም። (ማቴ. 6:33፣ 28:19, 20፣ ያእ. 4:8) ከምቲ ንየሱስ ዘጋጠሞ፡ ገሊኦም ሰባት ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተላዒሎም ካብ መገድና ኼጐናድቡና ይፍትኑ ይዀኑ። ንኣብነት፡ ኣስራሒኻ ብዙሕ ወሰኽ ደሞዝ ዘለዎ ዕቤት እንተ ሂቡካ፡ ግናኸ እቲ ስራሕ ንመንፈሳዊ ንጥፈታትካ ዚዓናቕፍ እንተ ዀይኑ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ወይ ድማ ገና ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘለኻ እንተ ዄንካ እሞ፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ንምርካብ ካብ ቤትካ ርሒቕካ ኽትከይድ ኣጋጣሚ ይቐርበልካ ይኸውን። ከምኡ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ብጸሎት ምርምር ክትገብር፡ ንስድራ ቤትካን ንሽማግለታትን ከተማኽር፡ ድሕሪኡ ውሳነ ኽትገብርዶ ኣይመድለየካን፧ እሞ ደኣ የሆዋ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዘለዎ ኣተሓሳስባ ኽትፈልጥን ከም ናቱ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኸተጥርን ስለምንታይ ሕጂ ዘይትጽዕር፧ ድሕሪኡ፡ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ እንተ ኣጓኒፉካ፡ ከቢድ ፈተና ዀይኑ ኣይኪስምዓካን እዩ። ከመይሲ፡ መንፈሳዊ ሸቶታትካ ፈሊጥካ፡ ብልብኻ እውን ቈሪጽካ ኢኻ፣ እቲ ዚተርፈካ ሓደ ነገር፡ ነቲ ዝገበርካዮ ውሳነ ምፍጻም ጥራይ እዩ።

19 ብሃንደበት ወይ ከይተጸበኻዮ ኺፍጠር ብዛዕባ ዚኽእል ካልእ ዅነታት እውን ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ልክዕ እዩ፡ ኪልዓል ብዛዕባ ዚኽእል ዘበለ ዅሉ ነገራት ክትዳሎ ኣይትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ብሕታዊ መጽናዕትና ንኣተሓሳስባ የሆዋ እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ነቲ ዘጽናዕናዮ ኽንዝክሮን ክንዓይየሉን ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኽንፈልጥ ንጽዓር፡ ኣተሓሳስባና ኸም ናቱ ንግበሮ፡ ኣረኣእያ ኣምላኽ ምሓዝና ሕጅን ኣብ መጻእን ንእንገብሮ ተግባራት ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ኸኣ ንሕሰበሉ።

ኣተሓሳስባ የሆዋን መጻኢኻን

20, 21. (ሀ) ስለምንታይ ኢና ኣብ ሓዳስ ዓለም ብእንረኽቦ ተዛማዲ ናጽነት እንሕጐስ፧ (ለ) ሕጂ እተወሰነ ኻብቲ ሓጐስ እቲ ኽንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

20 ንሓዳስ ዓለም ተሃንጢና ኢና እንጽበያ ዘለና። መብዛሕትና ገነት ኣብ እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ክንነብር ተስፋ ኣሎና። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ደቂ ሰብ ካብቲ ኣብዚ ስርዓት እዚ ዘሎ መከራ ናጻ ኪዀኑ እዮም። ሽዑ እውን እንተ ዀነ፡ ሰባት ናይ ምምራጽ ናጽነት ኪህልዎም እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ቃሕታኡን ትምኒቱን ምርጫታት ኪገብር እዩ።

21 እቲ ናጽነት እቲ ግና ቀይዲ ዘይብሉ ኣይኰነን ዚኸውን። ዓቃላት ቅኑዕን ጌጋን ኪውስኑ ኸለዉ፡ ብሕግታትን ብኣተሓሳስባን የሆዋ ኺምርሑ እዮም። እዚ ድማ ዓብዪ ሓጐስን ብዙሕ ሰላምን ስለ ዜፍሪ፡ ደስ ዜብል ኪኸውን እዩ። (መዝ. 37:11) ክሳዕ ሽዑ ኸኣ፡ ንኣተሓሳስባና ኸም ኣተሓሳስባ የሆዋ እንተ ጌርናዮ፡ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና።

^ ሕ.ጽ. 12 ላፕ ዳንሲንግ ዚብሃል ሳዕስዒት፡ ብኸፊል ጥራያ ዝወጸት ሳዕስዒት ኣብ ሰለፍ ዓሚል ኮፍ ኢላ ጾታዊ ምንቅስቓስ እትገብረሉ ንጥፈት እዩ። ከከም እቲ ኣብቲ ዅነታት እተገብረ ጭቡጥ ሓቅታት፡ እዚ ተግባር እዚ ፍርዳዊ ስጕምቲ ኺውሰደሉ ዚግባእ ምንዝርና ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። ኣብዚ ንጥፈት እዚ እተሳተፈ ክርስትያን ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ኪደሊ ኣለዎ።—ያእ. 5:14, 15

^ ሕ.ጽ. 14 ንጹር ጾታዊ መልእኽትታት፡ ስእልታት፡ ወይ ቪድዮታት ብሞባይል ምልኣኽ፡ ሰክስቲንግ ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። ከከም ዝርዝር ተግባራቱ፡ ፍርዳዊ ስጕምቲ ኺውሰደሉ ይከኣል እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ኣብ ሰክስቲንግ እተሳተፉ ዘይባጽሑ መንእሰያት ብጾታዊ ገበን ተኸሲሶም እዮም። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ናብ ወብሳይት jw.org ኣቲኻ፡ “መንእሰያት ዚሓትትዎ—ብዛዕባ ሰክስቲንግ እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ (እንግሊዝኛ) ኣንብብ። (ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > TEENAGERS ርአ።) ወይ ከኣ ኣብ ናይ ሕዳር 2013 ንቕሑ!፡ ኣብ ገጽ 4-5 ዝወጸት፡ “ንውሉድካ ብዛዕባ እቲ ብሞባይል ዚለኣኽ ብዕሉግ ነገራት ብኸመይ ከም እተዘራርቦ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 16 ምስዚ ዚተሓሓዝ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጽሑፋትና ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብታ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 246-249 ርአ።