ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ትባዕን . . . ስራሕን”

“ትባዕን . . . ስራሕን”

“ትባዕን በርትዕን ስራሕን። የሆዋ . . . ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር እውን።”—1 ዜና 28:20

መዝሙር፦ 38, 34

1, 2. (ሀ) ሰሎሞን እንታይ ኣገዳሲ መዝነት እዩ ተዋሂብዎ ነይሩ፧ (ለ) ዳዊት ብዛዕባ ሰሎሞን ተሻቒሉ ዝነበረ ስለምታይ እዩ፧

ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ቤተ መቕደስ ኪሃንጽ ፍሉይ መዝነት ተዋሂብዎ ነበረ። እዚ ዕዮ ህንጸት እዚ፡ ካብ ኵሉ ፕሮጀክትታት ህንጸት ብኣገዳስነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። እታ እትህነጽ ቤተ መቕደስ፡ “ዝናኣን ጽባቐኣን ኣብ ኵለን ሃገራት ክትፍለጥሲ፡ ኣዝያ ዓባይ ክትከውን” ነበራ። ብዘይካዚ፡ እታ ቤተ መቕደስ፡ “ቤት የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ” ክትከውን እያ ትህነጽ ነይራ። የሆዋ ድማ ንሰሎሞን ነቲ ዕዮ ህንጸት ብሓላፍነት ኪቈጻጸሮ መዝነት ሂብዎ ነበረ።—1 ዜና 22:1, 5, 9-11

2 ንጉስ ዳዊት እቲ ህንጸት ደገፍ የሆዋ ኸም ዘይፍለዮ ይተኣማመን እኳ እንተ ነበረ፡ ሰሎሞን ግና “ንእሽቶን ዘይምኩርን” እዩ ነይሩ። እሞኸ ነቲ ቤተ መቕደስ ናይ ምህናጽ ዕዮ ብትብዓት ይዓይዮ ደዀን ይኸውን፧ መንእሰይን ተመክሮ ዘይብሉን ምዃኑ ዕንቅፋት ይፈጥረሉ ደዀን ይኸውን፧ ሰሎሞን ኪሰልጦ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኪተብዕን ኪሰርሕን የድልዮ ነበረ።

3. ሰሎሞን ካብ ኣቦኡ ብዛዕባ ትብዓት እንታይ እዩ ኺምሃር ዚኽእል ነይሩ፧

3 ሰሎሞን ካብ ኣቦኡ ብዛዕባ ትብዓት ብዙሕ ተማሂሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዳዊት ገና ብንእስነቱ ንኣባጊዕ ኣቦኡ ምስ ዝወሰዱሉ ኣራዊት ተቓሊሱ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 17:34, 35) ተመክሮ ውግእ ምስ ዘለዎ ዓርሞሸሽ ከኣ ብትብዓት ተዋጊኡ እዩ። እወ፡ ብሓገዝ ኣምላኽን ብሓንቲ ልምጽቲ እምንን ንጐልያድ ስዒርዎ እዩ።—1 ሳሙ. 17:45, 49, 50

4. ሰሎሞን ተባዕ ኪኸውን ዜድልዮ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

4 ዳዊት ንሰሎሞን ብትብዓት ነታ ቤተ መቕደስ ኪሃንጻ ምዝራቡ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (1 ዜና መዋእል 28:20 ኣንብብ።) ሰሎሞን ተባዕ እንተ ዘይከውን፡ ብፍርሂ ምለመሰ ነይሩ። ዋላ ሓንቲ ዕዮ ኽትዓዪ ኸይፈተንካ ምትራፍ ከኣ፡ ፈቲንካ ኸይሰለጠካ ኻብ ምትራፍ ዝገደደ እዩ።

5. ትብዓት ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

5 ንሕና እውን ከም ሰሎሞን፡ ነቲ እተዋህበና ዕዮ ብትብዓት ምእንቲ ኽንፍጽሞ ሓገዝ የሆዋ የድልየና እዩ። እምበኣር፡ ብዛዕባ እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ኣብነታት ትብዓት ምስትንታንና ጠቓሚ እዩ። ብትብዓት ዕዮና ኽንፍጽም እንኽእል ብኸመይ ምዃኑ ድማ ክንሓስብ ንኽእል ኢና።

