ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ተግሳጽ ስምዑ፡ ጥበበኛታት ከኣ ኩኑ”

“ተግሳጽ ስምዑ፡ ጥበበኛታት ከኣ ኩኑ”

“ደቀየ፡ . . . ተግሳጽ ስምዑ፡ ጥበበኛታት ከኣ ኩኑ።”—ምሳ. 8:32, 33

መዝሙር፦ 56, 89

1. ከመይ ጌርና ኢና ጥበብ እንረክብ፧ እዚኸ እንታይ ጥቕሚ የምጽኣልና፧

የሆዋ ምንጪ ጥበብ እዩ፣ ጥበቡ ድማ ብልግሲ ይህብ እዩ። ያእቆብ 1:5፡ “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐዲላቶ ኸኣ፡ ነቲ ኸይነቐፈ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ” ትብል። ሓደ ኻብቲ ኻብ ኣምላኽ ጥበብ እንረኽበሉ መገዲ፡ ንዚህበና ተግሳጽ ብምቕባል እዩ። እታ ጥበብ እቲኣ ድማ ካብ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ጕድኣት ትሕልወና። (ምሳ. 2:10-12) ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ‘ንርእስና ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንሕሉ።’—ይሁ. 21

2. ኣምላኽ ንዚህበና ተግሳጽ ዘሎና ኣኽብሮት ከመይ ጌርና ኸነማዕብል ንኽእል፧

2 ይኹን እምበር፡ ዘይፍጽምናናን ኣተዓባብያናን ካልእ ረቛሒታትን፡ ተግሳጽ ንምቕባልን ንጥቕምና ምዃኑ ንምስትውዓልን ከቢድ ይገብሮ እዩ። ጥቕሚ ተግሳጽ ኣብ ህይወትና ምስ ረኣናዮ፡ መርኣያ ፍቕሪ ኣምላኽ ምዃኑ ንርድኦ ኢና። ምሳሌ 3:11, 12፡ “ወደየ፡ ተግሳጽ የሆዋ ኣይትንዓቕ፣ . . . የሆዋ ንዜፍቅሮ እዩ ዚገንሖ” ትብል። እወ፡ የሆዋ ንጥቕምና ኸም ዚሓሊ ኽንርስዕ የብልናን። (እብራውያን 12:5-11 ኣንብብ።) ኣምላኽ ኣጸቢቑ ስለ ዚፈልጠና፡ ብግቡእን ብልክዕን እዩ ዚግስጸና። ሕጂ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ መዳያት ተግሳጽ እስከ ንርአ፦ (1) ርእሰ ተግሳጽ፡ (2) ተግሳጽ ወለዲ፡ (3) ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚውሃብ ተግሳጽ፡ (4) ተግሳጽ ካብ ዜስዕቦ ግዜያዊ ስቓይ ዚገድድ ነገር።

ርእስና እንተ ገሲጽና፡ ጥበበኛታት ንኸውን

3. ቈልዓ ኸመይ ገይሩ እዩ ርእሰ ተግሳጽ ኬማዕብል ዚኽእል፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

3 ርእስና ንግስጽ እንተ ዄንና፡ ጠባይናን ኣተሓሳስባናን ንምምሕያሽ ርእስና ንቈጻጸር ኢና። ርእሰ ተግሳጽ ክንውለድ ከለና እነጥርዮ ኣይኰነን። ከነማዕብሎ ኣሎና። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ቈልዓ ኣብ ፈለማ ምዝዋር ብሽክለታ ኺምሃር ከሎ፡ ምእንቲ ኸይወድቕ ወላዲኡ ነታ ብሽክለታ ሒዙ እዩ ዜላምዶ። እቲ ቘልዓ ሚዛኑ ኺሕሉ ምስ ጀመረ ግና፡ እቲ ወላዲ ንሕጽር ዝበለ እዋን ይፍንዎ። እቲ ቘልዓ ሚዛኑ ምሕላው ምስ ከኣለ ኸኣ፡ ምሉእ ብምሉእ ይፍንዎ። ብተመሳሳሊ፡ ወለዲ ንደቆም ከይተሓለሉ “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ምስ ዜሰልጥንዎም፡ ርእሰ ተግሳጽን ጥበብን ኬማዕብሉ ይሕግዝዎም።—ኤፌ. 6:4

