ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተግሳጽ— መርኣያ ፍቕሪ ኣምላኽ

ተግሳጽ— መርኣያ ፍቕሪ ኣምላኽ

“የሆዋስ ንዜፍቅሮ እዩ ዚግስጾ።”—እብ. 12:6

መዝሙር፦ 123, 86

1. ተግሳጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ተዓይዩሉ ዘሎ፧

“ተግሳጽ” ዚብል ቃል ክትሰምዕ ከለኻ፡ ኣብ ኣእምሮኻ ዚመጸካ እንታይ እዩ፧ ምናልባት መቕጻዕቲ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን፣ ተግሳጽ ግና ካብ መቕጻዕቲ ዝሰፍሐ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተግሳጽ ጽቡቕ ከም ዝዀነ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፣ ምስ ፍልጠትን ጥበብን ፍቕርን ህይወትን ተተሓሒዙ እውን ተጠቒሱ ይርከብ እዩ። (ምሳ. 1:2-7፣ 4:11-13) ምኽንያቱ፡ ተግሳጽ መግለጺ እቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቕርን ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ዘለዎ ትምኒትን እዩ። (እብ. 12:6) ኣምላኽ ብመቕጻዕቲ ገይሩ ኺግስጸና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ግና ሃሳዪ ወይ ሕሱም ኣይኰነን። እኳ ደኣስ፡ “ተግሳጽ” ብቐዳምነት ምስ ትምህርቲ፡ ንኣብነት ወላዲ ንዜፍቅሮ ውሉዱ ምስ ዚህቦ ትምህርቲ እዩ ዚተሓሓዝ።

2, 3. ተግሳጽ ንትምህርትን ንመቕጻዕትን ኬጠቓልል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

2 ንበል እስከ፡ ጆኒ ዝስሙ ቘልዓ ኣብ ገዛ ዅዕሶ ይጻወት ኣሎ። ኣዲኡ ኸኣ፡ “ጆኒ፡ ኣብ ገዛ ዅዕሶ ኣይትጻወት! ኣቕሑ ኸይትሰብር!” ኢላቶ። ንሱ ግና ምኽሪ ኣዲኡ ዕሽሽ ኢሉ፡ ኵዕሶ ስለ እተጻወተ፡ ነቲ መቐመጥ ዕምባባ ሰይርዎ። እሞ ደኣ ኣዲኡ ብኸመይ እያ ኽትግስጾ፧ እቲ እትህቦ ተግሳጽ፡ ትምህርትን መቕጻዕትን ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ትምህርታ፡ ተግባሩ ስለምንታይ ጌጋ ኸም ዝዀነ ኣዘኻኺራቶ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንወለዱ እንተ ተኣዚዙ ጽቡቕ ከም ዚዀነሉ፡ ሕግታቶም ድማ ኣድላይን ሚዛናውን ከም ዝዀነ ኣረዲኣቶ። ድሕሪኡ፡ ንቓላታ ምእንቲ ኸይርስዖ፡ ነታ ዅዕሶኡ ንእተወሰነ ግዜ ብምሕዳግ፡ ግቡእ መቕጻዕቲ ቐጺዓቶ። እዚ ኸኣ ዘይተኣዛዝነቱ ሳዕቤን ከም ዜስዕበሉ እዩ ዚምህሮ።

3 ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ስለ ዝዀንና፡ ክፍሊ ቤተ ሰብ ኣምላኽ ኢና። (1 ጢሞ. 3:15) ስለዚ፡ የሆዋ ስርዓት ኪሰርዓልና፡ ንስርዓቱ ኽንጥሕሶ ኸለና ድማ ብፍቕሪ ኺግስጸና መሰል ከም ዘለዎ ንኣምን ኢና። ተግባራትና ሕማቕ ሳዕቤን እንተ ኣስዒቡ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዚህበና ተግሳጽ ንዕኡ ምስማዕ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ የዘኻኸረና እዩ። (ገላ. 6:7) ኣምላኽ ኣጸቢቑ ስለ ዚሓልየልና፡ ካብ ጓሂ ልቢ ኺሰትረና ይደሊ እዩ።—1 ጴጥ. 5:6, 7

4. (ሀ) የሆዋ ንኸመይ ዝበለ ስልጠና እዩ ዚባርኽ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

