ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሚያዝያ 2018

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 4 ሰነ ክሳዕ 8 ሓምለ 2018 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

መገዲ ናይ ሓቂ ሓርነት

ገሊኦም ሰባት ካብ ጭቈናን ኣድልዎን ድኽነትን ኪገላገሉ ይደልዩ እዮም፣ ካልኦት ከኣ፡ ናይ ምዝራብን ናይ ምምራጽን ናጽነት ኪረኽቡ ይሓትቱ እዮም። ናይ ሓቂ ሓርነት ኪርከብ ይከኣል ድዩ፧

ነቲ ኣምላኽ ሓርነት ዝዀነ የሆዋ ኣገልግሎ

መንፈስ የሆዋ ሓራ ዝገበረና ብኸመይ እዩ፧ ከምኡ እውን ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ሓርነት ብዘይግባእ ከይንጥቀመሉ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ኣቱም እተሸምኩም ሰብኡት—ካብ ጢሞቴዎስ ተምሃሩ

ጢሞቴዎስ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኪዓይዪ ምስ ጀመረ፡ ርእሰ ምትእምማን ጐዲልዎ ዝነበረ እዩ ዚመስል። ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ካብ ኣብነት ጢሞቴዎስ እንታይ እዮም ኪምሃሩ ዚኽእሉ፧

ነቲ ዜተባብዕ ኣምላኽና የሆዋ ንምሰሎ

ህዝቢ የሆዋ ዅሉ ሳዕ መተባብዒ የድልዮም እዩ።

ንሓድሕድና “ብዝያዳ” ንተባባዕ

መዓልቲ የሆዋ ስለ ዝቐረበት፡ ንኣሕዋትና ዜድልዮም ዘበለ መተባብዒ ምእንቲ ኽንህቦም ክንግደሰሎም ኣሎና።

ኣቱም መንእሰያት፡ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት ዲኹም እተተኵሩ፧

መንእሰያት ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ኣጋጣሚታትን ኣማራጺታትን ስለ ዚህልዎም እንታይ ከም ዚውስኑ ኺሕርብቶም ይኽእል እዩ። ብዛዕባ መጻኢኦም ጥበባዊ ውሳነ ኺገብሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜውጽእዎ ሕታማት ኣብ ውልቃዊ ወብ ሳይት ወይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምልጣፍ ዘይፍቀድ ስለምንታይ እዩ፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

መዝሙር 144 ንመን እያ እተመልክት፧