ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 16

ብዛዕባ ሞት ነቲ ሓቂ ደግፍ

ብዛዕባ ሞት ነቲ ሓቂ ደግፍ

“ብድራኸ መንፈስ ዚዝረብ ዘረባ ሓቅን ብድራኸ መንፈስ ዚዝረብ ዘረባ ስሕተትን በዚ ኢና እነለሊ።”—1 ዮሃ. 4:6

መዝሙር 73 ኣትብዓና

መላለዪ *

ንኣምላኽ ኣብ ዜጕህዮ ልምዲ ኣብ ክንዲ እትሳተፍ፡ ዚፈትውዎ ሰቦም ንዝሞቶም ኣዝማድካ ኣጸናንዓዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ርአ) *

1-2. (ሀ) ሰይጣን ንሰባት ብኸመይ እዩ ኣታሊልዎም ዘሎ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

ሰይጣን “ኣቦ ሓሶት” ስለ ዝዀነ፡ ካብ መጀመርታ ታሪኽ ኣትሒዙ ንሰባት የታልሎም ኣሎ። (ዮሃ. 8:44) ገለ ኻብቲ ሓሶቱ፡ ብዛዕባ ሞትን ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዚህሉ ህይወትን ዚገልጽ ናይ ሓሶት ትምህርትታት እዩ። እዚ ትምህርትታት እዚ፡ መሰረት ናይ መብዛሕትኡ ልምድታትን ማሪታዊ እምነታትን ኰይኑ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓደ ኻብ ቤተ ሰቦም ወይ ካብ ማሕበረ ሰቦም ኪመውት ከሎ፡ ‘ንእምነት ኪጋደሉ’ ኣድልይዎም እዩ።—ይሁ. 3

2 ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሞት ዚምህሮ ደጊፍካ ንምቛም እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ (ኤፌ. 6:11) ንኣምላኽ ባህ ኣብ ዘየብል ልምድታት ኪሳተፍ ጸቕጢ ንዚወርዶ ክርስትያን ከመይ ጌርካ ኸተጸናንዖን ከተበርትዖን ትኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ትገልጽ። ፈለማ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሞት እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።

ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

3. እቲ ናይ ፈለማ ሓሶት እንታይ ሳዕቤን እዩ ኣስዒቡ፧

3 ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኪሞቱ ኣይኰነን ፈጢርዎም። ኰይኑ ግና፡ ኣዳምን ሄዋንን ንዘለኣለም ንምንባር ንየሆዋ ኺእዘዝዎ ነይርዎም፣ ስለዚ ድማ፡ “ብዛዕባ እታ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን፡ . . . ካብኣ ኣይትብላዕ፣ ከመይሲ፡ በታ ኻብኣ እትበልዓላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ” ኢሉ ቐሊል ትእዛዝ ሃቦም። (ዘፍ. 2:16, 17) ድሕሪኡ ግና፡ ሰይጣን ጸገማት ኪፈጥር ጀመረ። ብተመን ገይሩ ንሄዋን፡ “ከቶ ኣይክትሞቱን ኢኹም” በላ። እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ ነቲ ሓሶት እቲ ኣሚና ኻብ ፍረ እታ ኦም በልዐት። ድሕሪኡ፡ ሰብኣያ እውን ካብ ፍረ እታ ኦም በልዐ። (ዘፍ. 3:4, 6) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሓጢኣትን ሞትን ናብ ደቂ ሰብ ኣተወ።—ሮሜ 5:12

4-5. ሰይጣን ንሰባት ብኸመይ እዩ ዜታልሎም ዘሎ፧

4 ኣዳምን ሄዋንን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ሞቱ። ሰይጣን ግና ብዛዕባ ሞት ሓሶት ካብ ምዝራብ ደው ኣየበለን። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ ካልእ ሓሶት ኬተኣታቱ ጀመረ። ሓደ ኻብቲ ሓሶት እቲ ኸኣ፡ ‘ስጋና ደኣ እዩ ዚመውት እምበር፡ ገለ ኽፋልና ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ወይ ኣብ ካልእ ብህይወት ምንባር ይቕጽል እዩ’ ዚብል እዩ። እዚ ብበበይኑ ዓይነት ዚቐርብ ሓሶት እዚ፡ ታእላው ንዘይብሎም ሰባት ክሳዕ ሎሚ የታልሎም ኣሎ።—1 ጢሞ. 4:1

