ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕያውነት—ከመይ ጌርካ ኸተማዕብላ ትኽእል፧

ሕያውነት—ከመይ ጌርካ ኸተማዕብላ ትኽእል፧

ነፍሲ ወከፍና ብተፈጥሮና ሕያዎት ሰባት ክንከውን ኢና እንደሊ። ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለም ግና ሕያዋይ ምዃን ቀሊል ኣይኰነን። ብዙሓት ሰባት “ሰናይ ዘይፈትዉ” እዮም። (2 ጢሞ. 3:3) ናይ ርእሶም መለክዒታት ቅኑዕን ጌጋን ይስዕቡ እዮም፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ “ንጽቡቕሲ ኽፉእ፡ ንኽፉእ ከኣ ጽቡቕ” ይብሉ እዮም። (ኢሳ. 5:20) ብዘይካዚ፡ ኵላትና ምስ ኣተዓባብያናን ዘይፍጽምናናን ንቃለስ ኢና። ኣን * ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት የሸግራ ነይሩ እዩ፣ ንሳ ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ዘገልገለት ክነሳ፡ “‘ሕያወይቲ ክኸውን እኽእል እየ’ ኢለ ምእማን የጸግመኒ እዩ” ኢላ ተኣሚና ኣላ።

ኵላትና ግና ሕያውነት ከነማዕብል ንኽእል ኢና! ነዛ ባህርይ እዚኣ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኢና ኸነፍርያ እንኽእል፣ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ካብ ዝዀነ ይኹን ዜጋጥመና ደጋዊ ወይ ውሽጣዊ ዕንቅፋት ይሕይል እዩ። እምበኣር፡ ሕያውነት እንታይ ማለት ምዃና ብደቂቕ ንመርምር፣ ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸመይ ጌርና ብዝያዳ ኸነማዕብላ ኸም እንኽእል እውን ንርአ።

ሕያውነት እንታይ እያ፧

ሕያውነት ብሓጺሩ ንጽቡቕ ወይ ንሰናይ ባህርይ ተመልክት። ካብ ክፍኣት ወይ ካብ ብልሽውና ናጻ ንዝዀነ ዚንኣድ ባህርይ ከኣ ተጠቓልል። ሕያውነት በቲ ንሰባት ዚግበረሎም ጠቓሚ ነገር እያ እትግሃድ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሕያዋይ ሰብ ብተግባሩ ንሰባት ይሕግዝ እዩ።

ገሊኦም ሰባት ንስድራ ቤቶምን ንፈተውቶምን ጽቡቕ ወይ ሰናይ ነገር ኪገብሩ ንርኢ ኢና። ይኹን እምበር፡ ሕያውነት በዚ ጥራይ ድያ ኸተብቅዕ ዘለዋ፧ ዋላ ሓዴና ነዛ ባህርይ እዚኣ ፍጹም ብዝዀነ ደረጃ ኣብ ህይወትና ኸነርእያ ኣይንኽእልን ኢና። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ወትሩ ጽቡቕ ዚገብርን ከቶ ዘይሓጥእን ጻድቕሲ ኣብ ምድሪ የልቦን” ይብል እዩ። (መክ. 7:20) ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ፡ “ኣባይ፡ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዘይሓድር እፈልጥ እየ” ኢሉ ተኣሚኑ እዩ። (ሮሜ 7:18) እምበኣር፡ ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸነማዕብላ እንተ ደሊና፡ ካብቲ ምንጪ ሕያውነት ኽንምሃር ኣሎና።

“የሆዋ . . . ሕያዋይ እዩ”

የሆዋ ኣምላኽ፡ ሕያውነት ወይ ጽቡቕ ተግባር ብኸመይ ኪልካዕ ከም ዚግባእ ሰሪዑ ኣሎ። ብዛዕባኡ ድማ፡ “ንስኻ ሕያዋይ ኢኻ፡ ግብርታትካ እውን ጽቡቕ እዩ። ስርዓታትካ ምሃረኒ” ዚብል ነንብብ ኢና። (መዝ. 119:68) እምበኣር፡ ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ ተጠቒሱ ዚርከብ ክልተ መዳይ ሕያውነት የሆዋ እስከ ንመርምር።