ኣብነታት ትብዓት

6. ትብዓት ዮሴፍ ዚምስጠካ ብኸመይ እዩ፧

6 ሰበይቲ ጶጢፋር ንዮሴፍ ምስኣ ኺምንዝር ምስ ፈተነቶ፡ ዮሴፍ ከመይ ዝበለ ፍሉይ ትብዓት ከም ዘርኣየ እሞ ዘክር። እንተ ነጺግዋ፡ ከቢድ ጸገም ኬጋጥሞ ኸም ዚኽእል ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መትከሉ ጸኒዑ፡ ብትብዓት ስጕምቲ ወሲዱ እዩ።—ዘፍ. 39:10, 12

7. ረሃብ ዘርኣየቶ ትብዓት ግለጽ። (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

7 ረሃብ ከኣ ካልእ ኣብነት ትብዓት እያ። እስራኤላውያን ሰለይቲ ናብታ ኣብ ያሪኮ ዝነበረት ቤታ ምስ መጹ፡ ክትፈርህን ኣሕሊፋ ኽትህቦምን ትኽእል ነይራ እያ። ኰይኑ ግና፡ ብየሆዋ ተኣሚና፡ ነቶም ክልተ ሰብኡት ብትብዓት ሓብኣቶም፡ ብደሓን ኬምልጡ ድማ ሓገዘቶም። (እያ. 2:4, 5, 9, 12-16) ረሃብ፡ የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ተቐቢላ ነበረት፣ ነታ ምድሪ ኸኣ ንእስራኤላውያን ከም ዚህቦም ተኣማሚና ነበረት። ብፍርሂ ሰብ ኣይለመሰትን። እወ፡ ንንጉስ ያሪኮ ዀነ ንሰቡ ኣይፈርሃቶምን። እኳ ደኣስ፡ ንዓኣን ንስድራ ቤታን መገዲ ድሕነት ዝኸፈተ ስጕምቲ ወሰደት።—እያ. 6:22, 23

8. ትብዓት የሱስ ኣብ ሃዋርያቱ ጽልዋ ዘሕደረ ብኸመይ እዩ፧

8 እቶም እሙናት ሃዋርያት የሱስ እውን ጽቡቕ ኣብነት ትብዓት ሓዲጎም እዮም። ከመይሲ፡ ትብዓት የሱስ ርእዮም ነይሮም እዮም። (ማቴ. 8:28-32፣ ዮሃ. 2:13-17፣ 18:3-5) እዚ ኣብነት እዚ ድማ፡ ተባዓት ኪዀኑ ሓጊዝዎም እዩ። ዋላ እውን ሰዱቃውያን እንተ ተጻረርዎም፡ ብስም የሱስ ካብ ምምሃር ዓዲ ኣይወዓሉን።—ግብ. 5:17, 18, 27-29

9. ካልኣይ ጢሞቴዎስ 1:7፡ ቀንዲ ምንጪ ትብዓት እንታይ ምዃኑ ኸነለሊ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

9 ዮሴፍን ረሃብን የሱስን ሃዋርያትን፡ ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ ዘለዓዓሎም ውሽጣዊ ብርታዐ ኣርእዮም እዮም። እምብዛ ብርእሶም ይተኣማመኑ ስለ ዝነበሩ ኣይኰኑን ትብዓት ኣርእዮም። ተባዓት ዝዀኑ፡ ብየሆዋ ስለ እተኣመኑ እዩ። ንሕና እውን ትብዓት ዜድልየሉ ዅነታት የጋጥመና እዩ። ስለዚ፡ ብርእስና ኣብ ክንዲ እንተኣማመን፡ ብየሆዋ ኽንእመን ኣሎና። (2 ጢሞቴዎስ 1:7 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ኣብ ክልተ መዳይ ህይወትና፡ ማለት ኣብ ስድራ ቤትናን ኣብ ጉባኤናን ብኸመይ ትብዓት ከነርኢ ኸም እንኽእል ንመርምር።