4 ቅዱስ ጽሑፋዊ ተግሳጽ ብምሃብ፡ ንቘልዓ ወይ ንተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ሰዓቢ ክርስቶስ ንምዃን ዘለዎ ሸቶ ምእንቲ ኺወቅዕ፡ ከነሰልጥኖ ንኽእል ኢና። እቲ ንምስልጣን እንጥቀመሉ ቐንዲ ንዋት ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ‘ብጽድቂ ኽንግስጽ’ የኽእለና እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ቘልዓ ወይ እቲ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንእተማህሮ ኺርድኦን ‘የሱስ ዝኣዘዘና ዅሉ ኺሕሉን’ ይኽእል። (2 ጢሞ. 3:16፣ ማቴ. 28:19, 20) የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስልጠና ይባርኾ እዩ፣ ከመይሲ፡ ነቶም ተምሃሮ እውን ብግዲኦም ንኻልኦት ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪገብሩ ይደልዮም እዩ። (ቲቶስ 2:11-14 ኣንብብ።) ሕጂ፡ መልሲ እዘን ሰለስተ ኣገደስቲ ሕቶታት እስከ ንርአ፦ (1) ተግሳጽ ኣምላኽ ነቲ ንሱ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (2) ካብቶም ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገሰጾም እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (3) ክንግስጽ ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ንየሆዋን ንወዱን ክንመስሎም እንኽእል፧

ኣምላኽ ብፍቕሪ ይግስጽ

5. እቲ የሆዋ ዚህበና ተግሳጽ ብኸመይ እዩ ፍቕሩ ዜንጸባርቕ፧

5 የሆዋ ንዓና፡ ኣብ ፍቕሩን ኣብ መገዲ ህይወትን ምእንቲ ኽንነብር፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ይእርመናን ይምህረናን የሰልጥነናን እዩ። (1 ዮሃ. 4:16) ፈጺሙ ኣየነኣእሰናን ወይ ኣይጸርፈናን እዩ። (ምሳ. 12:18) ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ ኣብቲ ኣብ ልብና ዘሎ ጽቡቕ ነገራት የተኵርን ንናይ ምምራጽ ናጽነትና የኽብረልናን እዩ። ነቲ ብቓሉ፡ ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት፡ ብክርስትያን ወለዲ፡ ወይ ብሽማግለታት ጉባኤ ኣቢሉ ዚመጽእ ተግሳጽ ኣምላኽሲ ኸምዚ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧ እምበኣር፡ እቶም ‘ክንስሕት’ ከለና ብልእመትን ብፍቕርን ዜቕንዑና ሽማግለታት፡ ከም ሓቂ ፍቕሪ የሆዋ እዮም ዜንጸባርቑልና።—ገላ. 6:1

6. ተግሳጽ ኪውሃብ ከሎ ቐይድታት ምስ ዚግበር፡ እዚ ንፍቕሪ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧

6 ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ተግሳጽ ካብ ምኽሪ ወይ ኣፍኣዊ መአረምታ ንላዕሊ እውን የጠቓልል እዩ። ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ገይሩ፡ ኣብ ጉባኤ ዝነበሮ ፍሉይ መሰል ኪስእን ይኽእል እዩ። ከምኡ ኣብ ዚዀነሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ እቲ ተግሳጽ ንፍቕሪ ኣምላኽ እዩ ዜንጸባርቕ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ፍሉይ መሰሉ እንተ ስኢኑ፡ ኣብ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ምስትንታንን ኣብ ጸሎትን ምትኳር ዘለዎ ኣገዳስነት ኬስተውዕል ይሕግዞ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪብርትዕ ይኽእል እዩ። (መዝ. 19:7) ጸኒሑ፡ እቲ ፍሉይ መሰሉ ኺምለሰሉ ይኽእል እዩ። ውገዳ እውን እንተ ዀነ፡ ነታ ጉባኤ ኻብ ሕማቕ ጽልዋ ስለ ዜዕቍባ፡ ፍቕሪ የሆዋ እዩ ዜንጸባርቕ። (1 ቈረ. 5:6, 7, 11) ኣምላኽ ብልክዕ ስለ ዚግስጽ ከኣ፡ ውገዳ ነቲ ኣባሲ ኽብደት ሓጢኣቱ ኸም ዚርድኦን ከም ዚንሳሕን ኪገብሮ ይኽእል እዩ።—ግብ. 3:19

