ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት፡—ከመይ ጌርኩም ንጥምቀት ክትዳለዉ ትኽእሉ፧

ኣቱም መንእሰያት፡—ከመይ ጌርኩም ንጥምቀት ክትዳለዉ ትኽእሉ፧

“ኣምላኸየ፡ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ።”​—መዝ. 40:8

መዝሙር፦ 51, 48

1, 2. (ሀ) ጥምቀት ስለምንታይ ኣርዚንካ ኺርአ ዘለዎ ስጕምቲ ኸም ዝዀነ ግለጽ። (ለ) ሓደ ሰብ ቅድሚ ምጥማቑ ብዛዕባ እንታይ ርግጸኛ ኪኸውን ኣለዎ፧ ስለምንታይከ፧

ክትጥመቕ እትሓስብ ዘለኻ መንእሰይ ዲኻ፧ እንተ ዄንካ፡ እቲ ኣብ ቅድሜኻ ተነቢሩልካ ዘሎ ነገር፡ ሰብ ኪረኽቦ ኻብ ዚኽእል ዘበለ ዝዓበየ መሰል እዩ። እዛ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ከም ዝሓበረቶ ግና፡ ጥምቀት ኣርዚንካ ዚርአ ስጕምቲ እዩ። ርእስኻ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኻ፡ ማለት ፍቓድ የሆዋ ኣብ ህይወትካ ልዕሊ ዅሉ ብምስራዕ ንየሆዋ ንዘለኣለም ከም እተገልግሎ ዝኣቶኻዮ መብጽዓ ንሰባት እተርእየሉ እዩ። እምበኣር፡ ነቲ ውሳነ እቲ ኽትገብር ብቑዕ ምስ ኰንካ፡ ከምኡ ኽትገብር ድሌት ምስ ኣሕደርካ፡ ትርጉም ወፈያ ድማ ምስ ተረድኣካ ጥራይ ኢኻ ኽትጥመቕ ዘሎካ።

2 ንጥምቀት ከም እተዳሎኻ ርግጸኛ እንተ ዘይኰንካኸ፧ ወይ ከኣ ንስኻ ኽትጥመቕ እናደለኻ፡ ወለድኻ ግና ኣብ ክርስትያናዊ ህይወት ዝያዳ ተመክሮ ኽትረክብ ኢሎም ክትጸንሕ እንተ ደለዩኻኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነዊሕ ከይጸናሕካ ኽትጥመቕ ምእንቲ ኽትክእል፡ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ዕቤት ንምግባር ተጠቐመሉ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ (1) ብዛዕባ እትኣምነሉ ነገራት፡ (2) ብዛዕባ ተግባራትካ፡ (3) ብዛዕባ ሞሳኻ ሸቶታት ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ።

እትኣምነሉ ነገራት

3, 4. መንእሰያት ካብ ኣብነት ጢሞቴዎስ እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

3 ነዘን ሕቶታት እዚአን እንታይ ኢልካ ኸም እትምልስ እሞ ሕሰብ፦ ኣምላኽ ከም ዘሎ ስለምንታይ እየ ዝኣምን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓሉ ምዃኑ ዘእመነኒ እንታይ እዩ፧ ብስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ምምልላስ፡ ካብ ኣነባብራ ዓለም ከም ዚበልጽ ዚስምዓኒ ስለምንታይ እዩ፧ እዘን ሕቶታት እዚአን፡ ኣብ ኣእምሮኻ ጥርጣረ ንምፍጣር ኣይኰነን ተዳልየን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም ክትፈልጡ” ኢሉ ዝሃቦ ምዕዶ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኸተውዕሎ ኺሕግዛኻ ተባሂሉ እዩ። (ሮሜ 12:2) ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ድሮ እተቐበልዎ ነገራት ስለምንታይ እዮም መርሚሮም ኪፈልጥዎ ዜድልዮም ዝነበረ፧

