ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት፡ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት ዲኹም እተተኵሩ፧

ኣቱም መንእሰያት፡ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት ዲኹም እተተኵሩ፧

“እትገብሮ ዘበለ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ፣ ውጥናትካ እውን ኪዕወት እዩ።”ምሳ. 16:3

መዝሙር፦ 135, 144

1-3. (ሀ) ኵሎም መንእሰያት እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞም፧ ነዚኸ ኸመይ ጌርና ብምሳሌ ነብርሆ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ክርስትያን መንእሰያት ነዚ ብድሆ እዚ ኺዋጽኡሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ኣዝዩ ኣገዳሲ ንዝዀነ ጕዳይ ናብ ሓንቲ ርሕቕ ዝበለት ከተማ ኽትጕዓዝ ሓሲብካ ኣለኻ ንበል። ናብኡ ኽትበጽሕ፡ ብኣውቶቡስ ኣዝዩ ነዊሕ ጕዕዞ ኽትጕዓዝ የድልየካ። እቲ መደበር ኣውቶቡስ፡ ብብዙሓት ተጓዓዝትን ኣውቶቡሳትን መሊኡ ይጸንሓካ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሸቶኻ ኣብ ኣእምሮኻ ብንጹር ምሓዝ፡ ማለት ዕላማኻ ነታ ኣብቲ ዝሓሰብካዮ ቦታ እተብጽሓካ ኣውቶቡስ ክትረክብ ምዃኑ ዘይምርሳዕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ናብ ካልእ ቦታ ኣብ እትኸይድ ኣውቶቡስ ምስ እትስቀል ግና ናብ ዘይደለኻዮ ቦታ ኢኻ እትኸይድ።

2 ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት እውን ምስቶም ተጓዓዝቲ ኺመሳሰሉ ይኽእሉ እዮም። ጕዕዞ መንእሰያት፡ ጕዕዞ ኣውቶቡስ ዘይኰነስ፡ ነዊሕ ጕዕዞ ህይወት እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ኣጋጣሚታትን ኣማራጺታትን ስለ ዚህልዎም እንታይ ከም ዚውስኑ ይሕርብቶም እዩ። ኣቱም መንእሰያት፡ ኣብ ህይወት ናበይ ገጽኩም ከም እትጐዓዙ ትፈልጡ እንተ ዄንኩም፡ ቅኑዕ ውሳነታት ምግባር ዝቐለለ እዩ ዚዀነልኩም። እሞ ደኣ ናበይ ገጽኩም ኢኹም ከተምርሑ፧

3 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መንእሰያት ኣብቲ ንየሆዋ ባህ ንምባል ዘለዎም ባህጊ ኼተኵሩ ብምትብባዕ ነታ ሕቶ ትምልሳ እያ። ንየሆዋ ምሕጓስ ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወት፡ ማለት ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ሓላፍነት ስድራ ቤት ከምኡ እውን ኣብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ንዕኡ ኣብ ግምት ምእታው ማለት እዩ። ናብ መንፈሳዊ ሸቶታት ምምጥጣር እውን ዜጠቓልል እዩ። ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዜተኵሩ መንእሰያት፡ ዕዉት ህይወት ከም ዚነብሩን በረኸቱ ኸም ዚረኽቡን ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።ምሳሌ 16:3 ኣንብብ።

መንፈሳዊ ሸቶታት ከተውጽእ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

4 ብንእስነትካ ቲኦክራስያዊ ሸቶታት ምውጻእ፡ ጽቡቕ እዩ። ስለምንታይ፧ ሰለስተ ምኽንያት ክንምርምር ኢና። እተን ቀዳሞት ክልተ፡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ምትኳር፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ከም ዜደልድሎ እየን ዚገልጻ፣ እታ ሳልሰይቲ ድማ፡ ካብ ንእስነትካ ኣትሒዝካ ቲኦክራስያዊ ሸቶታት ምውጻእ ዘለዎ ጥቕሚ ተጕልሕ።

