ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዛ እተኸፋፈለት ዓለም ገለልትነትካ ሓሉ

ኣብዛ እተኸፋፈለት ዓለም ገለልትነትካ ሓሉ

“ናይ ኣምላኽ . . . ንኣምላኽ ሃቡ።”—ማቴ. 22:21

መዝሙር፦ 33, 32

1. ንኣምላኽን ንሰብኣውያን መንግስትታትን ከመይ ጌርና ኽንእዘዞም ንኽእል፧

ቃል ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት እዙዛት ክንከውን ይነግረና እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ክንእዘዝ እውን ይምህረና እዩ። (ግብ. 5:29፣ ቲቶ. 3:1) እዝስ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ድዩ፧ ኣይፋሉን! ዘዚግብኦም ተገዛእነት ከም እንህቦም ዚገልጽ መሰረታዊ ስርዓት፡ ነዚ ትእዛዛት እዚ ኽንርድኦን ክንእዘዞን ይሕግዘና እዩ። የሱስ ነዚ ስርዓት እዚ፡ “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ” ኢሉ ብሓጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ። [1] (ማቴ. 22:21) ከመይ ጌርና ኢና መምርሒ የሱስ እንስዕብ፧ ንስልጣን እቲ ኣብ ትሕቲኡ እንነብረሉ መንግስቲ ንግዛእ ኢና፣ ነዚ ድማ ሕግታቱ ብምሕላውን ንሰበ ስልጣኑ ብምኽባርን ግብሪ ብምኽፋልን ኢና እንገብሮ። (ሮሜ 13:7) ኰይኑ ግና፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ንኣምላኽ ከይንእዘዝ እንተ ሓቲቶምና፡ ከምኡ ኸም ዘይንገብር ብኣኽብሮት ንገልጸሎም ኢና።

2. ኣብ ፖለቲካ ዓለም ሻራ ኸም ዘይብልና ኸመይ ጌርና ነርኢ፧

2 ንሕና ንኣምላኽ ዚግብኦ ንህቦ ኢና፣ ሓደ ኻብቲ ኸምኡ እንገብረሉ ድማ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ዓለም ገለልተኛ ብምዃን እዩ። (ኢሳ. 2:4) እምበኣር፡ ነተን የሆዋ ኺህልዋ ዝፈቐደለን ሰብኣውያን መንግስትታት ኣይንጻረረንን ኢና፣ ኣብ ሓርበኛዊ ወይ ሃገራዊ ንጥፈታት እውን ኣይንሳተፍን ኢና። (ሮሜ 13:1, 2) ንፖለቲከኛታት ክንጸሉ ኣይንፍትንን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫ ኣይንሳተፍን፡ መንግስታዊ ስልጣን ክንሕዝ ኣይንፍትንን፡ መንግስትታት ክንቅይር እውን ኣይንጽዕርን ኢና።

3. ስለምንታይ ኢና ገለልተኛታት ክንከውን ዘሎና፧

3 ኣምላኽ፡ ገለልተኛታት ክንከውን ዝደልየሉ እተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። ሓደ ኻብቲ ምኽንያታት፡ ትምህርትታትን ኣብነትን ወዱ የሱስ ክርስቶስ ስለ እንስዕብ እዩ፣ ከመይሲ፡ ንሱ ‘ኻብ ዓለም ኣይነበረን፡’ ኣብ ፖለቲካን ውግእን ዓለም እውን ኣይተሳተፈን። (ዮሃ. 6:15፣ 17:16) እሙናት ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን፡ ገለልተኛታት ክንከውን ኣሎና። እንተ ዘይኰይኑ ግና፡ ከመይ ጌርና ኢና መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ንጸገማት ደቂ ሰብ ከም እትፈትሕ ብጽሩይ ሕልና ኸነበስር እንኽእል፧ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ብምእታው ንምእመናነን ይኸፋፍላ እየን፣ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ግና ገለልተኛታት ክንከውን ብምሕጋዝ፡ ንዓለምለኻዊ ሕውነትና ይዕቅቦ እዩ።—1 ጴጥ. 2:17

