ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣተሓሳስባኻ ዚቐርጾ ዘሎ መን እዩ፧

ንኣተሓሳስባኻ ዚቐርጾ ዘሎ መን እዩ፧

“ደጊም በዚ ስርዓት እዚ ኣይትቀረጹ።”—ሮሜ 12:2

መዝሙር፦ 88, 45

1, 2. (ሀ) የሱስ ነቲ ጴጥሮስ፡ “ንርእስኻ እባ ሕለየላ” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ እንታይ ምላሽ ሂቡሉ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) የሱስ ከምኡ ኢሉ ዝመለሰ ስለምንታይ እዩ፧

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንኣእዛኖም ኪኣምኑ ኣይከኣሉን! እቲ መንግስቲ እስራኤል ኪመልስ እተጸበይዎ የሱስ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዚሳቐን ከም ዚመውትን ነገሮም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ንርእስኻ እባ ሕለየላ፣ እዝስ ኣይብጻሕካ” በሎ። የሱስ ግና፡ “ናብ ድሕረይ ኪድ፡ ሰይጣን! ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ፡ ንዓይ መዐንቀፊ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።—ማቴ. 16:21-23፣ ግብ. 1:6

2 የሱስ በዘን ቃላት እዚአን ኣቢሉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ኻብ የሆዋ ዝዀነ ሓሳባትን ካብታ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለም ዝዀነ ሓሳባትን ዘሎ ፍልልይ ንጹር ገይርዎ ኣሎ። (1 ዮሃ. 5:19) ጴጥሮስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምድላይ መንፈስ እዩ ኣቃሊሑ። የሱስ ግና ኣተሓሳስባ ኣቦኡ እተፈልየ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እወ፡ ኣምላኽ ንዕኡ ነቲ ዚጽበዮ ዝነበረ ስቅያትን ሞትን ኪዳሎ ኸም ዚደልዮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ንጴጥሮስ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ንኣተሓሳስባ የሆዋ ተቐቢሉ፡ ንኣተሓሳስባ ዓለም ብንጹር ነጸጎ።

3. ንኣተሓሳስባ ዓለም ነጺግካ ኣተሓሳስባ የሆዋ ምቕባል ከቢድ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

3 ንሕናኸ ኸመይ ኢና፧ ናይ ኣምላኽ ዲና እንሓስብ ወይ ናይዛ ዓለም፧ ኣካይዳና መሸም ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ኣዐሪና ኢና። ኣተሓሳስባና ግና ከመይ እዩ፧ ኣተሓሳስባናን ኣረኣእያናን ከም ናይ የሆዋ ንገብሮዶ ኣለና፧ ከምኡ ንምግባር፡ ኰነ ኢልና ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ኣተሓሳስባ ዓለም ንምሓዝ ብዙሕ ጻዕሪ ኣየድልየናን እዩ። ስለምንታይሲ፡ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ንዙርያና መሊእዎ እዩ ዘሎ። (ኤፌ. 2:2) ብዘይካዚ ድማ፡ ኣተሓሳስባ ዓለም ኣብ ጥቕሚ ርእስና ኸነተኵር ስለ ዜተባብዕ፡ ሰሓቢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እወ፡ ከም የሆዋ ምሕሳብ ከቢድ እዩ፣ ከም ዓለም ምሕሳብ ግና ኣዝዩ ቐሊል እዩ።

4. (ሀ) ዓለም ንኣተሓሳስባና ኽትቀርጾ እንተ ፈቒድናላ፡ እንታይ ኢና እንኸውን፧ (ለ) እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብኸመይ ክትሕግዘና እያ፧

4 ይኹን እምበር፡ ዓለም ንኣተሓሳስባና ኽትቀርጾ እንተ ፈቒድናላ፡ ኣብ ጥቕሚ ርእስና ኢና እነተኵር፡ ቅኑዕ ወይ ጌጋ እውን ባዕልና ኽንውስን ኢና እንደሊ። (ማር. 7:21, 22) ስለዚ፡ “ናይ ኣምላኽ” እምበር፡ “ናይ ሰብ” ኣተሓሳስባ ኸነማዕብል የብልናን። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ኽትሕግዘና እያ። ኣተሓሳስባና ኸም ናይ የሆዋ ምግባር፡ ጠቓሚ ደኣ እምበር፡ እምብዛ ቐያዲ ዘይኰነሉ ምኽንያታት ትምርምር እያ። ብኣተሓሳስባ ዓለም ምእንቲ ኸይንቕረጽ፡ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል እውን ትገልጽ እያ። እታ እትቕጽል ዓንቀጽ ድማ፡ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ከመይ ጌርና ንኣተሓሳስባ የሆዋ ኸም እንርድኦን ከመይ ጌርና ንኣተሓሳስባና ኸም ናቱ ኸም እንገብሮን ክንምርምር ኢና።