5. መንፈሳዊ ሸቶታት እነውጽኣሉ ቐዳማይ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

5 መንፈሳዊ ሸቶታት እነውጽኣሉ ቐዳማይ ምኽንያት፡ የሆዋ ንዘርኣየና ፍቕርን ምእንታና ኢሉ ንዝገበሮ ነገራትን ክሳዕ ክንደይ ከም እነማስወሉ ንምርኣይ እዩ። እቲ ዘማሪ፡ “ንየሆዋ ምምስጋን፡ . . . ጽቡቕ እዩ፣ ኦ የሆዋ፡ ብግብርታትካስ ኣሐጒስካኒ ኢኻ፣ ብተግባራት ኣእዳውካ እልል ክብል እየ” በለ። (መዝ. 92:1, 4) መንእሰይ ከም ምዃንካ መጠን፡ ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገራት ሕሰብ። የሆዋ፡ ህይወት፡ እምነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጉባኤ ኸምኡ እውን ዜደንቕ ተስፋ መጻኢ ሂቡካ እዩ። ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ምሃብ ብዛዕባ እዚ በረኸታት እዚ ንኣምላኽ እነመስግነሉ ሓደ መገዲ እዩ፣ እዚ ድማ ናብ የሆዋ ዝያዳ ኸም እትቐርብ እዩ ዚገብረካ።

6. (ሀ) መንፈሳዊ ሸቶታት ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧ (ለ) ካብ ንእስነትካ ኣትሒዝካ ኸተውጽኦ እትኽእል ሸቶታት እንታይ እዩ፧

6 ካልኣይ ምኽንያት ድማ፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ከተውጽእ ምስ ጀመርካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ጽቡቕ መዝገብ ክትሃንጽ ትጅምር ኢኻ። እዚ ድማ ዝያዳ ናብ የሆዋ ኸም እትቐርብ ይገብረካ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣምላኽሲ ግብርኹም ኰነ ንስሙ ዘርኣኹምዎ ፍቕሪ፡ . . . ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን” በለ። (እብ. 6:10) ሸቶታት ንምውጻእ ገና ኸም ዘይኣኸልካ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ክርስቲን፡ ታሪኽ ህይወት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብስሩዕ ንምንባብ ዝወሰነት ጓል ዓሰርተ ዓመት ከላ እያ ነይራ። ቶቢ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ ቕድሚ ምጥማቑ እዩ ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ሸቶ ኣውጺኡ። ማክሲም እተጠምቀ ወዲ 11 ዓመት ከሎ እዩ፣ እታ ምንኣሱ ሓብቱ ድማ ጓል ዓሰርተ ዓመት ከላ እያ ተጠሚቓ። ክልቲኦም ድማ ኣብ ቤት-ኤል ንምግልጋል ሸቶ ኣውጽኡ። ኣብ ሸቶኦም ምእንቲ ኼተኵሩ ኸኣ፡ ኣብ መንደቕ ገዛኦም ናይ ቤት-ኤል መመልከቲ ፎርም ለጠፉ። ንስኻ እውን ንዓኻ ዜገድሰካ ሸቶ ኣየናይ ምዃኑ ስለምንታይ ዘይትሓስበሉ፧ ድሕሪኡ ድማ ክትበጽሖ ተመጣጠር።—ፊልጲ 1:10, 11 ኣንብብ።

7, 8. (ሀ) ሸቶታት ምውጻእ፡ ውሳነ ንምግባር ቀሊል ኪገብሮ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሓንቲ ጐርዞ ናብ ዩኒቨርስቲ ኽትኣቱ ዘይመረጸት ስለምንታይ እያ፧