ካብ ተግሳጽ የሆዋ ተጠቒሙ

7. ሸብና መን እዩ ነይሩ፧ እንታይ ሕማቕ ባህርይከ እዩ ኼማዕብል ጀሚሩ፧

7 ጥቕሚ ተግሳጽ ምእንቲ ኺርድኣና፡ የሆዋ ዝገሰጾም ክልተ ውልቀ ሰባት እስከ ንርአ። እቲ ሓደ፡ ብዘመን ንጉስ ህዝቅያስ ዚነብር ዝነበረ ሸብና እዩ፣ እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ኣብዚ ግዜና ዚነብር ግርሃም ዚብሃል ሓው እዩ። ሸብና “ኣመሓዳሪ ቤት” ስለ ዝነበረ፡ ዓብዪ ስልጣን እዩ ነይርዎ፣ ከመይሲ፡ ኣመሓዳሪ ቤት ህዝቅያስ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 22:15) እቲ ዜሕዝን ግና፡ ክብሩ ይደሊ ብምንባሩ፡ ተዓብዩ እዩ። አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ ንርእሱ እውን ክቡር መቓብር ኣስሪሑ እዩ፣ ኣብ “ክቡር ሰረገላታት” ድማ ይውጣሕ ነይሩ።—ኢሳ. 22:16-18

ብትሕትና ኣተሓሳስባና እንተ ኣዐሪና፡ በረኸት ኣምላኽ ንረክብ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-10 ርአ)

8. የሆዋ ንሸብና ብኸመይ እዩ ገሲጽዎ፧ እዚኸ እንታይ ኣፍርዩ፧

8 ሸብና ንርእሱ ኽብሪ ይደሊ ብምንባሩ፡ ኣምላኽ ‘ካብ ስልጣኑ ደርበዮ፡’ ብኤልያቂም ድማ ተክኦ። (ኢሳ. 22:19-21) እዚ ለውጢ እዚ ኣብቲ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ንየሩሳሌም ኬጥቅዕ ዝሓለነሉ እዋን እዩ ዀይኑ። እቲ ንጉስ ከኣ ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ንኣይሁድ ንምድሃልን ንህዝቅያስ ኢዱ ኸም ዚህብ ንምግባርን፡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣኑ ምስ ዓብዪ ሰራዊት ገይሩ ናብ የሩሳሌም ለኣኾም። (2 ነገ. 18:17-25) ምሳታቶም ንምዝርራብ ድማ ኤልያቂም ተላእከ፣ ግናኸ፡ በይኑ ኣይኰነን ከይዱ። ምስኡ እውን ክልተ ኻልኦት ነይሮም እዮም፣ ሓደ ኻባታቶም ከኣ ሸብና እቲ ጸሓፊ እዩ ነይሩ። እዝስ ሸብና ነቲ እተዋህቦ ዝተሓተ ሓላፍነታት ብትሕትና ኸም እተቐበለ እምበር፡ ከም ዘይተመረረ ወይ ቂም ከም ዘይሓዘ ዚእምት ደይኰነን፧ እሞ ደኣ፡ ካብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ንምሃር፧ ሰለስተ ትምህርቲ እስከ ንርአ።

9-11. (ሀ) ካብ ተመክሮ ሸብና እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ንምሃር፧ (ለ) በቲ የሆዋ ንሸብና ዝሓዘሉ መገዲ ብኸመይ ተተባቢዕካ፧

9 ቀዳማይ፡ ሸብና ሓላፍነቱ ስኢኑ እዩ። እዚ ኸኣ ንሓቅነት እቲ፡ “ትምክሕቲ ቕድሚ ውድቀት እያ፣ መንፈስ ትዕቢት ከኣ ቅድሚ ምዕንቃፍ እዩ” ዚብል መጠንቀቕታ ዜረጋግጽ እዩ። (ምሳ. 16:18) ኣብ ጉባኤ ፍሉይ መሰላት እንተ ኣልዩካ፡ ምናልባት እውን ብእተወሰነ ምርኡይ እንተ ዄንካ፡ ብትሕትና ንምምልላስ ትጽዕር ዲኻ፧ ብዘሎካ ዘበለ ተውህቦ ወይ ብእትገብሮ ዅሉ የሆዋ ኸም ዚምስገን ዲኻ እትገብር፧ (1 ቈረ. 4:7) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ መንጎኹም ዘሎ፡ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓስብ፡ የግዳስ፡ . . . ብልብምና ኺሓስብ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣለኹ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—ሮሜ 12:3

