ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንርሕራሐ የሆዋ ቕድሓዮ

ንርሕራሐ የሆዋ ቕድሓዮ

“የሆዋ፡ የሆዋ፡ መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ።”—ዘጸ. 34:6

መዝሙር፦ 57, 147

1. የሆዋ ንሙሴ ብኸመይ ፍልይ ዝበለ መገዲ እዩ ብዛዕባ ርእሱ ገሊጹሉ፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣምላኽ ንሙሴ፡ ስሙን ባህርያቱን ገሊጹሉ ነይሩ። እተን ኣብ መጀመርታ ዝገለጸሉ ባህርያት ድማ ምሕረትን ርሕራሐን እየን ነይረን። (ዘጸኣት 34:5-7 ኣንብብ።) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ብዛዕባ ሓይሉ ወይ ጥበቡ ኺዛረብ ይኽእል ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቲ ደገፍ ኣምላኽ ከም ዘለዎ መረጋገጺ ዚደሊ ዝነበረ ሙሴ ነዘን ባህርያት እዚአን እዩ ቕድሚ ዅሉ ገሊጹሉ። ከምኡ ምግባሩ ድማ፡ ንኣገልገልቱ ኺሕግዝ ከም ዚደሊ ዜርኢ እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 33:13) ኣምላኽ ነዘን ባህርያት እዚአን ቅድሚ ዅሉ ምግላጹስ ልብኻ ዚትንክፍዶ ኣይኰነን፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እታ ሰባት ስቓይ ምስ ዚወርዶም ክንድንግጸሎምን ክንሕግዞምን እትድርኸና ባህርይ ዝዀነት ርሕራሐ ኽንምርምር ኢና።

2, 3. (ሀ) ሰባት ብተፈጥሮኦም ርሕሩሓት ከም ዝዀኑ ዜርኢ እንታይ እዩ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርሕራሐ እንታይ ከም ዚብል ብተገዳስነት ክንምርምር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

2 ሰባት ብመልክዕ ኣምላኽ እዮም ተፈጢሮም። የሆዋ ርሕሩሕ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ሰባት ንኻልኦት ይሓልዩሎም እዮም። መብዛሕትኡ እዋን ከኣ፡ እቶም ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘይፈልጥዎ እውን ከይተረፉ ርሕራሐ የርእዩ እዮም። (ዘፍ. 1:27) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ርሕራሐ ናይ ዘንጸባረቑ ሰባት ዚገልጽ ብዙሕ ጸብጻባት ንረክብ ኢና። ነቲ ብዛዕባ እተን ኣብ ቅድሚ ሰሎሞን ብዛዕባ ሓደ ሕጻን እተማጐታ ኽልተ ኣመናዝር ዚገልጽ ጸብጻብ እሞ ዘክሮ። ሓንቲ ኻባታተን ኣደ እቲ ሕጻን እያ ነይራ። ሰሎሞን ከኣ ኪፍትነን ኢሉ ነቲ ህያው ሕጻን ኣብ ክልተ ተቘሪጹ ኺውሃበን ኣዘዘ። እታ ናይ ሓቂ ኣደ ግና ንወዳ ስለ ዝራሕርሐትሉ፡ ነቲ ንጉስ እቲ ሕጻን ነታ ሓንቲ ሰበይቲ ኺህባ ለመነቶ። (1 ነገ. 3:23-27) ብዛዕባ እታ ንሙሴ ኻብ ሞት ዘድሓነቶ ጓል ፈርኦን እውን እሞ ዘክር። እቲ ዝረኸበቶ ሕጻን ወዲ እብራውያን ከም ዝዀነን ብህይወት ኪነብር ከም ዘይብሉን ትፈልጥ እኳ እንተ ነበረት፡ ‘ራሕሪሓትሉን’ ከም ውሉዳ ገይራ ኣዕብያቶን እያ።—ዘጸ. 2:5, 6