ትብዓት ዜድልየሉ ዅነታት

10. ክርስትያን መንእሰያት ተባዓት ኪዀኑ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

10 ክርስትያን መንእሰያት ብትብዓት ንየሆዋ ኸም ዜገልግሉ ኼርእዩ ዜድልየሉ ብዙሕ ኵነታት የጋጥሞም እዩ። ካብቲ ቤተ መቕደስ ሃኒጹ ምእንቲ ኺውድእ ብትብዓት ጥበባዊ ውሳነታት ዝገበረ ሰሎሞን ኪምሃሩን ንዕኡ ኺመስልዎን ይኽእሉ እዮም። ክርስትያን መንእሰያት ካብ ወለዶም መምርሒ ኪቕበሉ ግቡእ እኳ እንተ ዀነ፡ ባዕሎም እውን ኣገዳሲ ውሳነታት ይገብሩ እዮም። (ምሳ. 27:11) ብዛዕባ ጽቡቕ ምሕዝነት፡ ጥዑይ መዘናግዒ፡ ስነ ምግባራዊ ንጽህና፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ጥምቀት ዚገብርዎ ጥበባዊ ውሳነታት ትብዓት ዚሓትት እዩ። ከመይሲ፡ እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት ኣንጻር እቲ ንኣምላኽ ዜባጭወሉ ሰይጣን እዮም ብትብዓት ውሳነታት ዚገብሩ።

11, 12. (ሀ) ሙሴ ጽቡቕ ኣብነት ትብዓት ዝሓደገ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) መንእሰያት ኣብነት ሙሴ ኺስዕቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

11 ሓደ ኻብቲ መንእሰያት ኪገብርዎ ዘለዎም ኣገዳሲ ውሳነታት፡ ነቲ ዜውጽእዎ ሸቶታት ዚምልከት እዩ። ኣብ ገሊአን ሃገራት፡ መንእሰያት ዝለዓለ ትምህርቲ ኺምሃሩን ብዙሕ ደሞዝ ዚኽፈሎ ስራሕ ኪሕዙን ሸቶታት ኬውጽኡ ጸቕጢ ይግበረሎም እዩ። ኣብ ገሊአን ሃገራት ከኣ፡ መንእሰያት ብሰንኪ እቲ ኣብ ቤተ ሰቦም ዚርእይዎ ቝጠባዊ ጸገማት፡ ብስጋዊ ነገራት ኪሕግዙ ኸም ዘለዎም ይስምዖም እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ ደኣ ዄንካ፡ ነቲ ሙሴ ዝሓደጎ ኣብነት ሕሰበሉ። ሙሴ ብጓል ፈርኦን ስለ ዝዓበየ፡ ተፈላጥነት ወይ ቍጠባዊ ውሕስነት ዚረኽበሉ ሸቶታት ኬውጽእ ምኸኣለ ነይሩ። እቶም ግብጻውያን ስድራ ቤቱን መምህራኑን ኣማኸርቱን ብዙሕ ጸቕጢ ይገብሩሉ ኸም ዝነበሩ ርዱእ እዩ። ሙሴ ግና፡ በዚ ኣይተሰነፈን፣ የግዳስ፡ ብትብዓት ንንጹህ ኣምልኾ ደጊፉ እዩ። ንሃብቲ ግብጺ ገዲፉ፡ ብትብዓት ኣብ የሆዋ ተወኪሉ እዩ። (እብ. 11:24-26) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ ባሪኽዎ እዩ፣ ገና ብሕጂ እውን ብዙሕ በረኸት ኪረክብ እዩ።

12 ሕጂ ዘለዉ መንእሰያት እውን፡ ብትብዓት መንፈሳዊ ሸቶታት ምስ ዜውጽኡን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ምስ ዚህቡን፡ የሆዋ ይባርኾም እዩ። ንስድራ ቤቶም ዜድሊ ዘበለ ኼምልኡ ኺሕግዞም እዩ። ስለዚ፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት ከተተኵር ትኽእል ኢኻ። *ፊልጲ 2:19-22 ኣንብብ።

ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትካ ተባዕ ክትከውን ቈሪጽካ ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13-17 ርአ)

13. ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ዘርኣየቶ ትብዓት ሸቶኣ ኽትወቅዕ ዝሓገዛ ብኸመይ እዩ፧