4 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነት እስከ ንርአ። ጢሞቴዎስ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ዚፈልጥ እዩ ነይሩ። ኣዲኡን ዓባዩን ካብ ‘ሕጻንነቱ’ ኣትሒዘን እየን ምሂረናኦ። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “በቲ እተመሃርካዮን ዝኣመንካሉን ጽናዕ” ኢሉ ተማሕጺንዎ እዩ። (2 ጢሞ. 3:14, 15) ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ እታ “ዝኣመንካሉ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ቓል፡ “ብዛዕባ ሓቅነት ሓደ ነገር ምእማንን ርግጸኛ ምዃንን” ዚብል ሓሳብ እያ እተመሓላልፍ። ጢሞቴዎስ ንሓቂ ናቱ ገይርዋ ነይሩ እዩ። ኣዲኡን ዓባዩን ስለ ዝበላኦ ዘይኰነስ፡ ባዕሉ ሓሲቡ ስለ ዝኣመነላ እዩ ንሓቂ ተቀቢልዋ።—ሮሜ 12:1 ኣንብብ።

5, 6. ካብ ንእስነትካ ኣትሒዝካ ‘ንኣእምሮኻ’ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ኽትምሃር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 ንስኻ እውን ምናልባት ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንነዊሕ እዋን ዝፈለጥካ ትኸውን። ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ዝኣመንካሉ ምኽንያታት ተጠንቂቕካ ንምምርማር ስለምንታይ ሸቶ ዘይተውጽእ፧ እዚ ንእምነትካ ኼደልድሎ እዩ፣ ብንፋስ ጸቕጢ መዛኑን ብፕሮፓጋንዳ ዓለምን ብስምዒታትካን ከይትድፋእ ድማ ኪሕግዘካ እዩ።

6 ካብ ንእስነትካ ኣትሕዚካ ‘ንኣእምሮኻ’ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ እንተ ተማሂርካ፡ መዛኑኻ ሕቶ ኼበግሱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ምላሽ ንምሃብ ድሉው ክትከውን ኢኻ። ገለ ኻብቲ መዛኑኻ ዚሓትትዎ ሕቶታት፡ ‘ኣምላኽ ከም ዘሎ ኸመይ ጌርካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧ ሓደ ፈቃር ኣምላኽ ከመይ ገይሩ እዩ እከይ ኪህሉ ዜፍቅድ፧ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ እዩ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዚነብር ኪኸውን ዚኽእል፧’ ዚብል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሉው ምስ እትኸውን፡ እዚ ሕቶታት እዚ ንእምነትካ ዜዳኽም ዘይኰነስ፡ ተወሳኺ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኽትገብር ዜለዓዕለካ ኪኸውን እዩ።

7-9. ኣብ ወብ ሳይትና ዚርከብ “መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧” ዘርእስቱ ዓምዲ ንእምነትካ ንምድልዳል ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ግለጽ።

7 ብሕታዊ መጽናዕቲ ብትግሃት ምስ እትገብር፡ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽትረኽበሉ፡ ጥርጣረታትካ ኸተወግድ፡ እምነትካ ድማ ከተድልድል ኢኻ። (ግብ. 17:11) ከምኡ ንምግባር ኪሕግዘካ ዚኽእል ብዙሕ ናውቲ ኣሎ። ንብዙሓት ሰባት እታ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ ዘርእስታ ብሮሹርን እታ ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ ዘርእስታ መጽሓፍን ሓጊዘናኦም እየን። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ብዙሓት መንእሰያት ነቲ ኣብ ወብ ሳይትና ዚርከብ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህር፧” ዘርእስቱ ዓምዲ ይፈትውዎን ይጥቀሙሉን እዮም። እዚ ንመጽናዕቲ ዚሕግዝ ዓምዲ ኣብ jw.org፡ ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS እዩ ዚርከብ። ኵሉ እቲ ኣብ ትሕቲ እዚ ዓምዲ ዘሎ መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ ሓደ ኣርእስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ እምነት ንምድልዳል ተባሂሉ እተዳለወ እዩ።