3 ግናኸ፡ ርሕራሐ ኼገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ኽንመስሎ የተባብዓና እዩ። (ኤፌ. 5:1) ሰባት ብተፈጥሮኦም ርሕሩሓት እኳ እንተ ዀኑ፡ ብሰንኪ እቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣት ግና ጥቕሚ ርእስና ኸነቐድም ኢና እንድረኽ። ሓድሓደ ግዜ፡ ንኻልኦት ካብ ምሕጋዝን ኣብ ገዛእ ርእስና ኻብ ምትኳርን ኣየናይ ከነቐድም ከም ዘሎና ምውሳን ይኸብደና እዩ። ንገሊኦም፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ሚዛኖም ኪሕልዉ ብዙሕ ኪቃለሱ የድልዮም እዩ። ንኻልኦት እንሓሊ ኽንከውን ደኣ እሞ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ፈለማ ብዛዕባ እቲ የሆዋን ካልኦትን ዘርኣይዎ ርሕራሐ ንመርምር። ቀጺልና ድማ፡ ንኣብነት የሆዋ ብኸመይ ክንቀድሖ ኸም እንኽእልን ከምኡ ምግባርና ብሓቂ ኺጠቕመና ዚኽእል ብኸመይ ምዃኑን ክንርኢ ኢና።

የሆዋ—ፍጹም ኣርኣያ ርሕራሐ

4. (ሀ) የሆዋ ናብ ሶዶም መላእኽቲ ዝለኣኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ካብቲ ብዛዕባ ሎጥን ኣዋልዱን ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ኢና እንምሃር፧

4 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ርሕሩሕ ከም ዝዀነ ዜርኢ ብዙሕ ኣብነታት ንረክብ ኢና። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ንሎጥ እንታይ ከም ዝገበረሉ ሕሰብ። እቲ ጻድቕ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ብንውርምና ተቐማጦ ሶዶምን ጎሞራን ‘ኣመና ይጕሂ’ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ እቶም ርኹሳት ሰባት ኪጠፍኡ ወሲኑ ነበረ። (2 ጴጥ. 2:7, 8) ንሎጥ ምእንቲ ኼድሕኖ ድማ መላእኽቲ ለኣኸ። እቶም መላእኽቲ ንሎጥን ንስድራ ቤቱን ካብተን ንጥፍኣት እተፈርዳ ኸተማታት ኪሃድሙ ተማሕጸንዎም። “ንሱ ምስ ደንጐየ ኸኣ፡ የሆዋ ስለ ዝራሕርሓሉ፡ እቶም [መላእኽቲ] ኢዱን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ክልቲአን ኣዋልዱን ሒዞም ኣውጽእዎ፡ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ እውን ሓደግዎ።” (ዘፍ. 19:16) እዚ ኣብነት እዚ፡ የሆዋ ነቲ እሙናት ህዝቡ ዜጋጥሞም ኣጸጋሚ ዅነታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዚርድኣሎም ዚሕብርዶ ኸይኰነ፧—ኢሳ. 63:7-9፣ ያእ. 5:11፡ እ.ጽ.፣ 2 ጴጥ. 2:9

5. ከም 1 ዮሃንስ 3:17 ዝኣመሰለ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ርሕሩሓት ክንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

5 የሆዋ ርሕሩሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንህዝቡ እውን ርሕሩሓት ኪዀኑ ይምህሮም እዩ። ነቲ ኸም ትሕጃ ብዛዕባ ዚተሓዝ ክዳን ዚገልጽ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ እሞ ዘክሮ። (ዘጸኣት 22:26, 27 ኣንብብ።) ተሪር ዝልቡ ኣለቃሓይ፡ ነቲ ብትሕጃ ዝወሰዶ ኽዳን ተለቃሓይ ኪመልሶ ኣይደልን ይኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እቲ ተለቃሓይ ተኸዲንዎ ዚድቅስ ክዳን ኣይህልዎን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓልዮት ዘየንጸባርቕ ኣረኣእያን ኣካይዳን ኬርሕቑ ምሂርዎም እዩ። ህዝቡ ርሕሩሓት ኪዀኑ የድልዮም ነይሩ። እሞኸ፡ ኣብዚ ሕጊ እዚ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ርሕሩሓት ክንከውን ኬለዓዕለናዶ የብሉን፧ ንሓውና ኣብ ግዜ ሽግሩ ኽንሕግዞ ንኽእል ክነስና፡ ዓሪቑ እናረኣናዮ መሸም ስቕ ኣይንብልን ኢና።—ቈሎ. 3:12፣ ያእ. 2:15, 16፣ 1 ዮሃንስ 3:17 ኣንብብ።

