ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም ወለዲ፡ ንውሉድኩም ናብ ጥምቀት ኪበጽሕ ትሕግዝዎዶ ኣለኹም፧

ኣቱም ወለዲ፡ ንውሉድኩም ናብ ጥምቀት ኪበጽሕ ትሕግዝዎዶ ኣለኹም፧

“ሕጂኸ ስለምንታይ እትድንጒ፧ ተንስእ፡ . . . ተጠመቕ።”​—ግብ. 22:16

መዝሙር፦ 51, 135

1. ክርስትያን ወለዲ፡ ደቆም ቅድሚ ምጥማቖም እንታይ እዮም ኬረጋግጹ ዚደልዩ፧

ብሎሰም ብራንት ብዛዕባ እቲ ንጥምቀታ ውሳነ ዝገበረትሉ እዋን ክትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ንሓያሎ ኣዋርሕ፡ ክጥመቕ ከም ዝደሊ፡ ንኣቦይን ንኣደይን እነግሮም ነይረ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ብዙሕ ሳዕ ብዛዕባኡ የዘራርቡኒ ነይሮም እዮም። ውሳነይ ክሳዕ ክንደይ ረዚን ምዃኑ ኽፈልጥ ይደልዩኒ ነይሮም እዮም። ብ31 ታሕሳስ 1934 ኸኣ፡ እታ ኣብ ህይወተይ ዘይርስዓ መዓልቲ መጺኣ።” ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ክርስትያን ወለዲ ንደቆም፡ ጥበባዊ ውሳነ ኺገብሩ ይደልይዎም እዮም። ንጥምቀት ምንዋሕ ወይ ብዘየድሊ ምድንጓይ፡ መንፈሳዊ ጸገማት ኬምጽእ ይኽእል እዩ። (ያእ. 4:17) ግናኸ፡ ወለዲ፡ ደቆም ቅድሚ ምጥማቖም፡ ከም ክርስትያን ወደ መዝሙር መጠን ሓላፍነቶም ንምስካም ድሉዋት ምዃኖም ኬረጋግጹ ይደልዩ እዮም።

2. (ሀ) ንገሊኦም ሓለውቲ ወረዳ እንታይ እዩ ኣተሓሳሲብዎም ዘሎ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

2 ኣብ መወዳእታ 10ታትን መጀመርታ 20ታትን ዕድሚኦም ዚርከቡ ኣብ ክርስትያን ቤተ ሰብ ዝዓበዩ፡ ግናኸ ገና ዘይተጠምቁ መንእሰያት ኣለዉ፣ እዚ ንገሊኦም ሓለውቲ ወረዳ ኣተሓሳሲብዎም ኣሎ። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት፡ እዞም መንእሰያት እዚኦም ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ይእከቡን ኣብ ኣገልግሎት ይሳተፉን እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀኑ እዮም ዚሓስቡ። እንተዀነ ግና፡ ህይወቶም ንየሆዋ ወፍዮም ኣይተጠምቁን። እንታይ ምኽንያት ስለ ዘለዎም እዮም፧ ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ወለዶም ከይተጠምቁ ኺጸንሑ ስለ ዚደልይዎም እዮም። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ገሊኦም ክርስትያን ወለዲ፡ ደቆም ኪጥመቑ ዘየተባብዑሉ ኣርባዕተ ዜተሓሳስቦም ነገራት ክንርኢ ኢና።

ውሉደይ ዕድሚኡ ኣኺሉ ድዩ፧

3. ንወለዲ ብሎሰም እንታይ እዩ ኣተሓሳሲብዎም ነይሩ፧

3 ነቶም ኣብ ቀዳመይቲ ሕጡብ ጽሑፍ እተጠቕሱ ወለዲ ብሎሰም፡ ጓሎም ንኣገዳስነትን ንርዝነትን ጥምቀት ተረዲኣቶ እንተ ዀይና ኸም ንቡር ኣተሓሳሲብዎም ነይሩ እዩ። ውሉድ ርእሱ ንምውፋይ ብቑዕ እንተ ዀይኑ፡ ወለዱ ኸመይ ገይሮም ኪፈልጡ ይኽእሉ፧

4. ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20 ዚርከብ ትእዛዝ የሱስ፡ ወለዲ ንደቆም ኪምህሩ ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧

4 ማቴዎስ 28:19, 20 ኣንብብ። ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብ ኪጥመቐሉ ዚግባእ ውሱን ዕድመ ኣይጠቅስን እዩ። ይኹን እምበር፡ ወለዲ፡ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር እንታይ ማለት ምዃኑ ምስ ዜስተትኑሉ፡ ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። እታ ኣብ ማቴዎስ 28:19፡ “ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ተምሃራይ ወይ ወደ መዝሙር ንምግባር ሓሊንካ ኸም እትምህር ተመልክት። ወደ መዝሙር ኪብሃል ከሎ ድማ፡ ትምህርትታት የሱስ ዚምሃርን ዚርድኦን ኪሕልዎ ዚውስንን ሰብ እዩ። ስለዚ፡ ኵሎም ክርስትያን ወለዲ ንደቆም፡ እተጠምቁ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ንምሕጋዝ ሓሊኖም፡ ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም ኪምህርዎም ሸቶ ኺገብሩ ኣለዎም። ሕጻን ንጥምቀት ብቕዓት ከም ዘይብሉ መሸም ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ቈልዑ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪግንዘቡን ኪርድኡን ከም ዚኽእሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።

5, 6. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጢሞቴዎስ ዚገልጾ ነገር፡ ብዛዕባ ጥምቀት ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኽንበጽሕ እዩ ዚድርኸና፧ (ለ) ኣስተውዓልቲ ወለዲ ንደቆም ጽቡቕ ገይሮም ኪሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

5 ጢሞቴዎስ ብንእስነቱ ሓቂ ዘጥረየ ወደ መዝሙር እዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባኡ፡ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ከም እተማህረ ጠቒሱ ኣሎ። ጢሞቴዎስ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት እኳ እንተ ዓበየ፡ እተን ኣይሁድ ዝነበራ ኣዲኡን ዓባዩን ከምቲ ሽዑ ዚርድኣኦ ዝነበራ ገይረን ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣድንቖት ኬማዕብል ሓጊዘናኦ እየን። እዚ ኸኣ ነቕ ዘይትብል እምነት ኣፍርዩሉ እዩ። (2 ጢሞ. 1:5፣ 3:14, 15) ኣብ መወዳእታ 10ታት ወይ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ፡ ኣብ ጉባኤ ፍሉይ መሰል ኪውሃቦ ዚኽእል ክርስትያን ወደ መዝሙር ኰይኑ ነይሩ እዩ።—ግብ. 16:1-3

6 ቈልዓ ኻብ ቈልዓ ኸም ዚፍለ ዚከሓድ ኣይኰነን፣ ኵሎም ቈልዑ ድማ ብእተፈላለየ ደረጃ እዮም ዚበስሉ። ገሊኦም ብንእስነቶም ኣብ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ብስለት ይበጽሑ፡ ኪጥመቑ ኸም ዚደልዩ እውን ይገልጹ እዮም። ገሊኦም ከኣ ቍሩብ ክሳዕ ዚዓብዩ ንጥምቀት ኣይዳለዉን እዮም። ስለዚ፡ ኣስተውዓልቲ ወለዲ ንደቆም፡ ኪጥመቑ ጸቕጢ ኣይገብሩሎምን እዮም። የግዳስ፡ ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ እዮም ዚሕግዝዎም። ወለዲ፡ ውሉዶም ነቲ ኣብ ምሳሌ 27:11 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ልቡ ኼሕድሮ ኸሎ ይሕጐሱ እዮም። (ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ ሸቶኦም፡ ንውሉዳቶም ክርስትያን ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ምሕጋዝ ምዃኑ ኺርስዑ የብሎምን። ወለዲ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ‘ውሉደይ ርእሱ ንኣምላኽ ኪውፍን ኪጥመቕን ዜኽእሎ እኹል ፍልጠት ኣለዎዶ፧’ ኢሎም ኪሓትቱ ኣለዎም።

