ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሓድሕድና “ብዝያዳ” ንተባባዕ

ንሓድሕድና “ብዝያዳ” ንተባባዕ

“ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። ንሓድሕድና ንተባባዕ . . . እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽትርእዩ ኸለኹም ከኣ፡ ነዚ ብዝያዳ ግበርዎ።”እብ. 10:24, 25

መዝሙር፦ 90, 87

1. ሃዋርያ ጳውሎስ ንቐዳሞት እብራውያን ክርስትያናት “ብዝያዳ” ኺተባብዑ ዝመዓዶም ስለምንታይ እዩ፧

ንሓድሕድና ብዝያዳ ኽንተባባዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ እብራውያን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ስለምንታይ ከምኡ ኽንገብር ከም ዘሎና ገሊጹ ኣሎ። ንዓታቶም ከምዚ በሎም፦ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። ንሓድሕድና ንተባባዕ እምበር፡ ከምቲ ገሊኦም ልማድ ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ። እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽትርእዩ ኸለኹም ከኣ፡ ነዚ ብዝያዳ ግበርዎ።” (እብ. 10:24, 25) እቶም ኣሕዋት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ስለምንታይ ንሓድሕዶም ብዝያዳ ኺተባብዑ ኸም ዝመዓዶም ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ግና፡ ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ዝበሎም ምኽንያት ንጹር ኰነ። ከመይሲ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ፍርዲ ዚፍጸመላ “መዓልቲ የሆዋ” ኣዝያ ቐሪባ ነበረት። እቶም ኣሕዋት ከኣ ከምቲ የሱስ ዝበሎም ካብታ ኸተማ ኺሃድሙ የድልዮም ነበረ። (ግብ. 2:19, 20፣ ሉቃ. 21:20-22) ብ70 ድ.ክ. ሮማውያን ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ፍርዲ የሆዋ ምስ ፈጸሙ ድማ፡ እታ መዓልቲ የሆዋ ኣኸለት።

2. ሎሚ ብዝያዳ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

2 ሎሚ፡ እታ “ዓባይን ኣዝያ እተፍርህን” መዓልቲ የሆዋ ኸም ዝቐረበት ርግጸኛታት ኢና። (ዮኤ. 2:11) ነብዪ ጸፎንያስ፡ “እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ! ቀሪባ እያ፡ ኣዝያ ቐልጢፋ ድማ ትቐርብ ኣላ!” በለ። (ጸፎ. 1:14) እዚ ትንቢታዊ መጠንቀቕታ እዚ ኣብ ግዜና እውን ይፍጸም ኣሎ። ጳውሎስ ምስ ምቕራብ መዓልቲ የሆዋ ኣተሓሒዙ፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ንሓድሕድና ንተሓላለ” በለ። (እብ. 10:24፡ እ.ጽ.) ስለዚ፡ ንኣሕዋትና ብዝያዳ ምስ እንግደሰሎም፡ ዜድልዮም ዘበለ መተባብዒ ኽንህቦም ንኽእል ኢና።

መተባብዒ ዜድልዮም መን እዮም፧

3. ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ምትብባዕ እንታይ እዩ ኢሉ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

3 “ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጭንቀት ንዕኡ ይኸብዶ፣ ጽቡቕ ቃል ግና የሐጕሶ።” (ምሳ. 12:25) እወ፡ ኵላትና ኣብ እተፈላለየ እዋናት መተባብዒ የድልየና እዩ። ጳውሎስ፡ ንኻልኦት ኬተባብዕ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ እኳ ኸይተረፈ ንርእሱ መተባብዒ ኸም ዜድልዮ ሓቢሩ እዩ። ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ምእንቲ ኽትጸንዑስ፡ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም ኢለ፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣለኹ፣ ማለት፡ ብእምነት ሓድሕድና፡ በታ ናትኩምን በታ ናተይን እምነት፡ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ኢለ እየ” በሎም። (ሮሜ 1:11, 12) ስለዚ፡ እቲ ንኻልኦት ዜደንቕ መተባብዒ ዚህብ ዝነበረ ጳውሎስ እውን ከይተረፈ፡ ሓድሓደ ግዜ ንርእሱ መተባብዒ የድልዮ ነይሩ እዩ።ሮሜ 15:30-32 ኣንብብ።

