ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተኣማንነት ናብ ስምረት ኣምላኽ ይመርሕ

ተኣማንነት ናብ ስምረት ኣምላኽ ይመርሕ

‘ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነቲ ተስፋታት ዚወርስዎ ምሰልዎም።’—እብ. 6:12

መዝሙር፦ 3, 54

1, 2. ይፍታሕን ጓሉን እንታይ ብድሆ እዩ ኣጋጢምዎም፧

ኣብ መወዳእታ፡ ሻቕሎታ ኣብቅዐ። ኣቦኣ ኻብ ውግእ ብደሓን ምምላሱ ስለ ዘሐጐሳ፡ ሰላም ክትብሎን በቲ ዜደንቕ ዓወቱ ኽትሕጐስን ናብኡ ጐየየት። ምስኣ ተሓጒሱ ኣብ ክንዲ ዚዝምርን ዚስዕስዕን ግና፡ ነቲ ብውግእ ዝረስሐ ኽዳኑ ቐዲዱ፡ “ኣየ፡ ጓለየ! . . . ልበይ ሴርክዮ” በላ። ድሕሪኡ፡ ንህይወታ ንሓዋሩ ዝቐየረ፡ ነቲ ንቡር ህይወት ኪህልዋ ዝነበራ ትምኒትን ተስፋን ድማ በኒኑ ኸም ዚተርፍ ዝገበረ ቓላት ኣውስአ። ንሳ ግና ከይተወላወለት ንኣቦኣ ጽቡቕ ምላሽ ሃበቶ፣ ከምቲ ንየሆዋ እተመባጽዖ ኺገብር ድማ ኣተባብዓቶ። ቃላታ ነታ ዓባይ እምነታ ዚገልጽ እዩ ነይሩ። የሆዋ ኻብኣ ዚሓትቶ ዘበለ ዅሉ ንጽቡቓ ምዃኑ ትኣምን ነበረት። (መሳ. 11:34-37) ኣቦኣ ኸኣ፡ እቲ ጓሉ ንውሳነኡ ንምድጋፍ ዝነበራ ፍቓደኛነት፡ ስምረት የሆዋ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጠ፡ ልቡ ብሓበን መልአ።

2 ይፍታሕን እታ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበራ ጓሉን ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ ኣብ መገዲ የሆዋ ትውክልትን እምንቶን ነይርዎም እዩ። ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ፡ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ኪኸፍሉ ኸም ዚግብኦም እዮም ዚኣምኑ ነይሮም።

3. ኣብነት ይፍታሕን ጓሉን ሎሚ ሓጋዚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

3 ንየሆዋ እሙን ምዃን ወትሩ ቐሊል ከም ዘይኰነ ንፈልጥ ኢና። ከም ሓቂ፡ ‘ንእምነት ክንጋደል’ ኣሎና። (ይሁ. 3) ከምኡ ንምግባር፡ ይፍታሕን ጓሉን ብዓወት ዝሰገርዎ ብድሆታት እስከ ንርአ። ከመይ ገይሮም እዮም ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ኪጸንዑ ዝኸኣሉ፧

ዓለማዊ ጽልዋታት እናሃለወ ኽነሱ፡ እሙን ምዃን

4, 5. (ሀ) እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ፡ የሆዋ እንታይ ትእዛዝ እዩ ሂብዎም፧ (ለ) ብመሰረት መዝሙር 106፡ እስራኤላውያን ዘይእዙዛት ብምዃኖም እንታይ እዩ ኣስዒቡሎም፧

4 ይፍታሕን ጓሉን መዓልቲ መዓልቲ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ እሙን ዘይምዃን ዜምጽኦ ሕማቕ ሳዕቤናት ይዝክሩ ነይሮም እዮም። ቅድሚኡ 300 ዓመት ይገብር፡ ኣቦታቶም ነቶም ኣብታ ምድሪ ተስፋ ዝነበሩ ዅሎም ኣረማውያን ኬጽንትዎም ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 7:1-4) እስራኤላውያን ብዘይምእዛዞም ግና፡ ብዙሓት ነቲ ሓጥእ መገድታት ከነኣናውያን ስዒቦም፡ ብናይ ሓሶት ኣማልኽትን ብርኹስ ተግባራትን ከኣ ተፈንጢሮም እዮም።—መዝሙር 106:34-39 ኣንብብ።

