ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጋሻ ምቕባል—ደስ ዜብልን ኣድላይን ተግባር!

ጋሻ ምቕባል—ደስ ዜብልን ኣድላይን ተግባር!

“ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ብግሽነት ተቓባበሉ።”—1 ጴጥ. 4:9

መዝሙር፦ 100, 87

1. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ እንታይ ዓይነት ኵነታት እዮም ዚነብሩ ነይሮም፧

ካብ 62 ክሳዕ 64 ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም “ኣብ ጶንጦስን ኣብ ገላትያን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ እስያን ኣብ ቢቲንያን ፋሕ ኢሎም ዘለዉ እተሰድዱ” ኣሕዋት ጽሒፉሎም ነይሩ እዩ። (1 ጴጥ. 1:1) እተን ካብ እተፈላለየ ዓሌት ብዝመጹ ሰባት ዝቘማ ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ጉባኤታት፡ መተባብዕን መምርሕን የድልየን ነይሩ እዩ። ምኽንያቱ ኣባላተን ኣደዳ መስጐጕትን ጸርፍን ኰይኖም ነይሮም እዮም። ብዘይካዚ፡ “ዜንድድ ፈተና” የጋጥሞም ነይሩ እዩ። ኣብ ጽንኩር ግዜ ድማ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ከምቲ ጴጥሮስ ዝበሎ፡ “መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ” ነይሩ እዩ። እወ፡ ስርዓት ኣይሁድ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ እዩ ብዜስካሕክሕ መገዲ ጠፊኡ። እሞ ደኣ ፈቐዶኡ ንዝነበሩ ክርስትያናት ነዚ ዜጨንቕ እዋን እዚ ኺዋጽኡሉ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል ነይሩ፧—1 ጴጥ. 4:4, 7, 12

2, 3. ጴጥሮስ ንኣሕዋቱ፡ ተቐበልቲ ጋሻ ኪዀኑ ዝመዓዶም ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

2 ጴጥሮስ ንኣሕዋቱ፡ ነቲ ዅነታት ምእንቲ ኺዋጽኡሉ፡ “ንሓድሕድኩም ብግሽነት ተቓባበሉ” ኢሉ ምዒድዎም ነይሩ እዩ። (1 ጴጥ. 4:9) እታ “ምቕባል ኣጋይሽ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ ኽትትርጐም ከላ፡ “ንዘይትፈልጦ ሰብ ምፍታው ወይ ምልዋህ” ዚብል ሓሳብ እዩ ዘለዋ። ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስ ነቶም ክርስትያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ‘ንሓድሕዶም’ ማለት ነቶም ኣቐዲሞም ዚፈልጥዎም ዝነበሩ ሰባት እዩ ብግሽነት ኪቀባበሉ ምዒድዎም ነይሩ። ከምኡ ምግባሮም ብኸመይ ኪሕግዞም ይኽእል ነይሩ፧

3 እዚ ንሓድሕዶም የቀራርቦም ነይሩ እዩ። ንስኻኸ ከምኡዶ ይስምዓካ እዩ፧ ንኣብነት፡ ናብ እንዳ ኻልእ ሰብ ተዓዲምካዶ ትፈልጥ፧ ኣብኡኸ ባህ ዜብል ግዜዶ ኣሕሊፍካ፧ ንደቂ ጉባኤኻ ናብ ቤትካ ምስ ዓደምካ፡ ርክብኩም ብዝያዳዶ ኣይደልደለን፧ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ናብ ቤትና ብምዕዳም፡ ካብ ካልእ እዋናት ብዝበለጸ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦም ንኽእል ኢና። ብግዜ ጴጥሮስ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኵነታት እናኸፍአ ብዝኸደ መጠን ንሓድሕዶም ኪቀራረቡ ነይርዎም እዩ። ብተመሳሳሊ እውን፡ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚነብሩ ክርስትያናት ከምኡ ኺገብሩ ኣለዎም።—2 ጢሞ. 3:1