4, 5. ሎሚ ንመን ኢና ኸነተባብዕ እንኽእል፧ ስለምንታይከ፧

4 እቶም ርእሶም ሰዊኦም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዜገልግሉ ኣሕዋት መተባብዒ የድልዮም እዩ። ገለ ኻባታቶም እቶም እሙናት ፈለምቲ እዮም። ብዙሓት ፈለምቲ፡ ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ምእንቲ ኺካፈሉ ናብራኦም ኣቕሊሎም እዮም። ሚስዮናውያን፡ ቤት-ኤላውያን፡ ሓለውቲ ወረዳን ኣንስቶምን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ዜገልግሉ ኣሕዋት እውን ከምኡ ገይሮም እዮም። ኵላቶም ኣብቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኺውፍዩ፡ ኣብ ህይወቶም ብዙሕ መስዋእቲ ገይሮም እዮም። ስለዚ፡ መተባብዒ የድልዮም እዩ። ነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪካፈሉ እናደለዩ ብሰንኪ እተፈላለየ ዅነታቶም ከምኡ ኺገብሩ ዘይከኣሉ እውን ከነተባብዖም ኣሎና።

5 መተባብዒ ዜድልዮም ካልኦት ከኣ፡ እቶም ነቲ “ብጐይታ ጥራይ” ኪምርዓዉ እተዋህቦም ማዕዳ ተኣዚዞም ከይተመርዓዉ ዚነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም። (1 ቈረ. 7:39) ጻዕራማት ኣንስቲ እውን፡ ሰብኡተን ኪንእድወን ኣለዎም። (ምሳ. 31:28, 31) ብዘይካዚ፡ መስጐጕቲ ወይ ሕማም ተጻዊሮም ብተኣማንነት ዜገልግሉ ክርስትያናት መተባብዒ የድልዮም እዩ። (2 ተሰ. 1:3-5) የሆዋን የሱስን ንዅሎም እዞም እሙናት ኣገልገልቲ እዚኦም የተባብዕዎም እዮም።2 ተሰሎንቄ 2:16, 17 ኣንብብ።

ሽማግለታት ኬተባብዑ ይጽዕሩ

6. ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 32:1, 2 ተጠቒሱ ዘሎ፡ ሽማግለታት እንታይ ግደ እዩ ዘለዎም፧

6 ኢሳይያስ 32:1, 2 ኣንብብ። ኣብዚ ዝያዳ መተባብዒ ዜድልየሉ እዋን እዚ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ በቶም እተቐብኡ ኣሕዋቱን በቶም ኣባላት እተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑን “መሳፍንቲ” ኣቢሉ ንእተደቝሱን ተስፋ ንዝቘረጹን የተባብዖም እዩ። እዞም ሽማግለታት እዚኦም፡ ኣብ ልዕሊ እምነት ካልኦት ‘ዚጕይተቱ’ ዘይኰኑስ፡ ንኣሕዋቶም ሓጐስ ኬምጽኡሎም ዚጽዕሩ “መዓይይቲ” ኣሕዋቶም እዮም።—2 ቈረ. 1:24

7, 8. ሽማግለታት ብቓሎምን ብተግባሮምን ንኻልኦት ዜተባብዑ ብኸመይ እዮም፧

7 ሃዋርያ ጳውሎስ ክንስዕቦ ዚግብኣና ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ መስጐጕቲ ዚወርዶም ዝነበረ ክርስትያናት፡ “ንዓኻትኩም ልባዊ ፍቕሪ ስለ ዘሕደርና ኸኣ፡ ገዛእ ርእስና እውን እምበር፡ ብስራት ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን ከነካፍለኩም ቈሪጽና ዝነበርና፣ ምኽንያቱ፡ ኣፍቂርናኩም ኢና” ኢሉ ጸሓፈሎም።—1 ተሰ. 2:8

