ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ተጻዋርነት ዕዮኣ ትፈጽም”

“ተጻዋርነት ዕዮኣ ትፈጽም”

“ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉእ ብምሉእ ጥዑያትን ምእንቲ ኽትኰኑ ግና፡ ተጻዋርነት ዕዮኣ ትፈጽም።”—ያእ. 1:4

መዝሙር፦ 24, 7

1, 2. (ሀ) ካብ ተጻዋርነት ጊዴዎንን እቶም 300 ሰቡን እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ብመሰረት ሉቃስ 21:19፡ ተጻዋርነት ኣገዳሲት እያ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

ብርቱዕ ውግእ እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ብጊዴዎን እናተመርሑ ነቶም ጸላእቶም ዝዀኑ ሰራዊት ሚድያናውያንን ደገፍቶምን ምሉእ ለይቲ 32 ኪሎ ሜተር ሰጐጕዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ቀጺሉ ዝዀነ ነገር ኬዘንቱ ኸሎ፡ “ጊዴዎን ድማ ናብ ዮርዳኖስ መጺኡ ተሳገሮ። ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ 300 ሰብኡትን ደኺሞም . . . ነበሩ” ይብል። ኰይኑ ግና፡ እቶም ጸላእቶም ገና ኣስታት 15,000 ተዋጋእቲ ስለ ዝነበርዎም፡ ጊዴዎንን ሰቡን ኣብቲ ውግእ ገና ምሉእ ብምሉእ ኣይሰዓሩን ነይሮም። እስራኤላውያን ንሓያሎ ዓመታት ብሚድያናውያን ተጨቊኖም ድሕሪ ምጽናሖም፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኺሕለሉ ኸም ዘይብሎም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ንጸላእቶም ምእንቲ ኼጥፍኡ፡ “ይሰጕጉ ነበሩ፣” በዚ ኸምዚ፡ ንሚድያን ኣምበርከኽዎ።—መሳ. 7:22፣ 8:4, 10, 28

2 ንሕና እውን ኣብ ከቢድ ኲናት ኢና ዘለና። ሰይጣንን ዓለምን ዘይፍጽምናናን ከኣ ጸላእትና እዮም። ገሌና ንሓያሎ ዓመታት ተዋጊእና ኢና፣ ብሓገዝ የሆዋ እውን ዓወታት ረኺብና ኢና። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ምስ ጸላእትና ምውጋእን መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ምጽባይን የድክመና ይኸውን። እወ፡ ምሉእ ዓወት ገና ኣይረኸብናን። የሱስ፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እንነብር ዘበልና፡ ከቢድ ፈተናታትን ሕሱም ግፍዕን ከም ዜጋጥመና እኳ እንተ ጠቐሰ፡ ዓወትና ኣብ ተጻዋርነትና ኸም ዚምርኰስ እውን ጠቒሱ እዩ። (ሉቃስ 21:19 ኣንብብ።) ተጻዋርነት እንታይ እያ፧ ክንጻወር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ካብቶም እተጻወሩ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ‘ተጻዋርነት ዕዮኣ ኸም እትፍጽም’ ክንገብር እንኽእል፧—ያእ. 1:4

ተጻዋርነት እንታይ እያ፧

3. ተጻዋርነት እንታይ እያ፧

3 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻዋርነት ኪብሃል ከሎ፡ ፈተናታት ወይ መከራ ምኽኣል ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ተጻዋርነት ንኣእምሮናን ንልብናን፡ ማለት ነቲ ንጸገማት እንጻወረሉ መገዲ እውን እተጠቓልል እያ። ሓደ ዚጻወር ሰብ ትብዓትን ጽንዓትን ዓቕልን የርኢ እዩ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ ተጻዋርነት፡ “ብርዕመት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብውዕዉዕ ተስፋ ናይ ምጽዋር መንፈስ ዚረኣየላ እያ። . . . ሓደ ሰብ ንንፋስ ስኑ ነኺሱ ገጽ ንገጽ ኪቃወሞ እተኽእሎ ባህርይ እያ። ክንዮ እቲ ስቓይ ነቲ ሸቶ ስለ እትርኢ፡ ነቲ ዝኸበደ ፈተና ናብ ክብሪ ኸም ዚቕየር ክትገብር እትኽእል እትነኣድ ባህርይ እያ” ይብል።

4. ንሓደ ክርስትያን ከም ዚጻወር እትገብሮ ፍቕሪ እያ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

