ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ቃል ኣምላኽና . . . ንዘለኣለም ይነብር”

“ቃል ኣምላኽና . . . ንዘለኣለም ይነብር”

“ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይጽምሉ፣ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።” —ኢሳ. 40:8

መዝሙር፦ 95, 97

1, 2. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይህሉ፡ ህይወትና ኸመይ ምመሰለ፧ (ለ) ካብ ቃል ኣምላኽ ክንጥቀም ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይህሉ፡ ህይወትካ ኸመይ ከም ዚመስል እሞ ሕሰብ። ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ እትውከሶ ዜተኣማምን ምኽሪ ኣይምረኸብካን ኔርካ። ብዛዕባ ኣምላኽን ህይወትን መጻኢኻን ንዚልዓለካ ሕቶታት እውን ዜዕግብ ምላሽ ኣይምረኸብካን ኔርካ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ምስ ሰባት ብዛዕባ ዝነበሮ ርክብ እውን ኣይምፈለጥካን ኔርካ።

2 ከምዚ ዓይነት ዜሕዝን ኵነታት ስለ ዘየጋጠመና ግና ኣመስገንቲ ኢና። የሆዋ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ድማ ተመባጺዑልና እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ ካብ ኢሳይያስ 40:8 ጠቒሱ ነይሩ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ብቐጥታ ብዛዕባ እቲ ሕጂ ኣብ ኢድና ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ እትዛረብ እኳ እንተ ዘይኰነት፡ እቲ ኣብታ ጥቕሲ ዘሎ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓላት ብተዘዋዋሪ ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዜመልክት። (1 ጴጥሮስ 1:24, 25 ኣንብብ።) ብፍላይ በቲ እንርድኦ ቛንቋ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ክንረክብ ንኽእል እንተ ዄንና፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ጥቕሚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። እቶም ቃል ኣምላኽ ዚፈትዉ ዘበሉ ነዚ ሓቂ እዚ ሓቂ እዚ ኻብ ዚርድእዎ ነዊሕ ገይሮም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ቅዱሳት ጽሑፋት ምትርጓምን ምዝርጋሕን ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ቅኑዓት ሰባት ነዚ ዕዮ እዚ ተጊሆም ፈጺሞምዎ እዮም። ድሌቶም ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ኣምላኽ “ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ።”—1 ጢሞ. 2:3, 4

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ (1) ቋንቋ ኪቕየር ከሎ፡ (2) ፖለቲካዊ ለውጥታት ኪህሉ ኸሎ፡ (3) ብእተፈላለየ ቛንቋታት ከይትርጐም ምጽራር ኬጋጥሞ ኸሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ጸኒዑ ኸም ዝነበረ ዜርኢ ኣብነታት ክንምርምር ኢና። ከምኡ ምግባርና እንታይ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ፧ ንቓል ኣምላኽ ዝያዳ ሞሳ ኺህልወና ይሕግዘና እዩ። ነቲ ንጥቕምና ኢሉ ቓሉ ዝሃበና ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኸነፍቅሮ እውን ይሕግዘና እዩ።—ሚክ. 4:2፣ ሮሜ 15:4

ቋንቋ ኪቕየር ከሎ

4. (ሀ) ግዜ እናሓለፈ ኪኸይድ ከሎ፡ ቋንቋታት ዚቕየር ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣምላኽና ንዝዀነ ይኹን ቋንቋ ኣድልዎ ኸም ዘየርኢ ዜረጋግጸልና እንታይ እዩ፧ እዚ ምፍላጥካኸ እንታይ ስምዒት ይፈጥረልካ፧

