ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ኸቶ ኣይሓደገንን!

የሆዋ ኸቶ ኣይሓደገንን!

ኣብ ሓደ እዋን፡ ሓንቲ ኻብተን ኣዶልፍ ሂትለር መደረኡ ምስ ኣቕረበ፡ ዕምባባ ኼበርክታሉ እተሓርያ ኣርባዕተ ንኣሽቱ ኣዋልድ እየ ነይረ። ስለምንታይ እየ ተሓርየ፧ ኣቦይ ኣብ ንጥፈታት ናዚ ብዙሕ ተሳትፎ ነይርዎ፣ ንሓደ መራሒ ጨንፈር እቲ ሰልፊ ኸኣ ዘዋር ማኪናኡ እዩ ነይሩ። ኣደይ ከኣ ውፍይቲ ካቶሊክ እያ ነይራ፣ ሓንቲ ኻብ ደናግል ክኸውን ድማ ትደልየኒ ነይራ። እዚ ኽልቲኡ ሓያል ጽልዋ ኼሕድረለይ ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ኣባል ናዚ ወይ ድንግል ኣይኰንኩን። ስለምንታይ ከም ዘይኰንኩ ኸዕልለኩም።

ኣብ ግራዝ፡ ኦስትርያ እየ ዓብየ። ጓል ሸውዓተ ዓመት ከለኹ፡ ናብ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ተለኣኽኩ። ኣብኡ ግና፡ ኣብ መንጎ ካህናትን ደናግልን ዜስገድግድ ጾታዊ ርኽሰት ረኣኹ። ስለዚ፡ ኣደይ ኣብ ውሽጢ ዓመት ካብቲ ቤት ትምህርቲ ኽወጽእ ፈቐደትለይ።

ብስድራ ቤት እተሰኣልናዮ ስእሊ፣ ኣቦይ ወተሃደራዊ ኽዳን ተኸዲኑ ኣሎ

ደሓር፡ ናብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣቶኹ። ሓደ ምሸት፡ ግራዝ ብዙሕ ትድብደብ ስለ ዝነበረት፡ ኣቦይ ኪወስደኒ መጸ። ሽላድሚንግ ኣብ እትብሃል ከተማ ድማ ተዓቘብና። ናብታ ኸተማ ምስ በጻሕና እሞ ሓደ ድልድል ምስ ሰገርና፡ እቲ ድልድል ብደብዳብ ፈረሰ። ኣብ ካልእ ግዜ ኸኣ፡ ኣብ ውሽጢ ቐጽርና ኸለና፡ ትሒተን ዚበርራ ነፈርቲ ንዓይን ንዓባየይን ተኰሳልና። ኣብ መወዳእታ እቲ ውግእ፡ ሃይማኖትን መንግስትን ከምቲ እተጸበናዮ ዘይኰነስ፡ ከም ዝሓደጉና ዀይኑ እዩ ተሰሚዑና።

ወትሩ ዚድግፍ ከም ዘሎ ፈለጥኩ

ብ1950፡ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንኣደይ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተካፍላ ጀመረት። ነቲ ዝርርበን እሰምዖ ነይረ፣ ምስ ኣደይ እውን ናብ ገሊኡ ኣኼባታት ጉባኤ እኸይድ ነይረ። ኣደይ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቂ ኸም ዚምህሩ ብምእማና ኸኣ፡ ብ1952 ተጠምቀት።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጉባኤና ክለብ ኣረገውቲ ኣንስቲ ዀይና እያ እትስምዓኒ ነይራ። ደሓር ግና ብዙሓት መንእሰያት ናብ ዝነበርዋ ኻልእ ጉባኤ ከድኩ፣ እታ ጉባኤ ኸኣ ክለብ ኣረገውቲ ኣንስቲ ኣይነበረትን። ናብ ግራዝ ምስ ተመለስኩ፡ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ክእከብ ጀመርኩ፣ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ እቲ ዝምሃሮ ሓቂ ምዃኑ ኣመንኩ። የሆዋ ንኣገልገልቱ ወትሩ ዚድግፍ ኣምላኽ ምዃኑ እውን ፈለጥኩ። በይንና ዘይሰግሮ ዚመልስ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ እኳ፡ ይድግፈና እዩ።—መዝ. 3:5, 6