4. (ሀ) ገለልተኛ ምዃን ብዝያዳ ኣጸጋሚ ኸም ዚኸውን ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧ (ለ) ገለልተኛታት ንምዃን ካብ ሕጂ ኽንዳሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4 ኣብ እንነብረሉ ኸባቢ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋህው ህዱእን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘይጻረርን ኪመስል ይኽእል እዩ። ስርዓት ሰይጣን ናብ መወዳእታኡ ብዝኸደ መጠን ግና፡ ጕዳይ ገለልትነት ኪጐሃሃር ትጽቢት ንገብር ኢና። ዓለም “ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ” “ነቓጻት” ሰባት ዝመልእዋ እያ፣ ስለዚ፡ እናተኸፋፈለትን እናተተፋነነትን እያ ኽትከይድ። (2 ጢሞ. 3:3, 4) ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ፖለቲካዊ ሃዋህው ብቕልጡፍ ብምቕያሩ፡ ኣሕዋትና ኣብ ገለልትነቶም ዘይተጸበይዎ ብድሆታት ኣጋጢምዎም እዩ። እሞኸ ገለልተኛታት ንምዃን ዘሎና ቘራጽነት ብዝያዳ ኸነደልድል ዜድልየሉ ምኽንያት ኣስተውዒልናዶ፧ እቲ በዳሂ ዅነታት ክሳዕ ዜጋጥመና እንተ ተጸቢና፡ ኣብ ገለልትነትና ኽንለማለምን መትከልና ኽንጥሕስን ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ኣብዛ እተኸፋፈለት ዓለም ከመይ ጌርና ኢና ገለልትነትና ኽንሕሉ እንኽእል፧ ገለልትነትና ኽንሕሉ ዜኽእለና ኣርባዕተ ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት እስከ ንመርምር።

ብዛዕባ ሰብኣውያን መንግስትታት ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ንሓዝ

5. የሆዋ ብዛዕባ ሰብኣውያን መንግስትታት እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧

5 ገለልተኛታት ንምዃን ክንገብሮ ዚግባእ ቀዳማይ ነገር፡ የሆዋ ንፖለቲካዊ ስርዓታት ዘለዎ ኣረኣእያ ምሓዝ እዩ። ገለአን መንግስትታት ፍትሓውያን እኳ እንተ መሰላ፡ ሰብ ንሰብ ኪገዝኦ ዚብልዎ ሓሳብ ኣብ ዕላማ የሆዋ ጠሪሱ ኣይነበረን። (ኤር. 10:23) ሰብኣውያን መንግስትታት ሃገራውነት እየን ዜስፋሕፍሓ፣ እዚ ድማ ንሰባት ይኸፋፍሎም እዩ። ብሉጻት ሰብኣውያን መራሕቲ እኳ ንዅሉ ጸገማት ኪፈትሕዎ ኣይክእሉን እዮም። ብተወሳኺ፡ ካብ 1914 ንነጀው፡ ሰብኣውያን መንግስትታት መቐናቕንቲ መንግስቲ ኣምላኽ እየን ኰይነን ዘለዋ፣ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ነተን መንግስትታት እቲአን ብምጥፋእ፡ ኣብ ኣህዛብ ፍርዳ ኽትፍጽም እያ።—መዝሙር 2:2, 7-9 ኣንብብ።

6. ብዛዕባ እቶም ኣብ መንግስቲ ስልጣን ዘለዎም እንታይ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፧

6 ኣምላኽ ንፖለቲካዊ መዋቕር እዛ ዓለም እዚኣ ኺህሉ ዘፍቀደሉ ምኽንያት፡ እተወሰነ ሰላምን ስርዓትን ከም ዚህሉ ስለ ዚገብር እዩ፣ እዚ እውን ብግዲኡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ይሕግዘና እዩ። (ሮሜ 13:3, 4) ኣምላኽ ብዛዕባ ሰበ ስልጣን ክንጽሊ፡ ብፍላይ ውሳነታቶም ንኣምልኾና ኣብ ዚጸልወሉ እዋን ከኣ ክንምህለል ኣዚዙና እዩ። (1 ጢሞ. 2:1, 2) ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገበሮ ድማ፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብፍትሓዊ መገዲ ኺሕዙና ንጠርዕ ኢና። (ግብ. 25:11) እቲ መጻርርቲ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ስርዓታት ስልጣን ከም ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እኳ እንተ ዀነ፡ ንሱ ብቐጥታ ንዅሎም መራሕቲ ወይ ሰበ ስልጣን ይቈጻጸሮም ግና ኣይብልን እዩ። (ሉቃ. 4:5, 6) ስለዚ፡ ንሓደ ብዓል ስልጣን ረቚሕና ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ድያብሎስ ከም ዘሎ ጌርና ኽንእምት ኣይግባእን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ ‘መንግስትታትን ሰበ ስልጣንን’ ኣብ ዘሎና ርክብ ‘ንሓደ እኳ ኣይንጸርፍን ኢና።’—ቲቶ. 3:1, 2

