ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 15

ንየሱስ ምሰሎ እሞ ብሰላም ንበር

ንየሱስ ምሰሎ እሞ ብሰላም ንበር

“እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹም . . . ኪሕልዎ እዩ።”—ፊል. 4:7

መዝሙር 113 ሰላምና

መላለዪ *

1-2. የሱስ ተረቢሹ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ኣብታ ሰብ ኰይኑ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ተረቢሹ ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ብኢድ ጠሓስቲ ሕጊ ብዜስካሕክሕ መገዲ ኸም ዚመውት ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንየሱስ ዜተሓሳስቦ ዝነበረ ግና፡ እቲ ቐሪቡ ዝነበረ ሞቱ ጥራይ ኣይነበረን። ንኣቦኡ ኣጸቢቑ የፍቅሮን ባህ ኬብሎ ይደልን ነይሩ እዩ። ኣብቲ ትሕቲ እቲ ኣጸጋሚ ፈተና እሙን እንተ ዀይኑ፡ ንስም የሆዋ ንምጥባቕ ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ የሱስ ንደቂ ሰብ የፍቅሮም እዩ፣ ንሕና ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ እንተ ዄንና፡ ንሱ ንምድራዊ ህይወቱ ብተኣማንነት ኪዛዝም ከም ዝነበሮ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

2 የሱስ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ውጥረት እኳ እንተ ነበረ፡ ሰላም ነይርዎ እዩ። ንሃዋርያቱ ድማ፡ “ሰላመይ . . . እህበኩም ኣለኹ” ኢልዎም እዩ። (ዮሃ. 14:27) “ሰላም ኣምላኽ፡” ማለት ምስ የሆዋ ኽቡር ርከብ ብምዕቃብ ዚርከብ ህድኣትን ሰላምን ነይርዎ እዩ። እቲ ሰላም እቲ ኸኣ፡ ንኣእምሮን ንልብን የሱስ ኣቕሲንዎ እዩ።—ፊል. 4:6, 7

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ዋላ ሓዴና ኸምቲ ንየሱስ ዘጋጠሞ ዓይነት ጸቕጢ ኣየጋጥመናን እዩ፣ ንየሱስ ዚስዕብዎ ዘበሉ ዅሎም ግና ፈተናታት የጋጥሞም እዩ። (ማቴ. 16:24, 25፣ ዮሃ. 15:20) ከም የሱስ ድማ፡ ሓድሓደ ግዜ ንርበሽ ኢና። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ብጭንቀት ከይንውሓጥን ናይ ኣእምሮ ሰላምና ኸይዝረግን ክንከላኸል እንኽእል፧ የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዝገበሮ ሰለስተ ነገር ንመርምር፣ ንሕና ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ኸመይ ጌርና ኽንመስሎ ኸም እንኽእል እውን ንርአ።

የሱስ ብቐጻሊ ጸልዩ

ብጸሎት ውሽጣዊ ሰላምና ኽንዕቅብ ንኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 4-7 ርአ)

4. 1 ተሰሎንቄ 5:17 ኣብ ኣእምሮኻ ሒዝካ፡ የሱስ ኣብታ ኣብ ምድሪ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ብዙሕ ሳዕ ከም ዝጸለየ ዚሕብር ገለ ኣብነታት ሃብ።

4 ቀዳማይ ተሰሎንቄ 5:17 ኣንብብ። የሱስ ኣብታ ኣብ ምድሪ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ብተደጋጋሚ ጸልዩ እዩ። ዝኽሪ ሞቱ ኬቕውም ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ቕጫን ወይንን ጸልዩ እዩ። (1 ቈረ. 11:23-25) ካብታ ፋስጋ ዘብዓሉላ ቤት ቅድሚ ምውጻኦም ከኣ፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸልዩ እዩ። (ዮሃ. 17:1-26) ንሱን ደቀ መዛሙርቱን በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ደብረ ዘይቲ ምስ ከዱ ድማ፡ ብተደጋጋሚ ጸልዩ እዩ። (ማቴ. 26:36-39, 42, 44) ቀቅድሚ ሙማቱ ዘውስአን ናይ መወዳእታ ቓላት እውን ጸሎት እየን ነይረን። (ሉቃ. 23:46) የሱስ ብጸሎት ኣቢሉ ንየሆዋ ኣብ ኵሉ እቲ ኣብታ መዓልቲ እተፈጸመ ኣገዳሲ ፍጻመታት ኣሳቲፍዎ እዩ።