7 እቲ ብንእስነትካ ሸቶታት እተውጽኣሉ ሳልሳይ ምኽንያት ድማ፡ ውሳነ ምስ ምግባር እተተሓሓዘ እዩ። መንእሰያት ንትምህርትን ንስራሕን ንኻልእ ጕዳያትን ዚምልከት ውሳነ ኺገብሩ ኣለዎም። ውሳነ ምግባር፡ ኣብ መስቀላዊ መገዲ ዄንካ ነቲ ቕኑዕ መገዲ ምስ ምምራጽ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ናብቲ ዝደለኻዮ ቦታ እትኸደሉ መገዲ ትፈልጦ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ቕኑዕ መገዲ ምምራጽ ኣየሸግረካን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሸቶታትካ እንታይ ምዃኑ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ጽቡቕ ውሳነ ኽትገብር ቀሊል እዩ። ምሳሌ 21:5፡ “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ” ትብል። ጽቡቕ ሸቶታት ብምውጻእ ኣቐዲምካ ውጥናት እንተ ጌርካ፡ ቀልጢፍካ ኣብ ዓወት ክትበጽሕ ኢኻ። ደማሪስ ጐርዞ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣገዳሲ ውሳነ ኽትገብር ምስ ኣድለያ ኸምዚ እዩ ኣጋጢምዋ።

8 ደማሪስ ነቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታ ብኣዝዩ ልዑል ነጥቢ እያ ዛዚማቶ። ኣብ ሓደ ዩኒቨርስቲ ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ስለ ዝረኸበት ሕጊ ኽትምሃር ኣጋጣሚ እኳ እንተ ነበራ፡ ንሳ ግና ኣብ ባንክ ክትሰርሕ መረጸት። ስለምንታይ፧ ከምዚ በለት፦ “ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ፡ ፈላሚት ክኸውን ወሲነ ነይረ እየ። ስለዚ፡ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ክሰርሕ እየ ዝደሊ ነይረ። ብትምህርቲ ሕጊ ናይ ዩኒቨርስቲ ዲግሪ እንተ ዚህልወኒ፡ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዝረክብ ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ክረክብ ዘለኒ ኣጋጣሚ ጸቢብ ምዀነ።” ደማሪስ ፈላሚት ካብ እትኸውን 20 ዓመት ገይራ ኣላ። ጐርዞ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ቅኑዕ ሸቶ ኸም ዘውጽአትን ቅኑዕ ውሳነ ኸም ዝገበረትን ድዩ ዚስምዓ፧ ከምዚ በለት፦ “ሎሚ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ባንክ ምስ ጠበቓታት እራኸብ እየ። ነቲ ሕጊ ኣጽኒዐ እንተ ዝኸውን ነይረ ኽሰርሖ ዝኽእል ዓይነት ስራሕ እዮም ዚሰርሑ። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ብስራሖም ሕጕሳት ኣይኰኑን። እቲ ፈላሚት ክኸውን ዝገበርክዎ ውሳነ፡ ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ካብ ዘሎ ውጥረት ሰቲሩኒ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ድማ ንብዙሕ ዓመት ሓጐስ ክረክብ ኣኽኢሉኒ እዩ።”

9. መንእሰያትና ናእዳ ዚግብኦም ስለምንታይ እዩ፧

9 ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከባ ጉባኤታት ዘለዉ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ መንእሰያት፡ ሰናይ ነገር ይገብሩ ስለ ዘለዉ ኺንኣዱ ይግብኦም እዩ። ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ዚህብዎ፡ ንየሆዋን ንመንፈሳዊ ሸቶታቶምን እዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት፡ ንህይወት ምሉእ ብምሉእ የስተማቕሩ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወቶም ድማ መምርሒታት የሆዋ ንምስዓብ ይምሃሩ እዮም። እዚ ኸኣ ንትምህርትን ስራሕን ናብራ ስድራ ቤትን ብዚምልከት መምርሒ የሆዋ ምስዓብ የጠቓልል። ሰሎሞን፡ “ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣ . . . ኣብ ኵሉ መገድታትካ ንዕኡ ኣስተብህለሉ፣ ንሱ ኸኣ ንመገድታትካ ኬቕንዖ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳ. 3:5, 6) ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ መንእሰያት፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽቡራት እዮም፣ ንሱ ኣዝዩ የፍቅሮም፡ ዕቝባኡን መምርሒኡን በረኸቱን ድማ ይህቦም እዩ።