8 ዜተባብዕ ቃላት ምዝራብ ጥራይ ግና ኣኻሊ ኣይኰነን። ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ንዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ንድኹማት ክትድግፉ፡ ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ‘ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ’ ዝበሎ ቓላት ከኣ ክትዝክሩ [ይግባእ]” ኢልዎም ነበረ። (ግብ. 20:35) ጳውሎስ ንኣሕዋቱ ኼተባብዖም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ገዛእ ርእሱ ኺውፈየሎም’ እውን ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። (2 ቈረ. 12:15) ብተመሳሳሊ፡ ሽማግለታት ንኣሕዋቶም ብቓላቶም የተባብዕዎምን የጸናንዕዎምን ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ናይ ሓቂ ብሕታዊ ተገዳስነት ብምርኣይ እውን ይሃንጽዎም እዮም።—1 ቈረ. 14:3

9. ሽማግለታት ብዜተባብዕ መገዲ ምኽሪ ኺህቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

9 ንኻልኦት ምህናጽ፡ ምኽሪ ምሃብ እውን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ሽማግለታት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዜተባብዕ መገዲ ምኽሪ ኺውሃብ ዚከኣለሉ መገዲ ኺስዕቡ ኣለዎም። የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ በዚ መዳይ እዚ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ነተን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ጉባኤታት ኣትሪሩ ኺመኽረን ምስ ኣድለዮ፡ እንታይ ከም ዝገበረ ኣስተብህል። ነተን ኣብ ኤፌሶንን ጴርጋሞስን ትያቲራን ዝነበራ ጉባኤታት ምኽሪ ቕድሚ ምሃቡ፡ ባህ ዜብል ናእዳ ንኢድወን እዩ። (ራእ. 2:1-5, 12, 13, 18, 19) ነታ ኣብ ሎዲቅያ ዝነበረት ጉባኤ ድማ፡ “ኣነ ነቶም ዝፈትዎም ዘበሉ እገንሖምን እግስጾምን እየ። እምበኣር፡ ቅናእን ተነሳሕን” በላ። (ራእ. 3:19) ሽማግለታት እውን ምኽሪ ኺህቡ ኸለዉ፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ኪስዕቡ ኣለዎም።

ሓላፍነት ሽማግለታት ጥራይ ኣይኰነን

ኣቱም ወለዲ፡ ውሉዳትኩም ንኻልኦት ኬተባብዑ ተሰልጥንዎምዶ ኣለኹም፧(ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. ኵላትና ንሓድሕድና ኣብ ምትብባዕ እጃምና ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ምትብባዕ ናይ ሽማግለታት ሓላፍነት ጥራይ ኣይኰነን። ጳውሎስ ንዅሎም ክርስትያናት፡ ንኻልኦት “ምእንቲ ኺጠቅምሲ፡ ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል” ኪዛረቡ ምዒዱ እዩ። (ኤፌ. 4:29) ነፍሲ ወከፍና፡ ንኻልኦት “ዜድሊ ዘበለ” እንታይ ምዃኑ ብንቕሓት ክንሓስብ ኣሎና። ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት፡ “ዘርጋሕጋሕ ንዝበላ ኣእዳውን ረሸሽ ንዝበላ ኣብራኽን ኣደልድሉ፣ እቲ ዚሕንክስ ኪሓዊ እምበር፡ ወለም ምእንቲ ኸይብሎስ፡ ንኣእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ” ኢሉ መዓዶም። (እብ. 12:12, 13) እምበኣር፡ ኵላትና፡ እንተላይ መንእሰያት፡ ብዜተባብዕ ቃላት ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ንኽእል ኢና።

11. ማርታ ሕማም ጭንቀት ኣብ ዝነበራ እዋን እንታይ እዩ ሓጊዝዋ፧

11 ሕማም ጭንቀት ዝነበራ ማርታ * ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ሓደ መዓልቲ መተባብዒ ኽረክብ ምስ ጸለኹ፡ ሓንቲ ዓባይ ሓብቲ ፍቕርን ርሕራሐን ኣርኣየትኒ። ብፍላይ ኣብቲ ህሞት እቲ፡ ከምኡ እየ ዝደሊ ነይረ። እታ ሓብቲ ኸምቲ ኣነ ዘሕልፎ ዘለኹ ሽግር ኣጋጢምዋ ኸም ዝነበረ ምስ ነገረትኒ፡ ንበይነይ ጥራይ ዜጋጥመኒ ጸገም ከም ዘይኰነ ተሰሚዑኒ።” እታ ዓባይ ሓብቲ፡ እቲ ንማርታ እተዛረበቶ ቓላት እንታይ ዓይነት ጽቡቕ ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ኣይፈለጠትን ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ።