5. እቶም ሃዋርያት ትብዓቶም እተዳኸመ ስለምንታይ እዩ፧

5 ሓደ ኻብቲ የሱስ ንፈተናኡ ኺጻወር ዝሓገዞ ምኽንያታት፡ ብጸሎት ኣብ ኣቦኡ ይውከል ስለ ዝነበረ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ እቶም ሃዋርያት በታ ለይቲ እቲኣ ብጸሎት ኣይጸንዑን። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ሰዓት ፈተና ምስ ኣኸለት፡ ትብዓቶም ተዳኺሙ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 26:40, 41, 43, 45, 56) ንሕና እውን ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣብነት የሱስ እንተ ስዒብናን ‘ከየቋረጽና እንተ ጸሊናን’ ጥራይ ኢና እሙናት ክንከውን እንኽእል። ግናኸ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ እንኽእል፧

6. እምነት ንሰላምና ኽንዕቅብ ብኸመይ ትሕግዘና፧

6 “እምነት ወስኸና” ኢልና ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። (ሉቃ. 17:5፣ ዮሃ. 14:1) ሰይጣን ንዅሎም እቶም ንየሱስ ዚስዕብዎ ዘበሉ ስለ ዚፍትኖም፡ እምነት ተድልየና እያ። (ሉቃ. 22:31) እሞ ደኣ ተደራራቢ ጸገማት ኬጋጥመና ከሎ እውን ከይተረፈ፡ እምነት ንሰላምና ኽንዕቅብ ብኸመይ ትሕግዘና፧ ብወገንና ነቲ ፈተና ኽንዋጽኣሉ ዚከኣለና ምስ ገበርና፡ ብእምነት ተደሪኽና ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ንገድፎ ኢና። ንሱ ነቲ ጕዳይ ካባና ብዝሓሸ መገዲ ኸም ዚሕዞ ስለ እንኣምን ድማ፡ ኣእምሮናን ልብናን ሰላም ይረክብ እዩ።—1 ጴጥ. 5:6, 7

7. ካብቲ ሮበርት ዝሃቦ ሓሳባት እንታይ ተማሂርካ፧

7 ዜጋጥመና ፈተናታት ብዘየገድስ፡ ጸሎት ውሽጣዊ ሰላምና ኽንዕቅብ ይሕግዘና እዩ። ንሓደ ኣብ 80ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ሮበርት ዝስሙ እሙን ሽማግለ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ፊልጲ 4:6, 7 ዚርከብ ምኽሪ፡ ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ፈተናታት ክጸውር ሓጊዙኒ እዩ። ናይ ገንዘብ ጸገም ኣጋጢሙኒ ነይሩ እዩ። ሽማግለ ዀይነ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰለይ እውን ንግዜኡ ስኢነ ነይረ እየ።” እሞ ደኣ ውሽጣዊ ሰላሙ ኺዕቅብ እንታይ እዩ ሓጊዝዎ፧ ባዕሉ ኺምልስ ከሎ፡ “ጭንቀት ኪስምዓኒ ኸሎ፡ ብኡብኡ እጽሊ እየ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ብተደጋጋሚ ኣበርቲዐ ብዝጸለኹ መጠን፡ ዝያዳ ሰላም ከም ዝረክብ እየ ዝኣምን” ይብል።

የሱስ ብቕንኣት ሰቢኹ

ብስብከት ውሽጣዊ ሰላምና ኽንዕቅብ ንኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 8-10 ርአ)