8 ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ፍልጠት ስለ ዘሎካ፡ ንገሊኡ ኣብቲ ዓምዲ እትረኽቦ ሕቶታት ቀልጢፍካ ምላሽ ትህበሉ ትኸውን። ግናኸ፡ ብዛዕባ እቲ ምላሽካ ኸመይ ጌርካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧ እቲ ዓምዲ ብዛዕባ እተፈላለየ ጥቕስታት ክትሓስብ የተባብዓካ እዩ፣ ብዛዕባኡ ዘሎካ ሓሳባት እትጽሕፈሉ ቦታ እውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ እምነትካ ኸመይ ጌርካ ንኻልኦት ከም እትገልጽ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ወብ ሳይትና ዚርከብ “መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧” ዘርእስቱ ዓምዲ፡ ንብዙሓት መንእሰያት እምነቶም ኬደልድሉ ይሕግዞም ኣሎ። ክትረኽቦ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ስለምንታይ ነዚ ዓምዲ እዚ ኽፍሊ ብሕታዊ መጽናዕትኻ ዘይትገብሮ፧

9 እምነትካ ምስ እተደልድል፡ ናብ ጥምቀት ዜብጽሓካ ኣገዳሲ ስጕምቲ ሰጒምካ ኣለኻ ማለት እዩ። ሓንቲ ጐርዞ ሓብትና፡ “ክጥመቕ ቅድሚ ምውሳነይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዐ፡ እዚ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ምዃኑ እውን ተገንዚበ እየ። እዚ እምነተይ እዚ ኸኣ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናደልደለ እዩ ዚኸይድ ዘሎ” ትብል።

ተግባራትካ

10. ሓደ እተጠምቀ ክርስትያን ምስ እምነቱ ዚሳነ ተግባራት ኪገብር ትጽቢት ዚግበረሉ ስለምንታይ እዩ፧

10 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እምነት፡ ግብሪ እንተ ዘይብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ” ይብል። (ያእ. 2:17) ንሓደ ነገር ኣጸቢቕካ እትኣምነሉ እንተ ዄንካ፡ ብተግባራትካ ይርአ እዩ። እንታይ ዓይነት ተግባራት፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ቕዱስ ኣነባብራን” “ግብርታት ኣምላኻዊ ተወፋይነትን” ይዛረብ እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:11 ኣንብብ።

11. “ብቕዱስ ኣነባብራ” ምምልላስ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ግለጽ።

11 “ብቕዱስ ኣነባብራ” ንምምልላስ፡ ብስነ ምግባር ንጹህ ክትከውን ኣሎካ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኸመይ ኢኻ፧ ንኣብነት፡ ብዛዕባ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ወርሒ እሞ ሕሰብ። ‘ልቦናኻ’ ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ከም ዝሰልጠነ ብኸመይ ኣርኢኻ፧ (እብ. 5:14) ንፈተና ወይ ንጸቕጢ መዛኑ እተጻረርካሉ ኣጋጣሚታት ክትዝክርዶ ትኽእል፧ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሎካ ኣካይዳ ብዛዕባ እምነትካ ጽቡቕ ገይሩ ይዛረብ ድዩ፧ ኣደዳ ላግጺ ኸይትኸውን ኢልካ ምስ ደቂ ኽፍልኻ ኽትማሳሰል ትጽዕር ዲኻ፡ ወይስ ምእንቲ እምነትካ ጸኒዕካ ትቐውም ኢኻ፧ (1 ጴጥ. 4:3, 4) ልክዕ እዩ፡ ፍጹም ሰብ ከም ዘየልቦ ኣይከሓድን እዩ። ንነዊሕ እዋን ንየሆዋ ዘገልገሉ እኳ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ቅድሚ ሰባት ጽኑዕ መትከል ምሓዝ የፍርሆም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ርእሱ ንየሆዋ ዝወፈየ ሰብ፡ ብስም ኣምላኽ ዚጽዋዕ ምዃኑ የሐብኖ እዩ፣ ነዚ ድማ ብኣካይዳኡ የርእዮ እዩ።