ድሕርዚ፡ ሓቂ ንሰባት ክነግር ደለኹ። ብሓወይን ብኣሓተይን ድማ ጀመርኩ። ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣሓተይ፡ መምህራን ኰይነን ድሮ ኻብ ቤት ወጺአን ነበራ። ናብቲ ዝነበራኦ ኣቝሻት ከይደ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዓ ኣተባባዕክወን። ኣብ መወዳእታ፡ ሓወይን ኵለን ኣሓተይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ።

ናብ በቤት ኣብ ዝኸድኩሉ ኻልኣይ ሰሙን፡ ኣብ 30ታት ዕድሚኣ ምስ እትርከብ ሰበይቲ ተራኸብኩ እሞ፡ ምስኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርኩ። ንሳ ኸኣ ዕቤት ገይራ ተጠምቀት፣ ሰብኣያን ክልተ ደቃን እውን ሰዓብዋ። እቲ መጽናዕቲ ድማ ኣባይ ዓሚቝ መንፈሳዊ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩለይ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንዓይ ዋላ ሓደ ሰብ ብስርዓት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገበረለይን። ስለዚ፡ ኵሉ ሳዕ ተዳልየ ክኸይድ ነበረኒ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ መጀመርታ ገዛእ ርእሰይ እምህር፡ ድሕሪኡ ድማ ንተምሃሪተይ እምህር ነይረ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ሓቂ ዝነበረኒ ግንዛበ ኣስፊሕዎ እዩ። ኣብ ሚያዝያ 1954 ድማ፡ ርእሰይ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኹ ንምርኣይ ብማይ ተጠመቕኩ።

“ንስጐጕ፡ ግናኸ እተራሕራሕና ኣይኰንናን”

ብ1955፡ ኣብ ጀርመንን ፈረንሳን ዓዲ እንግሊዝን ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ተኣከብኩ። ኣብ ለንደን ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ምስ ኣልበርት ሽሮደር ተራኸብኩ። ንሱ ኸኣ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ መምህር እዩ ነይሩ፣ ደሓር ከኣ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ኣብ ቤተ መዘክር ብሪጣንያ ዑደት ክንገብር ከለና፡ ሓውና ሽሮደር ናብ ገሊኡ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣመልከተልና። ኣብቲ ኢደ ጽሑፋት፡ ብፊደላት እብራይስጢ እተጻሕፈ ስም ኣምላኽ ሰፊሩ ነይሩ፣ ንሱ ድማ ኣገዳስነቱ ገለጸልና። እዚ ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ስለ ዝተንከየኒ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓቂ ኽነግር ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ቘረጽኩ።

ኣብ ሚስተልባኽ፡ ኦስትርያ ምስ መገላግልተይ (የማን) ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ከለና

ብ1 ጥሪ 1956፡ ናይ ምሉእ ግዜ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ፡ ኣብ ኦስትርያ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጻውዒት ቀረበለይ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብታ ኬገልግል እተመደብኩላ ኸተማ ሚስተልባኽ ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣይነበረን። ሓደ ፍሉይ ጸገም ግና ኣጋጢሙኒ ነይሩ። ኣነን እታ መገላግልተይ ዝዀነት ፈላሚትን ኣመና እተፈላለና ኢና ኔርና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዳርጋ 19 ዓመት ዝዕድመይ ዕባይ ከተማ እየ ነይረ፣ ንሳ ኸኣ 25 ዓመት ዝዕድሚኣ ዕባይ ገጠር እያ ነይራ። ኣነ ኣርፊድካ ምትንሳእ እፈቱ ነይረ፣ ንሳ ድማ ኣንጊሃ ምትንሳእ ትፈቱ ነይራ። ኣነ ኣምሲኻ ምድቃስ እፈቱ ነይረ፣ ንሳ ኸኣ ብእዋኑ ምድቃስ ትፈቱ ነይራ። ኰይኑ ግና፡ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ፍልልያትና ነደቅሶ ነበርና፣ ከም መገላግልቲ ድማ ጽቡቕ ግዜ ኣሕለፍና።

