ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ኣምላኽ ሓርነት ዝዀነ የሆዋ ኣገልግሎ

ነቲ ኣምላኽ ሓርነት ዝዀነ የሆዋ ኣገልግሎ

“የሆዋ መንፈስ እዩ፣ ኣብቲ መንፈስ የሆዋ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ።”2 ቈረ. 3:17

መዝሙር፦ 49, 73

1, 2. (ሀ) ባርነትን ሓርነት እቶም ብግዜ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሩ ሰባት ዚዛረቡሉ ዛዕባ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ንሰባት፡ ምንጪ ናይ ሓቂ ሓርነት መን ምዃኑ እዩ ሓቢርዎም፧

ኣብታ ቐዳሞት ክርስትያናት ዚነብሩላ ዝነበሩ ሃጸያዊት ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ሰባት፡ ብሕጎምን ብናይ ፍትሒ ስርዓቶምን በቲ ዝረኸብዎ ሓርነትን ይዀርዑ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ሓይልን ክብርን ሃጸያዊት ግዝኣት ሮሜ ኣብ እንግድዓ ባሮት እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። ሓደ እዋን ከኣ፡ 30 ሚእታዊት ህዝቢ ሮሜ ባሮት እዮም ነይሮም። እምበኣር፡ ባርነትን ሓርነትን ተራ ህዝቢ፡ እንተላይ ክርስትያናት ዚዛረቡሉ ዛዕባ ኸም ዝነበረ ርዱእ እዩ።

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፈን መልእኽትታት ብዛዕባ ሓርነት ብዙሕ ይገልጻ እየን። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ለውጢ ኼምጽኡ ይጽዕሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣገልግሎት ጳውሎስ ግና ኣብዚ ዘተኰረ ኣይነበረን። ንሱን ካልኦት ክርስትያናት ብጾቱን ካብ ሰብኣዊ ገዛኢ ወይ ስርዓት ሓርነት ኪረኽቡ ኣይጸዓሩን። የግዳስ፡ ንኻልኦት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኬበስርዎምን መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ዋጋ ምእንቲ ኺርድኡ ኺምህርዎምን እዮም ዚጽዕሩ ነይሮም። ጳውሎስ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቱ፡ ምንጪ ናይ ሓቂ ሓርነት መን ከም ዝዀነ ሓቢርዎም እዩ። ኣብታ ኣብ ቈረንቶስ ናብ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝለኣኻ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ “የሆዋ መንፈስ እዩ፣ ኣብቲ መንፈስ የሆዋ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ” ኢሉ ብንጹር ነገሮም።—2 ቈረ. 3:17

3, 4. (ሀ) ጳውሎስ ኣብተን ቅድሚ 2 ቈረንቶስ 3:17 ዘለዋ ፍቕድታት ብዛዕባ እንታይ እዩ ገሊጹ፧ (ለ) ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ ሓርነት ክንረኽቦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3 ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ ሙሴ ኣብ ቅድሚ መልኣኽ የሆዋ ቘይሙ ኻብ ከረን ሲና ምስ ተመልሰ ብዛዕባ ዝነበሮ ኽብሪ ገሊጹ እዩ። እቶም ህዝቢ ንሙሴ ምስ ረኣይዎ ስለ ዝፈርሁ፡ ሙሴ ኣብ ገጹ መጐልበቢ ገበረ። (ዘጸ. 34:29, 30, 33፣ 2 ቈረ. 3:7, 13) ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ፡ “ሓደ ናብ የሆዋ ምስ ዚምለስ ግና፡ እቲ መጐልበቢ ይቕንጠጥ እዩ” በለ። (2 ቈረ. 3:16) ቃላት ጳውሎስ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለወን፧

