ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእሰ ግትኣት ኣማዕብል

ርእሰ ግትኣት ኣማዕብል

“እቲ ፍረ መንፈስ . . . ርእሰ ግትኣት እዩ።”—ገላ. 5:22, 23

መዝሙር፦ 121, 36

1, 2. (ሀ) ርእስኻ ዘይምግታእ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧ (ለ) ብዛዕባ ርእስኻ ምግታእ ክንመያየጥ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ርእሰ ግትኣት፡ ኣምላኽ ዚፈትዋ ባህርይ እያ። (ገላ. 5:22, 23) የሆዋ ነዛ ባህርይ እዚኣ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ እዩ ዜንጸባርቓ። ሰባት ግና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ፡ ርእሶም ኪገትኡ ይኸብዶም እዩ። እወ፡ ሎሚ ዚርአ ብዙሕ ጸገማት ደቂ ሰብ፡ ብሰንኪ ርእስኻ ዘይምግታእ ዚመጽእ እዩ። ርእስኻ ዘይምግታእ፡ ብሰንኪ ውዓል ሕደር፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕካ ኽትገብሮ ዚግብኣካ ነገር ከም ዘይትገብር ወይ ከኣ ብግቡእ ከም ዘይትሰርሕ ኪገብረካ ይኽእል እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን፡ ናብ ጸርፊ፡ ስኽራን፡ ዓመጻ፡ ፍትሕ፡ ዕዳን ዕንዲዳን፡ ወልፊ፡ ማእሰርቲ፡ ስምዒታዊ ቝስሊ ኺመርሓካ፡ ከምኡ ድማ ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ሕማማትን ዘይተደልየ ጥንስን ካልእ ጸገማትን ኬስዕበልካ ይኽእል እዩ።—መዝ. 34:11-14

2 ብርግጽ እምበኣር፡ ርእሶም ዘይገትኡ ሰባት፡ ንርእሶምን ንኻልኦትን ብዙሕ ጸገማት እዮም ዜስዕቡ። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ብዝያዳ ርእሶም ዘይገትኡ እዮም ዚዀኑ ዘለዉ። ብ1940ታት ብዛዕባ ርእሰ ግትኣት መጽናዕቲ ኣብ እተኻየደሉ እዋን፡ ርእስኻ ዘይምግታእ ጸገም ሕብረተሰብ ከም ዝዀነ ተራእዩ ነይሩ፣ ኣብ ቀረባ እዋናት እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ ግና፡ ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ርእሶም ዘይገትኡ ይዀኑ ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ በዚ ኣይግረሙን እዮም፣ ከመይሲ፡ ሰባት “ርእሶም ዘይገትኡ” ምዃኖም፡ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና ዜረጋግጽ መርትዖ ኸም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—2 ጢሞ. 3:1-3

3. ክርስትያናት፡ ርእሰ ግትኣት ኬማዕብሉ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

3 ርእሰ ግትኣት ከነማዕብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ነዚ ዚስዕብ ክልተ ምኽንያት ኣስተብህለሉ። ቀዳማይ፡ ስምዒቶም ዚቈጻጸሩ መብዛሕትኦም ሰባት ዜጋጥሞም ከቢድ ጸገማት ካብ ናይ ካልኦት ዝወሓደ እዩ። ብስምዒታዊ መዳይ ዝያዳ ህዱኣት ስለ ዝዀኑ፡ ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ይምስርቱ እዮም። ከምቶም ስምዒቶም ዘይቈጻጸሩ ሰባት ድማ ቍጡዓትን ጭኑቓትን ኣይኰኑን። ካልኣይ፡ ንፈተናታት ምስ እንቃወሞን ንዘይግቡእ ስምዒታትና ምስ እንቈጻጸሮን ሞገስ ኣምላኽ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣዳምን ሄዋንን ዝሓደግዎ ሕማቕ ኣብነት ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዜረጋግጸልና። (ዘፍ. 3:6) ካብቲ እዋን እቲ ንደሓር እውን፡ ብዙሓት ሰባት ነዛ ኣገዳሲት ባህርይ እዚኣ ኼንጸባርቑ ዘይምኽኣሎም እንታይ ከም ዘስዓበሎም እውን እሞ ሕሰብ።