6. የሆዋ ነቶም ሓጥኣን ዝነበሩ እስራኤላውያን ኬዐርዮም ይገብሮ ኻብ ዝነበረ ተደጋጋሚ ጻዕሪ እንታይ ኢና እንምሃር፧

6 የሆዋ ንህዝቡ እስራኤል፡ ኪሓጥኡ ኸለዉ እውን ይርሕርሓሎም ነይሩ እዩ። “የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ንህዝቡን ነታ ማሕደሩን ስለ ዝራሕርሓሎም፡ ብልኡኻቱ ገይሩ የጠንቅቖም፡ ደጋጊሙ የጠንቅቖም ነበረ” ዚብል ድማ ነንብብ። (2 ዜና 36:15) ንሕና እውን ነቶም ሓጥእ መገዲ ህይወቶም ሓዲጎም ሞገስ ኣምላኽ ኪረኽቡ ዚኽእሉ ሰባት ክንርሕርሓሎምዶ ኣይግብኣናን፧ የሆዋ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ። (2 ጴጥ. 3:9) ስለዚ፡ ክሳዕ እታ ኣምላኽ ንእኩያት ዜጥፍኣላ መዓልቲ፡ ነቲ ብርሕራሐ ተደሪኹ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ንኣውጅ።

7, 8. ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት፡ የሆዋ ኸም ዝራሕርሓሎም ዝኣመኑ ስለምንታይ እዮም፧

7 ኣብዚ እዋን እዚ፡ የሆዋ ንብዙሓት ኣገልገልቱ ራሕሪሑሎም እዩ። ንኣብነት፡ ንስድራ ቤት እቲ ሕጂ ሚላን ኢልና እንጽውዖ ወዲ 12 ዓመት ዝነበረ ቘልዓ እንታይ ከም ዘጋጠሞም እስከ ንርአ። ኣብ መጀመርታ 1990ታት ኣብ ቦዝንያ ዓሌታዊ ግጭት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሚላንን ሓዉን ወለዱን ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ብኣውቶቡስ ናብ ሰርብያ ይኸዱ ነበሩ። ናብ ዓብዪ ኣኼባ እዮም ዚኸዱ ነይሮም፣ ወለዲ ሚላን ከኣ ኣብቲ ኣኼባ ኺጥመቑ ተዳልዮም ነበሩ። ኣብ ዶብ ምስ በጽሑ ግና፡ ወተሃደራት ነቶም እተፈልየ ዓሌት ዝነበሮም ስድራ ቤት ሚላን ካብ ኣውቶቡስ ኣውረድዎም፣ ነቶም ካልኦት ኣሕዋት ግና ኪኸዱ ሓደግዎም። ስድራ ቤት ሚላን ንኽልተ መዓልቲ ምስ ተታሕዙ፡ እቲ ዝኣሰሮም መኰነን ናብ ሓለቓኡ ደዊሉ እንታይ ኪገብሮም ከም ዘለዎ ሓተቶ። እቲ መኰነን ኣብ ቅድሚ ስድራ ቤት ሚላን ኰይኑ እዩ ደዊሉ፣ ስለዚ፡ እቲ ሓለቓኡ፡ “ወሲድካ ረሽኖም” ኪብሎ ኸሎ ሰምዕዎ።

8 እቲ መኰነን ንወተሃደራቱ ኺዛረቦም ከሎ፡ ክልተ ዘይፈልጥዎም ሰባት ናብቶም ስድራ ቤት መጺኦም፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀኑ ነገርዎም። እቶም ኣብታ ኣውቶቡስ ዝነበሩ እዮም ብዛዕባ እቶም ስድራ ቤት ነጊሮምዎም ነይሮም። እቶም ክልተ ሰባት ንሚላንን ንሓዉን፡ ቈልዑ ሰነድ ስለ ዘይሕተቱ፡ ናብ ማኪናኦም ኪስቀሉ ነገርዎም። ንወለዲ ሚላን ከኣ፡ ብድሕሪ እቲ ወተሃደራት ዚሕልውሉ ቦታ ሓሊፎም ኣብ ስግር እቲ ዶብ ኪጸንሕዎም ነገርዎም። ሚላን ኣዝዩ ስለ ዝፈርሀ፡ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ጠፍኦ። ወለዱ ድማ፡ “ስቕ ኢልና ኽንከይድ ዚፈቕዱልና ድዩ መሲሉኩም፧” ኢሎም ሓተትዎም። ይኹን እምበር፡ ኪኸዱ ኸለዉ እቶም ወተሃደራት ዝረኣይዎም እውን ኣይመስልን እዩ ነይሩ። እቶም ወለዲ ድማ ዶብ ሰጊሮም ምስ ደቆም ተራኸቡ። ናብታ ዓብዪ ኣኼባ ዚግበረላ ኸተማ ኸኣ ከዱ። የሆዋ ንጸሎቶም ከም ዝሰምዖ ድማ ርግጸኛታት ነበሩ። ርግጽ እዩ፡ የሆዋ ብኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ንህዝቡ ብቐጥታ ዜድሕኖም ወትሩ ኸም ዘይኰነ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ። (ግብ. 7:58-60) ኰይኑ ግና፡ ሚላን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ኵነታት ኪገልጽ ከሎ፡ “መላእኽቲ ነቶም ወተሃደራት ከም ዘዖርዎምን የሆዋ ኸም ዘድሓነናን ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለ።—መዝ. 97:10