5 ስለምንታይ እዮም ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ዚታለሉ ዘለዉ፧ ሰይጣን ብዛዕባ ሞት ዝነዝሖ ሓሶት ነቲ ብተፈጥሮና ብዛዕባ ሞት ዚስምዓና ስምዒት ይምዝምዞ እዩ። ንዘለኣለም ክንነብር ስለ እተፈጠርና፡ ክንመውት ኣይንደልን ኢና። (መክ. 3:11) ንሞት ከም ጸላኢ ጌርና ኢና እንርእዮ።—1 ቈረ. 15:26

6-7. (ሀ) ሰይጣን ነቲ ብዛዕባ ሞት ዚገልጽ ሓቂ ብምሕባእ ተዓዊቱዶ፧ ግለጽ። (ለ) ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘየድሊ ፍርሂ ዝሰትረና ብኸመይ እዩ፧

6 ሰይጣን ብዙሕ እኳ እንተ ጸዓረ፡ ብዛዕባ ሞት ክንፈልጦ ዚግባእ ሓቂ ግና ተሓቢኡ ኣይተረፈን። እኳ ደኣስ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታትን ተስፋን ምዉታት ዚምህሮ ትምህርቲ ፈሊጦምሲ ንሰባት የፍልጡ ኣለዉ። (መክ. 9:5, 10፣ ግብ. 24:15) እዚ ሓቅታት እዚ ኸኣ የጸናንዓና እዩ፣ ካብ ዘየድሊ ፍርህን ስግኣትን እውን ይሰትረና እዩ። ንኣብነት፡ ንምዉታት ኣይንፈርሆምን ኢና፣ ንዓታቶም ክፉእ ከይገጥሞም ኢልና እውን ኣይንፈርህን ኢና። ህያዋን ከም ዘይኰኑን ንዋላ ሓደ ኺጐድኡ ኸም ዘይክእሉን ንፈልጥ ኢና። ኵነታቶም ምስ ዓሚቝ ድቃስ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 11:11-14) ብዘይካዚ፡ ምዉታት ክንደይ ግዜ ኸም ዝሓለፈ ኣይፍለጦምን እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ትንሳኤ፡ እቶም ንዘመናት ሞይቶም ዝጸንሑ እኳ፡ እቲ ዝሓለፈ ግዜ ኸም ቅጽበት ዓይኒ ኺመስሎም እዩ።

7 እቲ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት እተገልጸ ሓቅስ ንጹርን ቀሊልን ርዱእን ደይኰነን፧ ካብቲ ሰይጣን ዝነዝሖ ዜደናግር ሓሶት ኣመና እተፈልየ እዩ። እቲ ሓሶት እቲ ንሰባት ኣብ ርእሲ ምትላሉ፡ ንፈጣሪና እውን ስሙ የጸልሞ እዩ። እቲ ሰይጣን ዘምጽኦ ጕድኣት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፦ እቲ ሰይጣን ዝነዝሖ ሓሶት ንስም የሆዋ ዜጸልሞ ብኸመይ እዩ፧ ንሰባት ኣብቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ኸም ዘይኣምኑ ዚገብሮም ብኸመይ እዩ፧ ንሓዘንን ንመከራን ደቂ ሰብ ዘጋደዶኸ ብኸመይ እዩ፧

ሰይጣን ዝነዝሖ ሓሶት ብዙሕ ጕድኣት ኣውሪዱ

8. ኣብ ኤርምያስ 19:5 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ሰይጣን ብዛዕባ ምዉታት ዝነዝሖ ሓሶት ንስም የሆዋ ዜጸልሞ ብኸመይ እዩ፧