4, 5. (ሀ) ርእሰ ተግሳጽ ኣገዳሲ ኽፋል “ሓድሽ ስብእና” ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) “ሸውዓተ ሳዕ” እኳ እንተ ወደቕና፡ ተስፋ ኽንቈርጽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

4 እዚ መሰረታዊ ሓቂ እዚ፡ ኣብቶም ምስ ዓበዩ ንየሆዋ ዚፈልጥዎ ሰባት እውን ይዓዪ እዩ። ሓቂ እዩ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ኣቐዲሞም እተወሰነ ርእሰ ተግሳጽ ኣማዕቢሎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ግና ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ዘበሉ ዅሎም፡ ኣብ ፈለማ ብሱላት ኣይኰኑን። ይኹን እምበር፡ ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለ “ሓድሽ ስብእና” ንምልባስ ኣብ ዚጽዕሩሉ እዋን፡ በብቝሩብ ናብ ብስለት ኪበጽሑ ይኽእሉ እዮም። (ኤፌ. 4:23, 24) ርእሰ ተግሳጽ ከኣ ኣብዚ ዕቤትና ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ከም ፍሪኡ ድማ፡ “ረሲእነትን ዓለማዊ ትምኒትን ሓዲግና፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ብልብምናን ብጽድቅን ንኣምላኽ ብዘሎና ተወፋይነትን ክንነብር የሰልጥነና።”—ቲቶ. 2:12

5 እንተዀነ ግና፡ ኵላትና ንሓጥእ ኢና። (መክ. 7:20) ስለዚ፡ ኣብ ገለ እዋን እንተ ተጋጊና፡ ርእስና ብእተወሰነ ደረጃ ወይ ፈጺምና ዘይንግስጽ ኢና ማለት ኣይኰነን። ከምቲ ምሳሌ 24:16 ዚበሎ፡ “ጻድቕሲ ሸውዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ መሊሱ ይትንስእ” እዩ። ከምኡ ኺገብር ግና እንታይ ይሕግዞ፧ ናቱ ሓይሊ ዘይኰነስ፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ እዩ ዚሕግዞ። (ፊልጲ 4:13 ኣንብብ።) ሓደ ኻብቲ ፍረ መንፈስ፡ እቲ ምስ ርእሰ ተግሳጽ ኣጸቢቑ ዚተኣሳሰር ርእሰ ግትኣት እዩ።

6. ንፉዓት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

6 ርእስና ናይ ምግሳጽ ልማድ ከነማዕብል ዚሕግዘና ኻልእ ነገራት ድማ፡ ልባዊ ጸሎትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ምስትንታንን እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸብደካ ወይ መጽናዕቲ ዘይፍተወካ እንተ ዀይኑኸ፧ እንተ ፈቒድካሉ፡ የሆዋ ኺሕግዘካ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ። እወ፡ ‘ቃሉ ኽትብህግ’ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 2:2) ርእስኻ ገሲጽካ ቓሉ ምእንቲ ኸተጽንዕ፡ መጀመርታ ናብ የሆዋ ጸሊ። ድሕሪኡ፡ ምስ ጸሎትካ ዚሰማማዕ ነገር ግበር፣ ምናልባት መጽናዕትኻ ኣብ ፈለማ ሓጺር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ መጽናዕቲ ቐሊልን ባህ ዜብልን ኪዀነልካ እዩ። ነቲ ብዛዕባ እቲ ኽቡር ሓሳባት የሆዋ እተስተንትነሉ ጸጥ ዝበለ እዋን ድማ ክትፈትዎ ኢኻ።—1 ጢሞ. 4:15

7. ርእሰ ተግሳጽ መንፈሳዊ ሸቶና ኽንወቅዕ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

7 ርእሰ ተግሳጽ መንፈሳዊ ሸቶታትና ኽንወቅዕ እውን ይሕግዘና እዩ። ንመንፈሳዊ ነገራት ዝነበሮ ቕንኣት ዝዘሓለ ዀይኑ እተሰምዖ ሓደ ኣቦ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። እቲ ነገር ስለ ዘተሓሳሰቦ ስሩዕ ፈላሚ ኪኸውን ሸቶ ኣውጺኡ፣ ኣብ መጽሔታትና ዝወጸ ብዛዕባኡ ዚገልጽ ዓንቀጻት ድማ ኬንብብ ጀሚሩ። በዚ ኸምዚ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ደልዲሉን በርቲዑን እዩ። ኣጋጣሚ ኣብ ዚረኽበሉ ዝነበረ እዋናት ሓጋዚ ፈላሚ ዀይኑ የገልግል ነይሩ እዩ። እሞኸ እንታይ ወጽኢት ረኺቡ፧ ዕንቅፋታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ ንሸቶኡ ኣይሓደጎን፣ ድሕሪ ግዜ ድማ ስሩዕ ፈላሚ ኪኸውን ክኢሉ።