ኣተሓሳስባ የሆዋ ጠቓምን ተብሃግን እዩ

5. ገሊኦም ሰባት፡ ዋላ ሓደ ንኣተሓሳስባኦም ኪቐርጾ ዘይደልዩ ስለምንታይ እዮም፧

5 ገሊኦም ሰባት፡ ዋላ ሓደ ንኣተሓሳስባኦም ኪቐርጾ ወይ ኪጸልዎ ኣይደልዩን እዮም። “ብናይ ርእሰይ ኣተሓሳስባ እየ ዝኸይድ” ይብሉ እዮም። ከምዚ ኺብሉ ኸለዉ ግና፡ ናይ ርእሶም ውሳነታት ከም ዚገብሩ ንምግላጽ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ጌጋ ኣይኰነን። ካልእ ኪቈጻጸሮም ኣይደልዩን እዮም፣ ብግዲ ምስ ካልኦት ተመሳሲሎም ኪነብሩ ኣይደልዩን እዮም። *

6. (ሀ) የሆዋ እንታይ ሓርነት እዩ ሂቡና ዘሎ፧ (ለ) እዚ ሓርነት እዚ ብዘይ ቀይዲ ድዩ፧

6 ይኹን እምበር፡ ኣተሓሳስባና ምስ ናይ የሆዋ ኸም ዚሰማማዕ ምግባር ኪብሃል ከሎ፡ ንዅሉ እቲ ናይ ውልቅና ኣተሓሳስባ ወይ ኣገላልጻ ንሓድጎ ማለት ኣይኰነን። ኣብ 2 ቈረንቶስ 3:17 ተገሊጹ ኸም ዘሎ ድማ፡ “ኣብቲ መንፈስ የሆዋ ዘለዎ፡ . . . ኣብኡ ሓርነት ኣሎ።” ፍሉይ ዚገብረና ስብእና ኸነማዕብል ሓርነት ኣሎና። ናይ ብሕትና ምርጫታት ኪህልወናን ብፍላይ ዜገድሰና ዓውድታት ክንሓርን ንኽእል ኢና። እወ፡ የሆዋ ኸምኡ ኽንገብር እዩ ፈጢሩና። ነቲ ሓርነትና ግና ብዘይ ቀይዲ ኽንጥቀመሉ ኣይንኽእልን ኢና። (1 ጴጥሮስ 2:16 ኣንብብ።) ቅኑዕን ጌጋን ክንውስን ከለና፡ የሆዋ በቲ ኣብ ቃሉ ተገሊጹ ዘሎ ኣተሓሳስባኡ ኽንምራሕ ይደልየና እዩ። እዝስ እምብዛ ቐያዲ ድዩ፡ ወይስ ጠቓሚ፧

7, 8. ኣረኣእያ የሆዋ ምምዕባል እምብዛ ቐያዲ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ግለጽ።

7 ነዚ ዚስዕብ ምሳሌ እስከ ንርአ። ወለዲ ንደቆም ጽቡቕ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኪተኽሉሎም ይጽዕሩ እዮም። ቅኑዓትን ጻዕረኛታትን ሓለይትን ኪዀኑ ይምህርዎም እዮም። እዚ እምብዛ ቐያዲ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ህይወቶም ዕዉታት ኪዀኑ እዮም ዜዳልውዎም ዘለዉ። ውሉዳት ዓብዮም ካብ ገዛ ምስ ወጹ፡ ናይ ርእሶም ውሳነታት ኪገብሩ ናጽነት ኣለዎም። በቲ ኻብ ወለዶም እተማህርዎ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እንተ ተመላሊሶም፡ ደሓር ዘየጣዕሶም ውሳነታት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ባዕሎም ካብ ዜምጽእዎ ጸገማትን ጭንቀትን ይስተሩ።