8. ኣብ ዮሃንስ 8:29 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሱስ ውሽጣዊ ሰላሙ ኺዕቅብ ዝኸኣለሉ ኻልእ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩ፧

8 ዮሃንስ 8:29 ኣንብብ። የሱስ ንኣቦኡ ባህ የብሎ ኸም ዘሎ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ ኣደዳ መስጐጕቲ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ እውን ከይተረፈ፡ ውሽጣዊ ሰላም ነይርዎ እዩ። ተኣዛዝነት ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እኳ እዙዝ እዩ ነይሩ። ንኣቦኡ የፍቅሮ ነይሩ እዩ፣ ብዘሎ ህይወቱ እውን ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል እዩ ዜተኵር ነይሩ። ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ “ክኢላ ሰራሕተኛ” ኣምላኽ እዩ ነይሩ። (ምሳ. 8:30) ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ፡ ብዛዕባ ኣቦኡ ብቕንኣት ምሂሩ እዩ። (ማቴ. 6:9፣ ዮሃ. 5:17) እቲ ዕዮ እቲ ኸኣ፡ ንየሱስ ዓብዪ ሓጐስ ኣምጺኡሉ እዩ።—ዮሃ. 4:34-36

9. ኣብ ዕዮ ስብከት ትሑዛት ምዃንና ኸመይ ገይሩ እዩ ውሽጣዊ ሰላምና ኽንዕቅብ ዚሕግዘና፧

9 ንሕና እውን ንየሆዋ እዙዛት ብምዃንን “ኵሉ ሳዕ ብዙሕ ዕዮ ጐይታ” ብምዕያይን ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 15:58) ኣብ ዕዮ ስብከት ‘ኣጸቢቕና እንተ ተጸሚድና፡’ ብዛዕባ ጸገማትና ዝሓሸ ኣረኣእያ ኺህልወና ይኽእል እዩ። (ግብ. 18:5) ንኣብነት፡ ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ብዙሓት ሰባት ዝገደደ ጸገማት ኣለዎም። ንየሆዋ ብኸመይ ከም ዜፍቅርዎን ንምኽሩ ብኸመይ ከም ዚዓይዩሉን ምስ ተማህሩ ግና፡ ህይወቶም ይመሓየሽ፡ ዝያዳ ሓጐስ እውን ይረኽቡ እዮም። እዚ ኪኸውን ከሎ ብዝረኣና መጠን፡ የሆዋ ኸም ዚሓልየልና ብዝያዳ እምንቶ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። እቲ እምንቶ እቲ ኸኣ፡ ውሽጣዊ ሰላምና ኽንዕቅብ ይሕግዘና እዩ። ሓንቲ ኣብ ምሉእ ህይወታ ምስ ሕዱር ጭንቀትን ዋጋ ኣልቦነትን እተቓለሰት ሓብቲ፡ ነዚ ሓቂ ዀይኑ እያ ረኺባቶ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ብኣገልግሎት ትሕዝቲ ክኸውን ከለኹ፡ ብስምዒታዊ መዳይ ብዝያዳ እረጋጋእን ዝያዳ ሓጐስ እረክብን እየ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ክኸውን ከለኹ፡ ንየሆዋ ኣጸቢቐ ዝቐረብክዎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”