ምስክርነት ንምሃብ ኣጸቢቕካ ተዳሎ

10. (ሀ) ኣገልግሎት፡ ቀዳምነት ኣብ እንሰርዖ ነገራት ዝለዓለ ቦታ ኺህልዎ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ኣገልግሎት ውጽኢታውያን ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ንየሆዋ ንምሕጓስ ኣብ ህይወቱ ሓያል ባህጊ ዘለዎ ሓደ መንእሰይ፡ ንኣገልግሎት ፍሉይ ኣቓልቦ እዩ ዚገብረሉ። የሱስ ክርስቶስ፡ “ብስራት ኪስበኽ ኣለዎ” ብምባል ኣጕልሐ። (ማር. 13:10) እቲ ዕዮ ስብከት ኣዝዩ ህጹጽ ስለ ዝዀነ፡ ቀዳምነት ኣብ እንሰርዖ ነገራት ዝለዓለ ቦታ ኺህልዎ ኣለዎ። ብተደጋጋሚ ኣብ ኣገልግሎት ምክፋል ሸቶኻ ኽትገብሮ ትኽእልዶ፧ ፈላሚ ኽትከውን ትኽእልዶ፧ ምስባኽ ብዙሕ ዘየሐጕሰካ እንተ ዀይኑኸ፧ ምስክርነት ኣብ ምሃብ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ክልተ መሰረታዊ ስጕምትታት ኪሕግዘካ እዩ፦ ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ፡ ንዝፈለጥካዮ ንኻልኦት ካብ ምንጋር ድማ ዓዲ ኣይትውዓል። ብምስባኽካ ኽሳዕ ክንደይ ከም እትሕጐስ ድማ ክትርኢ ኢኻ።

ምስክርነት ንምሃብ ብኸመይ ትዳሎ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11, 12 ርአ)

11, 12. (ሀ) መንእሰያት፡ ምስክርነት ንምሃብ ምእንቲ ኺዳለዉ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ (ለ) ሓደ መንእሰይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዝረኸቦ ኣጋጣሚ፡ ምስክርነት ንምሃብ እተጠቕመሉ ብኸመይ እዩ፧

11 መማህርትኻ መብዛሕትኡ ግዜ ንዜቕርብዎ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ ብምድላው ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ “ኣምላኽ ብዛዕባ መከራና ይግደስ እዩ ኢልካዶ ትሓስብ፧” ዚብል ሕቶ እንተ ተላዒሉ፡ ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽትምልሳ ዚሕግዘካ ዓንቀጻት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ትሕቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > መሐበሪ መጽናዕቲ > ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧ (1ይ ክፋል) ርአ። ኣብኡ “ኣምላኽ ብዛዕባ መከራና ይግደስ ድዩ፧” ዘርእስቱ መሐበሪ መጽናዕቲ ኽትረክብ ኢኻ። እቲ መሐበሪ መጽናዕቲ ናይ ርእስኻ መልሲ ምእንቲ ኸተዳሉ ኺመርሓካ እዩ። ኣብኡ ድማ፡ ያእቆብ 1:13፣ ዘፍጥረት 6:5, 6፣ 1 ዮሃንስ 4:8 ክትረክብ ኢኻ። እዘን ሰለስተ ጥቕስታት እዚአን፡ ብዛዕባ እምነትካ ንምግላጽ ክትጥቀመለን ትኽእል ኢኻ። ነዚ መሐበሪ መጽናዕቲ እዚ ብምጥቃም፡ ንእተፈላለየ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ክትዳሎ ትኽእል ኢኻ።—1 ጴጥሮስ 3:15 ኣንብብ።