8 ሰይጣን ብዛዕባ ምዉታት ዝነዝሖ ሓሶት ንስም የሆዋ የጸልሞ። ገለ ኻብዚ ሓሶት እዚ፡ ምዉታት ኣብ ገሃነም እሳት ይሳቐዩ ዚብል ናይ ሓሶት ትምህርቲ ኺጥቀስ ይከኣል። ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርትታት ንስም ኣምላኽ የጸልሞ እዩ። ብኸመይ፧ እዚ ሓሶት እዚ ነቲ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ባህርይ ድያብሎስ እዩ ዚህቦ። (1 ዮሃ. 4:8) እዚ ምፍላጥካ፡ ከመይ ይስምዓካ፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንየሆዋ ኸመይ ይስምዖ፧ ከመይሲ፡ ንሱ፡ ኵሉ ዓይነት ጭካነ ይጸልእ እዩ።—ኤርምያስ 19:5 ኣንብብ።

9. ሰይጣን ዝነዝሖ ሓሶት ንሰባት ኣብቲ ኣብ ዮሃንስ 3:16ን 15:13ን ተጠቒሱ ዘሎ ክርስቶስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ኸም ዘይኣምኑ ዚገብሮም ብኸመይ እዩ፧

9 ሰይጣን ብዛዕባ ሞት ዝነዝሖ ሓሶት ንሰባት ኣብቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ኸም ዘይኣምኑ ይገብሮም። (ማቴ. 20:28) ሰይጣን ዝነዝሖ ኻልእ ሓሶት፡ ሰባት ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶም ዚብል እዩ። እዚ ሓቂ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ኵሉ ሰብ ንዘለኣለም ብህይወት ምነበረ። ከምኡ እንተ ዚኸውን ከኣ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ ክርስቶስ ምእንታና በጃ ኪኸውን ኣይመድለየን ነይሩ። መስዋእቲ ክርስቶስ ክሳዕ ሕጂ ንደቂ ሰብ ካብ እተራእየ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ እዩ። (ዮሃንስ 3:16፣ 15:13 ኣንብብ።) የሆዋን ወዱን ብዛዕባ እዚ ነቲ ኽቡር ውህበት እቲ ኸም ዘየድሊ ገይሩ ዜቕርብ ትምህርትታት ከመይ ከም ዚስምዖም እሞ ገምቶ።

10. ሰይጣን ብዛዕባ ሞት ዝነዝሖ ሓሶት ንሓዘንን ንመከራን ደቂ ሰብ ዜጋድዶ ብኸመይ እዩ፧

10 ሰይጣን ዝነዝሖ ሓሶት ንሓዘንን ንመከራን ደቂ ሰብ የጋድዶ። ብሞት ውላዶም ንዚሓዝኑ ገሊኦም ወለዲ፡ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ መላእኽቲ ስለ ዝደለየ ኸም ዝወሰዶ ይንገሮም እዩ። እዚ ሰይጣናዊ ሓሶት እዚ ንሓዘኖም ይንክዮ ድዩ ወይስ የጋድዶ፧ ገሊኦም ሰባት በቲ ናይ ሓሶት ዝዀነ ትምህርቲ ገሃነም እሳት እናኣመኻነዩ ንሰባት ኣሳቕዮም እዮም፣ አረ ገሊኦምሲ ነቶም ንትምህርትታት ቤተ ክርስትያን ዚቃወሙ ዘበሉ ኣብ ጕንዲ ኣቃጺሎም እዮም። ብመሰረት ሓንቲ ብዛዕባ ፍርዲ መናፍቓን ስጳኛ እትገልጽ መጽሓፍ፡ ገሊኦም በዚ ጭካነ እዚ ተሓተትቲ ዝዀኑ ሰባት ነቶም መናፍቓን “ዘለኣለማዊ ገሃነም እሳት ከመይ ምዃኑ” ኼጥዕምዎም ኢሎም ጥራይ ምዃኖም ይኣምኑ ነይሮም እዮም፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቶም መናፍቓን ቅድሚ ሙማቶም ተነሲሖም ካብ ገሃነም እሳት ይድሕኑ ኢሎም ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዚርከቡ ሰባት ንዝሞቱ ኣቦታቶም የምልኹ፡ የተዝክሩ፡ ወይ ካባታቶም በረኸት ንምርካብ ይጽዕሩ እዮም። ገሊኦም ከኣ ካብ ገሊኡ ዓይነት መቕጻዕቲ ንምምላጥ፡ ንዝሞቱ ኣቦታቶም ባህ ኬብሉ ይደልዩ እዮም። እምበኣር፡ ኣብ ናይ ሰይጣን ሓሶት እተመስረተ እምነታት ናይ ሓቂ መጸናንዒ ኣየምጽእን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዘየድሊ ጭንቀት ወይ ፍርሂ እዩ ዚፈጥር።

ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ብኸመይ ከም እንድግፎ

11. ብቕኑዕ ሓሳብ እተለዓዓሉ ኣዝማድና ወይ ፈተውትና ኸመይ ገይሮም እዮም ምስ ቃል ኣምላኽ ዚጻረር ተግባር ክንገብር ጸቕጢ ዚገብሩልና፧

11 ኣዝማድና ወይ ፈተውትና ብቕኑዕ ሓሳብ ተለዓዒሎም ምስ ሞት ብዚተሓሓዝ ኣብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምድታት ኬሳትፉና ይፍትኑ ይዀኑ። ንኣምላኽ እነፍቅሮን ቃሉ እንፈቱን እንተ ዄንና፡ ጸቕጢ ኣብ ዚገብሩሉ እዋን እኳ፡ ንየሆዋ ኽንእዘዞ ብርታዐ ይህልወና እዩ። ኣዝማድና ወይ ፈተውትና ነቲ ምዉት ከም ዘይንፈትዎ ወይ ከም ዘይነኽብሮ ገይሮም ኬሕፍሩና ይጽዕሩ ይዀኑ። ተግባራትና ነቲ ምዉት ከም ዚጐድኦ ይዛረቡ ይዀኑ። እሞኸ ኸመይ ጌርና ኢና ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ክንድግፍ እንኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ጌርካ ኽትጥቀመሉ ኸም እትኽእል እስከ ንርአ።

12. ብዛዕባ ምዉታት ዘሎ እንታይ ልምድታት እዩ ብንጹር ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ፧

12 ካብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ እምነታትን ልምድታትን ‘ተፈለ።’ (2 ቈረ. 6:17) ኣብ ካሪበያ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ሃገር፡ ሰብ ምስ ሞተ፡ “መንፈሱ” ኣብቲ ኸባቢ ጸኒሑ ነቶም ዝገፍዕዎ ሰባት ይቐጽዖም ተባሂሉ ይእመን እዩ። ሓደ መወከሲ ኸም ዚገልጾ፡ እቲ “መንፈስ” ሕሉፍ ሓሊፉ “ኣብ ማሕበረሰብ ብዙሕ ጥፍኣት ኬምጽእ ይኽእል እዩ” ተባሂሉ ይእመነሉ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ቤት ምዉት ዘሎ መስትያት ይሽፈን፡ ስእልታት እውን ናብ መንደቕ ገጹ ይግበር እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዚግበር፧ ገሊኦም ሰባት፡ ምዉታት ገዛእ ርእሶም ኪርእዩ ስለ ዘይብሎም ምዃኑ ይዛረቡ። ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ሰይጣን ንዝነዝሖ ሓሶት ኣብ ዚድግፍ ዝዀነ ጽውጽዋይ ከቶ ኣይንኣምንን ኢና፣ ወይ ከኣ ሰይጣን ንዝነዝሖ ሓሶት ኣብ ዚድግፍ ዝዀነ ልምዲ ኸቶ ኣይንሳተፍን ኢና።—1 ቈረ. 10:21, 22

ተጠንቂቕካ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ምርምር ምግባርን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ዘይኰኑ ኣዝማድካ ጽቡቕ ጌርካ ምዝርራብን፡ ካብ ጸገማት ኪሰትረካ ይኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 13-14 ርአ) *

13. ብዛዕባ ገሊኡ ልምዲ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ብመሰረት ያእቆብ 1:5 እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