8 የሆዋ እውን ከም ንፉዕ ወላዲ፡ ደቁ ብሉጽ ህይወት ኪህልዎም እዩ ዚደሊ። (ኢሳ. 48:17, 18) ስለዚ ድማ፡ ንስነ ምግባራዊ ኣካይዳኦምን ንኻልኦት ብዛዕባ ዘለዎም ኣተሓሕዛን ብዚምልከት መሰረታዊ ስርዓታት ሰሪዑ ኣሎ። ኣብዚ መዳያት እዚ ኸም ናቱ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኸነማዕብልን ምስ ስርዓታቱ ተሰማሚዕና ኽንነብርን ይዕድመና እዩ። እዚ ኸኣ እምብዛ ቐያዲ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ንኣተሓሳስባና የዕብዮን ክብ የብሎን የስፍሖን እዩ። (መዝ. 92:5፣ ምሳ. 2:1-5፣ ኢሳ. 55:9) ብውልቅና እንሓርዮ ዘበለ እናገበርና ናብ ሓጐስ ዚመርሓና ውሳነታት ክንገብር ይሕግዘና እዩ። (መዝ. 1:2, 3) እወ፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ምሓዝ፡ ጠቓምን ተብሃግን እዩ!

ኣተሓሳስባ የሆዋ ብሉጽ እዩ

9, 10. ኣተሓሳስባ የሆዋ ኻብ ናይ ዓለም ኸም ዚበልጽ ብኸመይ ተረጋጊጹ ኣሎ፧

9 ኣምለኽቲ የሆዋ ኣተሓሳስባኦም ከም ናይ ኣምላኽ ኪገብሩ ዚደልዩሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ፡ ኣተሓሳስባኡ ኻብ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣዝዩ ስለ ዚበልጽ እዩ። ዓለም ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ ኣካይዳን ርክባት ስድራ ቤትን ዜዕግብ ስራሕን ካልእ መዳይ ህይወትን ምኽሪ ትህብ እያ። መብዛሕትኡ ግና ምስ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኣይሰማማዕን እዩ። ንኣብነት፡ ዓለም ንርእስኻ ኽብ ኣቢልካ ኽትርኢ እያ እተተባብዕ። ብተወሳኺ እውን፡ ንምንዝርና ዕሽሽ ክትብሎ ተተባብዕ እያ። ዝያዳ ሓጐስ ንምርካብ ተባሂሉ እውን፡ ሰብ ሓዳር ብዘይረብሕ ምኽንያት ኪፈላለዩን ኪፋትሑን ይምከሩ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ምኽሪ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ይጋጮ እዩ። ግናኸ፡ ምኽሪ ዓለም ካብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝሓሸ ምስዚ ግዜና ይኸይድ ድዩ፧

10 የሱስ፡ “ጥበብ ብግብራ እዩ ጽድቃ ዚረጋገጽ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 11:19) ዓለም ኣብ ተክኖሎጂ ዓብዪ ምዕባለ ገይራ ኣላ፣ ይኹን እምበር፡ ንሓጐስ ዕንቅፋት ዚኸውን ከም ውግእን ዓሌትነትን ገበንን ዝኣመሰለ ዓበይቲ ጸገማት ክትፈትሕ ኣይከኣለትን። ብዛዕባ ስነ ምግባር ዘለዋ ፍኑው ኣረኣእያኸ እንታይ ፍረ እዩ ኣፍርዩ፧ እዚ ኣረኣእያ እዚ ንምብትታን ስድራ ቤትን ንሕማማትን ንኻልእ ጸገማትን ኣበርክቶ ይገብር ከም ዘሎ፡ ብዙሓት ይእመኑሉ እዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ኣረኣእያ ኣምላኽ እተቐበሉ ክርስትያናት፡ ኣብ ስድራ ቤቶም ዝሓሸ ሓጐስ፡ ብስነ ምግባራዊ ንጽህናኦም ዝረኸብዎ ጥዕና፡ ከምኡ ድማ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ሰፊኑ ዚርከብ ሰላም ኣለዎም። (ኢሳ. 2:4፣ ግብ. 10:34, 35፣ 1 ቈረ. 6:9-11) እዝስ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኻብ ናይ ዓለም ኣዝዩ ኸም ዚበልጽ ዜርኢዶ ኣይኰነን፧