12 ኣጋጣሚ ኽትረክብ ከለኻ፡ መማህርትኻ ንjw.org ባዕሎም ኪጥቀሙሉ ኣተባብዓዮም። ሉካ ኸምኡ እዩ ገይሩ። ኣብ ክፍሉ ብዛዕባ እተፈላለያ ሃይማኖታት ይመያየጡ ነበሩ፣ ሉካ እቲ ዝመያየጡሉ ዝነበረ መምሃሪ መጽሓፍ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌጋ ዝዀነ ሓሳባት ከም ዝሓዘ ኣስተውዓለ። ቍሩብ ሰጋእ መጋእ ኢሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ጌጋ ዝዀነ ኣረኣእያ ኺእርም ፍቓድ ሓተተ፡ መምህሩ ድማ በዚ ተሰማምዐት። ሉካ ብዛዕባ እምነቱ ገሊጹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብምልእታ እታ ኽፍሊ ወብ ሳይትና ኣርእይዋ እዩ። እታ መምህር ንነፍሲ ወከፍ ተምሃራይ፡ ነታ ንደንዳኒ ብዘይ ጕስጢ መክቶ ዘርእስታ ቪድዮ ርእዮምዋ ኺመጹ ዕዮ ገዛ ሃበቶም። ሉካ ጽቡቕ ምስክርነት ኪህብ ስለ ዝኸኣለ ተሓጒሱ እዩ።

13. ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ክንሕለል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

13 ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ኣብ ክንዲ እትሕለል፡ ብቐጻሊ ኣብ ሸቶታትካ ኣተኵር። (2 ጢሞ. 4:2) ካታሪና ኸምኡ እያ ገይራ። ንነፍሲ ወከፍ መሳርሕታ ንምስባኽ ሸቶ ዘውጽአት ጓል 17 ዓመት ከላ እያ። ሓደ ኻብ መሳርሕታ ብተደጋጋሚ ይጸርፋ ነይሩ፣ ንሳ ግና ፈጺማ ኣይተዳህለትን። እቲ ዘርኣየቶም ሰናይ ባህርያት ሃንስ ንዝስሙ ኻልእ መሳርሕታ መሰጦ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ጽሑፋትና ኣንቢቡ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ተጠምቀ። ካታሪና ኻብቲ ቦታ ግዒዛ ስለ ዝነበረት፡ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ዅነታት ኣይትፈልጥን እያ ነይራ። ድሕሪ 13 ዓመት ግና ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ስድራ ቤታ ተኣኪባ ኸላ፡ በጻሒ ተዛራባይ ሃንስ ምዃኑ ምስ ፈለጠት ኣዝያ እያ ተገሪማ። ካታሪና እቲ ንመሳርሕታ ንምምስካር ዝገበረቶ ሸቶ ኸይተሓለለት ስለ ዝቐጸለቶ ተባሪኻ እያ።

ኣይተስግል

14, 15. (ሀ) መንእሰያት ጸቕጢ ኺወርዶም ከሎ እንታይ እዮም ኪርስዑ ዘይብሎም፧ (ለ) መንእሰያት ንጸቕጢ መዛኑ ኺዋጽኡሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