9. የሱስ ብዛዕባ ዅነታት እቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ህዝቢ ምስ ፈለጠ እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

9 ካብ የሱስ እውን ክንምሃር ንኽእል ኢና። የሱስ እቶም ዝረኸቦም ህዝቢ፡ “ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ድርቡያትን ስለ ዝነበሩ፡” ራሕሪሕሎም እዩ። ኵነታቶም ዜደንግጽ ከም ዝዀነ ምስ ፈለጠ እንታይ እዩ ገይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኪምህሮም ጀመረ” ይብለና። (ማቴ. 9:36፣ ማርቆስ 6:34 ኣንብብ።) ኣረኣእያኡ ኻብቶም ነቲ ተራ ህዝቢ ኺሕግዙ ፈጺሙ ድሌት ዘይነበሮም ፈሪሳውያን እተፈልየ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 12:9-14፣ 23:4፣ ዮሃ. 7:49) ንስኻኸ፡ ከም የሱስ ነቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዝጠመዩ ሰባት ክትምግብ ትብህግ ዲኻ፧

10, 11. ኵሉ ሳዕ ርሕራሐ ምርኣይ ግቡእ ድዩ፧ ግለጽ።

10 ኰይኑ ግና፡ ኵሉ ሳዕ ርሕራሐ ምርኣይ ግቡእ እዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ርሕራሐ ምርኣዩ ግቡእ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ንጉስ ሳኦል ርሕራሐ ዀይኑ እተሰምዖ ተግባር ብምግባሩ ንኣምላኽ ከይተኣዘዘ ተሪፉ እዩ። ነቲ ጸላእ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበረ ኣጋግ ኣይቀተሎን፣ ነተን ብሉጻት መጓሰን እውን ኣየጥፍአንን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ የሆዋ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ከይከውን ነጺግዎ እዩ። (1 ሳሙ. 15:3, 9, 15፡ እ.ጽ.) የሆዋ፡ ጻድቕ ፈራዲ እዩ። ልቢ ሰባት ኬንብብ ስለ ዚኽእል ድማ፡ መዓስ ርሕራሐ ኼርኢ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ። (ድጕ. 2:17፣ ህዝ. 5:11) ነቶም ዘይእዘዝዎ ዘበሉ ዜጥፍኣሉ ግዜ ድማ ቀሪቡ እዩ። (2 ተሰ. 1:6-10) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ነቶም እኩያት ከም ዝዀኑ ዝፈረዶም ሰባት ኣይኪርሕርሓሎምን እዩ። የግዳስ፡ ንዓታቶም ምጥፋኡ፡ ነቶም ዜድሕኖም ጻድቃን ከም ዚርሕርሓሎም ዜርኢ እዩ።

11 ኪጠፍኡ ወይ ኪድሕኑ ዘለዎም ሰባት መን ምዃኖም ክንፈርድ ስልጣን የብልናን። ስለዚ፡ ንሰባት ንምሕጋዝ ዝከኣለና ዘበለ ኽንገብር ኣሎና። እሞ ደኣ ንብጾትና ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ ግቡእ ርሕራሐ ኸነርእዮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ገለ ሓሳባት ቀጺሉ ኪቐርብ እዩ።

ግቡእ ርሕራሐ ኸተማዕብልን ከተርእን ጽዓር

12. ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎካ ርክብ፡ ርሕሩሕ ከም ዝዀንካ ኸተርኢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

