ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መገዲ ናይ ሓቂ ሓርነት

መገዲ ናይ ሓቂ ሓርነት

“ወዲ፡ ሓራ እንተ ኣውጺኡኩም፡ ብሓቂ ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም።”ዮሃ. 8:36

መዝሙር፦ 54, 36

1, 2. (ሀ) ሰባት ሓርነት ኪረኽቡ ይቃለሱ ኸም ዘለዉ ዜረጋግጽ እንታይ እዩ፧ (ለ) እዚ ቓልሲ እዚ እንታይ እዩ ኣስዒቡ፧

ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ሰባት ብዛዕባ ማዕርነትን ሓርነትን ብዙሕ ይዛረቡ እዮም። ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ዓለም ዘለዉ ሰባት፡ ካብ ጭቈናን ኣድልዎን ድኽነትን ኪገላገሉ ይደልዩ እዮም። ካልኦት ከኣ፡ ናይ ምዝራብን ናይ ምምራጽን ናጽነት ኪረኽቡ ኸምኡ ድማ ናጽነት ርእሰ ውሳነ ኺውሃቦም ይሓትቱ እዮም። ኣብ ኵሉ ቦታ ዘለዉ ሰባት፡ ዝደለይዎ ኺገብሩ ወይ ከኣ ዚደለይዎ ዓይነት ናብራ ኺነብሩ ይብህጉ እዮም።

2 ሓሳብ ልቦም ኪረኽቡ ግና ቀሊል ኣይኰነን። ገሊኦም ብተቓውሞን ሰላማዊ ሰልፍን ናዕብን ሰውራን ኣቢሎም ማሕበራውን ፖለቲካውን ለውጢ ኼምጽኡ ይጽዕሩ እዮም። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምንቅስቓሳት ግና እቲ ዚድለ ለውጢ የምጽእ ድዩ፧ ኣይፋልን፣ እኳ ደኣስ፡ ብሰንኪ እዚ ምንቅስቓሳት እዚ፡ ዜሕዝን ነገራት የጋጥምን ህይወት ሰብ ይጠፍእን እዩ። እዚ ዅሉ ድማ ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተዛረቦ ሓሳብ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምዃኑ እዩ ዜረጋግጸልና። ሰሎሞን፡ ‘ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ኸም ዚገዝእ’ ገሊጹ ኣሎ።—መክ. 8:9

3. ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ምእንቲ ኽንረክብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

3 ያእቆብ እቲ ክርስትያን ወደ መዝሙር፡ ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበት ዚርከበሉ ቐንዲ መገዲ ሓቢሩ ኣሎ። “እቲ ኣብቲ ፍጹም ሕጊ ሓርነት ኣተኲሩ ዚጥምትን ብእኡ ዚጸንዕን . . . ብግብሩ . . . ሕጉስ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (ያእ. 1:25) እቲ ፍጹም ሕጊ ዝሃበና የሆዋ፡ ደቂ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ሕጉሳትን ዕጉባትን ምእንቲ ኪዀኑ ዜድልዮም ነገራት ካብ ማንም ንላዕሊ ይፈልጥ እዩ። ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ሕጉሳት ኪዀኑ ዜድልዮም ዘበለ፡ እንተላይ ናይ ሓቂ ሓርነት ሂብዎም ነይሩ እዩ።

ሰባት ናይ ሓቂ ሓርነት ዝነበሮም እዋን

4. ኣዳምን ሄዋንን እንታይ ዓይነት ሓርነት እዩ ነይርዎም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

4 እተን ናይ መጀመርታ ኽልተ ምዕራፋት መጽሓፍ ዘፍጥረት ምስ እነንብበን፡ ኣዳም ካብ ስእነትን ፍርህን ጭቈናን ሓራ ኸም ዝነበረ ብቐሊሉ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ሎሚ ዘለዉ ሰባት ዚምነይዎ ዓይነት ሓርነት እዩ። እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ብዛዕባ ምግብን ስራሕን ሕማምን ሞትን ኣይጭነቑን እዮም ነይሮም። (ዘፍ. 1:27-29፣ 2:8, 9, 15) እሞ ደኣ ኣዳምን ሄዋንን ደረት ዘይብሉ ሓርነት እዩ ነይርዎም ማለት ድዩ፧ ብዛዕባ እዚ እስከ ንርአ።