10 ካልኣይ፡ የሆዋ ንሸብና ኣትሪሩ ኺገንሖ ኸሎ፡ ኪዕረ ዘይክእል ገይሩ ኸም ዘይሓሰቦ እዩ ዜርኢ ነይሩ። (ምሳ. 3:11, 12) እዝስ ነቶም ሎሚ ኣብ ጉባኤ የሆዋ ፍሉይ መሰላት ዚስእኑ ሰባት ከመይ ዝበለ ሰናይ ትምህርቲ ዀን እዩ! እወ፡ በዚ ኣብ ክንዲ ዚቝጥዑን ቂም ዚሕዙን፡ ነቲ እተዋህቦም ተግሳጽ መርኣያ ፍቕሪ የሆዋ ገይሮም ብምርኣይ፡ ንኣምላኽ ብምሉእ ዓቕሞም ካብ ምግልጋል ኣየቋርጹን እዮም። ርእስና ኣብ ትሕቲ ኣቦና ትሕት ክሳዕ ዘበልና፡ ተስፋ ዘይብልና ገይሩ ኣይርእየናን እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:6, 7 ኣንብብ።) ብፍቕሪ ዚውሃበና ተግሳጽ፡ ኣምላኽ ንዓና ዚቐርጸሉ መገዲ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ስለዚ፡ ኣብ ኣእዳዉ ተቐረጽቲ ንኹን።

11 ሳልሳይ፡ የሆዋ ንሸብና ዝሓዘሉ መገዲ፡ ንኸም ወለድን ክርስትያን ሓለውትን ዝኣመሰሉ ተግሳጽ ኪህቡ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት እውን ጠቓሚ ትምህርቲ ይህቦም እዩ። እዚኸ እንታይ እዩ፧ የሆዋ ዚህቦ ተግሳጽ ንሓጢኣት ዘለዎ ጽልኢ ዜርኢ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ዝሓጥአ ሰብ ዘለዎ ሓልዮት እውን የርኢ እዩ። ተግሳጽ እትህብ ወላዲ ወይ ሓላዊ እንተ ዄንካ፡ ክፉእ እናጸላእካ ኽነስኻ፡ ንውሉድካ ወይ ንኣማኒ ዝዀነ ብጻይካ ብምሕላይ፡ ንየሆዋ ኽትመስሎ ትኽእልዶ፧—ይሁ. 22, 23

12-14. (ሀ) ገሊኦም ሰባት ንዚውሃቦም ተግሳጽ ብኸመይ ይቕበልዎ፧ (ለ) ቃል ኣምላኽ ንሓደ ሓው፡ ኣተሓሳስባኡ ኼዕሪ ብኸመይ ሓጊዝዎ፧ እዚኸ እንታይ ኣፍርዩ፧

12 እቲ ዜሕዝን፡ ገሊኦም ሰባት ተግሳጽ ምስ ተዋህቦም፡ ኣመና ስለ ዚጕድኡ፡ ካብ ኣምላኽን ካብ ህዝቡን ይርሕቁ እዮም። (እብ. 3:12, 13) ግናኸ፡ ነቶም ከምዚ ዚገብሩ ዋላ ሓደ ኺሕግዞም ኣይክእልን እዩ ማለት ድዩ፧ ንሓደ እተወገደ፡ ጸኒሑ እተመልሰ፡ ድሕሪኡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዘይንጡፍ ዝዀነ ግርሃም ዝስሙ ሓው እስከ ከም ኣብነት ንውሰድ። ንሱ ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ንሓደ እተዓራረኾ ሽማግለ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓሉ ሓተቶ።

13 እቲ ሽማግለ ኸምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ግርሃም ናይ ትዕቢት ጸገም ነይርዎ። ነቶም ዝወገድዎ ሽማግለታት ይነቕፎም ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ንእተወሰነ ግዜ ኣብ መጽናዕትና፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ትዕቢትን ሳዕቤናቱን እንታይ ከም ዚብል ተመያይጥና። ግርሃም ከኣ ንርእሱ ብመስትያት ቃል ኣምላኽ ገይሩ ብንጹር ኪርእያ ጀሚሩ፣ ነቲ ዝረኣዮ ድማ ኣይፈተዎን! እዚ ዘሕደረሉ ጽልዋ ኸኣ ዜደንቕ እዩ ነይሩ! ‘ብሰርወ’ ትዕቢት ዓዊሩ ኸም ዝነበረ፡ ናይ ምንቃፍ ባህርዩ ድማ ናቱ ጸገም ምዃኑ ድሕሪ ምእማኑ፡ ቅልጡፍ ምምሕያሽ ኪገብር ጀሚሩ። ኣዘውቲሩ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪእከብ፡ ብትግሃት ቃል ኣምላኽ ኬጽንዕ፡ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ኪጽሊ ጀሚሩ። ርእሲ ስድራ ቤት ከም ምዃኑ መጠን ዘለዎ መንፈሳዊ ሓላፍነት እውን ኪስከም ጀሚሩ፣ እዚ ኸኣ ንሰበይቱን ንደቁን ኣሐጒስወን እዩ።”—ሉቃ. 6:41, 42፣ ያእ. 1:23-25