5 ብሰንኪ እቲ ዕልወት እቲ ኸኣ ስምረት የሆዋ ስኢኖም እዮም፣ ስለዚ፡ ደጊም ኣየዕቈቦምን። (መሳ. 2:1-3, 11-15፣ መዝ. 106:40-43) ኣብቲ ጽንኩር ዓመታት እቲ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ስድራ ቤታት ንየሆዋ እሙናት ንምዃን ብዙሕ በዲህወን ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ስምረት ኣምላኽ ኪረኽቡ ዝቈረጹ፡ ከም እኒ ይፍታሕን ጓሉን ኤልቃናን ሃናን ሳሙኤልን ዝኣመሰሉ እሙናት ከም ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—1 ሳሙ. 1:20-28፣ 2:26

6. ሎሚ እንታይ ጽልዋታት ዓለም ኣሎ፧ ንሕናኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

6 ሎሚ ምስቲ ኣብ ጥንታዊት ከነኣን ዝነበሩ ሰባት ዚመሳሰል ተግባራትን መገድታትን ዚስዕቡ ኣብ ዝመልእዋ ዓለም ኢና ዘለና። ጾታዊ ርኽሰትን ዓመጻን ኣኽቢርካ ይርአ፡ ፍቕረ ንዋይ እውን የስፋሕፍሕ ኣሎ። የሆዋ ኸምቲ ንእስራኤላውያን ዘጠንቀቖም፡ ንዓና እውን ካብዚ ጽልዋታት እዚ ኺሕልወና ኢሉ ንጹር መጠንቀቕታታት ሂቡና ኣሎ። እሞኸ ኻብ ጌጋታት እስራኤላውያን ክንምሃር ዲና፧ (1 ቈረ. 10:6-11) ዝዀነ ይኹን ኣተሓሳስባ ከነኣናውያን ንምውጋድ ክንጽዕር ኣሎና። (ሮሜ 12:2) ከምኡ ንምግባር ብተኣማንነት ጻዕሪ ንገብርዶ ኣለና፧

ዜጕሂ ነገራት እናሃለወ ኽነሱ፡ እሙን ምዃን

7. (ሀ) ይፍታሕ ካብ ገዛእ ህዝቡ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧ (ለ) ይፍታሕ ግና እንታይ ገበረ፧

7 ብዘመን ይፍታሕ፡ እስራኤላውያን ዘይእዙዛት ብምንባሮም፡ ባሮት ፍልስጥኤማውያንን ዓሞናውያንን ኰይኖም ነይሮም እዮም። (መሳ. 10:7, 8) ይኹን እምበር፡ ንይፍታሕ ካብቶም ጸላእቲ ዝዀኑ ኣህዛብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣሓዋቱን መራሕቲ እስራኤልን እውን ብድሆታት ኣጋጢምዎ እዩ። እቶም ብኣቦ ኣሕዋቱ ብቕንእን ብጽልእን ተላዒሎም፡ ከም በዅሪ መጠን ዚግብኦ ርስቲ ኸልከልዎ። (መሳ. 11:1-3) ይፍታሕ ግና እቲ ሕሱም ተግባሮም ንኣረኣእያኡ ኺቈጻጸሮ ኣይፈቐደን። ነቲ ዓበይቲ ህዝቡ ኺረድኦም ዘቕረቡሉ ልማኖ ብሕነ ምፍዳይ ተለዓዒሉ ኣብ ክንዲ ዚጐስዮ፡ ከይዱ ረድኦም። (መሳ. 11:4-11) ይፍታሕ ከም መንፈሳዊ ሰብ ስጕምቲ ኺወስድ ዝደረኾ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

