ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥምቀት—ክርስትያናት ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓት

ጥምቀት—ክርስትያናት ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓት

“ጥምቀት ድማ ሕጂ የድሕነኩም ኣሎ።”—1 ጴጥ. 3:21

መዝሙር፦ 52, 41

1, 2. (ሀ) ገሊኦም ክርስትያን ወለዲ፡ ውሉዶም ኪጥመቕ ምስ ሓተተ፡ ከመይ ይስምዖም፧ (ለ) ሕጹያት ጥምቀት፡ ርእሶም ንየሆዋ ወፍዮም እንተ ዀይኖም ዚሕተቱ ስለምንታይ እዮም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ኣብዛ ዓንቀጽ ማሪያ ኢልና ዝሰመናያ ጓል፡ ክርስትያን ወለዳ እናረኣዩ፡ ምስ ካልኦት ሕጹያት ጥምቀት ብሓባር ተንስአት። ዓው ብዝበለ ንጹር ድምጺ ድማ እቲ ተዛራባይ ንዘቕረቦ ኽልተ ሕቶታት መለሰት። ድሕሪኡ፡ ተጠምቀት።

2 ወለዲ ማርያ በቲ ጓሎም ርእሳ ንየሆዋ ወፍያ ኽትጥመቕ ዝገበረቶ ውሳነ ተሓበኑ። ይኹን እምበር፡ ኣዲኣ ኣቐዲሙ ዚርብሻ ሕቶታት ነይርዋ እዩ። ‘ማርያ ንጥምቀት ዕድሚኣ ኣኺሉ ድዩ፧ ክብደት እቲ እትገብሮ ዘላስ ብሓቂዶ ተረዲእዋ እዩ፧ ንጥምቀት ቍሩብ እንተ ጸንሐትዶ ይሓይሽ፧’ ኢላ ትሓትት ነይራ እያ። ብዙሓት ፈቃራት ወለዲ፡ ውሉድ ኪጥመቕ ከም ዚደሊ ምስ ገለጸ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ይሓትቱ እዮም። (መክ. 5:5) ከመይሲ፡ ወፈያን ጥምቀትን ኣብ ህይወት ክርስትያን፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ስጕምቲ እዩ።—“ ርእስኻ ንየሆዋ ወፊኻ ዲኻ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

3, 4. (ሀ) ሃዋርያ ጴጥሮስ ንኣገዳስነት ጥምቀት ብኸመይ ገሊጽዎ፧ (ለ) ጥምቀት ምስ ምስራሕ መርከብ ኖህ ኪመሳሰል ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

3 ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ጥምቀት ኪገልጽ ከሎ፡ ብዛዕባ ምስራሕ መርከብ ኖህ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ “እቲ ነዚ ዚመስል ጥምቀት ድማ ሕጂ የድሕነኩም ኣሎ” ኢሉ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:20, 21 ኣንብብ።) እታ መርከብ፡ ኖህ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ውፉይ ምዃኑ እትሕብር ንጹር መርትዖ እያ ነይራ። ኖህ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ብተኣማንነት ፈጺሙ እዩ። እወ፡ ኖህን ስድራ ቤቱን እምነቶም ብተግባር ስለ ዘርኣዩ፡ ካብ ማይ ኣይሂ ድሒኖም እዮም። ጴጥሮስ ደኣ እሞ እንታይ ነጥቢ እዩ ኼመሓላልፍ ደልዩ ነይሩ፧

4 ከምቲ እታ መርከብ፡ መርትዖ እምነት ኖህ እያ ዝነበረት፡ ጥምቀት ከኣ ንዚዕዘቡ ሰባት ብዓይኒ ዚርአ መርትዖ እዩ። እንታይከ እዩ ዜርኢ፧ ሓደ ክርስትያን ወደ መዝሙር፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ክርስቶስ ዘለዎ እምነት ርእሱ ንየሆዋ ኸም ዝወፈየ እዩ ዜርኢ። ርእሶም ዝወፈዩ ደቀ መዛሙርቲ፡ ከም ኖህ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ዕዮ ብተኣዛዝነት ይፍጽሙ እዮም። ከምቲ ኖህ ኻብ ማይ ኣይሂ ዝደሓነ፡ እተጠምቁ እሙናት ክርስትያናት እውን እዛ እክይቲ ዓለም ክትጠፍእ ከላ ኺድሕኑ እዮም። (ማር. 13:10፣ ራእ. 7:9, 10) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ወፈያን ጥምቀትን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እምበኣር፡ ንጥምቀቱ ብዘየድሊ ዜደናጕዮ ሰብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋኡ እዩ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ።

5. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

5 ንርዝነት ጥምቀት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነዚ ሰለስተ ሕቶታት ከነተኵረሉ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥምቀት እንታይ ይብል፧ ሓደ ሰብ ኪጥመቕ እንታይ ስጕምትታት ኪወስድ ኣለዎ፧ ክርስትያን መምህር ንውሉዱ ወይ ንኻልእ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህር ከሎ፡ ኣገዳስነት ጥምቀት ብንጹር ኪዝክር ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

ጥምቀት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ

6, 7. (ሀ) ጥምቀት ዮሃንስ እንታይ ትርጉም እዩ ነይርዎ፧ (ለ) ዮሃንስ ካብ ዘጠመቖም ሰባት፡ ናይ መን ጥምቀት እዩ ፍሉይ ትርጉም ዝነበሮ፧

6 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ዮሃንስ መጥምቕ ብእተተሓሓዘ እዩ ጥምቀት ንፈለማ ግዜ ተጠቒሱ ዚርከብ። (ማቴ. 3:1-6) እቶም ብዮሃንስ እተጠምቁ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሙሴ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ከም እተነስሑ ኼርእዩ እዮም ዚጥመቑ ነይሮም። እቲ ዮሃንስ ዘጠመቖ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ሰብ ግና፡ ንንስሓ ኣይኰነን ተጠሚቑ። ዮሃንስ ንየሱስ፡ ማለት ነቲ ሰብ ዝዀነ ወዲ ኣምላኽ ናይ ምጥማቕ ፍሉይ ክብሪ ረኺቡ እዩ። (ማቴ. 3:13-17) የሱስ ሓጢኣት ኣይነበሮን፣ ስለዚ፡ ኪንሳሕ ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። (1 ጴጥ. 2:22) ጥምቀቱ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብር ርእሱ ኸም ዘቕረበ ዜርኢ እዩ ነይሩ።—እብ. 10:7

7 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን፡ ደቀ መዛሙርቱ እውን የጥምቑ ነይሮም እዮም። (ዮሃ. 3:22፣ 4:1, 2) እቲ ጥምቀት እቲ እውን፡ ከም ናይ ዮሃንስ፡ ሰባት ኣብ ሕጊ ሙሴ ኻብ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ከም እተነስሑ ዜርኢ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ሞትን ትንሳኤን የሱስ ግና፡ ሰዓብቱ ዚጥመቕዎ ጥምቀት ካልእ ትርጉም እዩ ሒዙ።

8. (ሀ) የሱስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ ንሰዓብቱ እንታይ ኢሉ እዩ ኣዚዝዎም፧ (ለ) ትርጉም ክርስትያናዊ ጥምቀት ግለጽ።

8 ብ33  ድ.ክ.፡ የሱስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ ካብ 500 ዚበዝሑ ሰብኡትን ኣንስትን ምናልባት እውን ቈልዑን ንዚርከብዎም ህዝቢ ተራእይዎም እዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ድማ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፡ “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም” ዝበለ። (ማቴ. 28:19, 20፣ 1 ቈረ. 15:6) እወ፡ የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር መዝነት ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ ኣማእታት ሰዓብቱ ኣብኡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ክርስትያን ደቀ መዛሙርቲ ዀይኖም ኣርዑት ኪጾሩ ዚደልዩ ዘበሉ ኺጥመቑ ኸም ዘለዎም ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 11:29, 30) ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ኼገልግሎ ዚደሊ ዘበለ ዅሉ፡ ነቲ የሱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ግደ ኣሚኑ ኪቕበሎ ኣለዎ። ከምኡ ምስ ገበረ ድማ፡ ይጥመቕ። ኣምላኽ ዚሰምሮ ዓይነት ጥምቀት ማይ፡ እዚ ጥራይ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ፡ ትርጉም ጥምቀት ከም እተረድኦም ዜርኢ እኹል መርትዖ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። ንጥምቀት ድማ ብዘየድሊ ኣይደናጐዩን እዮም ነይሮም።—ግብ. 2:41፣ 9:18፣ 16:14, 15, 32, 33