5. ሰባት ነቲ ዝረኸብዎ ሓርነት ምእንቲ ኼስተማቕርዎ እንታይ እዩ ዜድሊ፧

5 ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ሳዕቤኑ ብዘየገድስ፡ ዝደለይዎ ኺገብሩ እንተ ኽኢሎም ጥራይ ብሓቂ ሓራ ኸም ዝዀኑ ይስምዖም እዩ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ንሓርነት፡ “ምርጫታት ክትገብርን ክትፍጽሞን ምኽኣል” ኢሉ ይገልጻ። ወሲኹ ግና፡ “ብዓይኒ ሕጊ ኺርአ ኸሎ፡ ሕብረተ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘይፍትሓዊ፡ ዘየድሊ፡ ወይ ዘይግቡእ ደረታት ዘይገብር እንተ ደኣ ኰይኑ፡ ሰባት ሓራ እዮም” ይብል። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሕብረተ ሰብ ካብቲ እተዋህቦም መሰላት ጽቡቕ ገይሮም ምእንቲ ኺጥቀሙ፡ እተወሰነ ደረት ኣድላዪ እዩ። ፍትሓውን ኣድላዪን ግቡእን ደረታት ኪውስን መሰል ዘለዎ ደኣ መን እዩ፧

6. (ሀ) ደረት ዘይብሉ ሓርነት ዘለዎ የሆዋ ጥራይ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ደቂ ሰብ እንታይ ዓይነት ሓርነት እዩ ዘለዎም፧ ስለምንታይከ፧

6 ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ ኽንርስዕ ግና የብልናን። እዚ ኸኣ፡ ፍጹምን ደረት ዘይብሉን ሓርነት ዘለዎ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ እዩ። ስለምንታይ፧ ከመይሲ፡ የሆዋ ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረታትን ልዑላዊ ገዛኢ ዩኒቨርስን እዩ። (1 ጢሞ. 1:17፣ ራእ. 4:11) ነቲ ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ጥራይ ዘለዎ ፍሉይን ልዑልን ቦታ ዝገለጾ ባህ ዜብል ቃላት እሞ ዘክሮ። (1 ዜና መዋእል 29:11, 12 ኣንብብ።) ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ዅሎም ፍጥረታት ግና ተዛማዲ ሓርነት እዩ ዘለዎም። የሆዋ ኣምላኽ፡ እቲ ፍትሓውን ኣድላዪን ግቡእን ደረታት እንታይ ምዃኑ ኺውስንን ሕጊ ኼውጽእን መሰል ኣለዎ። ነቶም ዝፈጠሮም ቀዳሞት ሰባት እውን ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ኸምዚ ዓይነት ሕጊ እዩ ሂብዎም።