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

4 ‘ንሓድሕድና’ ብግሽነት ክንቀባበል እንታይ ኣጋጣሚታት ኣሎና፧ ተቐበልቲ ጋሻ ንምዃን ብኸመይ ዕንቅፋታት ክንሰግር ንኽእል፧ ጽቡቕ ዝባህርያቶም ኣጋይሽ ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ተቐበልቲ ጋሻ ኽንከውን ዘሎና ኣጋጣሚታት

5. ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና፡ ከመይ ጌርና ኢና ተቐበልቲ ጋሻ ኽንከውን እንኽእል፧

5 ኣብ ኣኼባታት፦ ንዅሎም እቶም ካብ መንፈሳዊ መኣዲ ንምክፋል ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ዚመጹ፡ ሓንጐፋይ ኢልና ኢና እንቕበሎም። ናብቲ ኣኼባ ዝዓደሙ ዓደምቲ፡ የሆዋን ውድቡን እዮም። (ሮሜ 15:7) ንሕና እውን ምሳታቶም ሓቢርና ነቶም ሓደስቲ ሰባት ናብ ኣኼባታትና ኽንቅበሎም ንኽእል ኢና። ኣከዳድናኦም ወይ ኣመለኻኽዓኦም ብዘየገድስ፡ ንዅሎም ሓደስቲ ሰባት ብኣኽብሮት ክንቕበሎም ኣሎና። (ያእ. 2:1-4) ሓደ ሓድሽ ሰብ ዜአንግዶ ኸም ዘይብሉ እንተ ርኢኻ፡ ስለምንታይ ምሳኻ ኾፍ ኪብል ዘይትዕድሞ፧ ነቲ ትምህርትን ንዚንበብ ጥቕስታትን ኪከታተል ሓገዝ የድልዮ ይኸውን። እዚ ሓደ ኻብቲ “ተቐበልቲ ጋሻ” ኽንኰነሉ እንኽእል ኣጋጣሚታት እዩ።—ሮሜ 12:13

6. ኣብ ቤትና ብቐዳምነት ንመን ኢና ኽንዕድም ዘሎና፧

6 እኽለ ማይ ንምጥዓም፦ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣጋይሽ ኣብ ቤትካ ተቐቢልካ እኽለ ማይ ምቕራብ ልሙድ እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 18:1-8፣ መሳ. 13:15፣ ሉቃ. 24:28-30) ንመኣዲ ምዕዳም፡ ከም መግለጺ ዕርክነትን ሰላምን ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። እሞ ደኣ ብቐዳምነት ንመን ኢና ኽንዕድም ዘሎና፧ ነቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኢና ኽንዕድም ዚግባእ። ጽንኩር እዋን ምስ ዚመጽእ፡ ንሓድሕድና ደይኰንናን እንደጋገፍ፧ ንዅላቶም እሙናት ኣዕሩኽ ክንኰኖምን ምስ ኵላቶም ብሰላም ክንነብርን ንደሊ ኢና። ብ2011፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዘለዉ ስድራ ቤት-ኤል መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚገብሩሉ ሰዓት፡ ካብ 6:45 ድ.ቀ. ናብ 6:15 ድ.ቀ. ቐይርዎ እዩ። ስለምንታይ፧ እቲ ኣኼባ ኣቐዲሙ እንተ ተወዲኡ፡ ብዙሓት ቤት-ኤላውያን ንሓድሕዶም ኪተዓዳደሙ ኸም ዚኽእሉ እዩ ኣብቲ ምልክታ ተነጊሩ። ካልኦት ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር እውን ነዚ ኣብነት እዚ ስዒበን እየን። እዚ ኸኣ ንስድራ ቤት-ኤል ኣቀራሪብዎም እዩ።