4 ንሓደ ክርስትያን ከም ዚጻወር እትገብሮ ፍቕሪ እያ። (1 ቈረንቶስ 13:4, 7 ኣንብብ።) እታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ነቲ ምስ ፍቕዱ ዚሰማማዕ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንጻወር ትድርኸና። (ሉቃ. 22:41, 42) ንኣሕዋትና ዘላትና ፍቕሪ ድማ ዘይፍጽምናኦም ክንጻወር ትሕግዘና። (1 ጴጥ. 4:8) ንመጻምድትና ዘላትና ፍቕሪ ኸኣ፡ ጽቡቕ ሓዳር ዘለዎም ሰብ ሓዳር እኳ ዜጋጥሞም “ጸበባ” ኽንጻወርን ንማእሰር ሓዳር ከነደልድልን ትድርኸና።—1 ቈረ. 7:28

ክትጻወር ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧

5. ክንጻወር ምእንቲ ኽንክእል እንታይ ከም ዜድልየና ብልክዕ ዚፈልጥ የሆዋ በይኑ እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

5 ካብ የሆዋ ብርታዐ ርኸብ። የሆዋ፡ “ተጻዋርነትን መጸናንዕን ዚህብ ኣምላኽ” እዩ። (ሮሜ 15:5) ነቲ ዜጋጥመና ጸገማት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከባቢናን ስምዒትናን ኣፈጣጥራናን ምሉእ ብምሉእ ዚርዳእ ንሱ ጥራይ እዩ። ክንጻወር ምእንቲ ኽንክእል እንታይ ከም ዜድልየና ብልክዕ ዚፈልጥ እምበኣር ንሱ በይኑ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ትምኒት እቶም ዚፈርህዎ የዕግብ፡ ኣውያቶም ይሰምዕ፡ የናግፎም እውን” ይብል። (መዝ. 145:19) ግናኸ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽንጻወር ዜድልየና ብርታዕ ንምርካብ እነቕርቦ ጸሎት ከመይ ገይሩ ይሰምዖ፧

6. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ተኣትዩልና ኸም ዘሎ፡ የሆዋ “መዋጽኦ” ዚገብር ብኸመይ እዩ፧

6 ቀዳማይ ቈረንቶስ 10:13 ኣንብብ። ፈተናታት ንምጽዋር ካብ የሆዋ ሓገዝ ክንሓትት ከለና፡ “መዋጽኦ” ይገብረልና እዩ። ከምኡ ኺብሃል ከሎ፡ የሆዋ ነቲ ፈተናታት ይኣልዮ ማለት ድዩ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ከምኡ ይገብር እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ ‘ምጽዋሩ ምእንቲ ኽንክእል’ እዩ መዋጽኦ ዚገብረልና። እወ፡ የሆዋ ‘ብዓቕልን ብሓጐስን ኵሉ ምእንቲ ኽንጻወር’ የበርትዓና እዩ። (ቈሎ. 1:11) ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ዓቕምና ኣጸቢቑ ስለ ዚፈልጥ ከኣ፡ እቲ ፈተና፡ ዘይእሙናት ክንኰነሉ ኣብ ዚኽእል ደረጃ ኽሳዕ ዚበጽሕ ከቶ ኣይፈቅድን እዩ።

7. ክንጻወር እንተ ዄንና፡ መንፈሳዊ ምግቢ ስለምንታይ ከም ዜድልየና ብምሳሌ ጌርካ ግለጽ።

7 ንእምነትካ ብመንፈሳዊ ምግቢ ዓንግላ። ናብቲ ኻብ ዓለም ብብራኸኡ ቐዳማይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ኸረን አቨረስት ዚድይብ ሰብ፡ ኣብ መዓልቲ 6,000 ካሎሪ የህልኽ፣ እዚ ድማ ካብቲ ንሓደ ሰብ ብገምጋም ዜድልዮ ኣጸቢቑ ዚዛይድ እዩ። እቶም ናብቲ ኸረን ዚድይቡ ሰባት ነቲ ናብ ዓቐብ ዚገብርዎ ጕዕዞ ተጻዊሮም ኣብ ሸቶኦም ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብእተኻእሎም መጠን ብዙሕ ሓይሊ ዚህቦም ምግቢ ይምገቡ እዮም። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ጕዕዞና ተጻዊርና ናብ ሸቶና ምእንቲ ኽንበጽሕ፡ ብእተኻእለና መጠን ብዙሕ መንፈሳዊ ምግቢ ኣዘውቲርና ኽንምገብ ኣሎና። ንንባብን ንመጽናዕትን ንክርስትያናዊ ኣኼባታትን ግዜ ንምውፋይ፡ ገዛእ ርእስና ኽንግስጽ ኣሎና። እዚ ንጥፈታት እዚ ንእምነትና በቲ “ንህይወት ዘለኣለም ዚነብር ምግቢ” ይዕንግላ እዩ።—ዮሃ. 6:27