13 ብዛዕባ ገሊኡ ልምዲ ወይ ባህሊ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ናብ የሆዋ ጸሊ፡ ብእምነት እውን ጥበቡ ኺህበካ ለምኖ። (ያእቆብ 1:5 ኣንብብ።) ድሕሪኡ፡ ኣብ ጽሑፋትና ምርምር ግበር። እንተ ኣድልዩ፡ ኣብ ጉባኤኻ ንዘለዉ ሽማግለታት ኣማኽር። ልክዕ እዩ፡ እንታይ ከም እትገብር ኣይውስኑልካን እዮም፣ ከምዚ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዓይነት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ግና ኪሕግዙኻ እዮም። ነዚ ስጕምትታት እዚ ኽትወስድ ከለኻ፡ ‘ንልቦናኻ’ ኢኻ እተሰልጥኖ ዘለኻ፣ ልቦናኻ ድማ “ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ” ኪሕግዘካ እዩ።—እብ. 5:14

14. ንኻልኦት መዐንቀፊ ኸይንኸውን ብኸመይ ኢና ኽንጥንቀቕ እንኽእል፧

14 “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ። . . . መዐንቀፊ ኣይትኹኑ።” (1 ቈረ. 10:31, 32) ኣብ ገሊኡ ልምዲ ወይ ባህሊ ኽንሳተፍ ወይ ከይንሳተፍ ክንውስን ከለና፡ ውሳነና ንሕልና ኻልኦት ሰባት፡ ምናዳ ኸኣ ንሕልና ክርስትያናት ብጾትና ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ኽንሓስብ ኣሎና። ንዋላ ሓደ መዐንቀፊ ኽንከውን ጠሪስና ኣይንደልን ኢና። (ማር. 9:42) ብተወሳኺ ድማ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይኰኑ ሰባት ብዘየድሊ ኸነጕህዮም ኣይንደልን ኢና። ብፍቕሪ ተደሪኽና ብኣኽብሮት ኢና ኸነዘራርቦም ዘሎና፣ እዚ ድማ ንየሆዋ የኽብሮ እዩ። ምስ ሰባት ኣይንቋየቝን ኢና፣ ብባህሎም እውን ኣይነላግጸሎምን ኢና። ፍቕሪ ሓያል ምዃና ኣይንረስዕ። ብሓልዮትን ብኣኽብሮትን ፍቕሪ እንተ ኣርኢና፡ ንልቢ ተጻረርቲ እኳ ኸነለስልስ ንኽእል ንኸውን።

15-16. (ሀ) ንሰባት እንታይ ከም እትኣምን ምሕባርካ ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ። (ለ) ኣብ ሮሜ 1:16 ተጠቒሱ ዚርከብ ቃላት ጳውሎስ ንዓና ዚምልከተና ብኸመይ እዩ፧

15 ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካ ንማሕበረ ሰብካ ኣፍልጦም። (ኢሳ. 43:10) ኣዝማድካን ጐረባብትኻን ንየሆዋ ኣምላኽ ከም እተምልኽ ፈሊጦም እንተ ጸኒሖም፡ ሰባት ስምዒታውያን ኣብ ዚዀኑሉ እዋን ነቲ ጸገም ንምስጋሩ ኪቐልለካ ይኽእል እዩ። ኣብ ሞዛምቢክ ዚነብር ፍራንሲስኮ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ኣነን ሰበይተይ ካሮሊናን ሓቂ ምስ ፈለጥና፡ ድሕሪ ሕጂ ንምዉታት ከም ዘይነምልኽ ንቤተ ሰብና ነጊርናዮም። ሓብቲ ካሮሊና ምስ ሞተት፡ ንውሳነና ፈተና ኣጋጢምዎ እዩ። ብመሰረት ልምድና፡ ሬሳ ናይ ምሕጻብ ጽምብል ይግበር እዩ። ናይ ቀረባ ዘመድ ከኣ ኣብቲ እቲ ሕጻብ ማይ እተኻዕወሉ ቦታ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ይድቅስ እዩ። እዚ ልምድታት እዚ ንመንፈስ እቲ ምዉት የህድኦ ተባሂሉ እዩ ዚእመን። ቤተ ሰብ ካሮሊና ኣብቲ ሕጻብ ማይ እተኻዕወሉ ኽትድቅስ ተጸብዮምዋ ነይሮም።”