11. ሙሴ ብናይ መን ኣተሓሳስባ እዩ ተመሪሑ፡ እዚኸ እንታይ ኣፍርዩሉ፧

11 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ፡ ሓሳባት የሆዋ ብሉጽ ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ሙሴ “ዅሉ ጥበብ ግብጻውያን” እኳ እንተ ተማህረ፡ “ጥበበኛ ልቢ” ንምጥራይ ግና ናብ ኣምላኽ እዩ ጠሚቱ። (ግብ. 7:22፣ መዝ. 90:12) ንየሆዋ እውን፡ “መገድታትካ ኣፍልጠኒ” ኢሉ ለሚንዎ እዩ። (ዘጸ. 33:13) ብኣተሓሳስባ የሆዋ ይምራሕ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ኣገዳሲ ግደ ነይርዎ እዩ፣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እውን ዓባይ እምነት ከም ዝነበረቶ ጌርካ ብኽብሪ ተጠቒሱ ኣሎ።—እብ. 11:24-27

12. ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣተሓሳስባኡ ኣብ ምንታይ እዩ ሰሪትዎ፧

12 ሃዋርያ ጳውሎስ እንተ ወሓደ ኽልተ ቛንቋ ዚፈልጥ በሊሕ ምሁር እዩ ነይሩ። (ግብ. 5:34፣ 21:37, 39፣ 22:2, 3) ምስ መሰረታዊ ስርዓታት ብዚተሓሓዝ ግና፡ ንጥበብ ዓለም ኣይተቐበሎን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣተሓሳስባኡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚስረት እዩ ገይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:2፣ 1 ቈረንቶስ 2:6, 7, 13 ኣንብብ።) ከም ውጽኢቱ፡ ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ ዕዉት እዩ ነይሩ፡ ዘለኣለማዊ ዓስቢ እውን ይጽበ ነይሩ እዩ።—2 ጢሞ. 4:8

13. ንኣተሓሳስባና ኸም ናይ የሆዋ ናይ ምግባር ሓላፍነት ዘለዎ መን እዩ፧

13 ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ካብ ኣተሓሳስባ ሕጂ ዘላ ዓለም እውን ይበልጽ እዩ። ብኣተሓሳስባኡ እንተ ተመላሊስና፡ ዝያዳ ሓጐስን ዓወትን ኢና እንረክብ። የሆዋ ግና ከም ናቱ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኺህልወና ኣይግድደናን እዩ። “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኸኣ ንኣተሓሳስባ ሰባት ኣይቈጻጸርን እዩ፣ ሽማግለታት እውን ከምኡ። (ማቴ. 24:45፣ 2 ቈረ. 1:24) ኣብ ክንዳኡስ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ንኣተሓሳስባኡ ኸም ናይ ኣምላኽ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ። ከመይ ጌርና ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል፧

በዚ ስርዓት እዚ ኣይትቀረጽ

14, 15. (ሀ) ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣተሓሳስባ ምእንቲ ኺህልወና፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኸነስተንትን ዘሎና፧ (ለ) ብመሰረት ሮሜ 12:2፡ ዓለማዊ ሓሳባት ከነርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ብምሳሌ ግለጽ።

14 ኣብ ሮሜ 12:2፡ “እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም ክትፈልጡስ፡ ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፡ ደጊም በዚ ስርዓት እዚ ኣይትቀረጹ” ዚብል ምኽሪ ተዋሂቡና ኣሎ። እዚ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓላት እዚ፡ ሓቂ ቕድሚ ምፍላጥና እተቐረጽናሉ ኣተሓሳስባ ብዘየገድስ፡ ኣተሓሳስባና ናብ ናይ ኣምላኽ ከነቕርቦ ኸም እንኽእል እዩ ዚገልጽ ዘሎ። ኣተሓሳስባና ብእተወሰነ ደረጃ ብዘርእናን ብሕሉፍ ተመክሮናን ከም ዚጽሎ ዚከሓድ ኣይኰነን። ግናኸ፡ ኣእምሮ ተዓጻጻፊ ስለ ዝዀነ፡ ኪቕየር ይኽእል እዩ። እዚ ለውጥታት እዚ ኸኣ ብዓብዪኡ በቲ ናብ ኣእምሮና እነእትዎን ኣብኡ ኪቕመጥ እንፈቐደሉን ነገራት እዩ ዚውሰን። ብዛዕባ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ እንተ ኣስተንቲንና፡ ኣረኣእያኡ ቕኑዕ ከም ዝዀነ ኸነረጋግጽ ንኽእል ኢና። ሽዑ፡ ንኣተሓሳስባና ኸም ናቱ ንምግባር ድሌት ኪሓድረና እዩ።