14 እቲ ሽማግለ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ይብል፦ “ሓደ መዓልቲ፡ ግርሃም ልበይ ዝተንከየኒ ነገር ነጊሩኒ። ‘ሓቂ ኻብ ዝፈልጥ ብዙሕ ዓመታት ኰይኑኒ እዩ፣ ፈላሚ ዀይነ እውን ኣገልጊለ እየ። ብሓቂ ንየሆዋ አፍቅሮ እየ ኽብል ዝኽእል ግና ሕጂ እየ’ ኢሉኒ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ማይክሮፎን ከዝውር ሓላፍነት ተዋሂብዎ፣ ነዚ ፍሉይ መሰል ድማ ኣኽቢሩ እዩ ርእይዎ። ሰብ ንዚውሃቦ ተግሳጽ ብምቕባል ንርእሱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕት እንተ ኣቢሉ፡ በረኸት ከም ዚፈስሰሉ፡ ካብ ኣብነቱ ተማሂረ እየ።”

ክትግስጽ ከለኻ፡ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ምሰሎም

15. እንህቦ ተግሳጽ ልቢ ዚትንኪ ምእንቲ ኪኸውን፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

15 ንፉዓት መምህራን ንምዃን፡ ፈለማ ንፉዓት ተምሃሮ ኽንከውን ኣሎና። (1 ጢሞ. 4:15, 16) ብተመሳሳሊ፡ እቶም ንኻልኦት ንምግሳጽ ካብ ኣምላኽ ስልጣን እተዋህቦም፡ ነቲ የሆዋ ዚህቦም መምርሒ ብፍታው ኪግዝኡ ኣለዎም። ብትሕትና ዚግዝኡ ምዃኖም፡ ካብ ካልኦት ኣኽብሮት ይረኽቡ፡ ኬሰልጥኑ ወይ ኪእርሙ ኸለዉ ኸኣ ንምዝራብ ትብዓት ይህልዎም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ።

16. ብዛዕባ ግቡእ ተግሳጽን ጽቡቕ ኣመሃህራን ካብ የሱስ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

16 የሱስ ኣብ ኣጸጋሚ እዋን እኳ እንተ ዀነ፡ ወትሩ ንኣቦኡ ይእዘዞ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 26:39) ትምህርቱን ጥበቡን ካብ ኣቦኡ ኸም ዝረኸቦ ድማ ይገልጽ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 5:19, 30) የሱስ ትሑትን እዙዝን ብምንባሩ፡ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናብኡ ይስሓቡ ነይሮም እዮም። እዚ ባህርያት እዚ እውን ርሕሩሕን ጥዑምን መምህር ኪኸውን ሓጊዝዎ እዩ። (ማቴዎስ 11:29 ኣንብብ።) እቲ ብለውሃት ዚዛረቦ ቓላቱ ድማ ነቶም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኸም ጭፍሉቕ ሻምብቆ ወይ ከም ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ ዝነበሩ ሰባት የተባብዖም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 12:20) ትዕግስቱ ኣብ ዚፍተነሉ እዋን እኳ እንተ ዀነ፡ ለዋህን ፈቃርን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ሃዋርያቱ መኖም ከም ዚዓቢ ብምክርኻሮም ኪእርሞም ከሎ፡ ነዚ ባህርያት እዚ ኣርእዩ እዩ።—ማር. 9:33-37፣ ሉቃ. 22:24-27

