ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቶም የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሞቱ ዝነበረት ምሸት እተዛረበሎም ገበርቲ ሰናይ መን እዮም፧ እቲ መዓርግ እቲ እተዋህቦምከ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሞቱ ዝነበረት ምሸት፡ ንሃዋርያቱ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ስልጣን ከይደልዩ ኺመኽሮም ከሎ ኸምዚ ኢልዎም እዩ፦ “ንኣህዛብ፡ ነገስታቶም እዮም ዚገዝእዎም፣ ሰበ ስልጣናቶም ከኣ ገበርቲ ሰናይ ይብሃሉ። ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ።”—ሉቃ. 22:25, 26

እቶም የሱስ፡ “ገበርቲ ሰናይ” ኢሉ ዝጸውዖም መን እዮም ነይሮም፧ ንምርኡያት ሰባትን ንገዛእትን ኢቨርየቲስ ወይ ገባር ሰናይ ዚብል መዓርግ ምሃብ፡ ኣብ ሕብረተ ሰብ ግሪኽን ሮሜን ልሙድ ከም ዝነበረ፡ ጽሑፋትን ሰናቲምን ይሕብር እዩ። እቶም ሰባት ንህዝቢ ዚጠቅም ኣገልግሎት ስለ ዚህቡ እዩ እዚ ኽብሪ እዚ ዚውሃቦም ነይሩ።

ብዙሓት ነገስታት በዚ ገባር ሰናይ ዚብል መዓርግ ይጽውዑ ነይሮም እዮም። ካባታቶም ድማ ቶለሚ ሳልሳይ ኢቨርየቲስ (ከ. 247-222 ቅ.ክ.)፡ ቶለሚ ሻምናይ ኢቨርየቲስ ካልኣይ (ከ. 147-117 ቅ.ክ.) ዚብሃሉ ገዛእቲ ግብጺ ኺጥቀሱ ይከኣሉ እዮም። እቶም ዩልዮስ ቄሳርን (48-44 ቅ.ክ.) ኣውጉስጦስን (31 ቅ.ክ.–14 ድ.ክ.) ዚብሃሉ ሮማውያን ገዛእቲ በዚ መዓርግ እዚ ተጸዊዖም እዮም፣ ንጉስ ይሁዳ ንዝነበረ ሄሮድስ እቲ ዓብዪ እውን እዚ መዓርግ እዚ ተዋሂብዎ እዩ። ሄሮድስ ንህዝቡ ኻብ ጥሜት ንምንጋፍ ስርናይ ምስ ኣምጽአን ንድኻታት ክዳውንቲ ምስ ሃበን እዩ ነዚ ኽብሪ እዚ ረኺቡ ኪኸውን ዚኽእል።

ኣዶልፍ ዲስማን ዚብሃል ምሁር መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ገባር ሰናይ ዚብል መዓርግ ዝውቱር ምንባሩ ሓቢሩ እዩ። “ብዙሕ ግዜ ኸየጥፋእካ፡ [እዚ መዓርግ ዚርከበሉ] ልዕሊ ሚእቲ ኣጋጣሚታት፡ ካብ ጽሑፋት ምእካብ ኣጸጋሚ ኣይኰነን” ኢሉ እውን ጽሒፉ ኣሎ።

እሞ ደኣ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ” ኺብሎም ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ህዝባውነት ዘይስምዖም ወይ ንህዝቢ ዘይሕለቑ ኪዀኑ ድዩ ዚመኽሮም ነይሩ፧ ኣይፋልን። ንየሱስ ዘተሓሳሰቦ ቐንዲ ነገር፡ እቲ ኺልግሱ ዚድርኾም ምኽንያት እዩ ነይሩ።

ብግዜ የሱስ፡ ሃብታማት ሰባት ንምርኢታትን ንጸወታታትን ብምምዋል፡ መናፈሻታትን ኣብያተ መቕደስን ብምህናጽ፡ ከምኡ ድማ ካልእ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ብምድጋፍ፡ ጽቡቕ ስም ኪረኽቡ ይጽዕሩ ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ምእንቲ ኺጭብጨበሎም፡ ህቡባት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ወይ ድምጺ መረጽቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም እዮም ከምኡ ዚገብሩ ነይሮም። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ “ካብቶም ከምዚ ዝኣመሰሉ ለገስቲ ናይ ሓቂ ልግሲ እተገብረሉ ኣብነታት እኳ እንተሎ፡ እቲ ተግባር ግና መብዛሕትኡ ግዜ ንፖለቲካዊ ጥቕሚ ተባሂሉ እዩ ዚግበር ነይሩ” ይብል። እምበኣር፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ካብ ከምዚ ዝበለ ህርፋን ስልጣንን ፍትወት ጥቕሚ ርእስን ኪርሕቁ እዩ ተማሕጺንዎም።

ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብተመሳሳሊ ብቕኑዕ ድራኸ ተላዒልካ ብዛዕባ ምሃብ ኣጕሊሑ እዩ። ኣብ ቈረንቶስ ንዝነበሩ ክርስትያን ብጾቱ፡ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ።—2 ቈረ. 9:7