4 ግዜ እናሓለፈ ኪኸይድ ከሎ፡ ቋንቋታት ይቕየር እዩ። ቃላትን ኣበሃህላታትን ድሕሪ ግዜ ኻልእ ትርጉም ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ቋንቋኻ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተቐየረ ኽትሓስብ ትኽእል ኢኻ። እቲ መብዛሕትኡ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ፈለማ እተጻሕፈሉ ቛንቋታት እብራይስጥን ግሪኽኛን እውን ተቐይሩ እዩ። ዘመናዊ እብራይስጥን ግሪኽኛን ካብቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ስለዚ፡ ዳርጋ ዅሉ ሰብ፡ እንተላይ እቶም ዘመናዊ እብራይስጢ ወይ ግሪኽኛ ዚፈልጡ ሰባት፡ ንቓል ኣምላኽ ኪርድእዎ እንተ ደልዮም፡ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ኣለዎም። ገሊኦም ሰባት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ በቲ በዅሪ ቛንቋታት ምእንቲ ኼንብብዎ፡ ጥንታዊ እብራይስጥን ግሪኽኛን ኪምሃሩ ኸም ዘለዎም ይሓስቡ እዮም። ከምኡ ምስ ዚገብሩ ግና፡ ከምቲ ዚሓስብዎ ኸይጠቕሞም ይኽእል እዩ። * ኣብዚ ግዜና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብኣስታት 3,000 ቋንቋ ተተርጒሙ ኣሎ። እዚ ድማ፡ የሆዋ፡ “ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ካብ ቃሉ ኺጥቀሙ ኸም ዚደሊ እዩ ዜረጋግጸልና። (ራእይ 14:6 ኣንብብ።) እዝስ ናብቲ ፈቃርን ዘየዳሉን ኣምላኽ ዝያዳ ኸም እትቐርብ ዚገብረካዶ ኸይኰነ፧—ግብ. 10:34

5. ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ካብ ካልእ ትርጉማት ፍልይ ዜብሎ እንታይ እዩ፧

5 ቋንቋታት በብግዜኡ ዚቕየር ምዃኑ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምትርጓም ዚግበር ዕዮ እውን ይጸልዎ እዩ። ኣብ መጀመርታ ኺሕተም ከሎ ንኽትርድኦ ቐሊል ቋንቋ ዚጥቀም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ድሕሪ ግዜ ኪኸብድ ይኽእል እዩ። ሓደ ኻብዚ፡ እቲ ብእንግሊዝኛ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ንመጀመርታ እዋን እተሓትመ ብ1611 እዩ። ብእንግሊዝኛ እተተርጐመ ኣዝዩ ፍሉጥ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዓብዪ ጽልዋ ገይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ንስም ኣምላኽ ብዙሕ ኣትኵሮ ኣይገበረሉን። ኣብ እተወሰነ ጥቕስታት ጥራይ ስም የሆዋ ዚጥቀም እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ መለኮታዊ ስም ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ሰፊሩሉ ኣብ ዝነበረ ኻልእ ጥቕስታት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ግና፡ ነታ “ጐይታ” እትብል ቃል እዩ ብፍሩይ ቃላት ዚጥቀመላ። ጸኒሑ ዝወጸ ሕታማት ድማ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ነታ “ጐይታ” እትብል ቃል ብፍሩይ ቃላት ይጥቀመላ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ስም ኣምላኽ ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዚብሃል ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ኪኣቱ ኸም ዘለዎ ተኣሚኑ እዩ።

6. ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብምርካብና ኽንሕጐስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 ድሕሪ ዘመናት ግና፡ እቲ ኣብ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ዚርከብ መብዛሕትኡ ቓላት ንምርዳኡ ዜሸግር ብሉይ ቃላት ኰይኑ እዩ። ቀደም እተተርጐመ ኻልእ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢምዎ እዩ። እሞ ደኣ ብዘመናዊ ቛንቋ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ምርካብናስ ዜሐጕሰናዶ ኸይኰነ፧ እዚ ትርጉም እዚ፡ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብልዕሊ 150 ቋንቋ ስለ ዚርከብ፡ ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ኬንብብዎ ይኽእሉ እዮም። ንጹር ቃላት ስለ ዚጥቀም፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መልእኽቲ ብቐሊሉ ንልብና ኺትንክፎ ይኽእል እዩ። (መዝ. 119:97) እቲ ባህ ዜብል ድማ፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ንስም ኣምላኽ ናብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝነበሮ ግቡእ ቦታኡ መሊስዎ እዩ።