4 ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ እቲ ፈጣሪ ዅሉ ነገር ዝዀነ የሆዋ ጥራይ እዩ ፍጹምን ደረት ዘይብሉን ሓርነት ዘለዎ። እምበኣር፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋን “ኣብቲ መንፈስ የሆዋ ዘለዎ”ን፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ እንተ ተባህለ ዜገርም ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ካብዚ ሓርነት እዚ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ‘ናብ የሆዋ ኽንምለስ፡’ ማለት ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ክንምስርት ኣሎና። እቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝነበሩ እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ምሳታቶም ዝነበሮ ርክብ ብመንፈሳዊ ዓይኒ ኣይረኣይዎን። ኣብቲ ኻብ ግብጺ ብስጋዊ መገዲ ሓራ ምስ ወጹ ዝረኸብዎ ሓድሽ ናጽነት ኣተኲሮም ስለ ዝነበሩ፡ ልቦምን ኣእምሮኦምን ከም እተሸፈነ ጌርካ ኺርአ ይከኣል።—እብ. 3:8-10

5. (ሀ) መንፈስ የሆዋ እንታይ ዓይነት ሓርነት እዩ ዚህበና፧ (ለ) ባርያ ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዚርከብ ሰብ እውን ካብ የሆዋ ዚርከብ ሓርነት ኪህልዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ሐ) ነየናይ ሕቶታት ኢና መልሲ ኽንረኽበሉ ዘሎና፧

5 ይኹን እምበር፡ እቲ መንፈስ የሆዋ ዚህበና ሓርነት፡ ካብቲ ብስጋዊ መገዲ እንረኽቦ ሓርነት ኣዝዩ ዚበልጽ እዩ። መንፈስ የሆዋ ኻብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ከምኡ እውን ካብ ባርነት ናይ ሓሶት ኣምልኾን ልምድታቱን ሓራ የውጽእ እዩ። እዚ ኸኣ ብዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ጻዕሪ ኺብጻሕ ዚከኣል ኣይኰነን። (ሮሜ 6:23፣ 8:2) እዝስ ከመይ ዝበለ ኽቡር ሓርነት ኰን እዩ! ባርያ ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዚርከብ ሰብ እውን ከይተረፈ እዚ ሓርነት እዚ ኺረክብ ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 39:20-23) ንኣብነት፡ ሓብትና ናንሲ ዪዋንን ሓውና ሃሮልድ ኪንግን ብእምነቶም ንሓያሎ ዓመታት ተኣሲሮም እኳ እንተ ነበሩ፡ ከምዚ ዓይነት ሓርነት ነይርዎም እዩ። ኣብ ፈነወ JW ወይ ኣብ JW Library ተመክሮኦም ኪዛረቡ ኸለዉ ኽትሰምዖምን ክትርእዮምን ትኽእል ኢኻ። (ኣብ ትሕቲ INTERVIEWS AND EXPERIENCES > ENDURING TRIALS ርአ።) እሞ ደኣ ነቲ ዘሎና ሓርነት ኣኽቢርና ኸም እንሕዞ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንሓርነትና ብጥበብ ክንጥቀመሉ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ሓርነት ኣኽቢርና ንሓዞ

6. እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ዝሃቦም ሓርነት ሞሳ ኸም ዘይነበሮም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

6 ሓደ እተዋህበና ውህበት ክሳዕ ክንደይ ኣዝዩ ኽቡር ምዃኑ ምስ ተገንዘብና፡ ነቲ ወሃቢ ኣዚና ኢና እነመስግኖ። እስራኤላውያን ግና ነቲ የሆዋ ኻብ ባርነት ግብጺ ሓራ ብምውጻእ ዝሃቦም ሓርነት ሞሳ ኣይነበሮምን። ድሕነት ምስ ረኸቡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ፡ እቲ ኣብ ግብጺ ሓዲጎምዎ ዝመጹ ምግብን መስተን ዊን ኢልዎም ኪሃርፍዎ ጀመሩ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሃቦም መሰናድዎ ኣማረሩ፣ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን፡ ናብ ግብጺ ኺምለሱ ደለዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ካብቲ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኼምልኹ ዚረኸብዎ ሓርነት ብዝያዳ፡ “ዓሳን ኣጕርስን ብርጭቕን ሽጕርቲ ቓንጫን ቀይሕ ሽጕርትን ጻዕዳ ሽጕርትን” ተመነዩ። የሆዋ በዞም ህዝቢ እዚኦም ኣዝዩ ምቝጣዑ ዜገርም ኣይኰነን። (ዘሁ. 11:5, 6, 10፣ 14:3, 4) እዚ ዅነታት እዚ፡ ሓያል ትምህርቲ እዩ ዚምህረና።