8, 9. (ሀ) ብመሰረት እዮብ 2:4, 5፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ጕዳይ እዩ ዚልዓል፧ (ለ) ፈተናታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ እንታይ ብዓይኒ ዘይርአ ነገር ኢኻ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእል እትኽእል፧

8 ጕዳይ ንጽህና ዘክር። ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ ፈተና ኼጋጥሞ ኸሎ፡ መከራ ይጸግብ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ነገር ካብኡ ንላዕሊ የጠቓልል እዩ። በቲ ንዜጋጥመና ፈተናታት እንህቦ ምላሽ፡ ንየሆዋ ልዑላዊ ጐይታ ጌርና ብሓቂ ንርእዮ እንተ ዄንና ነርኢ ኢና። እቲ ጸላኢ ልዑላውነት የሆዋ ዝዀነ ሰይጣን፡ “ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ። ግናኸ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ እንዶ [ንእዮብ] ንዓጽሙን ስጋኡን ውቕዓዮ፡ ብርግጽ ከኣ ኣብ ገጽካ ኺረግመካ እዩ” ኢሉ ንየሆዋ ኣባጭዩሉ እዩ። (እዮ. 2:4, 5) ንጥቕሚ ርእሱ ኸይሓሰበ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንየሆዋ ዜገልግሎ ኸም ዘየልቦ፡ ሰይጣን ይማጐት እዩ። እሞኸ ነዚ ኽሲ እዚ ኻብ ዜቕርብ ንነጀው ተቐዪሩዶ፧ ዋላ እኳ ኣይተቐየረን! ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት ካብ ሰማይ ምስ ተደርበየ፡ “እቲ መዓልትን ለይትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዚኸስሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና” ተባሂሉ ተጸዊዑ እዩ። (ራእ. 12:10) ሰይጣን ነቲ ንንጽህና ዚምልከት ሕቶ ኣይረስዖን። ብዜጋጥመና ፈተና ኽንስነፍን ንልዑላውነት ኣምላኽ ምድጋፍ ክንሓድጎን ተሃንጥዩ እዩ ዚዕዘበና።

9 እምበኣር፡ መከራ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ነዚ ብዓይኒ ዘይርአ ነገር ዘክሮ። ሰይጣንን ንዕኡ ዚስዕብዎ ኣጋንንትን በቲ ሓደ ሸነኽ ኰይኖም፡ ቃልስኻ እናተዓዘቡ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ተረዅሚሽካ ተስፋ ኽትቈርጽ ይጽበዩኻ ኣለዉ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ የሆዋን እቲ ዝነገሰ ወዱን እቶም ዝተንስኡ ቕቡኣትን ኣእላፋት መላእኽትን፡ በቲ መዓልቲ መዓልቲ እተርእዮ ተጻዋርነትን ንልዑላውነት የሆዋ እትህቦ ደገፍን ደስ ኢልዎም የተባብዑኻ ኣለዉ። ነቲ የሆዋ ብድራኸ መንፈሱ ዘጽሓፎ፡ “ወደየ፡ ነቲ ዜባጭወለይ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይ እውን ኣሐጕሶ” ዚብል ቃላት ንዓኻ ኸም ዚምልከት ጌርካ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ።—ምሳ. 27:11