4. ርእሶም ኪገትኡ ንዚቃለሱ ሰባት ዜተባብዖም እንታይ እዩ፧

4 ዘይፍጹማት ሰባት፡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ርእሶም ኪገትኡ ኣይክእሉን እዮም። የሆዋ ኣገልገልቱ በዚ መዳይ እዚ ዘለዎም ቃልሲ ስለ ዚፈልጥ፡ ነዚ ሓጥእ ዝንባለ እዚ ምእንቲ ኺቈጻጸርዎ ንኣገልገልቱ ኺሕግዞም ይደሊ እዩ። (1 ነገ. 8:46-50) ፈቃር ፈታዊ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ነቶም ኬገልግልዎ ዚደልዩ ኽነሶም ኣብ ገሊኡ መዳይ ህይወቶም ርእሶም ምቍጽጻር ዚኸብዶም ሰባት የተባብዖም እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ ነቲ የሆዋ ዝሓደገልና ፍጹም ኣብነት ንርአ። ድሕሪኡ ድማ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ጽቡቕን ሕማቕን ኣብነት ዚዀኑና ሰባት ክንምሃር ኢና። ርእስና ብዝያዳ ኽንገትእ ዚሕግዘና ግብራዊ ሓሳባት እውን ክንርኢ ኢና።

የሆዋ ኣብነት ኰይኑና

5, 6. ብርእሰ ግትኣት ዝመጸ የሆዋ ኣብነት ዝዀነና ብኸመይ እዩ፧

5 የሆዋ ዚገብሮ ዘበለ ፍጹም ስለ ዝዀነ፡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ርእሱ ይገትእ እዩ። (ዘዳ. 32:4) ንሕና ግና ዘይፍጹማት ኢና። ይኹን እምበር፡ እንታይነት ርእሰ ግትኣት ምእንቲ ኽንርዳእ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሃበና ኣብነት ክንምርምር ኣሎና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ብዝሓሸ መገዲ ንየሆዋ ኽንመስሎ ኢና። ገለ ኻብቲ የሆዋ ርእሱ ኸም ዚገትእ ዘርኣየሉ ኣጋጣሚታት እንታይ እዩ፧

6 ሰይጣን ምስ ዓለወ፡ የሆዋ ርእሱ ኸም ዚገትእ ዘርኣየ ብኸመይ ምዃኑ እሞ ሕሰብ። እቲ ብድሆ ፍታሕ ዜድልዮ እዩ ነይሩ። ሰይጣን ንየሆዋ ምስ በድሆ፡ እቶም ኣብ ሰማይ ዝነበሩ እሙናት ፍጡራት ኣምላኽ ከም እተቘጥዕዎን ከም ዝነዓቕዎን ፍሉጥ እዩ። ንስኻ እውን ንዅሉ እቲ ብሰንኪ ሰይጣን ዝመጸ መከራ ምስ ረኣኻ፡ ከማታቶም ይስምዓካ ይኸውን። የሆዋ ግና ብሃወኽ መልሰ ግብሪ ኣይሃበን። መጠነኛን ግቡእን ስጕምቲ እዩ ወሲዱ። ንሰይጣን ተዓጊስዎን ብፍትሒ ሒዝዎን እዩ። (ዘጸ. 34:6፣ እዮ. 2:2-6) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኵሎም ሰባት “ናብ ንስሓ ኺበጽሑ” እምበር፡ ኪጠፍኡ ኣይደልን እዩ፣ ስለዚ፡ ግዜ ፈቒዱ እዩ።—2 ጴጥ. 3:9

7. ካብ ኣብነት የሆዋ እንታይ ኢና እንምሃር፧

7 የሆዋ ዘርኣዮ ኣብነት ርእሰ ግትኣት፡ ንሕና እውን ንዘረባናን ንተግባራትናን ተጠንቂቕና ኽንሓስበሉ ኸም ዘሎና እዩ ዚምህረና፣ እወ፡ ክንህወኽ የብልናን። ኣገዳሲ ጕዳይ ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ብጥበብ ስጕምቲ ምእንቲ ኽትወስድ ግዜ ሂብካ ሕሰበሉ። ቅኑዕ ዘበለ ኽትዛረብ ወይ ክትገብር ዜኽእለካ ጥበብ ንምርካብ ድማ ጸሊ። (መዝ. 141:3) ተቘጢዕና ኸለና ንዛረብ እንተ ዄንና፡ ብስምዒት መልሰ ግብሪ ኽንህብ ኢና። ደሓር ዜጣዕሰና ዘረባ ወይ ተግባር ድማ ክንገብር ንኽእል ኢና።—ምሳ. 14:29፣ 15:28፣ 19:2