ንደቅኻ ብተግሳጽ የሆዋ ኣዕብዮም

ቈልዑ፡ ቅኑዕን ጌጋን ፈሊጦም ኣይኰኑን ዚውለዱ፣ ስለዚ፡ ስልጠና የድልዮም እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)

8-10. ክርስትያን ወለዲ ንደቆም፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ዚዀኑ ገይሮም ንምዕባይ፡ እንታይ ይሕግዞም፧ ኣብነት ሃብ።

8 ክርስትያናት ወለዲ ንደቆም፡ “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ናይ ምዕባይ ፍሉይ መሰል ኣለዎም። (ኤፌ. 6:4) ከምኡ ምግባር፡ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ኣጸጋሚ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1-5) ቈልዑ፡ ቅኑዕን ጌጋን ፈሊጦም ኣይኰኑን ዚውለዱ። ሓቂ እዩ፡ ካብ ልደቶም ኣትሒዙ ሕልና ኣለዎም፣ ሕልናኦም ግና ኪስልጥን ወይ ኪግሰጽ የድልዮ እዩ። (ሮሜ 2:14, 15) ሓደ መወከሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ተግሳጽ” እትብሃል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ዕቤት ቈልዓ” ተባሂላ ኽትትርጐም ከም እትኽእል ገሊጹ ኣሎ።

9 ወለዶም ብፍቕሪ ዚግስጽዎም ውሉዳት፡ ሽቝሩራት ኣይኰኑን እዮም። ብኸምዚ ዚዓብዩ ውሉዳት፡ ናጽነት ደረት ከም ዘለዎ፡ ውሳነታትናን ኣካይዳናን ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ሳዕቤን ከም ዜምጽእ ይምሃሩ እዮም። ክርስትያናት ወለዲ መምርሒታት የሆዋ ምስዓቦም እምበኣር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣተዓባብያ ቘልዑ ኻብ ባህሊ ናብ ባህሊ፡ ወይ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ይፈላለ እዩ። ወለዲ ንደቆም ብጽቡቕ ንምዕባይ ንኣምላኽ ምስ ዚሰምዕዎ፡ ብግምት፡ ብተመክሮ፡ ወይ ብሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ኣይኰኑን ደቆም ዜዕብዩ።

10 ንኣብነት፡ ንኖህ እስከ ንውሰድ። የሆዋ መርከብ ኪሰርሕ ምስ ኣዘዞ፡ ኣብ ተመክሮኡ ኣይኰነን ተመርኲሱ። ቅድሚኡ መርከብ ሰሪሑ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብ የሆዋ ኺውከል ነይርዎ፣ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ፡ “ልክዕ ከምኡ” ኸም ዝገበረ ኸኣ ነንብብ ኢና። (ዘፍ. 6:22) እዚኸ እንታይ ኣፍርዩሉ፧ ኖህ ንፈለማ ግዜ እኳ መርከብ እንተ ሰርሐ፡ ብልክዕ እዩ ሰሪሕዋ። ከምኡ እንተ ዘይገብር ነይሩ፡ ኣይምደሓኑን። ብዘይካዚ እውን፡ ንፉዕ ወላዲ እዩ ነይሩ። ኣብዚ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ጥበብ ኣምላኽ ስለ እተወከለ እዩ ኺዕወት ክኢሉ። ንደቁ ጽቡቕ ገይሩ ምሂርዎም፡ ሰናይ ኣብነት እውን ኰይንዎም እዩ፣ እዚ ድማ ኣብቲ እከይ ዝመልኦ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ እዋን ቀሊል ኣይነበረን።—ዘፍ. 6:5