8, 9. (ሀ) ኣብ ሕጊ ሙሴ ዚርከብ እንታይ ስርዓታት እዩ ንይፍታሕ ዝሓገዞ፧ (ለ) ኣብ ኣዒንቲ ይፍታሕ ዝያዳ ኣገዳስነት ዝነበሮ እንታይ እዩ፧

8 ይፍታሕ ሓያል ጅግና ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ፣ ነቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ዝገበረሎም ነገር እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ ታሪኽ እስራኤል ዝነበሮ ሰፊሕ ፍልጠት፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕን ጌጋን ኬለሊ ሓጊዝዎ እዩ። (መሳ. 11:12-27) ኣብ ሕጊ ሙሴ ዝነበረ ስርዓታት ኣምላኽ ንኣተሓሳስባን ንልብን ይፍታሕ ቀሪጽዎ እዩ። ቂም ምሓዝ ንየሆዋ ኸም ዘየሐጕሶ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ የግዳስ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ፡ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ እዩ ዚደልዮም። ብዘይካዚ እውን፡ ብጻይካ ኺሽገር ከሎ፡ እንተላይ “ጸላኢኻ” ኺሽገር ከሎ፡ ዕሽሽ ኪትብሎ ኸም ዘይብልካ፡ ሕጊ ሙሴ ይምህር ነይሩ እዩ።—ዘጸኣት 23:5፣ ዘሌዋውያን 19:17, 18 ኣንብብ።

9 ከምቲ ነቶም ‘ኪጸልእዎ ዝጀመሩ’ ኣሕዋቱ ዝመሓሮም ዮሴፍ ዝኣመሰሉ እሙናት፡ ነቲ ይፍታሕ ዝሃቦ ምላሽ ጸልዮምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ዘፍ. 37:4፣ 45:4, 5) ይፍታሕ ብዛዕባ ኸምዚ ዝበለ ኣብነታት ምስትንታኑ፡ ንየሆዋ ባህ ዜብል ስጕምቲ ኺወስድ ሓጊዝዎ ኪኸውን ኣለዎ። ተግባር ኣሕዋቱ ብዙሕ እኳ እንተ ጐድኦ፡ ንየሆዋን ንህዝቡን ካብ ምግልጋል ግና ድሕር ኣይበለን። (መሳ. 11:9) ኣብ ኣዒንቲ ይፍታሕ፡ ንስም የሆዋ ንምክልኻል ዚግበር ቃልሲ፡ ካብ ብሕታዊ ግጭት ዚዛይድ ኣገዳስነት ነበሮ። ንየሆዋ እሙን ንምዃን ቈሪጹ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ንዕኡን ንኻልኦትን ጽቡቕ ነገር ኣፍረየ።—እብ. 11:32, 33

10. ከም ክርስትያን ኴንና ምእንቲ ኽንውስን፡ ስርዓታት ኣምላኽ ብኸመይ ይሕግዘና፧

10 ኣብነት ይፍታሕ ንልብና ኺትንክዮ ኽንፈቅድ ዲና፧ ምናልባት ብገሊኦም ክርስትያን ኣሕዋትና ጕሂና ወይ ተገፊዕና ንኸውን። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙና፡ እዚ ብድሆታት እዚ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ከም ዘይንእከብ፡ ንየሆዋ ኸም ዘይነገልግሎ፡ ወይ ምስ ጉባኤና ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይንሓብር ዚገብር ዕንቅፋት ኪኸውን ከነፍቅድ ኣይግባእን። ኣብነት ይፍታሕ ብምስዓብ፡ ብስርዓታት ኣምላኽ ንሕማቕ ኵነታት ክንሰግርን ሰናይ ንምግባር ክንድረኽን ንኽእል ኢና።—ሮሜ 12:20, 21፣ ቈሎ. 3:13

ብፍታው እንገብሮ መስዋእቲ፡ እምነትና የርኢ

11, 12. ይፍታሕ እንታይ ኢሉ ተመባጽዐ፧ እዚኸ እንታይ ማለት ነበረ፧

11 ይፍታሕ ንእስራኤል ካብ ዓሞናውያን ሓራ ንምውጻእ ሓገዝ ኣምላኽ ከም ዜድልዮ ተገንዘበ። የሆዋ ዓወት እንተ ሂብዎ ድማ፡ ካብ ውግእ ምስ ተመልሰ ኻብ ቤቱ ኪቕበሎ ዚወጽእ ቀዳማይ ሰብ “ዚሓርር መስዋእቲ” ገይሩ ንየሆዋ ኬቕርቦ ምዃኑ ተመባጽዐ። (መሳ. 11:30, 31) እዚ እንታይ ማለት ነበረ፧

12 ንሰብ መስዋእቲ ምግባር፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍንፉን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ይፍታሕ ቃል ብቓሉ ንሰብ መስዋእቲ ኺገብር ማለቱ ዘይምንባሩ ንጹር እዩ ነይሩ። (ዘዳ. 18:9, 10) ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ እዩ ዚውሃብ ነይሩ፣ ስለዚ፡ ይፍታሕ ነቲ ሰብ እቲ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ጥራይ ኪኸውን ከም ዚውፍዮ ይገልጽ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ መብጽዓ እዚ እምበኣር፡ እቲ ሰብ ኣብ ማሕደር የሆዋ ንሓዋሩ ኸም ዜገልግል እዩ ዚእምት ነይሩ። የሆዋ ነቲ ይፍታሕ እተመባጽዖ ተቐቢሉ፡ ዜደንቕ ዓወት ሃቦ፣ ንሱ ድማ ንጸላእቱ ወቕዖምን ኣምበርከኾምን። (መሳ. 11:32, 33) እቲ “ዚሓርር መስዋእቲ” ዀይኑ ንኣምላኽ ዚቐርብ ሰብ ግና መን ኰን እዩ ነይሩ፧

13, 14. ኣብ መሳፍንቲ 11:35 ዚርከብ ቃላት ይፍታሕ፡ ብዛዕባ እምነቱ እንታይ ይገልጽ፧

13 ነቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሰ ነገር እሞ ዘክሮ። ይፍታሕ ካብ ውግእ ምስ ተመልሰ፡ እታ ዚፈትዋ ሓንቲ በይና ውሉዱ እያ ኽትቅበሎ ወጺኣ! እዚ ፈተና ዀኖ። ቃሉ ሓልዩ ጓሉ ዝተረፈ ህይወታ ኣብቲ ማሕደር ከተገልግል ይህብ ደዀን ይኸውን፧

14 ኣብዚ እውን፡ ይፍታሕ ቅኑዕ ምርጫ ንምግባር፡ ብስርዓታት ኣምላኽ ተሓጊዙ ኪኸውን ኣለዎ። ምናልባት ነቲ ኣብ ዘጸኣት 23:19 ዚርከብ፡ እስራኤላውያን እቲ ዝበለጸ ኺህቡ ዚእዝዝ ቃላት ዘኪሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ “ሰብ ንየሆዋ መብጽዓ እንተ ተመባጺዑ፡ . . . ቃሉ ኣየፍርስ። ንዅሉ እቲ ኺገብሮ እተመባጽዖ ይግበሮ” ዚብል ኣብቲ ሕጊ ዚርከብ ቃላት፡ ሰብ ምስ ተመባጽዐ፡ ናይ ግድን ኪፍጽሞ ኸም ዘለዎ ዚሕብር እዩ ነይሩ። (ዘሁ. 30:2) ይፍታሕ መብጽዓኡ ንመጻኢኡን ንመጻኢ ጓሉን እንታይ ማለት ምዃኑ እናፈለጠ ኽነሱ፡ ከምታ ብግዜኡ ዝነበረት ክትከውን እትኽእል እምንቲ ሃና፡ መብጽዓኡ ኺፍጽም ነበሮ። ካልእ ውሉድ ኣይነበሮን፣ ኣብ እስራኤል ስሙን ርስቱን ከም ዘይርሳዕ ክትገብር እትኽእል ሓንቲ ጓል ጥራይ እያ ነይራቶ። (መሳ. 11:34) ይኹን እምበር፡ መሳፍንቲ 11:35፡ “ናብ የሆዋ ኣፈይ ከፊተ እየ፡ ክመልሶ ድማ ኣይክእልን እየ” ብዚብል ቃላት ይፍታሕ እያ እትዛዝም። ብብሕቱ ብዙሕ ኣብ ዜኽፍሎ እዋን እኳ እሙን ምዃኑ፡ ስምረትን በረኸትን ኣምላኽ ኪረክብ ክኢሉ እዩ። ንስኻኸ ኸምኡ ዓይነት ምርጫ ምገበርካዶ፧