7, 8. ከመይ ጌርና ኢና ንበጻሕቲ ተወከልቲ ውድብ የሆዋ ኸነአንግዶም እንኽእል፧

7 ካብ ካልእ ጉባኤ ዝመጸ ህዝባዊ ተዛራባይ፡ ሓላው ወረዳ፡ ወይ ተወካሊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪበጽሓና ኸሎ፡ ንምእንጋዶም ኣጋጣሚ ይኽፈተልና እዩ። (3 ዮሃንስ 5-8 ኣንብብ።) ሓደ ኻብቲ ኸምኡ እንገብረሉ መገዲ፡ እኽለ ማይ ኪጥዕሙ ብምዕዳም እዩ። እሞኸ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእልዶ፧

8 ሓንቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ሓብቲ፡ ከምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “ኣነን ብዓል ቤተይን ንብዙሓት ተዛረብትን ኣንስቶምን ኣብ ቤትና ናይ ምእንጋድ ኣጋጣሚ ረኺብና ኢና። ኵሉ እቲ ዘሕለፍናዮ ተመክሮ፡ ደስ ዜብል እዩ ነይሩ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ ምሂሩና እዩ። በዚ ፈጺምና ተጣዒስና ኣይንፈልጥን ኢና!”

9, 10. (ሀ) ንንውሕ ዝበለ እዋን እንግዶት ዜድልዮም መን ኪዀኑ ይኽእሉ፧ (ለ) ንኣሽቱ ኣባይቲ ዘለዎም እውን እንተ ዀኑ ጋሻ ኪቕበሉ ይኽእሉዶ፧ ኣብነት ሃብ።

9 ንንውሕ ዝበለ እዋን እነአንግዶም ኣጋይሽ፦ ብግዜ ጥንቲ፡ ጋሻ ኽትቅበል ከለኻ፡ መብዛሕትኡ ግዜ መሕደሪ እውን ተዳሉ ኢኻ። (እዮ. 31:32፣ ፊሞ. 22) ኣብዚ ግዜና እውን፡ ከምኡ ምግባር ዜድልየሉ እዋናት ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓለውቲ ወረዳ ንጉባኤታት ኪበጽሑ ኸለዉ፡ መሕደሪ የድልዮም እዩ። ኣብ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዚምሃሩ ተምሃሮን ወለንተኛታት ህንጸትን ከኣ፡ መሕደሪ ኼድልዮም ይኽእል እዩ። ባህርያዊ ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ድማ፡ ገሊኦም ሰባት መንበሪኦም ዳግም ክሳዕ ዚህነጽ፡ ዚጽግዑሉ ቤት የድልዮም ይኸውን። እቶም ሰፊሕ ኣባይቲ ዘለዎም ጥራይ ጋሻ ኪቕበሉ ኸም ዚኽእሉ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን፣ ምናልባት ንሳቶም ብዙሕ ሳዕ ከምኡ ገይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ዋላ እውን ዓቕምኻ ውሱን እንተ ዀነ፡ ኣብ ቤትካ ጋሻ ኽትቅበልዶ ትኽእል፧

10 ኣብ ደቡብ ኮሪያ ዚነብር ሓው፡ ኣብ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ንዚምሃሩ ተምሃሮ እተቐበለሉ እዋን ብጽቡቕ እዩ ዚዝክሮ። ብዛዕባኡ ድማ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ኣብ ፈለማ፡ ሓደስቲ ምርዑዋት ብምንባርናን ኣብ ንእሽቶ ቤት ንነብር ስለ ዝነበርናን ተወላዊለ ነይረ። እቶም ተምሃሮ ምሳና ምቕናዮም ግና፡ ብሓቂ ዜሐጕስ ተመክሮ እዩ ነይሩ። ሓደስቲ ምርዑዋት ስለ ዝነበርና፡ ሰብ ሓዳር ብሓባር ንየሆዋ እንተ ኣገልጊሎምን መንፈሳዊ ሸቶታት እንተ ስዒቦምን፡ ክሳዕ ክንደይ ሕጉሳት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ርኢና ኢና።”

11. ነቶም ናብ ጉባኤና ዝገዓዙ ኸነአንግዶም ዘሎና ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