ኣይትደናጐ

9, 10. ብዛዕባ ጥምቀት ካብቲ ኢትዮጵያዊ ጵሮሴሊትን ካብ ሃዋርያ ጳውሎስን እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

9 ግብሪ ሃዋርያት 8:35, 36 ኣንብብ። ቀዳማይ ኣብነት፡ እቲ ኼምልኽ ናብ የሩሳሌም ከይዱ ዚምለስ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ጵሮሴሊት ዝገበሮ እስከ ንርአ። ፊልጶስ ካብ መልኣኽ የሆዋ ብእተዋህቦ መምርሒ፡ ናብቲ ኢትዮጵያዊ ቐሪቡ “ኣበሰሮ።” እሞኸ እቲ ኢትዮጵያዊ እንታይ ገይሩ፧ እቲ ዝገበሮ ነገር፡ ነቲ እተማህሮ ሓቂ ዘለዎ ልባዊ ኣድንቖት ብንጹር ዜርኢ እዩ። ምስ ስርዓት የሆዋ ተሰማሚዑ ኺመላለስ ስለ ዝደለየ፡ ከይተደናጐየ እዩ ተጠሚቑ።

10 ካልኣይ ኣብነት ከኣ፡ እቲ ንክርስትያናት ዚሰጕግ ዝነበረ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ዝገበሮ ንርአ። እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ንኣምላኽ ካብ እተወፈየ ህዝቢ እዩ ተወሊዱ። ኣይሁድ ግና ምስ የሆዋ ዝነበሮም ፍሉይ ርክብ ኣጥፊኦም እዮም ነይሮም። ንሱ ድማ ንስርዓታት ኣይሁድነት ብቕንኣት ይሕሉ ነይሩ እዩ፣ ድሕሪኡ ግና፡ ዝሓሸ መገዲ ተማሂሩ። እወ፡ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአን ክብሪ እተጐናጸፈን የሱስ ክርስቶስ ብብሕቲ ኣዛሪብዎ። እሞኸ እቲ ሰብኣይ እንታይ ገይሩ፧ ኣብ ፈለማ፡ ሃናንያ ኻብ ዝስሙ ክርስትያን ወደ መዝሙር እተዋህቦ ሓገዝ ተቐቢሉ። ድሕሪኡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሰብኣይ፡ “ተንሲኡ እውን ተጠምቀ” ይብለና። (ግብ. 9:17, 18፣ ገላ. 1:14) መሸም፡ እዚ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ እዚ፡ እቲ ደሓር ሃዋርያ ጳውሎስ እተባህለ ምዃኑ ኣለሊኻዮ ትኸውን ኢኻ። ሕጂ ኸነተኵረሉ ዝደለና ግና፡ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ኣድንቖት ምስ ሓደሮ፡ ስጕምቲ ምውሳዱ እዩ። ከይተደናጐየ እዩ ተጠሚቑ።—ግብሪ ሃዋርያት 22:12-16 ኣንብብ።

11. (ሀ) ሎሚ ዘለዉ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንታይ ተደሪኾም እዮም ዚጥመቑ፧ (ለ) ሓደስቲ ሰባት ርእሶም ወፍዮም ኪጥመቑ ኸለዉ፡ ከመይ ይስምዓና፧

11 ሎሚ ዘለዉ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ ንኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ፡ ተመሳሳሊ ስጕምቲ እዮም ዚወስዱ። እቶም እምነት ዘለዎምን ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ልባዊ ኣድንቖት ዘለዎምን፡ ርእሶም ወፍዮም ኪጥመቑ ይህንጠዩ እዮም። እቲ ንዓታቶም ዚቐርብ መደረ፡ ኣብ ኵሉ ኣኼባ ወረዳን ዞባን ጕሉሕ ቦታ እዩ ዚውሃቦ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐቢሉ ናብ ጥምቀት ኪበጽሕ ከሎ፡ ይሕጐሱ እዮም። ክርስትያን ወለዲ፡ ውሉዳቶም ካብቶም ዚጥመቑ ምዃኖምሲ ደስዶ ኣይብሎምን እዩ፧ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2017፡ ካብ 284,000 ዚበዝሑ “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ሰባት ህይወቶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ንምርኣይ ብማይ ተጠሚቖም እዮም። (ግብ. 13:48) እቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ፡ ክርስትያናት ኪጥመቑ ኸም ዘለዎም ተረዲእዎም እዩ። እሞኸ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ እንታይ ስጕምትታት ወሲዶም፧

12. ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጥማቑ፡ እንታይ ስጕምትታት ኪወስድ ኣለዎ፧

12 ሓደ ተምሃራይ ቅድሚ ምጥማቑ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማን ብዛዕባ እቲ ንድሕነቶም ዝገበሮ መሰናድዎን ልክዕ ፍልጠት ኪህልዎ፡ ኣብኡ ተመርኲሱ ድማ እምነት ኬማዕብል ኣለዎ። (1 ጢሞ. 2:3-6) እታ እምነት እቲኣ ድማ ነቲ ንኣምላኽ ዘየሐጕስ ኣካይዳ ሓዲጉ ምስ ቅኑዕ ስርዓታት የሆዋ ተሰማሚዑ ኺመላለስ ትድርኾ። (ግብ. 3:19) ስለዚ ኸኣ እዩ ሓደ ሰብ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብዘየእትዎ ኣካይዳ እናተመላለሰ፡ ንኣምላኽ ቕቡል ብዝዀነ መገዲ ርእሱ ኺውፊ ዘይክእል። (1 ቈረ. 6:9, 10) ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ጠቢቕካ ኣብ ልዕሊ ምስዓብ ግና፡ ተወሳኺ ነገራት የድሊ እዩ። ጽድቂ ዚስዕብ ሰብ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ይእከብ፡ ኣብቲ ህይወት ዜድሕን ዕዮ ስብከትን ምግባር ደቀ መዛሙርትን ከኣ ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ይገብር እዩ። የሱስ፡ ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ዕዮ ኸም ዚዓይይዎ ገሊጹ እዩ። (ግብ. 1:8) ሓደ ሓድሽ ወደ መዝሙር ነዚ ስጕምትታት እዚ ድሕሪ ምውሳዱ ጥራይ እዩ ርእሱ ንየሆዋ ብጸሎት ኪውፊ፡ ወፈያኡ ንሰብ ምእንቲ ኼርኢ ድማ ኪጥመቕ ዚኽእል።

ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኪህልዎም ዘለዎ ሸቶ

ኣገዳስነት ጥምቀት ኣብ ኣእምሮና ሒዝና፡ ንተምሃራይና ንገልጸሉ ዲና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. ንኻልኦት ክንምህር ከለና፡ ሓደ ሰብ ናይ ሓቂ ክርስትያን ንምዃን ኪጥመቕ ከም ዘለዎ ኺንዝክር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

13 ንደቅና ወይ ንኻልኦት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክንሕግዞም ከለና፡ ሓደ ሰብ ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር ንምዃን ኪጥመቕ ከም ዘለዎ ኽንዝክር ኣሎና። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብንጹር እንተ ሒዝናዮ፡ ንተምሃሮና ጽቡቕ ጌርና ኸነረድኦም ኢና። ኣብ ግቡእ ግዜ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ወፈያን ጥምቀትን ካብ ምግላጽ ድሕር ኣይንብልን ኢና። እወ፡ ደቅናን ካልኦት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ናብ ጥምቀት ኪበጽሑ ኢና እንደሊ!

14. ንሓደ እኳ ኺጥመቕ ጸቕጢ ዘይንገብር ስለምንታይ ኢና፧

14 ልክዕ እዩ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ካብ ወለዱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚምህሮ ሰብ፡ ወይ ካብ ዝዀነ ኻልእ ኣባል ጉባኤኡ፡ ኪጥመቕ ጸቕጢ ኸም እተገብረሉ ኺስምዖ የብሉን። ከምኡ ምግባር፡ መገዲ የሆዋ ኣይኰነን። (1 ዮሃ. 4:8) ኣብ ክንዳኡስ፡ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ኽንምህር ከለና፡ ምስ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ምምዕባል ዘለዎ ኣገዳስነት ከነጕልሓሎም ኣሎና። እቲ ተምሃራይ ንሓቂ ዘለዎ ልባዊ ኣድንቖትን ኣርዑት ክርስትያናዊ ወደ መዝሙርነት ኪጸውር ዘለዎ ድሌትን እዩ ኺጥመቕ ዚድርኾ።—2 ቈረ. 5:14, 15