12, 13. ነቲ ኣብ ፊልጲ 2:1-4 ዚርከብ ማዕዳ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእለሉ ጽቡቕ መገድታት እንታይ እዩ፧

12 ጳውሎስ ንዅሎም ኣባላት ጉባኤ ፊልጲ ኸምዚ ኢሉ መዓዶም፦ “እምበኣር፡ ብክርስቶስ ገለ መተባብዒ፡ ወይስ ገለ መጸናንዒ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ መንፈሳዊ ሕብረት፡ ወይስ ገለ ልባዊ ፍቕርን ርሕራሐን እንተሎ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ምሉእ ብምሉእ ሓድነት ኣልዩኩም፡ ሓደ ሓሳብ ብምሕሳብኩም፡ ሓጐሰይ ምሉእ ግበርዎ። ካብ ንግርምና ተላዒልኩም ወይ ንርእሰ ውዳሰ ኢልኩም ሓንቲ እኳ ኣይትግበሩ፣ ብትሕትና ግና ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ። ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።”—ፊል. 2:1-4

13 እወ፡ ኵላትና ንሓድሕድና ኽንተባብዕ ዜኽእለና መገዲ ኽንደሊ ኣሎና። “መጸናንዒ ፍቕሪ፡” “መንፈሳዊ ሕብረት፡” ከምኡ ድማ “ልባዊ ፍቕርን ርሕራሐን” ብምርኣይ፡ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ከነተባብዖም ንኽእል ኢና።

ምንጭታት ምትብባዕ

14. ምንጪ ምትብባዕ ኪኸውን ዚኽእል እንታይ እዩ፧

14 እቶም ዝሓገዝናዮም ኣሕዋትና፡ እሙናት ኰይኖም የገልግሉ ኸም ዘለዉ ምስ እንሰምዕ ብዙሕ ንሕጐስ ኢና። ሃዋርያ ዮሃንስ እውን ከምኡ እዩ ተሰሚዕዎ። “ደቀይ በታ ሓቂ ይመላለሱ ኸም ዘለዉ ኻብ ምስማዕ ዚዓቢ ሓጐስ የብለይን” ድማ በለ። (3 ዮሃ. 4) ብዙሓት ፈለምቲ፡ እቶም ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ሓቂ ኺሰምዑ ዝሓገዝዎም ሰባት እሙናት ኰይኖም የገልግሉ ኸም ዘለዉ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ፈለምቲ ኸም ዝዀኑ ምስ ዚሰምዑ ብዙሕ እዮም ዚተባብዑ። ፈለምቲ ተስፋ ምስ ዚቘርጹ፡ ብዛዕባ እቲ ቕድሚ ሕጂ ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ዝገበርዎ ጻዕርታት ምስ እነዘኻኽሮም ኬተባብዖም ይኽእል እዩ።

15. ነቶም ብተኣማንነት ዜገልግሉ ዘለዉ ኸነተባብዓሉ እንኽእል ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

15 ብዙሓት ሓለውቲ ወረዳ፡ ንሳቶምን ኣንስቶምን ንሓንቲ ጉባኤ ምስ በጽሕዋ ኻብ ኣሕዋት ዚጸሓፈሎም ናይ ምስጋና ደብዳበ ብዙሕ ከም ዜተባብዖም ገሊጾም እዮም። ሽማግለታትን ሚስዮናውያንን ቤት-ኤላውያንን እውን ዜተባብዕ ቃላት ኪንገሮም ከሎ ኸምኡ እዩ ዚስምዖም።