7. ገለ ኻብቲ ብባህረት እንገብሮ ዜሐጕሰና ነገራት እንታይ እዩ፧

7 ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ፈለማ ብብዙሕ መገድታት ሓራ እኳ እንተ ነበሩ፡ ሓርነቶም ደረት ነይርዎም እዩ። ገሊኡ ብባህረት ወይ ብተፈጥሮ ዝረኸብዎ እኳ እንተ ነበረ፡ እዚ እውን እንተ ዀነ ደረት እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ እቶም ቀዳሞት ወለድና ብህይወት ንምንባር ኬስተንፍሱን ኪበልዑን ኪድቅሱን ካልእ ኣድላዪ ነገራት ኪገብሩን ከም ዘለዎም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ከምኡ ኺገብሩ ኣድላዪ ምንባሩ ግና፡ ሓርነት ከም ዝሰኣኑ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ድዩ፧ ኣይፋልን። የግዳስ፡ የሆዋ ነዚ ብልምዲ ዚግበር ነገራት እናገበሩ እኳ ሓጐስን ዕግበትን ከም ዚረኽቡ ገይርዎም እዩ። (መዝ. 104:14, 15፣ መክ. 3:12, 13) ዜነቓቕሕ ጽሩይ ኣየር ኬስተንፍስን ዚፈትዎ ምግቢ ኺምገብን ባህ ዜብል ድቃስ ደቂሱ ኺትንስእን ከሎ ዘይሕጐስ መን ኣሎ፧ ነዚ ኣገዳሲ ነገራት እዚ፡ ግዲ ስለ ዝዀነና ዘይኰነስ፡ ተሓጒስና ኢና እንገብሮ። ኣዳምን ሄዋንን እውን ከምኡ ይስምዖም ከም ዝነበረ ርዱእ እዩ።

8. ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣውያን ወለዲ እንታይ ንጹር ሕጊ እዩ ሂብዎም ነይሩ፧ ዕላማኡኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧

8 የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ንምድሪ ብዘርኦም ኪመልእዋን ኪከናኸንዋን ብንጹር ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 1:28) እዚ ትእዛዝ እዚ ግና ሓርነት ዚኸልእ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። የግዳስ፡ ሰባት ነቲ ፈጣሪኦም ንዅላ ምድሪ ንዘለኣለም ብዚነብሩ ፍጹማት ሰባት ዝመልአት ገነት ኪገብራ ዝነበሮ ዕላማ ኣብ ምፍጻም እጃሞም ኬበርክቱ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 45:18) ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ሰባት ሓዳር ከይገበሩ ወይ ከኣ ተመርዕዮም ከይወለዱ ኺነብሩ ምስ ዚመርጹ፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚጻረር ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ሰባት ምምርዓውን ቈልዑ ምዕባይን ዜስዕቦ ጸገማት እናፈለጡ ኽነሶም፡ ይምርዓዉን ይወልዱን እዮም። (1 ቈረ. 7:36-38) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ በዚ ኸምዚ ሓጐስን ዕግበትን ኪረኽቡ ትጽቢት ይገብሩ እዮም። (መዝ. 127:3) ኣዳምን ሄዋንን እውን ንዘለኣለም ዜሐጕስን ሓዳርን ስድራ ቤትን ኪህልዎም ይኽእል ነይሩ እዩ።

ናይ ሓቂ ሓርነት ብኸመይ ከም ዝጠፍአ

9. እቲ ኣብ ዘፍጥረት 2:16, 17 ዚርከብ ትእዛዝ፡ ዘይፍትሓዊ፡ ዘየድሊ፡ ወይ ዘይግቡእ ደረታት ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

9 የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ካልእ ትእዛዝ እውን ሂብዎም ነይሩ እዩ። ነዚ ትእዛዝ እዚ ምጥሓስ ዜስዕቦ መቕጻዕቲ እውን ብንጹር ተነጊርዎም ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ንኣዳም፡ “ብዛዕባ እታ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን ግና፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፣ ከመይሲ፡ በታ ኻብኣ እትበልዓላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ” ኢልዎ ነበረ። (ዘፍ. 2:17) እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ዘይፍትሓዊ፡ ዘየድሊ፡ ወይ ዘይግቡእ ደረት ድዩ ነይሩ፧ ንኣዳምን ሄዋንን ናጽነት ዚኸልኦም ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። የግዳስ፡ ብዙሓት ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ርትዓውን ጽቡቕን ትእዛዝ ምዃኑ ሓሳብ ሂቦም እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ምሁር ከምዚ በለ፦ ‘ኣብ ዘፍጥረት 2:16, 17 ዚርከብ ትእዛዝ፡ ንደቂ ሰብ ጽቡቕን ክፉእን ዘበለ እንታይ ምዃኑ ዚፈልጥ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዝዀነ ኽንድምድም ይሕግዘና እዩ። ደቂ ሰብ ጽቡቕ ዘበለ ኺረኽቡ እንተ ደኣ ደልዮም፡ ንኣምላኽ ኪኣምንዎን ኪእዘዝዎን ኣለዎም። እንተ ዘይተኣዚዞምዎ ግና፡ ጽቡቕን ክፉእን ዘበለ ባዕላቶም ኪውስኑ እዮም ዚሕደጉ።’ ደቂ ሰብ ግና ነዚ ውሳነ እዚ ኺገብሩ ይኸብዶም እዩ።