7. ጳውሎስ ነቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 6:1 ዝጠቐሶ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ዘውዓሎ ብኸመይ እዩ፧ ንሕናኸ ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 ሃዋርያ ጳውሎስ ንዅሎም ክርስትያናት፡ ነቲ የሆዋ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ብልግሲ ዝሃበና ሓርነት ኣቕሊሎም ከይርእይዎ ተማሕጺንዎም እዩ። (2 ቈረንቶስ 6:1 ኣንብብ።) ጳውሎስ ባርያ ሓጢኣትን ሞትን ብምዃኑ እተሰምዖ ስቓይ እሞ ዘክር። ግናኸ፡ “ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ይመስገን” ኢሉ ሞሳኡ ገለጸ። ስለምንታይ፧ ንክርስትያናት ብጾቱ ምኽንያቱ ኼብርሃሎም ከሎ፡ “ከመይሲ፡ እቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎካ ሓድነት ህይወት ዚህብ ሕጊ እቲ መንፈስ፡ ካብ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡካ ኣሎ” በለ። (ሮሜ 7:24, 25፣ 8:2) ንሕና እውን ኣብነት ጳውሎስ ብምስዓብ፡ የሆዋ ኻብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኸም ዘውጽኣና ፈጺምና ኽንርስዕ የብልናን። ሳላ እቲ በጃ፡ ንኣምላኽ ብንጹህ ሕልና ኸነምልኾ ኽኢልና ኢና፣ እዚ ድማ ናይ ሓቂ ሓጐስ የምጽኣልና እዩ።—መዝ. 40:8

ነቲ ኽትመርጽ እተዋህበካ ሓርነት፡ ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ንምሃብ ዲኻ እትጥቀመሉ ወይስ ንረብሓኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-10 ርአ)

8, 9. (ሀ) ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሓርነትና ብዛዕባ ምጥቃም እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ሂቡ፧ (ለ) ሓደ ሰብ ንሓርነቱ ብዘይግቡእ ኪጥቀመሉ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

8 ይኹን እምበር፡ ነቲ ዝረኸብናዮ ኽቡር ሓርነት ሞሳና ኽንገልጽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዘይግቡእ ከይንጥቀመሉ እውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሓርነትና ኸም መጐልበቢ ስጋዊ ትምኒታትና ኸይንጥቀመሉ ኣጠንቂቑና እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:16 ኣንብብ።) እዚ መጠንቀቕታ እዚ፡ ነቲ እስራኤላውያን ኣብ ምድረ በዳ ዘጋጠሞም ነገርዶ ኣየዘክረናን፧ ሎሚ እውን ንዓና ኻባታቶም ብዝያዳ እዚ መጠንቀቕታ እዚ የድልየና እዩ። ሰይጣንን ዓለሙን ብኣከዳድናን ብኣመለኻኽዓናን፡ ብምግብን ብመስተን፡ ብመዘናግዒ ኸምኡ እውን ብኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ኣቢሎም ብምስዳዕ ከም እንሃርፍ ኪገብሩና ይኽእሉ እዮም። ክኢላታት መዋዓዋዕቲ ብምልኩዓት ሰባት ኣቢሎም ብሓቂ ዘየድልየና ነገር ኣዝዩ ኸም ዜድልየና ዀይኑ ኸም ዚስምዓና ኺገብሩ ይጽዕሩ እዮም። በዚ ኸምዚ ብዓለም ተታሊልና፡ ንሓርነትና ብዘይግቡእ ክንጥቀመሉ ኽንፍተን ንኽእል ኢና።