ውሉደይ እኹል ፍልጠት ኣለዎዶ፧

7. ሓደ ሰብ ንምጥማቕ ምሉእ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ የድልዮ ድዩ፧ ግለጽ።

7 ወለዲ ኣብ ስድራ ቤቶም መምህራን ብምዃኖም፡ ውሉዳቶም ንዚገብርዎ ወፈያ ድልዱል መሰረት ዚዀኖም ፍልጠት ኬጥርዩ ምድላዮም ግቡእ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰብ ርእሱ ንኣምላኽ ወፍዩ ቕድሚ ምጥማቑ፡ ምሉእ ፍልጠት የድልዮ ማለት ኣይኰነን። ድሕሪ ጥምቀት እውን፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ ብልክዕ ፍልጠት ኪዓብዩ የድልዮም እዩ። (ቈሎሴ 1:9, 10 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ኣብ ፈለማ ኽንደይ ፍልጠት እዩ ዜድሊ፧

8, 9. ካብቲ ብዛዕባ ጳውሎስን እቲ ሓላው እሱራትን ዚገልጽ ዛንታ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

8 ተመክሮ ሓንቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ስድራ ቤት፡ ንወለዲ ትምህርቲ ይዀኖም እዩ። (ግብ. 16:25-33) ብ50 ድ.ክ. ኣቢሉ፡ ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ናብ ፊልጲ ኸደ። ኣብኡ ኸሎ ድማ፡ ንሱን ብጻዩ ሲላስን ብናይ ሓሶት ክሲ ተኸሲሶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐኑ። ለይቲ ኸኣ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ነታ ቤት ማእሰርቲ ኻብ መሰረታ ኣናወጻ፣ ኵሉ እቲ መዓጹ እውን ተኸፍተ። እቲ ሓላው እሱራት ድማ፡ እቶም እሱራት ዘምለጡ መሲልዎ፡ ርእሱ ኪቐትል ምስ ሓሰበ፡ ጳውሎስ ዓው ኢሉ ተድሃዮ። ድሕርዚ፡ ጳውሎስን ሲላስን ነቲ ሓላው እሱራትን ንቤተ ሰቡን ጽቡቕ ምስክርነት ሃብዎም። እሞኸ እቲ ብዛዕባ የሱስ እተማህርዎ ሓቅታት፡ እንታይ ስጕምቲ ኺወስዱ እዩ ደሪኽዎም፧ ቀልጢፎም ኪጥመቑ እዩ ደሪኽዎም። ካብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ንምሃር፧

9 እቲ ሓላው እሱራት ጡረታ ዝወጸ ወተሃደር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ድልዱል መሰረት ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ንምጥራይ፡ መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃር፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ኺርዳእ፡ ትምህርትታት የሱስ ንምሕላው ድማ ቈራጽነት ኪገብር ነይርዎ። ኣብ ሓጺር ግዜ ኸኣ፡ እቲ ዘጥረዮ መሰረታዊ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋትን ብዛዕባኡ ዝነበሮ ግንዛበን ኪጥመቕ ደሪኽዎ እዩ። ልክዕ እዩ፡ ድሕሪ ጥምቀቱ እውን ንፍልጠቱ ወሲኹሉ ኪኸውን ኣለዎ። እሞ ደኣ ውሉድካ ንመሰረታዊ ትምህርቲ ቕዱሳት ጽሕፋት፡ እንተላይ ንትርጉምን ንኣገዳስነትን ወፈያን ጥምቀትን ልባዊ ኣድንቖት ከም ዘለዎ እንተ ገሊጹ፡ ብመሰረት እዚ ዝረኣናዮ ተመክሮ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ክርስትያን ወለዲ ዘበልኩም፡ ውሉድኩም ንጥምቀት ብቕዓት እንተ ኣማሊኡ ንምፍላጥ፡ ንሽማግለታት ጉባኤ ኼዘራርብ ከም ዚግባእ ትድምድሙ ትዀኑ። * ከም ካልኦት እተጠምቁ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ብዛዕባ ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ፍልጠት ኣብ ምሉእ ህይወቱ፡ ንዘለኣለም ኣለም እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ።—ሮሜ 11:33, 34