ከም ሓቂ፡ ካብዚ ዚዓቢ ኻልእ ጸገማት ኣጋጢሙና እዩ። መስጐጕቲ እውን ኣጋጢሙና እዩ፣ ግናኸ፡ ‘ኣይተራሕራሕናን።’ (2 ቈረ. 4:7-9) ሓደ ግዜ፡ ኣብ ሓንቲ ቝሸት ክንሰብኽ ከለና፡ እቶም ሰባት ኣኽላባቶም ፈትሑልና። እቶም ዓበይቲ ኣኽላባት ከኣ እናነብሑን ሕኒን እናበሉን ንዓይን ንመገላግልተይን ከበቡና። ንሕና ድማ ኢድ ንኢድ ተተሓሓዝና፣ ኣነ ኸኣ፡ “የሆዋ፡ ምስ ሓዙና፡ በጃኻ ቐልጢፎም ይቕተሉና!” ኢለ ጸለኹ። እቶም ኣኽላባት ናብ ጥቓና ምስ ቀረቡ፡ ደው ኢሎም ጭራኦም ነስነስ ድሕሪ ምባል ተመሊሶም ከዱ። የሆዋ ኸም ዘዕቈበና ዀይኑ እዩ ተሰሚዑና። ድሕሪኡ፡ ኣብ ኵላ እታ ቝሸት ሰበኽና፣ እቲ ደስ ዜብል ከኣ፡ ሰባት ሰምዑና። ምናልባት እቶም ኣኽላባት ከም ዘይጐድኡና ወይ ንሕና ድሕሪ እቲ ዜፍርህ ኣጋጣሚ ጸኒዕና ኸም ዝቐጸልና ስለ ዝረኣዩ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ጸኒሖም፡ ገሊኣቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ።

ካልእ ዜሰምብድ ነገር እውን ኣጋጢሙና እዩ። ሓደ መዓልቲ፡ ኣካራዪና ሰኺሩ መጸ እሞ፡ ‘ንጐረባብቲ ይርብሻ ኣለዋ’ ኢሉ ኸም ዚቐትለና ኼጕባዕብዕ ጀመረ። ሰበይቱ ኸትህድኦ እኳ እንተ ፈተነት፡ ኣይሰለጣን። ኣብታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ክፍልና ዄንና፡ ነዚ ዅሉ ሰማዕናዮ። መናብር ኣብ ማዕጾና ኣደጊፍና፡ ባልጃና ኽንጥርንፍ ጀመርና። ማዕጾ ምስ ከፈትና ግና፡ እቲ ኣካራዪና ገዚፍ ካራ ሒዙ ኣብ ጫፍ እቲ መደያይቦ ደው ኢሉ ነበረ። ስለዚ፡ ኵሉ ንብረትና ሒዝና በቲ ብዝባን ዘሎ ማዕጾ ወጻእና እሞ በቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ዘሎ ነዊሕ መገዲ ኣቢልና ሃደምና። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ናብኡ ኣይተመለስናን።

ናብ ሆቴል ኬድና ድማ፡ ክፍሊ ሓዝና። ኣብኣ ድማ ዳርጋ ዓመት ጸናሕና፣ እዚ ኸኣ ንኣገልግሎትና ጠቒሙና እዩ። ከመይ ኢሉ፧ እቲ ሆቴል ኣብ ማእከል እታ ኸተማ እዩ ነይሩ፣ ገሊኦም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኣብኡ ኼጽንዑ ደለዩ። ነዊሕ ከይጸናሕና፡ ኣብታ ኣብ ሆቴል ዝሓዝናያ ኽፍሊ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍን ሰሙናዊ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛን ክንገብር ጀመርና፣ ኣስታት 15 ዚዀኑ ተኣከብቲ እውን ነበሩ።

ኣብ ሚስተልባኽ ልዕሊ ዓመት ጸናሕና። ድሕሪኡ፡ ናብታ ብደቡባዊ ምብራቕ ግራዝ እትርከብ ፈልትባኽ ተመደብኩ። ካልእ ፈላሚት ከኣ መገላግልተይ ኰይና ተመደበት፣ ግናኸ፡ ኣብታ ኸተማ እውን ጉባኤ ኣይነበረትን። ኣብኣ ድማ ኣብ ደርቢ ሓንቲ ብኣጕናድ እተሰርሐት ቤት፡ ኣብ ንእሽቶ ኽፍሊ ንነብር ነበርና። ንፋስ በቲ ኣብ መንጎ እቲ ኣጕናድ እናኣፋጸየ ይኣቱ ብምንባሩ፡ ነቲ ነዃላት ብጋዜጣ ኽንዓብሶ ፈተንና። ብዘይካዚ፡ ማይ ካብ ዒላ ኢና እንቐድሕ ዝነበረና። ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ግና ብዘይ ፍረ ኣይተረፈን። ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ፡ ሓንቲ ጕጅለ ቘመት። ኣብ መወዳእታ፡ መጽናዕቲ ዝመራሕናሎም ኣስታት 30 ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ናብ ሓቂ መጹ!

