ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ቃል ኣምላኽ ዚዓዪ እዩ’

‘ቃል ኣምላኽ ዚዓዪ እዩ’

“ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን እዩ።”​ —እብ. 4:12

መዝሙር፦ 96, 94

1. ቃል ኣምላኽ ከም ዚዓዪ ሓንቲ እኳ ዘይንጠራጠር ስለምንታይ ኢና፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

ህዝቢ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ቃል ኣምላኽ፡ ማለት እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝሃቦ መልእኽቲ፡ “ህያውን ዚዓይን” ከም ዝዀነ ንተኣማመን ኢና። (እብ. 4:12) መብዛሕትና ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ኪቕይር ከም ዚኽእል ብተመክሮ ርኢናዮ ኢና። ገሊኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቀደም ሰረቕቲ፡ ውሉፋት ሓሽሽ ወይ ኣመንዝራታት እዮም ነይሮም። ገሊኦም ከኣ፡ ኣብዚ ስርዓት ዓለም እዚ ዕውት ናብራ ዚነብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ህይወቶም ገለ ነገር ከም ዚጐድሎም ኰይኑ ይስምዖም ነይሩ እዩ። (መክ. 2:3-11) እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ እቶም ቀደም ተስፋ ዘይነበሮም ሰባት በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ህይወት ሰብ ንምልዋጥ ዘለዎ ሓይሊ ኣቢሎም ብመገዲ ህይወት ኪመላለሱ ኽኢሎም እዮም። “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ኣብ ዘርእስቱ ዓምዲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚወጽእ ሓያሎ ተመክሮታት ኣንቢብካ ትኸውን ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ሰብ ክርስትያን ምስ ኰነ እውን ከይተረፈ፡ ብቕዱሳት ጽሑፋት ኣቢሉ ቐጻሊ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብር ከም ዘለዎ እውን ተገንዚብካ ትኸውን ኢኻ።

2. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቃል ኣምላኽ ዚዓዪ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

2 ኣብዚ ግዜና፡ ብዙሓት ሰባት ቃል ኣምላኽ ኣጽኒዖም ዜደንቕ ለውጢ ብምግባሮም ክንግረም ኣሎናዶ፧ ኣይፋልን! እዞም ሰባት እዚኦም ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰማያዊ ተስፋ ዝነበሮም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እዮም ዜዘኻኽሩና። (1 ቈረንቶስ 6:9-11 ኣንብብ።) ጳውሎስ እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘይወርስዋ እንታይ ዓይነት ሰባት ከም ዝዀኑ ምስ ገለጸ፡ “ገሌኻትኩም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም ኢኹም” በለ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ሳላ ቕዱሳት ጽሑፋትን መንፈስ ቅዱስን ተቐይሮም እዮም። ገሊኦም ሰባት ግና ሓቂ ምስ ተቐበሉ እውን፡ ምስ ከቢድ መንፈሳዊ ጸገማት ይቃለሱ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተወገደ፡ ደሓር ግና እተመልሰ ቕቡእ ክርስትያን ይገልጽ እዩ። (1 ቈረ. 5:1-5፣ 2 ቈረ. 2:5-8) እሞኸ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና እንታይ ዓይነት ጸገማት ከም ዘጋጠሞምን ንጸገማቶም ብቓል ኣምላኽ ኣቢሎም ብኸመይ ከም ዘሰነፍዎን ምምርማርና ዜተባብዓና ደይኰነን፧

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ቃል ኣምላኽ ብቐሊሉ ኽንረኽቦ እንኽእል ሓያል መሳርሒ ስለ ዝዀነ፡ ጽቡቕ ጌርና ኽንጥቀመሉ ንደሊ ኢና። (2 ጢሞ. 2:15) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እምበኣር፡ ቃል ኣምላኽ፡ (1) ኣብ ብሕታዊ ህይወትና፡ (2) ኣብ ኣገልግሎት ክንካፈል ከለና፡ (3) ካብ መድረኽ ክንምህር ከለና፡ ምሉእ ብምሉእ ኪዓዪ ብኸመይ ክንፈቕደሉ ኸም እንኽእል ክንርኢ ኢና። እዚ መዘኻኸሪታት እዚ ድማ፡ ነቲ ዚጠቕመና ዚምህረና ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ፍቕርን ሞሳን ከነርኢ ኺሕግዘና እዩ።—ኢሳ. 48:17

ኣብ ብሕታዊ ህይወትና

4. (ሀ) ቃል ኣምላኽ ኣባና ጽልዋ ኼሕድር እንተ ደሊና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ለ) ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ግዜ ኽትምድብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

