ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሚያዝያ 2016

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 30 ግንቦት ክሳዕ 26 ሰነ 2016 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ኣገልግሎትካ ኸም ኣውሊ ድዩ፧

ንጥፈታት ስብከትካ ቐስ ኢሉ ዜረስርስን መንፈስ ዜሐድስን ህይወት ዚህብን ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ተኣማንነት ናብ ስምረት ኣምላኽ ይመርሕ

ክርስትያናት ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ ይፍታሕን ጓሉን እንታይ ይምሃሩ፧

ንናይ ምሕሳብ ክእለትካ ብጥበብ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧

ናብ ሽግር ኬእትወካ ወይ ዝሓሸካ ኺገብረካ ይኽእል እዩ።

“ተጻዋርነት ዕዮኣ ትፈጽም”

ተጻዋርነትካ ኺፍተን ከሎ፡እንታይ ጕዳይ እዩ ዚለዓል፧ ብርታዐ ኺህቡኻ ዚኽእሉ ብሉጻት ኣብነታት ተጻዋርነትከ መነመን እዮም፧

ንኣምልኾ ኽንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ኣኼባ ምእካብካ ንዓኻን ንኻልኦትን ንየሆዋን የጸሉ። ከመይ ከም ዚጸልዎም ትፈልጥዶ፧

ታሪኽ ህይወት

ቀደም ፈለስቲ፡ ሕጂ ግና ናይ ሓቂ መንፈሳውያን ኣሓት

ካብ ማሕበር ደናግሊ ኪወጻን ሃይማኖት ካቶሊክ ኪሓድጋኦን ዝደረኸን እንታይ እዩ፧

ኣብዛ እተኸፋፈለት ዓለም ገለልትነትካ ሓሉ

ኣብ ገለልተኛ ንምዃን ዝገበርካዮ መትከል ዘይተጸበኻዮ ብድሆታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ኣርባዕተ ነገራት ኪሕግዘካ ይኽእል።

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ነፍሲ ወከፍ ቅቡእ ክርስትያን ካብ ኣምላኽ ዚቕበሎ “ዕርቡን”ን “ማሕተም”ን እንታይ እዩ፧