11 ናብ ጉባኤና ዝገዓዙ፦ ገሊኦም ውልቀ ሰባትን ስድራ ቤታትን ካብ ካልእ ቦታ ናብ ከባቢና ኺግዕዙ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ንምግልጋል ዝገዓዙ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንጉባኤና ኺድግፉ ተባሂሎም፡ ፈለምቲ ኺልኣኹ ይኽእሉ እዮም። ኵላቶም ምስ ሓድሽ ማሕበረሰብን ሓዳስ ጉባኤን፡ ምናልባት እውን ምስ ሓድሽ ቋንቋን ባህልን ስለ ዚጽምበሩ፡ ኣብ ፈለማ ኺጋየሹ ይኽእሉ እዮም። እኽለ ማይ ኪጥዕሙ ምዕዳም ወይ ተማሊእካዮም ንዙረት ምኻድ፡ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ኪገብሩን ምስቲ ለውጥታት ኪላመዱን ይሕግዞም እዩ።

12. ጋሻ ንምቕባል ብዙሕ ክትገብር ከም ዘየድልየካ ዚሕብር ተመክሮ ኣዘንቱ።

12 ጋሻ ንምቕባል፡ ብዙሕ ክትገብር የድልየካ ማለት ኣይኰነን። (ሉቃስ 10:41, 42 ኣንብብ።) ሓደ ሓው ነቲ ኣብ መጀመርታ እዋን ኣገልግሎት ሚስዮናውነቱ ዝነበረ ዅነታት ከምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ንኣሽቱን ዘይምኩራትን ኢና ኔርና፣ ናፍቖት እውን የሸግረና ነይሩ እዩ። ምናዳ ሓንቲ ምሸት፡ ሰበይተይ ብናፍቖት ተበሊዓ፣ ኣነ ኸጸናንዓ ዝገበርክዎ ጻዕርታት እውን ኣይተዓወተን። ድሕሪኡ፡ ሰዓት 7:30 ምሸት ኣቢሉ፡ ማዕጾና ተዃሕኲሑ። ሓንቲ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ ሰለስተ ኣራንሺ ኣምጺኣትልና። ንሓደስቲ ሚስያናውያን እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ክትብል እያ መጺኣ። ንሕና እውን ናብ ገዛ ኣእቲና፡ ዚስተ ማይ ሂብናያ። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ሻህን ቸኮላታን ኣፍሊሕና። ገና ስዋሂሊ ኣይንኽእልን ኢና ኔርና፣ ንሳ ድማ እንግሊዝኛ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። እታ ኣጋጣሚ እቲኣ ግና፡ ምስቶም ኣብቲ ዓዲ ዘለዉ ኣሕዋት ምሕዝነት ከነማዕብል ዝጀመርናላ ደስ እተብል እዋን እያ ነይራ።”

ተቐበልቲ ጋሻ ንምዃን ክንሰግሮ ዘሎና ዕንቅፋታት

13. ተቐባል ጋሻ ምዃን፡ እንታይ ጥቕምታት ኪህልዎ ይኽእል፧

13 ጋሻ ኻብ ምቕባል ድሕር ምሕር ኢልካዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ደስ ዜብል ግዜን ነባሪ ዕርክነትን ኣምሊጡካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምቕባል ጋሻ፡ ሓደ ኻብቲ ብሉጽ መድሃኒት ጽምዋ እዩ። ‘ስለምንታይ ደኣ እዩ ሰብ ጋሻ ኻብ ምቕባል ድሕር ምሕር ዚብል፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ሓያሎ ምኽንያታት ኪህሉ ይኽእል እዩ።

14. ጋሻ ንምቕባልን ዚቐርበልና ዕድመ ንምቕባልን ግዜን ጕልበትን እንተ ሓጺሩና፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