15. መብዛሕትና እንታይ መብጽዓ ኢና እተመባጻዕና፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና እሙናት ክንከውን እንኽእል፧

15 ህይወትና ንየሆዋ ኽንውፊ ኸለና፡ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ ፍቓዱ ኸም እንገብር ኢና ተመባጺዕና። ነቲ መብጽዓና ሓሊና ንምምልላስ፡ ጥቕሚ ርእስና ኽንስውእ ከም ዘሎና ንፈልጥ ኔርና ኢና። ዘይንፈትዎ ነገር ክንገብር ምስ እንሕተት ግና፡ ፍቓደኛነትና ብዝያዳ ይፍተን እዩ። ከምዚ ዝበለ መስዋእቲ ምስ እንኸፍልን ዋላ እውን ኣብ ዘይጥዕመና ዅነታት ንኣምላኽ ምስ እነገልግሎን፡ እሙናት ምዃንና ነርኢ። እዚ ዜምጽኦ በረኸት ከኣ፡ ካብቲ እንኸፍሎ መስዋእቲ ኣጸቢቑ ዚዓቢ እዩ። (ሚል. 3:10) ጓል ይፍታሕ ግና እንታይ እያ ዝገበረት፧

ከም ናይ ይፍታሕን ጓሉን ዝበለት እምነት ከመይ ጌርና ኸነርኢ ንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16, 17 ርአ)

16. ጓል ይፍታሕ ነቲ ኣቦኣ ዝኣተወ መብጽዓ እንታይ ምላሽ ሃበት፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

16 ጓል ይፍታሕ ነቲ ኣቦኣ ዝገበሮ መብጽዓ ዜስዕቦ ነገራት ብቐሊሉ ኽትቅበሎ እትኽእል ኣይነበረን። እዚ ኻብቲ ሃና እተመባጽዓቶ መብጽዓ እተፈልየ እዩ ነይሩ፣ ሃና ንሳሙኤል ኣብቲ ማሕደር ናዝራዊ ዀይኑ ኼገልግል እያ ወፍያቶ። (1 ሳሙ. 1:11) ናዝራዊ ኸኣ ኪምርዖን ስድራ ቤት ኪህልዎን ይኽእል ነይሩ እዩ። ጓል ይፍታሕ ግና ምሉእ “ዚሓርር መስዋእቲ” እያ ኽትከውን ነይርዋ፣ ማለት ኵሉ ዜሐጕሳ ነገር ክትምንን እዩ ነይርዋ። (መሳ. 11:37-40) ጓል ሓደ ዕዉት ሓለቓን መራሕን እስራኤል ብምዃና፡ ብሉጽ ሰብኣይ ምተመርዓዋ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ማሕደር ትሕትቲ ኣገልጋሊት ክትከውን እዩ ነይርዋ። እሞኸ እታ ጓል እንታይ ምላሽ ሃበት፧ “ኣቦየ፡ . . . ናብ የሆዋ ኣፍካ ኻብ ከፈትካስ፡ ከምቲ እተመባጻዕካዮ ግበረኒ” ኢላ ንኣገልግሎት የሆዋ ቐዳምነት ሃበት። (መሳ. 11:36) ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድንፋዕ፡ ሰብኣይን ውሉድን ኪህልዋ ዝነበራ ባህርያዊ ድሌት መስዋእቲ ገበረት። ነቲ ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእ ዘርኣየቶ መንፈስ ከመይ ጌርና ኽንቀድሖ ንኽእል፧