11. ወለዲ ንውሉዳቶም ንምስልጣን ኪጽዕሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

11 ከም ወለዲ መጠን፡ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ “ልክዕ ከምኡ” ኽትገብሩ እትኽእሉ፧ ንየሆዋ ስምዕዎ። ነቲ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቘልዑ ዚህበኩም ትምህርቲ ኣብ ልብኹም ኣሕድርዎ። ደሓር፡ ውሉዳትኩም ከምኡ ብምግባርኩም ኬመስግኑኹም እዮም። ሓደ ሓው፡ “ወለደይ ብዝገበሩለይ ኣተዓባብያ፡ ውሽጠይ ብምስጋና መሊኡ ኣሎ። ልበይ ንምትንካይ ዚከኣሎም ገይሮም እዮም። ኣብ መንፈሳዊ ዕቤተይ ብዙሕ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ገሊኦም ወለዲ ዚከኣሎም እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ደቆም ንየሆዋ ይሓድግዎ እዮም። ይኹን እምበር፡ ሓቂ ኣብ ልቢ ውሉዶም ንምትካል ዚከኣሎም ዝገበሩ ወለዲ፡ ሰናይ ሕልና ኺህልዎም ይኽእል እዩ። እቲ ፋሉል ዝኸደ ውሉዶም ሓደ መዓልቲ ናብ የሆዋ ኺምለስ እውን ተስፋ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።

12, 13. (ሀ) ውሉድ እንተ ተወጊዱ፡ ክርስትያን ወለዲ ንኣምላኽ ከም ዚእዘዙ ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧ (ለ) ወለዲ ሓንቲ ስድራ ቤት ንየሆዋ እዙዛት ብምዃኖም፡ ኵላቶም ብኸመይ ተጠቒሞም፧

12 ሓደ ኻብቲ ንገሊኦም ወለዲ ዜጋጥሞም ዝኸበደ ፈተናታት፡ ምስ እተወገደ ውሉዶም ብእተተሓሓዘ ዜጋጥሞም ፈተና እዩ። ሓንቲ ኣደ፡ እተወገደት ጓላ ኻብ ቤት ምስ ወጸት፡ “ምስ ጓለይን ምስ ጓል ጓለይን ግዜ ንምሕላፍ፡ ነቲ ኣብ ጽሑፋትና ዘሎ መምርሒ መመኽነይታ ኸናድየሉ ጀሚረ” ኢላ ትእመን። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ሰብኣየይ ግና፡ ጓልና ሕጂ ኻብ ቍጽጽርና ወጻኢ ምዃናን ጣልቃ ኽንኣቱ ኸም ዘይብልናን ክግንዘብ ብለውሃት ሓጊዙኒ” ትብል።

13 ድሕሪ እተወሰነ ዓመት፡ ጓላ ናብ ሓቂ ተመሊሳ እያ። እታ ኣደ ድማ ከምዚ ትብል፦ “ሕጂ፡ መዓልቲ መዓልቲ ትድውለልይ ወይ ተክስት ትልእከለይ እያ። ኣነን ሰብኣየይን ንየሆዋ ኸም እተኣዘዝና ስለ እትፈልጥ ድማ ብዙሕ ተኽብረና እያ። ጽቡቕ ርክብ እዩ ዘሎና።” ውሉድካ እንተ ተወጊዱ፡ ‘ኣብ ኣእምሮኻ ኸይተጸጋዕካ፡ ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ኽትእመን ዲኻ፧’ (ምሳ. 3:5, 6) ተግሳጽ የሆዋ ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥበቡን ፍቕሩን ከም ዜንጸባርቕ ዘክር። ወዱ ምእንቲ ዅሉ፡ እንተላይ ምእንቲ ውሉድካ ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበ ኣይትረስዕ። ኣምላኽ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ብተግሳጽን ብመምርሕን የሆዋ እመን። ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ምግባር፡ ከም ወላዲ መጠን ዜሳቕየካ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ግበር። እወ፡ ምስ ተግሳጽ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ደኣ ዕየ እምበር፡ ኣይትጻረሮ።