13 ኣብ ኣላባማ፡ ሕ.መ.ኣ እትነብር ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ምእንቲ ኸተውጽእ ትብዓት ከተጥሪ ኣድልይዋ ነይሩ እዩ። ከምዚ በለት፦ “ብንእስነተይ ሓፋር እየ ነይረ። ይትረፍዶ ማዕጾ ዘይፈልጦም ሰባት እናኸድኩ ክዅሕኵሕ፡ ምስቶም ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝረኽቦም ሰባት ክዛራረብ እኳ ይኸብደኒ ነይሩ እዩ።” ሳላ ሓገዝ ወለዳን ኣባላት ጉባኤኣን ግና ነቲ ስርዕቲ ፈላሚት ክትከውን ዝነበራ ሸቶ ወቕዐት። ከምዚ ድማ በለት፦ “ናይ ሰይጣን ዓለም ከም ጽቡቕ ሸቶ ገይራ እተቕርቦ፡ ዝለዓለ ትምህርትን ዝናን ገንዘብን ብዙሕ ስጋዊ ነገራት ምድላብን እዩ። እዚ ሸቶታት እዚ፡ ዝበዝሕ ግዜ ኺብጻሕ ዘይከኣል፡ ውጥረትን ጓሂ ልብን ድማ ዜምጽእ እዩ። ንየሆዋ ምግልጋል ግና፡ ብዙሕ ሓጐስን ዕግበትን ኣምጺኡለይ እዩ።”

14. ክርስትያን ወለዲ ትብዓት ዜድልዮም ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ፧

14 ክርስትያን ወለዲ እውን ትብዓት የድልዮም እዩ። ንኣብነት፡ ኣስራሒኻ ኣምሲኻ ኽትሰርሕ ወይ ከኣ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ኽትሰርሕ ብተደጋጋሚ ይሓትተካ ይኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ንኣገልግሎት ወፍሪ፡ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ዚኸውን ግዜ ትስእን ትኸውን። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብተደጋጋሚ ዚቐርበልካ ሕቶታት ክትኣብን ንውሉዳትካ ጽቡቕ ኣብነት ክትኰኖምን ትብዓት ይሓትተካ እዩ። ወይ ከኣ ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ገሊኦም ወለዲ፡ እቲ ንስኻ ንውሉዳትካ ዝኸላእካዮም ነገራት ንውሉዳቶም ኪገብርዎ ይፈቕዱሎም ይዀኑ። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ስለምንታይ ንውሉዳትካ ኣብቲ ንጥፈታት ከይካፈሉ ኸም ዝኸላእካዮም ይሓትቱኻ ይዀኑ። እሞኸ ብትብዓትን ብሜላን ዲኻ እትምልሰሎም፧

15. መዝሙር 37:25 ከምኡ እውን እብራውያን 13:5 ንወለዲ ዚሕግዛኦም ብኸመይ እየን፧

15 ንውሉዳትና ሸቶታት ኬውጽኡን ኣብ ሸቶታቶም ኪበጽሑን ንምሕጋዝ ትብዓት የድልየና እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ወለዲ ንውሉዳቶም፡ ፈለምቲ ኪዀኑ፡ ዝያዳ ኣገልገልቲ ኣብ ዜድልይሉ ኸይዶም ኬገልግሉ፡ ናብ ቤት-ኤል ኪኣትዉ፡ ወይ ኣብ ቲኦክራስያዊ ዕዮታት ህንጸት ኪዓይዩ ምትብባዕ የፍርሆም እዩ። ምስ ኣረጉ፡ ደቆም ኪኣልይዎም ከም ዘይክእሉ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ይኹን እምበር፡ ጥበበኛታት ወለዲ፡ ብትብዓት በቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ይተኣማመኑ እዮም። (መዝሙር 37:25፣ እብራውያን 13:5 ኣንብብ።) ተባዕ ከም ዝዀንካን ብየሆዋ ኸም እትተኣማመንን ከተርእየሉ እትኽእል ካልእ መገዲ ድማ፡ ውሉዳትካ ተባዓትን ብየሆዋ ዚተኣማመኑን ኪዀኑ ብምሕጋዝ እዩ።—1 ሳሙ. 1:27, 28፣ 2 ጢሞ. 3:14, 15

