ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሰነ 2016

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 1-28 ነሓሰ 2016 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

የሆዋ ‘ይሓልየልካ’ እዩ

ኣምላኽ ከም ዚሓልየልካ ብኸመይ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧ መርትዖ ርአ።

የሆዋ ኸም ሰራሕ ካይላ ዀይኑ ኸም ዚቐርጸና ነስተውዕል

ኣምላኽ ነቶም ዚቐርጾም ብኸመይ እዩ ዚሓርዮም፧ ስለምንታይ እዩ ዚቐርጾም፧ ብኸመይከ እዩ ዚቐርጾም፧

እቲ ዓብዪ ሰራሕ ካይላ ኪቐርጸካ ትፈቕደሉ ዲኻ፧

እንታይ ባህርያት እዩ ኣብ ኣእዳው የሆዋ ተቐረጽቲ ኸም እንኸውን ዚገብረና፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቶም ህዝቅኤል ኣብ ዝረኣዮ ራእይ እተጠቕሱ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይን ዚሕምሽሽ ኣጽዋር ዝሓዙ ሽዱሽተ ሰብኡትን ንመን የመልክቱ፧

“የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ”

ኣምላኽ ሓደ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ከም ሓደ ጌርና ኸነምልኾ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

ጕድለት ካልኦት ኪዕንቅፈካ ኣይተፍቅደሉ

ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዘረባኦምን ብግብሮምን ንኻልኦት ዚጐድእ ነገራት ገይሮም እዮም። ካብዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ ኣብነታት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ካብ ኣልማዝ ዚበልጽ ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርይ

ነዛ ባህርይ እዚኣ ምውናን ዓብዪ ዓወት እዩ

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ኣንቢብካዮዶ፧ ትዝክሮ እንተ ዄንካ ርአ።