ኣብ ጉባኤ

14. ካብቲ የሆዋ በቲ ‘እሙን መጋቢ’ ኣቢሉ ዚህበና ትምህርቲ ኸመይ ጌርና ንጥቀም፧

14 የሆዋ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ዚሓልየላን ከም ዜዕቍባን ከም ዚምህራን ቃል ኣትዩ እዩ። ነዚ ኸኣ ብብዙሕ መገድታት እዩ ዚገብሮ። ንኣብነት፡ ነታ ጉባኤ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ወዱ ገይርዋ ኣሎ፣ ንሱ ድማ ብግዜኡ ምግቢ ዚህብ ‘እሙን መጋቢ’ ሸይሙ ኣሎ። (ሉቃ. 12:42) እዚ ብእተፈላለየ መገዲ ዚቐርብ ምግቢ፡ ጽቡቕ ትምህርቲ ወይ ተግሳጽ ይህበና እዩ። እምበኣር፡ ‘መደረ ወይ ኣብ መጽሔትና ዝወጸ ዓንቀጽ፡ ክንደይ ሳዕ እዩ ኣተሓሳስባይ ወይ ኣካይዳይ ከዐሪ ዝደረኸኒ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ለውጥታት እንተ ጌርካ፡ ተሓጐስ! የሆዋ ንጽቡቕ ኪቐርጸካ ወይ ኪግስጸካ ኢኻ እትፈቕደሉ ዘለኻ።—ምሳ. 2:1-5

15, 16. (ሀ) ኣብ ጉባኤና ኻብ ዘለዉ “ውህበት ሰባት” ከመይ ጌርና ኽንጥቀም ንኽእል፧ (ለ) ከመይ ጌርና ኢና ንሽማግለታት ብዕዮኦም ከም ዚሕጐሱ ኽንገብር እንኽእል፧

15 ብዘይካዚ፡ ክርስቶስ ንጉባኤ፡ “ውህበት ሰባት፡” ማለት ንመጓሰ ኣምላኽ ዚጓስዩ ሽማግለታት ሂብዋ እዩ። (ኤፌ. 4:8, 11-13) ካብዞም ክቡራት ውህበት እዚኦም ከመይ ጌርና ኽንጥቀም ንኽእል፧ ሓደ መገዲ፡ ኣስኣሰር እምነቶምን ሰናይ ኣብነቶምን ምስዓብ እዩ። ካልእ መገዲ ኸኣ፡ ነቲ ዚህብዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ምስማዕ እዩ። (እብራውያን 13:7, 17 ኣንብብ።) ሽማግለታት ከም ዜፍቅሩናን ብመንፈሳዊ መዳይ ክንዓቢ ኸም ዚደልዩናን ኣይትረስዕ። ንኣብነት፡ ካብ ኣኼባታት ንበኵር ወይ ቅንኣትና ይዝሕል ከም ዘሎ እንተ ኣስተብሂሎም፡ ቀልጢፎም ኪረድኡና ይፍትኑ እዮም። ጽን ኢሎም ምስ ሰምዑና፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኬተባብዑናን ግቡእ ምኽሪ ኺህቡናን ይፍትኑ እዮም። ንኸምዚ ዝበለ ሓገዝ ከም መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧

16 ሽማግለታት፡ ምኽሪ ምሃብ ቀሊል ኣይኰነሎምን እዩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ሓጢኣቱ ኺሓብእ ምስ ፈተነ፡ ነብዪ ናታን ንዕኡ ኺዛረቦ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል ክትግምት ትኽእል ኢኻ። (2 ሳሙ. 12:1-14) ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያት ዝነበረ ጴጥሮስ ኣድልዎ ምስ ገበረ እውን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንዕኡ ንምእራም ኪተብዕ ኣድልይዎ ነይሩ እዩ። (ገላ. 2:11-14) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ነቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ሽማግለታት ጾር ከተቕልለሎም እትኽእል፧ ትሑትን ተቐራብን ኣመስጋንን ኩን። እቲ ዚህቡኻ ሓገዝ፡ ከም መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ ጌርካ ርኣዮ። እዚ ንዓኻ ኺጠቕመካ፡ ንዓታቶም እውን ኣብ ዕዮኦም ሓጐስ ኬምጽኣሎም እዩ።

17. ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ጉባኤኣ ኻብ ዘለዉ ሽማግለታት ብእተዋህባ ፍቕራዊ ሓገዝ ብኸመይ ተጠቒማ፧