7. እንታይ ኣተሓሳስባ ኢና ኸነርሕቕ ዘሎና፧

7 ዋላ እውን ንጥቕምና ዚድግፉ ወይ ዚጻረሩ ኣብ ዚመስሉሉ እዋን፡ ንሓደ ሕጹይ ተወዳዳሪ ወይ ንሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኻብ ካልእ ኣብሊጽና ብዘይምርኣይ፡ ንኣምላኽ ንእዘዝ ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ ገለልትነትና ኸመይ ኢሉ እዩ ዚፍተን፧ ሓደ ብሓፋሽ ዚድገፍ ናዕቢ ንሓደ ንህዝቢ ኣምላኽ ዜሳቒ ጨቋኒ ስርዓት ኬውድቖ ይጽዕር ኣሎ ንበል። ምስቶም ተቓወምቲ ሓቢርና እኳ እንተ ዘይመረሽና፡ ብመንፈስ ምሳታቶም ንኸውን ዲና፧ (ኤፌ. 2:2) ቃላትናን ተግባራትናን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ልብና እውን ገለልተኛ ኪኸውን ኣለዎ።

“ጥንቁቓት”ን “ገርህታት”ን ንኹን

8. ገለልተኛታት ንምዃን ኣጸጋሚ ኪኸውን ከሎ፡ ከመይ ጌርና ኢና “ጥንቁቓት”ን “ገርህታት”ን ክንከውን እንኽእል፧

8 ገለልትነትና ንምሕላው ክንገብሮ ዘሎና ኻልኣይ ነገር፡ “ጥንቁቓት ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ” ምዃን እዩ። (ማቴዎስ 10:16, 17 ኣንብብ።) ኣቐዲምና ሓደጋታት ብምልላይ ጥንቁቓት ንኸውን ኢና፣ እቲ ሓደጋታት ኣብ መትከልና ኼለማልመና ብዘይምፍቃድ ከኣ ገርህታት ኴንና ኸም እንቕጽል ነርኢ ኢና። ገለ ኼጋጥም ዚኽእል ኵነታትን ኣብኡ ኸመይ ጌርና ገለልትነትና ኸም እንሕሉን እስከ ንርአ።

9. ምስ ካልኦት ክንዘራረብ ከለና ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧

9 ዝርርብ። ፖለቲካዊ ጕዳያት ኪልዓል ከሎ፡ ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና። ንኣብነት፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከነብጽሕ ከለና፡ ፖሊስታት ፖለቲካዊ ሰልፊ ወይ መራሒ ኽንውድስ ወይ ክንነቅፍ ኣይግባእን። ኣብ ፖለቲካዊ ፍታሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ መሰረታዊ ጸገም ብምትኳር ድማ ምስቲ ብዓል ቤት ሓባራዊ ባይታ ኸነንጽፍ ንፈትን። ድሕሪኡ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ጸገም እቲ ኸመይ ገይራ ምሉእ ብምሉእን ንሓዋሩን ከም እትፈትሖ ነርእዮ። ከም መርዓ ሕደ ጾታ ወይ ምንጻል ጥንሲ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ጕዳያት ምስ ዚልዓል፡ ንስርዓታት ኣምላኽ ንጣበቐሉ፡ ነዚ ኣብ ህይወትና ኸመይ ጌርና ኸም እንስዕቦ ድማ ነርኢ። ኣብ መንጎ እቲ ምይይጥ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መዳያት እቲ ጕዳይ ገለልተኛታት ንኹን። ኪወጽእ፡ ኪስረዝ፡ ወይ ኪልወጥ ኣለዎ ብዛዕባ ዚብሃል ሕግታት፡ ሻራ ኣይንሕዝን ኢና፣ ካልኦት ምስ ኣረኣእያና ኺሰማምዑ እውን ጸቕጢ ኣይንገብርን ኢና።

10. ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብእንርእዮ ወይ ብእነንብቦ ነገራት ገለልትነትና ኸይነበላሾ ኸመይ ጌርና ኽንጥንቀቕ ንኽእል፧

10 መራኸቢ ብዙሓን። መብዛሕትኡ “ዜና” ተባሂሉ ዚውረ ሓበሬታ፡ ሓደ ወገን ዝሓዘ ወይ ሻራ ዘለዎ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ መራኸቢ ብዙሓን ከም መሳርሒ ፖለቲካዊ ስርዓት ኰይኑ የገልግል እዩ። መንግስቲ ዚቈጻጸሮ መራኸቢ ብዙሓን ዜውጽኦ ጸብጻባት ዜና ኣመና ቔናን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣብተን ናጻ ዚብሃላ ሃገራት ዚነብሩ ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ ሓሳብ እቲ ወሃብ ርእይቶ ኸየሕድሩ ኺጥንቀቑ ኣለዎም። ‘ምስ ፖለቲካዊ ዝንባለይ ዚሰማማዕ ሓሳብ ንዜቕርብ ጋዜጠኛ ምስማዕ የሐጕሰኒ ድዩ፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተት። ከምኡ እንተ ዄንና፡ ነዚ ሓዲግና ዝያዳ ሚዛናዊ ምንጪ ሓበሬታ ኽንሰምዕ ኣሎና። ዝዀነ ዀይኑ፡ ፖለቲካዊ ዛዕባ ብብዝሒ ኻብ ዜቕርብ መርኸቢ ብዙሓን እንሰምዖ ነገር ደረት እንተ ገበርናሉ፡ እቲ ዝሰማዕናዮ ድማ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “መለክዒ እቲ ጥዑይ ቃል” እንተ ኣነጻጸርናዮ ጥበባዊ እዩ።—2 ጢሞ. 1:13

11. ንብረትና ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ቦታ እንተ ኣልይዎ፡ ገለልትነትና ኽንሕሉ ዜሸግርና ብኸመይ እዩ፧

11 ፍቕረ ንዋይ። ንብረትና ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ቦታ እንተ ኣልይዎ፡ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ፡ ገለልትነትና ኣብ ሓደጋ ኺኣቱ ይኽእል እዩ። ኣብ ማላዊ እትነብር ሩት፡ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ1970ታት መስጐጕቲ ምስ ወረዶም ኪለማለሙ ርእያ እያ። ከምዚ ኢላ ድማ ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “ጣዕሚ ዘለዎ ናብራኦም ኣሕሊፎም ኪህቡ ኣይደለዩን። ገሊኦም ምሳና እኳ ኻብ መንበሪኦም እንተ ተሰጕጉ፡ ኣብ ሰፈር ስደተኛታት ዘሎ ሽግራት ኪጻወሩ ብዘይምኽኣሎም ግና ጸኒሖም ኣባል ፖለቲካዊ ሰልፊ ዀይኖምን ናብ ቤቶም ተመሊሶምን እዮም።” ብኣንጻሩ ግና፡ መብዛሕትኦም ህዝቢ ኣምላኽ ቍጠባዊ ጸቕጥታት እናኣጋጠሞም ወይ ዘለዎም ኵሉ እናሰኣኑ ኽነሶም ገለልትነቶም ሓልዮም እዮም።—እብ. 10:34

12, 13. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ ሰባት ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ እዩ፧ (ለ) ብሃገርና እምብዛ ንሕበን እንተ ኣሊና ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

12 ዘይግቡእ ሓበን። ሰባት ብዓሌቶም፡ ብቐቢላኦም፡ ብባህሎም፡ ብኸተማኦም፡ ወይ ብህዝቦም ኪሕበኑ ንቡር እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብቐቢላኻ፡ ብባህልኻ፡ ወይ ብህዝብኻ እምብዛ ምሕባን ወይ ምዅራዕ፡ ምስቲ የሆዋ ብዛዕባ ግዝኣት ሰብን ደቂ ሰብ ብሓፈሻን ዘለዎ ኣረኣእያ ኼጋጭወና ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ፡ ኣምላኽ ንባህልና ኽንጸልኦ ኣይደልየናን እዩ። እኳ ደኣስ፡ በቲ በበይኑ ዝዓይነቱ ባህሊ ባህ ኪብለና ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኵሉ ሰብ ማዕረ ምዃኑ ኽንዝክር ኣሎና።—ሮሜ 10:12