ኣዳምን ሄዋንን ዝገበርዎ ምርጫ ጥፍኣት ኣስዓበሎም! (ሕጡብ ጽሑፍ 9-12 ርአ)

10. ሓርነት ባዕልኻ ጽቡቕን ክፉእን ምስ ምውሳን ማዕረ ጌርካ ኺርአ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

10 ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ነቲ የሆዋ ንኣዳም ዝሃቦ ትእዛዝ ምስ ኣንበቡ፡ ኣዳም ዝደለዮ ኺገብር ሓርነት ከም ዘይነበሮ ይገልጹ እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ሓርነት ምስቲ ጽቡቕን ክፉእን እንታይ ከም ዝዀነ ናይ ምውሳን መሰል ይሓዋውስዎ እዮም። ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ኪእዘዝዎ ወይ ከይእዘዝዎ ኺመርጹ ናጽነት ነይርዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ በታ ኣብ ኤደን ገነት ዝነበረት “ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን” እተመሰለ ጽቡቕን ክፉእን እንታይ ምዃኑ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኺውስን መሰል ዘለዎ የሆዋ ጥራይ እዩ። (ዘፍ. 2:9) ይትረፍዶ ወትሩ ንዓና ዚጠቕመና ውጽኢት ዘለዎ ነገር ኣቐዲምና ኽንመርጽ፡ ምርጫና እንታይ ውጽኢት ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ክንፈልጥ ከም ዚኸብደና እውን ክንርስዕ የብልናን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ብቕኑዕ ድራኸ ተላዒሎም ዚገብርዎ ምርጫ ወይ ውሳነ እውን እኳ መከራን ዕንወትን ዜሕዝን ነገራትን ኬስዕብ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 14:12) ዓቕሚ ደቂ ሰብ ድሩት እዩ። የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ትእዛዙ ብምሃብ፡ ናይ ሓቂ ሓርነት ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉሉ መገዲ ምሂርዎም እዩ። ከመይ ኢሉ እዩ ኸምኡ ዚኸውን፧ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትንከ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

11, 12. ኣዳምን ሄዋንን ዝገበርዎ ምርጫ ጥፍኣት ዘስዓበሎም ስለምንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣብርህ።

11 ኵላትና ኸም እንፈልጦ፡ እቶም ቀዳሞት ወለድና ዘይምእዛዝ እዮም መሪጾም። ሄዋን ነቲ ሰይጣን፡ “ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽ እውን ከም እትዀኑ” ኢሉ እተዛረባ ዜስድዕ ተስፋ ኽትጻወሮ ኣይከኣለትን። (ዘፍ. 3:5) እቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝገበርዎ ምርጫ፡ ዝያዳ ሓርነት ኪረኽቡ ሓጊዝዎም ድዩ፧ ኣይፋልን። ምርጫኦም ነቲ ሰይጣን ዝነገሮም ነገራት ኪረኽቡ ኣይሓገዞምን። እኳ ደኣስ፡ ንመምርሒ የሆዋ ምንጻግን ብርእስኻ ምኻድን ጥፍኣት ከም ዜስዕብ ነዊሕ ከይጸንሑ ፈሊጦም እዮም። (ዘፍ. 3:16-19) እዚ ሳዕቤን እዚ ዝዓጸዱ ስለምንታይ እዮም፧ ብሓጺሩ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ጽቡቕን ክፉእን ባዕሎም ኪውስኑ ናጽነት ኣይሃቦምን።ምሳሌ 20:24ን እግረ ጽሑፍን፣ ኤርምያስ 10:23 ኣንብብ።