9 እቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ ምኽሪ፡ ኣገዳሲ ንዝዀነ መዳያት ህይወት እውን ዚምልከት እዩ፣ ገለ ኻብኡ፡ ብዛዕባ ትምህርትን ስራሕን ሞያን እንገብሮ ምርጫ እዩ። ንኣብነት፡ ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ተምሃሮ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲታት ኣትዮም ምእንቲ ኺምሃሩ ኣበርቲዖም ኪጽዕሩ ጸቕጢ ይግበረሎም እዩ። ዝለዓለ ትምህርቲ እንተ ተማሂሮም፡ ብሉጽ ስራሕ ከም ዚረኽቡ፡ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዚኽፈሎም፡ ክብሪ ኸም ዚረኽቡ ይንገሮም እዩ። እቶም ጸቕጢ ዚገብሩሎም ሰባት ነቶም መንእሰያት፡ እቶም ካብ ዩኒቨርስቲ እተመረቑ ኻብቶም ዘይተመረቑ ዝሓሸ ገንዘብ ከም ዚረኽቡ ዜርኢ ኣሃዛዊ መርትዖታት ኬርእይዎም ይጽዕሩ ይዀኑ። መንእሰያት ንምሉእ ህይወቶም ዚጸሉ ምርጫታት ኪገብሩ ኸለዉ፡ እዚ ዅሉ ኼስድዖም ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ንሳቶም ኰኑ ወለዶም እንታይ እዮም ኪርስዑ ዘይብሎም፧

10. ኣብ ብሕታዊ ምርጫታትና ናይ ገዛእ ርእስና ውሳነታት ክንገብር ከለና እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

10 ገሊኦም ሰባት፡ እዚ ምርጫታት እዚ ብሕታዊ ውሳነታት ስለ ዝዀነ፡ ሕልናኦም ዚፈቕደሎም ውሳነ ኺገብሩ ሓራ ኸም ዝዀኑ ይስምዖም እዩ። ምናልባት ከኣ ነቲ ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ንዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ ምግቢ ዝበሎም ይዝክርዎ ይዀኑ፣ ጳውሎስ፡ “ስለምንታይከ ሓርነተይ ብሕልና ኻልእ ዚፍረድ፧” ኢሉ ነበረ። (1 ቈረ. 10:29) ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ትምህርትናን ንስራሕናን ብሕታዊ ምርጫታት ክንገብር ናጽነት እኳ እንተሎና፡ ናጽነትና ደረት ከም ዘለዎን እቲ እንገብሮ ውሳነታት ሳዕቤን ከም ዘለዎን ክንርስዕ የብልናን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ጳውሎስ፡ “ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኵሉ ግና ኣይኰነን ዚጠቅም። ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኵሉ ግና ኣይኰነን ዚሃንጽ” በለ። (1 ቈረ. 10:23) ስለዚ፡ ኣብ ብሕታዊ ምርጫታትና ናይ ገዛእ ርእስና ውሳነታት ክንገብር ሓራ እኳ እንተ ዀንና፡ ቀዳምነት ክንህቦ ዘሎና ንድሌትና ጥራይ ኪኸውን የብሉን።

ብሓርነትና ንኣምላኽ ብምግልጋል ጥበብ ነርኢ

11. ሓራ ዝወጻእናሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

11 ጴጥሮስ ንሓርነትና ብዘይግቡእ ከይንጥቀመሉ ኺመኽረና ኸሎ፡ “ከም ባሮት ኣምላኽ” ብምዃን ንሓርነትና ብግቡእ መገዲ ኽንጥቀመሉ ተማሕጺኑና እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ኻብ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዘውጽኣና፡ “ከም ባሮት ኣምላኽ” ንዕኡ ምሉእ ህይወትና ምእንቲ ኽንውፍየሉ እዩ።