12 ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ንሰባት ሓግዝ። እቶም ንየሱስ ኪመስልዎ ዚጽዕሩ ዘበሉ፡ ንብጾቶምን ንክርስትያናት ኣሕዋቶምን ርሕራሐ ኼርእይዎም ትጽቢት ይግበረሎም እዩ። (ዮሃ. 13:34, 35፣ 1 ጴጥ. 3:8) ሓደ ትርጉም ርሕራሐ፡ ‘ምስ ካልኦት መከራ ምጽጋብ’ ማለት እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ርሕሩሕ ሰብ ንኻልኦት ካብ መከራኦም ኪገላግሎም ይድረኽን ኪሕግዞም ይጽዕርን እዩ። እምበኣር፡ ከምኡ ኽትገብር እትኽእለሉ ኣጋጣሚ ኣናዲ። ንኣብነት፡ ንገሊኦም ኣብ ቤቶም ክትሕግዞም ወይ ኪዕድግዎ ዝሓሰቡ ነገራት ካብ ዕዳጋ ኸተምጽኣሎም ትኽእልዶ፧—ማቴ. 7:12

ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ ብምሕጋዝ ርሕራሐ ኣርኢ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

13. ህዝቢ ኣምላኽ፡ ዕንወት ምስ ኣጋጠመ እንታይ ባህርይ እዮም ኣንጸባሪቖም፧

13 ኣብ ዕዮ ረድኤት ተኻፈል። ብዙሓት ሰባት፡ ግዳያት ባህርያዊ ዕንወት ዝዀኑ ሰባት ዜሕልፍዎ ስቓይ ምስ ረኣዩ ኺርሕርሑ ተደሪኾም እዮም። ህዝቢ የሆዋ ድማ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት ሓገዝ ብምሃብ ፍሉጣት እዮም። (1 ጴጥ. 2:17) ንኣብነት፡ ሓንቲ ጃፓናዊት ሓብቲ ብሰንኪ እቲ ብ2011 ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድርን ሱናሚን ኣብ ዝዓነወ ኸባቢ እያ እትነብር ነይራ። ካብ ጃፓንን ካብ ካልእ ወጻእ ሃገራትን ዝመጹ ወለንተኛታት ኣሕዋት ነቲ ዝዓነወ ንብረት ንምጽጋን ዚገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ ምስ ረኣየት፡ ‘ኣዝያ ኸም እተተባብዐትን ከም እተጸናንዐትን’ ድማ ገለጸት። ከምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “እቲ ዘጋጠመ ዅነታት፡ የሆዋ ኸም ዚሓሊ ኽግንዘብ ሓጊዙኒ እዩ። ክርስትያናት ብጾተይን እውን ንሓድሕዶም ይተሓላለዩ እዮም። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ምእንታና ጸልዮም እዮም።”

14. ንዝሓመሙን ብዕድመ ንዝደፍኡን ክትሕግዞም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

14 ንዝሓመሙን ብዕድመ ንዝደፍኡን ሓግዞም። ሰባት ሳዕቤን ሓጢኣት ኣዳም ኪዓጽዱ ኽንርኢ ኸለና፡ ክንርሕርሓሎም ንድረኽ ኢና። ሕማምን እርጋንን ንዚጠፍኣሉ ግዜ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ። ስለዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ንጽሊ ኢና። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ሓገዝ ንዜድልዮም ዘበለ ኽንሕግዝ ዝከኣለና ዘበለ ንገብር ኢና። ሓደ ደራሲ ነታ ብናይ ምርሳዕ ሕማም እትሳቐ ዝነበረት ኣዲኡ ብዛዕባ ዘጋጠማ ነገር እንታይ ኢሉ ኸም ዝጸሓፈ እሞ ርአ። ሓደ መዓልቲ፡ ነቲ እተኸድነቶ ኽዳውንቲ ኣርስሓቶ። ከተጽርዮ ኽትፍትን ከላ ድማ፡ ደወል ማዕጾኣ ተደወለ። እተን ኵሉ ሳዕ ዚበጽሓኣ ኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እየን ነይረን። እተን ኣሓት ድማ ዚሕግዛኣ ነገር እንተ ኣልዩ ሓተታኣ። ንሳ ኸኣ፡ “ዜሕፍር ደኣ እዩ እምበር፡ እወ” በለተን። እተን ኣሓት ከኣ ክዳውንታ ኸተጽሪ ሓገዛኣ። ሻሂ ኣፍሊሐን እውን ኣዕለላኣ። እቲ ወዳ ድማ በቲ ዝገበራላ ነገራት ኣዝዩ ተሓጐሰ። ነተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዜኽብረን ከኣ ገለጸ። “ነቲ ዚሰብካኦ ይትግብራኦ እየን” ድማ በለ። ንስኻኸ፡ ብርሕራሐ ተደሪኽካ ንዝሓመሙን ብዕድመ ንዝደፍኡን ክትሕግዞም ዝከኣለካ ዘበለ ትገብር ዲኻ፧—ፊል. 2:3, 4