12. “ግብርታት ኣምላኻዊ ተወፋይነት” እንታይ እዩ፧ ብዛዕባኡኸ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፧

12 “ግብርታት ኣምላኻዊ ተወፋይነት” እንታይ እዩ፧ እዚ ግብርታት እዚ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎካ ንጥፈታት፡ ማለት ኣብ ኣኼባታት ምእካብን ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍን ዜጠቓልል እዩ። ብዘይካዚ፡ ከም ብሕታዊ ጸሎትን ብሕታዊ መጽናዕትን ዝኣመሰለ ኻልኦት ዘይርእይዎ መንፈሳዊ ንጥፈታት እውን የጠቓልል እዩ። ህይወቱ ንየሆዋ ዝወፈየ ሰብ ነዚ ግብርታት እዚ ኸም ኣጸጋሚ ገይሩ ኣይርእዮን እዩ። የግዳስ፡ ከም ናይ ንጉስ ዳዊት ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዜንጸባርቕ፣ ኣብ ሓደ እዋን፡ ዳዊት፡ “ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፡ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ” ኢሉ እዩ።—መዝ. 40:8

13, 14. “ግብርታት ኣምላኻዊ ተወፋይነት” ንምግባር ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ መሰናድዎ ኣሎ፧ ገሊኦም መንእሰያት ካብዚ መሰናድዎ እዚ ብኸመይ ተጠቒሞም፧

13 ሸቶታት ንምውጻእ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ኣብታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ፡ ኣብ ገጽ 308ን 309ን ሓደ ወረቐት ዕዮ ኣሎ። እዚ ወረቐት ዕዮ እዚ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽትህበሉ ይዕድመካ እዩ፦ “ኣብ ጸሎትካ ማዕረ ኽንደይ ኢኻ ንጹር ነጥብታት እትጠቅስ፧ እዚኸ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ እንታይ ይገልጽ፧” “ኣብ ብሕታዊ መጽናዕትኻ እንታይ ተጠቓልል፧” “ዋላ እውን ወለድኻ ናብ ኣገልግሎት እንተ ዘይከዱ፡ ናብ ኣገልግሎት ትኸይድ ዲኻ፧” ብዘይካዚ፡ እቲ ወረቐት ዕዮ፡ ብዛዕባ ጸሎትካን ብሕታዊ መጽናዕትኻን ኣገልግሎትካን እተውጽኦ ዝዀነ ይኹን ሸቶታት ክትጽሕፈሉ እትኽእል ቦታ ኣለዎ።

14 ብዙሓት ብዛዕባ ጥምቀት ዚሓስቡ መንእሰያት፡ እዚ ወረቐት ዕዮ እዚ ጠቓሚ ንዋት ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ሓንቲ ቲልዳ ዝስማ መንእሰይ ሓብቲ፡ “ነቲ ወረቐት ዕዮ፡ ሸቶታት ንምውጻእ ተጠቒመሉ እየ። በብሓደ ድማ ነቲ ዘውጻእክዎ ሸቶታት ወቒዐዮ እየ፣ ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ድማ ንጥምቀት ድልውቲ ዀይነ” ትብል። ፓትሪክ ዝስሙ መንእሰይ ሓው እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ተጠቒሙ እዩ። ንሱ ኸኣ፡ “ሸቶታተይ እንታይ ምዃኑ ኣቐዲመ እፈልጦ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ብጽሑፍ ምስፋረይ ግና ንምውቃዑ ብዝያዳ ኣበርቲዐ ኸም ዝዓዪ ገይሩኒ እዩ” ይብል።