ውሉደይ ዚምሃሮ ዘሎ ትምህርትስ ኣሳልጦ ዜምጻኣሉ ድዩ፧

10, 11. (ሀ) ገሊኦም ወለዲ እንታይ ኢሎም እዮም ዚሓስቡ፧ (ለ) ንወላዲ ብቐዳምነት ኬተሓሳስቦ ዚግባእ እንታይ እዩ፧

10 ገሊኦም ወለዲ፡ ውሉዶም ተወሳኺ ትምህርትን ጥጡሕ ስራሕን ክሳዕ ዚረክብ፡ ንጥምቀት እንተ ኣደናጐዮ ኸም ዚሓይሽ ይሓስቡ እዮም። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኻብ ጽቡቕ ሓሳብ ዝነቐለ እኳ እንተ ዀነ፡ ውሉዶም ግና ኣብ ህይወቱ ናይ ሓቂ ኣሳልጦዶ ይረክብ እዩ፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚሰማማዕ ድዩ፧ ቃል ኣምላኽ እንታይ ክንገብር እዩ ዜተባብዓና፧—መክብብ 12:1 ኣንብብ።

11 ዓለምን ኵሉ እቲ ኣብኣ ዘሎን ነቲ የሆዋ ዚደልዮን ዚሓስቦን ከም ዚጻረር ክንርስዕ የብልናን። (ያእ. 4:7, 8፣ 1 ዮሃ. 2:15-17፣ 5:19) ሓደ ቘልዓ ነቲ ኻብ ሰይጣንን ዓለሙን ሕማቕ ኣተሓሳስባኡን ዚመጾ መጥቃዕቲ ኺከላኸለሉ ዚኽእል ብሉጽ መገዲ፡ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ምምስራት እዩ። ሓደ ወላዲ ንዓለማዊ ሸቶታት ቀዳምነት እንተ ሂቡ፡ እዚ ንውሉዱ ኼደናግሮን ኣብ ሓደጋ ኼእትዎን ይኽእል እዩ። እሞኸ፡ ፈቃራት ክርስትያን ወለዲ፡ እዛ ዓለም እዚኣ ነቲ ውሉዶም ብዛዕባ ኣሳልጦ ዘለዎም ኣረኣእያ ኽትቀርጾዶ ምደለዩ፧ ከም ሓቂ፡ ንየሆዋ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ እንተ ሂብናዮ ጥራይ ኢና ናይ ሓቂ ሓጐስን ኣሳልጦን እንረክብ።—መዝሙር 1:2, 3 ኣንብብ።

ውሉደይ እንተ ሓጢኡኸ፧

12. ገሊኦም ወለዲ፡ ውሉዶም ከይተጠምቀ ኺጸንሕ ዚደልይዎ ስለምንታይ እዮም፧

12 ሓንቲ ክርስትያን ኣደ፡ ጓላ ኸይተጠምቀት ክትጸንሕ ዝደለየትሉ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ፡ “እቲ ቐንዲ ምኽንያት፡ ስርዓት ውገዳ ምንባሩ የሕፍረኒ እዩ” ኢላ ኣላ። ገሊኦም ወለዲ፡ ከምዛ ሓብቲ እዚኣ፡ ውሉዶም ዓብዩ ናይ ቈልዓ ዕሽነት ክሳዕ ዚሰግር፡ ከይተጠምቀ እንተ ጸንሐ ኸም ዚሓይሽ ይሓስቡ እዮም። (ዘፍ. 8:21፣ ምሳ. 22:15) ‘ውሉደይ ክሳዕ ዘይተጠምቀ፡ ኣይውገድን እዩ’ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። እዚ ግጉይ ኣተሓሳስባ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—ያእ. 1:22