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝሓደግዎ ጽቡቕን ሕማቕን ኣብነት

8. (ሀ) ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርያት ዘርኣዩ ኣብነታት ኣበይ ክንረክብ ንኽእል፧ (ለ) ዮሴፍ ነቲ ብሰበይቲ ጶጢፋር ዝቐረበሉ ፈተና ኺቃወሞ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

8 ስምዒትና ምቍጽጻር ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ዜርኢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተጠቕሰ ኣብነታት ነየናይ ትዝክር፧ ገለ ኻብቶም ፈተና ምስ ኣጋጠሞም ርእሶም ዝገትኡ ገጸ ባህርያት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትዝክር ርዱእ እዩ። ሓደ ኻባታቶም፡ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ እዩ። ዮሴፍ ኣብ ቤት እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ፈርኦን ዝነበረ ጶጢፋር ኬገልግል ከሎ ርእሱ ገቲኡ እዩ። ሰበይቲ ጶጢፋር ነቲ “ጽቡቕ ዝቕርጹን መልክዐኛን” ዝነበረ ዮሴፍ ዓይና ኣውዲቓትሉ ነበረት፣ ከተስሕቶ እውን ትፍትን ነበረት። ዮሴፍ በቲ ፈተና ዘይወደቐ ስለምንታይ እዩ፧ በቲ ፈተና እንተ ስሒቱ እንታይ ሳዕቤን ከም ዚህልዎ ኣቐዲሙ ስለ ዝሓሰበ እዩ። እቲ ዅነታት ኣጸጋሚ ምስ ኰነ ድማ ካብኣ ሃዲሙ እዩ። “ከመይ ገይረ ደኣ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ድማ በለ።—ዘፍ. 39:6, 9፣ ምሳሌ 1:10 ኣንብብ።

9. ፈተናታት ንምቅዋም ብኸመይ ክትዳሎ ትኽእል፧

9 ካብቲ ዮሴፍ ዘጋጠሞ ፈተና እንታይ ኢና እንምሃር፧ ሕጊ ኣምላኽ ከም እንጥሕስ ኪገብረና ኻብ ዚኽእል ፈተና ኽንሃድም ከም ዘሎና ንምሃር ኢና። ገሊኦም ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅድሚ ምዃኖም ከም ምብዛሕ ብልዕን ምብዛሕ መስተን ምስ ዝኣመሰለ ነገራት ይቃለሱ ነይሮም እዮም፣ ገሊኦም ከኣ፡ ሽጋራ የትክኹን ሓሽሽ ይወስዱን ይምንዝሩን ካልእ ሕማቕ ነገራት ይገብሩን ነይሮም እዮም። ምስ ተጠምቁ እውን ከይተረፈ፡ ናብቲ ናይ ቀደም ልማዳቶም ኪምለሱ ይፍተኑ ይዀኑ። እምበኣር፡ ሕጊ የሆዋ ኽትጥሕስ ትፍተን እንተ ዄንካ፡ ነቲ ሓጥእ ድራኸታትካ እንተ ዘይተቘጻጺርካዮ እንታይ ሕማቕ መንፈሳዊ ሳዕቤናት ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ሕሰብ። ናብ ፈተና ኼእትወካ ዚኽእል ኵነታት ኣቐዲምካ ኽትፈልጥ ብምጽዓር፡ ብኸመይ ከተወግዶ ኸም እትኽእል ወስን። (መዝ. 26:4, 5፣ ምሳ. 22:3) ፈተናታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ጥበብን ክትጻወር ዚሕግዘካ ርእሰ ግትኣትን ምእንቲ ኽትረክብ ንየሆዋ ለምኖ።

10, 11. (ሀ) መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ እንታይ ጸገም እዩ ዜጋጥሞም፧ (ለ) ክርስትያን መንእሰያት ኣብ ሕማቕ ተግባራት ኪካፈሉ ንዚግበረሎም ጸቕጢ ኺጻወርዎ ኺሕግዞም ዚኽእል እንታይ እዩ፧