16 እሞኸ ፍራንሲስኮን ሰበይቱን እንታይ ገይሮም፧ ፍራንሲስኮ ኸምዚ ኢሉ ይገልጽ፦ “ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮን ባህ ከነብሎ ስለ እንደልን፡ ኣብቲ ልምዲ እቲ ምስታፍ ኣቢና። ቤተ ሰብ ካሮሊና በዚ ብዙሕ ተቘጢዖም። ንምዉት ከም ዘይነኽብር ገይሮም ከሲሶምና፣ ድሕሪ ሕጂ ቤተ ሰብ ከም ዘይበጽሓናን ከም ዘይሕግዘናን እውን ነጊሮምና። ኣቐዲምና እምነታትና ገሊጽናሎም ስለ ዝነበርና፡ ተቘጢዖም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብዛዕባኡ ኽንገልጸሎም ኣይፈተንናን። ገሊኦም ኣዝማድ እውን መትከልና ኣቐዲምና ኸም ዝገለጽና ብምጥቃስ ተኸላኺሎምልና። ጸኒሖም፡ ቤተ ሰብ ካሮሊና ሃዲኦም እዮም፣ ክንዕረቕ እውን ክኢልና ኢና። አረ ገሊኣቶምሲ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ደልዮም ናብ ቤትና መጺኦም እዮም።” እምበኣር፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ብዛዕባ ሞት እተገልጸ ሓቂ ንምቛም ከቶ ኣይንሕፈር።—ሮሜ 1:16 ኣንብብ።

ንሓዘንተኛታት ኣጸናንዓዮምን ደግፎምን

ናይ ሓቂ ፈተውቲ እንተ ዄንና፡ ዚፈትውዎ ሰቦም ንዝሞቶም ሰባት ነጸናንዖምን ንድግፎምን ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 17-19 ርአ) *

17. ንሓዘንተኛ ክርስትያን ብጻይና ናይ ሓቂ ፈታዊ ምእንቲ ኽንኰኖ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

17 ሓደ ክርስትያን ብጻይና ዚፈትዎ ሰቡ ምስ ዚሞቶ፡ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡” ከምኡ ድማ “ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው” ምእንቲ ኽንኰኖ ኽንጽዕር ኣሎና። (ምሳ. 17:17) ብሕልፊ ነቲ ኣብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምዲ ኺሳተፍ ጸቕጢ ዚወርዶ ሓዘንተኛ ክርስትያን ከመይ ጌርና ኢና “ናይ ሓቂ ፈታዊ” እንዀኖ፧ ሰቦም ንዝሞቶም ሰባት ንምጽንናዕ ዚሕግዘና ኽልተ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርአ።

18. የሱስ ብምንታይ ተደሪኹ እዩ ነቢዑ፧ ካብ ኣብነቱኸ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

18 “ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ።” (ሮሜ 12:15) ንሓደ ብሓዘን እተደቝሰ ሰብ እንታይ ከም እንብሎ ቃላት ይጠፍኣና ይኸውን። ሓድሓደ ግዜ፡ ንብዓትና ኻብ ቃላትና ንላዕሊ ይዛረብ እዩ። እቲ ዓርኪ የሱስ ዝነበረ ኣልኣዛር ምስ ሞተ፡ ማርያምን ማርታን ካልኦትን ነቲ ፍቑር ሓዎምን ፈታዊኦምን በኽዮምሉ እዮም። የሱስ ድሕሪ ራብዕቲ ናብቲ ቦታ እቲ ምስ ከደ፡ ንኣልኣዛር ኬተንስኦ ምዃኑ እናፈለጠ ኽነሱ ‘ነቢዑ’ እዩ። (ዮሃ. 11:17, 33-35) ንብዓት የሱስ ንስምዒት ኣቦኡ እዩ ኣንጸባሪቑ። የሱስ ነቶም ስድራ ቤት እቲኦም ይፈትዎም ምንባሩ እውን ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ብዘይ ጥርጥር ንማርያምን ንማርታን ኣጸናኒዕወን ኪኸውን ኣለዎ። ብተመሳሳሊ፡ ኣሕዋትና ንፍቕርናን ንሓልዮትናን ኪርእይዎ ኸለዉ፡ ብሓለይትን ብደገፍትን ፈተውቲ ተኸቢቦም ከም ዘለዉ እምበር፡ በይኖም ከም ዘይኰኑ ኺፈልጡ ይኽእሉ እዮም።