14 ግዜን ጕልበትን፦ ኣገልገልቲ የሆዋ ብዙሕ ስራሕን ሓላፍነትን ኣለዎም። ስለዚ፡ ገሊኦም ጋሻ ንምቕባል፡ ግዜ ወይ ጕልበት ከም ዘይብሎም ኰይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንመደባትካ ኽትምርምሮ የድልየካ ይኸውን። ጋሻ ኽትቅበል ወይ ዚቐርበልካ ዕድመ ኽትቅበል ዜድልየካ ግዜን ጕልበትን ንምርካብ፡ ገለ ምትዕርራያት ክትገብር ትኽእልዶ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ንክርስትያናት፡ ጋሻ ኪቕበሉ ይምሕጸኖም እዩ። (እብ. 13:2) ስለዚ፡ ጋሻ ንምቕባል ግዜ ምምዳብ፡ ግቡእ ነገር እዩ። ከምኡ ንምግባር ግና፡ ቀዳምነት ካብ ዘይውሃቦ ኻልእ ንጥፈታት ግዜ ኽትንኪ የድልየካ ይኸውን።

15. ገሊኦም ብዛዕባ ምቕባል ጋሻ እንታይ ስክፍታ ኣለዎም፧

15 ስክፍታ፦ ጋሻ ኽትቅበል እናደለኻ ኽነስኻ፡ ብቕዓትካ ኣሰኪፉካዶ ይፈልጥ፧ ገሊኦም ሓፋራት ስለ ዝዀኑ፡ ንኣጋይሾም እንታይ ኢሎም ከም ዜዕልሉ ይጨንቆም እዩ። ገሊኦም ከኣ መነባብሮኦም ትሑት ብምዃኑ፡ ከም ካልኦት ኣባላት ጉባኤኦም ገይሮም ጋሻ ኼአንግዱ ኸም ዘይክእሉ ይስምዖም እዩ። ንጋሻኻ ልዕሊ ዅሉ ዜገድሶ ግና ስፍሓትን ጽባቐን ገዛኻ ዘይኰነስ፡ ጽፉፍን ጽሩይን ፍቕሪ ዝዓሰሎን ምዃኑ እዩ።

16, 17. ብዛዕባ ምቕባል ጋሻ ንዘሎካ ስክፍታ ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧

16 ምቕባል ኣጋይሽ ንብዙሓት ሰባት የጨንቖም እዩ። ሓደ ኣብ ብሪጣንያ ዚነብር ሽማግለ፡ “ኣጋይሽ ንምእንጋድ ምድላው፡ ብእተወሰነ የጨንቕ እዩ። ከም ካልእ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣገልግሎት ግና፡ ዜምጽኦ ረብሓን ዕግበትን ካብ ዝዀነ ይኹን ጭንቀት ይበልጽ እዩ። ቡን እናሰተና ኾፍ ኢልና ምዕላል ጥራይ እኳ የሐጕሰኒ እዩ” ኢሉ እዩ። ንኣጋይሽካ ሓልዮትካ እንተ ኣርኢኻዮም፡ የሐጕሶም እዩ። (ፊል. 2:4) ዳርጋ ዅሉ ሰብ ብዛዕባ ተመክሮ ህይወቱ ምንጋር የሐጕሶ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ፡ ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ጥራይ ኢና ተመክሮ ኽንተሓታተት እንኽእል። ሓደ ኻልእ ሽማግለ፡ “ኣብ ጉባኤና ንዘለዉ ፈተወተይ ናብ ገዛይ ምዕዳመይ፡ ብዝያዳ ኽርድኦም የኽእለኒ፡ ብዝያዳ ኽፈልጦም ድማ ዕድል ይህበኒ እዩ፣ ምናዳ ኸኣ ከመይ ኢሎም ናብ ሓቂ ኸም ዝመጹ ኽፈልጥ እኽእል እየ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። እወ፡ ሓልዮት ንዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ፡ ባህ ዜብል ይገብሮ እዩ።