10. ካብቲ ብረንዳ ዝሃበቶ ሓሳባት እንታይ ተማሂርካ፧

10 ብረንዳ ብዛዕባ ዝስማ ሓብቲ እውን እስከ ንርአ። ንሳን ጓላን ከፊላዊ መልመስቲ ዜምጽእ ማልቲፕል ስክለሮሲስ ዚብሃል ከቢድ ሕማም ኣለወን። ብረንዳ ብብሽክለታ ስንኩላን እያ እትንቀሳቐስ፡ ሓይላ እውን ድኹም እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ በቤት እናኸደት ትሰብኽ እያ፣ ብቐንዱ ግና ደብዳበታት ብምጽሓፍ እያ እትምስክር። ከምዚ ኸኣ ትብል፦ “ኵነታተይ ከም ዘይመሓየሽ ሓንሳእ ብኣእምሮኣውን ብስምዒታውን መዳይ ምስ ተቐበልክዎ፡ ኣብ ኣገልግሎተይ ንምትኳር ናጻ ዀይነ። ዕዮ ምስክርነት፡ ኣብ ጭንቀተይ ከም ዘየተኵር እዩ ዚገብረኒ። ኣብቶም ኣብ ክሊ ጉባኤና ዝረኽቦም ሰባት ከተኵር እዩ ዜገድደኒ። ብቐጻሊ ድማ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎኒ ተስፋ የዘክረኒ እዩ።”

የሱስ ካብ ፈተውቱ ሓገዝ ተቐቢሉ

ምስ ጥዑያት ፈተውትና ግዜ ብምሕላፍ፡ ሰላምና ንዕቅብ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-15 ርአ)

11-13. (ሀ) ሃዋርያትን ካልኦት ሰባትን ንየሱስ ናይ ሓቂ ፈተውቱ ዝዀንዎ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ፈተውቲ የሱስ ኣብኡ እንታይ ጽልዋ እዮም ኣሕዲሮም፧

11 ኣብ ብምሉኡ እቲ የሱስ ዝፈጸሞ በዳሂ ኣገልግሎት፡ እቶም እሙናት ሃዋርያቱ ናይ ሓቂ ፈተውቲ ዀይኖምዎ እዮም። ነቲ፡ “ካብ ሓው ኣብሊጹ ዚለግብ ፈታዊ ኣሎ” ዚብል ምስላ ኸኣ ህያዋን ኣብነታት እዮም ኰይኖም። (ምሳ. 18:24) የሱስ ንፈተውቱ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም ነይሩ። ኣገልግሎቱ ኣብ ዚፍጽመሉ ዝነበረ እዋን፡ ካብቶም ብስጋ ኣሕዋቱ ዋላ ሓዲኦም ብእኡ ኣይኣመኑን ነይሮም። (ዮሃ. 7:3-5) ሓደ ግዜ እሞ ኸኣ፡ ኣዝማዱ ኸም እተጸለለ ገይሮም እዮም ርእዮምዎ። (ማር. 3:21) ብኣንጻሩ ግና፡ የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሞቱ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ለይቲ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ፡ “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ ዝጸናዕኩም ኢኹም” ኪብሎም ክኢሉ እዩ።—ሉቃ. 22:28

12 ሃዋርያት ሓሓሊፎም ንየሱስ የጕህይዎ ነይሮም እዮም፣ ንሱ ግና ኣብ ጕድለታቶም ኣየተኰረን፡ ብእኡ ኸም ዚኣምኑ እውን ይርኢ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 26:40፣ ማር. 10:13, 14፣ ዮሃ. 6:66-69) ኣብታ ቕድሚ ሞቱ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ለይቲ፡ የሱስ ነዞም እሙናት እዚኦም፡ “ኵሉ እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ስለ ዘፍለጥኩኹም፡ ኣዕሩኸይ ኢለኩም ኣለኹ” ኢልዎም እዩ። (ዮሃ. 15:15) ብርግጽ እምበኣር፡ የሱስ ካብ ኣዕሩኹ ብዙሕ መተባብዒ ረኺቡ እዩ። እቲ ኣብ ኣገልግሎቱ ዝሃብዎ ሓገዝ፡ ንልቡ ብሓጐስ መሊእዎ እዩ።—ሉቃ. 10:17, 21