17. (ሀ) ከመይ ጌርና ኣስኣሰር እምነት ይፍታሕን ጓሉን ክንስዕብ ንኽእል፧ (ለ) ኣብ እብራውያን 6:10-12 ዚርከብ ቃላት፡ ጥቕሚ ርእስኻ ኽትስውእ ብኸመይ የተባብዓካ፧

17 ኣሽሓት ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ንየሆዋ ብዝያዳ ኼገልግልዎ ኢሎም፡ እንተ ወሓደ ንግዜኡ መውስቦ ወይ ውሉድ ምውላድ ብፍታዎም ይስውኡ ኣለዉ። ብዕድመ ዝዓበዩ ኸኣ ነቲ ምስ ደቆምን ደቂ ደቆምን ኬሕልፍዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ግዜ፡ ኣብ ፕሮጀክትታት ቲኦክራስያዊ ህንጸት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምክፋል፡ ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ኣብ ምግልጋል የውዕልዎ ኣለዉ። ገሊኦም ከእ ብሕታዊ ጕዳዮም ሓዲጎም፡ ኣብቲ ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ ዚህሉ ወፈራታት ስብከት ይካፈሉ ኣለዉ። ከምዚ ዝበለ ብምሉእ ልቢ ዚቐርብ ኣገልግሎት ንየሆዋ ብዙሕ የሐጕሶ እዩ፣ ንሱ ኸኣ ግብሮምን ነቲ ንዕኡ ዘርኣይዎ ፍቕሮምን ከቶ ኣይርስዖን እዩ። (እብራውያን 6:10-12 ኣንብብ።) ንየሆዋ ብዝያዳ ንምግልጋል ተወሳኺ መስዋእቲ ኽትገብር ትኽእልዶ፧

እንረኽቦ ትምህርቲ

18, 19. ካብቲ ብዛዕባ ይፍታሕን ጓሉን ዚገልጽ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተማሂርና፧ ከመይ ጌርናኸ ኽንመስሎም ንኽእል፧

18 ይፍታሕ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ብድሆታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ሓሳብ የሆዋ ነቲ ኣብ ህይወቱ ዚገብሮ ምርጫ ኪቐርጾ ፈቒዱ እዩ። ንጽልዋ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ዓለም ኣይተቐበሎን። ካልኦት ኣመና ዜጕሂ ነገር እኳ እንተ ገበርዎ፡ እሙን ኰይኑ ኺጸንዕ ንዝገበሮ ቘራጽነት ግና ኣየዳኸሞን። የሆዋ ንዕኡን ንጓሉን ንጹህ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ስለ እተጠቕመሎም፡ ንሱን ጓሉን ብፍታው ዝገበርዎ መስዋእቲ ኸም ዚባረኹ ገይርዎም እዩ። ካልኦት ንስርዓታት ኣምላኽ ኣብ ዝሓደጉሉ እዋን፡ ይፍታሕን ጓሉን ናብኡ ለጊቦም እዮም።

19 መጽሓፍ ቅዱስ ‘ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነቲ ተስፋታት ዚወርስዎ ምሰልዎም’ ኢሉ የተባብዓና እዩ። (እብ. 6:12) እምበኣር፡ ምስቲ ህይወት ይፍታሕን ጓሉን ዜጕልሖ መሰረታዊ ሓቂ ተሰማምዒና ብምምልላስ ከማታቶም ንኹን። እወ፡ ተኣማንነት ናብ ስምረት ኣምላኽ ይመርሕ እዩ።