10 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን መንእሰያት ከም ናይ ዮሴፍ ዓይነት ፈተና የጋጥሞም እዩ። ኪም ንእትብሃል ሓብቲ ዘጋጠማ ዅነታት ከም ኣብነት ንርአ። መብዛሕትአን መማህርታ ጾታዊ ርክብ ይገብራ ነበራ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ዝገበራኦ ምስ ጾታዊ ርክብ ዚተሓሓዝ ነገራት ድማ ብጃህራ ይዛረባ ነበራ። ኪም ግና ከማታተን ኣይነበረትን። ካብ ካልኦት እተፈልየት ብምዃና ድማ፡ ሓድሓደ ግዜ ዘይተደላይት ኰይኑ ይስምዓን ይጽምዋን ነበረ። መዛኑኣ ኸኣ ዓርኪ ስለ ዘይሓዘት ከም ዓሻ ገይረን ይቘጽራኣ ነበራ። ኰይኑ ግና፡ ብግዜ ንእስነት፡ እቲ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ዚቐርበልካ ፈተና ኣዝዩ ኸቢድ ኪኸውን ከም ዚኽእል ትፈልጥ ነይራ እያ። (2 ጢሞ. 2:22) መማህርታ፡ ድንግል እንተ ዀይና ይሓትትኣ ነበራ። እዚ ድማ ስለምንታይ ጾታዊ ርክብ ከም ዘይትገብር ክትገልጽ ኣጋጣሚ ኸፊቱላ እዩ። ከም ኪም ዝኣመሰሉ ክርስትያን መንእሰያት ነቲ ጾታዊ ርክብ ኪገብሩ ዚቐርበሎም ፈተና ስለ ዚቃወምዎ፡ ብኣታቶም ንዀርዕ ኢና፣ የሆዋ እውን ብኣታቶም ይሕበን እዩ።

11 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ምንዝር ኪፍጽሙ ንዝቐረበሎም ፈተና ዘይተቓወምዎ ሰባት ይገልጽ እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ርእሶም ብዘይምግታኦም እንታይ ሳዕቤን ከም ዝዓጸዱ እውን ይገልጽ እዩ። ከም ናይ ኪም ዓይነት ፈተና ዜጋጥመካ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 7 እተገልጸ ዓሻ ወዲ ዘጋጠሞ ዅነታት ክትሓስብ ኣሎካ። ብዛዕባ እቲ ኣምኖን ዝወሰዶ ስጕምትን እቲ ሕማቕ ተግባሩ ዝነበሮ ሳዕቤንን እውን ሕሰብ። (2 ሳሙ. 13:1, 2, 10-15, 28-32) ወለዲ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ነዞም ዝጠቐስናዮም ኣብነታት ብምጥቃም፡ ንውሉዳቶም ፍቕራዊ ርክብ ብምምስራት ዝመጸ ርእሰ ግትኣትን ጥበብን ኬጥርዩ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም።

12. (ሀ) ዮሴፍ ንኣሕዋቱ ምስ ረኸቦም ስምዒቱ እተቘጻጸረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ስምዒትና ኽንቈጻጸር ዜድልየና ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ፧

12 ዮሴፍ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እውን ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ኣሕዋቱ እኽሊ ኺዕድጉ ናብ ግብጺ ምስ መጹ፡ ልቢ ኣሕዋቱ ምእንቲ ኺፈልጥ መንነቱ ሓቢኡ እዩ። ስምዒቱ ምቍጽጻር ምስ ኣበዮ ድማ፡ ናብ ብሕት ዝበለ ቦታ ኸይዱ እዩ በኽዩ። (ዘፍ. 43:30, 31፣ 45:1) ሓደ ክርስትያን ዝዀነ ብጻይካ ወይ ፈታዊኻ ምምዝዛን ዚጐድሎ ነገር ኪገብር ከሎ ኸም ዮሴፍ ርእስኻ ምስ እትገትእ፡ ብስምዒት ተደሪኽካ ሕማቕ መልሰ ግብሪ ኸይትህብ ኪሕግዘካ እዩ። (ምሳ. 16:32፣ 17:27) እተወገደ ዘመድ እንተ ኣልዩካ፡ ምስኡ ዘየድሊ ምቅርራብ ምእንቲ ኸይትፈጥር ስምዒትካ ኽትቈጻጸር የድልየካ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ርእስኻ ምግታእ ከቢድ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ብምግባርካ ንኣምላኽ ከም እትመስሎን ምስ ምኽሩ ተሰማሚዕካ ኸም እትመላለስን እንተ ዘኪርካ ግና ብቐሊሉ ርእስኻ ኽትገትእ ትኽእል ኢኻ።

13. ካብቲ ብዛዕባ ንጉስ ዳዊት ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ኢና እንምሃር፧