17 ሓንቲ ሓብቲ ብሰንኪ ሕሉፍ ተመክሮኣ፡ ንየሆዋ ምፍቃር ከቢድዋ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ ከምዚ ትብል፦ “ብሰንኪ ሕሉፍ ተመክሮይን ካልእ ጕዳያትን ዓቕለይ ምስ ጸበበኒ፡ ንሽማግለታት ከዘራርቦም ከም ዘሎኒ ተረዲኡኒ። ንሳቶም ከኣ ኣየቈናጸቡንን ወይ ኣይነቐፉንን፣ የግዳስ፡ ኣተባቢዖምንን ኣበራቲዖምንን እዮም። ኣኼባ ጉባኤ መምስ ተወድአ፡ ዋላ እውን ብስራሕ ትሑዛት እንተ ዀኑ፡ እንተ ወሓደ ሓደ ኻባታቶም ከመይ ከም ዘለኹ ይሓትተኒ እዩ። ብሰንኪ ሕሉፍ ተመክሮይ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ዚግብኣኒ ዀይኑ ኣይስምዓንን እዩ ነይሩ። የሆዋ ግና ብጉባኤን ብሽማግለታትን ገይሩ ብተደጋጋሚ ፍቕሩ ኣረጋጊጹለይ እዩ። ካብኡ ኸቶ ኸይርሕቕ ጸሎተይ እዩ።”

ተግሳጽ ካብ ዜስዕቦ ስቓይ ዚገድድ እንታይ እዩ፧

18, 19. ተግሳጽ ካብ ዜስዕቦ ስቓይ ዚገድድ እንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

18 ተግሳጽ ዜሳቒ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ካብኡ ዚገድድ ነገር ግና ኣሎ፣ እዚ ድማ ተግሳጽ ዘይምቕባል ዜምጽኦ ጕድኣት እዩ። (እብ. 12:11) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ መለበሚ ዚዀኑና ቃየልን ንጉስ ጼዴቅያስን እስከ ንርአ። ቃየል ንኣቤል ካብ ምጽላኡ እተላዕለ ኪቐትሎ ኸም ዝደለየ ኣምላኽ ምስ ፈለጠ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ኣመና እተቘጣዕካን ዝጐሃኻን፧ ጽቡቕ ናብ ምግባር እንተ ትምለስሲ፡ ሞገስዶ ኣይምረኸብካን፧ ጽቡቕ ናብ ምግባር እንተ ዘይተመሊስካ ግና፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸወካ ኣላ፣ ሃረርታኣ ኸኣ ኪዕብልለካ ይብል ኣሎ። ግናኸ፡ ክትመልካ ዲኻ፧” ኢሉ ተማሕጸኖ። (ዘፍ. 4:6, 7) ቃየል ግና ኣይሰምዖን። ስለዚ፡ ብሓጢኣቱ ተሰነፈ። እዝስ ክንደይ ስቓይን መከራን ኰን እዩ ኣምጺኡሉ! (ዘፍ. 4:11, 12) ምስዚ ኺነጻጸር ከሎ፡ እቲ መግናሕቲ የሆዋ እንተ ዚቕበል ዜምጽኣሉ ስቓይ፡ ንእሽቶ ምዀነ።

19 ጼዴቅያስ ድኹምን እኩይን ንጉስ እዩ ነይሩ፣ ኣብ ሕማቕ እዋን ከኣ እዩ ኣብ የሩሳሌም ዚገዝእ ነይሩ። ነብዪ ኤርምያስ ንጼዴቅያስ፡ ክፉእ መገዱ ኺሓድግ ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ተማሕጸኖ፡ እቲ ንጉስ ግና ተግሳጽ ኣይሰምዐን። እዚ ድማ ሕማቕ ሳዕቤን እዩ ኣምጺኡሉ። (ኤር. 52:8-11) የሆዋ ኻብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘየድሊ መከራ ኽንስተር እዩ ዚደልየና።—ኢሳይያስ 48:17, 18 ኣንብብ።

20. እቶም ተግሳጽ ኣምላኽ ዚቕበሉን እቶም ዘይቅበሉን ኣብ መጻኢ እንታይ ኪዀኑ እዮም፧

20 ሎሚ፡ ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ንተግሳጽን ንርእሰ ተግሳጽን የናሽውዎ እዮም። ብሰንኪ እዚ ዕሽነት እዚ ግና፡ እኩያት ከቢድ ሳዕቤን ኪዓጽዱ እዮም። (ምሳ. 1:24-31) እምበኣር፡ ‘ተግሳጽ ንስማዕ፡ ጥበበኛታት ከኣ ንኹን።’ ከምቲ ኣብ ምሳሌ 4:13 ዘሎ ድማ፡ ‘ህይወትና እያ እሞ፡ ንተግሳጽ ንሓዛ፡ ኣይንሕደጋ፡ ንሓልዋ እውን።’