14 ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ኣብ ዘሎካ ድሌት ዘተኰረ ህይወት ክትነብር ኣተባቢዓትካ እያ። እዚ ድማ፡ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት ዘተኰረ ህይወት ምንባር የጠቓልል። ይኹን እምበር፡ መሳቱኻ ዝዀኑ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ምዝንጋዕ ዘተኰረ ህይወት ኬሕልፉ እዮም ዚደልዩ። ንዓኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ይዕድሙኻ ይዀኑ። ውዒሉ ሓዲሩ፡ ነቲ ዝመረጽካዮ ሸቶ ኽሳዕ ክንደይ ብቘራጽነት ከም እትስዕቦ ኸተርኢ የድልየካ ይኸውን። ጸቕጢ መዛኑ ንሸቶታትካ ኼረስዓካ ኣይትፍቀደሉ። ከመይሲ፡ ነቲ ብዛዕባ ኣውቶቡስ እተዋህበ ምሳሌ ኸም ብሓድሽ እሞ ሕሰበሉ፣ እቶም ተጓዓዝቲ ጽቡቕ ግዜ የሕልፉ ኸም ዘለዉ ስለ እተሰምዓካ ጥራይ ናበይ ከም እትኸይድ ናብ ዘይፈለጥካያ ኣውቶቡስ ከም ዘይትስቀል ፍሉጥ እዩ።

15 ንጸቕጢ መዛኑ ኽትዋጽኣሉ እትኽእለሉ ሓያሎ መገድታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ናብ ፈተና ኼእትወካ ኸም ዚኽእል ንዝፈለጥካዮ ዅነታት ኣወግድ። (ምሳ. 22:3) ብዛዕባ እቲ ምስ ካልኦት ሓቢርካ ጌጋ ዝዀነ ነገራት ብምግባር ዚመጽእ ዜሳቒ ሳዕቤን ሕሰብ። (ገላ. 6:7) ብዘይካዚ፡ ጽቡቕ ምኽሪ ኸም ዜድልየካ ብትሕትና ኣሚንካ ተቐበል። ነቲ ወለድኻን ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ተመክሮ ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ዚህቡኻ ምኽሪ ብትሕትና ተቐበል።—1 ጴጥሮስ 5:5, 6 ኣንብብ።

16. ትሕትና ዘለዎ ረብሓታት ዜርኢ ተመክሮ ኣዘንቱ።

16 ክሪስቶፍ፡ ጽቡቕ ምኽሪ ኪቕበል ትሕትና ደሪኻቶ እያ። ካብ ዚጥመቕ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዚግበረሉ ማእከል ብስሩዕ ልምምድ ኪገብር ጀመረ። ኣብቲ ማእከል ዝነበሩ ኻልኦት መንእሰያት ድማ ናብቲ ናይ ስፖርት ክበቦም ኪሓብሮም ደፋፍእዎ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ንሓደ ሽማግለ ተዛረቦ፣ እቲ ሽማግለ ኸኣ፡ ውሳነ ቕድሚ ምግባሩ ኸም መንፈስ ውድድር ዝኣመሰለ ገለ ሓደገኛ ነገራት ኪሓስበሉ ሓተቶ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ክርስቶፍ ናብቲ ክለብ ተጸምበረ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ግዜ እቲ ስፖርት ዓመጻ ዝመልኦን ሓደገኛን ከም ዝዀነ ኣስተውዓለ። ከም ብሓድሽ ንእተፈላለዩ ሽማግለታት ተዛረቦም፣ ኵላቶም ከኣ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ሃብዎ። ክሪስቶፍ፡ “የሆዋ ንፉዓት መኸርቲ ልኢኹለይ እዩ፣ እተወሰነ ግዜ እኳ እንተ ወሰደለይ፡ ንየሆዋ ሰሚዐዮ እየ” በለ። ንስኻኸ ጽቡቕ ምኽሪ ኽትቅበል ትሑት ዲኻ፧

17, 18. (ሀ) የሆዋ፡ ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት እንታይ ኪዀኑ እዩ ዚደልዮም፧ (ለ) ኣብ እዋን ብጽሕና እንታይ ዜሕዝን ኵነታት እዩ ኼጋጥም ዚኽእል፧ እዚኸ ብኸመይ ኪውገድ ይከኣል፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