4 ቃል ኣምላኽ ኣባና ጽልዋ ኼሕድር እንተ ደሊና፡ ኣዘውቲርና፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑ ድማ መዓልቲ መዓልቲ ኸነንብቦ ኣሎና። (እያ. 1:8) ርግጽ እዩ፡ መብዛሕትና ሃታሃታ ዝመልኦ ናብራ ኢና እንነብር። ይኹን እምበር፡ ዝዀነ ይኹን ነገር፡ እንተላይ ግቡእ ሓላፍነታትና ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልማድና ኺዓናቕፎ ኽንፈቅድ የብልናን። (ኤፌሶን 5:15, 16 ኣንብብ።) ብዙሓት ህዝቢ የሆዋ፡ ንግሆ ወይ ምሸት ወይ ከኣ ቀትሪ፡ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብብሉ ግዜ ይምድቡ እዮም። ከምቲ ዘማሪ ድማ፡ “ንሕግኻ ኽንደይ ኰን እየ ዘፍቅሮ! ምሉእ መዓልቲ ኣጸቢቐ እሓስበሉ ኣለኹ” ይብሉ እዮም።—መዝ. 119:97

5, 6. (ሀ) ምስትንታን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ኸነስተንትን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ሐ) ቃል ኣምላኽ ብምንባብካን ብዛዕባኡ ብምስትንታንካን ብብሕትኻ እተጠቐምካ ብኸመይ ኢኻ፧

5 ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ እውን ከነስተንትን ኣሎና። (መዝ. 1:1-3) ከምኡ እንተ ጌርና ጥራይ ኢና ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ ብብሕትና ኽንጥቀም እንኽእል። ቃል ኣምላኽ እነንብብ ብወረቐት ይኹን ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ብዘየገድስ፡ ሸቶና ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልብና ምሕዳር ኪኸውን ኣለዎ።

6 ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ኸነስተንትን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ሓደ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ምስ ኣንበብና፡ ህድእ ኢልና፡ ‘እዚ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ እንታይ ይምህረኒ፧ ኣብዚ ኽፋል ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ስርዓታት ኣብ ህይወተይ ዝጥቀመሉ ዘለኹ ብኸመይ እየ፧ ብኸመይከ እየ ኸመሓይሽ ዝኽእል፧’ ንዚብል ሕቶታት ክንሓስበሉ ኣሎና። ስለዚ፡ ንቓል ኣምላኽ ብዕቱብ ምስ እነስተንትነሉ፡ ነቲ ኻብኡ እንረኽቦ ምኽሪ ብዝበለጸ መገዲ ኽንትግብሮ ኽንለዓዓል ኢና። እወ፡ ኣብ ህይወትና ምሉእ ብምሉእ ኪዓዪ ኽንፈቕደሉ ንኽእል ኢና።—2 ቈረ. 10:4, 5

ኣብ ኣገልግሎት

7. ኣብ ኣገልግሎትና ንቓል ኣምላኽ ብዚግባእ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 ኣብ ኣገልግሎትና ንቓል ኣምላኽ ብዚግባእ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ቀዳማይ ነገር፡ ክንሰብኽን ክንምህርን ከለና፡ ኣጸቢቕና ኽንጥቀመሉ ኣሎና። ሓደ ሓው ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ምስ የሆዋ ዄንካ ኣብ በቤት ትሰብኽ እንተ ትህሉ፡ ኵሉ ዘረባ በይንኻዶ ምተዛረብካ ወይስ ንየሆዋ ኺዛረብ ምፈቐድካሉ፧” በለ። እቲ ሓው ኪብሎ ዝደለየ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ኻብ ቃል ኣምላኽ ብቐጥታ ኸነንብብ ከለና፡ የሆዋ ነቲ ብዓል ቤት ኪዛረቦ ንፈቕደሉ ኣሎና ማለት እዩ። ብዚግባእ እተሓርየት ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብቲ ንሕና ኽንዛረቦ እንኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ኣዝዩ ዚበልጽ ሓይሊ ኣለዋ። (1 ተሰ. 2:13) እምበኣር፡ ‘ነቶም ብስራት ዘበስሮም ሰባት ካብ ቃል ኣምላኽ ከንብበሎም እጽዕር ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።

8. ክንሰብኽ ከለና፡ ሒደት ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብና ጥራይ እኹል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