እዚ ተመክሮ እዚ፡ ነቲ የሆዋ ረብሓታት መንግስቱ ንዚስዕቡ ዚህቦም ዘየቋረጽ ደገፍ ብዝያዳ ኸም ዘመስግን ገይሩኒ እዩ። ካብ ሰብ ሓገዝ ክንረኽበሉ ኣብ ዘይንኽእል እዋን እኳ፡ የሆዋ ወትሩ ይድግፈና እዩ።—መዝ. 121:1-3

ኣምላኽ ‘ብናይ ጽድቂ የማነይቲ ኢዱ’ ደገፈኒ

ብ1958፡ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ፡ ኣብ ስታድዩም ያንኪን ኣብ ፖሎ ግራውንድስን ኣህጉራዊ ኣኼባ ተገብረ። ኣነ ድማ ኣብኡ ኽእከብ ኣመልከትኩ፣ ጨንፈር ኦስትርያ ኸኣ ኣብ መበል 32 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክካፈል ዝደሊ እንተ ዀይነ ሓተተኒ። ከመይ ገይረ እየ እሞ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ኽኣቢ ዝኽእል፧ ብኡብኡ፡ “እወ!” ኢለ መለስኩ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ከኣ፡ ኣብ ጥቓ ማርቲን ፖይትሲንገር ኮፍ እብል ነበርኩ። ንሱ ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ናዚ ዜስካሕክሕ ተመክሮ ኣሕሊፉ ነይሩ እዩ። ደሓር እውን ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ማርቲን ኣብ መንጎ ትምህርቲ፡ ሓድሓደ ግዜ፡ “ኤሪካ፡ እዚ ብጀርመንኛ እንታይ ማለት እዩ፧” ኢሉ ሕሽዅ ይብለኒ ነይሩ።

ኣብ መንጎ እቲ ኮርስ፡ ናታን ኖር ኣበይ ከም እተመደብና ነገረና። ኣነ ድማ ናብ ፓራጓይ ተመደብኩ። ገና ንእሽቶ ስለ ዝነበርኩ፡ ናብታ ሃገር ክኣቱ ኻብ ኣቦይ ፍቓድ የድልየኒ ነበረ። ፍቓዱ ምስ ረኸብኩ፡ ኣብ መጋቢት 1959 ናብ ፓራጓይ በጻሕኩ። ምስ ሓዳስ መገላግልተይ ኣብ ኣሱንስዮን ኣብ እትርከብ ቤት ሚስዮናውያን ተመደብኩ።

ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ዋልተር ብራይት ምስ ዚብሃል ካብ መበል 30 ክፍሊ እተመረቐ ሚስዮናዊ ተራኸብኩ። ጸኒሕና ድማ፡ ተመርዓና፡ ብሓንሳእ እውን ኣብ ህይወት ንዜጋጥመና ጸገማት ንሰግሮ ነበርና። ፈታኒ ጸገም ኬጋጥመና ኸሎ፡ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 41:10 ዚርከብ፡ “ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ። ከጽንዓካ . . . እየ” ዚብል የሆዋ ዝኣተዎ ቓል ነንብብ ነበርና። እዚ ኸኣ ንኣምላኽ እሙናት ክንከውን ክሳዕ ዝጸዓርናን ንመንግስቱ ቐዳማይ ቦታ ኽሳዕ ዝሃብናን፡ ንሱ ኸም ዘይሓድገና መረጋገጺ ይዀነና ነበረ።

ድሕርዚ፡ ጥቓ ዶብ ብራዚል ናብ ዚርከብ ቦታ ተመደብና። ኣብኡ ድማ ኣቕሽሽቲ፡ ንገሊኦም መንእሰያት ናብቲ እንነበረሉ ዝነበረና ቤት ሚስዮናውያን ኣእማን ኪድርብዩ ቈስቈስዎም፣ ካብ ቀደሙ እውን እታ ቤት ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ኣይነበረትን። ድሕሪኡ፡ ዋልተር ምስ ሓደ ሓለቓ ፖሊስ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኺገብር ጀመረ። ንሱ ድማ ንሰሙን ዚኣክል ኣባላት ፖሊስ ንኸባቢና ኸም ዚሕልውዎ ገበረ፣ እቶም ሰጐጕቲ ድሕሪኡ ኣየሸገሩናን። ነዊሕ ከይጸናሕና ድማ ስግር ዶብ ብራዚል ናብ ዚርከብ ዝሓሸ መንበሪ ገዓዝና። እዚ ንዓና ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ኸፊቱልና፣ ምኽንያቱ ኣኼባታትና ኣብ ፓራጓይን ኣብ ብራዚልን ክንገብር ንኽእል ኔርና ኢና። ካብኡ ኣብ ዝገዓዝናሉ እዋን ክልተ ንኣሽቱ ጉባኤታት ቈይመን ነይረን።