17 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣታ ጐበዝ፡ ብንእስነትካ ባህ ይበልካ፣ ብመዓልትታት ንእስነትካ ድማ ልብኻ ይተሓጐስ” ይብል። (መክ. 11:9) እወ፡ የሆዋ ብንእስነትካ ባህ ኪብለካ እዩ ዚደሊ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ልብኻ ኺሕጐስ ዚኽእለሉ ሓደ መገዲ እያ እተጕልሕ። ኵሉ ውጥናትካ ኣብ ቲኦክራስያዊ ሸቶታት ከም ዜተኵር ግበር። ኣብ ኵሉ ውጥናትካን ውሳነታትካን መምርሒ የሆዋ ስዓብ። ነዚ ኣቐዲምካ ብዝጀመርካዮ መጠን፡ መምርሕን ዕቝባን በረኸትን የሆዋ ኸም ዝረኸብካ ቐልጢፉ ኺስምዓካ እዩ። ብዛዕባ ዅሉ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ጽቡቕ ምኽሪ ሕሰብ፣ ነቲ “ብመዓልትታት ንእስነትካ ነቲ ዓብዪ ፈጣሪኻ ዘክሮ” ዚብል ምኽሪ ድማ ኣብ ልብኻ ኣሕድሮ።—መክ. 12:1

18 መንእሰይ ኰይኑ ዚነብር ዋላ ሓደ ሰብ የልቦን። መንእሰያት ቀልጢፎም ናብ ብጽሕና ዕቤት ይገብሩ እዮም። እቲ ዜሕዝን ግና ብዙሓት በጽሕታት፡ መንእሰያት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ጌጋ ሸቶታት ብምስዓቦም ወይ ዝዀነ ይኹን ሸቶ ብዘይ ምግባሮም ይጠዓሱ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት እንተ ኣተኲርካ፡ ምስ ዓበኻ በቲ ዝገበርካዮ ምርጫ ኣዚኻ ኽትሕጐስ ኢኻ። ሚርያና ኸምኡ እያ ገይራ፣ ጐርዞ ኸላ ብስፖርት ኣዝያ ኽኢላ እያ ነይራ። ኣብ ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ጌም ክትሳተፍ ኣጋጣሚ እኳ እንተ ረኸበት፡ ንሳ ግና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትሳተፍ መረጸት። ሕጂ ልዕሊ 30 ዓመት ምስ ሓለፈ እውን፡ ምስ ሰብኣያ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እያ ዘላ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ዝናን ክብርን ሓይልን ሃብትን ሓላፊ እዩ፣ ኣብ ህይወት ድማ ዝተሓተ ሸቶ እዩ ዘለዎ። ብሓቂ እምበኣር፡ ንኣምላኽ ምግልጋልን ንሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ንምሕጋዝ ገለ እጃም ከተበርክት ምጽዓርን፡ ብሓቂ ኽቡርን ነባርን ሸቶታት እዩ።”

19. ብንእስነትካ መንፈሳዊ ሸቶታት ኣብ ምውጻእ ምትኳር ብዛዕባ ዘለዎ ረብሓ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ።

19 ኣብ ጉባኤ ዘለዉ መንእሰያት፡ ነዚ ብድሆታት እዚ ብምጽዋሮምን ህይወቶም ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ኬተኵር ስለ ዝቘረጹን፡ ኪንኣዱ ይግብኦም እዩ። ነዚ ድማ ንመንፈሳዊ ሸቶታት ብምምጥጣርን ንዕዮ ስብከት ቀዳምነት ብምሃብን እዮም ዚገብርዎ። ብዘይካዚ፡ በዛ ዓለም እዚኣ ኸየስግሉ ውሳነ ገይሮም እዮም። ስለዚ፡ ኣባጽሕ እቲ ዝገበርዎ ጻዕሪ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ርእሶም ንየሆዋ ኺውፍዩ ኸለዉ ፍቕራዊ ደገፍ ናይ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣይፍለዮምን እዩ፣ ኣብ ህይወት ዚገብርዎ ውጥን ድማ ኪሰልጦም እዩ።