15 ንኣእምሮና ሓዲስና ናብ ኣተሓሳስባ የሆዋ ንምልዋጥ ግና፡ ‘ደጊም በዚ ስርዓት እዚ ኽንቅረጽ የብልናን።’ ምስ ናይ ኣምላኽ ዚጻረር ሓሳባት ወይ ኣረኣእያ ናብ ኣእምሮና ምእታው ክንሓድጎ ኣሎና። ነዚ ብቐዳምነት ክንወስዶ ዘሎና ስጕምቲ እዚ ብምሳሌ ንምግላጽ፡ ንምግቢ እስከ ከም ኣብነት ንውሰድ። ሓደ ሰብ መዓዛታት ዘለዎ ምግቢ ብምምጋብ፡ ጥዕናኡ ኼመሓይሽ ይጽዕር ይኸውን። እተበከለ ምግቢ ኣዘውቲሩ ዚምገብ እንተ ዀይኑ ግና፡ እቲ ጻዕሩ እንታይ ይዓብሰሉ፧ ብተመሳሳሊ ኸኣ፡ ንኣእምሮና ብዓለማዊ ሓሳባት ነበላሽዎ እንተ ዄንና፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ንምፍላጥ እንገብሮ ጻዕሪ ብዙሕ ዋጋ ኣይህልዎን እዩ።

16. ካብ ምንታይ ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሕሉ ዘሎና፧

16 ንዓለማዊ ሓሳባት ምሉእ ብምሉእ ከነርሕቖ ንኽእል ዲና፧ ኣይፋልን፡ ካብ ዓለም ቃል ብቓሉ ኽንወጽእ ኣይንኽእልን ኢና። ናይ ግድን ንሓሳባት ዓለም ብእተወሰነ ንቃላዕ ኢና። (1 ቈረ. 5:9, 10) ዕዮ ስብከት እኳ ምስ ግጉይ እምነታት የራኽበና እዩ። ይኹን እምበር፡ ዋላ እኳ ኣምላኽ ንዘይፈትዎ ኣረኣእያታት እንተ ተቓላዕና፡ ኣብ ኣእምሮና ኣይነጽንሖን ወይ ኣይንቕበሎን ኢና። ከም የሱስ፡ ነቲ ሰይጣን ዚደልዮ ሓሳባት ቀልጢፍና ኽንነጽጎ ኣሎና። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ንኣተሓሳስባ ዓለም ብዘየድሊ ኸይንቃላዕ ገዛእ ርእስና ኽንሕሉ ኣሎና።—ምሳሌ 4:23 ኣንብብ።

17. ገለ ኻብቲ ንኣተሓሳስባ ዓለም ብዘየድሊ ኸይንቃላዕ ገዛእ ርእስና እንሕልወሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

17 ንኣብነት፡ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽና ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ኣሎና። ንየሆዋ ምስ ዘየምልኹ ሰባት እንቀራረብ እንተ ዄንና፡ ኣተሓሳስባኦም ከም እንወርስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የጠንቅቕ እዩ። (ምሳ. 13:20፣ 1 ቈረ. 15:12, 32, 33) መዘናግዒ እውን ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ኣሎና። ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት፡ ዓመጻ፡ ወይ ምንዝርና ኻብ ዜተባብዕ መዘናግዒ እንተ ርሒቕና፡ ንኣእምሮና ‘ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ብዚጻረር’ ሓሳባት ኣይንብክሎን ኢና።—2 ቈረ. 10:5

ደቅና ነቲ ጐዳኢ መዘናግዒ ዜመሓላልፎ ሓሳብ ኪነጽግዎ ንሕግዞም ዲና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 18, 19 ርአ)

18, 19. (ሀ) ነቲ ብረቂቕ መገዲ ዚዝርጋሕ ኣረኣእያ ዓለም ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

