ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ መስከረም 2017

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 23 ጥቅምቲ ኽሳዕ 26 ሕዳር 2017 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ርእሰ ግትኣት ኣማዕብል

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነታት ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸነማዕብልን ከነርእን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ ክርስትያናት ነዛ ባህርይ እዚኣ ኼማዕብልዋ ኺጽዕሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ንርሕራሐ የሆዋ ቕድሓዮ

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣምላኽ ንሙሴ፡ ስሙን ባህርያቱን ገሊጹሉ ነይሩ። ሓንቲ ኻብተን ኣብ መጀመርታ ዝገለጸሉ ባህርያት ድማ ርሕራሐ እያ። ርሕራሐ ግና እንታይ እያ፧ ከተገድሰካ ዘለዋኸ ስለምንታይ እያ፧

ታሪኽ ህይወት

ምስ መንፈሳውያን ሰብኡት ብምዕያየይ ተባሪኸ እየ

ዴቪድ ሲንክለር ኣብተን ኣብ ቤት-ኤል ብሩክሊን ዘሕለፈን 61 ዓመታት ምስ እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን ብምዕያዩ ዝረኸቦ ሓጐስን ፍሉይ መሰልን ይገልጽ።

“ቃል ኣምላኽና . . . ንዘለኣለም ይነብር”

ቋንቋ ኪቕየር ከሎን ፖለቲካዊ ለውጥታት ኪህሉ ኸሎን ብእተፈላለየ ቛንቋታት ከይትርጐም ምጽራር ኬጋጥሞ ኸሎን መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ዕንቅፋታት እኳ እንተ ኣሕለፈ፡ ተጻሒፉ ኻብ ዚውዳእ ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት እውን እንተ ዀነ፡ ብብዝሒ መሸጣ ቐዳማይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።

‘ቃል ኣምላኽ ዚዓዪ እዩ’

ብዙሓት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዑ ዜደንቕ ለውጥታት ገይሮም እዮም። ቃል ኣምላኽ ጽልዋ ኼሕድረልና እንተ ደሊና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

“ትባዕን . . . ስራሕን”

ትብዓት እተድልየና ስለምንታይ እያ፧ ብኸመይከ ኸነጥርያ ንኽእል፧