17 ሓንቲ ኣብ እተፈላለየ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ንዚካፈሉ ተምሃሮ ዘአንገደት ፈላሚት ከምዚ ትብል፦ “ገዛይ ንእሽቶ ስለ ዝዀነት፡ ኣቕሑተይ ድማ ሓድሽ ዘይኰነስ፡ ካልኦት ተጠቒሞም ዝሓደግዎ ብምዃኑ፡ ኣብ ፈለማ የሰክፈኒ ነይሩ። ሰበይቲ ሓደ መምህር ግና፡ ነዚ ኸሰንፎ ሓጊዛትኒ እያ። ንሳን ሰብኣያን ኣብ ዕዮ መገሻ ኼገልግሉ ኸለዉ፡ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዚፈትውዎ እዋን፡ ብስጋ ብዙሕ ምስ ዘይብሉ፡ ግናኸ ኸማታቶም ንየሆዋ ኣብ ምግልጋልን ህይወቱ ቐሊል ኣብ ምግባርን ምስ ዜተኵር መንፈሳዊ ሰብ ዚቕንዩሉ ቕነ ምዃኑ ነጊራትኒ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣደይ ንዓና ንደቃ፡ ‘ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሓይሽ’ እትብለና ዝነበረት ኣዘኻኺሩኒ።” (ምሳ. 15:17) እወ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ጥራይ ኣጋይሽ ተቐበል እምበር፡ ኣይትሰከፍ።

18, 19. ተቐባል ጋሻ ምዃን ቅሬታ ኸነወግድ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

18 ቅሬታ፦ ኣብ ጉባኤኻ ቕጭ ዜምጽኣልካ ሰብ ኣሎዶ፧ ኣብ ፈለማ፡ ብእኡ ቕር ይብለካ ይኸውን፣ ነዚ ንምፍታሑ ስጕምቲ እንተ ዘይወሲድካ ኸኣ፡ እቲ ስምዒት ሱር ኪሰድድ ይኽእል እዩ። ባህርዩ ደስ ዘይብለካ ሰብ፡ ናብ ቤትካ ኽትዕድሞ ኣይትደልን ትኸውን። ወይ ድማ ሓደ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እንተ ጐዲኡካ፡ ነዚ ምርሳዑ የሸግረካ ይኸውን።

19 እንግዶት ነቲ ምስ ጸላኢና ዀነ ምስ ዝዀነ ሰብ ዘሎና ርክብ ኬመሓይሾ ኸም ዚኽእል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (ምሳሌ 25:21, 22 ኣንብብ።) ንሰብ እንተ ኣአንጊድካ፡ ኣብ መንጎኹም ዝነበረ ውጥረትን ቅሬታን ይንኪ እዩ። ተፈታዊ ባህርያት እቲ እተአንግዶ ሰብ ኪርኣየካ ይጅምር እዩ፣ የሆዋ እውን ነዚ ርእዩ እዩ ናብ ሓቂ ስሒብዎ። (ዮሃ. 6:44) ንሓደ ሰብ ብፍቕሪ ተደሪኽካ እንተ ዓዲምካዮ፡ ርክብኩም ምሉእ ብምሉእ ኪቕየር ይኽእል እዩ። ብፍቕሪ ተደሪኽካ ኸምኡ ትገብር ከም ዘለኻ ብኸመይ ከተረጋግጽ ትኽእል፧ ሓደ መገዲ፡ ነቲ ኣብ ፊልጲ 2:3 ዚርከብ፡ “ብትሕትና . . . ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ” ዚብል መተባብዒ ብምስዓብ እዩ። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብእምነት፡ ብተጻዋርነት፡ ወይ ብኻልእ ክርስትያናዊ ባህርይ ካባና ኸም ዚበልጹ እንተ ርኢና፡ ንዓታቶም ዘላትና ፍቕሪ ትሕይል እያ፡ ካብ ልቢ ድማ ነአንግዶም ኢና።

ጽቡቕ ዝባህርዩ ጋሻ ምዃን

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዓደምቲ ንኣጋይሾም ንምእንጋድ ብዙሕ ይደኽሙ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 20 ርአ)