13 ብመበቈልና እምብዛ ምሕባን ጠንቂ ሃገራውነት እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ገለልትነትና ኸም እንለማለም ዚገብረና ቐዳማይ ስጕምቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ክርስትያናት ብኸምዚ ዝበለ ሓበን ኪጽለዉ ዘይክእሉ ኣይኰኑን፣ ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ ኣብ መንጎ ኣሕዋቶም ሌላን ጕሌላን ገይሮም እዮም። (ግብ. 6:1) ዘይግቡእ ሓበን ኣባና ሱር ይሰድድ ምሕላዉ ኸመይ ጌርና ኽንፈልጥ ንኽእል፧ ወዲ ኻልእ ዓዲ ዝዀነ ክርስትያን ሓሳብ ሂቡካ ንበል። ‘ኣብዚ ብዝሓሸ መገዲ ኢና እንገብሮ’ ኢልካ ንሓሳቡ ብኡብኡ ትነጽጎ ዲኻ፧ ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ፡ “ብትሕትና ግና ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኸነውዕሎ ኣሎና።—ፊል. 2:3

ካብ የሆዋ ብርታዐ ንርከብ

14. ጸሎት ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ እንታይ ኣብነት መጽሓፍ ቅዱስከ እዩ ነዚ መርትዖ ዚኸውን፧

14 ገለልትነትና ንምሕላው ክንገብሮ ዚግባእ ሳልሳይ ነገር፡ ካብ የሆዋ ብርታዐ ምርካብ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበካ ጸሊ፣ እዚ ኸኣ ንብልሹው ወይ ንዘይፍትሓዊ መንግስቲ ኽትጻወሮ ዜኽእለካ ዓቕልን ርእሰ ግትኣትን ይህበካ እዩ። ክርስትያናዊ ገለልትነትካ ኸም እትጥሕስ ኪገብረካ ዚኽእል ኵነታት ኣለሊኻ ኽትሰግሮ ዚሕግዝ ጥበብ ኪህበካ እውን ንየሆዋ ኽትልምኖ ትኽእል ኢኻ። (ያእ. 1:5) ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብዘሎካ ጽኑዕ መትከል እንተ ተኣሲርካ ወይ ተቐጺዕካ፡ ንእምነትካ ብትብዓት ምእንቲ ኽትጣበቐሉን ንዚመጸካ ዝዀነ ይኹን መስጐጕቲ ምእንቲ ኽትጻወርን፡ ብርታዐ ንምርካብ ጸሊ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:27-31 ኣንብብ።

15. ገለልትነትና ምእንቲ ኽንሕሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (“ቃል ኣምላኽ ንእምነቶም ኣደልዲልዋ” ዘርእስቱ ሳጹን እውን ርአ።)

15 የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ኼበርትዓካ ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ፈተና ገለልትነትካ ንምሕላው ዚሕግዘካ ጥቕስታት ኣስተንትነሉ። ደሓር መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይትረኽበሉ እዋን ምእንቲ ኼጽንዓካ ድማ፡ ካብ ሕጂ ሸምድዶ። ቃል ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ተስፋ እውን ኬደልድሎ ይኽእል እዩ። መስጐጕቲ ኽንጻወር እንተ ዄንና፡ እዚ ተስፋ እዚ ኣገዳሲ እዩ። (ሮሜ 8:25) ብዛዕባ እቲ ኽትረኽቦ እትደሊ በረኸት ዚገልጽ ጥቕስታት ሕረ እሞ፡ ነቲ በረኸት እቲ ኣብ ገነት ከም እትረኽቦ ጌርካ ብኣእምሮኻ ስኣሎ።

ንጽህናኦም ካብ ዝሓለዉ ኻልኦት ኣብነታት ንጠቐም

16, 17. ገለልትነቶም ካብ ዝሓለዉ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ንምሃር፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