የሆዋ ሕያዋይ እዩ። ሕያውነት ዘይንጸል ክፍሊ ባህርያት የሆዋ እዩ። የሆዋ ንሙሴ፡ “ኵሉ ሕያውነተይ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸሕልፍ እየ” ምስ በሎ እንታይ ከም ዝዀነ እሞ ንርአ። ክብሪ የሆዋ፡ እንተላይ ሕያውነቱ ኺሓልፍ ከሎ፡ “የሆዋ፡ የሆዋ፡ መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን፡ ንኣሽሓት ብተኣማንነት ዜፍቅር፡ ስሕተትን ኣበሳን ሓጢኣትን ዚሓድግ፡ ግናኸ ንበዳሊ ኸይቀጽዐ ዘይሓድግ” ዚብል ቃላት ኪእወጅ ከሎ ሙሴ ሰሚዑ እዩ። (ዘጸ. 33:19፣ 34:6, 7) እምበኣር፡ ሕያውነት ኣብ ኵሉ ባህርያት የሆዋ ይንጸባረቕ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ የሱስ ብሉጽ ኣብነት ሕያውነት እኳ እንተ ነበረ፡ “ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ፡ ሕያዋይ የልቦን” ኢሉ እተዛረበ።—ሉቃ. 18:19

የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ፡ ኣብ ፍጥረት ንርእዮ ኢና

ሕያውነት የሆዋ ኣብ ግብርታቱ ይርአ። ኣብ ኵሉ ግብርታት የሆዋ፡ ሕያውነት ይርአ እዩ። “የሆዋ ንዅሉ ሕያዋይ እዩ፣ ምሕረቱ ድማ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ ይርአ።” (መዝ. 145:9) የሆዋ ብዘይ ኣፈላላይ ሕያውነቱ የርኢ እዩ፣ ንሰባት ከኣ ህይወትን ኵሉ እቲ ብህይወት ንምንባር ዜድልዮምን ይህቦም እዩ። (ግብ. 14:17) ይቕረ ኺብለልና ኸሎ እውን ሕያውነቱ ይርአ እዩ። ሓደ ዘማሪ፡ “ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ሕያዋይን ንይቕረታ ድልውን ኢኻ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መዝ. 86:5) ሓደ ርግጸኛታት እንዀነሉ ነገር ኣሎ፦ “የሆዋ ነቶም ብንጽህና ዚመላለሱ፡ ጽቡቕ ዘበለ ኣይከልኦምን እዩ።”—መዝ. 84:11

“ምግባር ጽቡቕ ተምሃሩ”

ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና፡ ሕያዎት ንምዃን ወይ ጽቡቕ ንምግባር ዓቕሚ ኣሎና። (ዘፍ. 1:27) ይኹን እምበር፡ ቃል ኣምላኽ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ “ምግባር ጽቡቕ ተምሃሩ” ኢሉ ይምሕጸኖም እዩ። (ኢሳ. 1:17) ግናኸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ነዛ ባህ እተብል ባህርይ እዚኣ ኸነማዕብላ እንኽእል፧ ሰለስተ መገዲ እስከ ንርአ።

ቀዳማይ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና፣ እዚ ኸኣ ንክርስትያናት፡ ናይ ሓቂ ሕያውነት ኬማዕብሉ ይሕግዞም እዩ። (ገላ. 5:22) እወ፡ መንፈስ ኣምላኽ፡ ሰናይ ክንፈቱ፡ እከይ ከኣ ክንጸልእ ይሕግዘና እዩ። (ሮሜ 12:9) የሆዋ “ብዅሉ ሰናይ ግብርን ብቓልን” ኬጽንዓና ኸም ዚኽእል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—2 ተሰ. 2:16, 17

ካልኣይ፡ ነቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ከነንብቦ ኣሎና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ የሆዋ “መገዲ ዅሉ ሰናይ ዘበለ” ይምህረና፡ “ንሰናይ ግብሪ ዘበለ” እውን ብቑዓት ይገብረና እዩ። (ምሳ. 2:9፣ 2 ጢሞ. 3:17) ቃል ኣምላኽ እንተ ኣንቢብናን እንተ ኣስተንቲንናሉን፡ ንልብና በቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ፍቓዱን ዚገልጽ ሰናይ ነገራት ንመልኦ ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነቲ መዝገብ ልብና ጽቡቕ ስለ እንውስኸሉ፡ ጸኒሕና ኻብኡ ጽቡቕ ከነውጽእ ንኽእል ኢና።—ሉቃ. 6:45፣ ኤፌ. 5:9

ሳልሳይ፡ ‘ነቲ ሰናይ ንምስዓብ’ ዚከኣለና ንጽዕር ኢና። (3 ዮሃ. 11) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክንስዕቦም ዘሎና ኣብነታት ንረክብ ኢና። ልክዕ እዩ፡ የሆዋን የሱስን ብሉጽ ኣብነት ይዀኑና እዮም። ኰይኑ ግና፡ ብሕያውነቶም ንዚፍለጡ ኻልኦት ኣብነታት እውን ክንመስሎም ንኽእል ኢና። ካባታቶም ከኣ ንጣቢታን ንበርናባስን ንዝክር ንኸውን። (ግብ. 9:36፣ 11:22-24) ነቲ ጽቡቕ ኣብነቶም ብምምርማር ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ፣ ንሰባት ንምሕጋዝ እንታይ ከም ዝገበሩ እውን ከተተኵረሉ ትኽእል ኢኻ። ንኣባላት ስድራ ቤትካ ወይ ጉባኤኻ ብተበግሶኻ ንምሕጋዝ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ሕሰበሉ። ጣቢታን በርናባስን ሕያዎት ብምዃኖም እንታይ ጥቕሚ ኸም ዝረኸቡ ድማ ኣስተብህለሉ። ንስኻ እውን ብተመሳሳሊ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሕያዎት እውን ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቶም ‘ሰናይ ዚፈትዉ’ ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ሽማግለታት እሞ ሕሰብ። ብቓልን ብኣብነትን “መሃርቲ ሰናይ” ንዝዀና እሙናት ኣሓት እውን ኣይትረስዓየን። (ቲቶ. 1:8፣ 2:3) ሮስሊን ዝስማ ሓብቲ፡ “መሓዛይ ኣብ ጉባኤና ንዘለዉ ሰባት ንምሕጋዝን ንምትብባዕን ዘይትገብሮ ጻዕሪ የብላን። ብዛዕባ ዅነታቶም ትሓስብ፡ ብዙሕ ግዜ እውን ንኣሽቱ ህያባት ትህቦም ወይ ብግብራዊ መገድታት ትሕግዞም እያ። ብሓቂ ሕያወይቲ ኸም ዝዀነት ገይረ እየ ዝርእያ” ትብል።

የሆዋ ንህዝቡ፡ “ጽቡቕ ድለዩ” ኢሉ የተባብዖም እዩ። (ኣሞ. 5:14) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንመለክዒታቱ ንፈትዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጽቡቕ ንምግባር ዘሎና ድራኸ እውን ይውስኽ እዩ።

ሕያዎት ንምዃንን ሰናይ ንምግባርን ንጽዕር ኢና

ጽቡቕ ንምግባር፡ ዓብዪ ነገር ክንገብር ወይ ዜደንቕ መስዋእቲ ኽንከፍል ከም ዜድሊ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ሓደ ስነ ጥበበኛ ብሓደ ወይ ብኽልተ ሕንጻጽ ገይሩ ምስሊ ሰብ ኪስእል ይኽእል ድዩ፧ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ሰብ ንምስኣል በቲ መስኣሊኡ ገይሩ ብዙሕ ሕንጻጻት ኪቐብእ የድልዮ እዩ። ብተመሳሳሊ ኸኣ፡ ሕያውነትና ብብዙሕ ሰናይ ተግባራት ኪርአ ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሰናይ ግብሪ ‘ድሉዋት’ ክንከውን ይምሕጸነና እዩ። (2 ጢሞ. 2:21፣ ቲቶ. 3:1) ንኻልኦት እንታይ የጋጥሞም ከም ዘሎ ነቕልብ እንተ ዄንና፡ ‘ንብጻይና ምእንቲ ኽንሃንጾ፡ ብሰናይ ባህ እነብለሉ’ መገድታት ክንርኢ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 15:2) እዚ ኸኣ ዘሎና ምክፋል ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። (ምሳ. 3:27) ንሓደ ሰብ ምሳሕ ወይ ድራር ክንዕድሞ፡ ወይ ድማ ምስኡ ሃናጺ ግዜ ኸነሕልፍ ንኽእል ኢና። እንፈልጦ ሰብ እንተ ሓሚሙ፡ ካርድ ክንሰድደሉ፡ ክንበጽሖ፡ ወይ ክንድውለሉ ንኽእል ኢና። እወ፡ “ንሰማዕቱ ምእንቲ ኺጠቅምሲ፡ ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል” እነውስኣሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክንረክብ ንኽእል ኢና።—ኤፌ. 4:29

ከም የሆዋ፡ ንዅሉ ሰብ ኢና ሰናይ ክንገብር እንጽዕር። ስለዚ፡ ንሰባት ብዘይ ኣድልዎ ኢና እንሕዞም። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ እንገብረሉ ብሉጽ መገዲ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ብምስባኽ እዩ። ከምቲ የሱስ ዝኣዘዘና፡ ዋላ እውን ነቶም ዚጸልኡና ጽቡቕ ክንገብር ንጽዕር ኢና። (ሉቃ. 6:27) ሕያዋይ ምዃንን ንሰባት ጽቡቕ ምግባርን ከቶ ጌጋ ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ “ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን።” (ገላ. 5:22, 23) ተቓውሞ ወይ መከራ እናኣጋጠመና ኽነሱ ሰናይ ንገብር እንተ ዄንና፡ ንኻልኦት ሰባት ናብ ሓቂ ኽንስሕቦምን ንኣምላኽ ከነኽብሮን ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 3:16, 17

ሕያውነት ዓስቢ ኣለዋ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕያዋይ ሰብ . . . ዓስቢ ተግባራቱ ይዓጽድ” ይብል። (ምሳ. 14:14) ገለ ኻብቲ ዓስቢ እንታይ እዩ፧ ንሰባት ጽቡቕ ንገብር እንተ ዄንና፡ ንሳቶም እውን መብዛሕትኡ ግዜ ውሬታ ይመልሱ እዮም። (ምሳ. 14:22) ዋላ እውን ውሬታ እንተ ዘይመለሱልና፡ ጸኒዕና ሰናይ ንገብር እንተ ዄንና፡ ንኣረኣእያኦም ከነለስልሶን ነቲ ተሪር ባህርዮም ከነምክኾን ንኽእል ንኸውን።—ሮሜ 12:20፡ እ.ጽ.።

ብዙሓት ሰባት ሰናይ ብምግባሮምን ካብ ክፉእ ብምርሓቖምን ከም እተጠቕሙ ኺምስክሩ ይኽእሉ እዮም። ተመክሮ ናንሲ እስከ ንርአ። ንሳ፡ “ክዓቢ ኸለኹ፡ ፋሉልን በዓለገን ስድን እየ ነይረ” ኢላ ትእመን። ኣስዕብ ኣቢላ ኸኣ፡ “የሆዋ ጽቡቕ ዚብሎ እንታይ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩን ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዓልክዎን ግና፡ ብዝያዳ ኽሕጐስ ጀሚረ። ሕጂ፡ ንርእሰይ ኣኽብሮት ኣሎኒ” ትብል።

ሕያውነት ንምምዕባል ዚድርኸና ልዕሊ ዅሉ ዝዓበየ ምኽንያት፡ ከምኡ ምግባር ንየሆዋ ስለ ዜሐጕሶ እዩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ እንገብሮ እኳ እንተ ዘይረኣይዎ፡ የሆዋ ግና ይርእዮ እዩ። ንዅሉ ሰናይ ተግባርናን ንጽቡቕ ሓሳብናን ይፈልጦ እዩ። (ኤፌ. 6:7, 8) እዚኸ እንታይ የፍርየልና፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕያዋይ ሰብ ብየሆዋ ተቐባልነት ይረክብ” ይብል። (ምሳ. 12:2) እምበኣር፡ ሕያውነት ነማዕብል። የሆዋ፡ “ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ . . . ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሃቦ እዩ” ኢሉ ኣተስፍዩና ኣሎ።—ሮሜ 2:10

^ ሕ.ጽ. 2 ገሊኡ ስማት ተቐይሩ እዩ።