ወለድኻ ንየሆዋ ምግልጋል እኳ እንተ ሓደግዎ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ትቕጽል ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. ወፈያ ስለምንታይ ብሕታዊ ውሳነ ኪኸውን ከም ዚግባእ ግለጽ።

15 ሓደ ኻብቲ ኣብቲ ወረቐት ዕዮ ዚርከብ ዜመራምር ሕቶታት፡ “ወለድኻን ኣዕሩኽካን ንየሆዋ ምግልጋል እኳ እንተ ሓደግዎ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ትቕጽል ዲኻ፧” ዚብል እዩ። ርእስኻ ወፊኻ እተጠመቕካ ክርስትያን ምስ ኰንካ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብርእስኻ ደው ከም እትብል ኣይትረስዕ። ንዕኡ እተቕርቦ ኣገልግሎት፡ ኣብ ካልኦት ሰባት፡ ዋላ እውን ኣብ ወለድኻ እተመርኰሰ ኪኸውን ኣይግባእን። ቅዱስ ኣነባብራኻን ንኣምላኽ ብዘሎካ ተወፋይነት እትገብሮ ግብርታትካን፡ ሓቂ ናትካ ኸም ዝገበርካያ፡ ከምኡ ድማ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ዕቤት ትገብር ከም ዘለኻ ይሕብር እዩ።

ሞሳኻ

16, 17. (ሀ) ሓደ ሰብ ክርስትያን ንምዃን ብምንታይ ኪድረኽ ይግባእ፧ (ለ) ነቲ በጃ ዘሎካ ሞሳ ብምንታይ ብምሳሌ ኽትገልጾ ትኽእል፧

16 ሓደ እዋን፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊ ንየሱስ፡ “ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ ትእዛዝ እያ ዝዓበየት፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ድማ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴ. 22:35-37) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሓደ ክርስትያን ንምጥማቕ ኰነ፡ ካልእ ዝዀነ ይኹን ነገር ንምግባር ኪድርኾ ዚግባእ ነገር እንታይ ምዃኑ እዩ ገሊጹ፣ እወ፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልቡ ስለ ዜፍቅሮ እዩ ኸምኡ ኺገብር ዘለዎ። ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ እተዕብየሉ ብሉጽ መገድታት፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሃበና ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ውህበት ምስትንታን እዩ፣ ንሱ ድማ መስዋእታዊ በጃ ወዱ እዩ። (2 ቈረንቶስ 5:14, 15፣ 1 ዮሃንስ 4:9, 19 ኣንብብ።) ብዛዕባ እቲ በጃን ንዓኻ ዘለዎ ትርጉምን ምስ እተስተንትን፡ ሞሳ ኸተሕድር ትኽእል ኢኻ።

17 ነቲ በጃ ዘሎካ ምላሽ በዚ ዚስዕብ ምሳሌ ኺግለጽ ይከኣል እዩ፦ ሓደ ሰብ ካብ ምጥሓል ኣድሒኑካ ንበል። ናብ ገዛኻ ኼድካ፡ ሰብነትካ ኣንቂጽካ፡ ብድሕሪኡ ነቲ ዘጋጠመካ ትርስዖ ዲኻ፧ ከምኡ ኣይትገብርን ኢኻ! ነቲ ዘድሓነካ ሰብ፡ ብዓል ዕዳኡ ኸም ዝዀንካ እዩ ዚስምዓካ። ህይወትካ እዩ ኣድሒኑልካ! የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ከኣ ካብዚ ኣጸቢቑ ብዝዓቢ መገዲ እዮም ኣድሒኖምና። ብዘይ እቲ በጃ፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ሓጢኣትን ሞትን ምጠሓልና ኔርና። ሳላ እዚ ፍቕሩ እተራእየሉ ዓብዪ ተግባር እዚ ግና፡ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣሎና።