12 ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ነፋሪት ምስ ዜብርር መራሕ ነፋሪት ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና። እቲ መራሕ ነፋሪት ናብ ዝዓለሞ ቦታ ብደሓን ምእንቲ ኺበጽሕ፡ ነቲ በየናይ መስመር ኺጐዓዝ ከም ዘለዎ ዚገልጽ ኣቐዲሙ እተዳለወ መምርሒ መገዲ በረራ ኺስዕብ ኣለዎ። ሎሚ ዘመናዊ ናውቲ ስነ በረራ ስለ ዘሎ፡ እቲ መራሕ ነፋሪት ኣብቲ ዝመደቦ ቦታ ምእንቲ ኺበጽሕ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ዚርከብ መሳርሒታት ጕዕዞ ኺጥቀምን ምስ ተቘጻጻሪ ትራፊክ ኣየር ኪራኸብን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ መራሕ ነፋሪት ነቲ መምርሒታት ዕሽሽ እንተ ኢልዎን ብዝደለዮ መገዲ ኪኸይድ እንተ ፈቲኑን፡ ሓደጋን ጥፍኣትን ኬስዕበሉ ይኽእል እዩ። ኣዳምን ሄዋንን እውን ከምቲ መራሕ ነፋሪት ብዝደለይዎ መገዲ ኪኸዱ ደለዩ። ነቲ የሆዋ ዝሃቦም መምርሒ ድማ ነጸግዎ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ ዜሕዝን ሓደጋ ኣጋጢምዎም፡ ማለት ኣብ ርእሶምን ኣብቶም ድሕሪኦም ዝመጹ ዘርኦምን ሓጢኣትን ሞትን ኣስዒቦም እዮም። (ሮሜ 5:12) ብሰሪ እቲ መሰል ርእሰ ውሳነ ኺረኽቡ ዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ነቲ ዝነበሮም ናይ ሓቂ ሓርነት ኣጥፊኦምዎ እዮም።

ናይ ሓቂ ሓርነት ብኸመይ ከም ዚርከብ

13, 14. ናይ ሓቂ ሓርነት ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ሰባት፡ ዝያዳ ናጽነት ምስ ዚረኽቡ፡ ዝሓሸ ህይወት ከም ዚመርሑ ይሓስቡ እዮም። ከም ሓቂ ግና፡ ደረት ዘይብሉ ናጽነት ከም ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ እዩ። ሓርነት ብዙሕ ጥቕምታት ዚርከበሉ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ዓለም ዋላ ሓንቲ ቐይዲ ዚብሃል እንተ ዘይህሉ እንታይ ኬጓንፍ ከም ዚኽእል ምግማት ኣየጸግመናን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ “ኵሉ እተወደበ ሕብረተ ሰብ ዜውጽኦ ሕግታት፡ እተሓላለኸ ቕርጺ ዘለዎ ሓርነትን ቀይድታትን ከም ዚህሉ ገይሩ እዩ” በለ። እዚ መጽሓፍ እዚ፡ “እተሓላለኸ” ምባሉ ድማ ሓቁ እዩ። ሰባት ዝጸሓፍዎ መወዳእታ ዘይብሉ ጥራዛት ሕጊ ዀነ ነዚ ሕግታት እዚ ንምትርጓምን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ዜድልዩ ብዝሒ ጠበቓታትን ዳኛታትን ምስ እንሓስብ፡ ደቂ ሰብ ዜውጽእዎ ሕጊ ኽሳዕ ክንደይ እተሓላለኸ ምዃኑ ኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ።