19. ንሓዘንተኛ ክርስትያን ብጻይና ኸነጸናንዕ ከለና፡ ነቲ ኣብ መክብብ 3:7 ዘሎ ሓሳብ ከመይ ጌርና ኢና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእል፧

19 “ስቕ ንምባል ግዜ ኣለዎ፡ ንምዝራብ ከኣ ግዜ ኣለዎ።” (መክ. 3:7) ንሓዘንተኛ ክርስትያን ብጻይና እነጸናንዓሉ ኻልእ መገዲ ድማ፡ ንፉዕ ሰማዒ ብምዃን እዩ። ሓውካ ኣብ ልቡ ዘሎ ኼፍስሰልካ ፍቐደሉ፣ “ቀይዲ ዘይብሉ ዘረባ” እንተ ተዛሪቡ፡ ብእኡ ቕር ኣይበልካ። (እዮ. 6:2, 3) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዘይኰኑ ኣዝማዱ ጸቕጢ የጋጥሞ ስለ ዘሎ፡ ተወሳኺ ስምዒታዊ ውጥረት ይህልዎ ይኸውን። ስለዚ፡ ምስኡ ሓቢርካ ጸሊ። እቲ “ሰማዕ ጸሎት” ንዕኡ ብርታዐን ንጹር ኣእምሮን ኪህቦ ኸኣ ለምነሉ። (መዝ. 65:2) ኵነታት ዚፈቅድ እንተ ዀይኑ፡ ብሓባር ኴንኩም መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቡ። ወይ ድማ ካብ ጽሑፋትና ምስቲ ዅነታቱ ዚተሓሓዝ ዓንቀጽ፡ ንኣብነት ዜተባብዕ ታሪኽ ህይወት ኣንብቡ።

20. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

20 ብዛዕባ ዅነታት ምዉታትን ብዛዕባ እቲ ኣብ መቓብር ንዘለዉ ዚጽበዮም ዘሎ ዜደንቕ መጻእን ሓቂ ኽንፈልጥ ምኽኣልናስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ነገር ኰን እዩ! (ዮሃ. 5:28, 29) እምበኣር፡ ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ብቓልን ብግብርን ተቢዕና ንደግፍ፡ ኣብ እንረኽቦ ዘበለ ኣጋጣሚ እውን ብዛዕባኡ ንሰባት ንንገሮም። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ሰይጣን ንሰባት ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ኪዳጕነሉ ንዚፍትን ካልእ መገዲ ኽንርኢ ኢና፣ እዚ ድማ መናፍስትነት እዩ። ምስ ኣጋንንታዊ መጻወድያ ኻብ ዚተሓሓዝ ተግባራትን መዘናግዕን ስለምንታይ ክንርሕቕ ከም ዘሎና ኸኣ ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 24 ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ

^ ሕ.ጽ. 5 ሰይጣንን ኣጋንንቱን ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ሓሶት ብምንዛሕ፡ ንሰባት የታልሉ ኣለዉ። እዚ ሓሶት እዚ ንብዙሓት ሰባት ኣብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምድታት ከም ዚሳተፉ ይገብሮም ኣሎ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ልምድታት ክትሳተፍ ጸቕጢ ኣብ ዚወርደካ እዋን፡ ንየሆዋ እሙን ኴንካ ንምምልላስ ክትሕግዘካ እያ።

^ ሕ.ጽ. 55 መግለጺ ስእሊ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓንቲ እትፈትዎ ሰባ ዝሞታ ዘመዶም የጸናንዕዋ።

^ ሕ.ጽ. 57 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ብዛዕባ ልምድታት ቀብሪ ምርምር ድሕሪ ምግባሩ፡ ንኣዝማዱ ብዛዕባ እምነቱ ብለውሃት ይገልጸሎም።

^ ሕ.ጽ. 59 መግለጺ ስእሊ፦ ሽማግለታት ክርስትያናዊት ጉባኤ ንሓደ ዚፈትዎ ሰቡ ዝሞቶ ናይ የሆዋ ምስክር የጸናንዕዎን ይድግፍዎን።