18 ኣተሓሳስባ ዓለም ብሕቡእ ኪቐርብ ከሎ እውን ከነለልዮ ኣሎና። ንኣብነት፡ ሓደ ጸብጻብ ዜና ንኣተሓሳስባ ሓደ ፓለቲካዊ ሰልፊ ብዚድግፍ መገዲ ይዳሎ ይኸውን። ገሊኡ ጸብጻባት ከኣ ዓለም እተድንቖ ሸቶታትን ኣሳልጦታትን ዚጕስጕስ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኡ ፊልምታትን መጻሕፍትን ድማ ነቲ ጥቕሚ ርእስኻን ጥቕሚ ስድራ ቤትካን ከተቐድም ዜተባብዕ ኣተሓሳስባ ዓለም፡ ሚዛናውን ማራኽን ቅኑዕን ከም ዝዀነ ገይሩ ኬቕርቦ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ግና ንቕዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ዚጐሲ እዩ፣ ከመይሲ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ንየሆዋ ልዕሊ ዅሉ ምፍቃርና ንጥቕምናን ንጥቕሚ ስድራ ቤትናን ምዃኑ እዩ ዚገልጽ። (ማቴ. 22:36-39) ገሊኡ ንቘልዑ ዚዳሎ ዛንታታት ድማ፡ ብዙሕ ዘየተሓታትት እኳ እንተ ዀነ፡ ንገሊኡ ርኽሰት ኪቕበልዎ ብረቂቕ መገዲ መሰረት የጣጥሕ እዩ።

19 ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ብጥዑይ መዘናግዒ ምዝንጋዕ ጌጋ እዩ ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግና፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና፦ ‘ትምህርትታት ዓለም ብተዘዋዋሪ ኪቐርብ ከሎ ነለልዮ ዲና፧ ነቲ ንሕናን ውሉዳትናን ንገሊኡ መደባት ወይ ንገሊኡ ጽሑፋት እንቃልዓሉ መጠን ደረት ንገብረሉ ዲና፧ ውሉዳትና ንዚሰምዕዎ ወይ ንዚርእይዎ ዓለማዊ ሓሳባት፡ በቲ የሆዋ ኣብቲ ጕዳይ እቲ ዘለዎ ርእይቶ ጌርና ንቃለሶ ዲና፧’ ኣብ መንጎ ኣተሓሳስባ ኣምላኽን ኣተሓሳስባ ዓለምን ዘሎ ፍልልይ እንተ ኣለሊናዮ፡ ‘በዚ ስርዓት እዚ ኣይንቕረጽን ኢና።’

ሕጂ መን እዩ ዚቐርጸካ ዘሎ፧

20. ካብ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ወይ ካብ ኣተሓሳስባ ዓለም በየናይ ከም እንቕረጽ ዚውሰን ብምንታይ እዩ፧

20 ብመሰረቱ ኽልተ ምንጪ ሓበሬታ ኸም ዘሎ ኣይንረስዕ፦ የሆዋን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለምን። ኣየናይ ምንጪ እዩ ዚቐርጸና ዘሎ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ‘እቲ ሓበሬታ እንቕበለሉ ዘለና ምንጪ’ ዚብል እዩ። ሓሳባት ዓለም ንቕበል እንተ ዄንና፡ እዚ ንኣተሓሳስባና ኪቐርጾ እዩ፣ ናብ ስጋዊ ኣረኣእያን ጠባይን ከኣ ክንዘዙ ኢና። ስለዚ ኸኣ ኢና ነቲ ኣብ ኣእምሮና ኪቕመጥን እንፈቕደሉ ነገር ክንጥንቀቐሉ ዘሎና።

21. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኣገዳሲ መዳይ ኢና ኽንርኢ፧

21 ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ፡ ከም የሆዋ ንምሕሳብ፡ ንኣእምሮና ኻብ በካሊ ጽልዋታት ናጻ ኽንገብሮ ጥራይ ኣይኰነን ዘሎና። ከም ናይ ኣምላኽ ዓይነት ኣተሓሳስባ ምእንቲ ኺህልወና፡ ንኣተሓሳስባ ኣምላኽ ከነስተንትነሉ ኣሎና። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ ነዚ ኸመይ ጌርና ኸም እንገብሮ ተወሳኺ ሓሳባት ሒዛ ኣላ።

^ ሕ.ጽ. 5 ከም ሓቂ ግና፡ እቶም ብርእሶም ዚመላለሱ ዚብሃሉ ሰባት እኳ ብኻልእ ከይተጸልዉ ኺነብሩ ኣይክእሉን እዮም። ሰባት ብዛዕባ ኸም መበቈል ህይወት ዝኣመሰለ ዓብዪ ነገር ኰነ ብዛዕባ እንኽደኖ ኽዳን ዝኣመሰለ ንእሽቶ ነገር ኪውስኑ ኸለዉ፡ ብእተወሰነ ደረጃ ብኻልኦት ይጽለዉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ብመን ከም እንጽሎ፡ ክንሓሪ ንኽእል ኢና።