15, 16. (ሀ) ሓደ ሰብ ኪጥመቐሉ ዘለዎ እተወሰነ ዕድመ ኣሎዶ፧ ግለጽ። (ለ) ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ካልእ ሃይማኖት ተጠሚቑ ዝነበረ እኳ እንተ ዀነ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰነ ኺጥመቕ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

15 ሰብ ኪጥመቐሉ ይግባእ ዚብሃል ውሱን ዕድመ የሎን። ነፍሲ ወከፍ ተምሃራይ ብእተፈላለየ ደረጃ እዩ ዚዓብን ዚበስልን። ብዙሓት ብንእስነቶም ይጥመቑ እዮም፣ ድሕሪኡ እውን፡ ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልጊሎምዎ እዮም። ገሊኦም ተምሃሮ ድማ ብዕድመ ምስ ደፍኡ እዮም ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ፈሊጦም ዚጥመቑ፣ አረ ገሊኣቶምሲ ልዕሊ 100 ዓመት ምስ ገበሩ እዩ!

16 ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዳግም ክትጥመቕ ብሓቂ ዜድሊ እንተ ዀይኑ ንመምህራ ሓተተታ፣ እታ ሰበይቲ፡ ኣብ ካልኦት ሃይማኖታት ተጠሚቓ ነይራ እያ፡ ። ስለዚ ድማ፡ እታ ተምሃሪትን መምህራን፡ ነዚ ዚምልከት ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ መርመራ። ሽዑ፡ እታ ተምሃሪት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነማልኦ ዚሓትተና ብቕዓት ተረድኣ፣ ድሕሪኡ፡ ነዊሕ ከይጸንሐት ተጠምቀት። ኣብ መወዳእታ 70ታት ዕድሚኣ እኳ እንተ ነበረት፡ ጥምቀት ከም ዘይምልከታ ዀይኑ ግና ኣይተሰምዓን። እወ፡ ግቡእ ጥምቀት፡ ኣብ ልክዕ ፍልጠት ፍቓድ የሆዋ እተመስረተ እዩ። ስለዚ፡ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ፡ ዋላ እውን ኣብ ካልእ ሃይማኖት ተጠሚቖም ዝነበሩ እንተ ዀኑ፡ ኪጥመቑ ኣለዎም።—ግብሪ ሃዋርያት 19:3-5 ኣንብብ።

17. ኣብ መዓልቲ ጥምቀትካ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ኸተስተንትን ዘሎካ፧

17 መዓልቲ ጥምቀትካ፡ ብሓቂ እትሕጐሰላ መዓልቲ እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብዕምቈት ከተስተንትን ኣሎካ። ከመይሲ፡ ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ንምንባር፡ ኣበርቲዕካ ኽትጽዕር የድልየካ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ የሱስ ንክርስትያናዊ ወደ መዝሙርነት ምስ ኣርዑት ዘመሳሰሎ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ “ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንስአን እምበር፡ ደጊም ንርእሶም [ኣይነብሩን]” እዮም።—2 ቈረ. 5:15፣ ማቴ. 16:24

18. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

18 ኣደ ማሪያ ነቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ሕቶታት ክትሓትት ከላ፡ ብዛዕባ እቲ ጥምቀት ዘለዎ ርዝነት እያ እትሓስብ ነይራ። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ‘ብሓቂዶ ውሉደይ ኪጥመቕ ተዳልዩ እዩ፧ ርእሱ ኺውፊ ዜኽእል እኹል ፍልጠት ኣለዎዶ፧ ብዛዕባ ትምህርቱን ስራሑን ዘለዎ ሸቶታትከ ኸመይ እዩ ኺገብር፧ ምስ ተጠምቀ፡ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ገይሩኸ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነዚ ኽንምርምሮ ኢና፣ ክርስትያን ወለዲ ብዛዕባ ጥምቀት ከመይ ገይሮም ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸም ዚሕዙ ድማ ክንርኢ ኢና።