17. ሽማግለታት ንፉዓት ጓሶት መጓሰ ኣምላኽ ኪዀኑ ዚሕግዞም ባህርያት እንታይ እዩ፧

17 ኵሎም እቶም ቅዱስ ጽሑፋዊ ተግሳጽ ኪህቡ ስልጣን ዘለዎም፡ ኣብነት ክርስቶስ ኪስዕቡ ኣለዎም። ከምኡ ምግባሮም፡ ብኣምላኽን ብወዱን ኪቕረጹ ኸም ዚደልዩ እዩ ዜርኢ። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ነቲ ኣብ ትሕቲ ሓልዮትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ሓለውቲ ዄንኩም እናኣገልገልኩም ጓስይዎ፣ ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብፍታው እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፣ ብሃንቀውታ እምበር፡ ንዘይግቡእ ረብሓ እውን ኣይኹን፣ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብቶም ርስቲ ኣምላኽ ዝዀኑ እትጕይተቱ ኣይትኹኑ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ጴጥ. 5:2-4) እወ፡ ንኣምላኽን ነቲ ርእሲ ጉባኤ ዝዀነ ክርስቶስን ብሓጐስ ዚግዝኡ ሓለውቲ፡ ንርእሶምን ነቶም ኣብ ትሕቲ ሓልዮቶም ዘለዉ ሰባትን ይጠቕሙ እዮም።—ኢሳ. 32:1, 2, 17, 18

18. (ሀ) የሆዋ ንወለዲ እንታይ ኪገብሩ እዩ ትጽቢት ዚገብረሎም፧ (ለ) ኣምላኽ ንወለዲ፡ ሓላፍነታቶም ኪፍጽሙ ብኸመይ እዩ ዚሕግዞም፧

18 ኣብ ስድራ ቤት እውን ሕደ መሰረታዊ ስርዓት ይዓዪ እዩ። ንርእስታት ስድራ ቤት፡ “ንውሉዳትኩም ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተሕርቕዎም” ተባሂሉ ተነጊርዎም ኣሎ። (ኤፌ. 6:4) እዚ ጕዳይ እዚ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣርዚንካ ኺርአ ዚግባእ፧ ምሳሌ 19:18፡ “ገና ተስፋ ኸሎ፡ ንወድኻ ገስጾ፣ ብሞቱ ድማ ተሓታቲ ኣይትኹን” ትብል። እወ፡ ክርስትያን ወለዲ ንውሉዶም ዜድልዮ ተግሳጽ ዘይህብዎ እንተ ዀይኖም፡ የሆዋ ተሓተትቲ እዩ ዚገብሮም! (1 ሳሙ. 3:12-14) ወለዲ ንየሆዋ ብትሕትና እንተ ለሚኖምዎ፡ መምርሒ ንምርካብ ከኣ ኣብ ቃሉን ኣብ መንፈስ ቅዱስን እንተ ተጸጊዖም፡ ንሱ ጥበብን ብርታዐን ይህቦም እዩ።—ያእቆብ 1:5 ኣንብብ።

ንዘለኣለም ብሰላም ንምንባር ዚውሃብ ትምህርቲ

19, 20. (ሀ) ኣምላኽ ዚህበና ተግሳጽ ምቕባልና እንታይ በረኸት የምጽኣልና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

19 ካብ ኣምላኽ ተግሳጽ ምቕባል ዜምጽኣልና ጥቕሚ፡ ከምኡ ድማ ክንግስጽ ከለና ንየሆዋን ንየሱስን ምምሳልና ዜፍርዮ በረኸት፡ ዘርዚርካ ዚውዳእ ኣይኰነን። እንተ ወሓደ፡ ስድራ ቤታትን ጉባኤታትን ሰላም ይዓስለን እዩ። ውልቀ ሰባት ድማ ናይ ሓቂ ፍቕርን ኣኽብሮትን ቅሳነትን ይረኽቡ እዮም፣ እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ገና ዝዓበየ በረኸት ከም ዘሎ ዚሕብር እዩ። (መዝ. 72:7) እምበኣር፡ ተግሳጽ የሆዋ ኣብ ትሕቲ ኣባታዊ ሓልዮቱ ኸመይ ጌርና ብሰላምን ብስኒትን ንዘለኣለም ከም እንነብር ይምህረና እንተ በልና፡ ምግናን ኣይኰነን። (ኢሳይያስ 11:9 ኣንብብ።) ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚውሃበና ተግሳጽ በዚ ኸምዚ እንተ ርኢናዮ፡ ባህ ዜብል መርኣያ ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጌርና ኽንቈጽሮ ኢና።

20 ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤትን ጉባኤን ብዛዕባ ዚውሃብ ተግሳጽ ተወሳኺ ነጥብታት ክንርኢ ኢና። ከመይ ጌርና ርእስና ኸም እንግስጽን ተግሳጽ ካብ ዜምጽኦ ግዜያዊ ስቓይ ዝገደደ ነገር እንታይ ምዃኑን እውን ክንርኢ ኢና።