10. ኣብ ዓስቢ ተጻዋርነት ብምትኳር ከመይ ጌርካ ንየሱስ ክትመስሎ ትኽእል፧

10 ብዛዕባ ዓስቢ ተጻዋርነት ኣተኵር። ነዊሕ ጕዕዞ ትጐዓዝ ኣለኻ ንበል። ኣብ ማእከል ሓደ ነዊሕ ገለርያ ኸኣ ደው ኢልካ ኣለኻ። ናብዝን ናብትን ግልጽ እንተ በልካ፡ ጸልማት እዩ። ይኹን እምበር፡ ናብ መወዳእታ እቲ ገለርያ ገጽካ እንተ ተጓዒዝካ፡ ብርሃን ከም እትርኢ ርግጸኛ ኢኻ። ብተመሳሳሊ፡ ሓድሓደ ግዜ በቲ ዜጋጥመካ ጸገማት ዓቕልኻ ይጸብበካ ይኸውን። የሱስ እውን እንተ ዀነ ኸምኡ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓጥኣን “ተጻራሪ ዘረባ” ተዛሪቦምዎ ወይ ኣዋሪዶምዎ እዮም፣ ኣብ “ጕንዲ ስቅያት” ኪቕተል ከሎ ኸኣ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ እቲ ዝኸፍአ እዋን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ! ኰይኑ ግና፡ የሱስ “ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ” ንዅሉ ተጻዊሩ እዩ። (እብ. 12:2, 3) ኣብቲ ተጻዋርነቱ ዜምጽኦ ዓስቢ፡ ብሕልፊ ድማ ኣብቲ ስም ኣምላኽ ኣብ ምቕዳስን ነቲ የሆዋ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል ኣብ ምድጋፍን ዘለዎ እጃም እዩ ኣተኲሩ። እቲ ንየሱስ ኣብ ዘጋጠሞ ፈተናታት ዝነበረ ጸልማት እዋን ግዜያዊ እዩ ነይሩ፣ እቲ ብሩህ ሰማያዊ ዓስቡ ግና ዘለኣለማዊ እዩ። ሎሚ፡ እቲ ዜጋጥመካ ፈተናታት ዜሳቕን ዚደቍስን ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዜጋጥመካ ጸበባ ግና ግዜያዊ ምዃኑ ዘክር።

“እቶም እተጻወሩ”

11. ተመክሮታት “እቶም እተጻወሩ” ኽንምርምር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

11 በይንና ኽንጻወር ኣየድልየናን እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ክርስትያናት ነቲ ሰይጣን ኣባታቶም ዜምጽኦ ጸገማት ኪጻወሩ ንምትብባዕ፡ “እዚ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ዅሎም ኣሕዋት ከም ዚበጽሖም ፈሊጥኩም፡ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 5:9) ተመክሮታት “እቶም እተጻወሩ፡” ከመይ ጌርና ኸም እንጸንዕ ይምህረና፡ ክንዕወት ከም እንኽእል የረጋግጸልና፡ እሙናት ኴንና ምምልላስና ዓስቢ ኸም ዜምጽኣልና ኸኣ የዘኻኽረና እዩ። (ያእ. 5:11) እምበኣር፡ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ። [1]

12. ካብቲ እቶም ኣብ ኤደን ዝቘሙ ኪሩቤል ዝሓደግዎ ኣብነት እንታይ ንምሃር፧

12 እቶም ኪሩቤል። ገለ ኻብቶም ንሰባት እተራእይዎም ናይ መጀመርታ መንፈሳውያን ፍጡራት ዝሓደግዎ ኣብነት፡ ኣብ ኣጸጋሚ ምድብ ክንጻወር ትምህርቲ ይዀነና እዩ። የሆዋ ኣምላኽ “ነታ ናብ ኦም ህይወት እትወስድ መገዲ ንምሕላው ድማ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤደን ኪሩቤልን ብልሓ ሃልሃል ዚብል እትሽክርከር ሰይፍን ኣቐመጠ።” [2] (ዘፍ. 3:24) እቶም ኪሩቤል ኣብ ፈለማ ነዚ ዕዮ እዚ ኣይኰኑን ተፈጢሮም። ከመይሲ፡ ሓጢኣትን ዕልወትን ክፍሊ እቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ዕላማ ኣይነበረን። ኰይኑ ግና፡ እቶም ልዑል መዓርግ ዝነበሮም ኪሩቤል ትሑት ስራሕ ተዋሂቡና ኢሎም ከም ዘዕዘምዘሙ ኣይነንብብን ኢና። ኣይሰልከዮምን ወይ ኣይተሓለሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዕዮኦም ክሳዕ ዚውዳእ ኣብቲ እተዋህቦም ዕዮ ብተኣማንነት ጸኒዖም እዮም፣ እቲ ዕዮኦም ድማ ምናልባት ክሳዕ ግዜ ማይ ኣይሂ፡ ልዕሊ 1,600 ዓመት ጸኒሑ ኪኸውን ይኽእል እዩ!