13 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዳዊት ዝሓደጎ ኣብነት እውን ይነግረና እዩ። ዳዊት በቲ ሳኦልን ሺምዒን ዝገበርዎ ነገር ተቘጢዑ ብሓይሉ ስጕምቲ ኣይወሰደን። (1 ሳሙ. 26:9-11፣ 2 ሳሙ. 16:5-10) ይኹን እምበር፡ ዳዊት ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን ርእሱ ዚገትእ ነይሩ። ነቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ሓጢኣትን ነቲ ናባል ንዘርኣዮ ስስዐ ዝሃቦ ምላሽን ክንዝክሮ ንኽእል ኢና። (1 ሳሙ. 25:10-13፣ 2 ሳሙ. 11:2-4) ኰይኑ ግና፡ ካብ ዳዊት ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ቀዳማይ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ሓለውቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ኣሕዋት ንስልጣኖም ብዘይ ኣገባብ ምእንቲ ኸይጥቀምሉ ፍሉይ ጥንቃቐ ኺገብሩ ኣለዎም። ካልኣይ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ብፈተና ኸም ዘይወድቕ ብምሕሳብ እምብዛ ብርእሱ ኺተኣማመን የብሉን።—1 ቈረ. 10:12

ክትገብሮ እትኽእል ግብራዊ ስጕምትታት

14. ሓደ ሓው እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ዅነታት እንህቦ ምላሽ ወሳኒ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

14 ርእስኻ ምእንቲ ኽትገትእ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ናይ ሓቂ ፍጻመ እሞ ርአ። ሓደ ሰብኣይ ብማኪናኡ ንማኪና ሉዊጂ ዝስሙ ሓው ብድሕሪኣ ሃረማ። እቲ ንማኪና ሉዊጂ ዝሃረማ ሰብኣይ በዳሊ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሉዊጂ ጸረፎ፡ ኪብኣሶ ድማ ደለየ። ሉዊጂ ግና ርእሱ ምእንቲ ኺገትእ ናብ የሆዋ ጸለየ፡ ነቲ መራሕ ማኪና እውን ኬህድኦ ፈተነ። ግናኸ፡ ኣይሰለጦን። ድሕሪኡ፡ መድሕን ማኪና ምእንቲ ኪኽፈሎ ቝጽሪ ታርጋ ማኪና እቲ ሰብኣይ ዚገልጽ ሓበሬታ ወሲዱ ኻብኡ ተፈልየ፡ እቲ ሰብኣይ ግና ገና ይጭድር ነበረ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ሉዊጂ ንሓንቲ ሰበይቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብረላ ምስ ከደ፡ እቲ ንማኪናኡ ዝሃረማ መራሕ ማኪና ሰብኣያ ኸም ዝዀነ ፈለጠ። እቲ ሰብኣይ ድማ በቲ ተግባሩ ሓፊሩ ይቕረታ ሓተተ። ማኪና ሉዊጂ ቐልጢፋ ምእንቲ ኽትዕረ፡ ንመድሕን ማኪናኡ ኸም ዚነግሮም ተዛረበ። ኣብቲ መንፈሳዊ ምይይጥ እውን ተኻፈለ፡ በቲ ዝሰምዖ ነገር ድማ ባህ በሎ። ስለዚ፡ ሉዊጂ ናይ ማኪና ሓደጋ ምስ ኣጋጠሞ ርእሱ ምግታኡ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝነበረ፡ እንተ ዚቝጣዕ ነይሩ ግና ሕማቕ ሳዕቤን ኪህልዎ ይኽእል ከም ዝነበረ ተገንዘበ።2 ቈረንቶስ 6:3, 4 ኣንብብ።

ስምዒትና ምቍጽጻር ወይ ዘይምቍጽጻር ብቐጥታ ዀነ ብተዘዋዋሪ ንኣገልግሎትና ኺጸልዎ ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

15, 16. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ርእሰ ግትኣት ከተማዕብሉ ኺሕግዘኩም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

15 ክርስትያናት ብትግሃትን ብጥንቃቐን መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ እንተ ዀይኖም፡ ርእሰ ግትኣት ኬማዕብሉ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ንእያሱ፡ “ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ዅሉ ተጠንቂቕካ ኽትሕልዎስ፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይፈለ፡ መዓልትን ለይትን ከኣ ብትሕቲ መልሓስካ ኣንብቦ። ሽዑ፡ መገድኻ ኪቐንዓካ እዩ፣ ሽዑ ድማ፡ ብጥበብ ክትመላለስ ኢኻ” ኢልዎ እዩ። (እያ. 1:8) ግናኸ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ርእሰ ግትኣት ከተማዕብል ኪሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