ኣብ ኣሱንስዮን፡ ፓራጓይ ምስ ሰብኣየይ ዋልተር ሚስዮናውያን ኴንና ኸነገልግል ከለና

የሆዋ ንዓይ ምድጋፉ ኣየቋረጸን

ሓካይም ክወልድ ከም ዘይክእል ነጊሮምኒ ነይሮም፣ ስለዚ፡ ኣብ 1962 ጥንስቲ ምዃነይ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣዚና ኢና ተገሪምና። ብድሕርዚ ኣብ ሆሊዉድ ፍሎሪዳ፡ ኣብ ጥቓ ስድራ ቤት ዋልተር ክንነብር ጀመርና። ንነዊሕ ዓመታት ኣነን ዋልተርን ፈለምቲ ኽንከውን ኣይከኣልናን ኔርና። ምኽንያቱ፡ ሓላፍነት ስድራ ቤት ነይሩና። ይኹን እምበር፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ምሃብ ኣየቋረጽናን።—ማቴ. 6:33

ኣብ ሕዳር 1962 ናብ ፍሎሪዳ ምስ ከድና፡ ምእንቲ ስምዒታት እቶም ደቂ እቲ ዓዲ ኢሎም፡ ጸለምቲ ኣሕዋት ካብ ጸዓዱ ኣሕዋት ተፈልዮም ከም ዚእከቡ፡ ኣብ እተፈላለየ ኸባቢ እውን ከም ዚሰብኩ ምፍላጥና ብዙሕ ገረመና። የሆዋ ግና ዓሌታዊ ፍልልይ ኣይገብርን እዩ፣ ስለዚ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን እተን ጉባኤታት ተሓዋወሳ። ሕጂ ኣብቲ ኸባቢ እቲ ብዙሓት ጉባኤታት ስለ ዘለዋ፡ ኣብቲ ምትሕውዋስ ኢድ የሆዋ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

እቲ ዜሕዝን፡ ዋልተር ብ2015 ብመንሽሮ ሓንጐል ሞተ። ን55 ዓመት ንፉዕ ሰብኣየይ እዩ ነይሩ፣ ንየሆዋ የፍቅሮ ነይሩ፡ ንብዙሓት ኣሕዋት እውን ሓጊዙ እዩ። ምስ ተንስአ፡ ጥዕና ረኺቡ ኽርእዮ ተሃንጥየ እየ ዝጽበ።—ግብ. 24:15

ንልዕሊ 40 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብምግልጋለይ፡ ብዙሕ ሓጐስን ዓስብን ድማ ብምርካበይ፡ አመስግን እየ። ንኣብነት፡ ኣነን ዋልተርን፡ 136 ተምሃሮና ኺጥመቑ ርኢና ኢና። ልክዕ እዩ፡ ጸገማት እውን ኣጓኒፉና እዩ። እዚ ግና ነቲ እሙን ኣምላኽና እነቕርቦ ኣገልግሎት ከነቋርጽ መመኽነይታ ኸቶ ኣይኰነናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብግዜኡን ብመገዱን ከም ዚፈትሖ ብእኡ እናተኣማመንና፡ ብዝያዳ ኢና ናብኡ ቐሪብና። ንሱ እውን ኣየሕፈረናን!—2 ጢሞ. 4:16, 17

ንዋልተር ብዙሕ እየ ዝናፍቖ፣ ፈላምነት ግና ነዚ ኽጻወሮ ይሕግዘኒ እዩ። ንሰባት ምምሃር፡ ተስፋ ትንሳኤ ድማ ምንጋር፡ ብዙሕ ጠቒሙኒ እዩ። እወ፡ ክጽብጽቦ ብዘይክእል መገድታት፡ የሆዋ ኸቶ ኸም ዘይሓደገኒ ርእየ እየ። ከምቲ ቓል ዝኣተዎ፡ ደጊፉንን ኣጽኒዑንን ‘ብናይ ጽድቂ የማነይቲ ኢዱ’ ሒዙንን እዩ።—ኢሳ. 41:10