ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ነፍሲ ወከፍ ቅቡእ ክርስትያን ካብ ኣምላኽ ዚቕበሎ “ዕርቡን”ን “ማሕተም”ን እንታይ እዩ፧—2 ቈረ. 1:21, 22

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ሓቅነት ሰነድ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ካይላ ወይ ስምዒ ብቐለቤት ማሕተም ይሕተም ነይሩ

ዕርቡን፦ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ እታ ኣብ 2 ቈረንቶስ 1:22 “ዕርቡን” ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ንሓደ ነገር ንምውናን ወይ ድማ ውዕል ንምጽናዕ፡ ካብቲ ጠቕላላ ዋጋ ኣቐዲምካ ዚኽፈል እተወሰነ ኽፍሊት” እተመልክት “ናይ ሕግን ናይ ንግድን ተክኒካዊት ቃል” እያ። ምሉእ ክፍሊት ወይ ዓስቢ እቶም ቅቡኣን ከኣ፡ እቲ ዚለብስዎ ዘይሓልፍ ሰማያዊ ኣካል ምዃኑ ኣብ 2 ቈረንቶስ 5:1-5 ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ዓስቢ ንዘይመወት ህይወት እውን ዜጠቓልል እዩ።—1 ቈረ. 15:48-54

ኣብ ዘመናዊ ግሪኽኛ፡ ምስዛ ቓል እዚኣ እትዛመድ ቃል ንቐለቤት ሕጸ ተመልክት እያ። እዚ ኸኣ ነቶም ክፍሊ ምሳልያዊት ሰበይቲ ክርስቶስ ዚዀኑ ሰባት ዚግባእ መግለጺ እዩ።—2 ቈረ. 11:2፣ ራእ. 21:2, 9

ማሕተም፦ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ማሕተም ንዋንነት፡ ንሓቅነት፡ ወይ ንስምምዕ ዜረጋግጽ ክታም እዩ ነይሩ። ቅቡኣት ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንብረት ኣምላኽ ኰይኖም ብመንፈስ ቅዱስ ‘እተሓትሙ’ ወይ ዕላመት እተገብረሎም እዮም። (ኤፌ. 1:13, 14) ይኹን እምበር፡ እዚ ማሕተም እዚ ዚጸንዕ፡ እቲ ሰብ እሙን ኰይኑ ቕድሚ ሙማቱ ወይ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ቕድሚ ምጅማሩ እዩ።—ኤፌ. 4:30፣ ራእ. 7:2-4