18, 19. (ሀ) ናይ የሆዋ ምዃን፡ ኬፍርሃካ ዘይግባእ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንየሆዋ ምግልጋል ንህይወትካ ዜመሓይሾ ብኸመይ እዩ፧

18 ነቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገር ተማስወሉ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ህይወትካ ንየሆዋ ወፊኻ ኽትጥመቕ ዜኽእል ብቕዓት ኣሎካ ማለት እዩ። ርእስኻ ወፊኻ ኺብሃል ከሎ፡ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ፡ ንዘለኣለም ፍቓዱ ንምግባር ንየሆዋ ተመባጺዕካሉ ማለት ምዃኑ ኣይትረስዕ። ከምዚ ዓይነት ቃል ንምእታው ክትፈርህሲ ግቡእ ድዩ፧ ኣይፋልን! የሆዋ ንጥቕምኻ እዩ ዚሓስብ፡ ‘ነቶም ዚደልይዎ ድማ ዓስቢ ይህቦም እዩ።’ (እብ. 11:6) ርእስኻ ንየሆዋ ምውፋይካን ምጥማቕካን፡ ንህይወትካ ኣየበላሽዎን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንየሆዋ ምግልጋል፡ ንህይወትካ ኼመሓይሾ እዩ። ገና ዀተቴ ኸይኰነ እተጠምቀ ሕጂ ወዲ 24 ዓመት ዝዀነ ሓው፡ “ዕድመይ እንተ ዚውስኽ፡ ብዝዓመቘ ኽርዳእ ምኸኣልኩ ነይረ፣ ግናኸ፡ ርእሰይ ንየሆዋ ንምውፋይ ዝገበርክዎ ውሳነ፡ ደድሕሪ ዓለማዊ ነገራት ከይስዕብ ዕቝባ ዀይኑኒ እዩ” ይብል።

19 የሆዋ ኻብቲ ወትሩ ንጥቕሚ ርእሱ ጥራይ ዚሓስብ ሰይጣን ጠሪሱ እተፈልየ እዩ! ሰይጣን ነቶም ኣብ ጐድኑ ዚቘሙ ነባሪ ዓስቢ ኣይህቦምን እዩ። ከመይ እሞ ገይሩ እዩ ኸምኡ ኺገብር፧ ሰይጣን ንባዕሉ ዋላ ሓንቲ ብስራት የብሉን፡ ብዛዕባ መጻኢ እውን ተስፋ የብሉን። ንርእሱ ዘይብሉ እንተ ዀይኑ ደኣ ኻበይ ኣምጺኡ እዩ ንኻልእ ኪህብ፧ ሰይጣን ብዘይካ እቲ ንዕኡ እውን ዚጽበዮ ዘሎ ጽልሙት መጻኢ፡ ካልእ ኪህብ ኣይክእልን እዩ።—ራእ. 20:10

20. ሓደ መንእሰይ ናብ ወፈያን ጥምቀትን ንምግስጋስ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧ (“ ብመንፈሳዊ መዳይ ኽትዓቢ ዚሕግዘካ ነገራት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

20 እምበኣር፡ ህይወትካ ንየሆዋ ምውፋይ፡ ቅኑዕ ስጕምቲ እዩ። ነቲ ስጕምቲ እቲ ንምውሳድ ተዳሊኻ ዲኻ፧ እንተ ተዳሊኻ፡ ድሕር ኣይትበል። ተወሳኺ ግዜ ዜድልየካ እንተ ዀይኑ ግና፡ በቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት ተጠቕሚካ ንቕድሚት ገስግስ። ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ፡ “በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን፡ ብሓደ መገዲ ንመላለስ” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። (ፊል. 3:16) ነቲ ምኽሪ እቲ እንተ ስዒብካዮ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ህይወትካ ንየሆዋ ወፊኻ ኽትጥመቕ ድሌት ከተሕድር ኢኻ።