13. ሓደ ሰብ ንጥምቀት እንተ ተደናጕዩ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎ ተሓታትነት ይንኪ ድዩ፧ ግለጽ።

13 ክርስትያን ወለዲ፡ ውሉዶም ርእሱ ንምውፋይ ብቑዕ ከይኰነ ኺጥመቕ ዘይምድላዮም ጌጋ ኣይኰነን። ስለ ዘይተጠምቀ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓታቲ ኸም ዘይከውን ምሕሳብ ግና ጌጋ እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ንብል፧ ንየሆዋ ዘሎና ተሓታትነት፡ ኣብ ጥምቀት እተመስረተ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሓደ ውሉድ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕን ጌጋን ምስ ፈለጠ፡ ኣብ ቅድሚኡ ተሓታቲ እዩ ዚኸውን። (ያእቆብ 4:17 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ጥበበኛታት ወለዲ ንውሉዶም ከይተጠምቀ ኺጸንሕ ኣብ ክንዲ ዚደፋፍእዎ፡ ጽቡቕ ኣብነት ኪዀንዎ እዮም ዚጽዕሩ። ውሉዶም ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዙ ንልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ልባዊ ኣድንቖት ከም ዜሕድር ኪገብሩ እዮም ዚደልዩ። (ሉቃ. 6:40) በዚ ኸምዚ፡ ውሉድ ነቲ ቕኑዕ መገዲ የሆዋ ኺስዕብ ድራኸ ስለ ዚሓድሮ፡ እዚ ኣድንቖት እዚ ብሉጽ ዕቝባ እዩ ዝዀኖ።—ኢሳ. 35:8

ካልኦት ኪሕግዙ ይኽእሉ

14. ሽማግለታት ነቲ ወለዲ ንውሉዶም ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ዚገብርዎ ጻዕርታት ኪድግፉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

14 ሽማግለታት ጉባኤ መንፈሳውያን ጓሶት ስለ ዝዀኑ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሸቶታት ኣወንታዊ ሓሳባት ብምሃብ ነቲ ወለዲ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኺድግፉ ይኽእሉ እዮም። ሓንቲ ንልዕሊ 70 ዓመት ፈላሚት ኰይና ዘገልገለት ሓብቲ፡ ገና ጓል ሽዱሽተ ዓመት ከላ ምስ ሓውና ቻርለስ ቴዝ ራስል እተዛራረበቶ ነገር ዘሕደረላ ጦብላሕታ ትዝክሮ እያ። ብዛዕባ እዚ ኸተዘንቱ ኸላ፡ “15 ደቒቕ ወሲዱ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሸቶታተይ ኣዛራሪቡኒ” ትብል። እወ፡ ኣወንታዊ ቓላትን መተባብዕን ነባሪ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። (ምሳ. 25:11) ብዘይካዚ፡ ሽማግለታት ንወለድን ንውሉዳትን ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚዕየ ዕዮታት፡ ከከም ዕድሚኦምን ክእለቶምን ስራሕ ኪህብዎም ይኽእሉ እዮም።

15. ኣባላት ጉባኤ ንውሉዳት ከመይ ገይሮም ኬተባብዕዎም ይኽእሉ፧

15 ኣባላት ጉባኤ ንውሉዳት ብብሕቲ ተገዳስነት ብምርኣይ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዙ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ ንምግባር፡ ንምልክታት መንፈሳዊ ዕቤት ንቑሓት ኪዀኑ ኣለዎም። ሓደ ውሉድ ብግቡእ እተሓስበሉ ልባዊ ሓሳብዶ ሂቡ፡ ወይ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ኣኼባ ኽፍሊዶ ኣቕሪቡ፧ ኣብ ንጽህናኡ ንዘጋጠሞ ፈተና ሰጊርዎዶ፡ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቱ ንምምስካር ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ተጠቒሙሉዶ፧ ከምኡ እንተ ገይሩ፡ ከይተደናጐኻ ኻብ ልቢ ንኣዶ። ቅድሚ ወይ ድሕሪ ኣኼባ፡ ንውሉዳት ንምዝርራብ ሸቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ውሉዳት ክፍሊ እቲ “ዓብዪ ጉባኤ” ኸም ዝዀኑ ኺስምዖም ይኽእል።—መዝ. 35:18