13. እዮብ ነቲ ዘጋጠሞ ፈተናታት እተጻወሮ ብኸመይ እዩ፧

13 እዮብ። ፈታዊኻ ወይ ኣባል ስድራ ቤትካ ዚደቍስ ቃላት እንተ ተዛሪቡካ፡ ከቢድ ሕማም እንተ ሓሚምካ፡ ወይ ብሞት እትፈትዎ ሰብካ እንተ ሓዚንካ፡ በቲ እዮብ ዝሓደጎ ኣብነት ክትጸናናዕ ትኽእል ኢኻ። (እዮ. 1:18, 19፣ 2:7, 9፣ 19:1-3) እዮብ ምንጪ ሽግራቱ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ተስፋ ግና ኣይቈረጸን። ስለምንታይ፧ ሓደ ዝሓገዞ ነገር፡ “ንኣምላኽ ይፈርህ” ስለ ዝነበረ እዩ። (እዮ. 1:1) ብእዋን ራህዋን ብእዋን ጸበባን ንየሆዋ ባህ ኬብሎ ቘሪጹ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ዝፈጸሞ ዜደንቕ ነገራት ኪሓስብ እውን ተሓጊዙ እዩ። የሆዋ ኣብ ግዜኡ ንፈተናታቱ መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ፡ እዮብ ብዝያዳ ምትእምማን ኣሕዲሩ እዩ። (እዮ. 42:1, 2) ብልክዕ ድማ ከምኡ እዩ ዀይኑ። ብዛዕባኡ ኸምዚ ዚብል ነንብብ፦ “የሆዋ ንጸበባ እዮብ ኣርሓቖ፡ ንብልጽግናኡ እውን መለሶ። የሆዋ ኸኣ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ፡ ዕጽፊ ገይሩ ሃቦ።” እዮብ ድማ “ኣሪጉን ዕድመ ጸጊቡን ሞተ።”—እዮ. 42:10, 17

14. ብመሰረት 2 ቈረንቶስ 1:6፡ ተጻዋርነት ጳውሎስ ንኻልኦት ዝሓገዘ ብኸመይ እዩ፧

14 ሃዋርያ ጳውሎስ። ካብ ጸላእቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸቢድ ተቓውሞ ወይ መስጐጕቲ የጋጥመካዶ ኣሎ፧ ሓላፍነታት ዝኸበደካ ሽማግለ ጉባኤ ወይ ሓላው ወረዳ ዲኻ፧ ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት ኣስተንትን። ሕሱማት ሰጐጕቲ ዘውረዱሉ ብዙሕ “ካብ ወጻኢ ዚመጽእ ነገራት” ተጻዊሩ፡ በቲ ምእንቲ ጉባኤታት ዚጭነቖ ጭንቀት ድማ መዓልቲ መዓልቲ ተረቢጹ እዩ። (2 ቈረ. 11:23-29) ኰይኑ ግና፡ ኣይተሓለለን፡ ኣብነቱ ድማ ንኻልኦት ኬበርትዕ ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:6 ኣንብብ።) ንስኻ እውን ጸገማት ክትጻወር ከለኻ፡ ኣብነትካ ንኻልኦት ኪጻወሩ ኸም ዜተባብዖም ዘክር።

‘ተጻዋርነት ዕዮኣ ኣባኻ ኽትፍጽም’ ድያ፧

15, 16. (ሀ) ተጻዋርነት እንታይ “ዕዮ” እያ ኽትፍጽም ዘለዋ፧ (ለ) ከመይ ጌርና ‘ተጻዋርነት ዕዮኣ ኸም እትፍጽም’ ክንገብር ከም እንኽእል ኣብነታት ሃብ።

15 ያእቆብ ብመንፈስ ተደሪኹ፡ “ተጻዋርነት ዕዮኣ ትፈጽም” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። ተጻዋርነት እንታይ “ዕዮ” እያ እትፍጽም፧ ‘ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልና ፍጹማትን ምሉእ ብምሉእ ጥዑያትን ክንከውን’ እያ እትሕግዘና። (ያእ. 1:4) ብዙሕ ግዜ፡ ፈተናታት ድኽመታትና፡ ማለት ከነጽርዮ ዘሎና ባህርያትና እዩ ዜቃልዕ። ነቲ ፈተናታት እቲ እንተ ተጻዊርና፡ ክርስትያናዊ ባህርያትና ፍጹም ወይ ጥዑይ እዩ ዚኸውን። ንኣብነት፡ ብዝያዳ ዓቃላትን መማሰውትን ርሕሩሓትን ክንከውን ንኽእል ኢና።

ፈተናታት ክንጻወር ከለና፡ ክርስትያናዊ ባህርያትና ፍጹም ይኸውን (ሕጡብ ጽሑፍ 15, 16 ርአ)

