ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ዜተባብዕ ኣምላኽና የሆዋ ንምሰሎ

ነቲ ዜተባብዕ ኣምላኽና የሆዋ ንምሰሎ

“ኣምላኽ . . . ኣብ ኵሉ ጸበባና የተባብዓና እዩ።”2 ቈረ. 1:3, 4፡ እ.ጽ.።

መዝሙር፦ 7, 3

1. የሆዋ ኣብ ኤደን ዕልወት ምስ ኣጋጠመ፡ እንታይ መተባብዒ እዩ ሂቡ፧

ደቂ ሰብ ካብ ዝሓጥኡሉ እዋን ኣትሒዙ፡ የሆዋ ዜተባብዕ ኣምላኽ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ኣብ ኤደን ዕልወት ምስ ኣጋጠመ ብኡብኡ፡ ንዘርኢ ኣዳም ዜተባብዕን ተስፋ ዚህብን ትንቢት ተዛሪቡ እዩ። ደቂ ሰብ ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ዚርከብ ትንቢታዊ ተስፋ ምስ ዚርድእዎ፡ “እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስን ኵሉ እኩይ ግብርታቱን ውዒሉ ሓዲሩ ኸም ዚጠፍእ ተስፋ ይህቦም እዩ።—ራእ. 12:9፣ 1 ዮሃ. 3:8

የሆዋ ጥንቲ ንዝነበሩ ኣገልገልቱ ኣተባቢዕዎም

2. የሆዋ ንኖህ ዜተባብዖ ብኸመይ እዩ፧

2 እቲ ኣገልጋሊ የሆዋ ዝነበረ ኖህ ኣብታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበራ ዓለም እዩ ዚነብር ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንየሆዋ ዜምልኹ ዝነበሩ ኸኣ፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ጥራይ እዮም ነይሮም። ዓመጻን ጾታዊ ርኽሰትን ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ ስለ ዝነበረ፡ ኖህ በዚ ተስፋ ቘሪጹ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 6:4, 5, 11፣ ይሁ. 6) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንኖህ፡ በቲ ‘ምስ ኣምላኽ ኪመላለስ’ ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ጸኒዑ ኪቕጽል ዜተባብዖ ሓበሬታ ሃቦ። (ዘፍ. 6:9) ነታ እክይቲ ዓለም ከም ዜጥፍኣ ሓበሮ፣ ስድራ ቤቱ ምእንቲ ኺድሕኑ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ እውን ነገሮ። (ዘፍ. 6:13-18) በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ንኖህ፡ ዜተባብዕ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣረጋጊጹሉ እዩ።

3. እያሱ እንታይ መተባብዒ እዩ ረኺቡ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

3 ድሕሪ ግዜ፡ እያሱ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ተስፋ ኼስፍሮም ሓላፍነት ተዋሂብዎ ነበረ። እዚ ሓላፍነት እዚ ድማ ኣዝዩ ኸቢድ ሓላፍነት እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ንሓያል ሰራዊት ነበርቲ እታ ምድሪ ተዋጊኡ ኺስዕሮም የድልዮ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እያሱ ኺፈርህ ይኽእል ነይሩ እዩ። የሆዋ እዚ ስለ ዝፈለጠ፡ ሙሴ ንእያሱ ኼተባብዖ ነገሮ። “ቀቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ዚሳገርን ነታ እትርእያ ምድሪ ዜውርሶምን እያሱ እዩ እሞ፡ ንዕኡ መዝዞ፡ ኣተባብዓዮ፡ ኣበርትዓዮ እውን” ከኣ በሎ። (ዘዳ. 3:28) የሆዋ ባዕሉ ድማ ንእያሱ፡ “‘ትባዕን በርትዕን’ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ እትኸዶ ዘበለ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ወይ ኣይትፍራህ” በሎ። (እያ. 1:1, 9) እዝስ ከመይ ዝበለ መተባብዒ ዀን እዩ!

4, 5. (ሀ) የሆዋ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቡ እንታይ መተባብዒ እዩ ሂብዎም፧ (ለ) የሆዋ ንወዱ ዘተባብዖ ብኸመይ እዩ፧

4 የሆዋ ንውልቀ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንህዝቡ ብሓፈሻ እውን ዜተባብዕ ቃላት ተዛሪብዎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣይሁድ ኣብ ምርኮ ባቢሎን ከለዉ መተባብዒ ኸም ዜድልዮም ስለ እተገንዘበ፡ ብትንቢታዊ ቓላት ገይሩ ኣተባቢዕዎም እዩ። ከምዚ ድማ በሎም፦ “ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ። ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ፡ ብናይ ጽድቂ የማነይቲ ኢደይ እውን ክሕዘካ እየ” ድማ በሎም። (ኢሳ. 41:10) ቀዳሞት ክርስትያናት ኰኑ ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እውን እዚ መተባብዒ እዚ ረኺቦም እዮም።2 ቈረንቶስ 1:3, 4 ኣንብብ።

5 የሱስ እውን ካብ ኣቦኡ መተባብዒ ረኺቡ እዩ። ምስ ተጠምቀ፡ ካብ ሰማያት፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” ዚብል ድምጺ ሰምዐ። (ማቴ. 3:17) የሱስ ኣብ ምድሪ የገልግል ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዘን ቃላት እዚአን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣተባቢዐናኦ ይዀና!

የሱስ ኣተባቢዑ

6. ምሳልያዊ ዛንታ እቲ ታለንት ብኸመይ እዩ ዜተባብዕ፧

6 የሱስ ንኣብነት ኣቦኡ ስዒቡ እዩ። እቲ ብዛዕባ መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ዚገልጽ ትንቢት እተዛረቦ ምሳልያዊ ዛንታ እቲ ታለንት፡ እሙን ምዃን ዜተባብዕ እዩ ነይሩ። እቲ ጐይታ ንነፍሲ ወከፍ እሙን ባርያኡ፡ “ንፉዕ፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ባርያ! ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ። ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ። ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ” ብምባል ኣኽቢርዎም እዩ። (ማቴ. 25:21, 23) እዚ ቓላት እዚ፡ ንየሆዋ ብተኣማንነት ከተገልግል ዜተባብዕ ቃላት እዩ።

7. የሱስ ንሃዋርያቱ፡ ብፍላይ ከኣ ንጴጥሮስ እንታይ መተባብዒ እዩ ሂቡ፧

7 ሃዋርያት የሱስ ብዙሕ ሳዕ መኖም ከም ዚዓቢ ይከራኸሩ ነይሮም እዮም። የሱስ ግና ርእሶም ኬትሕቱን ጐይተት ዘይኰኑስ ኣገልገልቲ ኪዀኑን ብትዕግስቲ ኣተባቢዕዎም እዩ። (ሉቃ. 22:24-26) ብፍላይ ጴጥሮስ ንየሱስ ብዙሕ ሳዕ ኣጕህይዎ እዩ። (ማቴ. 16:21-23፣ 26:31-35, 75) የሱስ ግና ንጴጥሮስ ኣይነጸጎን። እኳ ደኣስ፡ ኣተባቢዕዎ እዩ፣ ንኣሕዋቱ ኼበራትዖም እውን ሓላፍነት ሂብዎ እዩ።—ዮሃ. 21:16

ጥንቲ እተዋህበ መተባብዒ

8. ህዝቅያስ ንኣሕሉቕ ተዋጋእትን ንህዝቢ ይሁዳን ዘተባብዖም ብኸመይ እዩ፧

8 ወዲ የሆዋ ናብ ምድሪ መጺኡ ብኸመይ መተባብዒ ኺውሃብ ከም ዘለዎ ፍጹም ኣብነት ቅድሚ ምሕዳጉ እውን ከይተረፈ፡ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ንኻልኦት ኬተባብዑ ኸም ዘለዎም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ኣሶራውያን ንህዝቢ ይሁዳ ኼጥቅዕዎም ምስ መጹ፡ ህዝቅያስ ንኣሕሉቕ ተዋጋእትን ንህዝቢ ይሁዳን ኣኪቡ ኣተባቢዕዎም እዩ። “እቲ ህዝቢ ድማ ብዘረባ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ተበራትዐ።”2 ዜና መዋእል 32:6-8 ኣንብብ።

9. መጽሓፍ እዮብ ብዛዕባ ምትብባዕ እንታይ ይምህረና፧

9 እዮብ መጸናንዒ የድልዮ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቶም “እተሸግሩ መጸናናዕቲ” ብዛዕባ ምትብባዕ ምሂርዎም እዩ። “ንስኻትኩም ኣብ ቦታይ እንተ ትዀኑ፡ . . . ብቓላት ኣፈይ መበርታዕኩኹም፡ ብምጽንናዕ ከናፍረይ እውን እፎይታ መምጻእኩልኩም ነይረ” ድማ በሎም። (እዮ. 16:1-5) ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ እዮብ ካብ ኤሊሁን ካብ የሆዋን መተባብዒ ረኸበ።—እዮ. 33:24, 25፣ 36:1, 11፣ 42:7, 10

10, 11. (ሀ) ጓል ይፍታሕ መተባብዒ ዜድልያ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሎሚ ተመሳሳሊ መተባብዒ ዜድልዮም መን እዮም፧

10 ጓል ይፍታሕ ሓንቲ ኻብቶም ብግዜ ጥንቲ መተባብዒ ዜድልዮም ዝነበሩ ሰባት እያ ነይራ። ይፍታሕ ምስ ዓሞናውያን ኪዋጋእ ቅድሚ ምኻዱ፡ የሆዋ ዓወት እንተ ሂብዎ፡ ነቲ ኪቕበሎ ኢሉ ኻብ ኣፍ ደገ ቤቱ መጀመርታ ዚወጽእ ሰብ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ኬገልግል ንየሆዋ ኸም ዚውፍዮ ቓል ኣትዩ ነበረ። እታ ሓንቲ በይና ጓሉ ድማ በቲ ዝረኸቦ ዓወት ተሓጒሳ ኽትቅበሎ ወጸት። ይፍታሕ በቲ ዅነታት ልቡ ተሰብረ። ይኹን እምበር፡ ቃሉ ሓልዩ ነታ ድንግል ዝነበረት ጓሉ ምሉእ ህይወታ ኣብቲ ኣብ ሺሎ ዝነበረ ማሕደር ኣምላኽ ከተገልግል ለኣኻ።—መሳ. 11:30-35

11 እቲ ዅነታት ንይፍታሕ ከቢድዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ብፍላይ ግና ጓሉ ምስ ውሳነ ኣቦኣ ኽትሰማማዕ ዝያዳ ዚኸብድ እዩ ነይሩ። (መሳ. 11:36, 37) ምኽንያቱ፡ ምስቲ ውሳነኡ እንተ ተሰማሚዓ፡ ክትምርዖ፡ ክትወልድ፡ ከምኡ እውን ስምን ውርስን ስድራ ቤታ ኽትዕቅብ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ስለዚ፡ ብዙሕ መጸናንዕን መተባብዕን እዩ ዜድልያ ነይሩ። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እዚ ኸኣ ኣብ እስራኤል ልምዲ ዀነ፦ ኣዋልድ እስራኤል ዓመት ዓመት እናኸዳ፡ ንጓል ይፍታሕ እቲ ጊልዓዳዊ ኣርባዕተ መዓልቲ ይንእዳኣ ነበራ” ይብል። (መሳ. 11:39, 40) እቶም በቲ ዅነታቶም ተጠቒሞም ብዝያዳ “ብዛዕባ ጐይታ” ዚሓስቡ ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ናእዳን መተባብዕን ዚግብኦምዶ ኸይኰነ፧—1 ቈረ. 7:32-35

ሃዋርያት ንኣሕዋቶም ኣተባብዕዎም

12, 13. ጴጥሮስ ‘ንኣሕዋቱ ዘተባብዖም’ ብኸመይ እዩ፧

12 የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሙማቱ ዝነበረት ምሸት፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሓሕየኩም ሓቲቱ እዩ። ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ተማህሊለ፣ ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፡ ንኣሕዋትካ ኣበራትዓዮም” በሎ።—ሉቃ. 22:31, 32

መልእኽትታት ሃዋርያት ነተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ጉባኤታት ኣተባቢዐን እየን፣ ንዓና እውን ይሃንጻና እየን (ሕጡብ ጽሑፍ 12-17 ርአ)

13 ጴጥሮስ ከኣ ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዓንዲ ዀይኑ እዩ። (ገላ. 2:9) ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠን ድሕሪኡን ብትብዓት ስጕምትታት ብምውሳድ ንኣሕዋቱ ኣተባቢዕዎም እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ነዊሕ ዓመታት ኣገልግሎቱ ንክርስትያናት ብጾቱ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። ዝጸሓፈሎም ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ ድማ፡ “ከተባብዓኩምን እዚ ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ ኣጸቢቐ ኽምስክረልኩምን ኢለ፡ . . . ኣሕጽር ኣቢለ ጽሒፈልኩም ኣለኹ። ኣብዚ ጸጋ እዚ ጽንዑ” በሎም። (1 ጴጥ. 5:12) እተን ጴጥሮስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ዝጸሓፈን መልእኽትታት ኣብቲ ግዜ እቲ ንዝነበሩ ክርስትያናት ምንጪ ምትባብዕ ኰይነንኦም እየን። ነቶም ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ኪፍጸም ንጽበ ዘለና ንዓና እውን ብሓቂ ምንጪ ምትባብዕ እየን።—2 ጴጥ. 3:13

14, 15. እተን ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፋ መልእኽትታት ዮሃንስ፡ ቀደም ኰነ ሎሚ ንዅሎም ክርስትያናት ምንጪ ምትብባዕ ዝዀና ብኸመይ እየን፧

14 ሃዋርያ ዮሃንስ እውን ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ዓንዲ እዩ ነይሩ። እታ ብዛዕባ ኣገልግሎት የሱስ ዝጸሓፋ መሳጢት ወንጌሉ፡ ቀደም ኰነ ሎሚ ንዅሎም ክርስትያናት ምንጪ ምትባብዕ ኰይና እያ። ንኣብነት፡ ፍቕሪ መለለዪት ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ኸም ዝዀነት ዚገልጽ ቃላት የሱስ ኣብዛ ወንጌል እዚኣ ጥራይ ኢና እንረኽቦ።ዮሃንስ 13:34, 35 ኣንብብ።

15 እተን ካልኦት ሰለስተ መልእኽትታት ዮሃንስ፡ ተወሳኺ ኽቡር ሓቅታት ሒዘን ኣለዋ። ንኣብነት፡ ብሰንኪ ኣበሳና ተስፋ ምስ እንቘርጽ፡ “ደም የሱስ . . . ካብ ኵሉ ሓጢኣትና የንጽሃና እዩ” ዚብል ቃላት ከነንብብ ከለና እፎይታ ይስምዓና እዩ። (1 ዮሃ. 1:7) ልብና ብቐጻሊ ምስ ዚዅንነና፡ “ኣምላኽ ካብ ልብና ይዓቢ” ዚብል ቃላት ከነንብብ ከለና፡ ኣዒንትና ቕጽርጽር ኣይብለናንዶ፧ (1 ዮሃ. 3:20) ዮሃንስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኢሉ እውን ጽሒፉ እዩ። (1 ዮሃ. 4:8, 16) ኣብተን ካልአይትን ሳልሰይትን መልእኽትታቱ ድማ፡ ነቶም “በታ ሓቂ ዚመላለሱ” ክርስትያናት ንኢድዎም እዩ።—2 ዮሃ. 4፣ 3 ዮሃ. 3, 4

16, 17. ሃዋርያ ጳውሎስ ንቐዳሞት ክርስትያናት እንታይ መተባብዒ እዩ ሂብዎም፧

16 ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ገይሩ ንኣሕዋቱ ዘተባብዐ የልቦን። ደድሕሪ ሞት የሱስ፡ መብዛሕትኦም ሃዋርያት ኣብ የሩሳሌም ዚቕመጡ ዝነበሩ እዩ ዚመስል፣ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ድማ ኣብኡ እዩ ነይሩ። (ግብ. 8:14፣ 15:2) እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ነቶም ብምኽንያት ኣይሁድነት ኣብ ሓደ ኣምላኽ ዚኣምኑ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ ክርስቶስ ይሰብኩሎም ነበሩ። ይኹን እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ንሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ብዙሓት ኣማልኽቲ ዜምልኹ ዝነበሩ ግሪኻውያንን ሮማውያንን ኪሰብከሎም ለኣኾ።—ገላ. 2:7-9፣ 1 ጢሞ. 2:7

17 ጳውሎስ ኣብታ ሕጂ ቱርኪ ተባሂላ እትጽዋዕ ሃገርን ኣብ ግሪኽን ኣብ ኢጣልያን ብምስባኽ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ዘይኰኑ ህዝቢ ክርስትያን ጉባኤታት መስሪቱ እዩ። እዞም ሓደስቲ ክርስትያናት፡ ‘ብደቂ ዓዶም መከራ ጸጊቦም’ እዮም። (1 ተሰ. 2:14) ኣብ ከባቢ 50 ድ.ክ.፡ ጳውሎስ ንኣባላት እታ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረት ሓዳስ ጉባኤ፡ “ብዛዕባ ዅላትኩም ኣብ ጸሎትና ኽንጠቅስ ከለና፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ነመስግኖ ኢና፣ ከመይሲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ብእምነት ዝገበርኩምዎ ግብርን ብፍቕሪ ዝጸዓርኩምዎ ጻዕርን . . . ዘርኣኹምዎ ተጻዋርነትን ከየቋረጽና ንዝክሮ ኣለና” በሎም። (1 ተሰ. 1:2, 3) “ንሓድሕድኩም ተተባብዑን ተሃናነጹን” ኢሉ ድማ መዓዶም።—1 ተሰ. 5:11

ዜተባብዕ ኣመሓዳሪ ኣካል

18. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ንፊልጶስ ዘተባብዖ ብኸመይ እዩ፧

18 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ነቶም ዚመርሑ ዝነበሩን ንኻልኦት ክርስትያናት ብሓፈሻን ምንጪ ምትብባዕ እዩ ነይሩ። ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ንሳምራውያን ብዛዕባ ክርስቶስ ምስ ሰበኸሎም፡ ምሉእ ደገፍ ኣመሓዳሪ ኣካል ረኺቡ እዩ። ነቶም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ዝነበሩ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናባታቶም ለኣኽዎም። ንሳቶም ከኣ ነቶም ሓደስቲ ኣመንቲ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺረኽቡ ጸለዩሎም። (ግብ. 8:5, 14-17) ፊልጶስን እቶም ሓደስቲ ኣመንትን በቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዘርኣዮም ደገፍ ክሳዕ ክንደይ ከም እተተባብዑ እሞ ሕስብ ኣብሎ።

19. እታ ኻብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እንታይ ጽልዋ እያ ኣሕዲራ፧

19 ድሕሪ ግዜ፡ እቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ክርስትያናት ከምቲ ሕጊ ሙሴ ንኣይሁድ ዚእዝዞ ኺግዘሩ ዜድልዮም እንተ ዀይኑ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኪውስን የድልዮ ነበረ። (ግብ. 15:1, 2) እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀኑ ኣሕዋት፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ መርሖምን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምስ ተወከሱን፡ ደጊም ግዝረት ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ ወሰኑ፣ ብዛዕባ እዚ ድማ ንጉባኤታት ደብዳበ ጸሓፉለን። ተወከልቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ከኣ ነታ ደብዳበ ኼብጽሑ ናብ ጉባኤታት ተላእኩ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ “ምስ ኣንበብዋ ድማ፡ በቲ መተባብዒ ተሓጐሱ።”—ግብ. 15:27-32

20. (ሀ) ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ኣሕዋት እንታይ መተባብዒ እዩ ዚህብ፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ነየነይቲ ሕቶ ኢና ምላሽ ክንረኽበላ፧

20 ሎሚ እውን፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣባላት ስድራ ቤት-ኤል፡ ንኻልኦት ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዜገልግሉ ኣሕዋት፡ ከምኡ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት የተባብዖም እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣሕዋት ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እተሰምዖም በቲ ዝረኸብዎ መተባብዒ ይሕጐሱ እዮም። ብዘይካዚ፡ ብ2015 ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ናብ የሆዋ ተመለስ ዘርእስታ ብሮሹር ኣሕቲሙ እዩ። እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ሓያሎ ሰባት ምንጪ መተባብዒ ዀይናቶም እያ። ኰይኑ ግና፡ መተባብዒ ብምሃብ ዝመጸ ንየሆዋ ኺመስልዎ ዘለዎም እቶም ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ጥራይ ድዮም፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።