14 ብኣንጻሩ ግና፡ የሱስ ክርስቶስ ናይ ሓቂ ሓርነት ከነስተማቕር እንኽእለሉ ቐሊል መገዲ ሓቢሩና እዩ። “ኣብ ቃለይ እንተ ጸኒዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም፣ ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፣ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ድማ በለ። (ዮሃ. 8:31, 32) እቲ የሱስ እተዛረቦ ናይ ሓቂ ሓርነት ዚርከበሉ ኽልተ ረቛሒታት፡ ቀዳማይ፡ ነቲ ዝመሃሮ ሓቂ ምቕባል፡ ካልኣይ፡ ወደ መዝሙሩ ምዃን ዘጠቓለለ እዩ። ከምኡ ምግባር ከኣ፡ ናብ ናይ ሓቂ ሓርነት እዩ ዚመርሕ። ካብ ምንታይ እዩ ግና ሓራ ዚገብረና፧ የሱስ ከምዚ በለ፦ “ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ። . . . ወዲ፡ ሓራ እንተ ኣውጺኡኩም፡ ብሓቂ ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም።”—ዮሃ. 8:34, 36

15. እቲ የሱስ ዘተስፈወና ሓርነት፡ “ብሓቂ ሓራ” ኺገብረና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

15 እቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዘተስፈዎም ሓርነት፡ ካብቲ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ሃረር ዚብልዎ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ናጽነት እተፈልየ እዩ። የሱስ፡ “ወዲ፡ ሓራ እንተ ኣውጺኡኩም፡ ብሓቂ ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም” ኪብል ከሎ፡ ካብቲ ዝለዓለ ባርነትን ጭቈናን ደቂ ሰብ፡ ማለት “ባርያ ሓጢኣት” ካብ ምዃን ብዛዕባ ዚርከብ ሓርነት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ሓጢኣት፡ ክፉእ ዘበለ ናብ ምግባር ይመርሓና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ቕኑዕ ከም ዝዀነ ወይ ከኣ ነቲ ኽንገብሮ ዓቕሚ ኸም ዘሎና እንፈልጦ ነገራት ከይንገብር እውን ኪዓግተና ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ኢና ባሮት ሓጢኣት ኴንና ዘለና። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ጓሂ፡ ስቓይ፡ መከራ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ሞት ንዓጽድ ኢና። (ሮሜ 6:23) ሃዋርያ ጳውሎስ እዚ ብርቱዕ ስቓይ እዚ ተሰሚዕዎ ነይሩ እዩ። (ሮሜ 7:21-25 ኣንብብ።) ከምቲ ቐዳሞት ወለድና ኣብ ፈለማ ዝነበሮም ዓይነት ናይ ሓቂ ሓርነት ኪህልወና ዚኽእል፡ መቝሕ ሞት ምስ ተበትከ ጥራይ እዩ።

16. ብሓቂ ሓራ ኽንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 “ኣብ ቃለይ እንተ ጸኒዕኩም” ዚብላ ቓላት የሱስ፡ ሓራ ኺገብረና እንተ ደሊና፡ እተወሰነ ብቕዓታት ከነማልእ ከም ዘሎና እዩ ዜመልክት። ርእስና ዝወፈና ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ርእስና ቐቢጽና፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከም ምዃንና መጠን ድማ ብትምህርትታት ክርስቶስ ክንምራሕ ወሲንና ኢና። (ማቴ. 16:24) ከምቲ የሱስ ዘተስፈዎ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ዜምጽኦ ጥቕምታት ምሉእ ብምሉእ ምእንታና ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ፡ ብሓቂ ሓራ ኽንከውን ኢና።

17. (ሀ) ትርጉም ዘለዎን ዜዕግብን ህይወት ክንነብር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

17 ከምቲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝገበርዎ ንትእዛዛት የሱስ ምስ እንስዕብ፡ ትርጉም ዘለዎን ዜዕግብን ህይወት ክንነብር ይሕግዘና እዩ። ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ምሉእ ብምሉእ ሓራ እንዀነሉ ተስፋ እውን ይህበና እዩ። (ሮሜ 8:1, 2, 20, 21 ኣንብብ።) እታ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ነቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ሓርነት ዝዀነ የሆዋ ንዘለኣለም ምእንቲ ኸነኽብሮ፡ ነቲ ሕጂ ዘሎና ሓርነት ከመይ ጌርና ብጥበብ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ክንምርምር ኢና።