16. ገሊኦም ወለዲ ንውሉዳቶም መንፈሳዊ ሸቶታት ኬውጽኡ ዝሓገዝዎም ብኸመይ እዮም፧ እዚ ጠቓሚ ምዃኑ እተራእየኸ ብኸመይ እዩ፧

16 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ሰብ ሓዳር ንደቆም መንፈሳዊ ሸቶታት ኬውጽኡ ሓጊዞምዎም እዮም። እቲ ኣቦ ኸምዚ በለ፦ “ደቅና ታተ ኺብሉን ኪዛረቡን ቅድሚ ምጅማሮም፡ ፈላሚ ብምዃንን ኣብ ጉባኤ ብምግልጋልን ብዛዕባ ዚርከብ ሓጐስ ንነግሮም ኔርና። ሕጂ ኸኣ እዚ ሸቶኦም ኰይኑ እዩ። መንፈሳዊ ሸቶታት ምውጻእን ኣብቲ ሸቶታት ምብጻሕን፡ ንደቅና ነቲ ኻብ ስርዓት ሰይጣን ዚወርዶም ጸቕጢ ኺከላኸሉ፡ ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ የሆዋ ድማ ኬተኵሩ ሓጊዝዎም እዩ።” ክልተ ደቂ ዘለውዎ ሓደ ሓው ድማ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ብዙሓት ወለዲ፡ ደቆም ብዓውዲ ስፖርትን መዘናግዕን ትምህርትን ዘውጽእዎ ሸቶ ምእንቲ ኺወቕዑ ኢሎም፡ ብዙሕ ይጽዕሩን ገንዘቦም የጥፍኡን እዮም። ውሉዳት ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ኪህልዎም ኣብ ዚሕግዞም ሸቶታት ኪበጽሑ ብዙሕ ምጽዓርን ገንዘብካ ምጥፋእን ግና ዝበለጸ እዩ። ደቅና ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታቶም ኪበጽሑ ኸለዉ ምርኣይና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዚ ኺበጽሕዎ ምሕጋዝና ብዙሕ ዕግበት ኣምጺኡልና እዩ።” ኣምላኽ ነቶም ንውሉዳቶም ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታቶም ኪበጽሑ ዚሕግዝዎም ወለዲ ኸም ዚባርኾም ኣይትጠራጠር።

ትብዓት ኣብ ጉባኤ

17. ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚርአ ኣብነታት ትብዓት ጥቐስ።

17 ኣብ ጉባኤ እውን ትብዓት ከተርኢ የድልየካ እዩ። ንኣብነት፡ ሽማግለታት ምስ ፍርዳዊ ጕዳያት ዚተሓሓዝ ነገራት ኪኣልዩ ኸለዉ ወይ ከኣ ንህይወት ዜስግእ ናይ ጥዕና ጸገማት ኬጋጥም ከሎ ትብዓት የድልዮም እዩ። ገሊኦም ሽማግለታት ድማ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ እናኸዱ ንተገደስቲ ሰባት የጽንዑ ወይ ኣኼባታት ይመርሑ እዮም። ዘይተመርዓዋ ኣሓትከ፧ ፈለምቲ ብምዃን፡ ዝያዳ ኣገልገልቲ ናብ ዜድልዩሉ ኸባቢ ብምግዓዝ፡ ምስ ፕሮጀክትታት ህንጸት ብምዕያይ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ኪካፈላ ብምሕታት ኣገልግሎተን ኬስፍሓ ይኽእላ እየን። ገሊአን እውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኪካፈላ ይኽእላ እየን።

18. ብዕድመ ዝደፍኣ ኣሓት፡ ትብዓት ኬርእያ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧

18 ብዕድመ ዝደፍኣ ኣንስቲ እውን በረኸት ጉባኤ ኪዀና ይኽእላ እየን። እዘን ኣሓት እዚአን፡ ተፈተውቲ እየን። ገሊአን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከም ቀደመን ብዙሕ ኪዓይያ ዘይክእላ እኳ እንተ ዀና፡ ብትብዓት ኪሰርሓ ይኽእላ እየን። (ቲቶስ 2:3-5 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ንሓንቲ መንእሰይ ብዛዕባ ትሕትና ዜርኢ ኣከዳድና ኽትመኽራ እንተ ተሓቲታ፡ ትብዓት የድልያ እዩ። ነታ መንእሰይ ሓብቲ ብዛዕባ ኣከዳድናኣ ዘይትቋየቓ እኳ እንተ ዀነት፡ እቲ እትመርጾ ኽዳውንቲ ኣብ ካልኦት እንታይ ጽልዋ ኼሕድር ከም ዚኽእል ክትሓስብ ግና ተተባብዓ እያ። (1 ጢሞ. 2:9, 10) ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ተገዳስነት ጽቡቕ ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