ተራ ቛንቋ

7, 8. (ሀ) ኣብ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበሩ መብዛሕትኦም ኣይሁድ እብራይስጢ ዘይፈልጡ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ናይ ግሪኽኛ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት እንታይ እዩ፧

7 ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ዓለም ዚርአ ፖለቲካዊ ለውጥታት፡ መረዳድኢ ቛንቋ ወይ ሕብረተሰብ ዚዛረቦ ተራ ቛንቋ ኣየናይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ይውስን እዩ። ኣምላኽ ንቓሉ በቲ ተራ ሰባት ዚርድእዎ ቛንቋታት ከም ዚህሉ ዝገበረ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧ ሕሉፍ ታሪኽ ምስ እንዝክር መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። እተን ናይ መጀመርታ 39 መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብእስራኤላውያን ወይ ብኣይሁድ እየን ተጻሒፈን። ኣብ ፈለማ፡ “እቲ ቕዱስ ቃል ኣምላኽ ንዓታቶም ሕድሪ ተዋሂብዎም” ነይሩ እዩ። (ሮሜ 3:1, 2) ይኹን እምበር፡ ኣብ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ክ. መብዛሕትኦም ኣይሁድ እብራይስጢ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እስክንድር እቲ ዓብዪ ንሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ ኣብ ኵሉ እቲ ወሪሩ ዝሓዞ ኸባቢታት ኣስፋሕፊሕዎ ነይሩ እዩ። (ዳን. 8:5-7, 20, 21) እቲ ሃጸያዊ ግዝኣቱ ኺሰፍሕ ከሎ ድማ፡ ግሪኽኛ ዅሎም ተገዛእቱ ዚዛረብዎ ተራ ቛንቋ ዀነ። እቶም ኣብ መላእ ግዝኣቱ ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ኣይሁድ እውን ከይተረፉ ግሪኽኛ ይዛረቡ ነበሩ። ሓያሎ ኣይሁድ ተዛረብቲ ግሪኽኛ ምስ ኰኑ ኸኣ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ምርዳእ ኪኸብዶም ጀመረ። እሞኸ እዚ ጸገም እዚ ብኸመይ ተፈትሐ፧

8 ኣብ መፋርቕ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ክ. ኣቢሉ፡ እተን ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እብራይስጢ ናብ ግሪኽኛ ተተርጐማ። ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ. ድማ እቲ ዝተረፈ መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተተርጒሙ ተወድአ። እዚ ትርጉም መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ ናይ ግሪኽኛ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ተባህለ። ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት፡ ንብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝሓዘ ናይ ፈለማ ትርጉም እዩ።

9. (ሀ) ትርጉም ሰብዓ ሊቃናትን ካልእ ናይ ቀደም ትርጉማትን ኣብ ኣንበብቲ ቓል ኣምላኽ ጽልዋ ዘሕደረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እትፈትዎ ኽፋል ኣየናይ እዩ፧

9 ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ግሪኽኛ ዚዛረቡ ኣይሁድን ካልኦት ሰባትን ብዚርድእዎ መገዲ ኺትርጕም ጽዒሩ እዩ። ኣይሁድ ኰኑ ኻልኦት ንቓል ኣምላኽ በቲ ጸኒሑ ቛንቋ ኣዲኦም ዝዀነ ግሪኽኛ ኺሰምዕዎን ኬንብብዎን ምስ ከኣሉ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሶም ይዀኑ! ድሕሪ ግዜ፡ ገሊኡ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እኒ ሱርስት፡ ጎቲኛ፡ ላቲን ብዝኣመሰለ ተራ ቛንቋታት ኪትርጐም ጀመረ። ኣንበብቲ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብዚርድኦ ቛንቋ ኼንብብዎ ምስ ጀመሩ፡ ከምዚ ኸማና ዚፈትውዎ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝረኸቡ መሸም ርዱእ እዩ። (መዝሙር 119:162-165 ኣንብብ።) እወ፡ እቲ መብዛሕትኦም ሰባት ዚዛረብዎ ተራ ቛንቋ በብግዜኡ እኳ እንተ ተቐያየረ፡ ቃል ኣምላኽ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ተራእዩ እዩ።

ንትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ዘጋጠሞ ምጽራር

10. ብግዜ ጆን ዊክሊፍ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይነበሮም ስለምንታይ እዮም፧

10 ሓድሓደ ግዜ፡ ሓያላት መራሕቲ ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ከይትርጕሙ ኪኽልክልዎም ይፍትኑ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ ቅኑዓት ውልቀ ሰባት በዚ ምጽራር እዚ ድምብርጽ ኣይበሎምን። ንኣብነት፡ ኣብ መበል 14 ዘመን ዚነብር ዝነበረ ምሁር ስነ ሃይማኖት ዝዀነ ጆን ዊክሊፍ ንርአ። ዊክሊፍ ኵሉ ሰብ ካብ ቃል ኣምላኽ ኪጥቀም ከም ዘለዎ እዩ ብጽኑዕ ዚኣምን ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግና፡ ተራ ህዝቢ ዓዲ እንግሊዝ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበሮምን። ስለምንታይ፧ ቀዳማይ ነገር፡ ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ብኢድ ዚጽሓፍን ኣዝዩ ኽቡርን ስለ ዝነበረ፡ ተራ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኪዕድጉ ዓቕሚ ኣይነበሮምን። ብዘይካዚ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ዘይተማህሩ እዮም ነይሮም። ናብ ቤተ ክርስትያን ኪኸዱ ኸለዉ እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኪንበብ ከሎ ኺሰምዑ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ግናኸ፡ ነቲ ዚንበብ ቃል ኪርድእዎ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ቤተ ክርስትያን እትጥቀመሉ ወግዓዊ መጽሓፍ ቅዱስ (ቩልጌት)፡ ብላቲን እተጻሕፈ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ማእከላይ ዘመን፡ እቲ ተራ ህዝቢ፡ ላቲን ኣይዛረብን እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ ተራ ህዝቢ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኽቡር ሃብቲ ኺረክብ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧—ምሳ. 2:1-5

ጆን ዊክሊፍን ካልኦትን፡ ኵሎም ሰባት ቃል ኣምላኽ ኪረኽቡ ድሌት ነይርዎም እዩ። ንስኻኸ ኸምኡ ድዩ ድሌትካ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. መጽሓፍ ቅዱስ ዊክሊፍ እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ፧

11 ብ1382፡ እቲ ጸኒሑ መጽሓፍ ቅዱስ ዊክሊፍ እተባህለ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ተሓትመ። ሰዓብቲ ዊክሊፍ ከኣ ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ፈተውዎ። ሎላርድስ ዚብሃሉ ተጐዓዝቲ ሰበኽቲ ድማ፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮን ኣብ ልብን ተራ ህዝቢ ኼስርጽዎ ይብህጉ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ በብቝሸቱ እናኸዱ ሰበኹ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዞም ተጐዓዝቲ እዚኦም፡ ነቶም ዚረኽብዎም ሰባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዊክሊፍ እተወሰነ ኽፋል የንብቡሎም፡ ብኢድ እተጻሕፈ ቕዳሕ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ይህብዎም ነበሩ። ሳላ እቲ ዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ሰባት ከም ብሓድሽ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተገዳስነት ኬሕድሩ ጀሚሮም ነይሮም እዮም።