16 ገለልትነትና ኽንሕሉ ዜኽእለና ራብዓይ ነገር፡ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እዮም። ኣብነቶም ከኣ ንምጽዋር ዜድልየና ጥበብን ብርትዐን ኪህበና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ነቲ ንመንግስቲ ባቢሎን ዜመልክት ምስሊ ምስጋድ ኣብዮም እዮም። (ዳንኤል 3:16-18 ኣንብብ።) ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ቘራጽነቶም ምንባቦም፡ ንሰንደቕ ዕላማ ዚነብሩላ ሃገር ከየምልኹ ኣትቢዕዎም እዩ። የሱስ ካብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ግጭታት እዛ ዓለም ጠሪሱ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ኣብነቱ ኣብ ካልኦት ዜሕድሮ ጽልዋ ይፈልጥ ምንባሩ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣጆኹም! ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” በሎም።—ዮሃ. 16:33

17 ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገለልትነቶም ሓልዮም እዮም። ገሊኦም ኣካላዊ ማህሰይትን ማእሰርትን ኣጋጢምዎም፡ ካብኡ ሓሊፎም እውን ምእንቲ እምነቶም ተቐቲሎም እዮም። ኣብነቶም ከኣ ከምቲ ነቲ ኣብ ቱርኪ ዚነብር ባሪሽ ዝሓገዞ፡ ንዓኻ እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እዚ ሓው እዚ ኸምዚ በለ፦ “ፍራንዝ ራይተር ኣብ ሰራዊት ሂትለር ምእታው ብምእባዩ እተቐትለ መንእሰይ ሓው እዩ። ድሮ እታ ዝሞተላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት ናብ ኣዲኡ ዝጸሓፋ ደብዳበ፡ ኣብ የሆዋ ዓብዪ እምነትን እምንቶን ከም ዝነበሮ እዩ ዜርኢ፣ ከምዚ ዝበለ ፈተና እንተ ኣጋጢሙኒ ኸኣ፡ ኣብነቱ ኽስዕብ ደለኹ።” [2]

18, 19. (ሀ) ኸመይ ገይሮም እዮም ኣባላት ጉባኤኻ ገለልትነትካ ምእንቲ ኽትሕሉ ኪድግፉኻ ዚኽእሉ፧ (ለ) እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

18 ኣብ ጉባኤኻ ኻብ ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ገለልትነትካ ዜጋጥመካ ዘሎ ፈተናታት ንገሮም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ብሱል ምኽሪ ኺውሃበካ እውን ሕተት። ኣባላት ጉባኤ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመካ ዘሎ ብድሆታት እንተ ፈሊጦም ኬተባብዑኻ ይኽእሉ እዮም። ኪጽልዩልካ ሕተቶም። ኣሕዋትና ኺድግፉናን ኪጽልዩልናን ንደሊ እንተ ዄንና፡ ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብረሎም ኣሎና። (ማቴ. 7:12) እቲ ኣብ jw.org ኣብ ትሕቲ NEWSROOM > LEGAL DEVELOPMENTS ዚርከብ፡ “ብእምነቶም እተኣስሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—በብዓዲ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ፡ ኣብ ጸሎትካ ደገፍ ንዜድልዮም ኣሕዋትና ፈሊኻ ንምጥቃስ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብኡ ድማ ዝርዝር እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ብእምነቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሎ። ገለ ስማት ጠቒስካ፡ ንጽህናኦም ብትብዓት ኪሕልዉ ጸልየሎም።—ኤፌ. 6:19, 20

19 መወዳእታ ሰብኣውያን መንግስትታት ብዝቐረበ መጠን፡ ንሳተን ንየሆዋን ንመንግስቱን ዘሎና ተኣማንነት ብዝያዳ እንተ ተቓወማ ኺገርመና የብሉን። እምበኣር፡ ሕጂ ነቲ ኣብዛ እተኸፋፈለት ዓለም ገለልትነትና ንምሕላው ዘሎና ቘራጽነት ነደልድል።

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 1) የሱስ ከም ምልክት ሲቪላዊ ስልጣን ወይ መንግስቲ ገይሩ ነቲ ኣብቲ ግዜ ዝለዓለ ሰብኣዊ ገዛኢ ዝነበረ ቄሳር እዩ ጠቒስዎ።

^ [2] (ሕጡብ ጽሑፍ 17) ኣብታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 662፡ ከምኡ ድማ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 14 እትርከብ፡ “ንኽብሪ ኣምላኽ ሞይቱ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።