19. (ሀ) እተጠምቁ ኣሕዋት ተባዓት ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ፊልጲ 2:13ን 4:13ን ንኣሕዋት ተባዓት ኪዀኑ ዚሕግዛኦም ብኸመይ እየን፧

19 እተጠምቁ ኣሕዋት እውን ብትብዓት ኪሰርሑ ኣለዎም። ሓላፍነታት ኪስከሙ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ተባዓት ሰብኡት፡ በረኸት ጉባኤ እዮም። (1 ጢሞ. 3:1) ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ንሓላፍነት ካብ ምምጥጣር ድሕር ምሕር ይብሉ እዮም። ምናልባት ቅድሚ ሕጂ ጌጋ ፈጺሙ ዝነበረ ሓው፡ ሕጂ ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ኪኸውን ከም ዘይበቅዕ ይስምዖ ይኸውን። ወይ ከኣ፡ ሓደ ሓው ነቲ ዚውሃቦ ሓላፍነት ኪፍጽሞ ዘይበቅዕ ኰይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ትብዓት ከተጥሪ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 2:13፣ 4:13 ኣንብብ።) ሓደ እዋን፡ ሙሴ እውን ነቲ እተዋህቦ ሓላፍነት ዘይበቅዕ ኰይኑ ተሰሚዕዎ ኸም ዝነበረ ዘክር። (ዘጸ. 3:11) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ሓጊዝዎ እዩ፣ ድሕሪ ግዜ ድማ፡ ሙሴ ዕዮኡ ኺፍጽም ዜኽእሎ ትብዓት ኣጥርዩ እዩ። ሓደ እተጠምቀ ሓው እውን፡ ሓገዝ ኣምላኽ ምእንቲ ኺረክብ ብትግሃት ብምጽላይን መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ከም ሙሴ ተባዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ተባዓት ሰባት ምስትንታን እውን ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሽማግለታት፡ ኬሰልጥንዎ ብትሕትና ኺሓትቶም ይኽእል እዩ። ኣብ ጉባኤ ድማ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ንምሕጋዝ ፍቓደኛ ኪኸውን ኣለዎ። እወ፡ ኵሎም እተጠምቁ ኣሕዋት፡ ኪተብዑን ኣብ ጉባኤ ኺሰርሑን ኣለዎም።

“የሆዋ . . . ምሳኻ እዩ”

20, 21. (ሀ) ዳዊት ንሰሎሞን እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂብዎ፧ (ለ) ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንተኣማመን እንኽእል፧

20 ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን፡ ዕዮ ህንጸት ቤተ መቕደስ ክሳዕ ዚውዳእ የሆዋ ምስኡ ኸም ዚኸውን ነጊርዎ ነይሩ እዩ። (1 ዜና 28:20) ሰሎሞን ከኣ፡ ነዘን ቃላት ኣቦኡ ኣብ ኣእምሮኡን ኣብ ልቡን ኣሕዲርወን እዩ፣ ንእሽቶን ዘይምኩርን ምዃኑ ነቲ ዕዮ ኻብ ምፍጻም ኪዓግቶ እውን ኣይፈቐደን። ብትብዓት ሰርሐ፡ ብሓገዝ የሆዋ ድማ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመትን መንፈቕን ነታ እተደንቕ ቤተ መቕደስ ሃኒጹ ወድኣ።

21 የሆዋ ኸምቲ ንሰሎሞን ዝሓገዞ፡ ንዓኻ እውን ኣብ ስድራ ቤትካን ኣብ ጉባኤኻን ብትብዓት ክትሰርሕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 41:10, 13) ንየሆዋ ብትብዓት ተምልኾ እንተ ዄንካ፡ ሕጅን ኣብ መጻእን በረኸቱ ኸም እትረክብ ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። ሃየ እምበኣር፡ “ትባዕን . . . ስራሕን።”

^ ሕ.ጽ. 12 ኣብታ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “መንፈሳዊ ሸቶታት ብምውጻእ ንፈጣሪኻ ኣኽብሮ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ከተውጽእ ዚሕግዘካ ግብራዊ ስጕምትታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።