13 የሱስ ብዘይካ ሃዋርያቱ፡ ኣብ ዕዮ ስብከትን ኣብ ካልእ ግብራዊ መዳያትን ዝሓገዝዎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ፈተውቲ እውን ነይሮምዎ እዮም። ገሊኦም ኣብ ቤቶም መኣዲ ኣዳልዮም ተቐቢሎምዎ እዮም። (ሉቃ. 10:38-42፣ ዮሃ. 12:1, 2) ገሊኦም ከኣ ምስኡ ይጐዓዙን ገንዘቦም የካፍልዎን ነይሮም እዮም። (ሉቃ. 8:3) የሱስ ጥዑያት ፈተውቲ ኺረክብ ዝኸኣለ፡ ንሱ ባዕሉ እውን ጥዑይ ፈታዊ ስለ ዝነበረ እዩ። ሰናይ ነገር ይገብረሎም ነይሩ እዩ፣ ልዕሊ ዓቕሞም እውን ኣይጽበዮምን እዩ ነይሩ። የሱስ ፍጹም እዩ ነይሩ፣ ነቲ ዘይፍጹማት ፈተውቱ ዚህብዎ ሓገዝ ግና የማስወሉ ነይሩ እዩ። ንሳቶም ከኣ ብዘይ ጥርጥር ውሽጣዊ ሰላሙ ኺዕቅብ ሓጊዞምዎ እዮም።

14-15. ከመይ ጌርና ኢና ጥዑያት ፈተውቲ ኽንረክብ እንኽእል፧ ንሳቶምከ ብኸመይ እዮም ኪሕግዙና ዚኽእሉ፧

14 ጥዑያት ፈተውቲ ንየሆዋ እሙናት ክንከውን ይሕግዙና እዮም። ጥዑያት ፈተውቲ እነጥርየሉ ብሉጽ መገዲ ድማ፡ ንሕና ባዕልና ጥዑይ ፈታዊ ምዃን እዩ። (ማቴ. 7:12) ንኣብነት፡ ግዜናን ጕልበትናን ተጠቒምና ንሰባት ክንሕግዝ፡ ምናዳ ኸኣ ‘ንስኡናት’ ክንሕግዝ መጽሓፍ ቅዱስ የተባብዓና እዩ። (ኤፌ. 4:28) እሞኸ ኣብ ጉባኤኹም ክትሕግዞ እትኽእል ሰብዶ ኣሎ፧ ካብ ቤቱ ኺወጽእ ንዘይክእል ኣስፋሒ፡ ኣስቤዛ ኽትሽምተሉዶ ትኽእል፧ ገንዘብ ንዚሓጽሮም ስድራ ቤት፡ ምግቢ ኣዳሊኻ ኽትዕድሞምዶ ትኽእል፧ ኣጠቓቕማ jw.org® ዚብሃል ወብሳይትን JW Library® ዚብሃል ኣፕሊኬሽንን ትፈልጦ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ጉባኤኹም ንዘለዉ ኻልኦት ሰባት ከመይ ገይሮም ከም ዚጥቀሙሉ ኸተርእዮምዶ ትኽእል፧ ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ነተኵር እንተ ዄንና፡ ሓጐስ ንረክብ ኢና።—ግብ. 20:35

15 ፈተውቲ እንተ ኣጥሪና፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ኺድግፉና እዮም፣ እዚ ድማ ውሽጣዊ ሰላምና ኽንዕቅብ ይሕግዘና እዩ። ከምቲ እዮብ ብዛዕባ መከራኡ ኺዛረብ ከሎ ኤሊሁ ዝሰምዖ፡ ፈተውትና ኸኣ ዜተሓሳስበና ነገራት ኽንዛረብ ከለና ብትዕግስቲ ይሰምዑና እዮም። (እዮ. 32:4) ፈተውትና ኺውስኑልና ኽንጽበ የብልናን፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ኺህቡና ኸለዉ ግና ክንሰምዖም ኣሎና። (ምሳ. 15:22) ከምቲ ንጉስ ዳዊት ካብ ፈተውቱ ንእተዋህቦ ሓገዝ ብትሕትና እተቐበለ፡ ሓገዝ ኣድልዩና ኻብ ፈተውትና ሓገዝ ኪቐርበልና ኸሎ ብዅርዓት ተለዓዒልና ምቕባል ኣይንእበ። (2 ሳሙ. 17:27-29) ከምዚ ዝኣመሰሉ ጥዑያት ፈተውቲ፡ ካብ የሆዋ እተዋህቡና ውህበት እዮም።—ያእ. 1:17