16 ከምዚ ኽንርእዮ ዝጸናሕና፡ ተግባራትና ኺህልዎ ዚኽእል ጥቕምን ጕድኣትን ብንጹር ዜብርህ ጸብጻባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንረክብ ኢና። የሆዋ ነዚ ጸብጻባት እዚ ዘጽሓፎ ንትምህርትና ኢሉ እዩ። (ሮሜ 15:4) ነዚ ጸብጻባት እዚ ምንባብን ብዛዕባኡ ምስትንታንን ምጽናዕን ክሳዕ ክንደይ ኰን ጥበባዊ እዩ። እምበኣር፡ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ብኸመይ ከም ዚጠቕመኩም ሕሰብ። የሆዋ ንቓሉ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ምእንቲ ኺሕግዘካ ለምኖ። ኣብ ገሊኡ መዳያት ርእሰ ግትኣት ከም ዚጐድለካ እንተ ፈሊጥካ፡ ተኣመነሉ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባኡ ጸሊ፡ ለውጢ ኽትገብር ድማ ጽዓር። (ያእ. 1:5) ኣብ ክርስትያናዊ ጽሑፋትና ምርምር ምስ እትገብር፡ ርእሰ ግትኣት ከተማዕብል ዚሕግዘካ ጽሑፋት ክትረክብ ኢኻ።

17. ወለዲ ንውሉዳቶም ርእሶም ኪገትኡ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ በየናይ መገድታት እዮም፧

17 ደቅኻ ርእሰ ግትኣት ምእንቲ ኼማዕብሉ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧ ውሉዳት ነዚ ባህርይ እዚ ብተፈጥሮ ኸም ዘይረኽብዎ ወለዲ ይፈልጡ እዮም። ወለዲ ርእሰ ግትኣትን ካልእ ጽቡቕ ባህርያትን ብምርኣይ ንውሉዳቶም ኣብነት ኪዀንዎም ኣለዎም። (ኤፌ. 6:4) ስለዚ፡ ደቅኻ ስምዒቶም ምቍጽጻር ዚኸብዶም እንተ ዀይኑ፡ ጽቡቕ ኣርኣያ ትዀኖም እንተ ኣሊኻ ንርእስኻ ሕተታ። ኣዘውቲርካ ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ትካፈል፡ ኣብ ኣኼባታት ትእከብ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ድማ ትመርሕ እንተ ዄንካ፡ እዚ ኣብ ደቅኻ ጽቡቕ ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ንደቅኻ ‘ኣይፋልን’ ምባል ኣይትሰከፍ። የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ብዛዕባ ኺገብርዎ ዘይግባእ ነገራት ደረት ገይሩሎም ነይሩ እዩ፣ እቲ ዝገበረሎም ደረታት ድማ፡ ንስልጣን የሆዋ ኬኽብሩ ምሓገዞም ነይሩ። ብተመሳሳሊ፡ ወለዲ ዚህብዎ ተግሳጽን ዝሰርዕዎ ኣብነትን፡ ውሉዳት ርእሰ ግትኣት ኪምሃሩ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ውሉዳት ንስልጣን ኣምላኽ ኬፍቅርዎን ንስርዓታቱ ኬኽብርዎን ምምሃር፡ ገለ ኻብቲ ኣብ ልቢ ደቅኻ ኽትቀርጾ ዘሎካ ኣገደስቲ ነገራት እዩ።ምሳሌ 1:5, 7, 8 ኣንብብ።

18. ጥዑያት ኣዕሩኽ በረኸት ከም ዜምጽኡልካ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

18 ወለዲ ዀኑ ኻልኦት፡ ብጥበብ ኣዕሩኽ ኪመርጹ ኣለዎም። ጽቡቕ ሸቶታት ክትስዕብን ኣብ ሽግር ከይትኣቱን ዜተባብዑኻ ኣዕሩኽ ምረጽ። (ምሳ. 13:20) መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣዕሩኽ፡ ጽቡቕ ጽልዋ ኺገብሩልካን ከማታቶም ርእሰ ግትኣት ዜንጸባርቕ ህይወት ክትነብር ኪድርኹኻን እዮም። እቲ ሰናይ ተግባርካ ንኣዕሩኽካ ኸም ዜተባብዕ ድማ ኣይትጠራጠር። እወ፡ ርእሰ ግትኣት፡ ሞገስ ኣምላኽ ዘለዎ ህይወት ክትነብርን ምስ ፈተውትኻ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወካን ክትሕግዘካ እያ።