ኵላትና ኸነተባብዕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16. ንሓደ ሰብ ብቐሊሉ ኸነተባብዖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ሓሳብና ምግላጽ ስለ ዘይንኽእል፡ ንኻልኦት ምትብባዕ ከም ዚኸብደና ዚስምዓና እንተ ዀይኑ፡ ጌጋ እዩ። እኳ ደኣስ፡ ንኻልኦት ምትብባዕ ብዙሕ ከቢድ ኣይኰነን። ንሓደ ሰብ ሰላም ክንብሎ ኸለና፡ ባህ ዜብል ፍሽኽታ ምስ እነርእዮ ጥራይ ኣኻሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሽዑ፡ እቲ ሰብ ፍሽኽ ዘይብል እንተ ዀይኑ፡ ሽግር ስለ ዘጋጠሞ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ጽን ኢልና ምስ እንሰምዖ ጥራይ እውን ከነጸናንዖ ንኽእል ኢና።—ያእ. 1:19

17. ንሓደ መንእሰይ ሓው ብግዜ ጭንቂ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

17 ሄንሪ ዝስሙ መንእሰይ ሓው፡ ናይ ቀረባ ቤተ ሰቡ፡ እንተላይ እቲ ሕፉር ሽማግለ ዝነበረ ኣቦኡ ኻብ ሓቂ ምስ ወጹ ብዙሕ ተጨኒቑ ነበረ። ሓደ ሓላው ወረዳ ኣብ ካፈ ቡን ክሰቲ ዓዲሙ ናይ ልቡ ኺዛረብ ምስ ሓገዞ፡ ብዙሕ ተተባቢዑ እዩ። ሄንሪ ንስድራ ቤቱ ናብ ሓቂ ምእንቲ ኺምለሱ ኺሕግዞም ዚኽእል ብተኣማንነት ምስ ዚጸንዕ ጥራይ ምዃኑ ተገንዚቡ እዩ። መዝሙር 46፣ ጸፎንያስ 3:17፣ ማርቆስ 10:29, 30 ብምንባቡ እውን ብዙሕ ተጸናኒዑ እዩ።

ኵላትና ንሓድሕድና ኽንተሃናነጽን ክንተባባዕን ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18. (ሀ) ንጉስ ሰሎሞን ብዛዕባ ምትብባዕ እንታይ እዩ ኢሉ፧ (ለ) ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ሓሳብ እዩ ሂቡ፧

18 ካብ ኣብነት ማርታን ሄንሪን ከም እንምሃሮ፡ ኵላትና መጸናንዒ ንዜድልዮም ኣሕዋትን ኣሓትን ከነተባብዖም ንኽእል ኢና። ንጉስ ሰሎሞን፡ “ብግዜኡ ዚዝረብ ቃል ድማ ክንደይ ኰን ጽቡቕ እዩ! ባህ ዜብል ቈላሕታ ንልቢ የሐጕሶ፣ ጽቡቕ ወረ ኸኣ ንኣዕጽምቲ የደልድሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳ. 15:23, 30፡ እ.ጽ.) ብዘይካዚ፡ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ኣብ ወብ ሳይትና ዚወጽእ ዓንቀጻት ምንባብ፡ ንእተደቝሰ ሰብ ኬበራትዖ ይኽእል እዩ። ጳውሎስ፡ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ብሓባር ምዝማር፡ ምንጪ ምትብባዕ ኪዀነና ኸም ዚኽእል እውን ሓቢሩ ኣሎ። “ብልብኹም ንየሆዋ እናዘመርኩም፡ ብመዝሙርን ብውዳሰ ኣምላኽን ብምስጋና ብዚዝመር መንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተማሃሃሩን ተተባብዑን” ኢሉ ድማ ጸሓፈ።—ቈሎ. 3:16፣ ግብ. 16:25

19. ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ሕጂ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እንታይከ ኽንገብር ኣሎና፧

19 ናብ መዓልቲ የሆዋ ‘እናቐረብና’ ብዝኸድና መጠን፡ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ብዝያዳ ኣገዳሲ እዩ። (እብ. 10:25) ሃየ እምበኣር፡ ከምቲ ጳውሎስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝበሎም፡ “ከምቲ እትገብርዎ ዘለኹም፡ ንሓድሕድኩም ተተባብዑን ተሃናነጹን።”—1 ተሰ. 5:11

^ ሕ.ጽ. 11 ስማት ተቐዪሩ እዩ።