20. ንእተቐበልናዮ ዕድመ ኸነኽብር ዘሎና ስለምንታይን ብኸመይን ኢና፧

20 ዳዊት እቲ ዘማሪ፡ “ኦ የሆዋ፡ ኣብ ድንኳንካ ጋሻ ዚኸውን መን እዩ፧” ኢሉ ሓቲቱ ነይሩ እዩ። (መዝ. 15:1) ደድሕሪ እታ ሕቶ ድማ፡ ኣምላኽ ካብ ኣጋይሹ ዚጽበዮ መንፈሳዊ ባህርያት ዘርዚሩ ኣሎ። ሓንቲ ኻብተን ባህርያት፡ “ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፡ ቃሉ ዘይልውጥ” ስለ እትብል፡ ቃልካ ምሕላው እያ። (መዝ. 15:4) ዕድመ እንተ ተቐቢልና፡ ብጢጥ ቅሚጥ ክንስርዝ የብልናን። እቲ ዝዓደመና ሰብ ንምእንጋድና ብዙሕ ደኺሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እንተ ሰሪዝና ድማ፡ ኵሉ እቲ ጻዕርታቱ ኸንቱ እዩ ዚኸውን። (ማቴ. 5:37) ገሊኦም ሰባት ዝሓሸ ዀይኑ ንዚስምዖም ዕድመ ኪቕበሉ ኢሎም፡ ኣቐዲሞም ንእተቐበልዎ ዕድመ ሰሪዞም እዮም። ከምኡ ምግባር፡ ፍቕርን ኣኽብሮትን ዜርኢ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዓዳሚና ንዜቕርበልና ዘበለ ኣመስጊንና ኽንቅበል ኣሎና። (ሉቃ. 10:7) ልዕሊ ዓቕምና ብዝዀነ ዅነታት ክንስርዝ እንተ ተገዲድና፡ ነቲ ዝዓደመና ሰብ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍና ብምሕባር ፍቕርናን ሓልዮትናን ከነርኢ ንኽእል ኢና።

21. ባህሊ እቲ ዘለናሉ ዓዲ ምኽባርና፡ ጽቡቕ ዝባህርያቶም ኣጋይሽ ክንከውን ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

21 ባህሊ እቲ ዘለናሉ ዓዲ እውን ከነኽብር ኣሎና። ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ሃንደበት ኣጋይሽ ኪመጹኻ ንቡር እዩ፣ ኣብ ገሊኡ ግና፡ እንዳ ሰብ ቅድሚ ምኻድካ፡ ኣቐዲምካ ኽትሕብሮም ኣሎካ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ሰባት ንኣጋይሾም ካብቲ ዘለዎም ዝበለጸ ብምቕራብ፡ ካብ ስድራ ቤቶም ኣብሊጾም እዮም ዜአንግድዎም፣ ኣብ ገሊኡ ግና፡ ጋሻ ማዕረ ወዲ ገዛ ጌርካ እዩ ዚእንገድ። ኣብ ገሊኡ ዓድታት፡ ኣጋይሽ ጥራይ ኢዶም ኣይመጹን እዮም፣ ኣብ ገሊኡ ግና፡ ኣጋይሽ ገለ ነገር ሒዞም ኪመጹ ትጽቢት ኣይግብረሎምን እዩ። ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ደጋጊሞም ከይዓደሙኻ ሕራይ ምባል ነውሪ እዩ፣ ኣብ ገሊኡ ኸኣ፡ ሓንሳእ እውን ምእባይ፡ ጽቡቕ ኣይኰነን። እምበኣር፡ ንዚዕድሙና ንምሕጓስ ዚከኣለና ዘበለ ንግበር።

22. ንሓድሕድና ‘ብግሽነት ክንቀባበል’ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

22 ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ፡ “መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ ኣሎ።” (1 ጴጥ. 4:7) ኣብ ዓለም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ጸበባ ይመጽእ ኣሎ። ጸቕጢ እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ሓያል ፍቕሪ ኸነማዕብል ኣሎና። ጴጥሮስ ንክርስትያናት፡ “ብግሽነት ተቓባበሉ” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኽንዓይየሉ ኣሎና፣ እወ፡ ምቕባል ጋሻ ወትሩ ደስ ዜብልን ኣድላይን ተግባር እዩ!—1 ጴጥ. 4:9