16 ተጻዋርነት ከም ክርስትያን መጠን ብምቕራጽ ኣገዳሲ ዕዮ ስለ እትፍጽም፡ ፈተናታት ኬጋጥመካ ኸሎ ኣብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣይትለማለም። ንኣብነት፡ ምስ ርኹስ ሓሳባት ትቃለስ እንተ ኣለኻ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዚግባእ፧ በቲ ፈተና ኣብ ክንዲ እትስነፍ፡ ነቲ ትምኒት እቲ ብጸሎት ንጸጎ። በዚ ኸምዚ፡ ርእሰ ግትኣት ከተማዕብል ኢኻ። ካብ ዘይኣምን ኣባል ስድራ ቤትካ ምጽራር የጋጥመካ ኣሎዶ፧ በቲ ጸቕጢ ኣብ ክንዲ እትምብርከኽ፡ ነቲ ብምሉእ ልብኻ እተቕርቦ ኣምልኾ ንምቕጻል ቈራጽነት ግበር። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ የሆዋ ዘሎካ እምንቶ ኺድልድል እዩ። እምበኣር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እተፈተነ ብቕዓት ንምርካብ፡ ክንጻወር ኣሎና።—ሮሜ 5:3-5፣ ያእ. 1:12

17, 18. (ሀ) ክሳዕ መወዳእታ ምጽዋር ዘለዎ ኣገዳስነት ብምሳሌ ኣረድእ። (ለ) ናብ መወዳእታ እናቐረበና ብዝኸደና መጠን፡ እንታይ እምንቶ ኸነሕድር ንኽእል፧

17 ንግዜኡ ዘይኰነስ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኽንጻወር ኣሎና። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ እተገልበጠት መርከብ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። እቶም ተጐዓዝቲ ህይወቶም ንምድሓን ሓምቢሶም ናብ ምድሪ ኺወጹ ኣለዎም። እቲ ናብ ምድሪ ቝሩብ ምስ ተረፎ ዚሕለል ሓምባሳይ፡ ምስቲ ብኣጋኡ ዝሕለል ሓምባሳይ ብማዕረ እዩ ዚጥሕል። ብተመሳሳሊ፡ ናብ ሓዳስ ዓለም ክሳዕ እንበጽሕ ክንጻወር ቈሪጽና ኢና። ህይወትና ኣብ ተጻዋርነትና እተመርኰሰ እዩ። ከምቲ ኽልተ ሳዕ፡ “ኣይንሕለልን ኢና” ዝበለ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮ ኣረኣእያ እዩ ዘሎና።—2 ቈረ. 4:1, 16

18 ክሳዕ መወዳእታ ኽንጻወር የሆዋ ኸም ዚሕግዘና ምሉእ እምንቶ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። ምስቲ ኣብ ሮሜ 8:37-39 ዘሎ ጳውሎስ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ዝገለጾ እምንቶ ንሰማማዕ ኢና፦ “በቲ ዘፍቀረና ምሉእ ብምሉእ ንስዕር ኢና። ከመይሲ፡ ሞት ኰነ፡ ህይወት ኰነ፡ መላእኽቲ ዀኑ፡ መንግስትታት ኰኑ፡ ዘሎ ዀነ፡ ዚመጽእ ኰነ፡ ሓይልታት ኰነ፡ ልዕል ዝበለ ዀነ፡ ትሕት ዝበለ ዀነ፡ ካልእ ፍጥረት እውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና ኸም ዘይክእል፡ ርግጸኛ እየ።” እወ፡ ሓድሓደ ግዜ ንደክም ኢና። ከምቲ ብዛዕባ ጊዴዎንን ሰቡን “ይሰጕጉ ነበሩ” እተባህለሎም፡ ንዓና እውን ከምኡ ምእንቲ ኺብሃለልና፡ ክሳዕ መወዳእታ ንጻወር።—መሳ. 8:4

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 11) ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ዘርኣይዎ ተጻዋርነት እውን ዜተባብዕ ተመክሮታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ዓመት መጽሓፍ 1992፡ 1999፡ 2008 እምነት ዜደልድል ታሪኽ እቶም ኣብ ኢትዮጵያን ማላዊን ሩስያን ዚርከቡ ኣሕዋት ሒዙ ኣሎ።

^ [2] (ሕጡብ ጽሑፍ 12) ነቲ ዕዮ እቲ ኽንደይ ኪሩቤል ተመዲቦም ከም ዝነበሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ።