ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም እተሸምኩም ሰብኡት—ካብ ጢሞቴዎስ ተምሃሩ

ኣቱም እተሸምኩም ሰብኡት—ካብ ጢሞቴዎስ ተምሃሩ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰብኡት፡ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኰይኖም ተሸይሞም እዮም። ሓደ ኻብዞም ፍቑራት ኣሕዋት እዚኦም እንተ ዄንካ፡ በዚ ሓድሽ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎትካ ኸም እትሕጐስ ፍሉጥ እዩ።

ቍሩብ ጭንቀት ኪስምዓካ ኸም ዚኽእል እውን ዚከሓድ ኣይኰነን። ጄሰን ዚብሃል መንእሰይ ሽማግለ፡ “ንፈለማ እዋን ምስ ተሸምኩ፡ እዚ ሓድሽ ሓላፍነት ኣዝዩ ኸም ዚኸብደኒ ዀይኑ ተሰምዓኒ” ኢሉ የዘንቱ። ሙሴን ኤርምያስን ከኣ ካብ የሆዋ ሓድሽ ሓላፍነታት ምስ ተቐበሉ፡ ዘይበቕዑ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 4:10፣ ኤር. 1:6) ንስኻ እውን ከምቲ ንሳቶም እተሰምዖም ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ዕንቅፋት እዚ ሰጊርካ፡ ዕቤት ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነቲ ክርስትያን ወደ መዝሙር ዝነበረ ጢሞቴዎስ ዝሓደጎ ኣብነት ክትስዕብ ትኽእል ኢኻ።—ግብ. 16:1-3

ኣብነት ጢሞቴዎስ ስዓብ

ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ መጋይሽቱ ኪኸውን ኪዕድሞ ኸሎ፡ ጢሞቴዎስ ኣብ መወዳእታ ዓሰርተታት ወይ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ከም መንእሰይ መጠን፡ ጢሞቴዎስ ርእሰ ምትእምማን ጐዲልዎን ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ንምፍጻም ሰጋእ መጋእ ኢሉን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ጢሞ. 4:11, 12፣ 2 ጢሞ. 1:1, 2, 7) ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ግና፡ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ፊልጲ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ “ንጢሞቴዎስ ቀልጢፈ ኽልእከልኩም ብጐይታና የሱስ ተስፋ ገይረ ኣለኹ። ብዛዕባኹም ናይ ሓቂ ዚሓልስ፡ ካልእ ከምኡ የብለይን” በሎም።—ፊል. 2:19, 20

ንጢሞቴዎስ ንፉዕ ሽማግለ ኪኸውን ዘኽኣሎ እንታይ እዩ፧ ካብ ኣብነቱ ኽትረኽቦ እትኽእል ሽዱሽተ ትምህርቲ እስከ ርአ።

1. ንሰባት ብሓቂ ይሓልየሎም ነይሩ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ‘ጢሞቴዎስ ብዛዕባኦም ናይ ሓቂ ኸም ዚሓሊ’ ነጊርዎም እዩ። (ፊል. 2:20) እወ፡ ጢሞቴዎስ ብዛዕባ ሰባት ይሓሊ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ድሕንነቶም ካብ ልቢ ይግደስ፡ ምእንታኦም ድማ ብፍታዉ ርእሱ ይውፊ ነይሩ እዩ።

ከምቲ ንተጓዓዝቲ ኺማላእ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኵሉ እቲ እተመደበሉ መጸበዪ ኣውቶቡስ ኣብ ሰዓቱ ኺበጽሕ ብዝያዳ ዚግደስ መራሕ ኣውቶቡስ ክንከውን የብልናን። ዊልያም ዚብሃል ንልዕሊ 20 ዓመት ንፉዕ ሽማግለ፡ ንሓደስቲ እተሸሙ ሰብኡት፡ “ንኣሕዋት ኣፍቅርዎም። ኣብ ምሕደራ ጉባኤ ዘይኰነስ፡ ኣብ ድሌቶም ኣተኵሩ” ብምባል ይምዕዶም።

2. ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ይህብ ነይሩ። ጳውሎስ ንኣብነት ጢሞቴዎስ ምስ ካልኦት ብምንጽጻር፡ “ኵላቶም ናይ ርእሶም ጥቕሚ እዮም ዚደልዩ እምበር፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን” በለ። (ፊል. 2:21) ጳውሎስ ነዚ መልእኽቲ ኣብ ሮሜ ዀይኑ እዩ ጽሒፍዎ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣሕዋት ኣብ ብሕታዊ ጕዳያቶም ኣዝዮም ትሑዛት ከም ዝነበሩ ድማ ተዓዚቡ እዩ። ብእተወሰነ ደረጃ፡ ኣብ መንፈሳዊ መዳያት ተጊሆም ኣይዓይዩን እዮም ነይሮም። ጢሞቴዎስ ግና ከማታቶም ኣይነበረን። ብስራት ንምዝርጋሕ ኣጋጣሚታት ኪፍጠር ከሎ፡ ከምቲ፡ “እነኹ፡ ልኣኸኒ!” ዝበለ ኢሳይያስ ዝነበሮ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ።—ኢሳ. 6:8

ነቲ ዘሎካ ብሕታውን መንፈሳውን ሓላፍነታትካ ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ኽትሕዞ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ፈለማ፡ ቀዳምነት እትህቦ ነገራት ስራዕ። ጳውሎስ፡ ‘እቲ ዚሓይሽ ክንምርምር’ ምዒዱና ኣሎ። (ፊል. 1:10) ነቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ዚህቦ ነገራት፡ ንስኻ እውን ቀዳምነት ሃቦ። ካልኣይ፡ ናብራኻ ኣቕልል። ግዜን ጕልበትን ዚሰርቁ ነገራት ኣወግድ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ካብ ትምኒት ንእስነት ህደም፣ . . . ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ” ኢሉ መዓዶ።—2 ጢሞ. 2:22

3. ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት ኣበርቲዑ ይዓዪ ነይሩ። ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ፡ “ከምቲ ውሉድ ንኣቦኡ ዚዀኖ ዀይኑ፡ ነቲ ብስራት ብምግልጋል፡ [ጢሞቴዎስ] ብዛዕባ ርእሱ ዘቕረቦ መርትዖ ትፈልጡ ኢኹም” ብምባል ኣዘኻኸሮም። (ፊል. 2:22) ጢሞቴዎስ ሃካይ ኣይነበረን። ምስ ጳውሎስ ኰይኑ ብትግሃት ዓየየ፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎኦም ንዝነበረ ማእሰር ፍቕሪ ኣደልዲልዎ እዩ።

ሎሚ ኣብ ውድብ የሆዋ ዋሕዲ ዕዮ የልቦን። እዚ ዕዮ እዚ፡ ብሓቂ ዜዕግብን ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ብዝያዳ ዜቀራርብን እዩ። ስለዚ፡ ኵሉ ሳዕ ‘ብዙሕ ዕዮ ጐይታ ኪህልወኩም’ ሸቶ ግበር።—1 ቈረ. 15:58

4. ንእተማህሮ ኣብ ግብሪ የውዕሎ ነይሩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ንትምህርተይ፡ ንኣነባብራይ፡ ንዕላማይ፡ ንእምነተይ፡ ንዓቕለይ፡ ንፍቕረይ፡ ንተጻዋርነተይ ጠቢቕካ ስዒብካ ኢኻ” ኢሉ ጸሓፈሉ። (2 ጢሞ. 3:10) ጢሞቴዎስ ነቲ እተማህሮ ኣብ ግብሪ ስለ ዘውዓሎ፡ ንተወሳኺ ሓላፍነት ብቑዕ ኰነ።—1 ቈረ. 4:17

ንስኻኸ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪሕግዘካ ዚኽእል ኣማኻሪ ኣሎካዶ፧ እንተ ዘይብልካ፡ ስለምንታይ መንፈሳዊ ኣማኻሪ ኪዀነካ ዚኽእል ሽማግለ ዘይተናዲ፧ ንብዙሕ ዓመታት ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ዘሎ ቶም፡ “ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ሽማግለ፡ ኣባይ ብሕታዊ ተገዳስነት ኣሕዲሩ፡ ብሉጽ ስልጠና ድማ ሂቡኒ። ወትሩ ምኽሩ እሓትቶን ኣብ ግብሪ አውዕሎን ነይረ እየ። እዚ ድማ ቀልጢፈ ምትእምማን ከማዕብል ሓጊዙኒ እዩ” በለ።

5. ንርእሱ ብቐጻሊ የሰልጥና ነይሩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ከም ሸቶኻ ጌርካ ርእስኻ ኣሰልጥን” ኢሉ ኣተባብዖ። (1 ጢሞ. 4:7) ሓደ ኣትለት፡ ኣሰልጣኒ ኺህልዎ ይኽእል እዩ፣ እንተዀነ ግና፡ ባዕሉ እውን ንርእሱ ኼሰልጥን ኣለዎ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ንህዝቢ ኣብ ምንባብን ኣብ ምምዓድን ኣብ ምምሃርን ትጋህ። . . . ብዛዕባ እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፣ ዕቤትካ ንዅሉ ርኡይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ነዚ ነገር እዚ ዅለንትናኻ ወፊ” ኢሉ ተማሕጸኖ።—1 ጢሞ. 4:13-15

ንስኻ እውን ንኽእለትካ ብቐጻሊ ኽትስሕሎ ኣሎካ። ትጉህ ተምሃራይ ኩን፣ ምስቲ ኻብ ውድብ ዚመጽእ እዋናዊ መምርሒታት ድማ ተላለ። ብዘይካዚ፡ እምብዛ ብርእስኻ ምትእምማን ኣወግድ፣ ኣዝዩ ብዙሕ ተመክሮ ኸም ዘሎካ ብምሕሳብ፡ ብጥንቃቐ ምርምር ከይገበርካ ንዝዀነ ይኹን ጕዳይ ክትፈትሖ ኣይትፈትን። ጢሞቴዎስ ንዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ፡ “ኣብ ርእስኻን ኣብቲ እትምህሮ ትምህርትን ኣተኵር።”—1 ጢሞ. 4:16

6. ኣብ መንፈስ የሆዋ ይውከል ነይሩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ ኣገልግሎቱ፡ “ነዚ ጽቡቕ ሕድሪ እዚ፡ በቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ” ኢሉ ኣዘኻኸሮ። (2 ጢሞ. 1:14) ጢሞቴዎስ ኣገልግሎቱ ንምሕላው፡ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ኪውከል የድልዮ ነይሩ እዩ።

ንሓያሎ ዓመታት ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግሎ ዘሎ ዶናልድ፡ “እተሸሙ ሰብኡት ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ኣኽቢሮም ኪርእይዎ ኣለዎም። እቶም ከምዚ ዚገብሩ ‘ኻብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ’ ኪኸዱ እዮም። መንፈስ ኣምላኽ ኪውሃቦም እንተ ጸልዮምን ነቲ ዜፍርዮ ፍረ እንተ ዀስኲሶምዎን፡ ንኣሕዋቶም ናይ ሓቂ በረኸት ኪዀኑ እዮም” ኢሉ ትዕዝብቱ ይገልጽ።—መዝ. 84:7፣ 1 ጴጥ. 4:11

ንዘሎካ ፍሉይ መሰል ኣኽቢርካ ርኣዮ

መንፈሳዊ ዕቤት ዚገብሩ ዘለዉ ኸምዚ ኸማኻ ዝበሉ ኣዝዮም ብዙሓት ሓደስቲ እተሸሙ ኣሕዋት ምርኣይ፡ ኣዝዩ ዜተባብዕ እዩ። እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ጄሰን፡ “ካብቲ ሽማግለ ዀይነ ዘሕለፍክዎ ግዜ፡ ብዙሕ ተማሂረ፡ ዝያዳ ምትእምማን ድማ ኣማዕቢለ እየ። ሕጂ ንሓላፍነተይ፡ ብሓቂ ባህ ከም ዜብልን ከም ዜደንቕ መሰልን ገይረ እየ ዝርእዮ” በለ።

እሞኸ ብቐጻሊ መንፈሳዊ ዕቤት ክትገብር ዲኻ፧ ካብ ጢሞቴዎስ ክትምሃር ሸቶኻ ግበሮ። ድሕሪኡ፡ ንስኻ እውን ንህዝቢ ኣምላኽ በረኸት ክትከውን ኢኻ።