12. ኖህን ስድራ ቤቱን እንታይ ኣብነት እዮም ሓዲጎምልና፧

12 ሓርነትና ኽንጥቀመሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ፡ ግዜናን ጕልበትናን ወፊና ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምስ እነገልግሎ እዩ። ከምኡ ምግባርና፡ መንፈሳዊ ሸቶታትና ብዓለማዊ ባህግታትን ትምኒታትን ከይውሓጥ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ገላ. 5:16) ኖህን ስድራ ቤቱን እንታይ ከም ዝገበሩ ዘክር። ብዓመጻን ርኽሰትን ኣብ ዝመልአት ዓለም እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ባህግታትን ሸቶታትን እቶም ኣብ ግዜኦም ዝነበሩ ሰባት ኣይማረኾምን። ዕዉታት ኪዀኑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደበሎም ዕዮ፡ ማለት መርከብ ኣብ ምስራሕ፡ ንዓታቶምን ንእንስሳታትን ዚኸውን ምግቢ ኣብ ምኽዛን፡ ከምኡ ድማ መልእኽቲ መጠንቀቕታ ንኻልኦት ኣብ ምንጋር ትሑዛት ኪዀኑ መሪጾም ነበሩ። “ኖህ ድማ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ገበረ። ልክዕ ከምኡ ገበረ።” (ዘፍ. 6:22) ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ ኖህን ስድራ ቤቱን ካብ ጥፍኣት እታ ብግዜኦም ዝነበረት ዓለም ደሓኑ።—እብ. 11:7

13. የሱስ እተቐበሎን ንሰዓብቱ ዘመሓላለፎን መዝነት እንታይ እዩ፧

13 ሎሚ የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ኣዚዙና፧ ከም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ መጠን፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና መዝነት ንፈልጦ ኢና። (ሉቃስ 4:18, 19 ኣንብብ።) ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ኣምላኽ እዚ ስርዓት እዚ ኣዕዊርዎም እዩ ዘሎ፣ ብሃይማኖታውን ቍጠባውን ማሕበራውን መዳይ ከኣ ባሮት ኰይኖም እዮም ዘለዉ። (2 ቈረ. 4:4) ኣስኣሰር የሱስ ብምስዓብ፡ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ሓርነት ዝዀነ የሆዋ ኺፈልጥዎን ኬምልኽዎን ክንሕግዞም ፍሉይ መሰል ኣሎና። (ማቴ. 28:19, 20) እዚ ቐሊል ዕዮ ኣይኰነን፣ እኳ ደኣስ፡ ብዙሕ ብድሆታት ኣለዎ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ሰባት ንመልእኽትና ተገዳስነት የብሎምን፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ይጻረሩና እዮም። ኰይኑ ግና፡ ክንሰብኽ ዝኣዘዘና የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ ‘ንሓርነተይ፡ ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ንምድጋፍ ክጥቀመሉ እኽእል ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና።

14, 15. ብዙሓት ህዝቢ የሆዋ እንታይ ኪገብሩ እዮም ወሲኖም፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

14 ሓያሎ ህዝቢ የሆዋ፡ ኣብ ህጹጽ ግዜ ንነብር ከም ዘለና ተገንዚቦም፡ ናብራኦም ብምቕላል ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ይጽዕሩ እዮም። (1 ቈረ. 9:19, 23) ገሊኦም ኣብ ክሎም እዮም ዜገልግሉ፣ ካልኦት ከኣ፡ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልይሉ ቦታ ኸይዶም የገልግሉ ኣለዉ። ጸብጻባት ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ኣሕዋት ናይ ምሉእ ግዜ ሰበኽቲ ዀይኖም እዮም፣ ቍጽሪ ስሩዓት ፈለምቲ ድማ ብገምጋም ልዕሊ 1,100,000 በጺሑ እዩ። እዚ ዜደንቕ ውጽኢት እዚ እተረኽበ፡ ኣሕዋት ንሓርነቶም ንየሆዋ ንምግልጋል ስለ እተጠቕምሉ እዩ።—መዝ. 110:3

15 እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓርነቶም ብጥበብ ኪጥቀምሉ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዘገልገሉ ጆንን ጁዲትን እንታይ ከም ዝበሉ እሞ ርአ። ብ1977 ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ኺጅምር ከሎ፡ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልይሉ ቦታ ኼድካ ብዛዕባ ምግልጋል ብዙሕ ኣትኵሮ ተዋሂብሉ ኸም ዝነበረ ይዝክሩ። ጆን ቀሊል ናብራ ንምንባር ዜኽእሎም ስራሕ ምእንቲ ኺሰርሕ፡ ብተደጋጋሚ ስራሕ ቀይሩ እዩ። እዚ ድማ፡ ኣብ ሸቶኦም ኬተኵሩ ሓጊዝዎም እዩ። ጸኒሖም ናብ ወጻኢ ሃገር ምስ ከዱ ከኣ፡ ናብ የሆዋ ምጽላዮምን ኣብኡ ምውካሎምን፡ ሓድሽ ቋንቋ ኺምሃሩን ምስ ሓድሽ ባህሊ ኺላመዱን ከቢድ ኵነታት ኣየር ኪጻወሩን ሓጊዝዎም እዩ። እዚ ኣብ ኣገልግሎት ዘሕለፍዎ ዓመታት ብኸመይ እዩ ጽልዋ ገይሩሎም፧ ጆን ከምዚ በለ፦ “ካብ ዝፈልጦ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ኣብ ዚበልጽ ዕዮ ኸም እተወሓጥኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። የሆዋ ኸም ፈቃር ኣቦ መጠን ዝያዳ ህያው ኰይኑለይ እዩ። ሕጂ እታ ‘ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፣ ኣቱም ተወላወልቲ እውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ’ እትብል ያእቆብ 4:8 እንታይ ማለት ምዃና ብዝያዳ እርድኣ እየ። ነቲ ዝደልዮ ዝነበርኩ፡ ማለት ዜዕግብ ዕላማ ዘለዎ ህይወት ረኺበ እየ።”

16. ድሩት ኵነታት ዘለዎም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣሕዋት ንሓርነቶም ብጥበብ እተጠቕምሉ ብኸመይ እዮም፧

16 ገሊኦም ብሰንኪ እተፈላለየ ዅነታት፡ ከም ጆንን ጁዲትን ንነዊሕ እዋን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብዙሓት ኣሕዋት ኣብ እተፈላለየ ዕዮታት ህንጸት ብወለንታ ኺዓይዩ ኽኢሎም እዮም። ንኣብነት፡ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትና ኣብ ዎርዊክ፡ ኒው ዮርክ ኪህነጽ ከሎ፡ ኣስታት 27,000 ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ክልተ ሰሙን ክሳዕ ዓመት ወይ ልዕሊኡ ንዚኸውን እዋናት ብወለንታ ኣገልጊሎም እዮም። መብዛሕትኦም ኣብዚ ዕዮ እዚ ምእንቲ ኺሳተፉ ናብራኦም መስዋእቲ ገይሮም እዮም። በቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ሓርነት ተጠቒሞም ነቲ ኣምላኽ ሓርነት ዝዀነ የሆዋ ኺውድስዎን ኬኽብርዎን ብምጽዓሮም ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ጽቡቕ ኣብነት ኰይኖምና!

17. ነቶም ካብ ኣምላኽ ንዝረኸብዎ ሓርነት ብጥበብ ዚጥቀምሉ እንታይ ዜደንቕ መጻኢ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧

17 ንየሆዋ ብምፍላጥናን ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዜምጽኣልና ሓርነት ከነስተማቕር ብምኽኣልናን ሕጉሳት ኢና። እምበኣር፡ እቲ እንገብሮ ምርጫታት፡ ነዚ ሓርነት እዚ ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ። ንሓርነትና ኣይነባኽኖ ወይ ብዘይግቡእ ኣይንጠቐመሉ፣ የግዳስ፡ ንሓርነትናን ነቲ ብእኡ ኣቢልና ዝረኸብናዮ ኣጋጣምን፡ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንምግልጋል ንጠቐመሉ። ከምኡ እንተ ደኣ ጌርና፡ ነቲ የሆዋ፡ ‘ፍጥረት ንባዕሉ ኻብ ባርነት ጥፍኣት ሓራ ኸም ዚወጽእን ክቡር ሓርነት ደቂ ኣምላኽ ከም ዚህልዎን’ ዘተስፈዎ በረኸት ክንረኽቦ ኢና።—ሮሜ 8:21