ከመይ ጌርካ ሰላምካ ኸም እትዕቅብ

16. ብመሰረት ፊልጲ 4:6, 7፡ ብመን ኣቢልና ጥራይ ኢና ሰላም ክንረክብ እንኽእል፧ ግለጽ።

16 ፊልጲ 4:6, 7 ኣንብብ። የሆዋ ነቲ ንሱ ዚህቦ ሰላም “ብክርስቶስ የሱስ” ኣቢልና ኽንረኽቦ ኸም እንኽእል ዝነገረና ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ነቲ የሱስ ዘለዎ ግደ ተረዲእና ብእኡ ምስ እንኣምን ጥራይ እዩ ሓሳብናን ስምዒትናን ነባሪ ሰላም ኪረክብ ዚኽእል። ንኣብነት፡ ብመሰረት እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ፡ ኵሉ ሓጢኣትና ኺሕደገልና ይከኣል እዩ። (1 ዮሃ. 2:12) እዚ ሓሳብ እዚ ዓብዪ እፎይታ እዩ ዜምጽኣልና። የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንዅሉ እቲ ሰይጣንን ስርዓቱን ዘውረዱልና ጕድኣት ኬዐርዮ እዩ። (ኢሳ. 65:17፣ 1 ዮሃ. 3:8፣ ራእ. 21:3, 4) እዚ ድማ ዓብዪ ተስፋ እዩ ዜሕድረልና። የሱስ በዳሂ ዕዮ እኳ እንተ ሃበና፡ ኣብ ብምሉኡ እዚ ዳሕሮት መዓልትታት ምሳና ዀይኑ ይድግፈና ኣሎ። (ማቴ. 28:19, 20) እዚ ኸኣ ብሓቂ ትብዓት ይህበና እዩ። እፎይታን ተስፋን ትብዓትን ድማ፡ ናይ ኣእምሮና ሰላም ዚህነጸሉ ድልዱል መሰረት እዩ።

17. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ውሽጣዊ ሰላሙ ኺዕቅብ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ዮሃንስ 16:33 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

17 እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ብኸቢድ ፈተናታት እናተናወጽካ ኽነስኻ ናይ ኣእምሮኻ ሰላም ክትዕቅብ እትኽእል፧ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ብምግባር፡ ሰላምካ ኽትዕቅብ ትኽእል ኢኻ። ቀዳማይ፡ ጸሊ፡ ብጸሎት ጽናዕ። ካልኣይ፡ ተኣዛዝነት ኣጸጋሚ ኣብ ዚዀነሉ ግዜ እውን ከይተረፈ፡ ንየሆዋ ተኣዘዞ፡ ብቕንኣት ድማ ስበኽ። ሳልሳይ፡ ፈተናታት ንምስጋር ሓገዝ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ናብ ፈተውትኻ ተጸጋዕ። ሽዑ፡ ሰላም ኣምላኽ ንኣእምሮኻን ንልብኻን ኪሕልዎ እዩ። ከም የሱስ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን ፈተና ኽትስዕር ኢኻ።—ዮሃንስ 16:33 ኣንብብ።

መዝሙር 41 ጸሎተይ ስማዕ

^ ሕ.ጽ. 5 ኵላትና ንሰላምና ምስ ዚዘርግ ጸገማት ክንቃለስ ኣሎና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሱስ ሰላሙ ንምሕላው ዝገበሮ ሰለስተ ነገር ትገልጽ። ንሕና እውን ከቢድ ፈተናታት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ከመይ ጌርና ኽንመስሎ ኸም እንኽእል ትሕብር።