8 ይኹን እምበር፡ ነቶም እነዘራርቦም ሰባት ሒደት ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብና ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣፍልጦ የብሎምን። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰባት ኰኑ ሎሚ ዘለዉ ሰባት ከምኡ እዮም። (ሮሜ 10:2) ስለዚ፡ ንሓደ ሰብ ሓንቲ ጥቕሲ ስለ ዘንበብናሉ ጥራይ፡ ነቲ መልእኽቲ ኺርድኦ ኸም ዚኽእል ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ንእተወሰነ ኽፋል እታ ዘንበብናሉ ጥቕሲ ፈሊና ወይ ከኣ ኣብታ ጥቕሲ ንዘሎ ኣገዳሲ ቓላት ደጊምና ብምንባብ፡ ትርጉሙ ኸነብርሃሉ ንኽእል ኢና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ መልእኽቲ ቓል ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮን ልብን ሰማዕትና ኸነስርጽ ንኽእል ኢና።ሉቃስ 24:32 ኣንብብ።

9. ሰማዒና ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ከም ዚሓድሮ ብዚገብር መገዲ ንቕዱሳት ጽሑፋት ከነፋልጥ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብነት ሃብ።

9 ብዘይካዚ፡ ሰማዒና ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ከም ዚሓድሮ ብዚገብር መገዲ ኢና ንቕዱሳት ጽሑፋት ከነፋልጥ ዘሎና። ንኣብነት፡ “ኣብዚ ጕዳይ እዚ ፈጣሪና እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ” ኽንብል ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ክርስትና ኣፍልጦ ንዘይብሎም ሰባት ከነዘራርቦም ከለና ኸኣ፡ “ቅዱሳት መጻሕፍቲ እንታይ ከም ዚብለና እሞ ኣስተብህል” ክንብል ንኽእል ኢና። ወይ እውን ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ ንዘይብሎም ሰባት ክንሰብከሎም ከለና፡ “ነዛ ጥንታዊት ምሳሌ እዚኣ ሰሚዕካያዶ ትፈልጥ፧” ክንብሎም ንኽእል ኢና። እወ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ብብሕቱ ኺትንክፎ ብዚኽእል መገዲ ኢና ኽንቀርቦ ዘሎና።—1 ቈረ. 9:22, 23

10. (ሀ) ንሓደ ሓውና ዘጋጠሞ ተመክሮ ኣዘንቱ። (ለ) ቃል ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎትና ኸም ዚዓዪ ብተመክሮ ዝረኣኻሉ ኣጋጣሚ ኣዘንቱ።

10 ብዙሓት ኣሕዋት፡ ኣብ ኣገልግሎት ቃል ኣምላኽ ኪጥቀሙ ኸለዉ፡ ኣብቶም ዚሰብኩሎም ሰባት ዓብዪ ጽልዋ ኸም ዜሕድር ተገንዚቦም እዮም። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ሓደ ሓው ንሓደ ንብዙሕ ዓመታት ጽሑፋትና ዘንበበ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ገበረሉ። እቲ ሓው ነቲ ሰብኣይ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸት ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ስቕ ኢሉ ኣብ ክንዲ ዚህቦ፡ ኣብታ ሕታም ንዘላ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብበሉ ወሰነ። ካልኣይ ቈረንቶስ 1:3, 4 እዩ ኣንቢብሉ። እታ ጥቕሲ፡ “እቲ ኣቦ ርሕራሐን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን . . . ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና እዩ” እያ እትብል። እቲ ሰብኣይ በታ ጥቕሲ ልቡ ስለ እተተንከፈ፡ ነቲ ሓው ደጊሙ ኸንብበሉ ሓተቶ። ንሱን ሰበይቱን መጸናንዒ ኸም ዜድልዮም ድማ ገለጸ። ድሕርዚ፡ ኣብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኣርኣየ። እሞኸ፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎትና ኸም ዚዓዪ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧—ግብ. 19:20

ካብ መድረኽ ኣብ እትምህረሉ እዋን

11. እቶም ካብ መድረኽ ዚምህሩ ኣሕዋት እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧

11 ኵላትና ኣብ ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታትና ኽንእከብ ከለና ባህ እዩ ዚብለና። እቲ እንእከበሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ንየሆዋ ምእንቲ ኸነምልኾ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካብቲ ኣብኡ እንረኽቦ መንፈሳዊ ትምህርቲ እውን ብዙሕ ንጥቀም ኢና። እቶም ካብ መድረኽ ዚምህሩ ኣሕዋት፡ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። ይኹን እምበር፡ ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎም እውን ኪግንዘቡ ኣለዎም። (ያእ. 3:1) ኵሉ እቲ ዚምህርዎ ነገራት፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ። ካብ መድረኽ ክትምህር እንተ ተመዲብካ፡ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ኣብ ክፍልኻ ብዚግባእ ክትጥቀመሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

12. ሓደ ተዛራባይ፡ ቀንዲ መሰረት እቲ ዚምህሮ ትምህርቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

12 ቀንዲ መሰረት እቲ እትምህሮ ትምህርቲ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪኸውን ኣለዎ። (ዮሃ. 7:16) እዚ እንታይ የጠቓልል፧ ንኣብነት፡ እቲ እትጥቀሞ ተመክሮታትን ምሳሌታትን ኰነ ኣዘራርባኻ፡ ነቲ ዘንበብካዮ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከይዓብጦ ወይ ንሰማዕቲ ኻብቲ ቐንዲ መልእኽቱ ኸም ዚርሕቁ ኸይገብሮም ክትጥንቀቕ ኣሎካ። ብዘይካዚ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምንባብካ ጥራይ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ ምሂርካ ኺብሃል ከም ዘይከኣል ኣይትረስዕ። እኳ ደኣስ፡ ብዙሕ ጥቕስታት እንተ ተጠቒምካ፡ ሰማዕትኻ ሓንቲ እኳ ኸይሓዙ ኺተርፉ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ሓንቲ ጥቕሲ ብጥንቃቐ መሪጽካ፡ ኣንብብ፡ ግለጽ፡ ብምሳሌ ኣረድእ፡ ኣወዓዕላኡ ድማ ጽቡቕ ጌርካ ኣብርህ። (ነህ. 8:8) እቲ መደረኻ ውድብ የሆዋ ኣብ ዘዳለወቶ ኣስተዋጽኦ እተመስረተ ምስ ዚኸውን፡ ፈለማ ነቲ ኣስተዋጽኦን ነቲ ኣብኡ ዘሎ ጥቕስታትን ኣጽንዓዮ። እቲ ሓሳባት ኣስተዋጽኦ ምስቲ ኣብኡ ተሓቢሩ ዘሎ ጥቕስታት እንታይ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ኽትርዳእ ጽዓር። ድሕሪኡ፡ ጥቕስታት ሓሪኻ ነቲ ኣብቲ ኣስተዋጽኦ ዘሎ ሓሳባት ምሃር። (ኣብታ ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ካብ መጽናዕቲ 21 ክሳዕ 23፡ ግብራዊ ሓሳባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ኽቡር መልእኽቲ ብዚግባእ ከተመሓላልፎ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ንየሆዋ ብጸሎት ለምኖ።እዝራ 7:10፣ ምሳሌ 3:13, 14 ኣንብብ።

13. (ሀ) ሓንቲ ሓብቲ በቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዚንበብ ጥቕስታት እተተንከፈት ብኸመይ እያ፧ (ለ) እቲ ኣብ ኣኼባታትና ዚቐርብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ዝጠቐመካ ብኸመይ እዩ፧

13 ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ሓንቲ ሓብቲ፡ በቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዚንበብ ጥቕስታት ብዙሕ ተተንኪፋ እያ። ሕማቕ ኣተዓባብያ እኳ እንተ ነበራ፡ ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣወንታዊ ምላሽ ብምሃብ ህይወታ ንየሆዋ ወፍያ ነበረት። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንዓኣ ኸም ዜፍቅራ ምእማን ከቢድዋ ነበረ። ጸኒሓ ግና፡ ኣምላኽ ከም ዜፍቅራ ኣመነት። ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኽትበጽሕ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ኣብ ሓደ ኻብ ኣኼባታትና፡ ሓንቲ ኣዝያ ዝተንከፈታ ጥቕሲ ምስ ሰምዐት፡ ብዛዕባኣ ኣስተንተነት፣ ምርምር ምስ ገበረት ድማ፡ ምስታ ጥቕሲ ዚተሓሓዝ ካልእ ጥቕስታት ረኸበት። እዚ ድማ የሆዋ ኸም ዜፍቅራ ኣእመና። * ንዓኻኸ ኣብ ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታት ዝሰማዕካዮ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ተንኪፉካዶ ይፈልጥ፧—ነህ. 8:12

14. ንቓል የሆዋ ዘሎና ሞሳ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 የሆዋ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝሃበናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣመስገንቲ ኢና። ብፍቕሪ ተደሪኹ ቓሉ ሂቡና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ቃሉ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ዘተስፈዎ ተስፋ እውን ፈጺሙ እዩ። (1 ጴጥ. 1:24, 25) እምበኣር፡ ንቓል ኣምላኽ ኣዘውቲርና ኸነንብቦን ኣብ ህይወትና ኽንትግብሮን ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክንጥቀመሉን ኣሎና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ነዚ መለኮታዊ ሃብቲ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ ደራሲኡ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ፍቕርን ሞሳን ኢና እነርኢ።

^ ሕ.ጽ. 13 ነጥበ መቐይሮ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።