ንውሉድካ ናብ ጥምቀት ኪበጽሕ ሓግዞ

16, 17. (ሀ) ጥምቀት ምስ ናይ መጻኢ ተስፋ ህይወትና ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኵሎም ክርስትያን ወለዲ እንታይ ሓጐስ እዮም ኪረኽቡ ዚጽዕሩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

16 ሓደ ኻብቲ ክርስትያን ወለዲ ዘለዎም ዓብዪ መሰላት፡ ንውሉዳቶም “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ምዕባይ እዩ። (ኤፌ. 6:4፣ መዝ. 127:3) ኣብ ህዝቢ እስራኤል፡ ውሉዳት ኪውለዱ ኸለዉ ኣትሒዞም ንየሆዋ እተወፈዩ እዮም ነይሮም። ውሉዳትና ግና ከምኡ ኣይኰኑን። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ፍቅሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ሓቅን ዚውረስ ነገር ኣይኰነን። ስለዚ፡ ወለዲ ኻብታ ውሉዶም እተወልደላ ግዜ ኣትሒዞም፡ ወደ መዝሙር ንምግባሩ ኺሕልኑ፡ ማለት ርእሱ ወፍዩ እተጠምቀ ኣገልጋሊ የሆዋ ምእንቲ ኪኸውን ኪሕግዝዎ ኣለዎም። ካብዚ ዚዓቢ እሞ እንታይ ኣሎ፧ ከመይሲ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ምእንቲ ኺድሕን፡ ርእሱ ኺውፍን ኪጥመቕን ንኣምላኽ ብተኣማንነት ኬገልግሎን ኣለዎ።—ማቴ. 24:13

ወለዲ ንውሉዶም፡ ወደ መዝሙር ኪኸውን ናይ ምሕጋዝ ሸቶ ኺህልዎም ይግባእ (ሕጡብ ጽሑፍ 16, 17 ርአ)

17 ብሎሰም ብራንት ክትጥመቕ ምስ ወሰነት፡ እቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ወለዳ ነቲ ኣብ ህይወታ ኣገዳሲ ዝዀነ ስጕምቲ ድልውቲ ምዃና ኼረጋግጹ ደልዮም ነይሮም እዮም። ድልውቲ ምዃና ምስ ኣረጋገጹ ድማ፡ ንውሳነኣ ደጊፎምዎ እዮም። ድሮ እታ መዓልቲ ጥምቀታ፡ ኣቦኣ ሓደ ጽቡቕ ነገር ገይሩላ እዩ። ብሎሰም ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ ኸኣ፡ “ኵላትና ተምበርኪኽና ኸም እንጽሊ ገይሩ እዩ። ጓሉ ህይወታ ንየሆዋ ኽትውፊ ምውሳና ኣዝዩ ኸም ዘሐጐሶ፡ ንየሆዋ ነጊርዎ” ትብል። ልዕሊ 60 ዓመት ጸኒሓ እውን፡ “ኣብ ኵሉ እቲ ድሕሪኡ ዝመጸ ግዜያት፡ ነታ ምሸት እቲኣ ኸቶ ኣይረሳዕክዋን!” ትብል። ኣቱም ወለዲ፡ ውሉድኩም ርእሱ ወፍዩ እተጠምቀ ኣገልጋሊ የሆዋ ዀይኑ ብምርኣይኩም ክትሕጐሱ ትምኒትና እዩ።

^ ሕ.ጽ. 9 ወለዲ ነቲ ኣብ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ፡ ገጽ 304-310 ዘሎ ጠቓሚ ሓበሬታ ምስ ውሉዶም ኪኽልስዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ናይ ሚያዝያ 2011 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 2 ዝወጸት “ሳጹን ሕቶ” እውን ርአ።