15. ዕዮ ስብከት እንታይ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና፧

15 ንሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ሓግዞም። ሰባት ዜጋጥሞም ጸገማትን ጭንቀትን ክንርኢ ኸለና፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ክንሕግዞም ንድረኽ ኢና። ከምኡ ኽንገብር እንኽእለሉ ዝበለጸ መገዲ ድማ፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ እትገብረሎም ነገራትን ብምምሃር እዩ። ብስርዓታት ኣምላኽ ምምልላስ ጥበባዊ ምዃኑ ኼስተብህሉ እውን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 48:17, 18) እሞኸ፡ ኣብቲ ንየሆዋ ዜኽብርን ንሰባት ክትርሕርሓሎም ኣጋጣሚ ዚኸፍተልካን ዕዮ ኣገልግሎት ዘሎካ እጃም ከተዛይድ ትኽእልዶ፧—1 ጢሞ. 2:3, 4

ርሕራሐ ንዓኻ እውን ይጠቕመካ እዩ!

16. ርሕሩሕ ሰብ ንርእሱ ዚጠቅም ብኸመይ እዩ፧

16 ክኢላታት ጥዕና ኣእምሮ፡ ርሕሩሕ ምዃን ንጥዕናኻን ምስ ካልኦት ንዘሎካ ርክብን ከም ዜመሓይሾ ይገልጹ እዮም። ንሰባት ካብ ሽግር ምስ እተናግፎም፡ ዝያዳ ሕጉስን ትስፉውን ኢኻ እትኸውን። ዚስምዓካ ጽምዋን ኣሉታዊ ሓሳባትን እውን ይንኪ እዩ። እወ፡ ርሕራሐ ንዓኻ እውን ይጠቕመካ እዩ። (ኤፌ. 4:31, 32) ብፍቕሪ ተደሪኾም ንኻልኦት ኪሕግዙ ዚጽዕሩ ክርስትያናት፡ ንስርዓታት ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ኸም ዘውዓልዎ ስለ ዚግንዘቡ፡ ሰናይ ሕልና የጥርዩ እዮም። እዞም ክርስትያናት እዚኦም፡ ሓላያት ወለዲ፡ ንፉዓት ሰብ ሓዳር፡ ብሉጻት ኣዕሩኽ እውን እዮም ዚዀኑ። ብዘይካዚ፡ ርሕሩሕ ሰብ ኣብ ግዜ ጸገሙ ዜድልዮ ሓገዝን ደገፍን እውን ይረክብ እዩ።ማቴዎስ 5:7፣ ሉቃስ 6:38 ኣንብብ።

17. ርሕራሐ ኸተማዕብል ኰነ ኸተርኢ እትደሊ ስለምንታይ ኢኻ፧

17 ርሕራሐ ኸተማዕብል እትደሊ፡ ርሕሩሕ ምዃን ከም ዚጠቕመካ ስለ እትፈልጥ ጥራይ ኪኸውን የብሉን። እቲ ቐንዲ ምኽንያት፡ ነቲ ምንጪ ፍቕርን ርሕራሐን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ክትመስሎን ክትውድሶን ድሌት ስለ ዘሎካ ኪኸውን ኣለዎ። (ምሳ. 14:31) የሆዋ ፍጹም ኣብነት ሂቡና እዩ። ሃየ እምበኣር፡ ርሕሩሓት ብምዃን ንኣምላኽ ክንመስሎ ንጽዓር! በዚ ኸምዚ፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኰነ ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ክንምስርት ኢና።—ገላ. 6:10፣ 1 ዮሃ. 4:16