12. ካህናት ንዊክሊፍን ንምንቅስቓሳቱን እንታይ ኪገብሩ እዮም ጽዒሮም፧

12 ኣቕሽሽቲኸ እንታይ ተሰምዖም፧ ንዊክሊፍን ንመጽሓፍ ቅዱሱን ንሰዓብቱን ጸልእዎም። ነቶም ተጐዓዝቲ ድማ መስጐጕቲ ኼውርዱሎም ጀመሩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ዊክሊፍ እናኣረዩ ኼጥፍእዎ ፈተኑ። ዊክሊፍ ምስ ሞተ ኸኣ፡ መናፍቕ ተባህለ። መሸም ንዝሞተ ሰብ ክትቀጽዕ ዘይሕሰብ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣቕሽሽቲ ንኣዕጽምቲ ዊክሊፍ ካብ መቓብር ኵዒቶም ኣውጺኦም ኣንደድዎ፡ ነቲ ሓምዅሽቲ ድማ ኣብ ፈለግ ስዊፍት በተንዎ። ይኹን እምበር፡ ቤተ ክርስትያን ነቶም ንቓል ኣምላኽ ኬንብብዎን ኪርድእዎን ዚጽዕሩ ዝነበሩ ሰባት ክትዓግቶም ኣይከኣለትን። ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ዘመናት ከኣ፡ ኣብ ኤውሮጳን ካልእ ክፋላት ዓለምን ዝነበሩ ሓያሎ ሰባት፡ ተራ ህዝቢ ምእንቲ ኺጥቀም ኢሎም ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪትርጕምዎን ኪዝርግሕዎን ጀመሩ።

“እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ”

13. ብዛዕባ እንታይ ኢና እንተኣማመን፧ እዚ ንእምነትና ዜደልድሎኸ ብኸመይ እዩ፧

13 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዊክሊፍ፡ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ወይ ካልእ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ከም እተተርጐመ ገይሮም ኪሓስቡ የብሎምን። ታሪኽ እዚ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ ትርጉማትን ክንርኢ ኸለና ግና፡ ከምቲ የሆዋ ዘተስፈዎ፡ ቃሉ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ዜረጋግጽ እዩ። እዝስ ካልእ ተስፋታት ኣምላኽ እውን ከም ዚፍጸም ንዘሎካ እምነት ዜደልድሎ ደይኰነን፧—እያ. 23:14

14. ቃል ኣምላኽ ንየሆዋ ብዝያዳ ኸነፍቅሮ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

14 መጽሓፍ ቅዱስ ንዘመናት ተዓቂቡ ምጽናሑ፡ ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምነት ዜደልድል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኸተፍቅሮ እውን ይሕግዘካ እዩ። * ቃሉ ዝሃበናን ቃሉ ንዘለኣለም ጸኒዑ ኸም ዚነብር ዘረጋገጸልናን ስለምንታይ ድዩ፧ ስለ ዜፍቅረናን ዚጠቕመና ዘበለ ኺምህረና ስለ ዚደልን እዩ። (ኢሳይያስ 48:17, 18 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ነቲ የሆዋ ዘርኣየና ፍቕሪ፡ ንሕና እውን ንዕኡ ብምፍቃርን ንትእዛዛቱ ብምሕላውን ምላሽ ክንህበሉ ግቡእ እዩ።—1 ዮሃ. 4:19፣ 5:3

15. ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

15 ንቓል ኣምላኽ ኣዚና ስለ እነፍቅሮ፡ ካብኡ ብዙሕ ክንጥቀም ንደሊ ኢና። እሞ ደኣ ኻብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስና ዝያዳ ኽንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብ ኣገልግሎትና ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኼተኵሩሉ ኽንሕግዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እቶም ኣብ መድረኽ ኰይኖም ዚምህሩ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ቀንዲ ኣትኵሮ ትምህርቶም ኪገብርዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ዚቕጽል ዓንቀጽ ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 4 ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2009 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “እብራይስጥን ግሪኽኛን ክትመሃር የድልየካ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 14 ነታ “ ኬድካ ርኣዮ” ዘርእስታ ሳጹን ኣስተብህለላ።