ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ መጋቢት 2018

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 30 ሚያዝያ ኽሳዕ 3 ሰነ 2018 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ጥምቀት—ክርስትያናት ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓት

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥምቀት እንታይ ይብል፧ ሓደ ሰብ ናብ ጥምቀት ቅድሚ ምብጻሑ፡ እንታይ ስጕምትታት ኪወስድ ኣለዎ፧ ክርስትያን መምህር ንውሉዱ ወይ ንኻልእ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህር ከሎ፡ ኣገዳስነት ጥምቀት ብንጹር ኪዝክር ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

ኣቱም ወለዲ፡ ንውሉድኩም ናብ ጥምቀት ኪበጽሕ ትሕግዝዎዶ ኣለኹም፧

ክርስትያን ወለዲ፡ ደቆም ቅድሚ ምጥማቖም እንታይ እዮም ኬረጋግጹ ዚደልዩ፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሃዋርያ ጳውሎስ በራሕ ገይሮም ዚስእልዎ ስለምንታይ እዮም፧

ጋሻ ምቕባል—ደስ ዜብልን ኣድላይን ተግባር!

ቅዱሳት ጽሑፋት ንሓድሕድና ብግሽነት ክንቀባበል ዜተባብዓና ስለምንታይ እዩ፧ ተቐበልቲ ጋሻ ኽንከውን እንታይ ኣጋጣሚታት ኣሎና፧ ተቐበልቲ ጋሻ ንምዃን ብኸመይ ዕንቅፋታት ክንሰግር ንኽእል፧

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ኸቶ ኣይሓደገንን!

ኤሪካ ኖረር ብራይት ስርዕቲ ፈላሚት፡ ፍልይቲ ፈላሚት፡ ሚስዮናዊት ኰይና ኣገልጊላ እያ። የሆዋ ኣብ ኵሉ እቲ እምንቲ ኣገልጋሊት ኰይና ዘሕለፈቶ ዓመታት፡ ብኸመይ ከም ዝደገፋን ዘጽንዓን ዝሓዛን ተዘንቱ።

ተግሳጽ— መርኣያ ፍቕሪ ኣምላኽ

ካብቶም ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገሰጾም እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ክንግስጽ ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል፧

“ተግሳጽ ስምዑ፡ ጥበበኛታት ከኣ ኩኑ”

የሆዋ ንርእስና ኽንግስጽ ዚምህረና ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ክርስትያናዊ ጉባኤ ኻብ ዚውሃበና ተግሳጽ ከመይ ጌርና ኽንጥቀም ንኽእል